Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንዩ ፈላላይ (3 ክፋል)

ከመይ ቀኒኹም ብስኒትን ሰላምን ሃገርና ትግደሱ ኩሉኹም። ኣብ ካልኣይ ክፋል መንዩ ፈላላይ ብዝኣተናዮ ቃል ኣኽቢርና መጺናኩም። ሓርበኛ ኣቦና ሸኽ ኢብራሂም  ሱልጣን ብኣጋጣሚ ካልኣይን ሓድነታዊ ጉባኤ ኣብ 1987 ዓ.ም ዝሰደዱዎ ናይ ድምጺ መልእኽቲ ካብ ኣእምሮ ናይ

ከመይ ቀኒኹም ብስኒትን ሰላምን ሃገርና ትግደሱ ኩሉኹም። ኣብ ካልኣይ ክፋል መንዩ ፈላላይ ብዝኣተናዮ ቃል ኣኽቢርና መጺናኩም። ሓርበኛ ኣቦና ሸኽ ኢብራሂም  ሱልጣን ብኣጋጣሚ ካልኣይን ሓድነታዊ ጉባኤ ኣብ 1987 ዓ.ም ዝሰደዱዎ ናይ ድምጺ መልእኽቲ ካብ ኣእምሮ ናይ ሰማዒ ይሃስስ ማለት ዘይሕሰብ እዩ። ለበዋ ናይ ክቡር ፈታዊ ህዝቡን ሃገሩን ኣቦና ሓንቲ እያ “ደቀይ፣ የሕዋተይ፣ ደቂ ዓደይ ሕበሩ ኣስላማይ ክስታናይ ኣይትበሉ”። ንሶም ኩሉ ድሕሪ ስኒት ምዃኑ ስለዝኣመኑ እዮም መዋእሎም ንሓድነት ህዝቦም ብግብሪ ዝተቃለሱ። ኣብ መወዳእታ ድማ ምሕጽንትኦም “ሕበሩ” እያ ትብል ኔራ። ሽዑዑ ንሶም ንሩሑቕ መጻኢ ጠሚቶም ነቲ ተደጉሉ ዝነበረ ሕማም ተበለጽቲ ስለዘስተውዓሉ እዮም ቅሉዕ ምዕዶን ለበዋን ዝሃቡ።

ፈላለይቲ ብምፍልላይ ዝፈላለዩዎም ጸባ ክሰትዩ ከለው፣ ብድልየት ፈላለይቲ ጥራሕ ዝተፈላለዩ ግን ምፍልላዮም እንዳሓደረ ስለዝጎድኦም ዓንዴል እዩ ዝጥዕሞም። እቶም ሻራን ኣንቆራን እንዳፈላለዩ፣ ነቲ ሓደ ኣጆኻ፣ ነቲ ካልእ መን ከማኻ፣ ካመን ንኢስካ፣ ወዘተ እንዳበሉ፣ ነገር ክኣልሙ ድቃስ ዘይብሎም ዝሓድሩ እቲ ህውከትን ሕንፍሽፍሽን መንበሪኦም እዩ። እቲ “ኣብ ጫፍ መርፍእ ክንደይ መናፍስቲ ይስዕስዑ” ዝዓይነቱ ናይ ፖለቲካ ፍልስፍናዊ ሕቶኦም’ ውን ምስ ትርግታ ልቢ ናይ ህዝቢ ዝቓዶ ኣይኮነን።

ህዝብና ደላይ ስምረትን ሓድነትን ምዃኑ መስካሪ ኣየድልዮን። ኣብ ናይ መጀመርታ መፋርቕ 1970ታት ጀብሃን ሻዕብያን ዝበሃለሉ ዝነበረ ጊዜ፣ ብዓሙቕ ስምዒት እንዳስቆርቖረ “ተፈላሊና’ ዶ ጸላኢና ይፈለ ገሌና ንባርካ ገሌና ሳሕለ” ኢሉ ብምዝያም ቆዚሙ። ነቲ ዝተወልዕ ኩናት ሕድሕድ ጠጠው ንምባልን ንኽልቲኤን ውድባት ንምትዕራቕን ንምስማርን ካብ ሕንብርቲ ጸላኢ ማእከል ኣስመራ እኽለ ማዩ ሒዙ ብኣውቶብሳት ንወክዛግር ብምኻድ ልዕሊ ዓቅሙ ጽዒሩን ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉን። እዚ ንጸላኢ ዘስደመመ ስራሕ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ኩናት ሕድሕድ ዝነበሮ ተቓውሞን ናይ ስምረት ድሌትን፣ ንናጽነት ዝነበሮ ባህግን ጽልኢ መግዛእትን ዘይተምበርካኽነቱን እዩ። ውጽኢት ናይዚ ተባዕ ተበግሶ ህዝብን ኩነኔ ሕድሕዳዊ ምፍልላስ ነቲ ኩናት ንጊዜኡ ጠጠው ከብል ክኢሉ። እቲ ምቑዛምን ምስቑርቃርን ብኡ ንብኡ ብምቁራጽ “ኣቲ ስምረትየ ስምረትየ ባንዴራና ሰማያዊ ዓይነትየ ባዕለይ ክዋግኣላ” እንዳበለ ጨፊሩ።

ስርዓት ደርጊ ንሓያል መጥቃዕቲ ብረታዊ ቃልስና ክጻወሮ ስለዘይክኣለ ሓዲሽ ውጥን ናይ መፈላለይ ብስም ራስ ገዝ ቆላማ፣ ደጋማ፣ ሎጎ እንዳበለ ህዝቢ ብዓሌትነት ክጎዛዝይ፣ ንዑዑ ዘተግብሩ ከዕጥቕ ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብለሉ ዝነበረ ወቕቲ፣ እቶም ኣሳሰይቲ ናይዚ ፈላላይ ብልሓት እዚ “ከስዒ ኣደ ጉራምራ” ከምዝበሃል ዋላኳ ብትውልዲ ኤርትራውያን ይኹኑ እንበር ቅንጣብ ሃገራውነት ኣብ ኣተሓሳስቦኦም ኣይነበረን። ቀኛዝማች ሱናባራ ማሕሙድ ደመና ነዚ ሓደገኛ ኩነታት ብምግንዛብ “ንሕና ኤርትራውያን ጸባ ሓንቲ ላም ፍርያት ናይ ሓደ ግራት ኢና” ብምባል ኣብ ኣእምሮኻ ዝስወጥ ተሪር መልእኽቶም ኣቃሊሖም። እዚ ዓሙቕ ትሕዝትኡ ኣብ መሬት ዘይወድቅ ዘረባ’ ዚ ኣብ ውህሉል ናይ ዕድሚኦም ተሞክሮ ዝሰነቕዎ ናይ መጠንቐቕታ ደወል ንመጋበርያ ምፍልላይ እዩ። እቲ ብኣጋ ዝተቖጸየ ውጥን ራስ ገዝ ሕማቕ በሰላ ከይገደፈ ኣብ ናይ ታሪኽ ጉሓፍ ተደርብዩስ ኣብ ርብዒ ዘመን ዘይኣክል ጊዜ ናብ ምርሳዕ ተቓሪቡ።

ስነመጎት ናይ ፈላሊኻ ግዛእ ኩሉ ንውልቃዊ ረብሑኡን ስሙን ኣብ ልዕሊ ረብሓን ታሪኽን ህዝቢ ዘቐድም ዝጥቀመሉ ኣዝዩ ሓደገኛ ብልሓት እዩ። እቶም በዚ መላ’ ዚ ዝግልገሉ ንድኹም ጎንታት ናይ’ ቲ ብሓድነት ተጠሚሩ ዘሎ ህዝቢ ሃሰው ኢሎም ንዘየሎ ከም ህልው፣ ንንእሽተይ ከም ዓቢ እንዳሰራሰሩ፣ ዝጠፍእ ሓዊ ብምእጓድ ሰላም ይዘርጉ። እዞም ብስቅያት ናይ ህዝቢ ዝፍስሑን ብደም ዝረውዩን ጉልሒንጣ ሕብረተሰብ ዕግበቶም ደረት ስለዘይብሉ ካሳብ ዝተሓተ ማይቤት ወሪዶም ሓሸውየ ይጻወቱ። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፍና ጸቒጥና ዘስመርናሉ እቶም ብምፍልላይ ዝረብሑ ኣብ ድነ ግርጭትን ምትህልላኽን ኣህዛብ ተኸዊሎም ነቲ ብሓድነት ክርከብ ዝኽእል ረብሓ ብዙሓት ሰሪቖም ስለዝናበሩ፣ ንኽፍእ መጋብሮም ብኽፍት ልቢ ኢሂን ምሂን ኢልካ ምልዛብ ስለዘቓልዖ እዚ ንከይመጽእ ዝጋርድ ብዝህንድስዎ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ዝለዋወጥ ትሕተ ሃገራዊ ምኽንያታት ዓዒንቲ ብዙሓት ደፊኑ ይርከብ።

ዝበዝሐ ክፋል ሕብረተሰብና መነባብርኡ ኣብ ማሕረስን ጉስነትን ዝተሞርከሰ ኮይኑ ንኣጠቓቕማን ዋንነትን መሬት ንዝምልከት ብሰንኪ መግዛእቲ ምዑርይ ብዘይ ምዃኑ ናይ ነዊሕ ምስሕሓብ ኣብ ሞንጎ መዳውብቲ ዝኾኑ ጎዶቦታት ጸኒሑ እዩ። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ነዚ ኣብ ዳርጋ ነብስወከፍ ወረዳ ዘሎ ሽግር ኣብ ውሽጢ ዝሓለፋ 20 ዓመት ከም ሓደ ዓቢ ጸጋ ተጠቒምሉ። ከም መግዛእቲ ዝፈጠሮ ሽግር ሕጋዊ መዕለቢ ክገብረሉስ ይትረፍ  ንዑዑ ክከታተል ዝመዘዞ ኣካል ወይ እቲ ባእሲ ከይዓርግ ዝገትዕ ዘውጽዖ ኣዋጅ የለን። ኣብያተ ፍርዲ’ ውን ብወግዒ መስርሕ ድንነት ከየካይዳሉ ስለዝተኣገዳ ብኣመሓደርቲ ንኡስ ዞባን ዞባን ተቛሲሉ ይርከብ። ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ሞንጎ ሒቦን ማይ ሓራሳትን ዝተባህላ ዓድታት ብሰንኪ መሬት ብዝተፈጥረ ኣንባጓሮ ሙሟት ናይ ሓደ ሰብ ከም ኣብነት እንተወሲድና፣ ሕጂ ዝጀመረ ዘይኮነስ ድሕሪ ናጽነት ጥራሕ ንሳልሳይ ጊዚኡ ዝተፈጸመ ኣብ ነብስ ወከፍ ረጽሚ ህይወት ክወስድ ዝጸንሐ ጉዳይ እዩ። ከምዚ ዓይነት ባእሲ ናይ ኣሕዋት ጎዶቦታት ብ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተባባዕ እንበር ዝጽላእ ከምዘይኮነ የርእየና። ዝወስዶ ስጉምቲ እንተልዩ ዝኾነ ምስኮነ ነቲ ተግባር ከም ዝኹንኖ ንምምሳል ዘየናሕሲ ስጉምቲ ብጅምላ ኣደ ቆልዑ ኣንስትን ሽማግለታትን ገፊፍካ ናብ ናኹራ ወሲድካ ምእሳር ኣብ ልዕሊ እንባደርሆ፣ ድግሳ፣ ሰላዕ ዳዕሮ እተተግበረ ክውን ሓቂ እዩ። ነዚ ዘስተውዓሉ ወዲ ሰማንያን ሓሙሽተን ሽማግለ “እዚ “ሕማቕ ገላጋሊ መቃተሊ” ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን “እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ” ፋይል ከፊትካ ዘይትሟገተሉ ዘከራኽር ነገር ብዛንታ’ ውን ኣይሰማዕናን፣ ዘይዳኒ መንግስቲ’ ውን ኣይርኣናን፣ ሽፍታ’ ውን እኮ ሓይሉ ከፍልጥ እንባጓሮ ደው ክብል ይእዝዝ፣ ዝመሰሎ ፈሪዱ የገድድ እዩ” ኢሎም።

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ናይ ቀደም ዝጸንሐ ምስሕሓባት ዘደቅስ ሕጊ ምንዳፍን ምትግባርን ይትረፍ ኣብ ሞንጎ ዕግርግር ክፈጥር ይኽእል እዩ ዝብሎ ንምጉህሃር ሓሰው ዝብል ምዃኑ እተን ኣብ ከባቢታት ኣስመራ ዘለዋ ዓድታት ከም ቁሸት፣ ዓዲ ሶግዶን ዓዲ ኣቤቶን ዝኣመሰላ ተወለድተን ንዝተዋህቦም ጤሳ መሬት ኣባይቲ ክሃንጹ ዓቅሚ ዘይነበሮም ነቲ ፍርቁ ሸይጦም ነቲ ዝተረፈ በቲ ዝረኸቡዎ ሽያጥ ገዛ ሓኒጾም እንተኣካርዮም ወይ ዶርሁ ኣፍርዮም ናብርኦም ብምምሕያሽ ብሕውነትን ስኒትን ምስ ገዛእትን ተኻረይትን ክነብሩ ምስተዓዘበ በዚ ርግኣት’ ዚ ዘይቀሰነ ምንቀኛ ኢሳያስ ንተወለድቲ ደቂ ዓዲ ኣኼባ ጌሩ “መሬት ደቀባት ብዘይጠቅም ገንዘብ ክሽየጥ ሕልናይ ዝፈቕዶ ተግባር ኣይኮነን፣ ገንዘብ ካብ ባንኪ ወሲድኩም ዋጋ መሸጣ መሊስኩም ንብረትኩም ተረከቡ” ኢሉ ክርቢት ዝሸርጠጦን ብመራኸቢ ህ.ግ.ደ.ፍ ከም ዝቓላሕ ገይሩ ዘነዓዓቦ ናይ ትማሊ ሓቂ እዩ። እዚ ሰንካም ትእዛዝ እዚ ጊዝያዊ ምትፍናን እኳ እንተምጽእ ድሒሩ ግን መባጨዊ ኮይኑ ንፋስ ከምዝወሰዶ በኒኑ።

“ሓያል ኣንበጣ’ሲ ግራትካ በሊዑ ኣብ ደጎልካ ይሓድር” ከምዝበሃል ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ገፊፍ ዝወሰዶም መንእሰያት ኣንጻር ዘመናዊ ጊላነት እንቢ ኢሎም ናብ ስደት ምስ ኣምርሑ ስድራ ቤቶም ንሓደ ሰብ ሓምሳ ሽሕ ናቕፋ ክቕጽዑ ነዚ ዘይከፈለ ክሳብ ዝረዲ ክእሰር ምስ ኣዘዘ ብጓሂ ዝጎበጡ ኣቦ ኣርባዕተ ስውኣት ሽማግለ ነቲ ዘገድድ ዝነበረ ብዓል ስልጣን “ስማዕ ወደይ ናይ ኣርባዕተ ስውኣት ኣርብዓ ሽህ ሂብኩም’ሲ ናይ ሓደ ጠዋሪየይ ዝዛረበሉ ስኢኑ ኣዲኦም ዝመተቶም ዘኽታማት ገዲፍ ገፊፍኩም ምስወሰድኩሞ ካብ ኢድኩም ዝኸደን ክሳብ ሕጂ ሓለዋቱ ዘይፈለጥኩ ሓምሳ ሺሕ ክፈል ክትብሉኒ” ምስበሉዎ ትቕብል ኣቢሉ ብስውኣት እንዳሸቀጥካ ሕድሪ ሰማእታት ምርጋጽ ኣይኮነን። ንሕና ሽጣራ ቫቲካን ዘይንፈልጥ ኣይኮናን ኢሉ ኣጉባቢዑ። እዚ መቐጸልታ ናይቲ ቫቲካን ንተኸተልቲ ካቶሊክ ወርሓዊ ደሞዝ ትህቦም እያ፣ ኣብ ሱዳንን ሊቢያን ቤት ጽሕፈት ከፊታ ገንዘብ እንዳኸፈለት ንዝሃደሙ መንእሰያት ካቶሊክ ናብ ኤውሮጳ ተስግሮም ኣላ ዝብል ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ በቲ ስርዓት ዝንዛሕ ዝነበረ እዩ። ዕላምኡ ድማ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ዘይምትእምማን ምፍጣር ምዃኑ ግሁድ እዩ።

እዚ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተወጢሑ ዘሎ ውልቀመላኺ ህላውነት ናይ ዝተፈላለየ ባህልን ሃይማኖትን ኣብ ሃገርና ንመጎዛዘይ እዩ ዝጥቀመለን። ንኹለን ከኣ ዋላ ደረጃታቱ ይፈላለ ድኣ እምበር ኣረኻኺብለን እዩ። እቶም ናይ መጀመርታ መፈወንታ ዝኾኑ ተኸተልቲ ጅሆባ ሃገራውያን ዜጋታት ክንሶም ብዘይ ኣዋጅን ኣፍልጦ ባይቶን መሰል ናይ ትውልዲ ዜግነቶም ተመንጢሎም ንብረቶም ተራስዩ። ቀጺሉ ንኹሎም እምነታት በብተራ መራሕተን እንዳኣሰረ፣ ንብረተን ወሪሱ፣ ምንቅስቃሳተን ኣጊዱ፣ ኣስማተን ብትሕቲ ሃገራውነት እንዳጸለመ ናይ ተኸተልተን እምነት ንክሃስስ ጽዒሩ። ኣምሳይእን ብስመን ዝንቀሳቐሳ ሕልንእን ደፊነን ናብ ከይሲ ኢሳያስ ዝጽልያ ብኡኡ ዘምልኻን ንዑዑ ዝውድሳን ናይ ሃይማኖት ተምሳል ዘለወን ንህዝቢ ዝፈላልያ ትካላት ንሙቃም ኣብ ኩሉ ጦብሎቕሎቕ ክብል ብዓይና ንርእዮ ኣለና።

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ናይ ስልጣን ዕድምኡ ዘናውሓላ፣ ከም ሓላይ ኮይኑ ዝወራዘየላ፣ ነቲ ሓደ ብታህዲድ፣ ነቲ ካልእ ብጉንዖ፣ ነቲ ዘይተጻዕደ ብምሕያር ዝነብረላ ጥጥሕቲ ባይታ ንህዝቢ ምፍልላይ እያ። ነዚኣ ብዝመጸት መገዲ ክጥቀመላ ዓይኑ ኣይሃስን እዩ። ኣብዚ ዓውደ መኸዳ ቀንዲ መሻርኽቱ እቶም ኣንጻሩ ኢና ዝብሉ ተቓወምቲ ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ናይ ፖለቲካ ጭርጭር ዓበደ ዝተጸምዱ፣ ንስልጣን ዘንባሕቑ ሃንቀውታ ህዝቢ ኤርትራ ዘይርድኡ እዮም። እቲ ኣብ ሞንጎ “ንዕርፊ ምራን ሓነቖ፣ ከርፈዝ ጠወቖ” ኮይኑ ተቓቒሩ መሓነኑ ጠፊእዎ ፋሕ ጭንግራዕ ዝብል ዘሎ ምሓዚ ሓንጎልን ኣፍራይ ጉልበትን ዝሓዘ መንእሰይ ስኣን ቅኑዕን ብቑዕን መሪሕነት ዝውድቦን ዘማእዝኖን ስኢኑ ኣብ ስደት ዘሎ ፈዚዙ ኣብ ናይ ኣገልግሎት ጊላነት ብረት ዓጢቑ ዘሎ ተዓምዚዙ ይርከብ።

ተራ ምሁራት ኣብ ሓደ ህዝቢ ዕዙዝ ዝኾነሉ ምኽንያት ዋላውን ቆጽሊ ተነቢርሎም ኣብ ስልጣን ኣይቀመጡ፣ ኣተሓሳስብኦም ኣዝዩ ጸላዊ ስለዝኾነን ብዘለዎም ማሕበራዊ ክብሪ ካብ ማእከላይ ዕድመ ንታሕቲ ዘሎ ክፋል ሕብረተሰብ ኣሰሮም ስለዝስዕብን ከም ኣብነት ስለዝወስዶምን እዩ። እዞም ኣርኣያ ክኾኑ ዝግብኦም ምሁራትና መድረኽ ዘሰከሞም ሓላፍነት ንህዝቦም ንምጥርናፍን ካብ ዘለዎ ዓዘቕቲ ንምግልጋል ኣብ ክንዲ ዝሰርሑ፣ ንባዕሎም ተፈላልዮም ተበግሶ ነንዝወሰደ ክጭፍጭፍ እቲ ዝበሰለ ሃዋህው ሓድነት ይባኽን ኣሎ። “ሓንካስ ዝመራሒተን ኩለን የንደልህጻ” ከይከውን ኣብ ዝተረግጸ ሰብኣዊ መሰል ህዝብኹም ልዕልና ሕጊ ከተንግሱ ሰረት ስኒት ኣንቢርኩም ንፈላለይቲ ካብቲ ክፈላለ ዘይግብኦ ህዝቢ ፈሊኹም ንሓዋሩ ዝኸውን ህንጻ ሓድነት ክትሰርሑ ናይ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ድሌትን ትጽቢትን እዩ።

ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ
ለንደን፣ ዓዲ እንግሊዝ
6 ሕዳር 2011

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • truly, Truly i say to you November 6, 2011

    ክፍሊ ሃደ (part 1)
    ኽቡር ኣለና ብዛእባ መበቆል ናይዞም ጨቃናት ገለ ገለ ሰብስልጣናት ቁርብ ትንክፍ ጥራይ ኣቢልካ ኣፀቢቕካ ንነበብቲ ከይገለጽካዮ፡ ናብ ካልእ ጉዳይ ሃሊፍካ ስለዘለኻ፣ ዋላንዃ ቅድም ሕጂ ካልኦት ሰባት በብዝፈለጥዎን በብኣቕሞምን ብዛእባ ናይዞም ሰባት መበቖልን ሕቡእ ትልዕኮኦምን ንህዝቢ ከረድኡ ቑሩብ ተነኻኪፎም ከምዝነበሩ ውላኳ ዝፍለጥ እንተኮነ፣ በጃካ ነዚ ናትካ ፅሑፈት ብዙህ ሰብ ይከታተሎ ስለዘሎ፣ ምእንቲ ብዙህ ሕዝቢ አፀቢቑ ንክፈልጦምን ግቡእ መረዳእታ ንክህልዎን ስለዝህግዝ፣ ብዙህ ከይተሰከፍካ ናይ ኢሳያስ፣የናማኔን ክሻን ጥራይ ደይኮነ፥ እንኮላይ ናይካልኦት ሰበስልጣናት ሕግደፍን፣ እንትከኣልካውን ናይዞም ብዘይፍርዲን ፍትህን አብ ቀይዲ አትዮም ብዛእባ ዘለዉ ሰበስልጣናት ነበር ማለት፡ – ናይ ኃይሌ(ድሩዕ)፣ ጴጥሮስ፣ በራኺ፣ ብርሃኔ፣ ሸሪፎ፣ ጀርማኖ፣ ከክያ ወዘተ ከይተረፈ ወሲካ ብዛእባ ምበቆሎም ክትገልፀልና እንተትክእል ኣዝዩ ጽቦቕ ነሩ።

  • truly, Truly i say to you November 6, 2011

    ክፍሊ ክልተ
    ናይዞም አብቀይዲ ዘለዉ ሰብስልጣናት ከይተረፈ ምባለይ፣ ብወገነይ ብዛእባ መበቖሎም ስለዝተጠራጠርኩ ደይኮነ፣ ሕግደፍ ብጠቀነ፡- ብተንበርካኪነትን ትሕተ ሃገራዊነትን ኢና ኣሲርናዮም ይብሉ ስለዘለው፣ ናይብሃቂ ብኣል ድሩዕ ትህቲ ኢሳያስ፣ መንኪን፡ ክሻን ዝተሃተ ናይመበቆል ቅልውላው ሃሊዎም ትሕቲ ሃገራውያንን ተንበርከክትን ንክኾኑ ንዘደረኮም ምኽንያት ሕዝቢ ነቲ ሃቂ መርሚሩ ንክፈልጦ ዕድል ከምዝህብ ስለዝተኣመንኩሉ እምበር፣ ምኽንያት መእሰሪኦም፡- ስልጣን ንሕዝቢ ይረከብ፣ ቅዋም ይተግበር፣ ነዚ ናይወያኔ ጉዳይ ብፍላይ አብግዜ ሳልሳይ ወራር፤ ወያኔ ብሃያላን ሃገራት ተሃጊዙ ንውግእ ከምዝተዳለወ አጸቢቆም ስልዝፈለጡ፣ ካብግቡእ ስክፍታ ስትራቴጂካዊ ለውጥታት ገርና ሕዝብናን መሬትናን ካብጥፍኣት ነድህን ብምባሎም ከምድኮነ ሲሂተዮ አይኮነን።

  • Fanko November 6, 2011

    I urge Human Rights Concern Eritrea to focus on the issue of human rights and justice. Stay away from stories being retold again and again as “history”.
    The more you attach yourselves to fictious stories, the less credible you become.
    Stay away from politics.

  • truly, Truly i say to you November 6, 2011

    ክፍሊ ሰለሥተ (Part 3)
    ብኣንጻሩ´ኳ ድኣ ኢሳያስ፣ አብቲ ሕማቕ ወሳኒ ሳልሳይ ወራር እዋን፣ ነቲ ንሕዝቢ ኤርትራ ንምጥፋእ ኃያላን ሃገራት ብሽም ጥምየት ብሜላ ንኢትይጵያ አጽዋርን መግብን ንከህልፉ ንኢሳይስ አብዝሃተትዎ ዕዋን ነቲ ሚስጠር ከምዘይፈልጥ ተመሲሉ፣ ብወደብ ኣሰብ ከይተረፈ ክህልፍዎ ፈቂድሎም ከምዝነበረ ሕዝቢ ኤርትራ ብሞሉእ ኣዳእዲኡ ዝፈለጦን ዝሰመዖን ጉዳይ እዩ። ስልዝኮነ ክቡር ኣለና፣ ከምቲ ዝበልካዮ ብወገነይ´ውን ከይፈተኩ ብዛእባ መበቖል ክዛረብ ስለዝተገደድኩ፣ነቲ ስለኤርትራ ኢሉ ደሙ ዘፍሰሰ ምስኪናይ ተራ ሕዝቢ መበቖል ደይኮነ፣ ሕዝቢ ኤርትራ ከም ዓለሙ ናይመራህቱ መንነት የግድን ክፈልጥ ስልዘለዎ፣ እንተኪእልካውን ናይዞም ናይተቃወምቲ መራሕቲ ኢና ባሃልቲ መበቆሎም´ውን ምፍላጥ ኣገዳሲነት ስለዘለዎ፣ ብዝከኣለካ ከይስልከኻ ምግላጽ በጃኻ አይተቛርጾ ኢኻ። እዚ ክብል ከለኹ ንኣኻ፣ ካልዕ ግዱስ ሕዝቢ ብሓበሬታ ከምዝተሃባበሩኻ ብምእማን እዩ። ኣወትን አሳልጦን ከኣ ይምንየልካ!

  • HGDEF November 7, 2011

    You should be honest in this case and call spade a spade. You people don’t need to shoot around the bush and give ambigious statments leaving people in speculation. Divisive idea like yours were before and there are now. They were taken necessary step before and should be taken care of now too. Don’t try to defend them and make them sources of excuse for all your sins

  • zgohaye November 7, 2011

    ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት
    ጽሑፋትኩም ቕኑዕ ኢለ የኣምነሉ
    እንተኾነ ምስ ግዜ ዝኸይድ ጽሑፋት እንተትዝርግሑ ዝሓሸ ኢዩ። ኣብ’ዚ ህዝቢ ብሓዘን ተግባራት ቡድንን ግብጽን ደንዚዝሉ ዘሎ ህሞት፤ ናብ ካልእ ጽሑፋት ከተዘንብሉ ግዚኡ ኣይመስለንን።
    ሎሚ ዘለናሉ እዋን እዋን ሓዘንን ሕርቓንን፤ ነገራት ብኸመይ ነድሕንን ንወስንን ኢዩ ዘሎ ግዚኡ።
    ሎሚ ግዜኹም ‘ብኸመይ፧ብመን፣ ብዓልመን ፈጸምዎ፣’ ዝብላ ቓላት ጥራይ ምልእወን። ካልእ ደፋ እእልና ነርክበሉ

POST A COMMENT