Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መን`ዩ ወዲ ዓሊ ? ንህዝቢ ኤሪትራ ካብ ጭቆና ከናግፍ ካብ ሰማይ ዝነጠበ ነቢይ ዲዩ?

መን`ዩ ወዲ ዓሊ ?  ንህዝቢ ኤሪትራ ካብ ጭቆና ከናግፍ ካብ ሰማይ ዝነጠበ ነቢይ ዲዩ? ብጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ - ለንደን እዚ ዘለናዮ ጊዜ    ውድዓዊ  ኩነታት ንለውጥጢ  በሲሉ ክነሱ ባዕላዊ  ኩነታት ግን ጌና ይመስል።  እተን  ነባራት ተቓወምቲ ውድባት ሐድነት ዘይምህላወን

መን`ዩ ወዲ ዓሊ ?  ንህዝቢ ኤሪትራ ካብ ጭቆና ከናግፍ ካብ ሰማይ ዝነጠበ ነቢይ ዲዩ?

ብጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ – ለንደን

እዚ ዘለናዮ ጊዜ    ውድዓዊ  ኩነታት ንለውጥጢ  በሲሉ ክነሱ ባዕላዊ  ኩነታት ግን ጌና ይመስል።  እተን  ነባራት ተቓወምቲ ውድባት ሐድነት ዘይምህላወን ይኹን ወይ ብኻልእ ምኽንያታት ከምቲ  ትጽቢት ህዝቢ ነዚ ውድዓዊ ኩነታት መዝሚዘን ክተዓጻጸፋሉ ኣይከኣላን ።  ብዙሐት ሰባት ብኣታተን ሕጉሳት ክምዘይኮኑ እውን  ይጸሓፍ ኢዩ።

ኣብ  ከምዚ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ  ሃዋሁው  ብገለ ፥ሐደ ነገር ክንገብር ኣለና ዝብሉ፥ ሃገራውያን  ተብግሶታት  ይቅልቀሉ እዮም። ስለዚ ኣብዚ ኩነታት እዚ  ሐደስቲ ጉጅለታት ከም መድረኽ ይኹን ወይ ውልቀ ሰባት ከም ወዲ ቫካሮ  ምቅልቃል ዘገርም ኣይኮነን። የግዳስ ባህሪያዊን ፥ዘለናዮ ሐድነተ ቢስ ኩነታት ዝጠልቦን እዩ።

ይኹን እምበር እዚ ተርእዮ እዚ ንገለ ሰባት የባህርሮም ኣሎ። ዶብ ዝሐለፈ ፡ መሰል ተቃለስቲ ዝግህስ፡ ዘይሐላፍነታዊ ጸለመታት ንኣንበብቲ የእንግዱ ኣለው።   ኣረኣእየኦም ዝንቡዕ ድኣ ኮይኑ እምበር እዘን ሐድስቲ ተበግሶታት ነተን ዓመታት ዝገበራ ገዲማት ውደባት ጎናዊ ረብሐ የምጸኣለን እየን።   ናይቲ ዝሐለፈ ዓመታት ስረሐተን ገምጊመን ድኽመተን ኣለልየን ምምሕያሽ ክገብራሉ ድፊኢትን (incentive) ጸቅትን ስለ ዝኾነን። ብሕልፊ  ነተን ሐደስቲ  ተወሳኺ ሐይሊ ናይ ቃልሲ  ወሲደን ምስ ዝተሐባበራ ኣብ ኣሰራርሔኤን መሰረታዊ ለውጢ ከምጽኣ ይኽእላ እየን ።  ንስራሕካ ዳግመ ገምጋም ገርካ ምብጋስ  እቲ ዝሐሸ ግብረ መልሲ ንሐድሽ ተብግሶታት እዩ  ምኽንያቱ ሐቢርካ ምስራሕ ትጽቢትን ጠለብን ህዝቢ  ስለ ዝኾነ። ህዝቢ ንሐቢርካ ምስራሕ ሃረር ስለ ዝብሎ ብዚያዳ ከተባብዔንን ክትሐባበረንን ከም ዝኾነ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

እታ ካልኣይቲ ነጥቢ ኣሉታዊ ኮይና ዘተኩረላ ዘለኹ ጉዳይ እያ።  ሀገር ኣብ ምንታይ ደረጃ ከም ዘላ ከይገምገምካ ፥ ኩሉ ኤሪትራዊ ንለውጢ ክካፍል ኣልዎ ኢልካ እናጎሳጎስካንናይ ተጋደልቲ ነበር ተበግሶ  ዝኾነት መድርኽ ከተጸልም ተገራጫዊ እዩ። ኣንጻር  መንፈስን ቃልሲ ንለውጢ እውን እዩ።

ኣብ ኣሰና ፍትሒ ይንገስ ኢሉ ንመድረኽ ጸለማኡ ዝደምደመ ወልዱ ተኪኤ ምርኩስ ገይረ ሪኢቶይ ክገልጽ እፈቱ። ንሱ ጥራሕ አውን ኣይኮነን ኢሳያስ ኣስፈሐ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘይብሉ ፈራዳይ ኮይኑ ፥ውጽዓ ህዝብና ማና ተበለጽቲ  ክኽውን ኣይንፈቅደን ኢና ኢሉ ንመድርኽ ከይትቃለስ ፍቃድ (ሊቸንሳ) ከሊእዋ።  ባይታ ተቓውሞ ዝብሐቶ ኮይኑ ተሰሚዕዎ ዲዩ? መን ኢዩ ንሱ?  እቲ ሳልሳይ ከኣ ተድሮስ ተኽለ፥ዳሕራዮም እምበር ገደደ፥ ኢሉ መድርኽ ተምሳል ናይታ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረት ሚስጢራዊት ፓርታ ይገብራ።

