Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንእሰይ ዘካርያስ ክብረኣብ ንተሞክራታቱ ዝገልጽ መጽሓፍ ጽሒፉ። ምስ መራሒት ሃገር ጀርመን ኣንጀላ መርከል ተራኺቡ፡፡

ዘካርያስ ክብረኣብ ዝተባህለ ወዲ 28 ዓመት ኣብ ጀርመን ዝቕመጥ መንእሰይ ፡ ካብ ኤርትራ ኣትሒዙ ብምድረበዳ ሱዳንን ሊብያን ማእከላይ ባሕርን ጥሒሱ ንጀርመን ቅድሚ ምእታው ዘጋጠሞ ናይ ባህርን ናይ ሰብን ተጻብኦታትን መስገደልን ኣጻምእን ዝገልጽ መጽሓፍ ብቋንቋ ጀርመን

ዘካርያስ ክብረኣብ ዝተባህለ ወዲ 28 ዓመት ኣብ ጀርመን ዝቕመጥ መንእሰይ ፡ ካብ ኤርትራ ኣትሒዙ ብምድረበዳ ሱዳንን ሊብያን ማእከላይ ባሕርን ጥሒሱ ንጀርመን ቅድሚ ምእታው ዘጋጠሞ ናይ ባህርን ናይ ሰብን ተጻብኦታትን መስገደልን ኣጻምእን ዝገልጽ መጽሓፍ ብቋንቋ ጀርመን ኣሕቲሙ ንዕዳጋ ኣውሪዱ ኣሎ፡፡

እዛ ብመንእሰይ ዘካርያስ ዝተሓትመት 400  ገጻት ዝሓዘለት መጽሓፍ፡ <Hoffnung im Herzen – Freiheit im Sinn / ተስፋ ብውሽጢ – ናጽነት ብተግባር / ዝኣርእስታ ሓቀኛ ታሪኽ ኮይና ዓቢይ ኣድናቖትን ተጠማትነትን ስለዝፈጠረት ፡ ብማዕከናት ዜናን ዓበይቲ ናይ ተለቪጅን ስቱዲዮን ቆላሕታ ረኺባ ንህዝቢ ክትቃላሕ ቀንያ፡፡

መንእሰይ ዘካርያስ፡ ኣብ መጽሓፉ ከምዝገለጾ፡ ናይዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ርእሱ ይኹን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣሽሓት መንእሰያት ዝወረደ ግፍዕን መከራን መሰረታዊ ጠንቂ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ንሕስያ ዘይብሉ ኣረመናዊ ስርዓት ከምዝኾነ ገሊጹ፡፡

እዛ ዝተጻሕፈት መጽሓት ኣብ ጀርመን ካብ ዝርከባ ናይዚ ዓመትዚ ብሉጻት ጽሑፋት ኮይና ስለዝተረኽበት፡ ናይ መንግስቲ ጀርመን መራሒት ፡ ቻንስለር ኣንጀላ መርከል ንመንእሰይ ዘካርያስ ክብረኣብ ጸዊዓ ኣዘራሪባቶ፡፡ ተዓዘብቲ ከምዝገመትዎ ውን፡ ኣብዛ መጽሓፍ ኣዚኣ ዝተመርኮሰ ፊልም ኣብ መጻኢ እዋን ከይተሰርሐ ኣይተርፍን ይብሉ፡፡

እዚ ዘካርያስ ዘበርከቶ ስነ ጽሑፍ፡ ንኩሉ ኤርትራዊ ሓበን ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ከም ዘካርያስ ካልኦት ኣሽሓት ብበረኻታት ሲናይን ሰሓራን ዝተኻላበቱ ኣወዳትን ኣዋልድን መንእሰያት፡ ንዘጓነፎም ሓሳረመከራ ዓው ኢሎም ክዘራረቡሉ ዘተባብዕን ማዕጾ ዝኸፍትን ኣብነታዊ ተግባር እዩ፡፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • Zigeremo Eritrawi February 28, 2012

    Well done !!!! congra!!!!

  • Daniel Teclegiorgis February 28, 2012

    Dear Zekarias! Well done. Your ability to see clearly and speak candidly is a new input to the Eritrean youth movement for change. It didn’t require you to study Nuclear Science to get a schedule with a leader of a Supper Power. Simply your style of stating the Truth is the Power. I believe your style is a game changing approach in resolving the problems we are facing. Fore sure a lot will follow in the direction you have designed. Congratulations and Thank you very much Zekarias.

  • wedieri star February 29, 2012

    Excellent brother, Well done!!!