Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንእሰያትና ኣሰር ጉድለታትና ተኸቲሎም ከይጓዓዙ፡ ንምሕጋዞም ኣወንታዊ ተራና ንጻወት!

  መንእሰይ ካብ ተረካቢ ህዝብን ሃገርን ምዃን ሓሊፉ ኣብ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ወሳኒ ተራ ዝጻወት ምዃኑ፡ ናይ ሕብረተ-ሰብ ሕግታትን ታሪኽን ዘረጋገጾ ኣድማሳዊ ሓቂ እዩ። ይኹን’ምበር ሓደ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ልዑል ተራ እናተጻወተ፡ ህዝብን ሃገርን ብብቕዓት

 

መንእሰይ ካብ ተረካቢ ህዝብን ሃገርን ምዃን ሓሊፉ ኣብ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ወሳኒ ተራ ዝጻወት ምዃኑ፡ ናይ ሕብረተ-ሰብ ሕግታትን ታሪኽን ዘረጋገጾ ኣድማሳዊ ሓቂ እዩ። ይኹን’ምበር ሓደ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ልዑል ተራ እናተጻወተ፡ ህዝብን ሃገርን ብብቕዓት ተረኪቡ ክመርሕ ንክበቅዕ፡ በቲ ሕብረተ-ሰብ ይኹን ኣብ ገግዚኡ ዝውደቡ መንግስታት፡ ፍሉይ ቆላሕታን ሓገዝን እናተገብረሉ፡ ብኩሉ-መዳይ ተዀስኲሱ ክዓቢ የድሊ።

እዚማለት ካኣ፡ መንእሰይ ናይቲ ሕብረተ-ሰብ እምነታት፡ ባህልታትን ልምድታትን ታሪኽን ክፈልጥን ከኽብርን፡ ዘኽእሎ ትምህርትን ስልጠናን እናረኸበ ክበቅዕ ምስ ዝግበር፣ከምኡ’ውን ኣብቲ ናይቲ ሕብረተ-ሰብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ባህላውን ምምሕዳራውን መዳያት እናተሳተፈ ክፈልጥ ካብ ምግባር ንላዕሊ፡ ኣብ ዓውደ-ተግባር ብክንዲ’ቲ ዝዓቕሙ ክዋሳእ፡ ህዝብን ሃገርን ናይ ምርካብ ሓላፍነት፡ ክለማመድ እናተገብረ ክዓብን ክነጥፍን እዩ ዝግባእ።

ኩሉ-መዳያዊ ብቑዕ ትምህርትን ምልመላን፡ ናይ ምውርራስ መስርሕን ዘይረኸበ ምንእሰይ፡ ህዝብን ሃገርን ተረኪቡ ክመርሕ ፍጹም ኣይክእልን እዩ ክባሃል ዘይካኣል’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜን መስርሕን ህዝብን ሃገርን ተረኪቡ ብብቕዓት ኣብ ምምራሕን፡ ነቲ ሕብረተ-ሰብ ናብ ዝተማለአ ሰላም፡ ደሞክራስን ልምዓትን ደረጃ ምዕባለን ኣብ ምስግጋርን፡ ዘተኣማምን ህዝባዊ መንግስቲ ኣብ ምህናጽን ናይ ዘይምብቃዕ ዕድሉ ዝዓበየ እዩ ዝኸውን። ስለ ዝኾነ ኣብቲ ሕብረተ-ሰብ ዝግበር ናይ ለውጢ መስርሕ ብባህርያዊ ማሕበራዊ ሕግታት ዝሰጋገር እኳ እንተኾነ፡ መሰረታዊ ናይ ስርዓትን ናይ ሕብረሰብ ለውጥን ክመጽእ ግን ኣይክእልን ኢዩ። ኣብ ክንድኡ ዘይመሰረታዊ ለውጢ /ጽገና/ ዘረግጋጽ ኮይኑ፡ እቲ ሕብረተ-ሰብ ናብ ሓድሽ ዘቤታዊ ጭቆና /ስዉር-መግዛእቲ/ ዝሳጣሕ። ካብቶም ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ዝዋስኡ ዝጸንሑ ማሕበራዊ ሓይልታት /ደርብታት/ ድማ፡ ሓዲኦም ናብ ገዛኢ ደርቢ ተለዊጦም፡ ሓድሽ  ናይ ስልጣንን ረብሓን ምልውዋጥ ዝረኣየሉ ፖለቲካዊ ኩነታት ጥራሕ እዩ ዝኽሰት።