እዚ ጸለመታት ማእዝኑ ዝሰሐተ ምኻኑ መታን ከብርህ ነታ መን እዩ ወዲ ዓሊ? ትብል ሕቶ ክምልስ።

ወዲ  ዓሊ ንኤሪትራውያን ካብ ጭቖና   ህግደፍ ከድሕን ብሰማይ ዝወረደ ነብይ  ኣይኮነን።  ሐደ ካብቶም መኮንናት  ሰራዊት  ኤሪትራ ኢዩ ነይሩ።    ኣገልጋሊ ናይዚ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ከም ዝነበረ ማንም ሰብ ዝኽሕዶ የለን። ይኹን እምበር  ዓሚ 21 ጥሪ  2013 ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሑ ፍትሒ ክነግስ  ኣለዎ፥ ምልኪ ክእለ ኣለዎ  ኢሉ ንኢሳያሰ ኣፈወርቂ ክኣሊ ኣብ ፎርቶ  ተባዕ ስጉምቲ ዝወሰደ ጅግና እዩ።  ኣብ ፎርቶ እንዳ ዜና ቁዋም  ክትግበር ኣለዎ እሱራት ይፈትሑ ስርዓተ ሕጊ ይንገስ ኢሉ  ኣቃሊሑ። እቲ ተበግሶ ግን ኣይተዓወተን  ኣይተዓወት እምበር  ሐድጊ ገዲፉ።  ንፍትሒ ክቃለስ ስል ዝተስዋኤ ዓቢ ዝና ኣትሪፉ እዩ። እነሆ ድማ እታ ስጉምቲ ዝወሰደላ ኣብነታዊት መዓልቲ  ኮይና ብደለይቲ ፍትሒ ትበዓል ኣላ። ወዲ ዓሊ እንተ ዝዕወት ነይሩ ለወጢ ብውሽጢ እዩ ዝመጽእ ዝብል  ሐፈሻዊ እምነት (ኣምር ) ኣብ ግብሪ ምተራእየ።  ክውን ምኾነ። እዞም ንመድረኽ ብዕለት 2/2/2014  ሰንበት ብወግዒ ዘፋለጥዋ ውልቀሰባት ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርጊስ ዶክተር ኣሰፋው ተኽስተን ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም  መቃልስቲ ወዲ ዓሊ እዮም ነይሮም።

እዚ ዘብርሃልና ኣባላት ናይቲ ጨቃኒ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ኩነታት ኣብ ዝነቅሕሉ ጊዜ እሞ ንለውጢ ምስ ዝብገሱ  ኣበርክቶኦም መዘና ኣይክህልዎን እዩ። እቶም ኣብ ስደት ዘለው እውን  ንደንበ ተቓወምቲ  እናተጸንበርዎን እናኣሃብተሙዎን ክኸዱ እዮም በብሐደ ከኣ ይገብርዎ ኣለው። ኣብ ሃገር እንግሊዝ ዘለው ማሕበር ተጋደልቲ ነበር ሂያው ኣብነት እዮም።

እቶም ኣብ ደገ ዘለው  ኣባላት ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ነበር እቶም  ክሳብ  ሕጂ ኣብ ናብርኦም ጥራሕ ኣድሂቦም ዘለው  ኣብ ዝወሰንዎ ጊዜ  ምስ ካልኦት ተወዲቦም ዲዮም፥ ካልእ ወድብ ፈጢሮም ዲዮም፥ ወይስ ኣብቲ ኣብ ዲያስፖራ ጎዲሉ ዝረኤ ናይ ምንቅቃሕ (ባህላዊ ደረጃ ኤሪትራውያን ክብ ኣብ ምባል)  ዕማም (ብረድዮን ብቲቭን ወዘተ) ከሰላስሉ ዲዮም ናቶም መሰል እዩ። ሐደ ኤሪትራዊ ንሐደ ካልእ ኤሪትራዊ ብወልቀ ወይ ብጉጅል ንፍትሕን ዲሞክራስን   ክቃለስ ክኽልክሎ  መሰል የብሉን ኣይክእልን ከኣ እዩ።

ወልዱ ተኪኤ፣ ኢሳያስ ኣስፍሐ፣ ተድሮስ ተኽለ  ንለውጢ ንቃለስ ኣለና ይበሉ እምበር ነዚ ሐፍሻዊ  እምነት እዚ ይግንዘብዎ የለውን። ግን እቲ ፖለቲካ ዲያስፖራ ብቀቢላውን ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ፍልልያት ከምኡ እውን ብውድድርን ዘይምክብባርን ዝተቖማጥዔ ስለዝኾነ መበገሲ ናይዚኦም ኣንጻር መድረኽ ሐደ ካብዞም ዝተጠቅሱ ምኽንያታት ክኸውን ይኽእል እዩ። ብሕልፊ  ኣውራጃዊነት።

ብዕለት 2/202014 ካብቶም ሰለስተ ንመድረኽ ዘላለዩ -እቲ ቀንዲ- ኣምበሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርጊስ እዩ ነይሩ።  ክሳብ ሕጂ ከም ብዙሐት አብ ስደት ዘለው ተጋደልቲ  ህዝባዊ ግንባር ነበር ኣብ ዋኒኑ እዩ ኣድሂቡ ነይሩ። ሕጂ  ግን ምስ መድረኽ ተበጊሱ።  ኣበርክትኡ ብሕጂ ዝርኤ እዩ።  ይኹን እምበር ናቱ ፉሉይ ዝገብሮ ዓቅሚ ስለ ዘለዎ፡  ኣብ ኣመሪካን ኤሮጳን ኣፍሪቃን  ኣብ ሜዳ  ዲፕሎማሲ ገዚፍ ተመክሮ ስለ ዘለዎ  መረረ ህዝቢ  ኤረትራ ኣብ ወጻኢ ከቅርብ  ተሰማዕነት ክረክብ ይኽእል እዩ።  ኣብ ቃልሲ  ድልየት ጥራሕ ዘይኮነ ክእለትን ዓቅምን እውን ወሳኒ እዩ። ብሕልፊ ተመክሮን ክብ ዝበል ትምህርትን ዘለዎም ባእታታት ።  እዚ ግን በይኑ ጥራሕ ዝገብሮ ኣይኮነን ምስ ብጸቱ ድኣ – እቲ ጸለመ ብዝያዳ ናብኡ ቀኒዑ ስለ ዘሎ እዩ ኣብኡ ዘተኩር ዘለኹ።

