Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መስከረም (መሽረፈት) ኔትን ራድዮ ኤረናን ኣብ ሓደ ማኣዲ

መስከረም (መሽረፈት) ኔትን ራድዮ ኤረናን ኣብ ሓደ ማኣዲ ኣሰና ኣብ ጉዳይ'ቲ ብ1997 ዓም ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋምን ኣብቲ ካብ ኤችቢሲ ልሒኹ ዝወጽአ ውልቀ መላኺ መራሒ ኢሰያስ ወይ ልኡኻቱ ኣብ ናይታ ባንክ ናይ ስዊዝ ጨንፈር ዝኸዘኑዎ ምዃኑ ዝእመነሉ

መስከረም (መሽረፈት) ኔትን ራድዮ ኤረናን ኣብ ሓደ ማኣዲ

ኣሰና ኣብ ጉዳይ’ቲ ብ1997 ዓም ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋምን ኣብቲ ካብ ኤችቢሲ ልሒኹ ዝወጽአ ውልቀ መላኺ መራሒ ኢሰያስ ወይ ልኡኻቱ ኣብ ናይታ ባንክ ናይ ስዊዝ ጨንፈር ዝኸዘኑዎ ምዃኑ ዝእመነሉ 700 ሚልዮን ዶላር ዝኣክል ገንዘብ ዘጋለጸ ሓበሬታ ኢያ ተጸሚዳ ቀንያ። መስከረም ኔትን ራድዮ ኤረናን ከ?

መስከረም ንግዚኡ ተጸጊዓ ትጽናሕ’ሞ ብራድዮ ኤረና ክንጅምር።

ዝኾነት ትኹን መደበር ሓበሬታ በቲ ንዓኣ ዝመስላ መንገዲ ስራሓታ ከተሰላስል መሰላ ኢዩ። ራድዮ ኤረና’ውን ከምኡ። ምስ ደለይቲ ፍትሒ  ከይወገንኩ፣ ጸግዒ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ስርዓት ከይሓዝኩ “ነጻ ኮይነ፣ ሓቀኛ ሓበሬታ” ከማሓላልፍ’የ እንተኢላ ዝንኣድ ሓሳብ ኢዩ። ክትታባባዕ’ውን ይግባእ።

ኣብ’ታ ቅዋም ዘይብላ ብምዃና ፍልይቲ ዝኾነት፣ ዝጸደቐ ቅዋም ዘይተተግበረላ፣ ጋዜጠኛታትን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ነበርን ዝርከቡዎም ዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታት ብፖለቲካውን ሃይማኖታዊ እምነቶምን ኣብ ኣብያተ ማሕቡስ ዝበልዩላ ዘለዉ፣ መጻወቲ ስርዓት ህግደፍ ኮይና ዘላ ኤርትራ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኸውን ብኣወንታ ትጥቀስ ነገር ስለዘየላ ግን ነቲ ካብታ ሃገር ዝወጽእ ሓበሬታ ከምዘለዎ እንተቃሊሕካዮ እቲ ስርዓትን ኮራኹሩን ደስ ክብሎም ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ኣብ ዝረኸብካዮ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር ክሳብ ዘቕረብካዮ ነቲ ስርዓት ዕርቃኑ ክውጽኦ’ምበር ዘወድሶ ኣይኮነን። ነዚ’ዩ እቲ ስርዓት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዝተፈላለያ ዝዃሓሕልኦ መራኸቢ ብዙሓን ከዋፍር ተገዲዱ። ንሳተን ወግሐ ጸብሐ ምስ ኣሰና ክፋጠጣ ትጽበየን ኢኻ።

ራድዮ ኤረና ግን ነጻን ሓቀኛን ኣብ ናይ ምዃን ገድሊ ተጸሚዳ ትርከብ መደበር ሓበሬታ እንተኾይና ንስርዓት ህግደፍ መወደሲ ጫፍ ምስ ስኣነትሉ ናብ ኣሰና ተነጻጽረሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ? ብኮምሽን ኤውሮጳዊ ሕብረት ትምወል ራድዮ ኸ ስለምንታይ ኢያ ስርዓት ህግደፍ ከተጸባብቕ ትሃልኽ?

