Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንገዲ ኣየር ቀጠር ካብ ፈለማ ወርሒ ታሕሳስ ኣትሒዙ ናብ ኤርትራ ዝገብሮ ዝነበረ በረራ ከቋርጽ ምዃኑ ሓቢሩ።

ሓደ ካብቶም ንኤትራ ኣገልግሎት ዝህቡ ዝነበሩ ቀንዲ መጓዓዝያ ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ቀጠር፣  ካብ ፈለማ ወርሒ ታሕሳስ ኣትሒዙ፣ ካብ ደውሓ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ ዝነበረ ስሩዕ በረራ፣ “ስርሒታዊ ምኽንያታት” ዝብል ዘይንጹር ሓፈሻዊ ምኽንያት ብምሃብ ከቋርጾ ምዃኑ ሓቢሩ። እቲ

ሓደ ካብቶም ንኤትራ ኣገልግሎት ዝህቡ ዝነበሩ ቀንዲ መጓዓዝያ ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ቀጠር፣  ካብ ፈለማ ወርሒ ታሕሳስ ኣትሒዙ፣ ካብ ደውሓ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ ዝነበረ ስሩዕ በረራ፣ “ስርሒታዊ ምኽንያታት” ዝብል ዘይንጹር ሓፈሻዊ ምኽንያት ብምሃብ ከቋርጾ ምዃኑ ሓቢሩ።

እቲ 4 ታሕሳስ በረራኡ ደው ከምዘብል ዝገለጸ መንገዲ ኣየር ቀጠር፣ ቅድሚ ዚ ዕለት’ዚ ንዘሎ ግዚያት ትኬት ዘቝረጹ ዓማዊሉ በቲ ለውጢ ከምዘይትንከፉ ብምርግጋጽ፣ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ቤትጽሕፈቱ ንዓማዊሉ ኣማራጺ መገሻታት ኣብ ምውዳድ ንምትሕብባር ክሳብ 27 ለካቲት 2017 ኣግልግሎት ክህብ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

መንገዲ ኣየር ቀጠር ልክዕ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ ዓመት ኣገልግሎት ድሕሪ ምሃብ እዩ ስርሑ ደው ዘብል ዘሎ።

ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ኣገልግሎት ዝጀመራ ሓያለ መንገዲ ኣየራት ኣገልግሎት ከምዘቋረኣ ይፍለጥ። ሓንቲ ካብኣተን መንገዲ ኣየር ስዑዲ እያ። ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ቀጥታዊ በረራ ብምዘይምርካቦም፣ ነቲ ናብ ኣስመራ ዝገብሩዎ ዝነበሩ ናይ 55 ደቓይቕ ጉዕዞ ብዙሕ ገንዘብን ግዜን ብምጥፋእ ተዃሊሎም ይገብሩዎ ምህላዎም ነቲ ኣብ ዝሓልፈ ቅንያት ኣብ ጀዳ ኣኼባ ዝገበረሎም ልኡኽ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ወለንኪኤል ኣብርሃ ኣሰሚዖም እዮም።

እቲ መንግስቲ እየ ዝብል ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ድሕሪ 25 ዓመታት ናጽነት ንኤርትራውያን ብተዛማዲ ዝሓሸ ኣገልግሎት መንገዲ ኣየር ከውሕስ ብዘይምኽኣሉ ዘኽንኽ እዩ። ቅድሚ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ እቲ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ቤትጽሕፈት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኩሎም ‘ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ጨንፈራቱ ዝበዝሖ ገያሾ ብምንእንጋድ ዝለዓለ መኽሰብ ብምርካቡ ብተደጋጋሚ ይሽለም ከምዝነበረ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • TeAzabi November 29, 2016

    Even the muslim Arab countries are abandoning poor Islamic state of Eritrea. The Arabic as second language in
    Eritrea is not saving it from further embarrassment and isolation.
    Who would be next to abandon poor Eritrea? Turkey? How come our nearest cousins muslims abandon us!!!!!!!!!!
    After all the sacrifices and destruction we caused to follow and join them in Pan-Arabism and the Arab league????

    • k.tewolde November 29, 2016

      TeAzabi,I am not sure from what observation tower you looking at the regime in Asmara according to your pen name? you are calling this tyrant son of aga’azian Pan-Arab?please don’t insult those blind followers who pride themselves of pure christian supremacy.Talking about failure in establishing airline industry,I wish that was the only failure of the ouzo guzzling bafoons, I will happily hitch hike around the world on foot.

  • Teclay November 30, 2016

    “ቅድሚ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ እቲ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ቤትጽሕፈት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኩሎም ጨንፈራቱ ዝበዝሖ ገያሾ ብምንእንጋድ ዝለዓለ መኽሰብ ብምርካቡ ብተደጋጋሚ ይሽለም ከምዝነበረ ይፍለጥ። “.
    ንሱ ድኣ እሞ ኦሮማይ ኣበይ ክንረኽቦ ። ናትና ገንዘብና ከሎስ ፣ዕድመ ንጹሉላት ተማህሮ 60ታት ፣ኣይናትኩምን እዩ፣ ናይ ኣእዱግ, ናይ ገዛእቲ እዩ ኢለሙና።ንሕና ድማ ደጋጊሞም ‘ወልሂ’ ‘ ወላሂ’ ‘ ወላሂ’ ምስ በሉና ኣሚናዮም ። ዝገርመኩም ግን ዐይንና እናርኣየ ዓዊርና፣እዝንና እናስምዓ ጸምምና ድኣ እንበር እቶም ኩሎም ኣካየድቲ ስራሕ ደቂ ባሕረ- ነጋሲ እዮም ነይሮም።ከም ኣብነት ነፍሲሀር ኣቶ ኣብረሃ ግርማጽዮን።

    • AHMED SALEH !!! November 30, 2016

      Teclay
      You can’t twist facts to blame others to use them as scape goat . We all now who are
      responsible from that day until now on both sides . Deki Bahri Negassi hollow pride
      my foot . What do we got ; antagonistic leaders , destructive governance and waste
      of innocent lives . Moslems , Amhara , Oromo blabla for how long to fool yourself ?
      Seek spiritual divine to cleanse your soul from demon .
      You know better but you chose to close your eyes from facts . No wonder such attitude
      had been the sources to cause mayhem in poor people’s social life .

POST A COMMENT