Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንእሰይ: ምርጫ ናትካዩ: ኣነ ግን ” ጽናዕ ! ትባዕ ! ” ይብለካ

መንእሰይ: ምርጫ ናትካዩ: ኣነ ግን " ጽናዕ ! ትባዕ ! " ይብለካ ንበል: ኣማኻሪ መላኺ ኤርትራ: ጽባሕ ንግሆ ኣውሮጳ መጺኡ:: "ካብ ሎሚ ንህግደፍ ገዲፈዮ እየ:: ህግደፍ ጨቋኒ እዩ:: ስለዚ ገዲፈዮ ጥራሕ ዘይኮንኩስ: ኣንጻሩ ክቃለስ'ውን እየ" ኢሉ: ኣኼባ

መንእሰይ: ምርጫ ናትካዩ: ኣነ ግን ” ጽናዕ ! ትባዕ ! ” ይብለካ

ንበል: ኣማኻሪ መላኺ ኤርትራ: ጽባሕ ንግሆ ኣውሮጳ መጺኡ:: “ካብ ሎሚ ንህግደፍ ገዲፈዮ እየ:: ህግደፍ

ጨቋኒ እዩ:: ስለዚ ገዲፈዮ ጥራሕ ዘይኮንኩስ: ኣንጻሩ ክቃለስ’ውን እየ” ኢሉ: ኣኼባ እንተዝጽውዕ::

ዝወጾ ዘይብሉ ውርጹጽ ጽሑፍ: ብእንግሊዝ: ብዓረብ ብትግርኛ ጽሒፉን ኣስተርጒሙን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን

እንተዝዝርግሕ: ኣብ ፈይስቡክ ኣብ ራድዮ: ኣብ ተለቭዥን: እናመጸ “ሃየ: ተበጊሰ ኣለኹ’ሞ ሰዓቡኒ”

እንተዝብለና: መልስና እንታይ ምኾነ::

መልሲ ሓደ ካባና ‘ደላይ ፍትሒ’

“ኣየ ክጽብቓ: ኣዋድቓ ቃላት: ይበል .. ይበል … ይበል!!!”

“ኣዳራሽ ዲኻ ትብል: ኣተዓዳድማ ጋዜጠኛታት ድዩ: ኩሉ በቃ: ፓርቲታ እንተተባሂሉስ ከምዚ ክኸውን

ኣለዎ!!!”

“ፐፐፐ.. ርኢኻ ‘ዶ ውርጻጸ ኣዘራርባ እንግሊዝኛ? !!! ”

… ወቦዘ …”

ዘይሓልፍ እንተኾይኑ: እዚ “ደላይ ፍትሒ’የ” በሃሊ ፓለቲካ ዝበሃል ዓውዲ ኣይመባልዕቱን ስለዝኾነ: ብኣጋ

ሰብ ከየዳኸመ እንከሎ ንሱ እንተገደፎ: ንሕና ድማ ከምዚ ዓይነት ድኹም ሕልና ምሳና ሃልዩ ጎዲሉ ዝውስኾ

ነገር ስለዘየለ እንተፋነናዮ ይሕሽ ክብል ይደሊ:: ብወገነይ: “ኣብ ዓወት የራኽበና: ሽዑ ክንጽውዓካ ኢና::

ሕጂ: ኪድ ተጻወት::” ምበልኩዎ::

ውዱዕ ባይታ ፓለቲካ

ኣብ ውዱዕ ባይታ እንተመጺና: ኣማኻሪ መላኺ ናብ ኣውሮጳ መጽዩ ከምኡ ዝብለሉ ኩነታት የለን:: ግንከ:

ንዑኡ ዝመስሉ ካብ ኣሰሩ ክሳብ ትማሊ ዘይተረፉ ሎም ንኣውሮጳ መጺዮም: በዋድቓ ቃላት ጥራሕ: ፍቕሪ

ኣትሒዞም ዛን ዛን ከብሉና ባህ ዝብሎም ግን ውሑዳት ኣይኮኑን:: ገለ ካብቶም ምሳና ይህልዉ ይኾኑ ንብሎም

ዝነበርናን ዝመስሉናን: ናይ ዓይኒ ንበሎ ናይ መግለጺ ፍቕሪ ሒዝዎም ዛን ዛን ዝብሉ’ውን ኣይሰኣኑን እዮም::

ገለ ድማ: ሎም ዓባይ ማይክሮፎን ዝሓዘ ዘራይ ክኸውን ዝኽእል ረኺብና ኢሎም: ዝነበሮም ደቀቕቲ ሕሳባት

ክተዓጻጸው: ንሕድሕዶም ናይ ጭራ-ተኹላ-መን-ሓዘ ቅድድም ዝኣትው ኣለው:: ገለ ብኣዝዩ ክልሰ ሓሳባዊ

የዋህነት ኩሉ እናፈለጡ: “ድሓን እስከ ንፈትኖም” ዝብሉ ኣለው:: እዚኦም ልቦም: ናብ ሕሉፍ ዕሽነት

ዝጋማገም ቅንዕና እኳ እንተሃለዎ: ኣብ ፓለቲካ: ከም ወዮ ሓደ ተዋዛያይ ሃገርና ዝበሎ:”ሓውሲ-በጊዕ

እንተኾንካ: እቶም ሓውሲ-ተኹላ ከምዝበልዑኻ” ዘይፈልጡ/ዝረስዑ/ ወይ ድማ እታ ምስላ ተረዲኣቶም

ክንሳ: እቲ ንሶም ተመሲሎምሉ ዘለው: እቲ በጊዕ ምዃኑ ዘይተሰቆሮም ናይ ፓለቲካ ኣባጊዕ እዮም::

ከምዚኦም ዓይነት ተዋሳእቲ ኣብ ዝበዝሑዎ ዓውዲ እምበኣር እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ: ዓቕምኻ ንዕላማታትካ

ዓቂብካ: ንሃውተቲ ግዘየ ባዕሉ ክቃለሶም ምግዳፎም’ዩ:: ዝገብሩዎ ሓፍ-ኮፎ ግዝያዊ እዩ:: ሓድሽ ፍቕሮም

ክሳብ ዝውዳእ: ብፈኸራን ዳንኬራን ቱታን ካልእን ትንፋሶም ክትወጽእ ክሳብ ትደሊ የዕገርግሩ – “ሓድሽ

ፍቕሪ: መወድኢ እኽሊ” ድዮም ዝብሉዎ:: ኣብ መወዳእታ ግና: ከምታ ማንቲለ ዘሊሎም ዘሊሎም ዘፍ

ክብሉ ክንርእይ ኢና:: ምኽንያቱ ካብ ትስክም-ድርብይን: ጉልበታዊ ስራሕ ጆርናታን: ካብ ማራቶንን

ንላዕሊ ኣዝዩ ዘድክምን ዘረብርብን ነገር እንተሎ: ዘይኮንካዮ ኮንካ ክትርአ ምፍታን’ዩ:: ካብ ምስ ጓህኻ

ምግያጽ ዘድክም ነገር የለን:: እዞም ሰባት’ዚኦም ድማ ሓደ መዓልቲ: ሓደ ሰሙን: ሓደ ወርሒ: ዘይኮኑዎ

ምዃን በርቲዑዎም እንከሎ ግን ዝጽመሙ: ኣይሰኣኑን ይኾኑ:: ካብኡ ግን ፈርከሽከሽ ግድን’ዩ:: ስለዚ

ንግደፎም ይሃውትቱ: ግዝየ ባዕሉ ይቃለሶም:: ንሓደ ውሽጡ ባዶ: ወይ ሓሶት: ወይ ምድንጋር ምዃኑ

ዝፈልጦ: ጭብጥታቱ እናረኣየ ክማሳሰል ምሽክንክን ዝብል: ደኺሙ ጸዓቱ ክሳብ ዝውድእ: ክህውትት

እንተመሪጹ ሕጂ’ውን ምግዳፉ:: ካብኡ ሓሊፉ ከሀውትተና ምስዝፍትን ግን ምንጻጉ: “ቭያ” “ፎእ”

ምባሉ:: ምኽንያቱ: ከምዚኦም ዓይነት መትከል ኣልቦ ኣባጊዕ ፓለቲካ ጸዓቶም ወዲኦም ጸዓትና ከየወድኡና:

ክንጥንቀቕ ስለዘለና:: ንዘይተረድኦ በዓል ቅንዕና እምበር ንሓሳዊ ምስ ባህርያቱ እንከሎ ክንረትዕ ነጥፍኦ ግዝየ

ኣይሃልወና:: ንስራሕ እምበር ንትርኽ ግዝየ ከይህልወና: ንጠንቀቕ::

ምጥንቃቕ ግን እንታይ ማለት ዩ?

ብሓጺር ኣዘራርባ: ምጥንቃቕ ማለት: መትከላትካ ኣነጺርካ ምፍላጥ ማለት ዩ:: ዘይተረድኣካ ሓቲትካ:

ንዘይተርድኦም ኣረዲእካ: ብሓደ ዘቲኻ: ዝጎደለ ብስኒት መሊእካ: ምጽናዕ ማለትዩ:: ነዚ እቲ ኣብ እስራኤል

ኣባላት ስምረት ዝገበሩዎ ኣኼባታት ብሉጽ መረዳእታ እዩ:: ከምዚ ዓይነት ባይታን መትከልን እንከሎ:

ብስም “ኣማራጺ እፈጥር ኣለኹ” ኢልካ: ነቲ ዘሎን ክንደይ ዋጋ ዝተኸፍሎን ባይታ ከተፍርስ ምፍታን ግን ኣብ

ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ቅቡል ኣይከውንን:: ኣይዕወትንን ውን:: እቲ ንዑኡ ንምፍራስ ዝካየድ ክዕወት

ዝኽእለሉ ሓደን ንበይኑ ዕድል ግን ሸለልትነት እቶም ክጥንቀቑ ዝምከሩ ዘለው ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ:: እዚ

ድማ’ዩ እቲ ምጥንቃቕ ዝብል ኣምር – ጸቒጥና ከነስምረሉ ድማ ይግባእ:: ስለዚ ኩልና ኣብ ሓለዋ መትከል

ተሽኪል ወጺእና: ንዝኾነ “ሸያጥ ቤላ-ቤለው” ክንምክቶ ዝግባእ::

ሓለዋ መትከል

መትከል ምህላውን ምሕላውን ኣንጻር ዲክታተር ደው ምባል ጥራሕ ኣይኮነን:: ኣንጻር ዝኾነ ይኹን ወገን:

ጸረ’ቲ ዝኣመንካሉ እምነት: ብቤላ-ቤለው ብሓሶት: ብጠቐነን: ብግናይ ትሕተ-ባይታዊ ውደባታትን ብዘይ

ምኽንያትን ጸሎሎ ዝቐብእ: ንዝተበገስካሉ ዕላማ ዘጎናድብ ወሰን ወስን ክቶኻትኾካ እንከሎ ከይትስጉም

ሓሊኹ ዝሕዝ ደው ምባል ምዃኑ ከተስተባህል ይግበኣካ:: ነቲ ፈቲኻ ረዲኻን ተረዲኡካን ዝተቐበልካዮ

መትከል ዘይትሕሉ እንተኾንካ ግን: ፍቶ ጽላእ ከንቱ ኢኻ::

ከንቱን ከንቱነት ዝብርሃካን ዲኻ ?

ኣነ: ኣብ ውድድር ህቡብነት የለኹን:: ምረጹኒ: ኣዋጽኡለይ: ሰዓቡኒ ይብል የለኹን:: ስለዚ እዚ

ጽሑፈይ ባህ ዘይብሎ ሰብ እንተሎ:: ንከንቱ ከንቱ ስለዝበልኩዎን: ብስሙ ስለዝጽዋዕኩዎን ይቕረታ ክሓቶ

ኣይኮንኩን:: ዕድመ ለዋህ ባዕሉ: ከምዚኦም ዝኣመሰሉ: መምሃሪ ዝኾንኑና ኣብነታት: ይርእየና ኣሎ::

ስለዚ ኣንታ መንእሰይ ነታ ዘላ ኣብኣ እንከላ ላዕሊ ታሕቲ ከይበልኩ ይህበካ ኣለኹ::

♦ ነቲ ከይትስጉም ሓሊኹ ዝሕዘካ: ንይምሰል ብኣፉ “ኣነ ደላይ ጽቡቕካ’የ” ዝብለካ: ብተግባሩ ዘይኮነ

ብቓላቱ ትመዝን እንተኾንካ: ተሓሊኽካ ደው ምባል ባህ ዝብለካ ከንቱ ኢኻ::

♦ ኣብ ቅድሚ ሰብ ክትፍቶ: ወይ ብቤላ ቤለው ዝሰኸሩን ዝኸሰሩን ዘይጠቕሙን ሰባት ከይትዝለፍ

ፈሪሕካ: ከም ድሁል ሓቂ ፈሊጥካ ክንስኻ ኣፍካ ትሕዝ እነተኾንካ ከንቱ ኢኻ::

♦ ንምዝላፍካ ከም ሓዳሮም ዝተተሓሓዙዎ: ካብ ክሳድ ንላዕሊ “ክቡር ሓው” እናበልካ ምቅብጣር

ሕማቕ ኣመል ዝሕዘካ እንተኾንካ ከንቱ ኢኻ::

♦ ኣብ ቅድሚ ካሜራን ኤምባሲታትን ጠራዕራዕ: ኣብ ቅድሚ ሕቡኣት ልኡኻቶም ምስኪንኪን ትብል

እንተኾንካ ግዝየ ምጥፋእ ዝብርሃካ ከንቱ ኢኻ::

♦ ናብራ ኣብ ሞንጎ ምውቓት ዘጣቕዓ ኣእዳው መቂሩካ መትከልካን ማሕበርካን ብናይ ሓሶት ኣባትር

ክድሰቕ ክንዲ ትምክት ትም ምስትብል: ብየማናይ ኢድካ ዝጸሓፍካዮ ብጸጋምካ እናደምሰስካ ኣብ ዜሮ

ድምር ትነብር ከንቱ ኢኻ::

♦ ንመራሕቲ ውድባትን ማሕበራትን ጥራሕ ከም ጠንቂ እናወቐስካ ምኻድ: ከም መህደሚ

እናተጠቀምካ: ንርእስኻ ግን “ኣይትመርሕ: ኣይትምራሕ” ዓይነት ሰብ: ኣብ ለይቲ ቦቒለን ዝሓደራ

ቃንጥሻታት ከተጽልል እትሓስብ: ንመብዝሒአን ሓደ ምኽንያት እናኾንካ ግና በዚሐን ኢልካ ተማርር

እንተኾንካ: ካብቶም እትኸሶም መራሕቲ ንላዕሊ ዝሰነፍካ ከንቱ ኢኻ::

ስለዚ ኣንታ መንእሰይ (“ክቡር መንእሰይ” ዘይበልኩኻ ኣይትሓዘለይ: መንነትካን ምርጫኻን ከይፈለጥኩ:

ከኽብረካ ስለዝኸብደኒ’ዩ) ስለዚ: ኣንታ መንእሰይ ‘ቲ ምርጫ ናትካዩ:: ሓደው ንዝሰራሕካሉን

ዝደኸምካሉን: ዝመሓልካሉን ዝደመኻሉን: ከይደቀስካ ዝሓደርካሉን እናፍረስካ ኣብ ዜሮ ድምር ክትነብር

ሓደው ነቶም ንዝተጋገዩ ናብ ቅኑዕ ክትመልስ: ብቓላት ዘይኮነ ብተግባር ናይ ጽኑዕን ናይ ጽንዓት ኣብነት ኮንካ:

ኣብ ውዑይን ዝሑልን: ኣብ ብርሃንን ጸልማትን ኣብ መትከልካ ክትጸነዕን ንወለዶታት ዝኽብረካ ታሪኽ

ክትገድፍን::

ትብዓት ቀመር የብሉን

ርግጽ’ዩ: ነቲ ኣብ መትከሉ ስለዝጸንዕ: ገለ ምስ ሰብ ግዝየ: ሰብ ገንዘብን ዘራያትን ዝግብሉን: ኣብ ምንዋሕ

ግዝየ ግን ዝደቁን ዝዓብሩን ነፋሒቶታት ፓለቲካ ኣባትር ከውርዱሉ እዮም:: ብቐደሙ ክቃለስ ክመርጽ

እንከሎ: ጥማር ዕንባባ ኣብ ክሳዱ ከንብሩሉ ኢሉ ኣይኮነን:: እዚ ኣባትርን በሰላታቱን ዘለፋታትን ስልማት

ጽኑዕ ሰብ’ዩ:: ነፋሒቶ ኣይንኣድካ: ንስኻ’ውን: ብነፋሒቶ ክትንኣድ ኣይትፈትን:: ኣይትፍራሕ: በትሪ

ፈሪሑ ቃሉ ዘዕብር ኣይትኹን:: ከም ኡ ዝገብሩ እንድሕር ኣለው: ገደፎም:: እቶም ዝተረፍና ግን ንጽናዕ:

ንትባዕ: ክሳብ ዝተባዕናን ዝጸናዕናን: እተመዓዓድናን: ዝፍትነና ረብሪቡን ሃሊኹን ክወድቕ’ዩ:: ሓይልና:

ኣብ ዓቕሚ ናብ ኣንጻርና ነውርዶ ኣባትር ዘይኮነስ: ኣብ ዓቕሚ ተጻዊርነትና ንኣባትር ጸላእትና እዩ:: ሓያል

ዝበሃል: ድሕሪ ኩሉ ቲ ኣብ ዝባኑ ዝጽሒ ኣባትር: ዓቕሙን ሞራሉን ከየጉደለ: እኳ ዳኣ ወሲኹ: ዝምርሽ

ዩ::

ነዚ ዝኸውን ትብዓት ግን ካበይ ነምጽኦ:: ከም ሓንቲ ስነጥበባዊት ዝበለቶ: “ትብዓት ቀመር የብሉን” ክትተብዕ

መታን ትገብሮ ትድምሮ ተጉድሎ ቀመር / ካልኩለይሽን የለን:: ሓንቲ ነጥቢ ጥራሕ ያ ተድልየካ:: ንሳ ድማ

ሓቅነት ያ:: ሓቂ ክሳብ ዝሓዝካ: ትፈርሖ ነገር ክህሉ የብሉን:: ሓቅነትካ ሒዝካ ኣብቲ ዘለኻዮ ጽናዕ::

ምእንቲ ሓሶት ሓሰውትን ትገብሮ ቃል ዓለም ኣይሃሉ:: ሓሰውቲ ረብረብቲ እዮም:: መትከል ዘይብሎም:

ዘይከም’ቲ ብደገ ዝመስሉዎ ፎኮስቲ እዮም::

መትከል ኣልቦታት ከ ?

መትከል ዘይብሉ ሰብ: ክንዲ ኣብታ ዝኣመነላ መትከል ዝጸንዕ: ናይ መትከላት ማሕበራትን ውድባትን “ሾፒን”

ክገብር ይረፍዶን ይዓርቦን:: ክንዲ ንመትከሉ ኣደልዲሉ: ጉድለታቱ እናኣረመ ሰዓብቲ ኣጥርዩ ሚዛኑን

ርእይቶኡ እናቕረበ ዝስማዕ: ኣብ ብለይቲ ቦቒሉ ዝሓደረ ቃንጥሻ ውድብ: ወጋሕታ ተመዝጊቡ: ሚዛን

ክውስኽ ይመርጽ:: ንዑ ኢሉ ድማ ምስ ዘይመስሉዎ ከም ነፋሒቶ ይማሳሰል: ኣብ ዘይተኸሎ ከም ጠበቕ

ይልሓግ:: ሰብ ኮይኑ ብመንነቱን መትከሉን ኮሪዑ መሬት ክንዲ ዝረገጸ: እናጣቕዐ ሰዓቢ ክኸውን ይመርጽ::

ግና ዋላ እቲ ምስዓብ’ውን መትከላዊ ስለዘይኮነ: ጽባሕ ንግሆ እታ ቃንጥሻ ግዚኣ ምስ ኣኸለ: ብዘይ ሕንኪ ናብ

ካልእ ይሰግር:: እቲ ዝገርም: ኩልና ከምኡ ኣእምሮ ኣባጊዕ ዘለና ስለዝመስሎ ድማ: “ሰዓቡ” “ተመዝገቡ”

እናበለ ትንፋስና የውጽኣና:: ናይ ሞራል: ናይ ትሕዝቶን ጸብለልታ እንከለዎ: መትከሉ ሸይጡ: “ንዑ: ሎም

ድማ ነዚኦም ንፈትኖም” ይብለና’ሞ: ጽባሕ ተንሲኡ ድማ “ንሳግም” ክብለና ስኽፍ ኣይብሎን:: ኣብዚ

ንፈላለ::

ፍልልይና ናይ ስነ-ኣእምሮኣዊ እዩ

እወ ፍልልይና ናይ ስነ-ኣእምሮኣዊ እዩ:: ናይ መራሕ ስነ-ኣምሮ ዘለዎምን: ናይ ተመራሒ: ደናኒ: ድኹም:

ደላይ ኣቋራጭ:ሓንሳብ ሓንሳብ ድማ ተበላጺ ስነ ኣእምሮን ዘለዎምን ፍልልይ እዩ:: እቲ ተመራሒ: ከም

ፈረስ: ወሰን ትርኢት ኣዒንቱ ተደሪቱ: ብልጓም ሓደስቲ ውዳበታት: እናተወጠጠ ናይ ዘይፈልጦን ዘይሓሰበሉን

ኣብ ናይ ፓለቲካ ‘ኣቲና-ዶ-ኣይኣተናን’ ይነብር:: ንከምዚ ሰብ ሓርነት ንምነየሉ: ምስኡ ኮለል ንብለሉ

ኣብነት ግን ብፍጹም የለን::

እዚ ዝጽሕፎ ዘለኹ: ነቶም ካብ መላኺ: እንተስ ዶንግዩ ተረዲኡዎም: እንተስ ጸባብ መንገዲ ስልጣን

ተራእያቶም: እንተስ ተላኢኾም: ኣብ ኤርትራ ምልኪ ከም ዘሎ ሎም ብምትሃት ዝተገልጸሎም ዝመስሉ

ጥራሕ ኣይኮነን:: ጽሑፈይ ነቶም: ሞዳ መሲሉዎም ንብሙሉእ ደምበ ተቓውሞ: ናብ ትማሊ ካብ ድቃሶም

ተሲኦም ኣብ ምብዕጋግ ዝርከቡ ከስግዱ: ቅንፍዝ እንተዘይሓቖፍኩም ኢሎም ዕግርግር ዝገብሩ ጥራሕ ውን

ኣይኮነን’ዩ:: ጽሑፈይ ነቶም ንስምረት: ስምረት ሓደ : ስምረት ክልተ ኢሎም ክጉዝዩ ውራይ ኣትዩዎም

ላዕሊ ታሕቲ ዝብሉ ጥራሕ ኣይኮነን :: ልዕሊ ኩሉ: ጽሑፈይ ነቶም: “ኣነ ምስ ኩሉ እየ” ዝብሉ እዩ:: “ኣነ

ኩሉ ኣንጻር ዲክታተር ዝኾነ’የ ዝድግፍ ኢሎም” ብፍርሒ ከይግለሉ: ንቃንጥሻ ጽላል እናበሉ ዘጽልሉ

እዩ:: ምእንቲ ክብረት ነብስኹም ኢልኩም ኣብ ዝኣመንኩምሉ ደው በሉ:: ምስ ጸሓይ ቀትሪ ደው ክትብሉ

እናኸኣልኩም: ምስ ኣውሊ ወጋሕታ ኣይትምረጹ:: ጽባሕ ንግሆ: ሓዳስ ማሕበር: ሓዳስ ውድብ ተመስሪታ

እናበልኩም ተሰሪዕኩም ተመራሪሕኩም ክትመጽዎ ዝጽበ እንድሕር ኣሎ: እቲ ከንቱ ንሱ እምበር ንስኹም

ከምዘይኮንኩም ኣብ ዘለኹሞ ብምጽናዕ ብተግባር መሃርዎ::

ሓውኩም

ቢኮ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • yafet March 21, 2014

    እቲ ቀንዲ ጸገም ኮኑና ዘሎ ኣብ እትኣምነሉ ወላ ገታር እተተብሃልካ ግትርናኻ ንሓቅን፣ ቅኑዕ መተከል ምኻኑ ኣሚንካ ደው ምባል ዘይምክኣል ኢዩ። ክትገብሮ ዝግባ ኣካ እንዳፈልጥካ ወይ ክትገብሮ ዝግባኣካ ክትምሃር ዝግብኣካ፣ ካብ ውሕጅ ዘምጽኦ ምዕበል ንጊዜኡ ከይትፍለ፣ እወ ንኹሉ/ ወላ መበገሲኡ ከይፈለጥካ/ ዝዕበየ ጥፍሽና ኢዩ ኮይኑ ዘሎ። መንእሰይ ኣይፋል ናይ ምባል ባህሪ እንተዘይኣማዕቢሉ፣ ናይ ለውጢ ሓዋሪያ ኢየ ክብል ብኸመይ ይደፍር። ኣንጸር ምልኪ ምቃልስ ማለት ምቅያር መንግስቲ ጥራይ ኣይኮነን። ነቲ ንሱ ዘተኣታተዉ ናይ ፍሪሒ፣ ከይሓተትካ ምጥቃዕ,,,,, ወዘተ ከም ኣገባብ ሂወት ወጊድ ምባል ኢዩ። ልዕሊ ኩሉ ካኣ ተባዕ ምኻን።

  • Ogbai GhebreMedhin March 21, 2014

    ኽቡር ሓው ቢኮ፡ ብሓቂ እዋናዊ ዓሚቝ ልቦናዊ ጽሑፍ፤ ንመንእሰያት ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ ንብምሉእና ህዝቢ ኤርትራ ዕቱብ ኣትኵሮ ክንገብረሉን ኣብ ግብሪ ክንትርጉሞን ዝግብኣና ንጽር መልእኽቲ ኢዩ። እወ! እቲ መሰረታዊ ጸገምና ድኽመትና ዘይምፍላጥ ኢዩ -ትርጉም መትከል ዓንዲ ማእከል ህይወት ምዃኑ ኣይተሰቈረናን። ምሉእ ስእሊ ሂብካሉ ስለ ዘለኻ፡ ናይ ኣተሓሳስባና ጻህያይናን ጐልጓልናን ምሒኻ ኣውጺእካዮ ስለ ዘሎኻ፡ ዝተረፈ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ኢዩ። ርእስና ተመቕሊልና ንመርምር፡ ኣብ ሓቂ ረጊጽና ክዓ ንቃለስ ኢልካ ኩሉ ወዲእካዮ ኢኻ። ኣብ ልብና ሰፊሩ ኣብ ግብሪ ኣብ ምትርጓሙ ኣብ ባይቶ ዘተ የራኽበና። —ካብ ሓውኻ ዑቕባይ ገብረመድህን።

  • ኣግኣዚ ተወልደ March 21, 2014

    chastising/Educational/blunt/ to the point. well done BiKo stepahanos.

  • ሙሉእ ካብ ዓዲ እንግሊዝ March 22, 2014

    ቃንጥሻ ዶ ኢልካዮም!!

    ቃንጥሻ ዋና ዘይብሉ ብዘይ መደብ ኣብ ፎቖዶ በረኻ ዝቦቅልን ብኡ ንብኡ ዝሃጉግ ዓይነት ተኽሊ ኢዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ካበይ መጸ? በየናይ ኣገባብ ከ ተጸንዐ? ካብ ብውዱብ ብውልቀ ሰባት ከ ንምንታይ ተደልየ? እንታይ መምዘኒታት ኣብ ኩሉ መዳይት ኣካተተ፣ ቀንዲ ሕመረት መንቀሊኡን ብዋንነት ዝሕተተሉ ውዳቤ ኣብ ዘይብሉ ኮለል ህዝቢ ንምስልቻውን ገንዘባውን ሞራላውን ዓቕሚ ተቓለስቲ ዘዳኽም ጥራይ ዘይኮነ፣ ከም ቃንጥሻ ግዝያውን ሃጋግን ምኻኑ ኢዩ። ካብዚ ኣዝዩ ረዚን መልእኽትን ዕምቀት ዘለዎ ስነሓሳብ ዝሓዘለ ብሓውና ቢኮ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ እንመሃሮ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ’ሞ “ንለባም ኣምተሉ ኣበይ ከይስሕቶ፣ ንዓሻ ደርጉሓሉ እንታይ ከይብሎ ኢዩ” እዞም ኣብዚ እዋን ንሕኑን ገድሊ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንምድሓን ሃገር ንምጉዕጻጽን ኣንፈቱ ንምስሓትን እንተ ብተልእኾ እንተ ብጥሙሕነት ስልጣን እተደናግሩን እትደናገሩን፣ ህዝቢ ኤርትራ ይዕዘበኩም ኣሎ። ካብቲ ትማሊ ኣብ ግዜ ኣንድነት “ጃንሆይ መጺኦም ብዳሞ ክዕልል’ዶ’ሞ” ኢሎም ኣጣቒዖም ተላህዮም ሃገር ሸይጦም ዝበሃሉ ናይ ታሪኽ ሓተላታት ተባሂሎም ወትሩ ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ብዝተገንጸለሉ ካልኢትን ብዝሒን፣ ዝተሰምዐ እዋን ዝኽሰሱ ዝፈልየኩም እንኮ ነገር እንተሎ፣ ምቅይያር ዓመተ ምህረትን ኣስማትን ጥራይ ኢዩ ዝኸውን፣። ስለዝኾኑ እቶም ላንጋ ላንጋ ወስኑ እቶም ሰብ ተልእኾ ኣብ እዋኑ ኢድኩም ኣይትስኣኑ ክብል ይፈቱ።

  • abeba March 22, 2014

    hashewuye eyu natkum zikone neger kulu. hager tguaz eya dela nskum tezarebu

POST A COMMENT