ፖለቲካዊ ውጽኢት ናይ ዝቐደመ ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልስና ብግቡእ ክንመዝን እንከለና፡ ሓደ ሓቂ ኣረጋጊጹልና እዩ። ንሱ ካኣ ኣብቲ መስርሕ ቃልሲ ናይ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሓይልታት ብሓፈሻ ብፍላይ ናይ መንእሰይ ኤርትራ ተሳትፎ፡ መስዋእትነትን ስንክልናን፡ ብቐዳማይ ደረጃ ዝስራዕ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ህዝብታትና ብሓፈሻ፡ ኣብ መንእሰያት ኤርትራ ድማ ብፍላይ፡ ብዛዕባ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ክትከል ዘለዎ ፖለቲካዊ ስርዓት እንታይ ዓይነት ስርዓት ክኸውን ኣለዎ? ናይ ህዝብታትና ኣብ ፖለቲካን ካለኦት መዳያትን ተሳትፎን ተራንከ ከመይ ክኸውን ይግባእ? ዝብሉ ኣገደስቲ ፖለቲካዊ ጉዳያት፡ ብግቡእ ንክጭበጥ ብዕላማ ስለ ዘይተሰርሓሉ፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ድሕሪ ምብራር ዝተጣየሸ ኩሉ ሕማቕ ዝባሃል ባህረን ተግባራትን ናይ ጨቆንቲ ደርብታት ዝወረሰ ጸረ-ደሞክራሲ ዝኾነ ጊዝያዊ መንግስቲ ህግሓኤ /ህግደፍ እዩ ኣብ ስልጣን ክቕመጥ ዝኸኣለ።

እዚ ኣሉታዊ ውጽኢት’ዚ ድማ፡ መንእሰይ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ብቕዓትን ወኒኑ፡ ከመይ ገይሩ ህዝብን ሃገርን ተረኪቡ፡ ኣብ መስርሕ ሰላም፡ ደሞክራስን ልምዓትን፡ ዝወነነ ህዝብን ሃገርን መንግስትን ይሃንጽ? ዝብል ፖለቲካዊ ቁም-ነገር ስለ ዘይተጨበጠን ብዕላማ ስለ ዘይተሰርሓሉን  ዘስዓቦ ውጽኢት እዩ ነይሩ። ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ናብዚ ሕጂ እንርከበሉ ዘለና ናይ ከቢድ ጭቆና፡ ምዝመዛን ስእነትን ድኽነትን ዝኾነ ውድዕነት ተሳጢሕና እንርከብ ዘለና።

ኣብዚ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ዝኾነ መ/ህግደፍ ንምውጋድን ህዝብን ሃገርን ካብ ውድቀትን ምብትታንን ብምድሓን፡ ውሕስነት ዝህብ መሰረታዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ፡ እነካይዶ ዘለና ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ፡ ናይ መንእሰይ ክፍሊ ሕብረተ-ሰብና፡ ተሳትፎን ተራን ኣድማዕነትን ከመይ ይመስል? ኢልና ክንርኢ እንከለና፡ ዘይከምቲ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ ተባሂሉ ብሓፈሻ ክቕመጥ ዝካኣል እዩ።

ስለምንታይ ከምኡ ኮይኑ ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ብምልዓል ጠንቅታቱ ብምፍታሽ መፍትሒ ሓሳባት ምቕማጥ ድማ፡ ንህዝባዊ ቃልስና ጠቓሚ ስለ ዝኾነ፡ ኩነታት መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት በዚ ኣረሜናዊ ስርዓት እንታይ ጸገማትን ዕንቅፋታትን እናጓነፎ መጺኡን ኣሎን? ዝብሉ ነጥብታት ብግቡእ ምርኣይን መፍትሒ ምቕማጥን ኣገዳሲ ሰለ ዝኾነ፡ ብዛዕባ’ዚ ጠንቅታት’ዚ ንርኤ።

ጉጅለ መንግስቲ ህግደፍ፡ ካብ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ባህሪኡን፡ ጨቛንን ምዝማዝን ዕላምኡን ብምብጋስ፡ ንመንእሰይ ብኩሉ እንትንኡ ንዕኡን ንዕኡን ጥራሕ ክግልገለሉ ብዝኽእል ኣገባብ፡ ኣተሓሕዛን ክምልምሎን ከማሓድሮን ክጥቀመሉን ውሁብ ነገር ስለ ዝኾነ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ናይ ህዝቡ፡ ሃገሩን ሰውርኡን ሓቀኛ ታሪኽ ብልክዕ ክቐስም ኣይተገብረን። ብኣንጻሩ ህግደፍ ንሓቀኛ ታሪኽ ህዝብታት ኤርትራ ብምጉሳይ ብውድባዊ ታሪኹ ብምትካእ፡ ንታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ድማ፡ ናብ ናይ ውልቀ ውድባዊ ታሪኽን ጅግንነትን ቀይሩን መዝሚዙን ብምቕራብ፡ መንእሰያትና ናይ ሓቀኛ ታሪኽ ኣፍልጦን ውርሻን ንከይህልዎም ክገብር ጸኒሑን ይገብር ኣሎን እዩ።

ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ድማ፡ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ምምሃርን ምቕሳምን ማለት፡ ናይ ህግደፍ ጥራሕ ምምሃርን ምፍላጥን ምዃኑ፡ ኣምሂሩዎም። ካብኡ ወጻኢ ፖለቲካዊ እምነት ይኹን፡ ፖለቲካዊ ውደባታት ከም ዘየሎን፣ ክህሉን ከም ዘይፍቀድን፡ ምስ መጠንቀቕትኡ ኣምሂሩዎምን ኣጊዱዎምን እዩ። ካብ ውድብ ህግደፍ ወጻኢ ዘለዋ /ዝዋስኣ/ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ከም ጸረ ህዝብን ሃገርን ከዳዓትን ሓሙሻይ መስረዐኛታትን ገይሩ ብምግላጽ፣ ህዝብታትና ብሓፈሻ መንእሰያትና ድማ ብፍላይ፡ ናይ ፖለቲካ ነጻነት ሃልይዎም፡ ነጻ ርእይቶ ከየማዕብሉ፡ ምስ ዝመረጽዎ ዕላማን ውድብን ወጊኖም ከይቃለሱን ኣጊዱዎም እዩ። ስለ ዝኾነ መንእሰያትና ኣብ ፖለቲካ ምውሳእ ኣይከኣሉን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ትርጉምን ዓይነታትን ምፍላጥን’ውን እንተኾነ ግጉይ ተረድኦ ክሓድሮም ገይሩ እዩ።

