Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መበል 54 ዝኽሪ በዓል ሓደ መስከረም: ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራን: ዝኽሪ እሱራትን ብዕለት 12 መስከረም ኣብ ከተማ ዮተቦርግ (ሽወደን) ብድምቀት ከቢሩ ውዒሉ።

ኣብ ከተማ ዮተቦርግ (ሽወደን) መበል 54 ዝኽሪ  በዓል ሓደ መስከረም: ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራን: ዝኽሪ እሱራትን ብዕለት 12 መስከረም ብድምቀት ከቢሩ ውዒሉ። ኣብቲ ኣባላት ምትእስሳር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዮተቦርግን ከባቢኣን፣ ሓደስቲ

ኣብ ከተማ ዮተቦርግ (ሽወደን) መበል 54 ዝኽሪ  በዓል ሓደ መስከረም: ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራን: ዝኽሪ እሱራትን ብዕለት 12 መስከረም ብድምቀት ከቢሩ ውዒሉ። ኣብቲ ኣባላት ምትእስሳር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዮተቦርግን ከባቢኣን፣ ሓደስቲ ስደተኛታት ኤርትራውያንን ዕዱማትን ዝተረኸብዎ ጽምበል ቃል ኣቦ መንበር ብርሃነ ኪዳነን  ፣ ኣስተምህሮ ታርኽን  ሕጋዊ ሸነኻትን  ምንቅስቃስን ማእሰርትን ኣባላት ጉጅለ 15ን ናይቲ  እዋንቲ ኩነታት ጋዜጠኛታትን  ብመንእሰያት ወሰንሰገድ ሓጎስን: ተስፊት ምሕረትኣብን ቀሪቡ።   ኣብቲ ምዝካር እሱራት ጉጅለ 15ን ጋዜጠኛታትን: ዝምልከት ኣስተምህሮ፣  ኣገዳስን መድረኻውን ሕቶታትትን ርእይቶታትን ቀሪቡን ተመያይጥሉን ተመሊሱን። ድሕሪ´ዚ በዓልን ዝኽርን ብዝክረ ስውኣት ተዛዚሙ።

ቃል ኣቦ መንበር

እንቓዕ ደሓን መጻእኩም፤

 

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣባላትን ደለይቲ ፍትሒን ዕዱማትን

ዝኸበርኩም ተስተፍቲ መበል 54 ዝኽሪ በዓል1 መስከርምን ዝኽሪ እሱራትናን

ወርሒ መስከረም 1961 ተጋድሎ ሕዝቢ ኤርትራ ዘበሰረት፣መበል 54

ዓመትን ፣ ፖለቲካ እሱራትና ዝተሞቁሑሉን አንዝክረሉን ወርሒ፣ናይ  ናጽነትን ሓርነትን ጉዕዞ /መስርሕ መበገሲትን መሰረትን ወርሒ ብምዃና

ምትእስሳር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዮተቦሪን – ከባቢኣን  ዮሃና እብል።

ብቐዳምነት እንቋዕ ናብ መበል 54 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቅዓና ክብል እፈቱ።::

ኤርትራ ድሕሪ ካላኣይ ኲናት ዓለም ከምተን ኩለን  ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጣልያን ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ ከምኒ ሊብያ ሶማልያ ነጻነታ ክትጓናጸፍ ኣይከኣለትን።  ብሰንኪ ኣድልዎን ናይ  ዓበይቲ ሃገራት ሸርሕን ውዲትን :እንደገና ኣብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ክትቁረን እዩ ዝተገብረ።  በዚ ዘይተጻዕደ ህዝቢ ኤርትራ ሰላማዊ ቃልሲ ኩሕኖ ምስ ኮነ ብመሪሕነት ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓወተ ብሓደ መስከረም 1961 ብረታዊ ቃልሲ ኣወጀ።

ጅግና ስውእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ይኹን እቶም ውሑዳት ኤርትራውያን፡  ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሰውራ ዝኣወጁ  ኣብ ዓቕሞምን ክእለቶምን ጥራሕ ተመርኲሶም ኣይኰኑን። እንታይ ደኣ፡ እዛ ንሶም ዝጅምርዋ ተጋድሎ፡ እዛ ኣብ ኣዳል ዝተተኮሰት ጥይት ናጽነት ክተፊሪ እንተኮይና፣ህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ ክዓስላን ክስውኣላን ምዃኑ ስለዝኣመኑ ኢዮም። እቲ ብግብሪ ዝዀነ ከኣ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ ኣገባባት፡ ከምቲ ጀመርቲ ሰውራ ዝተነበይዎ፣ ተሳታፍነቱ ኣረጋጊጹን ፣ናይ ሓድነቱ ባይታ ኣብ ብረታዊ ተጋድሎና ሃኒጹን።