ካብቲ ምሉኡነት ናይቲ ኮንፈረንስ ነቲ ክትወቅዖ ትደልዮ  ዝሕግዝ  ነጥብታት ጥራሕቁንጭል ኣቢልካ ምጥቃም ናይ ጨለታት መደረ ኣብ ናይ ኤሪትራ ፖለቲካ ልሙድን ጉኑንን  ስለ ዝኾነ ኣይገርመንን እዩ።  ኣብቲ መንበር ካልኦት ከም በዓል ዶር ኣሰፋውን ኣምባሳደር ዓብደላን  ከለው  ኣብ ዓንደብርሃን ጥራሕ ምቱካር ሐደ ናይዚ ሜላ እዩ።  ዶክቶር ኣሰፋው እኮ ኣካልን ኣፈኛን ናይ መድረኽ ስለ ዝኾነ   ካብቲ ዝሰርሐሉ  ዩኒቨርሲቲ ኣብ ካሊፎርኒያ ኣመሪካ ጊዚኡ ወፍዩ ዝመጸ ሰብ እዩ። ንሐጺር ጊዜ ስለ ዝመጸ ብዙሕ ሰብ ክረኽብዎ ዝደልዩ  ኣይከኣሉን። ንሱ ካብቶም መጀመርያ ንለውጥን ንራህዋን  ከይተሐለለ ዝሰርሔ ሮል ሞድል ከይኑ ኣብ ኣገድስቲ መድረኻት ኣኼባታትን፣ ቃለ መጠይቃትን ከቕርቡ ዝሕተቱ ሰባት እዩ። ንለውጢ  ቅድሚ ሰብ ዝተበገሰ ብ ጂ-13 ዝፍለጥ ሰብ እዩ።  መድረኽ ከኣ ከምዚኣቶም ኣገደስቲ ሰባት ሐቁፋ እያ ነዊሕ ጉዕዞ ጀሚራ ዘላ። ነዚኣቶም ምጽላም ንኹሉም ነቶም  ኣብ ዶክተር ኣሰፋው  እምነትን  ክብርን ዘለና ጸርፊ እዩ። (An insult to our intelligence)  ዘይተረድኦም ግን ኣብ ርእሲኦም ሰብ እንታይ ገምጋም ከም ዝህሉ ዘስተብህሉሉ ኣይመስለንን። ናይ ሕልና መዔቀኒ (ሞራል ኮምፓስ ፡moral compass) ምስ ተዓዛቢ ህዝቢ ከም ዘላስ ዋላ ኣይተሰቖሮቶምን።

ብተወሳኺ ክምዝመዝ ዝከኣል ጉዳይ ኣሎ ዓንደብርሃን ናይ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ፕረሲደንት ከሎ ምስቶም ፕሮፈሰራት  ግርጭትን ምትህልላኽን ነይርዎ እዩ፡  ኣብ ስደት ዘምርርዎ ሰባት እውን ኣለዉ። ኣነ ኣብዚ  ኣብ ዘይፈልጦ ረኢቶ የብለይን ግን ጌጋታት  ኣለዎ ንበል።    እዚ ግን ኣብ ስራሕ ዝተኽስተ ግርጭታት ምስ መድረኽ እንታይ ዘተኣሳስር ኣለዎ።

እቲ ዘገርም ግን ኣብዚ ኣኼባ ምልላይ መድርኽ  ዓንደብርሃን   ኣሰፋውን  ዓብደላ ኣደምን ጥራሕ ኣይነበሩን፥ ካላኦት ሰባት ብተወፉይነቶም  ሕዝቢ ዝፈልጦም እውን ኣብቲ ኣደራሽ የገልግሉ  ነይሮም እዮም ። ከም ፈቨን ሰሎሞን፣ ናይ ትግርኛ ረድዮ ኣቅራቢት።

እቲ ኣኼባ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብቲ ኮሪደዮ ምስ ሰባት ከዕልል ከለኹ ሐንቲ ጋል ኣንስተይቲ ምዕርግቲ ጽቡቅ ክዳን ተኽዲና ፍሽኽ እናበለት ናባና ትመጽእ። ነቲ ፍሽኽታ ግብረ መልሲ ኣይሃብክዎን ግዲ ኮይነ ፣ጴጥሮስ ገጊኻኒ ዲኻ ፈቨን እየ ትብለኒ ፣ ቀልጢፈ የለልያ እሞ ተሓናኒቅና ንሰዓዓም ። ካብ ዘይሪኣ 14 ዓመታት ሐሊፉ – ኣነ ክፈልጣ ከለኹ  ኣብ ኣስመራ ናይ ሻምሩክ ክላብ ማናጅርን (ሰባት ብዙሕ የድንቁዋ ነይሮም)፥ ካብኡ ወጺኣ ኣብ ትራቨል ኤጀንሲ ክትሰርሕ ከላ እዩ-  ጸጉራ ከም ማሪያ ማከባ – ፥ኣንጻር ዓሌትነት ውርይድቲ ደራፊት ደቡብ ኣፍሪቃ ፥ ኩሉ ጊዜ ሐጺር-እያ ትገብሮ ነይራ፥  ብጣዕሚ ደስ ዝብል  -ከጸብቀላ ከኣ።  ናይ ወርቂ ብሩር ሽልማት ወዲ ሽልማት ዘይትገብር። ። በዓል ጥዑም ድምጺ፥ ብድምጻ ንቡዙሕ ሰብ ዝማረኽት ኣብ ካልእ ሕብረተሰብ  ሕብብቲ ( celebrity) ተባሂላ ኣብ ሀብቲ ምሐንበሰት።   ክብራ ትሕሉ ውሕልልቲ  ህድእቲን፥ ትም በሃሊት ምንባራ ስለ ዝፈልጣ ፣ እዚ ድመጺ ካበይ ኣምጺእኪዮ ኢለ እሓታ እናሰሐቅኩ ንሳ ኸኣ ብስሓቅ ገጻ በሪሁ፥  ነቲ ትግርኛይከ ካበይ ኣምጺእክዮ ግዳ ዘይትብለኒ?  ንዓይ እውን እገርመኒ ኣሎ ትብለኒ። ኣስተማሲለ ሐቢኤዮ እምበር ተደናፊቀ- ገለ ካብቶም ናይ ሐባር የዕሩኽቱና ዝነበሩ ከም ፋረማሲስት ሰናይ ክፍለሱስ   ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ይሐቁ ዘለው ተዘኪሩኒ። እዚ ልልይ መድርኽ ጥዑም ጊዜ ኣዘካኪሩኒ። ስድራቤትካን መሐዙትካን ዝበታትን ዘመን፥ ሕማቅ ዘመን። ኣብ ውሽጢ 14 ዓመት ስደት ኣብቲ  ተጀሚሩ ዝነበረ ምህናጽ ሀገር ጊዝየና እንተነጥፍእስ እንታይ ሀገር ምሃነጽና ዘበል እዩ።    ናይ ዓንደብርሃን (sense of humour) እውን ኣስተማቂረዮ ኢየ። ክስዕሞ ኢደይ ወስ ከብል ከለኹ  ፍሽኽ እናበለ፥ እሂ ደኣ ኣሀዱ ዓዲ እንግሊዝ ይብለኒ። ኣነ እውን መንፈሰይ ሕድስ ኢሉ። ድሕሪ ባይታኡ 2 ይ ህዝባዊ ግንባር ጉባኤ እዩ ነይሩ። ተካፊለ ነይረ። ካብቶም ኣቦ መንበራት ድሩዕ ኢደይ ኣልዒለ ኽሐትት ዕድል ሂቡኒ ፥ብግስ ክብል ከለኹ  ሕርቕ ኢሉ በቲ መግልሕ ድምጺ ኣንታ ክንደይ ጊዜ ክንነግረኩም ኢና ሽምካን ኣሀዱኻን ግለጽ ይብለኒ። ኣነ ኸኣ ድንግርግር ኢለ፥ ጴጥሮስ ኣሃዱ ዓዲ እንግሊዝ፥  ምስ በልኩ  ፥ እቲ ኣደራሽ ዘይተኣደ ነጎዳ ዝጥዕም ስሐቅ ይመልእ።  መኣስ ዳ እያ ህዝባዊ ግንባር ንወጻኣ ኣሃዱታት ትልእኽ ዘበገሶ እዩ ነይሩ እቲ ዳንኬራ ።

