Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መብርሂ ንህጹጽ ጻዊዒት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ንምእላይ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ስልጣንን ዳግማይ ጻዊዒትን።

ከም ዝዝከር ኣብ`ዚ ዝሓለፈ መዓልታት ``ህጹጽ ጻዊዒት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ንምእላይ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ካብ ስልጣን፡ ``ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ክሳብ 50 ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበርና ክታምና ዘስፈርናሉ፡ ንሕሰምን ግፍዕን ህዝብን

ከም ዝዝከር ኣብ`ዚ ዝሓለፈ መዓልታት “ህጹጽ ጻዊዒት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ንምእላይ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ካብ ስልጣን፡ “ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ክሳብ 50 ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበርና ክታምና ዘስፈርናሉ፡ ንሕሰምን ግፍዕን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ምዝርዛር ናብ መራኸቢ ብዙሃን ዘርጊሕናዮ ቀኒና። ከም ውጺኢቱ ክኣ እዚ ከም`ዚ ዝኣመሰለ ጻዊዒት፡ ብዝበዝሐ ሓፋሽ ህዝብና ብኣወንታ ተራእዩ ሓያል ናይ ደገፍን ምትብባዕን ግብረ መልሲ`ኳ ይውሕዝ እንተሎ፡ ግን ክኣ ማዕረ ማዕሪኡ ብዙሕ ግምት ዝውሃቦ ቁጽሪ ወላ እንተዘይኮነ፡ ንገለ ግሩሃት ከደናግር ዝኽእል ጫሌዳ ጓል መገዲ ዘረባታት ግን ይስማዕ ኣሎ፡ ንሱ ክኣ እንታይ`ዩ “ ስለምንታይ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ጥራሕ? ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ኩልኹም ሓደ ኢኹም፡“ ብገለ ኣባላት ጀብሃ ዝነበሩ`ሞ ኽኣ፦ “ንሱ ብንሱ ዝኾነ መላኺ ኣተሓሳስባኹም ዶ! ምስታ ጸባብ ኣተሓሳስባኹም“ ዝብል ዘለፋታት ዝተሓዎሶ ክትገብር ሰለ ዘይክኣልካ ንዝገብሩ ጎርቢ ኮይንካ ንምዕንቃፍ ዘንቀደ ሃበስ ቀደስ ንሰምዕ ኣለና።

ይኹን`ምበር ከም`ቲ ኣብ ኣርእስቲ ናይ`ዚ ጽሑፍ ተጠቒሱ ዘሎ ንምብርሁ ዝኣክል እምብኣር፦ መንቀሊናይ`ዚ ህጹጽ ጻዊዒትና፡ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ኩልና ንዕዘቦ ከም ዘለና፡ ጉዳይ ሃገርና ኣብ ቀራና መገዲ ብምብጽሑን ነዚ ኩነት እዚ ክገጥም ዝኽእል ድልዉ ዝኾነ ጥርናፈን ሓይልን ደምበ ተቓውሞ ክኣ ብዘይምህላዉን ዘስተብሃሉ ገለ ግዱሳት ብጾት ካብ ውሽጥና “ኣንቱም! ሰባት እንታይ ኢዩ ዝኸውን ዘሎ? ሃገር ናብ ምብትታን ገጻ ትኸይድ ኣላ`ሞ ገለ ክንገብር ክንክእል ኣለና“  ካብ ዝብል ንጹህ ሃገራዊ ሕልና ተበጊሶም ዘንቀልዎ ሓሳብ ምምባሩ ክጠቅስ እፈትው፡፡ ንኣተሓሕዝኡን ኣዘራጋግሕኡን ብዝምልከት`ውን እንተኾነ፡ ድሕሪ ዝተፈላለዩ ሪኢቶታትን ክትዓትን ብውሑዱ በቶም ብቐረባ እንፋለጥ፡ ብሓንሳብ ኣብ ዉዑይን ዝሑልን መድረኻት ዝነበርና ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብነት ኮይንና ንዘርግሓዮ`ሞ፡ ድሓር ክኣ ህዝቢ ይስዕበና ካብ ዝብል ተበግሶ ዝነቐለ ጥራይ`ዩ ነይሩ፡፡

ምስ`ዚ ኣተኣሳሲረ ዝጠቕሶን ንዘቕረብናዮ ጻዊዒት ዳግማይ ከድምቖ  ዝደልዮን ነገር እንተሃልዩ ግን፡ ከም`ቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ምስ`ቲ ዝነበረ ዉሁብ ኩነታት እዞም ብቐረባ ክንራኸብ ዝኽኣልና፡ ማለት እቶም ክታምና ዘምበርና ጥራሕ እኳ እንተነበርና፡ ግን ክኣ ብዙሓት ብጾት ነዚ ዘንቀልናዮ ሓሳብ ዝድግፉ ከም ዘለዉ ዘንጊዕናዮ ከም ዘይምዃና ክሕብር እፈትዉ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ክኣ ኢና ኣብ መዛዘሚ ናይ`ቲ ናይ ህጹጽ ጻዊዒት ጽሑፍና ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እትርከቡ ኣብዚ ጻውዒት` እትሰማምዑ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣስማትኩም ኣብዚ መዝገብ` ክሰፍር ምእንቲ ርኸቡና።“ ክንብል ዘቐመጥና።

 

ስለ`ዚ በዚ ኣጋጣሚ ድማ፡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ክንብል ከለና ንመን ማለትና ምዃንና ንምብርሁ ዝኣክል፦ ንሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ምሉእ ግዚኡ ኣብ ገድሊ ኤርትራ (ሜዳ) ከም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ ዝተሰለፈን ኣብ ወጻኢ ሃገር ክእ ብመልክዕ ሓፋሽ ውድባት ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ ንገድሊ ዘገልገለን ዝሓብሓበን፡ እንተላይ ኣብ ድሕሪ ናጽነት ክሳብ ሕጂ`ውን መሲልዎ ኣብ ትሕቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ሃገረይ ከይትድፈር ኢሉ ምሉእ ገንዘቡን ጉልበቱን ዝወፈየን ሕጂ ግን ኩሉ ኣበርክቶኡ በዚ ገባቲ ስርዓት ተኻሒዱ ዝተጠልመን ንለውጢ ቁሩብ ዝኾነን ይምልከት። እዚ ክንብል ከለና ግን ንካልኦት ዜጋታት እዛ ሃገር ኣወጊንና ኣግሊልናን ንሕና ጥራሕ ኢና ዝብል መንፈስ ከም ዘይብልና እናዘኻኸርና፡ ኣብ`ዚ ተበግሶ`ዚ ክዓስል ፍቓደኛ ዝኾነ ማንም ኤርትራዊ ዜጋ ማዕጾና ርሕው ምዃኑ ከነረጋግጽ ንፈትዉ።

ካልእ ኣብ`ዚ ሓደ ከተሓሳስቦ ዝደልዮን ክእረም ኣለዎ ዝብሎን ሕማቕ ተጠሪዩ ዘሎ ባህሊ፡ ንዘዝመጸ ሃገራዊ ተብግሶ ብኣልማማ ክትወቕዖን ከተጸልሞን ምፍታን ዓገብ፡ ኣበይ`ሞ ኩሉ በብዝመስሎ እንተ ዝልዓል ኣበይ እንዶ ምበጻሕና። ድሓር ክኣ ሃየ! እንዶ ዝሓሸ ሓሳብን ተበግሶን ኣምጽኡ ክንስዕበኩም። እንተዘየሎ ኣብ`ዚ ዘለናዮ ተሃዋሲ መድረኽ ኣብ ክንዲ ኣብ ፈቕዶ ፈይስቡክን ፓልቶክን ንከማኻ ተቓዋሚ ክትቋወም ጣቋ ዘይብሉ ጨለነት ተሳሲ፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን  ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ዓቢ ሃገራዊ ብድሆ ኢዩ`ሞ ሃየ! ኩሉ ዓቕምና ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢና ንልዓል በብዝመስለና።

መስዋእትን ሕድርን ጀጋኑና ብላሽ ኣይክኸውንን`ዩ፡

ክንዕወት ኢና!

ኢሳያስ ኣስፍሃ ሎንዶን 12/10/2018።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
29 COMMENTS
  • Tesfazghi October 12, 2018

    Bravo Esayas anbessa, dehayika ab asenna tefiuna neyiru nibizuh ewan. Ketsilulu.

  • Futsum Teferi October 13, 2018

    I am agree with you, Issayas.That is the reality!! No space/time\ old fashioned politics. Even, we need to encourage for all EPLF Veteran world wide!!

  • Simon G. October 13, 2018

    ከም ውጺኢቱ ክኣ እዚ ከም`ዚ ዝኣመሰለ ጻዊዒት፡ ብዝበዝሐ ሓፋሽ ህዝብና ብኣወንታ ተራእዩ ሓያል ናይ ደገፍን ምትብባዕን ግብረ መልሲ`ኳ ይውሕዝ እንተሎ፡ ግን ክኣ ማዕረ ማዕሪኡ ብዙሕ ግምት ዝውሃቦ ቁጽሪ ወላ እንተዘይኮነ፡ ንገለ ግሩሃት ከደናግር ዝኽእል ጫሌዳ ጓል መገዲ ዘረባታት ግን ይስማዕ ኣሎ፡ ንሱ ክኣ እንታይ`ዩ “ ስለምንታይ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ጥራሕ? ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ኩልኹም ሓደ ኢኹም፡“ ብገለ ኣባላት ጀብሃ ዝነበሩ`ሞ ኽኣ፦ “ንሱ ብንሱ ዝኾነ መላኺ ኣተሓሳስባኹም ዶ! ምስታ ጸባብ ኣተሓሳስባኹም“ ዝብል ዘለፋታት ዝተሓዎሶ ክትገብር ሰለ ዘይክኣልካ ንዝገብሩ ጎርቢ ኮይንካ ንምዕንቃፍ ዘንቀደ ሃበስ ቀደስ ንሰምዕ ኣለና።

    This remind me typical HGDF’s response.
    Come on, you are insulting so many intelligent people here. As you said if “ብዙሕ ግምት ዝውሃቦ ቁጽሪ ወላ እንተዘይኮነ”, you wouldn’t write this article if it was so small as you would like us to believe you.
    Learn how to handle critical criticism. We are getting tired of this kind of response from HGDF and please don’t remind us.
    ————–
    Disclosure: I was not in Jebha, even though I like their administration, compare to the evil HGDF.
    Say sorry we made an unintentional mistake and move on.

    • Hilna October 13, 2018

      We are sick and tired of your typical backward and one sided Jebha response too.
      Please enlighten us which Jebha ‘administration skills’ you liked compared to the skillful HGDEF?
      Do you really really count yourself as one of the many intelligent people here in Assenna?
      What is your actual ‘critical criticism’ that you want the writer of this article to learn? Get real.
      Well said brother Isaias and keep it up all the time.

    • k.tewolde October 13, 2018

      Simon,you saw the marbles spill on the floor don’t you?,you are one smart brother.For a moment I was taken back in time and was immersed in that dark era and smelling the phantom gunpowder and stench of decomposing corpses,it is Hadhid Quinat all over again.The tyrant pounds his chest with victory because his students are speaking the language he taught them.My beautiful Mom said it a long time ago,IZI BARYA AYQENI,INTEQENEYE KETNSENI. That is why I said,over half a century later we have’t got it together.Please leave this thing to the young,they will figure it out like they did from crawling to walking.

      • Simon G. October 14, 2018

        You had a very smart mother, brother KT!

    • Tes October 13, 2018

      Spot on my friend! They won’t accept mistake but create none existing enemy.

    • Tes October 13, 2018

      Simon
      Spot on.Those guys never admit mistake but search an excuse or create non existing enemy. What is amasing about those group is trying to be relevant. They have no idea how much damage they have done to Eritrea and Eritreans. No one with sane mind expect solution from anyone infected by that organisation. They are bunch of fools who could not even see what is in front of their noise . The answer to the criticism should have been,sorry we thought it is good move. and if anyone with better idia can come out and we are happy to help or join. As we were part of that organisation,we understand the mistrust toward us. so sorry!In the land of EPLF sorry and admiting mistake are scared materia or nonexistants. They still blame Jabha whereas most comentators here are the young generation who are smart enough to challenge any group.

  • Hb October 13, 2018

    Nezi ab wshatena aetikum zgedefkumwo temen kemta zeEtekumwo tirai awtzuuwo’mber kabzi higi zelenayo zkfiE aymetzEn yu.. Amlak yhagzkum.

  • Jemes October 13, 2018

    በጃኩም ዓሪፍኩም ኮፍ በሉ እይትድክሙ

  • stefanos Gh.Temolso October 13, 2018

    ነዚ ጻውዒትዚ ዝቃወም ጕዳይ ሃገር ዘይዓጦ ክኸውን ኣለዎ። ተጋደልቲ ህግሓኤ ነበር ጻውዒት እንተቕረቡ ስለ ሃገር ክሳዕ ዝኾነ እንታይ ጸገም ኣለዎ? ካልኦትውን ከምኡ ይግበሩሞ ሓቢሮም ይሰርሑ። ዝድለ ዘሎ ምጥርናፍ’ዩ። ምጥርናፍ ከኣ መሰል ናይ ዝኾነ ዘኢጋ እዩ። ስለዚ፡ በጃኻትኩም ቅድም ቀዳድም ብዛዕባ ሃገር ንሕሰብ። ጕዳይ ውድባት፡ ማሕበራት፡ ሰልፍታት ወዘተ ግዜኡ ኣይኮነንሞ ንረስዓዮ። ኢሰያስ ምስ ተኣልየ ነርክበሉ ኢና። ሕጂ ዘድሊ በብወገንና ተጠርኒፍና ነዚ ኣረሜን ምእላይ እዩ።

    • Tesfazghi October 13, 2018

      Indeed, Mr Stefanos, very well said respected brother and God bless.

  • Amanuel Ghebremedhin October 13, 2018

    ብዝሓየለ ክውደብን ክንቀሳቐስን ዘለዎ ጻውዒት መበል 52 ፈሪመ ኣለኹ።

  • ተወልደመድህን October 13, 2018

    ከምምዝመስለኒ።እቲ ዘቕርቡዎ ርእይቶ ሕማቕ ኣይኮነን።ግን ክበሃለልካ ምባልን፡ውጺኢቱ እንታይ ኢዩ ኢልካ ምግማት ጽቡቕ’ዩ።ናይ 50 ተጋደልቲ ጸዋዒት ጎዲሉዎ ኣይኮነን፡ኢሳያስ ዝዕንድር ዘሎ።ጸዋዒት ዘቅርብ’ምበር ድፍእ ዘብል ሕቡር ሓይሊ ሲኢኑ ኢዩ።እቲ ካልእ ክብሎ ዝደሊ፡ናይ ህ.ግ ተጋደልቲ ናይ ተ.ሓ.ኤ. ተጋደልቲ ዝብል ፈላላይ ኢዩ።ከምቲ ዝበልኩዎ ሎሚ፡ፈላላይ ዝኮነ ጸዋዒት ዘይኮነ ሕቡር ዝኾነ ሓይሊ ኢዩ ዘድሊ።ንሕና ግን ኣብ ምፍልላይ ዋናታት ኢና፡ኢሳያስ ኣልጊስና ህ.ግ ናይ ምምስራት ድሌት ስለዘሎና ወይ ናይ ህ.ግ ተጋደልቲ ንበይናን ፍልይ ኢልና ጸዋዒት እንተቕረብና ኢሳያስ ይሰምዓና’ዩ ዘምስል፡ናይ በይናዊ ለውጢ ዝተመነየ ኢዩ ዝመስል’ቲ ጸዋዒት።ካብ ከም ኡ ግን፡ይብቆል ኣይብቆል ሳዕሳዕ መስቀል ከምዝበሃል፡ኢሳያስ ይስመዓዮ ኣይስመዓዮ፡ተጋደልቲ ነበረ ተባሂሉ ተሰይሙ ኔሩ እንተዝኸውን ምመቀረ።እቲ ናይ ቀደም ፍልልይ ኢሳያስ ጥራይ ኢዩ ረቢሑሉ።

