Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መበል ካልኣይ ጉባአ ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ሰሜን ኣሜሪካ

መበል ካልኣይ ጉባአ ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ሰሜን ኣሜሪካ   ካልኣይ ጉባኤ ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣብ ከተማ ኣትላንታ-  ጆርጂያ ኣብ ሰነ/June 28 2014 ክጋባእ እዩ። ዕላማ ምጥዋር ውጉኣት ሓርነት፡ ካብ መበገሲ ዕላማ ዳግመ-ርኽክብ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

መበል ካልኣይ ጉባአ

ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ሰሜን ኣሜሪካ

 

ልኣይ ጉባኤ ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣብ ከተማ ኣትላንታ-  ጆርጂያ ኣብ ሰነ/June 28 2014 ክጋባእ እዩ። ዕላማ ምጥዋር ውጉኣት ሓርነት፡ ካብ መበገሲ ዕላማ ዳግመ-ርኽክብ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተቓለስቲ ናይ ዝነበሩ፡  ዘይፍለ ብምዃኑ፡ ምስ መደባት ዳግመ-ርኽክብ፡ ካልኣይ ጉባአ ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ተወሃሂዱ ክቃናዕ ተወሲኑ።

ንመበል ሳልሳይ ጊዜ ኣብ ከተማ ኣትላንታ ዝቃናዕ ዘሎ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተቓለስቲ ናይ ዝነበሩ ዳግመ- ርኽክብ፡  ኣብ ናይ 2014 ዳግመ-ርኽክቡ ካልኣይ ጉባአ ኤርትራዊ ማሕበር ኣከለ-ጽጉማን ደሪቡ  ከሳላሰል ምውሳኑ፡ ንውጉኣት ሓርነት ክሕግዝ  ንዘለዎ ጽኑዕ እምነት የንጸባርቕ።

ኤርትራውያን ኣካለ-ጽጉማን (ውጉኣት ሓርነትና) ፡ ብቐጻሊ- ዘጽልሉሉ ቤት፡ ዝበልዕዎን ዝሰትይዎን  እኽለ-ማይ ክህልዎም፡  ከይዓርቁ፡ ከይጽገሙ፡ ሰኣን ብቑዕ ሕክምና ብቓንዛ ከይሳቐዩ፡ ከየስተማስሉን…ዝዕላምኡ ተበግሶ፡ ኤርትራዊ ማሕበረ ኣካለ-ጽጉማን ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣብ 2010 ኣብ  ከተማ ሺካጎ-ኢሎኖይ ከም ዝቖመ ይዝከር።

ነዚ ታሪኻዊ ርኽክብን ጉባኤን`ዚ፡  ብተገዳስነትን ሓላፍነትን ክትሳተፍዎ  ንዕድም።

ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ሰሜን ኣሜሪካ፣ ቦርድ።

                                                                                      መጋቢት/March 28 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • ahmed saleh March 31, 2014

    To help our disabled veterans is humanitarian and holy spirited
    thoughts to accomplish . They deserve our attention toward the
    needed assistance . Wish you success guys .

POST A COMMENT