ከምኡ እውን ጋዜጠኛ ኣማል ዓሊ ኣብ ቲቪ ኤረ ኣቅራቢት ዓረበኛ ዝነበረት ። ካልኦት እውን  ነይሮም ከም ጋዜጠኛ ሳሙኤል ዓካ ዓካ። ኣይፋልኩሙን  መጸለምቲ ኩሎም እዚኦም ሃብቲ ደንበ ተቃውምቲ እዮም።

ሐደ ክበርህ ዘለዎ እምበኣር

  •  ዝኾነ ይኹን ሰብ ንህግደፍ ራሕሪሑ ንለውጢ  ዝቃልስ መሰሉ እዩ።

 

  • ቁዋማዊ መንግስቲ ምስ ተተኽለ ንገበናት ተጽንዕ ኣካል ክህሉ እዩ።

 

  • ኩሉ ነገር ኣብ ግብሪ ስለዝረኤ፡ ንተበግሶታት ብግስ ከይበለ ኣይንፍረድ። ኣብ ፓለቲካ ዲያስፖራ  ነንሕድሕድካ ምንኻስ ክፉት ባይታ ስለ ዘሎ ቅድም ቀዳድም  ኣብ ኣበርክቶና ነድህብ።  ውልቀ ተቃላሲ ይኹን ውድብ  ስርሓቶምን ዘመዝግብዎ ዓወታትን  ክዛረበሎም ስለ ዝኾነ  ጠበቃታት ኣየድልዮምን ኢዩ።

 

  • እስቲ ኩላህና ነንእሽቶ ግብራዊ ን|ኹን፥ ንግበር ምውረዛይ ገዲፍና። ብሕልፊ ኣብ ረዲኢት ንስደተኛታት።   ብሰንኪ ተባዕ ስጉምቲ ወዲ ዓሊ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ስደት ስለዝርከቡ ንዕኦም ንምሕጋዝ ዑዉት ተበግሶ ናይ ገንዘብ ሐገዝ ብኣስና ከም ተዳለወ ዝዝከር እዩ።   ኣብ ለንደን እውን ብተበግሶ ኣባላት ፥ማሕበር ሐገዝ ንስደተኛታት ኤሪትራውያን ኣብ ሀገር እንግሊዝ- (ERSA-UK) ኣማል ዓሊ፡ዶክቶር መብራህቱ ኣተወብርሃንን ረዳኢ ኣዩብን ዘበገስዎ ብ25-01-2012  ናይ ኤሪትራውያንን ሙዚቀኛታትን መሐዙት ሱዳናውያንን ሙዚቀኛታት ዘለውዎ ትልሂት ተኻይዱ። US $1370 (£840.00) እቶት ተረኺብዎ ንአሰና ተረኪቡ። ከምዚ ዓይነት ተበግሶ ግብራዊ ይብሃል።

 

  • ኣንጻር ምሁራትን ሰብ ሞያን ናይ ቢሲነስ ሐለፍትን ምንሻውን ምጥቃንን  ብህግደፍ ዝንብድበት ኮይኑ ንባህሊ ኤሪትራውያን መሪዝዎ  ይርከብ። እዚ ኣብ ዝምድናታት ዲያስፖሮ ብብዝሒ የንጸባርቅ ኣሎ።  ግዳይ ናይዚ ድሑር ኣተሐሳስባ ኣይንኹን። ዕንቅፋት ናይ ሐድነት ጥራሕ ዘይኮነ ናይ  ቁጠባውን ማሕበራውን ፓለቲካውን ምዕባለ እውን ኢዩ።

ይዝከረኒ ቅድሚ ኢትዮ-ኤሪትራ ኩናት ኣብ ጋዚጣታት እዞም ነጋዶ መዝመዝቲ  እናተባህለ ፍረ ጻዕሪ ከም  ቅጥፈት ተወሲዱ – ያታና ይብከል ነይሩ እዩ።  ዘገርም ኢዩ ሀ ኢልካዮም ሁ ዘይብሉ ሰባት ቖልዑ እዞም መዝመዝቲ ነጋዶ ንዮው በሎም  ይብሉ ነይሮም።   ኣብ ኣስመራ ኣብ  ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ – ናይ ትምህርትን ምርምርን ሐላፊ ከለኹ – በዚ ምብካል ባህሊ ምስ ዑቅበ ኣብርሃ (ሚኒስተር ናይ ንግድን ኢንዱስትሪን ዝነበረ ተዛራሪብናሉ ነርና። እንታይ እዩ ጉዱ – እዚ ተካይዶ ሚኒስትሪ ይጥቃዕ ኣሎ ዝዓይነቱ። ጀነራል ዑቅበ ባህላዊ ለውጢ ክም ዘድሊ መንእሰያት ብትምህርቲ ኣብ ውሽጢ ሀገር ይኹን ብማህደረ ትምህርቲ ክህነጹ ከም ዘለዎም ብሰፊሑ ገሊጹለይ፡ እሞ ክምዞም ሰባት ከነጥፍእ ሃየንታ እዩ። (ፎቶ፡ ጀነራል ዑቅበ ኣብርሃ፣ ጀነራል ብርሃነ  \ገረዝጊሄር ምስ ኣባላት ረዲኤት / ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ቦሎኛ ፍስቲቫል 1991.) ካብ ጸጋም መጀመረያ ዘሎ ጀነራል ብርሃን ኣብ  ሳልሳይ መስርዕ ጀነራል ዑቅበ ኣብርሃ። እሞ ዑቀበ ከምቲ ዝሐሰቦ ኣብ ህዝቢ ኣበርክትኡ ከይተግበረ ሕልሙ በኒኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ድኣ ሐቀቀ፤ መብዛሕትኡ ኣባል ህግድፍ ኮነ ኣባል ሓፋሽ ውድባቱ  ኣብ ዓዲ ዘሎ ወይ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ግዳይ ናይ ህግደፍ ጨቃኒ ስርዓት እዩ። እዚ ረብሕኡ  ምስ ደለይቲ ፍትሒ ስለ ዝኾነ በትኡ  ክሕዝ ምድትብባዕ ክግበረሉ ኣለዎ። ናይ ኣተሐሳስባ ኩናት እቲ ዝኸበደ ብድሆ ንደለይቲ ፍትሒ እዩ። ኣብዚ ሜዳ እዚ ኣብ ወጻኢ ዘለና ኣዚና ዲሒርና ክብል እደፍር። ደንበ ተቓዋሚ  ሕማም ኣስቅጥ (conspiracy of silence)  ገና ይሳቅዮ ኣሎ። ሐደ ካብቲ ምኽንያታት ዝህብሉ ከኣ ብመሪሕነታት ተቃወምቲ ዑጉባት ዘይምኻን እዩ። መሪሕነታት ጥራሕ ኣይብሎን እየ እቲ ተራ ኣባል እውን ኣብቶም ደገፍቲ ሀግደፍ ዝስሕብ ሜላ ስለዘይብሉ። ሎሚ እቶም ደገፍቲ ህግደፍ ኣካል ናይቲ ጸገም እዮም ጽባሕ ግን ኣካል ናይቲ ፍታሕ እዮም።

ምሕጽንታ

ኣብዚ ዘለና ኣሰቃቂ ኩነታት ግዝኣተ ሕጊ፥ መሰል ወዲ ሰብ ዝሕለወሉ፡ ዲሞክራሲያዊት ሀገር ክንሃንጽ ከቢድ ዕማም እዩ። ነዚ ብግብሪ ክንሰርሓሉ እንተ ኮንና መጀመርያ ኣብ ዓይንና ዘሎ ገፈል መፈል ክንኣልዮ ክንክእል ኣለና። ነብሲ ወከፍና  ጠንቂ ፍልልይ ዝኮነ ጠባያት ነወግድ። ብሃይማኖት ብወገን ብኣውራጃ ብቢሄር ፍልልይ ምግባር ኣብዚ ጊዜ እዚ ገበን እዩ፥ ሕማቅ ሳዕቤናት ስለ ዘለዎ።

ፈላላዬ ኣተሐሳስባና ሐጺብና ኣብ ጉሐፍ ምስ እንድርብዮ ንሐድነት ክንሰርሕ ዓቢ ተኽእሎ ኣለና።  ነብስና ንመርምር ፥ ባህላዊ ደረጃና ትሑት ምህላው ኣለሊና፥ ክንፈልጥ ክንምሃር፡ ከነንብብ ንጽዓር ። ልክዕ እዩ እተን  ማሕበራዊ ሕብረተሰብ (ሲቪል ሶሳይቲ)  ናይ ምንቅቃሕ ዕማም ገና ኣይተተሐሐዝኦን ኣለዋ። እዚ ናይቶም ምሁራትና ግደ እዩ። እቲ ዝበለጸ ንውጹዕ ህዝቢ ዝቀንዐ ፍሉይ ትምህርቲ ብሙሁራት እንተ ዝዳሎ ከም (pedagogy of the oppressed) ዝዓይነቱ ኣዚዩ ሐጋዚ ምኾነ።

እዞም ንመድርኽ ንምጽላም  ዘራፍ ዝብሉ ዘለዉ ባህላዊ ደረጅኦም ባይታ ስለ ዝዘበጥጠ እዩ እምበር ብኻልእ ተንኮል ኣይመስለንን።  ምሕረት የውርደሎም እመበር ብዘይ ምስትውዓል ንህግደፍ ዓቢ ደገፍ ይገብርሉ ኣለው፡፡

ሎሚ መድርኽ ገለ ገለ ወልቀ ሰባት ይፍትውዋ  ኣይፍተውዋ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ  ተረኣ ከትጻወት  ተበጊሳ ኣብ ስረሐታ ናብቶም ብሕማም ኣጽቅጥ ተደኒሶም ዘለው ኣካል ሕብረተሰብና እንተተኩር ጽቡቅ ነይሩ።

