Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መቃልሕ ዚምባብወ 1ይ ክፋል፡ ዕልዋ መንግስቲ’ዶ ምእራም መንግስቲ?

ማሕሙድ ሳልሕ አብ ዚምባብወ ዝተካየደ ምስግጋር ስልጣን መካትዒ ኮይኑ ኣሎ።  ገሊኡ ሰብ፡ “ዕልዋ መንግስቲ ድዩ ወይስ አይኮነን” አብ ዝብል ክትዕ ክጸቅጥ እንከሎ፤  ገሊኡ ክትዕ ድማ፡ “ቅዋማውነቱ ብዘየገድስ ከመይ ዝበለ ለውጢ ከምጽእ እዩ? ካብቲ ዝሓለፈ መብጸዓታት ዝተፈልየ

ማሕሙድ ሳልሕ

አብ ዚምባብወ ዝተካየደ ምስግጋር ስልጣን መካትዒ ኮይኑ ኣሎ።  ገሊኡ ሰብ፡ “ዕልዋ መንግስቲ ድዩ ወይስ አይኮነን” አብ ዝብል ክትዕ ክጸቅጥ እንከሎ፤  ገሊኡ ክትዕ ድማ፡ “ቅዋማውነቱ ብዘየገድስ ከመይ ዝበለ ለውጢ ከምጽእ እዩ? ካብቲ ዝሓለፈ መብጸዓታት ዝተፈልየ እንታይ ሓድሽ ነገር ክንርኢ ኢና?” አብ ዝብል ጉዳይ ዘተኮረ ይኸውን።  እቶም ኣብቲ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ክትዕ ዘተክሩ ሰባት አብ ቅዋማውነትን ባህሪ ምስግጋር ስልጣን ዝግደሱ ክኮኑ እንከለዉ እቶም አብቲ ዳሕራይ ክፋል ናይቲ ክትዕ ዝዝንብሉ ሰባት ግን አብ ግብራዊ ውጽኢት ናይቲ ለውጢ ዘድህቡ እዮም።  ንምፍልሳፍን ፖለቲካዊ ዲስኩርን ግዜ ይኹን ዓቅሊ ዘይብሎም፡ ብመብጸዓታት ሮበርት ሙጋበ ዝደኸሙን ዝደከዩን አብ መነባብⶂኦም ለውጢ ክርእዩ ዝህንጠዩ ሰባት እዮም።

እቲ አብ ዚምባብወ ዝተፈጸመ ምስግጋር ስልጣን  “ዕልዋ መንግስቲ ድዩ ወይስ ምእራም መንግስቲ” አብ ዝብል ሕቶ አብ ስምምዕ ክብጻሕ ዘይተኻእለሉ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ሓይልታት ምክልኻል ዚምባብወ ዝተኸተልዎ ስላሕታውን ቅርጡውን አካይዳ eyu:: ካብቲ ፍሉጥ ቅዲ ዕልዋ መንግስቲ ፍልይ ዝበለ  ስለዝነበረ አብቲ ልሙድ መግለጽን ምደባን ናይ ዕልዋ  መንግስቲ ዝሰጥም ኮይኑ አይተረኽበን።  እቲ ልሙድ ዝኾነ አገባብ ዕልዋ መንግስቲ፡  ቅልጡፍን ዘየዳግምን መልክዕ ዝሓዘ እዩ። እቲ ዓላዊ ኣካል ብሓይሊ ስልጣን ድሕሪ ምምንጣል፡ ንሕገመንግስቲ ይስርዝን ካልእ ጸጥታዊ ስጉምታት ከም ናይ ህጹጽ እዋን ድንጋገ ይእውጅ። ከምኡ እውን ንመሓውርን ሰራውርን ናይቲ ዝዓለዎ መንግስቲ ይበጣጥስ።

እዚ ልሙድ ዝኾነ ቅዲ ናይ ዕልዋ መንግስቲ አብ ዚምባብወ አይተራእየን። እቲ ዝተራእየ ስጉምቲ

ህዱእን ስድራቤታውን እዩ ዝመስል ነይሩ። ብሓቂ እውን አባላት ሰልፊ ናይቲ ሮበርት ሙጋበ ዝመርሖ ሰልፊ ዛኑ ሰልፎም ንምድሓን ዝገበርዎ ዝተቀናበረ ስርሒት ይመስል። በዚ መዳይ እዚ ክረአ እንከሎ ከምቲ ገንዘብ ካብ ጸጋማይ ጁብኡ  ናብ የማናይ ጁብኡ ዘሰጋግር ሰብ ክቁጸር ይከኣል።  ምኽንያቱ እቲ ስልጣን ገና አብ ኢድ ሰልፊ ዛኑ እዩ ዘሎ።

እቲ ድንቂ ድራማ ብልሙጽን ስሉጥን ክካየድ ዝኸኣለ እቶም ተዋሳእቲ ምኩራት ሞያውያን ብምንባሮም እዩ። ብሓቂ ድማ አብዚ ክሉ ክምስገን ዝግበኦ ሰራዊት ዚምባብወ እዩ። ሰራዊ ዚምባብወ ምስሊ ናይቲ አብ አፍሪቃ ዝግበር ብምፍሳስ ደምን ዕግርግርን ዝፍለጥ ዕልዋታት መንግስቲ  ቀዪርዎ አሎ። ሰራዊት ዚምባብወ፡ አብ አድላዪ ህሞት አብ ጎድኒ ህዝቡ ደው ኢሉ። ቅጡብን እርኑብን አካይዳ ኣርእዩ።

ሰራዊት ሓንቲ ሃገር ሓለዋ ናይ ውልቀሰብ ዘይኮነስ ተኻላኻሊ ህዝብን ቅዋምን ምዃኑ አርእዩ አሎ። ብተወሳኺ ድማ ሓደ ሰራዊት አብታ ተድሊ ሳዓት አድላይ ናይ ምዕራይን ምእላይን ስራሕ ፈጺሙ ናብ መዓስከራቱ ክምለስ ከምዘለዎ ዘርኢ እዩ። እዚ ነጥቢ ማለት ሰራዊ ኢዱ አብ ፖለቲካ ናይ ምእታው ተኽሎ ዘከራኽር’ኳ እንተ ኮነ፡ ንሓንቲ ናብ ሞት ገጻ ትዕዘር ዘላ ሃገር ናይ ምድሓን ሓላፍነት አካል ናይቲ ሃገሩ ንምሕላው ዝኣተዎ ቃል እዩ ዝብሉ ተመራመርቲ እውን አለዉ። በዚ ኾነ በቲ፡ ሰራዊት ዚምባብወ ነታ ህሞት ጽቡቅ ገይሩ ነቢብዋ። ከምኡ ስለዝኾነ እዩ ድማ ሰፊሕ አድናቆትን ደገፍን ህዝቢ ዚምባብወን ፖለቲካውያን ሓይልታቱን ዝረኸበ።

ኣዘዝቲ ሓይልታት ምክልኻል ዚምባብወ፡ ብግብሪ ንፕረሲደንት ዚምባብወ ኣልዮም ክንሶም እቲ ፕረሲደንት ግን ልሙድ መዓልታዊ ስርሑ ዘካይድ መራሒ ክመስል ምስቶም ዝኣለይዎ መራሕቲ ምክልኻል’ታ ሃገርን ምስ ፖለቲካውያን መራሕቲ ዚምባብወን ክመያየጥ ተራእዩ።  እቶም ነቲ ናይ “ምእላይ” ስርሒት ዝመርሑ አዘዝቲ ሰራዊት ዚምባብወ ንሮበርት ሙጋበ ናይ ክብሪ ሰላምታ ክህብዎን ከም መራሕ ሃገር ከኽብርዎን ተዓዚብና። ካብ መጀምርትኡ እውን ዕላማኦም መንግስቲ ንምግልባጥ ዘይኮነስ ነቶም ሽምብልና ፕረሲደንት ሮበርት ሙጋበ መዝሚዞም ውልቃዊ ረብሓኦም ብምቅዳም ንዚምባብወ ናብ ሃው ዝበለ ጸድፊ ይመርሕዋ ዝነበሩ  መራሕቲ’ታ ሃገር  ብምእላይ ነታ ሃገር ኮነ ነቲ ሰውራ ንምድሓን እዩ ክብሉ ተልእኾ ናይቲ ስርሒት አነጺሮም ነይሮም። ዕላማኦም ስልጣን ንምምንዛዕ ከምዘይነበረ ደጋጊሞም አረዲኦም።

ፕረሲደንት ሙጋበ አብ መንበሪ ገዝኡ ተሓይሩ ክንሱ፡ ምስ ፕረሲደንት ደቡብ አፍሪቃ ብተለፎን፡ ከማኡ ድማ ምስ ዝተፈላለዩ ልኡኻት ብአካል ተራኺቡ።  አብ ስነ-ስርዓት ምምራቅ ናይ ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ እውን ከም መራሕ ሃገርን ቻንሰለርን ኮይኑ ተሳቲፉ። እቶም አዘዝቲ ሰራዊ ንሽምግልንኡ ዝበቅዕ አኽብሮትን ጥንቃቀን ጌሮምሉ። እዚ ምስቲ ብ1974 ንንጉስ ሃይለ ስላሴ  ዘጋጠመ ዕድል ክነጻጸር እንከሎ ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ አለዎ።

ሓይልታት ምክልኻል እቶም አዝዮም ዝተወደቡን ናይ ምግባር ሓይሊ ዝውንኑን ስለዝኾኑ፡ ዝበዝሕ ግዜ ዕልዋ መንግስቲ ወተሃደራዊ መልክዕ ይሕዝ። ከከም ኩነታቱ፡ አብቲ መስርሕ ደም ምፍሳስን ሕነ-ምፍድዳይን ይስዕብ። ሕገ-መንግስቲ ናይታ ሃገር ደው ይብል፤ ፓርላማ  ይኹን ካልኦት መሰላት ይውንዘፉ ወይ ይእገዱ። ዝበዝሕ ግዜ ወተሃደራዊ ዲክታተርነት ይስዕብ። ውሑዳት ሃገራት ጥራይ እየን ብቅልጡፍ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ዝተመልሳ። መነባብሮ ዜጋታት ካብቲ ዝተዓልወ ስርዓት አይመሓየሽን። እዚ ድማ ናብ ካልእ ዕልዋ መንግስቲ ወይ ድማ ናብ ዝተናውሐ ብረታዊ ጎንጺ ኣስዒቡ አማስዩ ብረት ዘወጣውጥን ንነብሱ ከም ሓራ መውጻኢ ዝወስድ ሓይሊ ስልጣን ይሕዝ። እዚ እውን ብመሰረቱ ብዓመጽ ስልጣን ዝሓዘ ስለዝኾነ ካብቲ ዝዓለዎ መንግስቲ ዝሓይሽ አይከውንን። ብሓይሉ ዝዓተሮ ስልጣን ንህዝቢ ምርካብ ይአቢ’ሞ እቲ ናይ ጎነጽን ዓመጽን ዕንክሊል ይቅጽል።

አብ ዓለም ይኹን አህጉርና ዕልዋ መንግስቲ ከም ብሉይን ውጉዝን  አገባብ ምስግጋር ስልጣን ኮይኑ ክውሰድ ጸኒሑ አሎ። ውድብ ሓድነት አፍሪቃ ካብ 1997 አትሒዙ ዕልዋ መንግስቲ ንከይቅበል አብ ሕግታቱ አስፊሩዎ እዩ። በዚ መሰረት ድማ፡ አብ ቶጎ፡ ማውሪታንያ፡ ጊንያ፡ ማዳጋስካር፡ ከማኡ እውን አብ ማሊ ዝተገብሩ ዕልዋታት መንግስቲ አፍልጦ ከሊኡ ጥራይ ዘይኮነስ አንጻሮም ውሳነታት አሕሊፉ እዩ። ስለ’ዚ አብዚ ዓለምና ብቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ፈትልታት ትጠናነገሉ ዘላ መዋእል፡ ዕልዋ መንግስቲ ብሉይን ፍንፉንን አገባብ ምዃኑ ዘይስቆሮ ፖለቲከኛ ዘሎ አይመስልን።

በዚ ምኽንያት ከአ እዩ ዝመስል መራሕቲ ሓይልታት ምክልኻል ዚምባብወ ብእዋኑ ዕላምኦም ስልጣን ንምሓዝ ዘይኮነስ ነቲ ንቅዋምነት ዝብሕጉግ ዝነበረ አካይዳ መንግስቲ ሙጋበ ንምላይን ቅዋማዊ አሰራርሓ ናብ ንቡር ንምምላስን እዩ ዝበሉ። አብ አፍሪቃ ልሙድ ዘይኮነ ወተሃደራዊ ሞያውነት (professionalism)፡ ዲሲፕሊን፡ ስጡም ናይ እዝን ቁጽጽርን ዝነበሮ ስርሒት አካይዶም። ከምዚ ዘለዎ እንተቀጺሉን ስልጣን ብሰላም ብምስግጋር ናብ ንቡር ቅዋማውነት እንተተመሊሱ፡ ሰራዊ ዚምባብወ አብነታዊ ስጉምቲ ወሲዱ ጥራይ ዘይኮነስ ኩርዓት አፍሪቃ እውን ክኸውን ክኢሉ ማለት እዩ።

