Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንእሰያትን ፖለቲካን – ኣማኑኤል ሳህለ (ሳልሳይ ክፋልን መወዳእታን)

መንእሰያትን ፖለቲካን ኣእምሮ መንእሰይ ንኹሉ ክፉት እዩ። ንጽቡቕ ይኹን ንሕማቕ። ኣብ ግዜ ደርጊ ትኩስ ሓይሊ ይብሉዎ ነይሮም። ቀልጢፉ ይቕበል፡ ቀልጢፉ ድማ ይድርቢ። ቀልጢፉ ይለዓል፡ ምስ ደኸመ ድማ የጽቅጥ። ኣብ ሜዳ ይዋጋእ፡ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ከይዱ ድማ

መንእሰያትን ፖለቲካን

ኣእምሮ መንእሰይ ንኹሉ ክፉት እዩ። ንጽቡቕ ይኹን ንሕማቕ። ኣብ ግዜ ደርጊ ትኩስ ሓይሊ ይብሉዎ ነይሮም። ቀልጢፉ ይቕበል፡ ቀልጢፉ ድማ ይድርቢ። ቀልጢፉ ይለዓል፡ ምስ ደኸመ ድማ የጽቅጥ። ኣብ ሜዳ ይዋጋእ፡ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ከይዱ ድማ ውልቃዊ ዋኒኑ የካይድ። ኣብ ሜዳ ማርኪስት፡ ኣብ ግዜ ናጽነት ድማ ማሪታውን ኣኽራርን ይኸውን። ሓቁ እዩ ናፖለዮን ንወድሰብ ከም ባምቡላ ወይ ሮቦት ዚቖጽሮ። ብደጋዊ ኩነታት ናብ ዝደለኻዮ ኪዕጸፍ ስለ ዚኽእል።

ኣብዚ እዋንዚ መብዛሕትኦም መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ኤርትራ የለዉን። ተሰዲዶም እዮም ዚነብሩ ዘለዉ። ብፖለቲካን ብውግእን ብወትሃደራውነትን ዝደኸሙ ይመስሉ። ሓቃቶም እዮም።

ሰላሳ ዓመት ዝወደበን ዝተወዳደበን ውድብ፡ ናጽነት እኳ እንተ ኣምጸአ፡ ሰላምን ቅሳነትን ብልጽግናን ሓድነትን ስኒትን ግን ከምጽእ ኣይከኣለን። ሰላሳ ዓመታት እተቓለሰ ውድብ፡ ንኤርትራውያን ነታ ጥንታዊትን ናይ ኣቦታቶም ሓርነታዊ ሓበን እኳ እንተ መለሰሎም፡ ኣብታ ሃገር ኪቕመጡ ግን ኣየፍቀደሎምን። ሰላሳ ዓመት እተጋደለ ውድብ፡ ባንዴራ እኳ እንተ ኣምጸአ፡ ህውከት ሒዙ እዩ ንኸተማ ዝኣተወ።

በዝን ክንድዝን ደኾን ይኸውን መንእሰያትና ናይ ኲናት ደቦለሳ ወይ ድኻም (ዎር ወይ ባትል ፋቲግ) ሒዙዎም ዘሎ። ኣብዛ ዓለም እኮ እተፈላለየ ናይ ኣእምሮ ሕማም እዩ ዘሎ። ናይ ፖለቲካን ናይ ኲናትን ፎብያ ዶ ንበሎ። ናይ ሃገርና ኩነታት ከምቲ ንሓሞት ኢሎም ዝሓረዱዎ በጊዕስ ሓሞት ሰኣኑሉ ኢዩ ኮይኑ ዘሎ። ኩለን ንሓሞት ኢልካ እትሓርደን ኣባጊዕ ሓሞት ምስ እትስእነለን፡ በጊዕ ሕረድ ኣይመጸካን። ሓሞት ዘይትረኽበላ! እንታይ ክትገብረልካ።

መንእሰይ ኤርትራ፡ ብሓቂ ደኺሙን ተወጺዑን ተገፊዑን ተዋሪዱን ተበዲሉን ዓስቡ ስኢኑን እዩ። ስለዚ ንኹሉ ፖለቲካ ብሕማቕ ዓይንን መንፈስን እዩ ዚርእዮ። ንኹሉ ጸላኢኡ ገይሩ ይርእዮ። ኩሉ ኪጸቕጦ ዝመጽእ ዘሎ ይመስሎ። ኩሉ ንኺላገጸሉ ዚለዓል ዘሎ ይመስሎ። ሓቁ፡ ካብቲ ዝሓለፈ ቃልሲ እንታይዶ ረኺቡ እዩ?

መንእሰይ ኤርትራ ዓቕሉ እናጽበበ መጺኡ። ካልእ ሓሳብ ኪቕበል ኣይደልን። እዚ ድማ ነጸብራቕ ናይቲ ካልእ ሰልፊ ኪቕበል ዘይደሊ ዝነበረ ሰላሳ ዓመት እተቓለሰ ውድብ ባህርያት እዩ። እቲ ናባይ ግደፉዎ፡ ኣነ እየ ዝፈልጥ፡ ብዘይካይ ካእል ሰልፊ ኣየፍቅድን እየ ዝብል ዝነበረ ውድብ፡ ብሳዋን ብኻልእ ሜላታትን ገይሩ ነቲ ዶክትሪናቱ ኣብ መንእሰያት ከም ዚሰርጽ ስለ ዝገበረ፡ እቲ መንእሰይ ግድን በቲ ናይቲ ውድብ መገዲ ኪጎዓዝ ነይሩዎ። ነዚ ድማ ኣብ ኩሉ ባህርያቱ የርእዮ ኣሎ።

በዝን ክንድዝን ዶ ይኸውን ኣብ ኩሉ ናይ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ኣኼባታት ባእስን ዕግርግርን ዘይምቅዳውን ዚረአ። ኩሉ ብነድርን ብስምዒትን ብጸርፍን ይካየድ። ብዘይምስምማዕ ድማ ይድምደም። ብድሕሪኡ ሕሜትን ጸለመን።

መንእሰይ ኣብዚ ናይ ድኽመት ዓዘቕቲ ተተኺሉ ስለ ዘሎ፡ ብዛዕባ ውልቃዊ ህይወቱ ጥራይ ኪሓስብ እዩ ዚደሊ። ኣብዛ ዓለም ተደሲቱ ከሕልፋ፡ ኣብታ እትመጽእ ድማ ኣብ ገነቱ ኪነብር።

ውልቃውነት ንምዕቃብ ናብ ኣውራጃውነትን ከንቱ ኣምልኾን ይሽመም። ብዓሌትን ብሃይማኖትን ምፍልላይ ይጅምር። ነቲ ዚሓስብ ኣእምሮኡ ብሕልሚ ይትክኦ። ተወዲብና፡ ተቓሊስና፡ ተሳቒና፡ ተሰዊእና፡ እንታይ ኣምጺእና ዚብል ሕቶ ብተደጋጋሚ ንኣእምሮኡ ይህውኾ።

ኣብ ሃገር ባዕዲ ኮይኑ ዘይተሳነየ መንእሰይ ደኣ ናብ ዓዱ ተመሊሱ እንታይ ዓይነት ኤርትራ ኪፈጥር እዩ? ኣብ ሃገር ጓና ዘይተረዳድአን ዘይተሰማምዐን ህዝቢ ደኣ ናብታ እትጽበዮ ዘላ ኤርትራ ምስ ተመልሰ እንታይ እዩ ከርእየና?

ሓደ ካብቲ ንመንእሰያት ኤርትራ ከም ጸገም ኮይኑ ምስጓም ከሊኡዎም ዘሎ ረቛሒ ናይ ኣእምሮ ምጽባብ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ኤርትራ ብዓቢኡ፡ ኣብ ሳዋ ድማ ብፍላይ እተወርሰ ኣተሓሳስባ እዩ። መብዛሕትኡ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣግፊሕካ ናይ ምሕሳብ ክእለቱ እተነጥቀ ይመስል። ኣግፊሕካ ምሕሳብ ከም ምኽሓድ ሃገር እዩ ዚቝጸር ዘሎ። ኣግፊሕካ እንተ ሓሲብካ ጽባሕ ንግሆ ንትግራዎት ኣሕዋትና ክትብሎም ኢኻ። እግፊሕካ እንተ ሓሲብካ ኩሉ ሰብ ሓደ እዩ ክትብል ኢኻሞ፡ ነቶም ከምቲ ናትካ ዘይሓስቡ ወይ ዘይኣምኑ ሰባት ክትሓቝፎም ክትጅምር ኢኻ። ስለዚ፡ ኣግፊሕካ ምሕሳብ ሓደገኛ እዩ። እዚ እዩ እቲ ጸገም። እቲ ኣስፊሕካ ናይ ምሕሳብ ዓቕሚ ብፖለቲካዊ ሜላታት ከም ዚጠፍእ ተገይሩ እዩ። ኩሉ ገና ከይጀመረ፡ ፈላጥ፤ ኩሉ ሊቅ፡ ኩሉ ፈትፊቱ ዚትንትን ኮይኑ ይረኣዮ። ኪሰምዓካ ድማ ኣይደልን።

ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ምስቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ናይ ተስፋ ምቝራጽ ባህርያት ተሓዊሱ ነቲ መንእሰይ ኣዛሕቲሉዎ ካብኡ ዝተረፈ ድማ ኣድኪሙዎ ይርከብ ኣሎ።

ኣብ ፓልቶክ ጸርፍን ዕግርግርን፡ ኣብ ግዜ ሓዘን (ኣማኢት ኣብ ባሕርን ምድረበዳን እናጠፍኡ) ጓይላን ዳንኬራን። ኣብ ግዜ ኣስተምህሮ፡ ምጽላምን ምዝንጣልን። ኣብ መገዲ ተረጋጊጽካ ምሕላፍ፡ ኣብ ውራይን ቀብርን ምፍልላይ ወዘተ.

ከምቲ ኣቐዲመ ኣብቲ ካልኣይ ክፋል ዝበልኩዎ፡ ንርእሱ ሓራ ዘይኮነ ሓራ-ኣውጻኢ፡ ሓራ ከውጽኣካ ኣይክእልን። እቲ መውጽእ ሓራ ነቲ ናጻ ዚገብር ባህልና ኣበላሺዩዎ እዩ፡ ነቲ ኣብ ኣርበዓታት ዝነበረና ናጻ ናይ ምጽሓፍ መሰላት ዓጽዩዎ። ንክብርና ኣትሒቱዎ።  ነቲ ናይ ኣቦታትና ናይ ምጽውዋር ባህሊ ኣብሪሱዎ። ኣብቶም መንእሰያት ድማ ዘይሕከኽ ናይ ኣእምሮ በሰላታት ገዲፉ።

እዚ ወለዶዚ ዝጠፍአ ይመስል። ግን ተስፋ ምቝራጽ ኣየድልን። ነቲ መንእሰይ ዘነቓቕሕ ኩሉ ንጥፈታት ምክያድ። ብጽሑፍ ይኹን ብተዋስኦ ወይ ብኣስተምህሮ ጌርካ ኣእምሮኡ ከም ዚሰፍሕ ምግባር።

ስለዚ እቲ ሓድሽ ኲናት ምስ ሰብ ብረትን ታንክን ዘይኮነስ ምስ ዝንቡዕ ኣእምሮ ኪኸውን ይግባእ። ኣእምሮ ሰብ ብጠበንጃ ኪዕረ ኣይክእልን። ንሓሳብ ብኻልእ ሓሳብ ኢኻ እትዋግኦ። እቲ ዝዓበየ ውግእ ኣብ ሜዳ ዘይኮነስ ኣብ ኣእምሮን ኣብ ልብን ዚካየድ ውግእ እዩ።

ኩሉ ሰብ ነዛ ዓዲ (ኤርትራ) ገገዲፉዋ ይኸይድ ኣሎ። ኤርትራ ሰብ ነይራ እንተ ትኸውን ከምዚ ምበለት ነይራ ’ኩሉ ገገዲፉኒ ከይዱ፡ ኣነን እህህታን ጥራይ ተሪፍና’። ስለዚ ንኤርትራ ብሓቂ ክንክሕሳ እንተ ደኣ ዄንና ካልእ ተሪፉ ኣብ ዘዘለናዮ ኣእምሮና ከነስፍሕን፡ ልብና ከነዕብን፡ ክንመዓዓድን፡ ክንከባበርን ክንሳነን ክንጸዋወርን ይግበኣና።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
45 COMMENTS
  • Essey January 25, 2015

    Powerful article, thank you

  • Teame Berhe January 25, 2015

    ሓው ኣማኑኤል
    ብሓቂ ጽቡቕን ሃናጽን ቃል ተዛሪብካ፡ ከምቲ ዝበልካዮ መንእሰያትና ጽበት ኣእምሮ ብዝወለዶ ተስፋ ምቝራጽን ወዲቖም ኣብ ግብ ዝበለ ደልሃመት ወዲቖም ይርከቡ ኣለዉ። ከም ውጺኢቱ ከኣ ውድቀት መንእሰያት ኤርትራ፡ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ህድማ ኣኸቲሉ፡ ብኣካል ንዝሃድም ዘሎ ደው ኣቢልካ ከተዘራርቦን ከተህድኦን ይከኣልን ዝቐለን ኢዩ ይመስለኒ፡ ብኣእምሮን ብመንፈስን ንዝሃደመ ግን ብዝኾነ ይኹን ደው ከተብሎ ኣይከኣልን ኢዩ። ስለዚ እቲ ሕጂ ዘድልየና ውግእ ናይ ኣእምሮ ውግእ ኢዩ፡ ነቲ ሃዲሙን ተለዊጡን ሰምቢሩን ዘሎ ኣእምሮ ከመይ ጌርና ከም እንልውጦ ምጽዓር ኢዩ እሞ ኩላትና ከይተሓለልና በብእንኽእሎ ክንቅይሮ ንጽዓት።

  • Alem January 25, 2015

    Dear Amanuel Sahle, thank you for well written Article!!!

  • Mesinas January 25, 2015

    ዝኸበርካ ሓው ኣማኑኤል ሳህለ፡ ብመጀመርያ ከምቲ ብዙሓት ኣሕዋተይን ኣሓተይንውን ዝበሉዎ፡ እንቋዕ ናብ ግንባር ሓርነት መጻእካ ክብለካ ከለኹ ሓበን ይስምዓኒ። ብምቕጻል፥ ኣበርክቶኻ ክሳዕ መወዳእታ ኪትቅጽሎ እላበወካ? ኣብቲ ዘቕረብካዮ ስነ ሓሳብ ከኣ ብዘይካ ኣብተን ንእምነት ዝምልከታ ሕጥበ ጽሑፍ፡ ኣብ ካልእ ኣብ ኩሉ ይሰማማዓሉ’የ። ብሓቂውን ዓጊበሉ። ብፍፍላይ ከኣ ኣብ ላዛ ኣጸሓሕፋ ቋንቋ ትግርኛ! ጽቡቕ ምልከት ቋንቋ ከም ዘሎካ ዘመስከረ ጽሑፍ’ዩ።

    ኣብዚ ግን ከም ጸሓፊ ሰዋስው ትግርኛ መጠን ክልተ ነገር ክሓተካ ምደለኹ? 1ይ፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ስርዓተ ነጥቢ ገለ ጉድለታት ዝረኹ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ንኣብነት፥ ድሕሪ ግን ክልተ ነጥቢ ምጥቃም፣ ካልኦት ሰባት ዝበሉዎ ሓሳባት ኣብ ውሽጢ ጭረት ዘይምእታው ወዘተ. ከምኡውን ኣብ ንሳልሳይ ኣካል ዚምልከት ቃላት፡ ንብዙሓትን ንኣንስታይን እንተ ኮይኑ ኣብ ክንዲ ሆሄ “ኪ” ፊደል “ክ” ዶ ኣይኮናን ክንጥቀም ዝግብኣና? ፊደል “ዶ” ኸ ብዘይካ ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ካልእ ግዜ ምስቲ ቅድሚኡ ዘሎ ቃልዶ ኣይኮናን ለጊቡ ኪጽሓፍ ዘለዎ? ንምትሕብባርካ ኣቐዲመ አመስግንን። የቐንየለይ። 25/01/2014

  • Stefanos Temolso January 25, 2015

    ክቡር መምህር ኣማኒኤል፡ እዚ ጀሚርካዮ ዘሎኻ ኣስተምህሮ ንመንእሰያት ጥራይ ዘይኮነ ወላ ነቶም መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ማሕበራት ወዘተ ኢና ዝብሉ ሰባትውን ኣገዳስን ኣእምሮ ዝሃንጽን እዩ። ስለዚ፡ ቅድሚ ሕጂ ቀጻሊ ክኸውን ኣለዎ ኢለካ ከም ዝነበርኩ፡ ተስፋ እገብር እንተ ወሓደ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ክኾነልና። እዚ ኣስተምህሮኣዊ ጽሑፍ እዚ ኣሽሓት ገንዘብ ከፊልካ’ውን ዝርከብ ኣይኮነን። ልክዕዩ ኣብ ዘለናዮ መዋእል ኢንተርኔት ፍልጠት ብብዙሕ መንገዲ ክርከብ ዝኽእል’ኳ እንተኾነ፡ ከምዚ ናትካ ብቕልል ዝበለ፡ ተጸሚቑን ዝኾነ ገፈል ዘይብሉን ኮይኑ ክቐርበልካ ከሎ ቀሊል ግምት ዝወሃቦ ዕማም ኣይኮነን። መንእሰያት ኤርትራ ድማ ኣብ ክንዲ ኮሜዲ፡ ፊልም ወይ ኣብ ፈይስቡክ ክትጸሓሓፉ ትውዕሉ ነዛ ዓምዲ እዚኣ ርብዒ ሰዓት ሂብኩም ካብኣ ብዙሕ ክትመሃሩ ተስፋ እገብር። ደጊመ ንመምህር ኣማኒኤል የቐንየልና ክብሎ እፈቱ።

  • feven amaniel January 25, 2015

    Well said memhr amanuiel. We are tired with wars and politics and now all we need is love and peace. The dream of eritrean fallen heros will come to reality no matter what is happening today.Every one looks conscious about the need for the rule of law than the rule of the jungle. I am happy to see such intellectual in Eritrea God bless u.

  • DEBRE January 25, 2015

    ሰላም ሰላም ኣምኑኤል
    እንቛዕ ጽሑፍካ ኣብ ኣሰና ክንርኢ በጻሕና። ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ዝነበረት ስእልኻ፡ ኣብ ኣሰና ምስረኣኽዋ ሕጉስ ኢለ። ጽሑፋትካ ክንመሃረለን፡ ክንነቅሓለን ዓቢ ተራ ክህልወን እዩ ‘ሞ ንኽትቅጽሎ የተባባዓካ። ናትካ ምምጻእ ንህግደፋውያን ክስረት፡ ንተቃውሞ ከኣ መክሰብ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ከም በዓል መሲናስ፡ ንእማኑኤል ኢያሱ ዓቢ ድጋፍ ዓንዲ ሕቆ ከምእትኾኖ ተስፋ ይገብር።
    እግዚኣብሄር ኤርትራን ይባርኽ

  • Tedros January 25, 2015

    ኣግፊሕካ ምሕሳብ ከም ምኽሓድ ሃገር እዩ ዚቝጸር ዘሎ። ኣግፊሕካ እንተ ሓሲብካ ጽባሕ ንግሆ ንትግራዎት ኣሕዋትና ክትብሎም ኢኻ። This particular sentences caught my attention. I always say Tegarus are my brothers, i feel closer to them even more than the other Eritrean Ethnic groups. Dear Amanuel Sahle, i consider you as a writer who thinks out of the box, i don’t want you to side walk on this important issue. Challenged us with this naked truth, for millions of us are blinded by the propanganda of the so-called mantra of nationalism. As long us we fail to reconcile with our brothers in the south and start treating them as our strategic allies our brothers by blood, we will continue to perish as a people, with no one to come for our rescue.

  • dan January 25, 2015

    ይብል ጽሑፍ ከምቲ ዝበልካዮ ኢሰያስ ካብ መጀመርታ ናጽነት ኣትሒዙ ዝተኸተሎ ሜላ ቅድሚ ኹሉ ንመንእሰይ ከመይ ጌርካ ኣዳኺምካ ዝሮምሮ ትገብሮ ዝብል ፍልስፍና ሒዙ እዩ ተበጊሱ ብሳላቶም ብጀካ ከብዶም ዝዘመዶም ላዕለዎት ወታሃደራዊ ሓለፍቲ ድማ ዝተዓወተሉ ይመስል ሕጂውን ኢሰያስ ትሕቲ መሬት ከይሰፈረ ኤርትራና ሓሊፍላ ማለት ዘበት ።

  • Stefanos Memghesteab January 25, 2015

    ክቡር ኣማኑኤል ሳህለ
    ሎሚ ለባም ወረጃ ኣራምን ማዓድን ፡ ኮኦታ ቱኹራትን፣ ተጻወርትን፣ተሰማዕቲ ሽማግለታት ንኽህልዉና፡ናይ ብሓቂ ኣድላይነቱ ካብ መንም እዋናት ንላዕሊ እዩ።መኽንያቱ ካኣ መኸርትን፣ መራሕትን፣ ስለ ዝተሳእኑ እዩ፡እዚ ኩሉ ምብትታን ስድራቤታት ዝርኤ ዘሎ። እወ እታ ሓያል ፈልፋሊት ፍቅሪ ታዓቛቛፊት ስድራቤት ኤርኢትራ፡ ንኣና ዝመስሉ ደቅና እናተባህሉ ኣብ ዉሻጠና ኣትዮም ብድበት ይደፍንዋ ኣለዉ።ዘርእና ንምጽናት ኮነ’ሎም ይሰርሑሉ ኣለዉ፡፡ክቡር ሓዉ ኣተና ልቦናኻ ክእለትካ ዝለተገንዘብኩ ፡ክልተ ለበዋ ኣለዋኒ
    1 መንእሰያትና እዚኹሉ ምድረበዳን ባሕርን ምስ ሞት ተፋጢጦም ናብ ኤዉሮጳ እዃ እንተኣተዉ፡ ኣብ ምድረ ገነት ዝኣተዉ መሲልዎም ከይዛነዩ፡ ኣዚዮም ክጥንቀቁ ካብ ባእስን ስርቅን ኣብ ካልእ ዘይሕጋዊ ስርሓት ከይርከቡን፡ ከምኡ’ዉን ንወድሰብ ኣብ ዓዱ’ዩ ክብረቱ’ሞ ርግእ ምስበሉ ካኣ ብዛዕባ ዓዶም ክሓስቡ ብዓሚቑ ምክርኻ ከትልግሰሎም
    2 ኩሎም ምሁራትና በበይኖም ዝሰርሕዎ ብዙሕ እኻ እንተሎ ብሓባር ተላዚቦም መሪሕን መምርሕን ፈጢሮም ሕዝበም ክጥርንፉ ኣትሪርካ ክትደፍኣሉ ይላበወካ

1 2 3 4

POST A COMMENT