ኣሉታዊ መዳይ ምጥቃስ ኣስሚረሉ እምበር ብምኽንያት ምብጋስ መድረኽ ብዙሕ ሃናጺን ኣወንታውን  ዘተ ኣብ ፋይስ ብክ ይሰላስል ኣሎ።  ብዛዕባ እዚ ብውሕሉል ኣቀራርባ  ገዛኢ  ኣቅሪቡ ንኣንበብተ ንቀደም በሉ ይብል።  Challenges and Promises Ghezae Hagos Berhe (The article is abridged from facebook discussion.)   By assenna on February 8, 2014: Linkhttp://demo.archive.assenna.com/forum-for-national-dialogue-medrek-challenges-and-promises/  እዚ ባህላዊ ደረጃ ሐፍ ዘብልን ንሐድነት ምንጻፍ ዝኾኑ ናይ ሐባር ኣረኣእያ ዘሕይልን እዩ። ካብ በለካን ለኽዓካን ካብቲ ዘተ ንመሃር።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
66 COMMENTS
  • Kalighe February 12, 2014

    * ዝኾነ ይኹን ሰብ ንህግደፍ ራሕሪሑ ንለውጢ ዝቃልስ መሰሉ እዩ።
    * ዝኾነ ይኹን ሰብ ንህግደፍ ራሕሪሑ ንለውጢ ዝቃልስ መሰሉ እዩ።
    * ቁዋማዊ መንግስቲ ምስ ተተኽለ ንገበናት ተጽንዕ ኣካል ክህሉ እዩ።
    * ኩሉ ነገር ኣብ ግብሪ ስለዝረኤ፡ ንተበግሶታት ብግስ ከይበለ ኣይንፍረድ። ኣብ ፓለቲካ ዲያስፖራ ነንሕድሕድካ ምንኻስ ክፉት ባይታ ስለ ዘሎ ቅድም ቀዳድም ኣብ ኣበርክቶና ነድህብ። ውልቀ ተቃላሲ ይኹን ውድብ ስርሓቶምን ዘመዝግብዎ ዓወታትን ክዛረበሎም ስለ ዝኾነ ጠበቃታት ኣየድልዮምን ኢዩ።

    ብጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ – ለንደን

    “We are responding to Eritrean cries for change,” said Andebrhan. “We are a bridge between the diaspora, who are important, and our colleagues inside Eritrea. But the Forum is led from inside Eritrea.”

    Eritrea: London launch of Forum for National Dialogue
    Martin Plaut / 02/02/14

    Dear Brother Petros T.,

    No doubt everyone has, not only the right but also the duty to abandon Higdef and work for change.
    I think this has never been a issue. However, what you (Mekdrek) people are saying goes beyond that. As it’s reported in the media you are saying that, you are part of a group inside the country. If you were quoted correctly, in fact you said “the Forum is led from inside Eritrea.” You also say: ” … organized opposition now exists both inside and outside the country. ”
    When we assess these statements in view of the recent failed attempt of bring change (Forto incident), coupled with lack of transparency on your part (secret meetings), obviously, because this is not your personal business there are good reasons to be suspicious. Especially when you say: “higher and middle military brass and other existing government officials willing to participate in the reform process could be part of this change.”

    So, instead on complaining about those who express their fears that, the change you are trying bring about is, actually a reformed Higdef, try to tell people what you are trying to achieve. But, please bear in mind that nobody will agree to see Higdef leaders continue in their positions as part of any deal, simply because that will never bring about any meaningful change.

  • Kalighe February 12, 2014

    “Political Agenda

    To work for a transitional arrangement that will ensure:
    1) The promulgation of a national constitution with the above mentioned freedoms.
    2) The establishment of a national body of representatives elected by the people to pass laws and supervise government on their behalf.
    3) The election of a government through universal suffrage.”

    “The speakers made it clear that this was not the launch of a new party, or even a political front.”

    Eritrea: London launch of Forum for National Dialogue
    Martin Plaut / 02/02/14

    If it’s not a political party with a clear agenda as we can see above, what it is ???
    Again this is a good example of lack of transparency …
    There is already a lot of mutual suspicion and when you saying something and doing something else .. you are widening the gap.
    So instead on accusing the critics tell people what you are doing .

  • a-garza February 12, 2014

    Tesfagergis no one Will trust you guys

  • Kalighe February 12, 2014

    ——– Quote of the Month ——–

    “Do we need to reconcile with those individuals, who are close to the Dictator?
    Reconciliation with those working together with the regime and who have committed a
    lot of human right abuses, is possible through war crimes prosecutions, truth
    commissions, purges of perpetrators, reparations, and memorials, transitional justice
    practices work under the assumptions that truth telling leads to reconciliation,
    prosecutions bring closure, and justice prevents the recurrence of violence;
    however , when local responses to transitional justice destabilize these assumptions, the
    result can be a troubling disconnection between international norms and survivors’
    priorities.”

    T.Yitbarek

  • habtom February 12, 2014

    Kulu antsar hgdef zkales kbul eyu . Medrek gn nmntay eyu sebat endageleye akebatat zgebr . Hgdef eko eti abi wdketu ezi eyu. Zedlyeo sebat text endagebere yedm medrek dma natom aser zhazet tmesl?

  • Aklilu fray February 12, 2014

    Petros way gud etiy teblo zolka aqedimki habal belya zaynotu zerba ahlifka awrganet ni pawlos hawka belo bezaba uqbe Berhne g/g Deru tezarbka .andebrhn bezabom entay kam zebely nab un weri ybelkan deyu abal bayto eko eyu neru sebay tokoynu way haqena tokonu ab gonom tetow zeybel dahr tesemaenet alowo hahah ala petros nesks da kaytkowin wegenawi hgewn akolguzay zebah ewin akolguzay aytsekef athseb kesb nerkyb ab london sensy kine

  • ተወልደመድኅን February 12, 2014

    ኣየ ኤርትራውያን ናትና ጸገም ካብ ሕሉፍና ተማሂርና ለውጢ ክነምጽእ ዘይንጽዕር ምኳና ጥራህ ኢና ንሕብር።……ዝከበርካ ጴጥሮስ…..ርእይቶካ ወዲ ዓሊ ኣገልጋሊ’ቲ ስሮኣት ምንባሩ’ሞ ኣብ ሃደ ኣዋን ኣንጻር’ቲ ስርዓት ኮይኑ ስጉምቲ ዝወሰደ ምስቲ ኣገልጋሊ ስሮኣት ዚነበረ ሕጂ መድረኽ መሪሑ ዝቀላቀል ዘሎ ዓንደብርሃንን ካል ኦት ኣነኣጻጺርካዮ ይመስለኒ።……እዚኦም ክልተ ክነጻጸሩ ዘይክእሉ’ዮም።ወዲ ዓሊ መኮነን ይኹን ጀነራል በቲ ፖለቲካ መኦኣል ዓንደብርሃን ተጽቑጥ ዚነበረ፡ኣብታ ዝተሃተት ቦታ ክይኑ ንሃገሩ ዝሰርህ ዚነበረ ወተሃደር’ዩ።ኣብቲ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ጠርዚ ዝበጽሃሉ ከኣ፡እቲ ምንባር ዋጋ ሲኢኑሉ ድምጹ ኣስሚዑ ሃሊፉ።ኣብቲ ዝሃለፉ ግዚያት ዕድል ነኤሩዎ እንተዝከውን ትማሊ ዘይገበሮ ምተባህለ።ንሱ ግን ኩነታት ክቅይር ዝኽእል ቦታ ኣይነበረን።……ዓንደብርሃን ግን ተላኣኽን ኣሳሳይን ኢዩ ኔሩ።ኣይከውንን ክብል፡ነቲ ንህዝቢ ናብ ጸገም ዝመርሕ ዘሎ ክቃለስ ዝኽእል ቦታ’ዩ ኔሩ።ዝኽእሎ ኣይነበረን እንተበልካ ከኣ ኣቐዲሙ ነቲ ስሮኣት ምጠንጠኖ።ስርዓት ናይ ሰባት እኽብካብ፡ሰባት ዝሃነጹዎ’ዩ።ካብ ሰማይ ዝወረደ ኣይኮነን።ነዚ መኦኣል ዓንደብርሃን ዚሃነጹዎ ስሮኣት ከኣ ኣቐዲሞም መኦኣል ዓንደብርሃን ገዲፎሞ ኔሮም እንተዝኾኑ እቲ ስሮኣት ኩነታቱ ፈሊጡ ናብቲ ዝግደዶ ለውጢ መምረሀ።ዓንደብርሃን ግን ጎበታ ክሳብ ዝውዳእ’ዩ ኣብቲ ስሮኣት ጸኒሑ።ድሕሪ ምእሳር ጂ 15፡ንኤርትራ ምስ ኢሳያስ ኮይኑ ከማዕብል ነቶም ቀደም ርእሰማላውያን መዝመዝቲ ኢሎም ዝጸረፉዎም ሎሚ ኣዋፈርቲ ኢሎም ዝዝሙሩሎም ኤውሮፓውያን መሪሑ ንኤርትራ ይመላለስ ኔሩ።ከምቲ ዝበልካዮ ናይ ሕብረት ኤውሮፓ ኣምብሳደር ኮይኑ ተፈላጥነት ምስረከበ ከኣ ኣብ ዓይኒ ኢሳያስ ውዒሉ።ዕድልቶም ጂ 15 ከምዘይትተርፎ ፈሊጡ ክብቲ ስሮኣት’ዩ ኣልጊሱ።ከምቲ ዝበልካዮ ካብ ስሮኣት ኣልጊሱ ብጩቕ ከይበለ ክንደይ ኦኣመታት ሃሊፉ።ስለዚ ወዲ ዓሊ ኣብቲ ግቡኡ ክገብሮ ዝኽእል ድምጹ ኣስሚዑ፡ዓንደብርሃን ግን ንኣመታት ዋኒኑ ክገብር ድሕሪ ምጽናህ ሎሚ ቅልቅል ምባሉ ንረብሃ ናቱ ድዩ፡ንረብሓ ህዝቢ ድዩ ወይስ ኣዛ ግዋግዋያ ኣዛ ምድሪ ኦኣሪባያ’ሞ ምስዝመጻ ዘሎ ንምቁርቋስን ካብ ሎሚ ቦታካ ምጥታህ’ዩ።ኣዚ መልሱ ንዓካ ይገድፎ።ቀጺልካ ከኣ……..ዝኾነ ይኹን ሰብ ንህግደፍ ራሕሪሑ ንለውጢ ዝቃልስ መሰሉ እዩ።…..እወ መሰሉ’ዩ።ግን ናይ ምብትታ ጽቡቕ ክእለት ኣለዎ።ብፍላይ ኣብዚ ወሳኒ እዋን ቅልቅል ምባሉ ሰባት ክፈላሊ’ዩ።ምኽንያቱ ኣንጻሩ ዝለዓሉን ብዝተፈላለየ ጉዳያት ማኦረኡ ዝስዕቡ ምህላዎም ይፈልጥ’ዩ።ስለዚ ነቲ ተቃውሞ ይበታትኖ ኣሎ።ኣዚ ከኣ ሕቡእን ብነዊሑ ተታሒዙ ዝጸንሀ ናቱን ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ስትራተጂ’ዩ ዝመስል።( ስለዚ ነቲ ስሮኣት ኣይገደፎን ክከውን ይኽእል።ምኽንያቱ ዓብደላ’ውን ናቱ ተልእኮ ዘለዎ ነቲ ጽቡቕ ዝከይድ ዝነበረ ኤርትራዊ ምንቅስቃስ በቲኑዎ ከብቕዕ፡ነቲ ድሕሪ ዝተጸንበሮ ግንባር ከኣ ፋሕፋህ ኢሉ’ዩ ገዲፉዎ ) ስለዚ እዞም ክልተ ሰባት ተቃወምቲ ኣንጻር ኢሳያስ ምኳኖም ኣጣራጣሪ ስለዝኾነ ብናቶም መንገዲ ክቃለሱ ክፉት’ዩ እቲ መንገዲ፡ግን እቲ ጸገም ነቲ ተቃውሞ የደንፎዎ’ዶ ይበታትኑዎ ኣንተኢልካኒ መመሊሶም ክበታትኑዎ ኢዮም።ዓንደብርሃን ……. ናቱ ፉሉይ ዝገብሮ ዓቅሚ ስለ ዘለዎ፡ ኣብ ኣመሪካን ኤሮጳን ኣፍሪቃን ኣብ ሜዳ ዲፕሎማሲ ገዚፍ ተመክሮ ስለ ዘለዎ መረረ ህዝቢ ኤረትራ ኣብ ወጻኢ ከቅርብ ተሰማዕነት ክረክብ ይኽእል እዩ። ኣብ ቃልሲ ድልየት ጥራሕ ዘይኮነ ክእለትን ዓቅምን እውን ወሳኒ እዩ። ብሕልፊ ተመክሮን ክብ ዝበል ትምህርትን ዘለዎም ባእታታት …ክእለትን ዓቕምን ዘለዎ ሲኢና ኣይኮነትን ኣብዚ ወዲቓ ዘላ ሃገርና ኤርትራ።