  • Tsegai October 13, 2018

    ሓደ ውድብ ህግ ክብሃል እንተ ኮይኑኮ: ህዝቢ ክብደል ከሎ ግንባሩ ንዓረር ዝህብ እንበር: ኣገልጋሊ ዓማጺ ብምኻን ህዝቢ ዝጭፍልቅን ዘሳቂን ኣይኮነን:: እዚ ተጋዳላይ ህግ ኢሉ ንገዛእ ርእሱ ዝጽውዕ ፍጡር: እቲ ቀዳማይ ባርያን ዕሱብን ናይ ኢሳያስ ኣገልጋሊን ሓላዊን ኢዩ:: ክሳብ ሕጂ ከኣ ብተጋዳላይ ህግ ነበር ክጽውዑ ይደልዩ:: ተጋዳላይ ንዓኹም ዝምጥን ምዓርግ ኣይኮነን:: ንስኹም: ብራዕድን ፍርሒን ተኣሲርኩም ኣብ ናይ ኢሳያስ ፕሮጀክት ኣብዘይትፈልጥዎ ግዳይ ዝኾንኩም ባራዩ ኢኹም:: እቲ ፕሮጀክት ናትኩም ከም ዘይነበረ: ሕጂውን ዝተረድኣኩም ኣይመስለንን:: ክሳብ ሕጂ ንህግ ትናፍቁዋ:: ሕጂኸ እንታይ ኢኹም ክትገብሩ??? ምስ ዕጥቂኹም ከለኹም ዘይተዛረብኩምስ: ሎሚ ኣብ ዓዲ እንዳማትኩም ኮንኩም: ንኢሳያስ ካብ ስልጣንካ ኣልግስ ክትብልዎ ደሊኹም??? ህጹጽ ጻውዒት ካብ ዓባይ ብሪጣንያ??? መስደመማት ኢኹም::

    • k.tewolde October 13, 2018

      Tsegai,you don’t have to shove it down their throat that way,then again only a caring and good meaning brother will scold (advise) you like that.Hope Isayas Jr. gets it.They even adopted his name.I have no clue what the Chinese taught this local tyrant,but one thing is for sure,the exposure to his irradiation have generational half life.

    • Sol October 14, 2018

      ሐደ ድሕሪ 3ይ ወራር ካብ ሃገር ዝወጸ ተጋዳላይ ነበር ከማዚ ኢሉ ኣዕሊሉና ኣነ ንባድመ ክልተ ግዜ ተዋጊአላ 1981 ተራ ተጋዳላይ ኮይነ ምስ ወያነ ኴና ንተሓኤ ኣውጺእና ድሕሪኡ ን17 ዓመት ብዛዕባ ባድመ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረንና ማለት ናይ መን’ያ ብመን ትመሓደር ኣላ። ሃንደበት ግንቦት 1998 ተበገስ ኮይኑ መራሕ መስርዕ ኮይነ ተዋጊአ ንወያነ ኣውጺእና። ነዚ ዕላል ንሰምዕ ዝነበርና ሰለስተ ሰባት ሕቶታት ምስ ኣብዛሕናሉ በቃ ኣሕዋት ኣነ ንባዕለይ ሰብ ድየ ኔረ ወይስ ርቦት ዝብል ሕቶ መልሲ ኣይረኸብኩሉን ኣለኹ ኢሉ ዕላሉ ዛዚሙ።

  • Tsehaye October 14, 2018

    ሰላም ኢሰያስ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጸረ ፋሺሽታዊ ህግደፍ፡ ማሕበር ህዝባዊ ግንባር ተጋደልቲ ነበር መስሪትካ ዝፍታሕ ነሩ እንተዝኸውን እንታይ ክሳብ ዕለተ-ሎሚ መጽንሓና። ጠንቂ ሕማም ከይይፈለጥካ ፈውሲ ኣይዋሃብ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከይጠርነፍካ ዝዕወት ቃልሲ ኣክህሉን’ዩ። Nevertheless, it does not mean that you don’t have to establish a group or club to socialize your free time with. One thing for sure is that Eritreans cannot expect any meaningful thing to be achieved by those who protected and served Isaias Afework during the barbaric gedli and after independence despite all the gruesome crimes he committed against their comrades.

Post a Reply to Alex Cancel Reply