እዚ ማለት ሰፍሕ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ደገን ዝነብር ኤርትራዊ ፡ ማለት ካብ ዝፈትዎም ስድራ፡ቤቱን ደቁን ብረት ኣልዒሉ ዝተዋግኤ፣ካብ ኣፍ ደቃ መንጢላ ተጋደልቲ ዝዓንገለት ኣደ፣ማሕረሱን  ከብቱን ጠንጢኑ መልእኽታት ሰውራ ዘሳለጠ/ት፣ትምህርቱ/ታ ኣባዂሩ/ራ ምስጢራት ጸላእቲ ዝሓበረ/ትን ጽሑፋት ሰውራ ዝዘርግሐን/ትን፣ምስ ዝተፋላለይ ሃገራትን ፓርትትን ውድባትን ዝምድና ገድልና ዘሕየለ/ት፣ኣብ ኣህጕራዊ መድረኽ ወጺኡ/ኣ ዓው ኢሉ/ላ ዝምጕተ/ት፡ዝጨረሐ: ዝጽሕፍ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ዝገብር፡ ዝውድብ፡ ዘልዓዕል፡ ዝዝምር፡ ዝገጥም፡  ዝመርሕ፡ ዝምራሕ….ወዘተ ማእለያ ዘይብሉ ዓይነት ተሳትፎ ዘምጽኦ ዓወት ደኣ’ምበር፡ ክእለትን መስዋእትን ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ ወይ ሓደ ጕጅለ ወይ ሓደ ውድብ ዘምጽኦ ዓወት ኣይኰነን::

ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኣብ መንጎ መግዛእትን ሓርነትን ዝፈሊ መሰጋገሪ መድረኽ ኮይኑ ህይወት ብዙሓት ንጹሓት ዜጋታት ዝሓተተን ኣብዚ ሓጺር መግለጺ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ጅግንነትን ዝተራእየሉ መድረኽ እዩ ኔሩ። ድሕሪ ናይ ሰላሳ ዓመት መሪር ብረታዊ ቃልሲ ድማ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ተሳዒሩ ሕጋውነት ፍትሓዊ ቃልስና ድማ ብረፈረንደም ተደምዲሙ። ልዑላውነት ሃገረ ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንድሕሪት ብዘይምለስ መልክዑ ተረጋጊጹ ኣሎ። ብግብሪ ግን ናይ መላእ ህዝቢ ጻዕርን ኣበርክቶን ዘረጋገጾ ዓወት ኢዩ። ስለ’ዚ ከኣ’ዩ ህዝቢ ሰራሕ ታሪኽ ተባሂሉ ዝፍለጥ።

ኣስዒበ ድማ፡ እዚ ፈላሚ ተጋድሎ’ዚ፡ ብሳላ ዝረኾቦ ህዝባዊ ደገፍ ዓብዩን ጐልቢቱን ብ1991 ዓ.ም ንሰራዊትን ጐበጣን ባዕዳዊ ገዛኢ ስርዓት ኢትዮጵያ ደምሲሱ፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ክትከውን ስለዝገበረ ብስም ምትእስሳር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዮተቦሪን – ከባቢኣን ንኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ዮሃና፣ ንሰማእታትና ድማ ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ከብጽሕ ኣፍቅዱለይ።

ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንሃገራዊ ነጻነት ሓደ መስከረም 1961 ንመበል 54 ዓመት ክንዝክር እንከለና፡

ብሰንኪ ጸረ-ህዝቢን ሃገርን ፣እቲ ኣብ ስልጣን ተዀዲጩ ዘሎ ጕጅለ ኢሳያስ ዝመርሖ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ፣ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ ጸገማት: ኣህጉራዊ ንጸላን፣ ተርግሪግና ምህላውና ኣብ ጸብጻብ ብምእታው፡ ካብ ዘለናዮ ሰለሎ ንምውጻእ፡ ሕድሪ ናይ’ቶም ንምሉእ ነጻነትን ሓርነታዊ መሰላትን ህዝቢ ክብሉ ክቡር ህይወቶም ዝበጀው ሰማእታትና ክውን ንምግባር፡ መዓንጣና ሸጥ ኣቢልና ብሕቡር ቅልጽም ንለውጢ ንዳለወላ ዕለት ክትከውን ከም ዝግባእ፡ ንባሕቲ መስከርም ኣመልኪተ ክምሕጸን እፈቱ።

ነዛ ታሪኻዊትን ክብርቲ ዝኾነት ዕለት ከነብዕል እንከሎና፡ ድሕሪ ምውጋድ ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ብሰንኪ ኣብ ስልጣን ዝመጸ ቶተለታርያዊ ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ጭቆናን ምዝመዛን ዘእተዎን፡ ንባህላውን ማሕበራዊ ኣከውንኡ ብምዕፋን ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ብዝገደደ መልክዑ ሒዙ ይርከብ። ከምኡ’ውን ኩሉ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ዝበጽሖ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ወጽዓታት ናብ ናይ መወዳእታ ጥርዙ በጺሑ ብምህላዉ ፖሎቲካዊ ጭቆና፡ ቁጠባዊ ወጽዓታት፡ ጅምላዊ ማእሰርቲ፡ ስቓይን ቅትለታትን ብምቅጻሉ ንዝተፈላለዩ ቀጸላታት ናብ ስደት ንክውሕዙ ዳሪጉ፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ ኣብ ምድረ-በዳታትን ባሕርታትን ንሞት ክቃልዑን ይገብር ኣሎ። እዞም ኢ-ሰብኣዊ ስጉምትታት ዝኾኑ ዘለዉ ኣካላት ንስቓይን ምግሳስን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ መሸጣ ኣካላት ወዲ ሰብ ዝተዋፈሩ ነጋዶን፡ ግዳይ ኮይኖም ኣብ ሕሰመ መክራን ወዲቆም ይርክቡ።

ንሕና ኤርትራውያን ንኽንስደድን መዋእልና ብቃልሲ ክንበልን ዝተረገምና ኣይኮናን። ሕዝብና ናብ ሓደጋ ተሳጢሑ ናብ ብርሰት ገጹ ካብ ዝኸይድ ዓመታት ኣቁጺሩ ኣሎ፣ አቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ድማ ዋሕዚ ስደትን ኣብ ስደቶም ዝጓነፎም ዘሎ ስቅያትን ሞትን ኢዩ፣አዚ ድማ ንመላአ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ዘጉሃየን ዘተሓሳብን ኮይኑ ጠንቁ ድማ አቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጭቆናን ናይ ሰብኣዊ መሰል ግህሰታትን ምዃኑ ንኩሉ ዝከታተል ብሩህ ኢዩ ።

ወድዓዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና፡ ከቢድ ሓደጋ ኣብ ዘንጸላልዎ ዘሎ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን፡ ጸገማትና ብቓልሲ ስዒርና ኣብ ሰላምን ራህዋን ክንነብር እንኽእል ኩሉ ነዚ ዘድሊ ዓቕምታት ዘማዕበልና  ፍጡራት እና። እቲ ዘድሊ ዝሓለፍናዮ ምዕራፋት ገምጊምና ንብሩህ መጻኢ ዕድል ምብጋስ ጥራሕ እዩ።

ምኽንያቱ ሕጂ´ውን እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቅስክዎ ሰፊሕ ናይ ህዝብና ተሳትፎ እጥለብ ኣሎ።  ንዲሞክራሲ፣ ፍትሒ፣ ሰብኣዊ – መሰል ስርዓተ-ሕጊ ዝነገሳ ሃገር  ንምርጋጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ናቱ ዓቕሙ ዘፍቅዶ ብስሙር ኣበርክቶ እንተዘይገይሩ ልዑላዊት፣ ቅዋማዊት፣ ህዝባዊት፣ ኤርትራ ክትህሉ ኢያ ኢልካ ዘይሕሰብ ኢዩ። ሎሚ ድማ፡ ነዛ መዓት መስዋእቲ ከፊልና ዘምጻእናያ ሃገር፡ ከይነጥፍኣ ክብ ዝበለ ጥንቃቐን ሓልዮትን ክንገብር ይግብኣና።