ትማሊ ንኪኢላታትን ኦኣቕሚ ዘልዎም ሰባት ርምስምስ ስለዘበሉ፡እቲ ህዝቢ ከኣ ካብ ክእለትን ዓቕምን ዘለዎ መልሓስ ዘለዎ ናብ ዝሰምዓሉ ለምዲ ስለዝተወስደ’ዩ።ሰብ ክእለት ሰማዒ ስለዝሰኣኑ፡ቀጺሉ ከኣ ናይ ህዝቢ ድሕረት ኣመና ስለዝዘቕበበ’ዩ።…..ካልእ ብዛዕባ ወገንነት ኣውራጃውነት ተዛሪብካ፡ወዳጄ ኣዚ ቀደም መኦኣል ዓንደብርሃን ንምሩጻት ክእለትን ዓቕምን ዘለዎም።ኣከያይዳ ኢሳይስ ውዒሉ ሓዲሩ ምልክነት ዚጥምት ምኳኑ ኣቐዲሞም ዝተረድ ኡን ዜጋታት ምእንቲ ከጥፍ ኡ ዝተጻወትሉ ጥበብ’ዩ።ርግጽ’ዩ ወልዱ፡ኢሳያስ ኣስፍሃ፡ቴድሮስ ተኽለ ዝጸሃፉዎ ጉዳይ ኣንቢብካ ዝሕለፍ ወይ ሚዛን ሂብካ ክትጥንቀቀሉ ዝክ አል’ምበር ፈላላይ ኣይኮነን።ንሳቶም ብዛዕባ ዓንደብርሃን ገለ ሃቅታት ኣለዎም።እቲ ዝስመዖም ሃቂ ከኣ ብግልጺ ኣተንቢሆሞ።እዚ ደኣ መኣስ ኣውራጃውነት ኮይኑ ሃሳቦም ኢዮም ኣቕሪቦም።ሓሳብ ዘቕረቡ ኢዮም ከኣ ኣብ ቃልሲ ህግ ወገናውያን ኣውራጃውያን ተባሂሎም ዝተቀንጸሉ።ስለዚ እታ ናይ ቀደም መኦኣል ዓንደብርሃን ኣንጻሮም ንምጥፋእ ዝተሃብ ኡላ ጉዳይ ኣውራጃውነት ኣልጉብኩምሎም።ወልዱ ተኽለ፡ኢሳያስ ኣስፈሃ፡ቴድሮስ ተኽለ፡ጉዳዮም ዝገብሩ ዝኾነ ማሕበራውን ፖለቲካውን ሃላፍነት ዘይብሎም’ዮም።ነዚኦም ርእይቶኦም ወስ ዘበሉ ኣውራጃውያን ኣምሲልካ ምክሳስ፡ነቲ ናይ ህዝቢ ዝኾነ ማሕበራውን ፖለቲካውን ሃላፍነት ተዋሂቡዎ ኣዳኦዲዑ ብወገንነት ካብ ዩንቨርስቲ ኣስመራ ምሁራትን ኪኢላታትን ዝጸልጸለ፡ኣቲ ኣብ ሕሉፍ ፖለቲካዊ ሕይወት ህግ፡ንፍሉይ ሃሳብ ዘለዎ ቀንጺሎም ምስ ናቶም ዝመሳሰል ኣተሃሳስባ ዘለዎ ጥራሕ ወጊኖም ክሰርሑ ዝጸንሑ መኦኣል ዓንደብርሃን ክተቆናጁ ግዜ ምቅጻልካ ዘተሃሳስብ’ዩ።እቲ ጉዳይ ልቕምጽ በልያ ከይትቅድመኪ እንድዩ።ኩሉ ኣውራጃውነት ኣብቲ ካልእ ጥራሕ’ዩ ዘሎ።ስለዚ ንስካ ብከም ኡ ሰባት ወንጅል እቲ ባውራጃውነት ዝብገስ ዘሎ ዓንደብርሃን ያዕ ክትብሎን ጌጋታቱ ዘይምውቃስ ንባዕልካ ባውራጃውነት ኢካ ተበጊስካ።

    • Negga Yosif February 12, 2014

      Sibukn hakin elka.
      Yemsgneka.

    • ERITRAWIT February 12, 2014

      Teweldemedhne,
      I prefer your comment than this articles thank you.

      • Zufana February 12, 2014

        ERITRAWIT,

        Nayziatom neger bhatsiru “Aytibkey endiyu Zebkiyeni’yu”. Poor Eritrea is bleeding to death while these lot are in to out smarting each others. The political fasting is something we all should entertain to help frame and cleanse us from decades of internal, political pollution.

  • mahari February 12, 2014

    Hay bkedamnet selamta ybtsahkum amaniel radio asen zhlatni eko ente fekadecha konka dawulka ente thbreni bezia rkebini00972549037621

  • samuel February 12, 2014

    tm elkum hatewketew aytbelu
    b wetsae zmetsie lewti yelon.

  • Negga Yosif February 12, 2014

    Petros, temali lomi aykonen we know each other and don’t be smart, and let me ask you a question,why this guys don’t join with Wedi Vaccaro,? I want to hear from you how you can evaluate his job and how can you associate with this Medrak?
    Thank you

1 2 3 5

POST A COMMENT