እዚ አብ ዚምባብወ ዝረኣናዮ ድራማ ናብ ነባሪ  ፍታሕ ድዩ ክወስድ ወይስ ምላቁ  ሒቅታ ኮይኑ ዝተርፍ ፍጻመ ክኸውን እዩ ዝብል ሕቶ ግዜ ዝምልሶ እዩ። ናብ ቁጠባዊ ሕውየትን ፖለቲካዊ ርግአትን እንተ መሪሑ፡ ሓይልታት ምክልኻል ዚምባብወ አብነታዊ ስጉምቲ ወሲዶም ማለት እዩ። እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ዚምባብወ ሰላምን ስራሕን እንተረኺቡን መባእታዊ መሰላቱ እንተ ተሓልዩን፡ “ዕልዋ ድዩ አይኮነን” ዝብል ሕቶ ዘገድሶ ኣይመስለንን። እዚ ነቶም ግዜ ዘለዎምን ድራር እለቶም ዘረጋገጹን ዝሕደግ አካዳፙያዊ ጉዳይ ይኸውን። ህዝቢ ዚምባብወ ሂወት ናብ ንቡራ ክትምለስ ይህንጠ አሎ። ብፍላይ እቲ አብዚ ዝመጽእ ዓመት ዝግበር ሓፈሻዊ መረጻ ብሰላም እንተተኻዪዱ፡  ጽቡቅ ፋል ናይ ነጥበ-መቀይሮ ክኸውን ይኽእል እዩ።

አብ ዝቅጽል ካልአይ ክፋል፡  ዚምባብወን ኤርትራን፡ ኢሰያስ አፈወርቅን ሮበርት  ሙጋበን፡ ከምኡ እውን ባህሪ ሓይልታት ምክልኻል ክልቲአን ሃገራት ዘነጻጽር ሓጺር  ትንተና ከስዕብ እየ። ተመክሮ ዚምባብወ አብ ኤርትራ ናይ ምድጋሙ ተኽእሎ እውን  ክድህስሶ እየ።

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Amba November 23, 2017

    Nothing has really changed in Zimbabwe. It is, an old 93 years old man and his wife were kicked out and replaced by their trusted, notorious and cruel, former chief of security.
    It is like, as if Sadam was replaced by his evil cousin — Chemical Ali or Qadafi by his vicious security chief and his own cousin. This is hardly a coup or revolution — the noble Abyssinians have a saying — Gulcha biqeyayer: Wat ayTafTm. Farnello qeyrka; tsebHi aymqrn : Or, if you change and burn your own languages and identity to adopt a fake identity, it does not make you a “real” Arab.
    But the people of Zimbabwe have earned some courage to face their fear and they will get rid of the “crocodile” soon.

  • Efrem T. November 23, 2017

    Robert Mugabe has been shown a mercy he denied enemies during a blood-soaked long reign of terror.
    The complexities of Zimbabwe made this the most unusual of overthrow when it took a peculiar mix of military coup, political revolt, constitutional action and public protests to persuade the dogged autocrat to go. What happens next is delicately poised and Mugabe’s most likely successor, a former henchman known as The Crocodile, is no advert for good government. The resignation of Robert Mugabe provides Zimbabwe with an opportunity to forge a new path, free of the oppression that characterised Robert Mugabe’s rule.
    Britain must tread carefully as that country’s one-time colonial occupier, but the offer of financial support from the £12 billion international aid budget to restore health and education and revive a ruined economy gives Zimbabweans a potential role to play in what is hopefully a brighter future for Zimbabwe. In Johannesburg and all South African neighbors we are closely following and watching new developments in Zimbabwe However, Mugabe still seen by many Africans as an anti-colonial hero, is reviled in the West as a despot whose disastrous handling of the economy and willingness to resort to violence to maintain power destroyed one of Africa’s most promising states. The former President leaves behind an economy in ruins.

    • Mihret November 24, 2017

      Brother Efrem T.,
      Well said and all you stated is I believe very true.
      In recent days, we have seen the desire of the Zimbabwean people for free and fair elections,
      and the opportunity to rebuild the country’s economy under a legitimate government.
      The big and urgent question is could we say the same thing about Eritrea’s weak oppositions?

  • Alula November 24, 2017

    I hope that the euphoria of the people of Zimbabwe isn’t short-lived. It seems as though the one to take over will be Emmerson Mnangagwa, someone who has worked alongside Robert Mugabe as brutal chief enforcer and is one of the most feared men in the country of Zimbabwe.
    I suppose the best that can be said of him {E.Mnangagwa} is that he recognizes the need for Zimbabwe’s agricultural base and rule of law to be restored.

  • Meretse November 24, 2017

    Great analysis: it could not been said better. I hope Zimbabeians will a great lesson now. They have to ask themselves: if they were indeed deceived by Mugabe or themselves. Crocodile is saying he will give back the country to Zimbabeians. As expected :weet speech. In reality, Crocodile and the party leaders had been part of the problem for decades. So, how is the nation expecting to change overnight.
    For now, I would just say: this change is the same as building a new roof on an old house.

POST A COMMENT