እቲ ሓቂ ምብኣር መወልቲ እውን ናታቶም ቅድመ ኩነታት ስለዘለዎም ማሕፉዳ ከይጎድል ምጉያይ ኣድላዪ ስለዝኾነ ኢዩ። እቶም ንውልቀ ምልኪ ኢሰያስ ምስ ናይ ሰሜን ኮርያ ብምንጽጻር ንኤርትራ ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ ብምባል ዝጽዉዑዋ፣ ዓመት መጸት ብግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ቅድሚት ዝሰርዑዋ መሻርኽቶም ጉጅለ ጋዜጠኛታት ንኢሰያስ ውልቀ መላኺ ኢሎም እናጸውዑዎ፣ ንጋዜጠኛታት ራድዮ ኤረና ወይልኹም ኢሎም ነቲ ዓንዳሪ ውልቀ መላኺ ፕረሲደንት ኢሎም ክጽውዑዎም ብምእዛዞም ፍሉያት ክኾኑ ፈሪዶሞም ኣለዉ።

ዓማጺ ኣብ ዘለወሉ ተዓማጺ ክህሉ ናይ ግድን ኢዩ። ጎይታ ኣብ ዘለወሉ ግን እቲ ጊላ ክኸውን ዝተፈርደ ናይ ጊላ ስራሕ እናሰርሐ እውን ናይ ጎይታ መንፈስ ክህሉዎ ይኽእል ኢዩ። ነቲ ሓይሊ ብሓይሊ ክምንዝዖ ዝኽእል ፈጺሙ የልቦን። ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ጊላነት እናማረረካ ነቲ ገዛኢ ገዛኢ ኢልካ ካብ ምጽዋዕ ብምሕራምካ መቸም ማእከላይ መርገጺ ሒዘ ክትብል ዘድፍር ኣይኮነን። ከምኡ ዓይነት ተግባር መርኣያ ናይ መንፈስ ጊላ ምዃንካ ኢዩ። ካብ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጊላነት ንርእስኻ ናጻ ኣውጺኻ ካብ ኤርትራዊ ጎይታ ርሒቕካ ንዕኡ ብካልእ ብቕድመ ኩነታት ዝሕልኽ ጎይታ እንተተካእካዮ እንታይ መለሳ ጊላነት ኣለዎ? ነቲ ካብ ሃገርካ ርሒቕካ ንምምባር ብቑዕ ዝበልካዮ ምኽንያት ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዜጋትት ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምእዋይ ኣብ ዘድልየሉ ህሞት ዘይብቑዕ ኮይኑ ክትረኽቦ ከለኻ እቲ ድርብ መለክዒ ጎይቶትካ ዘይኮነ መሪጽካ ዝኣተኻዮ ጊላነት ናይ ሕልና ሕቕያ ኣስዒቡልካ ክትስተር ዘይምፍታንካ እውን ትሩፍ ደጊም ዘብል ኢዩ።

ካብ ኮምሽን ሕብረት ኤውሮጳ ብስም ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ዝርከብ ምወላ ኣብ ምንታይ ምዓላ ውዒሉ ካልእ ሕቶ ኮይኑ ብዝረኸብካዮ ምወላ ጊላነት ምግዛእ ዘነውር ኢዩ። ክዝከር ዘለዎ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታ እቶም ብዘይካ ጋዜጠኛታት ምዃኖም ካልእ ገበን ዘይነበሮም ኣብ መስከረም 18 2001 ዝተኣስሩ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት፣ ብዘይክስን ፍርድን ንልዕሊ 14 ዓመታት ተኣሲሮም ገኢኦም ብህይወት ውን ዘየለዉ፣ ገሊኦም ብዝተፍላለየ ሕማማት ዝሳቐዩ ዘለዉ ይኹን እቶም ጋዜጠኛታት ራድዮ ባና ዝርከቡዎም ካልኦት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነት ተዋፊሮም ከለዉ  ህይወቶም ዝስኣኑ ወይ ብዘይሕግን ፍርድን ተኣሲሮም ዝተሳቐዩ ይኹን እቶም ልዕሊ 30 ሃገር ለቒቖም ዝተሰዱ ብምሉኦም ማለት ኢዩ። ብቐንዱ ከኣ እቲ ንሳቶም ደው ዝበሉሉ መሰል ምግላጽ ሓሳብ፣ ናጽነት ምርካብን ምዝርጋሕን ሓበሬታ ከይግሃስን ክኽበርን እምበር መዐደጊ ጊላነት ዝግበር ምወላ የለን።

