Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መን’ዩ ፈታዊ ኤርትራ?

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ብኣጋጣሚ’ቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝቀረበ ክሲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝነብሩ ኤርትራውያን ብሰላማዊ ሰልፍን መራኸቢ ብዙሓንን ኣቢሎም ነቲ በቲ ውድብ  ዝቀረበ ጸብጻብ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ብኣጋጣሚ’ቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝቀረበ ክሲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝነብሩ ኤርትራውያን ብሰላማዊ ሰልፍን መራኸቢ ብዙሓንን ኣቢሎም ነቲ በቲ ውድብ  ዝቀረበ ጸብጻብ ደገፎም ገሊጾም። ብኣንጻሩ ስርዓት ህግደፍ በቲ ንሱ ዝውንኖ ጋዜጣ፡ ራድዮን ተለቪዝንን ኣቢሉን፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከብ ኣብያተ ጽሕፈታቱን ገለ ደገፍቱን ናይ ጠፋእና ዝዓይነቱ ኣውያት ብምቅላሕ ንጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ወድብ ሕቡራት ሃገራት ተቃዊሞም። ኩሉ ከምዝፈልጦ ግን ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ነቲ ኤርትራውያን ሰብ ጉዳይን ግዳያት ቅትለትን ውርደትን ክንስና ንመሰልና ክንቃለስን ንህግደፍ ብዘድምዕ ክንምክት ሰለዘይክኣልና’ዩ ነቲ ዘቅረብናዮ ጥርዓንን ኣውያትን ተቀቢሉ ከጻርዮን ወጽዓና ንዓለም ክነግረልናን ፈቲኑ። ክንዲ ዘኾለስኩ ኢደይ ተነኸስኩ ከምዝብሃል ግን፡ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብቀንዱ፡ ብግዝያዊ ጠቅሚ፡ ዘይምርዳእን ብፍርሕን ምስ ህግደፍ ዝተገርዙ ዜጋታት፡ “ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል የለን” ኢሎም መጉልሒ ድምጺ ህግደፍ ብምዃን ደገፎም ነቲ ስርዓት ገሊጾምን ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘሊፎምን።

ንምዃኑ እቶም “ህግደፍ ኣበር የብሉን” ኢሉም ክሳብ ስዊዘርላንድ ከተማ ጀነቫ ዝተጓዕዙ ኤርትራውያን ናይ ብሓቂ ተሓለቅቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኤርትራ ከይትበታተን ዝቁርቆሩን ነቲ ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ዘይፈልጡን ድዮም ዝብሉ ሕቶታት ምምላስ ኣገዳሲ’ዩ። ብርግጽ፡ ኣብ ኤርትራ ደረት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዘሎ፡ ኣማኢት ኣብ ፍርዲ ከይቀረቡ ንዓመታት ከምዝእሰሩን ብዘስካሕክሕ ከምዝቅተሉን፡ ኣብ ኤርትራ ብሕጊ ዝምእዘዝ ስርዓት ከምዘየለ፡ መሰል እምነትን ሓሳብካ ምግላጽን ከምዘይፍቀድ ግሉጽ’ዩ። ህግደፍን መሰልቱን ግን ነቲ ሓቂ ምኽሓድ ጥራይ ዘይኮነ፡ የዋሃት ንምድንጋርን ንምዕሳብን ዘይትኣደነ ገንዘብን ጉልበትን’ዮም ዘዋፍሩ። ንኣብነት እቶም ብህግደፍ ተኣዚዞም ካብ ክተማታት ኤውሮጳ ዝተዋጽኡን ኣብ ጀነቫ ንጸብጻብ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰላት ንምኹናን ሰልፊ ካብ ዘካየዱ ኤርትራውያን፡ ብስርዓት ህግደፍ ንመጓዓዝያ፡ መደቀስን መግብን ወጻኢታት ከምዝተገብረሎም ምስጢር ኣይኮነን። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሰላማዊ ሰልፊ ዘይተሳተፈ ዜጋ፡ ኣብ ኤርትራ ንግዲ ንምክያድ፡ ገዛ ንምስራሕን ንምግዛእን፡ ካብን ናብን ኤርትራ ክንቀሳቀስ፡ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክተርፍን ካልእ መሰላትን ኣይረክብን’ዩ። ስለዚ እቶም ኣብ ጀነቫ ከይዶም ዝተባህሉ ደገፍቲ ህግደፍን ህግደፍ ደገፍ ህዝቢ ከምዘለዎ ንኸምስል ዝተዋጠየሎምን ሰባት፡ ብልቢ ኣሚኖም፡ ተረዲኡዎምን ሓለይቲ ኤርትራ ኮይኖም ዘይኮኑስ፡ ዝተታለሉን ረብሓታቶም ከይጎድሎም ስለዝፈርሑን’ዮም ኣብ ቅድሚ ካሜራ ኣጣቂዖም። ኣብ ኤርትራ ይዕበ ይንኣስ ጉዳይ ክፍጸመልካ ንህግደፍ ምስእትሓትት፡ ንምጥቃስ ብራሽን ወይ መቁነን ዝወሃብ ሽኮርን ባንን ንኽፍቀደልካ፡ ውክልና ፍቃድ ከተውጽእ፡ መንነት ወረቀት ክትወሃብ፡ ምስክር ዕለተ ልደትን ካልእን ከትረክብ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዝፈጸምካ ወይ ከምዘይምልከተካ፡ ህግደፍ ኣብ ዝዕድሞ ኣኼባታት ከምዝተሳተፍካ፡ ንህዝባዊ በዓላትን ስፖርትን ገንዘብ ከምዘዋጻኻን ኣብ በዓላት ከምዝተሳተፍካን ከተረጋግጽ ኣለካ። እዚ ዓይነት ምምሕዳርን ሓለትን ዝመረሮም ኤርትራውያን፡ “ኤርትራ ርሒብ ቤት ማእሰርቲ” ኢሎም ቅጽል ስም ምሃቦም ድማ ኣይተጋገዩን።

እቲ ናይ ኣማን ፈታዊ ኤርትራ፡ እቲ ጠዋይ ጨርቂ፡ ዘይሕበል፡ ብገንዝቡን ውልቃዊ ውራዩ ሰዊኡን ምእንቲ’ቶም ኣብ ጎዳጉዲ ብዘይፍርዲ ተኣሲሮም ኣውያቶምን ቃንዛኦምን ዘይስማዕ፡ ምእንቲ’ቶም ብህግደፍ ዝቅንጸሉን ዝስንክሉን፡ ምእንቲ’ቶም ካብ ማእሰርትን ሕሰም ናብራን ከምልጡ ኣብ ኣጻምእን ባሕርን ዝጠፍኡ ዘለዉ፡ ምእንቲ’ቶም ሎሚ’ዶ ጽባሕ ንእሰርን ንቅተልን እናበሉ ብፍርሒ፡ ብስቅቅታን ብጥሜትን ኣብ ትሕቲ ምንጋጋ ህግደፍ ዝነብሩ ዘለዉ ዜጋታትን፡ ኣብ ጀነቫ ምእንቲ ፍትሕን ሰላምን ህዝቢ ኤርትራ ዝመረሸን ድምጹ ዘስምዐን ኤርትራዊ’ዩ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ዜጋ፡ ነዚ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዝቀረበ ጸብጻብ ድምጹ ክህብ እንተዝፍቀደሉ፡ ረኻቢ ሕሰም ንሱ ስለዝኾነ፡ 99 ካብ ሚእቲ እወ ንድግፎ ምበለ ነይሩ። እዚ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ህግደፍ ቀሪቡ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ድማ፡ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ’ኳ እንተኾነ፡ ኤርትራ ንምብትታን ብወጻኢ ክትጉበጥ፡ ምስ ኣብ 50ታት ዝነበረ ኩነታት ምትእስሳር የብሉን። ገለ ገርሀኛታትን ተንኮል ህግደፍ ዘይተገንዘቡን ኤርትራውያ ከምዝብልዎ፡ መጻኢ ዕድል ኤርትራ ብሕቡራት ሃገራት ኣይውሰንን’ዩ ኢሎም ጠንቂ  ምትእትታው ወጻኢ፡ ምልሕላሕ ሓድነትን ስደትን ህግደፍ ምዃኑ ይስሕትዎ። ሕጂ’ውን ክምብል በለም’በር ኣይተኻዕወን ከምዝብሃል ንኤርትራ የፍቅራ’የ ዝብልን ህዝቢ ኤርትራ ከይበታተንን ዝሓልን ኤርትራዊ፡ ሰበብ ኩሉ ሕሰም ህግደፍ ምዃኑ ተገንዚቡ፡ ብሓደ ቃል ፎእ ህግደፍ ክብልን ዕድሉ ባዕሉ ንኽውስን ክሰምርን ኣለዎ።

ጽላል ካብ ሕቡራት ኣመሪካ (6 ሓምለ 2015)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • rezen July 7, 2015

    “ንኤርትራ የፍቅራ’የ ዝብልን …. ዝሓልን ኤርትራዊ፡…..ብሓደ ቃል … ዕድሉ ባዕሉ ንኽውስን ክሰምርን ኣለዎ።” ጽላል ካብ ሕቡራት ኣመሪካ (6 ሓምለ 2015)

    The above admirable quotation is the ultimate declaration of objective which no rational mind can negate. But then that noble OBJECTIVE can never have life without equally emphasising the words : “ብሓደ ቃል” (i.e. UNITY). The ultimate question then gnaws upon us for an answer: “HOW?“

    Eritrea which has gone through so many upheavals, from every direction, for so long has been damaged and disillusioned by the 30-year-war of liberation and the sprouting of an indigenous dictatorship of governance. Eritrea is also a nation of diverse societies with inherent history of internal sociological animosity. And the ultimate sadness is the strange phenomenon that highly educated renowned scholars are incapable of being the vanguard of the nation in the crucial hour of its needs. Continued on Part II

  • rezen July 7, 2015

    Part II
    If Eritrean history is to be of any guide, then Eritrea’s destiny will, once again, be entwined with the intricacy of international political networks. Eritrea would be better off to be part and parcel of the international community, thus promoting and defending its own interest. The peaceful and dignified demonstration in Geneva on the 26th of June 2015 is a good example of working with the international community rather than against it. In that vein, it is hoped that there would be similar peaceful massive demonstration in North America where Eritreans interest is defended at a Meeting of the Highest Body of the United Nations Organization.

  • mm July 8, 2015

    The struggle is to ensure democratic rights. We don’t have to agree. It is not a national front. It is okay to disagree. The fight is INSURING DEMOCRATIC RIGHT. Only those who belive on this can march the LONG MARCH.
    Thank you.

POST A COMMENT