ብምዃኑ ድማ መንእሰያትና፡ ነቲ ብመንግስቲ ህግደፍ ምስ ህዝቦም ኣልሒሙ /ደሪቡ/ ክወርዶም ዝጸንሐን ዝወርዶም ዘሎን፡ ኩሉ-መዳያዊ ሕሱም ጭቆናን ምዝመዛን፡ ስእነተ-ሰላምን ፍትሕን፡ ደሞክራስን ልምዓትን፡ ጊላዊ ኣገልግሎትን ስደትን ምፍንቓላትን ነቒሖም ንከይቃለስዎ እናተጸገሙ ጸኒሖምን ኣለዉን እዮም። ብኣንጻሩ ብስም ህዝብን ሃገርን ነገልግል ኣለና ዝብል ግጉይ /ለዋህ/ ፖለቲካዊ ኣገንዝቦ ብምሓዝ፡ ነቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ብጉልበቶም፡ ፍልጠቶምን ሂወቶምን ወርቃዊ ግዚኦምን ከገልግሉ እናተገደዱ፡ ኩሉ-መዳያዊ ሓሳረ-መከረኦም እናረኣዩ መጺኦምን ገና ዝርእዩ ዘለዉን ውጹዓት እዮም።

ካብዚ ወጽዓታት’ዚ ንምንጋፍ ክብሉ፡ ነቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ብምቅዋም ክቃለሱ ዝተወሰኑ መንእሰያት ኣብ ዝተበገስሉ ግዜ ድማ፡ ንቃልሲ ዝሕግዝ ብሱል ፖለቲካዊ ኣፍልጦን ተሞክሮን ስለ ዘይጸንሖም፡ ብምሒር ስምዒትን ናይ ምቅላስ ድሌትን ተደሪኾም፡ ክቃወሙን ተወዲቦም ክቃለሱን ኣብ ዝጀመሩሉ ወቕቲ ድማ፡ ቀሊል ዘይኮነ ፖለቲካዊ ብደሆ ኣጋጢሙዎምን ገና ዘጋጥሞም ዘሎን እዩ።

ብኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቢሉ፡ ዝተወሰኑ መንእሰያት ተማሃሮ፡ ካብቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ናብ ስደት ብምምራሕ፡ ኣብ ከባቢና ሃገራት ብምዃን፡ ኣንጻር እቲ ስርዓት ክቃለሱ ኣብ ዝጀመርሉ ግዜ፡ ክሳብ ፈታውን ጸላእን ዘይፈሊ፡ ነቲ ናይ ጸላኢ ናይ ትምክሕቲ ፖለቲካዊ ኣበሃህላ ከም ዘለዎ ብምድጋም፡ ንኩሉ’ቲ ኣብ ቃልሲ ዝጸንሐ ተቓዋሚ ሓይልታት፡ ኣበርክትኡ ኣብቲ ቃልሲ ኣብ ግምት ዘየእተወን ዝረስዐን፡ ከም ጸረ ህዝብን ጸረ ሃገርን /ሓሙሻይ መስረዐኛታት/ ገይሩ ዝርኢ ግጉይ ፖለቲካዊ ኣገንዝቦ ብምሓዝ ንክነጥፉ ተፈታቲንዎም እዩ ።

እዚ ግጉይ ኣገንዝቦ’ዚ ኣብቲ ግዜ’ቲ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ክሳብ’ዚ ግዜ’ዚ’ውን፡ ካብ ኣንደበትን ግንዛበን ናይ መንእሰያት ብሓፈሻ፡ ኣብቶም ተወዲቦም ዝቃለሱ ዘለዉ ድማ ብፍላይ፡ መሊኡ ዘይለገሰን ዘይሃሰሰን ዘሎ ግጉይ ኣተሓሳስባ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ተውዲቦም ንምቅላስ ኣብ እናካየድዎ ዝመጹን ዘካይድዎ ዘለዉ መስርሕ ቃልስን’ውን እንተኾነ፡ ከመይ ነብሶም ይውድቡ፣ ምስ መነመንን ከመይን ተመሓዝዮምን ሓቢሮምን ተደጋጊፎምን ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ይቃለሱ፡ ዝብል መሰረታዊ ጥበብ ናይ ቃልሲ ስለ ዝሓጽሮም፡ እናተጸገሙ መጺኦም እዮም። ስለ ዝኾነ ኣብ እናመስረትዎ ዝመጹ ውዳበታት፡ ምትእምማንን ሓድነት ምርግጋጽን እናተጸገሙ፡ ኣብ ሕድሕዶም እናተሰሓሓቡን፡ ኣብ ናይ ምምራሕ ቦታ እናሻዕ ሓደ ነቲ ካልእ እናተገላበጡ፡ ምኽንያታዊ ዘይኮነ ምፍንጫላትን ምኻማት ውደባታትን እናተራእዩ ክመጹ ጸኒሖም እዮም። እዚ ካኣ ነቲ ናይ ተቓወምቲ ውድባትና /ዝሓለፉን ዘለዉን/ ናይ ምፍንጫልን፡ ተቓላሳይ ሓይሊ ናይ ምድኻም ኣሉታዊ ተምክሮ ተኸቲሎም፡ ኣብ ብደሆታት ዝበዝሖ መስርሕ ቃልሲ ኮይኖም ክነጥፉ ገና ዘገድዶም ዘሎ ፖለቲካዊ ተርእዮ እዩ። በቲ ካልእ ገጽ ድማ፡ ብዙሓት መንእሰያት ነቲ ስርዓት ተቓዊሞም ናብ ስደት ዝተሳጥሑ ክነሶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ጣዕሳ ፎርም /ቀጥዒ/ እናመልኡ ነቲ ስርዓት ብኩሉ እንትነኦም ዘገልግሉ ውሑዳት ኣይኮኑን።

እዚ ኣብ መንእሰያትና ዘጋጥም ዘሎ ፖለቲካዊ ድኽመታትን ብደሆታት’ዚ ብመሰረቱ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ኮነ ኢሉ ብዕላማ ዝፈጠሮን ዝቕጽለሉ ዘሎን ፖለቲካዊ ዕንቅፋታት ብቐንዱ ኮይኑ፣ ብተወሳኺ ተቓወምቲ ውድባትና ዘርእየኦ ዘለዋ ፖለቲካውን ውድባውን ድኽመታትን፡ ኣድማዕን ሓላፍነታውን ናይ ቃልሲ ተራ ክጻወታ ዘይምብቀዐንን’ውን ኣሉታዊ ጽልዋ እናፈጠረ ዘጋድዶ ዘሎ ተርእዮ እዩ።

ኣብዚ ብዝያዳ ክረአን መፍትሒ ክናደየሉን ዘለዎ ነጥቢ እምበኣር፡ እቲ ብጸላኢ ዝፍጠር ዘሎ ጠንቂ ብቃልሲ ክፍታሕ ዘለዎ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እቲ ኣብ ኣባላት ደምበ ተቓውሞና ዝኾና ውድባትን ካለኦት ኣካላትን ዝርኤ ዘሎ ብካላኣይ ደረጃ ዝረኤ፡ ዝቦዀረ ግቡኣትን ጸላዊ ጉድለታትን እዩ። ንሱ ካኣ ተቓወምቲ ኣካላትና ኣብ ሕድሕደን ዘይምርድዳእን ምንጽጻግን ምፍንጫልን ብቀጻሊ ስለ ዝዝውተር ኣሉታዊ መርኣያ /ኣብነት/ እዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ወድዓውን ባዕላውን ድኽመታትን ዝፈጠሮ ፖለቲካዊ ጸገማት ናይ መንእሰያትና፡ ብወድዕነትን ሓላፍነትን ክመዝና ብዘይምኻለን፡ ብኣንጻሩ ህልዊ ኤርትራዊ መንእሰይ ከም ዘይረብሕን፡ ንቐዳሞት ተቓለስቲ ወለዱ ተኪኡ ክቃለስ ቅሩብ ከም ዘይኮነ፡ ኣብ ናይ ወልቁ ጠቕሚ ጥራሕ ዘድሃበ ስነ-ስርዓትን ሰነ-ምግባር ዘይብሉን ከም ዘይረብሕን ወ.ዘ.ተ ገይሩ ዝርኢ፡ ናይ መንእሰያትና ተስፋ ዘቚርጽ ሓላፍነት ዝጐደሎ ኣናሻዊ ኣባሃህላታት ብሓፈሻ ቀጸልቲ ብምዃኖምን እዩ።

በቲ ካልእ ገጽ ድማ ብገለ ኣባላት ተቓወምቲ፡ ናይ መንእሰያትና ትሑት ፖለቲካዊ ንቕሓትን ንኡስ ተሞክሮ ናይ ቃልስን ብምብላጽ፡ ብዝተፈላለየ ናይ ድሕረት ሜላታት ብምጥቃም፡ እንተተኻኢሉ መንእሰይ ኣብ ውድባተን ብምስላፍ ክጥቀማሉ፡ እንተዘይተኻኢሉ ድማ ናተን ደጋፍን ተደናጋጽን ብምዃን፡ ኣብቲ ኣንጻር መወዳድርተን ዝኾኑ ኣካላት ክትቀማሉ ብድሕረት ዝተሰየ ኣሉታዊ ንጥፈታት ምክያድ ህልዊ ብምዃኑን’ውን  ተደማሚሩ፡ ኣብ ልዕሊ ምንቅስቓስ ናይ መንእሰያትና ተወሳኺ ኣሉታዊ ፖለቲካዊ ተራ ዝጻወት ዘሎ ተርእዮ እዩ። ስለዝኾነ ናይ ተቓወምቲ ውድባትና ድኽመታት፡ ጉድለታትን ዘይሓጋዚ ኣካይዳታትን ብሓፈሻ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ መንእሰያትና ምንቅስቓስ ዝጻወቶ ዘሎ ኣሉታዊ ተራ ኣቃሊልካ ዘይረኤን፡ ንካለኦት ኣካላት ዘይዋሃብ ምዃኑን ምምዛን ቅኑዕን ሓጋዝን እዩ ዝኸውን።

እዚ ናይ ተቓወምቲ ውድባትና ጉድለታት’ዚ ህልውን ዓቢ ኣሉታዊ ተራ ዝጻወት ዘሎን ይኹን’ምበር፡ ንኩሉ እቲ ኣብ መንእሰያትና ዝረኤ ዘሎ ጉድለታትን ጸገማትን ብሓላፍነት ዝሕተተሉ እዩ ማለት ግን ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ መንእሰያትና ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ካኣ ኣብቲ ኣብ ቀጽሪ ደምበ-ተቓውሞና ብምዕሳል ብዓቕሙ ኣብ ምቅላስ ዝርከብ ዘሎ ቀሊል ዘይኮነ ክፋል መንእሰይ፡ ንሱን ንሱን ጥራሕ ዝሕተተሎም ድኽመታት ህልዋት ስለ ዝኾኑ። ንኣብነት፡ ካብ ግጉይን ትሑት ፖለቲካዊ ኣገንዝብኡን ዝብገስ፡ ካብ ዝሓለፉ ግጉያት ተሞክሮ ናይ መንእሰያት ውዳበታትን ንጥፈታትን ክማሃር ዘይምኽኣሉ። ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ውድባት ብሓፈሻ፡ ኣብ ገዳይም ውድባትን መራሕተንን ካኣ ብፍላይ፡ ዘለዎ ዘይወድዓውን ዘይደሞክራስያውን ኣገንዝቦ ብተግባር ይቕጽለሉ ምህላዉ።

ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ብምምሕዛውን ሓድነት ብምፍጣርን፡ በብደረጅኡ ዝግለጽ ኣገባብ /ሜላ/ ናይ ቃልሲ ብግቡእ ብምግንዛብ ተደጋጊፉ ናይ ምቅላስ መማረጺ ንጹግ ብምግባር፡ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ጉዳይ፡ ከም ብሕታውን ፍሉይን ዕማምን ሓላፍነትን ናይ መንእሰይ ገይሩ ብምርዳእ ገና ኣብ ምንጣፍ ይርከብ ስለ ዘሎን። ቅኑዕ ዕላማን እስትራትጅን ከይወነነን፡ ንህዝባዊ ዓወትና ዘለዎ ውሕስነት ብግቡእ ከይተገንዘበን፡ ብኣንጻሩ ንጹሩነትን ቀጻልነትን ዝጐደሎ ዕላማ ብምሓዝ ይነጥፍን ይለሓሓጽን ምህላዉን ወ.ዘ.ተ እዚኣቶም ኣብ ምውጋዶም ሓገዝ ናይ ተቓወምቲ ኣካላት ግድን ዘድልዮ እኳ እንተኾነ፡ ብቀንዱ ግን ናይ መንእሰይና ጉድለታት ንሱ ዝሕተተሎምን ንምእራሞም ክቃለሰሎም ዘለዎን እዮም።

መንእሰይ ኤርትራ ኣብዚ ህዝብን ሃገርን ካብ ውድቀትን ምብትታንን ንምድሓንን መሰረታዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽን ዝግበር ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ካብ ዘለዎ ፖለቲካውን ውድባውን ድኽመታትን ጸገማትን ተናጊፉ፡ ብቑዕ ወሳናይ ተቓላሳይ ሓይሊ ብምዃን ንክቃለስን፡ ህዝብን ሃገርን ተረኩቡ ንክመርሕን ክከኣል’ምበኣር፡ ኣብ ተቓወምቲ ውድባትናን መንእሰያትናን እዞም ዝስዕቡ እሩማትን ሓላፍነታውያን ቃልሲ ክካየዱ ኣድላዪ እዩ ዝኸውን።

ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ ዝኣክል፣

ብወገን ተቓወምቲ ውድባትና፣

1.ተቓውምቲ ውድባት ብሓፈሻ፡ እቲ ኣብ መንእሰያትና ዝንጸባርቕ ዘሎ፡ ፖለቲካውውን ውድባውን ድኽመታትን ጸገማትን፡ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ዝፈጠሮ ጠንቂ ዘስዓቦ ታሪኻዊ ፖለቲካዊ ተርእዮ ምዃኑ ብግቡእ ገምጊመን ቅኑዕ ፖለቲካዊ ግንዛበ ንክሕዛ ብክፉት ልቢ ክጽዕራን፡ ንመንእሰይ ብዓቕመን ክሕግዛ ክነጥፋን እዩ ዝህልወን።

2.እዚ ናብ ልዕሊ’ዚ፡ ብስርዓት ህግደፍ ዝተበደለ መንእሰይ ዘርእይኦ ዘለዋ ግጉይ ፖለቲካዊ ሚዛን፡ ኣናሻዊ ኣበሃህላታትን፡ ምስሉይን ሓላፍነት ዝጎደሎ በለጻዊ ንጥፈታትን ንምእራም እናተቓለሳ፡ ናይ መንእሰይ ተራ ኣብ ቃልስን፡ ህዝብን ሃገርን ናይ ምርካብ ዘለዎ ታሪኻዊ ሓላፍነትን ብምርዳእ፡ ካብኣተን ዝጥለብ ተሞክሮ ናይ ምቕሳም ግዴታን፡ ናይ ምውርራስ ታሪኻዊ ሓላፍነትን ክጻወታን’ውን’ዩ ዝግባእ።

3.ኣብ ደምበ ተቓውሞና፡ ናይ መንእሰይ ትሑት ፖለቲካዊ ንቕሓትን ተሞክሮ ናይ ቃልሲ ምንኣስን ብምምዝማዝ፡ ብድሑር ሜላታትን መንፈሳትን ብምጥቃም፡ ንመንእሰያትና ግዳይ ናይ ዝተፈላለዩ ድሕረታትን፡ ግጉያት ፖለቲካዊ ኣንፈትን ብምግባር ዝረኤ ዘሎ ፖለቲካዊ ሃልኪ፡ ሓደ ካብቶም ንህዝባዊ ቃልስና ዘጸግሙን ዘዐንቅፉን ዘሎዉ ተግባራት ምዃኑ ብምርዳእ፡ ንምእራሙ ክቃለሳን ንነብሰንን ንመንእሰያትን ብምሕጋዝ፡ ኣብ ቃልሲ ኣወንታዊ ተረአን ክጻወታ ክበቕዓ ክቃለሳ’ውን እዩ ዝህልወን።

4.ተቓወምቲ ውድባትና ዘለወን ፖለቲካዊ ድኽመታት፡ ጸገማትን ሕድሕድ ዘይምቅዳውን ወ,ዘ.ተ ንምፍታሕ ዝሕግዝ ፖለቲካዊ ሃዋህው ንክፍጠር፡ ነጻን ግልጽን ደሞክራስያዊ መድረኸ እናከፈታ ጸገማተን ክፈትሓ ከይተሓለላ ክቃለሳን ከቃልሳን’ዩ ዝህልወን። በዚ ግሉጽን ሓላፍነታዊ ኣገባብ ኣቀላልሳን’ዚ ኣቢለን መንእሰያትና ምሕጋዝን ምብቃዕን ስለ ዝካኣል፡ ተቓወምቲ ውድባትና ከም ናይ ቃልሲ ቅኑዕ ሜላን ባህልን ወሲደን ክጥቀማሉ እዩ ዝግባእ።

ብወገን መንእሰያትና ድማ፣

1.መንእሰይ ኣብ ቃልስን ኣብ ሕብረተ-ሰብን ወሳኒ ተራ ክጻወትን፡ ህዝብን ሃገርን ክወርስን ዝኽእል፡ መንእሰይ ብምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ካብ ሕብረተ-ሰቡን ተቓወምቲ ውድባቱን፡ ብዙሓት ክወርሶም ዝግበኦ ቁም ነገራትን ፍልጠታትን ከም ዘለዉ ፈሊጡ፡ ካብኣቶም ፖለቲካዊ ፍልጠትን ተሞክሮን እናቐሰመ ኣብ ጉዳይ ሕብረተ-ሰቡን ቃልሶምን ብብስለት ክነጥፍ እዩ ዝግበኦ።

2.መንእሰይ ካብ ጉጅለ መ/ህግደፍ ዝቐሰሞ ፖለቲካዊ ትምህርቲ /ውሱን ዋላ ይኹን/ ናይ ትምክሕትን ጽበትን ማለት /ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን፣ ሰላምን ምርግጋእን ልምዓትን ምዕባለን/ ኣተሓሳስባ ምዃኑ ክርዳእ፣እቲ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ኣካላት ዘለዎ ግጉይ ሚዛንን ግምትን ዘዘውትሮ ኣበሃህላታትን፡ ካብቲ ኣዕናዊ ስርዓት ብትምህርቲ መልክዕ ዝወረሶ ግጉይ ፖለቲካዊ እምነትን ግንዛበን፡ ንነብሱን ንህዝቡን ዘይጠቅም ኣተሓሳስባ ስለ ዝኾነ፡ ካብዚ ጸገማት’ዚ ንምንጋፍ ክረባረብ እዩ ዝህልዎ።

3.ናይ ተቓወምቲ ኣካላት፡ ፖለቲካዊ ሓገዝን ኣወንታዊ ተሞክሮ ምውራስን ጠቓሚ ስለ ዝኾነ፡ መንእሰይ ብክፉት ልቢ እናተቐበለ ዝጠቕሞ መምዩ ዝወስደሉን ዝጥቀመሉን፡ ንቕሓትን ብቕዓትን ንክውንን ክቃለስ ታሪኻዊ ግድነት ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ንምፍጻም ክረባረብ እዩ ዝህልዎ።

4.መንእሰይ፡ ናይ መንእሰይን ንመንእሰይን ጥራሕ ዝምልከት ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብን ዕላማን ከም ዘየለ፡ እንታይ ዳኣ ፖለቲካ ከም ናይ ደቂ-ሰባት ናይ “ምምሕዳር ጥበብ” መስርሕ መጠን፡ ንኩሉ ኣካል ሕብረተ-ሰብ በብማሕበራዊ ኣከናውንኡን ደርባዊ ቦትኡን በብዝዓቕሙን፡ ኣብ ሃገራውን ህዝባውን ፖለቲካ ክሳተፍን ክዋሳእን ከም ዝኽእልን ዝግባእን፡ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ኣረዳድኣ ክሕዝ እዩ ዝግባእ። ነቲ ኣብ ውሽጢ መንእሰያት ብዘይካ ናይ መንእሰያት ቃልሲ ናይ ካለኦት ፖለቲካዊ ኣበርክቶ ብወድዓነት ዘይርኢ ግጉይ ፖለቲካዊ ኣገንዝቦ ድማ፡ ንህዝባዊ ቃልስና ዘዐንቅፍን ዘዳኽምን ዘሎ ስለዝኾነ፡ ምስ መሻርኽቱ ብምድግጋፍ ብቃልሲ ንምውጋዱ ክረባረብ እዩ ዝግበኦ።

5.እዚ ተወዲቡ ዝቃለስ ዘሎ ክፋል መንእሰይ፡ ኣብ ዘካይዶም ዘሎ ነፍሰ-ውደባን ቃልስን፡ ዘጋጥምዎ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ብደሆታት ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ትሑት ፖለቲካዊ ንቕሓትን ብቑዕ ውድብን መሪሕነትን ክውንን ብዘይምኽኣሉን፡ ከምኡ’ውን ካብ ሓለይትን መዓድትን ዝመስሉ ዘይሓገዝቲ ኣካላትን ዝብገሱ ዕንቅፋታት ምዃኖም ብግቡእ ክግምግምን፡ ነብሱ ኣብቂዑ ንምውጋዶም ክቃለስ ንክበቅዕ፡ ናይ ቃልሲ ጻዕርታቱ ኣሐይሉ ክቃለስ እዩ ዝህልዎ።

6.መንእሰይ ሰፊሕ መንእሰይ ዝሓቁፍ ድልዱል ሃገራዊ ውደባ /ማሕበር/ ክምስረት ዘለዎ ተደላይነት ብምግንዛብ፡ ካብ ዝተነጻጸለን ዝተጐጃጀለን ውደባን ቃልስን ምክያድ ድሒኑ፡ ሓድነትን ድልዳለን ናይ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ኣብ ሓደ ድልዱል ሃገራዊ ማሕበር ክውደብ ንምግባር፡ ምስ ናይ ቃልሲ መሻርኽቱ ሓቢሩ ክቃለስ ድልዊ ክኸውንን ክረባረብን እዩ ዝግበኦ።

እዞም ልዕል ክብል ካብ ብዙሓት ክጥቀሱ ዝግበኦም ነጥብታት ብመጠኑ ዝጠቕሶም ዘለኹ፡ ናይ ቃልሲ ግቡኣት፡ ብተቓወምቲ ውድባትን ካለኦት መሻርክቲ ኣካላትን መንእሰያትናን፡ ብኣገንዝቦ ክጭበጡን ኣብ ዓውደ-ተግባር ክስርሑ እንተዳኣ ተበቒዑን፡ ውጹዓት መንእሰያት ኤርትራ ካብ ተቓወምቲ ውድባትና ኩሉ-መዳያዊ ኣወንታዊ ነገራት ቀሲሞም፡ ነቲ ካብኣቶም ዝጥለብ ህዝባውን ሃገራውን ዕማማት ንምፍጻም ክበቕዑ ከም ዝኽእሉ ዘጠራጥር ነገር ኣይኮነን።

ስለ ዝኾነ ህዝባዊ ቃልስና ሓደ ኣካል ጀሚሩ ብዘይካ’ቲ ካልእ፡ ንበይኑ ኣብ መፈጸምትኡ ዘብጽሖ ዕማም ዘይኮነስ፡ እንታይ’ዳኣ ብናይ ምቅብባልን ምውርራስን መስርሕ ቃልሲ ዝሰላስልን ኣብ ሽትኡ ዝበጽሕን እዩ። ስለ ዝኾነ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ስቪክ-ማሕበራትን ኣገደስቲ ወልቀ ተቓለስቲ ባእታታትን፡ ተራን ተሳትፎን ናይ መንእሰያት ኣብ ህዝባዊ ቃልስና ዓብን ደፋእን ምዃኑ ብግቡእ ተገንዚቦም፡ ሓብሓቢ፡ ኣተባባዕን ኣውራስን ተራን ሓላፍነትን ክጻወቱ እዩ ዝህልዎም።

መንእሰያትና ድማ ብወገኖም፡ ናይ ተቓወምቲ ኣካላትና ብሓፈሻ፡ ህዝብን ሃገርን ካብ ውድቀትን ምብትታንን ኣብ ምድሓንን፡ ደሞክራስያዊ ለውጢ ብሓፈሻ ንምርግጋጽን፡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ቃልሲ ዘለዎም ዘይናዓቕ ኣበርክቶን፡ ተሞክራዊ ፍልጠት ናይ ምውርራስ ተራን ሓላፍነትን ኣብ ግምት ብማእታው፡ ምስ ኩሉ ተቓዋሚ ኣካላት ተደጋጊፎም ክቃለሱ እዩ ዝህልዎም።

ብከምዚ ኣገባብ’ዚ ክንቃለስ እንተዳኣ በቒዕና፡ መንእሰያትና ድኽመታትን ጸገማትን ናይ ተቓወምቲ ኣካላትና ካብ ምውራስ ድሒኖም፡ ብቑዓት ወረስቲ ኣወንታዊ ታሪኽ ኮይኖም ክቃለሱን፡ ህዝብን ሃገርን ብንቕሓትን ብቕዓትን ክርከቡን ታሪኽ ክወርሱን ከም ዝኽእሉ ዘጠራጥር የብሉን። ስለ ዝኾነ እምበኣር፡ ኩላትና ህዝብን ሃገርን ንምድሓንን ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእን እንቃለስ ዘለና ተቓወምቲ፡ መንእሰያትና ካብ ኣሉታዊ ተሞክሮና ምውራስ ድሒኖም ብንቕሓትን ብቕዓትን ክቃለሱን ታሪኽ ክወርሱን ንምቀዖም፡ ታሪኻዊ ግቡኣትናን ሓላፍነትናን ብብቕዓት ከነተግብር ንላዓል!።

 

ሓድነትን ስኒትን ንኤርትራዊ መንእሰይ!!

ኣቦዶም ኣድሓኖም፡

05/08/2016

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • ተወልደመድኅን August 8, 2016

    ይበል ትንተና፡
    ማይ ነሓሰ ጽሩይ ኔሩ መን ይስተዮ፡ዘረባ ለባም ቅኑዕ ኔሩ መን’ሞ ይስመዓዮ ኢሎም ኣቦታትና።ዳሕረወይቲ ዝሃብ ኣቶ ነገር ዘይብላ ቅልዕቲ መልእኽቲ’ያ።ካልኣይቲ ግን፡ኣብ ሓምለ ነሓሰ ሩባታት ብውሕጂ ምስተሓጽቡ ድሕሪኡ ዝህሉ ዛራ (ፈሳሲ ማይ ) ሕቂቕ ዝመስል ክትሰትዮ ባህ ዘብል’ዩ።ይኹን’ምበር ኣብዚ ኣዋርሕ’ዚ ደበና፡ዝናብን ዛሕልን ዘለዎ ወቕቲ ስለዝኾነ ጽምኢ ስለዘየለ ሰታይ ስለዘይብሉ ዝመሰሉዎ’ዩ።
    ናይ ኅብረተሰቡ ልምድ ናይ ዘሎ መንግስቲ ባህልን ኣገባብን ኣብ ዓጽመ ስጋኡ ዝ ኣተዎ መንእሰይ’ሞ ከመይ ኢሉ ክሰምዖ’ዩ ንለበዋኻ።

  • k.tewolde August 9, 2016

    An article full of wisdom,but that relentless machine of tyranny in Asmara has been beating us for almost 2 generations now,that’s the dictator’s baby,he nurtures it,funds it,makes sure it is staffed with his best cadres,sends out his do boys year after year and rounds the very young and convoys full of them are deployed to that camp by hook or by crook.In a blink of an eye the mind of a whole generation becomes a commodity of one man.That’s why you don’t see upheaval like one we are witnessing south of the border.The tyrant knew how to keep peace and maintain his totalitarian reign undisturbed a while back,that is why he made the very young his target from the beginning. Woyane wishes he could duplicate that,unfortunately,he is a minority in a bigger nation with diverse ethnicity that has no relationship with the cause that he fought for in the field.So,whoever is going to come out stronger in Eritrea has to fight to conquer this rare commodity,the young Eritrean mind which is licenced,owned,and operated by one man sitting in adi halo.

  • Yohannes August 9, 2016

    ኣይትብከ እንድዩ ዝብክዬኒ ዘሎ ይብሉ ለባማት ሃገርና።እቲ ዘሻቕልስ ሳላ ኣደንቁርካን፣ በታቲንካን፣ ስነኣእምሮኣዊ ስንክልናን ፈጢርካ ግዛእ ስልቲ ህግደፍ ናይ ጽባሕ ተረከብቲ ዝኾኑ መንእሰያት በቲ ዝድለ ከይንስእን እዩ። እዋይ እንታይ ሓድጊ እዮም ክገድፉልና መንሽሮ ህግደፍ? ዋእ ካብ ክፉእ ክገብሩኻስ ክፉእ ክምህሩኻ። ካብ ቁጠባዊ ስንክልናስ ስነኣእምሮኣዊ ስንክልና ይኽፍእ። እዛዓለም ናይ ትማሊ ኣይኮነትንሞ ምርጫ የብልናን ክንጽዕር ጥራሕ እዩ ዘለና ነዚ ዘይንቡር ኩነተ ኣእምሮ ናይ መንእሰያትና ንምቕያር።
    What type of uncivilized culture has PFDJ created and planted in this 21st century of integration and interdependence. We need to search a deep cleaner tool (whatever you call it) to get rid of the psychological linear line of thinking developed in the brain of our young people by this backward, static, shallow and narrow legacy of the PFDJ DNA using hate camps and brainwashing hate propaganda. They continue living in DENIAL of the dynamic objective reality on the ground. They continue living in the older mind-set and stereo type permanent perception and historical legacy that is irrelevant for the state of dynamism (developmental law of nature). We call it NOSTALGIA. They still (rather persistently) assume that Gedli experience is the best. The world should learn from the ultra-superior Gedli experience (ARROGANCE). What a shame FOR US AS PEOPLE.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply