Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መስራትን ኣሰናዳእን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ፡ ብምኽንያት መበል 14 ዓመት ማሕዩር ላዕለዋት ሰበስልጣንን ጋዜጠኛትትን ኤርትራ፡ ኣብ ዙሪክ ስዊዘርላንድ፡ `ሓባራዊ ራእይ፡ ሓባራዊ ቃልሲ ንናይ ሓባር ዓወት` ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ሰሚናር ኣካይዱ።

መስራትን ኣሰናዳእን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ፡ ትማሊ ቀዳም 12 መስከረም፡ ብምኽንያት መበል 14 ዓመት ማሕዩር ላዕለዋት ሰበስልጣንን ጋዜጠኛትትን ኤርትራ፡ ኣብ ዙሪክ ስዊዘርላንድ፡ `ሓባራዊ ራእይ፡ ሓባራዊ ቃልሲ፡ ንናይ ሓባር ዓወት` ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ሰፊሕ ህዝባዊ ሰሚናር

መስራትን ኣሰናዳእን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ፡ ትማሊ ቀዳም 12 መስከረም፡ ብምኽንያት መበል 14 ዓመት ማሕዩር ላዕለዋት ሰበስልጣንን ጋዜጠኛትትን ኤርትራ፡ ኣብ ዙሪክ ስዊዘርላንድ፡ `ሓባራዊ ራእይ፡ ሓባራዊ ቃልