Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንእሰያት ዙሪክን ከባቢኣን ብዛዕባ ብድሆታት መንእሰያት ኤርትራን ፍትሖምን ምስ ኣሰናዳኢ ኣሰና ዘትዮም።

መስራትን ኣሰናዳእን ኣሰና፣ ኣማኑኤል ኢያሱ፣ ትማሊ ቀዳም 31 ጥቅምቲ ኣብ ዙሪክ ስዊዘርላንድ ምስ ዝርከቡ መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ብምርኻብ ብዛዕባ ‘ቶም ኣብዚ መድረኽ ‘ዚ ንመንእሰያት ኤርትራ ዝብድሁዎም ዘለዉ ሽግራትን ፍትሖምን ሰፊሕ ዘተ ኣካይዱ። ንሱ ኣብ መእተዊ ናይቲ

መስራትን ኣሰናዳእን ኣሰና፣ ኣማኑኤል ኢያሱ፣ ትማሊ ቀዳም 31 ጥቅምቲ ኣብ ዙሪክ ስዊዘርላንድ ምስ ዝርከቡ መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ብምርኻብ ብዛዕባ ‘ቶም ኣብዚ መድረኽ ‘ዚ ንመንእሰያት ኤርትራ ዝብድሁዎም ዘለዉ ሽግራትን ፍትሖምን ሰፊሕ ዘተ ኣካይዱ።

ንሱ ኣብ መእተዊ ናይቲ ክፉት ዘተ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብመንገዲ ‘ቲ ንመንእሰያት ኤርትራ ልኡማት ብምግባር ንምልካዊ ምሕደራኡ ክምእዘዙ ዝሃንደሶ ‘ሃገራዊ ኣገልግሎት’፣ ካብ ሕብረተሰብ፣ ካብ ቴክኖሎጅን ፖለቲካዊ መድረኽን ነጺሉ፣ ኣብቲ ክውንኑዎ ዝግባእ ዘበን ግዳያት ገይሩ ይቆጻጸሮም ከምዘሎ ብኣብነታት ኣሰንዩ ኣረዲኡ።

እቲ ምልካዊ ስርዓት ዘተኣታተዎ ስልቲ ተነጽሎ ንመንእሰያትን ሃገርናን ከቢድ ማሕበራዊ ሳዕቤናት ኣኸቲሉሎም ከምዘሎ ብምጥቃስ ከኣ፣ ሓደ ካብቲ ዝኸፍአ ሳዕቤናት ‘ስብእነት’ መንእሰያት ምልማሱ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ። ቀንዲ

ኣብ ርእሲ’ዞም ኣካላዊ ዛሬባ ኮይኖም ንመንእሰያት ኤርትራ ቀጥታዊ ተሳታፍነት ዝገዱዎም ዘለዉ ናይ ተነጽሎ ብድሆታት፣ መንእሰያት ሃገርና ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ኤርትራ ጅሆ ኮይኖም ኣእምሮኦም ሓዱሽን ሰፊሕን ሓሳባት ካብ ምፍልፋል ተዓንቂጹ ከምዘሎ ‘ውን ኣብሪሁ።

ይኹን’ምበር ቀንዲ ተኸሳሲ እቲ ዓማጺ ስርዓት ኳ እንተኾነ፣ መንእሰያት ‘ውን ግዳያት ክኾኑ ብምፍቃዶም ሓላፍነት ከምዝስከሙ ጠቒሱ።

በዚ ዝተደራረበ ብድሆታት ተስፋ ቆሪጾም መንእሰያት ዝወሱድዎ ዘለዉ ደረት ዝሰኣነ ስደት ዝያዳ ጸገማት ደሪቡ ኣደራዕ ጭንቀት ሰንፈላልን ይገብሮም ምህላዉ ብምምልካት ድማ፣ ንብድሆታት ከይገጠምካዮም ፍታሕ ከምዘየልቦ፣ ሽግራት እንተሃዲምካሎም ከምዝስዕቡኻ ኣረዲኡ። ስደት ዘይኮነ፣ ንመሰረታዊ ጠንቅታት ስደት ምፍታሕ እቲ እንኮ መዋጽኦ ምዃኑ ‘ውን ገሊጹ።

IMG_4838ኣብ መወዳእታ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ንምግዛእ ንመንእሰያት ምቍጽጻር ከም ኣቋራጭ ሜላ  ዝኽተል ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ እቲ ቀንዲ ምንጪ ቅልውላው ኤርትራን ብርሰት መንእሰያታን ምዃኑ ብምጥቃስ፣ መንእሰያት ኤርትራ ከምቲ ንሱ ከምጸላኢ ኣነጻጺሩ ዝወቕዖም ዘሎ፣ ንሳቶም ‘ውን ብዘይንሕስያን ሕድገትን ከም ዋና ጸላኢኦም ኣነጻጺሮም ክምክቱዎ ኣዘኻኺሩ። ብፍላይ እቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ መንእሰያት ሕመረት ናይቲ ብዘይ ኣፈላላይ በብኸተምኡ ክውደብ ዘለዎ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ብምዃን መሪሕ ተራ ክጻወቱ ተላብዩ።

መንእሰያት ብግዲኦም ኣብ ተመክሮኦም ተመርኵሶም፣ እቲ ምልካዊ ስርዓት ንመንእሰያት ኤርትራ ከም ገላዩ ንምልማሶም ናይ ዝወሰዶም ሜላታት ጭቡጥ ኣብነታት ብምጥቃስ ነቲ ዘተ ኣስፊሖሞ። ብዘይሓባራዊ ቃልሲ ዓወት ከምዘየልቦ ብምእማን ድማ፣ ሓባራዊ ምንቅስቓስ ንምውዕዋዕ፣ ድሮ ብሓሳብ ከሰላስሉዎ ንዝጸንሑ መደብ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ክሰርሑ ምዃኖም ገሊጾም።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዘተ፣ እቶም ነቲ ሰሚናር ዝወደቡ መንእሰያት ኣባላት ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ጨንፈር ዙሪክ ከምኡ ‘ውን ስምረት ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንድሕነት ሃገር ንኡስ ጨንፈር ዙርክ ንመሰሰኒ ድምጺ ኣሰና ኣስታት 7 ሽሕ ስዊዝ ፍራንክስ ኣወፍዮም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Noah November 1, 2015

    One GOAL, a transatlantic trip-two continents in three days, Mr. Amanuel Iyasu? How is that possible? Kidane Mhret bala tihalka mber kab seb si terifka ika zhawey. nay zereba cheletat, nay seili wahaletat, nay propaganda tebiban bezihom. nska gn you walk the talk Wedi Hzbi! Your honesty and dedication is self-evident. God Bless you!!!edmen tienan yhabka

  • ኣርዓዶም November 1, 2015

    ኣሰና ጽሑፋተይ እንዳደምሰስኩም ኣተኺርኩምኒ።
    ሓቒ መራር ኢያ፡ ሓቒ ስለዝተዛረብኩን ዝጽሓፍኩን እምበር፡ ነውሪ ፍጹም ጽሒፈ ማለት ከምዘይኮነ ጽሑፋተይ ይምስክር ኢዩ። ሕጂ`ውን እብለኩም ኣለኹ። ከብቲ ወሲዶመን ጸርፊ ግን ዝገደፍና የብልናን፡ ብዝመስል ኣቐላልሳ፡ ዲክታተር ከተልቕቕ ይትረፍ፡ ጽንጽያ ኣይተንፍርን። ስለዝኾነ ሓቐና ቓልሲ ንፍቶ ብሃላይ ኢየ። ግብራዊ ቓልሲ ኢዩ ወሳኒ፡ ተዘይኮይኑ፡ ዕንይንይ እንድበልካ፡ ዘረባታት ጥርይ ምዅና መፍቶ ጸላእቲ ኢዩ፡ ስለዝኾነ ግብራዊ ቓልሲ ፍተው፡ ኢየ ዝብል ዘለኹ።
    ሕጂ`ውን ክትድምስስዎ ትኽእሉ ኢኹም። ን ኣሰና ከምዘይተመሻኸናስ፡ ሎሚ ዳ እንታይ ሓድሽ ኣሎ ኢዩ፡ ሓቒ ተጸሊኡ።

    • Musa November 1, 2015

      ኣርዓዶም
      ግብራዊ ቃልሲ እንታይ ማለት እዩ
      መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ደም ከይፋሰስ ኣስሚሩሉ እዩ ንፋሽስታዊ ስርዓት ሕጊግደፍ ኣይተቃልዕዎ ትብል እንተለኻ ነፍስኻ ፈትሻ ሕልናኻ መርምሮ እሞ መንገዲ ሓቂ ክመርሓካ እዩ።

  • Tes November 2, 2015

    Aman

    Job well done!Extraordinary passion to a cause. One minute in NY the other minute in Geneva. God bless

POST A COMMENT