Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መበል 22 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኣብ ላስቬጋስ ብኽብ ዝበለ ድምቐት ተጸንቢሉ

መበል 22 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ላስቬጋስ  ብዕለት 22/05/2013 ብድምቐት ተባዒሉ ኣምስዩ።እቲ በደረጃ ኾሚኒቲይ ላስቬጋስ ዝተጸንበለ መዓልቲ ናጽነት ብመጀመርታ ብዝኽረ ሰማእታትን ብህጻናት ሃገራዊ መዝሙርን እዩ ተኸፊቱ።ቐጺሉ ብኣቦ-ወንበር ኮሚነትይ ላስቨጋስ ቓል መዓልቲ ናጽነት ተነቢቡ።ኣብቲ ዝተሓላለፈ

መበል 22 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ላስቬጋስ  ብዕለት 22/05/2013 ብድምቐት ተባዒሉ ኣምስዩ።እቲ በደረጃ ኾሚኒቲይ ላስቬጋስ ዝተጸንበለ መዓልቲ ናጽነት ብመጀመርታ ብዝኽረ ሰማእታትን ብህጻናት ሃገራዊ መዝሙርን እዩ ተኸፊቱ።ቐጺሉ ብኣቦ-ወንበር ኮሚነትይ ላስቨጋስ ቓል መዓልቲ ናጽነት ተነቢቡ።ኣብቲ ዝተሓላለፈ መልእክቲ እንቓዕ ናብ መበል 22 መዓልቲ ናጽነት ኣብቓዓኹም ድሕሪ ምባል  ናጽነት ናይ ሓደ ወገን ወይ ስርዓት ኣይኾነትን ናጽነት ብደም ህዝቢ ኤርትራን ደቑን ዝመጸት ኾይና ንኹሉ ኤርትራዊ ብማዕረ እትብጽሖ ከም ምኻና መጠን ኣብ ዝደለዮን ብዝጥዖሞን ናይ ምብዓል መሰል ኣለዎ ድሕሪ ምባል ቐጺሉ ነበርቲ ላስቬጋስ ነዚ ሕጋውን ፍትሓውን ኾሞኒትይ ኽስዕብዎን ከዕብይዎን ተላብዩ።ቐጺሉ ናጽነት ማለት ናጻ ምኻን ማለት እዩ ሃገርና ኤርትራ ድማ ኣብዛ ዕለት  እዚኣ ካብ መግዛእቲ ሓራ ኾይና።እንተኾነ ግን ኻብ መግዛእቲ እያ ሓራ ወጺኣ እንበር እቲ ወጽዓስ ገና ይቕጽል ኣሎ ኤርትራውያን ኣብ ሲናይ ውሽጣዊ ኣካላቶም ይሽየጥ ኣሎ።ህዝብና ኣብ ሽግር ኣሎ።እዚ ኮሚኒትይ እዚ ድማ ህዝባዊ ኮሚኒትይ ከም ምኻኑ ምጠን  ኣንጻር በደልን ወጽዓን ናይ ምምጋትን ምኽልካልን መሰል ከምዘለዎ ንኹሉ ሰብ ንጹር ኽከውን ይግበኦ ብምባል መልእክቱ ዛዚሙ።

ቐጺሉ እቲ መደብ ብ ስነ-ጥበበኛታት  ደኽተር ኣማኒኤል (ወዲ መምህር) ሸኾርተቲኖ ፡ዓብዱን ሙዚቐኛታት ተኽሊትን ረዘነን ናይ ጋይላ መደብ ተጀሚሩ እቶም ደረፍቲ ንህዝቢ ላስቬጋስ ኽሳብ ሰዓት 6 ናይ ወጋሕታ ከዝልልዎ ሓዲሮም።

ኣብ ከተማ ላስቬጋስ መዓልቲ ናጽነት ካብ ህግደፍ ተነጽሉ ፍትሓዊ ባዓል ካብ ዝጅምር ድሮ 3ይ ዓመቱ ሒዙ ከምዘሎን ኣብ ኽልተ ቦታ ኣብ ሓደ መዓልቲ ከምዝበዓልን ዝፍለጥ ኾይኑ  ህግደፍ ኣብቲ ዝገብርዎ በዓል ኣረገውቲ ጥራሕ ከምዝነበሩ ተፈሊጡ።ብተወሳኺ ተላኣኣኽቲ ህግደፍ ላስቬጋስ ንሜየር ዓዲምናያ  ኣለና ዕድሜና ድማ ተቐቢላቶ ኣላ ኢሎም እኻ ኽፍኽሩ እንተቐነዩ  እቲ ዝተባህለ ግን ሓሾት ምኻኑን ነታ ኤርትራውያን ኮሚኒትይ ላስቬጋስ ነታ ሜየር ከይዶም ብዛዕባ ደገፍቲ ህግደፍን  ኣብ ላስቬጋስ ዘሎ ሕጋዊ ኮሚንትን ንጹር ዝኾነ መብርሂ ከምዝተዋህባን ከምዝተሓጎሰትን ነቲ ሕጋዊ ዝኾነ ኮሚኒይይ ከምትድግፍን ዝኾነ ኣንጻር ሕግን ፍትሕን ዝሰርሕን ዝሕሱን ሰብ ይኹን ማሕበር  ብዓይኒ ሕጊ ክትርእዮ ከምእትደሊ ብኑጹር ገሊጻ ኣላ።

ፍትሒ  ንኹሉ ኤርትራውያን ኮሚኒትይ ላስቬጋስ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • weygud May 28, 2013

    Very good guys. We want justice and peace. That is why the Eritrean people fought and still fighting. Down with the dictator,the liars and thieves!.Eritrea will be free soon from such thugs.

  • Haben May 28, 2013

    VIVA Vegas…

POST A COMMENT