ንጉዳይ እታ ተላዒላ ዘላ ሓንቲ ኣሞን ሒዛቶም ናብ ኢትዮጵያ እናተጓዕዘት ናይ ሞት ሕማቕ ሓደጋ ዝገጠማ ስድራ መካራኸሪትን መኻዕበቲ ፖለቲካዊ ነጥቢ ተበለጽቲ ወገናት ኮይና ምርኣይ ዘጉህን ዘደንጹን ምዃኑ ምጥቃስ ኣድላዪ ኢዩ። ሰለስተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ክጠፍኡ ከለዉ ደቅናን ሓብትናን ምቃል ጎንና ስኢና ንዓና ከም ኤርትራውያን ማዓንጣ ኸብድና ዝቖርጽ ኢዩ። ብኸመይ ጠፊኦም ብዘየገድስ ምጥፍኦም ኢዩ’ቲ ዝዓበየ ክሳራና። እታ ስድራ ግዳይ ኣራዊት ድያ ግዳይ ልኡኻት ስርዓት ህግደፍ ወይ ኢትዮጵያውያን ሸፋቱ ኮይና ኢልካ ኣብ ግምታትን ባዕላዊ ትንተናታት ኣቲኻ ምዝራብ ካብቲ ዋና ዛዕባ ወጺኻ ናብ ጓል መንገዲ ከእቱ ናይ ግድን ኢዩ። እቲ ዋና ነገር እታ ስድራ ኣብ ሃገራ ምንባር ስለዘይክኣለት ልክዕ ከም ካልኦት ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን እግራ ናብ ዝመርሓ ሃጽ ኢላ ክትጠፍእ ዝገደዳ ምኽንያት ኢዩ። እቲ ጠንቂ ከኣ ስርዓት ህግደፍን ሕሱም መግዛእቱን ኢዩ። እሞ ድኣ እቲ ዓለም ብዓለማ ፈሊጣቶ ዘላ ሓቂ እዚ እናኾነ ራድዮ ኤረና እንታይ ሓድሽ ነገር ኢያ ከተምጽእ ትደሊ ዘላ?

ብመሰረቱ እቲ ራድዮ ኤረና ናብ ኣሰና ዘቕናዓቶ ጠቐነ ዝያዳ ሕቶታት ድኣ’ዩ ዘልዕል ምበር ዝመለሶ ሕቶታት የብሉን። እታ ራድዮ ካብ ደምበ ደለይቲ ፍትሕን ካብ ስርዓት ህግደፍን ርሒቐ ጋዜጠኛዊ ስነምግባር ተሓንጊጠ እታ ሓቃ ከውጽኣ ኢየ ትብል እንተድኣ ሃልያ እታ ሓቂ እንታይ ኢያ ኢልካ ምሕታታ ይግባእ። ኣሰና ዝበለቶ ሓሶት እንተኾይኑ እቲ ሓቂ እንታይ ኢዩ? ኢንቨስቲገቲቭ ሪፖርተርስ ራድዮ ኤረና ዝሓዙዎ ጭብጢ እንታይ ዩ እንተበልካ ግን ዝሓዙዎ ነገር ከምዘይብሎም እቲ ዘቕረቡዎ ትሕዝቶ ባዕሉ ዘረጋግጾ ጉዳይ ኢዩ።

ኣብዚ ኣሰና እቲ ሓበሬታ ካብ መን ረኺባቶ ብኸመይ ንዝምልከት ሓበሬታ እንተዝነብረና ሓጋዚ ምኾነ። ይኹን ምበር ኣሰና ብወግዕን ብተዳጋጋምን ንፋይናንሳዊ ይኹን ሓበሬታዊ ሓገዝ ኣብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ተመርኲሳ ከምትንቀሳቐስ ብግልጺ ስለትሕብር ወከልታ ልኢኻ ሓቂ ኣጻርያ ከተቕርበልና ከምዘይትኽእል ርዱእ ኢዩ። ምስ ኩሉ ሕጽረታታ ግን መርገጺኣ ንጹር ኢዩ። ብግብሪ ኣብ ጎኒ ልዕልና ሕግን ፍትሕን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኤርትራን ደው ምባል ምዃኑ ኣመስኪራ ኣላ። በዚ መርገጺ’ዚ ከኣ ብብዙሓት ጸላእቲ ከምትኽበብ ኮይና ኣላ።

ኣብዚ ክዝከር ዘለዎ ሓደ ጉዳይ ኣሎ። ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ዕድለኛ ውልቀ መላኺ ኢዩ። እቶም ደለይቲ ፍትሒ ኢና ዝብሉ ውን ካብቲ ካልኦት ኣብ ጎኖም ዘለዉ ደለየቲ ፍትሒ ዝብሉዎ ነቲ ኢሰያስ ዝብሎ ክኣምኑ ኢዩ ዝቐሎም። ኢሰያስ ባዕሉ ሞይተ ኢሉ እንተዘይርዲኡ ሞይቱ ኢሉ ንዘርድኦም ውን ክኣምኑዎ ከሸግሮም ኢዩ። እዚ ካብ ትሑት ነብሰ ምትእምማን ዝብገስ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣሰና ቅድሚ ሒደት ዓመታት “ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ  ኢሰያስ ብጽኑዕ ሓሚሙ ወይ ሞይቱ ክኸውን ከምዝኽእል ይንገር ኣሎ” ክትብል ዘቃላሓቶ ራድዮ ኤረና ክትዋራዘ ዕድል ዝረኸበትሉ እዋን እውን ነይሩ ኢዩ። ሽዑ ዘይተፈስወ ኣይጭኖን ከምዝብሃል ብዝተፈላለዩ ወገናት ነቲ ናይ ብጽኑዕ ምሕማሙ ጉዳይ ዘራጉድ ሓበሬታት እናተናፈሰ ከሎ ኣሰና ኣትኪላ ነቲ ዘረባ ኣብ ክንዲ ትካታተል ንዕኡ ገዲፋ ኣብ እቕሬታ ምሕታት ኢያ ኣትያ። ኢሰያስ ድሕሪ ናይ ብዙሕ መዓልታት ስቕታ ተገዲዱ ኣብ ተለቪዥን ክቐርብ ከሎ’ውን ካብ ሞት ስለዝተረፈ ጥራይ ብጽኑዕ ሓሚሙ ምንባሩ ክኣምን ዝደለየ ኣይነበረን። እዚ ግን ነቲ መደበር ሓበሬታ ደለይቲ ፍትሒ ማእሰርቲ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሰበስልጣንን ጋዜጠኛታትን ምስ ኣቃልሓ ነቲ ሓቂ ሓሶት ምዃኑ ንኸእምን ነቶም ዝተጠቕሱ ተኣሲሮም ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ኣብ ተለቪዥን ከምዝርኣዩ ዝገብር ውልቀ መላኺ ክሳብ ክንደይ የዋሃት ምዃኖም ዘረጋግጽ ተወሳኺ መርትዖ ኢዩ።

ዓወት ራድዮ ኤረና ኣሰና ካብቲ ሽሕ ብሉጽ ስራሓታ ሓንቲ ጉድለት ረኺበላ ኢላ ክትኣምን ከላ ምዃኑ ዘስደምምን ዘሕፍርን ኢዩ። እዛ መንእሰይ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ካብቲ ን15 ዓመታት ብዘይክስን ፍርድን ተኣሲሩ ወርቃዊ ንእስነቱ ዘብለየሉ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ካርሸሊ ፈንጢሱ ብምውጽኡ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ልባ ምልስ ኢሉ ነቲ ብርቂ ንኹሎም ኤርትራውያን ዘሐበነ ብስራት ኣሰና ስለዘቃላሓቶ ተሓሲማቶ ብምሕላፋ ኣብ ትዕዝብቲ ብዙሓት ኣትያ ኢያ። ሓደ 15 ዓመት ብዘይ ግቡእ ሕጋዊ መስርሕ ተኣሲሩ ዝነበረ ኤርትራዊ መንእሰይ ቀይዲ ማሕዩር በቲኹ ምውጽኡ ብኸመይ ኢዩ ንሓንቲ ናይ ኤርትራውያን መደበር ዜና ዘይብቑዕ ዜና ኮይኑ ዝርከብ ኢልካ ነብስኻ ትሓትት። ጉዳይ ምወላ ውን ኣብቲ ግድል ስለዝኣቱ ግን መልሱ ከቢድ ኣይኮነን።

ራድዮ ኤረና’ምብኣር ንነብሳ ከም ናይ ኤርትራውያን መደበር ሓበሬታት ብፍላይ ከኣ ናይ ኣሰና ዎችዶግ ኢያ ትርእያ ትመስል። እቲ ስልጣን መን ከምዝሃባ እዝግሄር ዋናኣ ግን ብፍቶቱ ጊላ ካብ ዝኾነ የድሕነና ዘብል ኢዩ! ጊላኹም ክኸውን ኢልካ ኣቲኻ ከተብቅዕ ኣብ ልዕሊ ናጽነት ዘስተማቕራ ዘለዋ ትርጉም ናጽነት ዝስቆረን ከም ኣሰና ዝኣመሰላ መደበር ሓበሬታት ልክዕ ምስ ዝጨቆነካ ጥራይ ክህልወካ ዝኽእል ጽልኢ ካብ ምርኣይ ሓሊፍካ ኣብ ምትንዃል ብምእታውካ ትነብረሉ ዘለኻ ባርነት ክሳብ ክንደይ መሪር ምዃኑ ኢኻ ተረጋግጽ ዘለኻ። ናይ ርድኡኒ ኣውያት ውን ክኸውን ይኽእል፣ መን ይፈልጥ? ናጽነት ኣማዕዲኻ ትርእያ፣ ከይተረዳኣካ ካልኦት ከስተማቕሩዋ ትቐንእ፣ብድሕሪዚ ምስቶም ናጽነት ዘስተማቕሩ ዘለዉ ጽልኢ ይሕዘካ። ግን ቀይዲ ጊላነት መን ክበትከልካ ኢዩ? ደጀን ዓንደ ሕሸል?

መስከረም ኔት ክቡር ሓው መሲናስ መሽረፈት ኢሉ ምስ ጸዋዓ ኣብየት ክትብል ምስ ርኣኹዋ እምበኣር ደለይቲ ፍትሒ ዝሃቡኺ ስም ትፈልጥዮ ኢኺ ኢየ ኢለ። መሽረፈት ኔት ግን በዚ ኣጋጣሚ ሓው መሲናስ ካልእ ስም ክረኽበላ ይልቦ። ምኽንያቱ መሽረፈት ብዙሕ ቁም ነገር ዘለዋ መሳርሒ ኢያ። እንተዋሓደ ብፍላይ ሎሚ ነዳዲ ወርቂ ኣብ ዝኾነሉ ኣብ ኤርትራ ብቀሸም ወዲ ቀሸም ንሱ ውን እንተተረኺቡ ብመሽረፈት ኣንበድቢድካ ደቅኻ ትዕንግል። መስከረም ኔት ግን ትሕቲ ዜሮ ኢያ። -40 ዲግሪ! የሐው!!!!! ኣብ ደረጃኣ ትወርድ ራድዮ ኤረና ስለዝረኸበት ግን እንኳዕ ሓጎሰኪ ይብላ! ክንደይ ኢላ ዳኣ በይና ሕልምልም ክትብል? መሳትይቲ ቡን ይበልክን!

በዚ ኣጋጣሚ ኣሰና ካብቲ ሒዛቶ ዘላ መስመር ምንቕ ከይበለት ንልዕልና ሕግን ፍትሕን፣ ምስ ህዝባ ደው ምባል ክትቅጽል ለበዋይ የማሓላልፍ።

ድሃብ ተፈሪ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
38 COMMENTS
  • Asghedom Woldeghiorghis February 21, 2015

    I support your idea

  • Yukunno Amlak February 22, 2015

    You have to believe the old saying of “with Eritreans, you have to use the stick”, meaning when dealing with trashes like Meskerem.net (Meshrefet) & Radio Erena (Higdefina) you don’t need to be nice and diplomatic as they only understand the street and ghetto languages. And Assenna did NOT have to apologize to them in the past as it showed weakness and less credibility on its great services to the Eritrean public. However, as usual the weak dogs keep barking while the super camel keep marching to the lasting peace, justice and freedom in the new democratic Eritrea.

  • Hail soura February 22, 2015

    ብወገነይ መስከረም ኒት አየንብባን አየ። ምስሊ ኢሳያስ አመለኻኽታ ኢሳያስን ዘዋፍሩ ሰባት ብዙሓት አብቲ ናይ መስከረም ቤት ሻሂ ኢዮም ዝርከቡ። መብዛሕቶም ስራሕ ዘየብሎም ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም ካብቲ ክስኩዕዎ ዝውዕሉ ቃላትን አርእስትን ክርዳእ ከለኹ። እዚ ግን ውልቃዊ ርእይቶይ ኢዩ። ሓያል ስራሕ ዘለዎ ሰብ አብ ምልቃብ ዘረባን ምጥምዛዝ ነገራት ንኽውዕል ግዜ የብሉን።

    ሪዲዮ ኤረና ግን ትህቦ ሓበሬታ ጽቡቐ ኮይኑ ብዙሓት ሰማዕትውን አለዋ። ግን አብ ገለ ነገራት ክትረኣ ከላ ንነብሳ ዘይነጸረላ፤ ወይውን ኮነ ኢላ ትገብሮ ነገር አለ። ብኣብነት መንግስቲ ኤርትራ ትብል አብ ኤርትራ ግን መንግስቲ የለን። ምልኪ ኢዩ ዘሎ። መልካዊ ስርዓት። እቲ ካልእ ድማ ፕሬዝደንት ኢሳያስ ትብል ቃል ትጥቀም፤ ህዝቢ አይመረጾን፤ መልካዊ ኢየ፤ ናይ ወጻኢ ማዕከናት ከይተረፋ ን24 ዓመት ብሓይሊ ዝግዝእ ዘሎ ይብልኦ። እቲ ካልእ ድማ ሪዲዮ ኤሪና አብ መንግስቲ ኢትዮጽያ ዘለዋ አቀራርባ። ንአብነት ምስ አምባሳደር ኢትዮጵያ አብ ሽወደን ዝተገብረ ጽቡቕ እኳ እንተኾነ እቲ ሕቶ አብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ሓይሊ ኤለትሪክ ሕጽረት መበገሲኡ ጠንቁ….ወዘተ ዝብል ፍጽም ብዛዕባ ኤርትራ ምስ ዘተኩር ጋዜጠኛ ዘይከይድ እካ ድኣ ነቲ አብ ኤርትራ ዘሎ ጸልማት ስኣን ሓይሊ ኤለትክ ቅቡል ንምግባር ዝተሓተ ይመስል።

    ሪዲዩ ኤሪና ብዙሕ ጸጋታት አለዋ። ጸጋ ገንዘብ በዚ ተበጊሳ መገሻ ናብ ሱዳን ስደተኛታት ካምፕ፤ ኢትዮጵያ ስደተኛታት ካምፕ ከይዳ ሓያለ ስርሓት ምሰርሓት ኒራ። ቃለ መሕትት ምስ ሙሁራት ኤርትራውያን፤ ግዳያት ስርዓት ኢሳያስ፡ ብልሽውና አብ ኤርትራ፤ እቶም ቀንዲ ነገራት፤ ንሳ ግን አብ ሙዚቃ ክትሓጽረና ኢያ ተሳሲ። ሙዚቃ አድላይ ኢዩ ግን ቀዳምነታትናን ቀዳምነት መወልትን አይተሳነየን።
    ጋዜጠኛ ቢንያም ካብቲ ስርዓት አፍ ንስክላ ዝሃደመ ሰብ ኢዩ። ኩሉውን ጠነቂቑ ዝፈልጥ ኢዩ። ነዚ ጉዳይ ከስተባህለሉ ይምሕጸን። ናይ መወልቲ ዓላማን ቀዳምነታትን ከነጽረልና ድማ ጻውዒተይ የቕርበሉ።

    • ኣርዓዶም February 22, 2015

      ረድዮ ኤረና ብመን ኢያ ትውነን፣ ሽም ወናኒኣ መን ሽሙ ወይ ይብሃል፡
      እንድሕሪ ድኣ ከምቲ ግቡእ ዘይትሰርሕ ኮይና፡ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ዝገብሮ እውን ብሕቡእ ማለት ብተክኒክ ትትግብሮ ተሃልያ፡ ኣብነታት እንዳ ኣቕረብካ ነቶም መወልታ ከተረድኦም ምፍታን ጽቡቕ ምኾነ፡ ኩነታት ተረዲኦም ውን ነቲ ዝገብሩላ ሓግገዝ ጠጠው መብልዎ። ከምዚ ዝስማዕ ዘሎ እዛ ረድዮ ሎሚ ጥራይ ዘይኮነ ዳርጋ ፍጥር ካብ ትብል መረረታትን ሓሜታትን ተሰሚዑላ ኢዩ። ስለዚ ደለይቲፍ ፍትሒ ንመወልቲ እዛ ረድዮ ክትረኽብዎም ወይ ውን ንኣካየድቲ ረድዮ ብዝገብብሮዎ ዘለው ውሽጣዊ ደገፍ ናብ ፖሊሲ እታ ሃገር ምልክታ ምጽሓፍ ከድልየኩም እዩ።
      ዝኾነ ይኹን ግን ኣሰና ክሳብ ዘላ፡ ኩሉ እቲ ሓቒ ክንፈልጦ ኢና፡ ዕድመ ንኣሰና ወብሳይትን ኣካየድታን።

  • Sammy Fitsum February 22, 2015

    It is simply said that “Powerless people can get scared of freedom.”
    And this may be the case with meskerem.net and radio Erena as well! They can’t feel the freedom they have/possess.

  • AHMED SALEH !!! February 22, 2015

    Regardless other issues , the one which bothers me is their immature behaviors to
    politicize about cross border killings . We all know the reasons why this sad
    occurrences taking place either by HGDF security , Rashaida , Weyane militia
    or whoever did the crime .
    Nobody can deny the force behind desperate life of living to push people for danger .
    The death of those three siblings is part of the ongoing absence of rule of law inside
    our country . Only God knows how many lost their life trying to cross killed like
    animals without getting popular attention .
    Their attempt to play dirty politics at the expense of their father suffering
    is unfortunate immoral and wrong in our culture . And they can’t give him needed
    assistance , he must move on to take care himself and the rest family members who
    depend on him .

  • Mesinas February 22, 2015

    “ዓወት ራድዮ ኤረና ኣሰና ካብቲ ሽሕ ብሉጽ ስራሓታ ሓንቲ ጉድለት ረኺበላ ኢላ ክትኣምን ከላ ምዃኑ ዘስደምምን ዘሕፍርን ኢዩ። እዛ መንእሰይ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ካብቲ ን15 ዓመታት ብዘይክስን ፍርድን ተኣሲሩ ወርቃዊ ንእስነቱ ዘብለየሉ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ካርሸሊ ፈንጢሱ ብምውጽኡ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ልባ ምልስ ኢሉ ነቲ ብርቂ ንኹሎም ኤርትራውያን ዘሐበነ ብስራት ኣሰና ስለዘቃላሓቶ ተሓሲማቶ ብምሕላፋ ኣብ ትዕዝብቲ ብዙሓት ኣትያ ኢያ። ሓደ 15 ዓመት ብዘይ ግቡእ ሕጋዊ መስርሕ ተኣሲሩ ዝነበረ ኤርትራዊ መንእሰይ ቀይዲ ማሕዩር በቲኹ ምውጽኡ ብኸመይ ኢዩ ንሓንቲ ናይ ኤርትራውያን መደበር ዜና ዘይብቑዕ ዜና ኮይኑ ዝርከብ ኢልካ ነብስኻ ትሓትት።

    ምኽንያቱ መሽረፈት ብዙሕ ቁም ነገር ዘለዋ መሳርሒ ኢያ። እንተዋሓደ ብፍላይ ሎሚ ነዳዲ ወርቂ ኣብ ዝኾነሉ ኣብ ኤርትራ ብቀሸም ወዲ ቀሸም ንሱ ውን እንተተረኺቡ ብመሽረፈት ኣንበድቢድካ ደቅኻ ትዕንግል። መስከረም ኔት ግን ትሕቲ ዜሮ ኢያ። -40 ዲግሪ! የሐው!!!!! ኣብ ደረጃኣ ትወርድ ራድዮ ኤረና ስለዝረኸበት ግን እንኳዕ ሓጎሰኪ ይብላ! ክንደይ ኢላ ዳኣ በይና ሕልምልም ክትብል? መሳትይቲ ቡን ይበልክን!

    በዚ ኣጋጣሚ ኣሰና ካብቲ ሒዛቶ ዘላ መስመር ምንቕ ከይበለት ንልዕልና ሕግን ፍትሕን፣ ምስ ህዝባ ደው ምባል ክትቅጽል ለበዋይ የማሓላልፍ።

    ድሃብ ተፈሪ”

    ብሓቂ ዓሚቚ ትዕዝብቲ ክብርቲ ሓብቲ ደሃብ ተፈሪ። ኣዝዩ ዚድነቕ ትንታነ፡ መግለጺ፡ ምኽርን ሓበሬታን። ተሳትፎኺ ኣይፈለየና የቐንየልና።

  • Rora February 22, 2015

    ማዕበል ስምረት ምስ eysc የሕሊፍና እናበልና፡ ሕጂ ኸኣ ኣሰና ምስ ኤረና ኣታ እንታይ እዩ ጉድ እዚ ህዝቢ?
    ኣታ ለባም የለን ድዩ? …..በኺኻ ኣይትጸግብን ማዓት ናትና።

  • God's Family February 22, 2015

    Brother Rora, As far as we don’t repent and come clother to the Almighty, we will fight and the fight will end us. The fight among us might also be an opened door for extrimist. Let us cry and repent…

  • Gezae February 22, 2015

    Political hatred is bad/worse. Hate politics has grown on the political divide to the point where expletives, hate speech as well as dehumanizing speeches have become the norm on and off Assenna foundation. Assenna network has become a cesspool of words and images shaped by the extreme political hatred of many.
    For many of the associates there’s always only one correct answer. This thinking means they believe if they’re right, the other side must be wrong. This is also applicable to the notion of good versus evil.
    That was back in the day. Because of the re-awakening of the politics of divide and conquer, of fear and exclusion, of “Us” versus “Them”. The days of working together for the common good are out. The politics of hate is in; happened along the way that destroyed the idealism of our community, of the welfare of all of our citizens. Assenna associates-peace and democracy cannot be born out of hatred, but many you are simply too consumed by politics of hatred

  • Tafla February 22, 2015

    i dont understand the father of the victims has said the story was not true and he believe ethiopians killed his family. According to him his friend gave the information to assenna. There is no one to blame about what demo.archive.assenna.com reported. 1-the ftiend may have thought the family were killed by eritrean force. Even their force may have thought the same until he went to ethiopia to get their bodies for burial. demo.archive.assenna.com should have just ignored the recent story or should have stated the information they got was from close friened of the family instead of attacking radio erina.

1 2 3

POST A COMMENT