ብካልእ ሸነኽ ከኣ እዚ ጽንብል’ዚ ንህግደፍ ንምግጣም ብውሑዳት ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ዝነበሩ ውድባት ዝተበገሰ ተቓውሞ፡ ቀጻልነት ናይዚ ገባቲ ስርዓት’ዚ ንምብቓዕ፡ ዝተፈላለዩ ፖሎቲካዊ ኣካላት፡ ማሕበራውን ባህላውን ክፍልታት፡ ናጻ ሃገራውያን ባእታትት፡ ዝጥርንፍ ናብ ጠቕላላ ሃገራዊ መስርዕ ኣብ ተሰጋገረሉ እዋን’ዩ ይጽንበል ስለ ዘሎ ተስፋ ዝህብ ኢዩ።

ምትእስሳር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዮተቦሪን – ከባቢኣን  ንበሓቲ ኣረኣእያን ኣካይዳን ወጊድ ኢሉ፣ ኩሉ ደላይ ለውጢ ዝተኣኻኸበሉ ጽላል ብምፍጣር ጸረ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ክቃለስ ካብ ዝጅምር ድሮ ልዕሊ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ኣቚጺሩ ኣሎ። ብዙሕ ዝተርፎ እኳ እንተሎ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ብምጥርናፍን ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ኣብ መድረኽ ክተኣናገዱን ዝሓሹ ኣረኣእያታት ንቕድሚት ፈርዮም ንኽወጽኡን ኣብ ዘግበር  ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ግደኡ ክጻወት ተስፋዝግበረሉ ምትእስሳር  እዩ። እዚ ብሓገዝ ናይ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ክምዕብልን ክሰፍሕን ዝግባእ ምኻኑ እናኣመንና ንኹሎም ደለይቲ ለውጢ ክሳተፍዎ ንዕድም።

በዚ ኣጋጣሚ ንኹሉ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ እንቛዕ ኣብጸሓካ እናበልኩ ነቲ ብኸቢድ መስዋእቲ ዘረጋገጾ ሃገራዊ ነጻነት ሕጂውን እንተኾነ ኣብ መስርሕ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ተሳቲፉ ፍትሓውን ኣሳታፍን ደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ምምስራት እጃሙ ከበርክት እጽውዕ። ምኽንያቱ እዚ ሎሚ ኣገዳሲ ሃገራዊ ዕማም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንህልዊ ገባቲ ስርዓት’ዚ ንምግጣምን መተካእትኡ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽን ግዜ ዘይህብ ወይ’ውን ዘገምታዊ ጉዕዞ ዘይቕበል ኩነታት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንትጽቢታትን ተስፋታትን ህዝብና ዝምልስ፡ ህዝቢ ብነጻ ድሌቱ ከምቲ ንሱ ዝብህጋ ሃገር ክሳብ ዝሃንጽ፡ ኣብ ፍልጠት ዝተመርኮሰ መርሆታትን ኣገባብ ቃልስን ምኽታል መድረኻዊ ሕቶ ስለዝኾነ።

ኣብ መወዳእታ፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ተጋድሎ ብምንኣድ፡ ሃገራዊ ጉዳይና ዝገጥሞ ዘሎ ታኣፋፊ መድረኽ ማለት ፖለቲካውን ማሕበራውን ጸጥታውን ኩነታት ብምስትውዓል፡ ካብ መሰረታዊ ዕላማታትና ዘርሕቑና ነገራት ብምእላይ ንምቅልጣፍ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብቐዳምነት ምስራዕ ኣድላይነት ከምዝለዎ  ብምእማን፤ዕላማታት ባሕቲ መስከረምን: ስውኣትናን: ናይ ፖለቲካ እሱራትናን መሊኡ ክሳብ ዝዕወትን ጥዑም ዘመን ክሳብ ዝምለስን ሓድነትና ኣትሪርና ብጽንዓት ንቃለስ እብል።

በዚ ኣጋጣሚ´ዚ ውን ንኩሎም’ቶም ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዘይሕለል ደገፎም ዝህቡ ዘለዉ ብሓፈሻ ልዑል ምስጋንኡ የቕርብ

 

ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ንቃለስ

 

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

የቀንየለይ!

ብርሃነ ኪዳነ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT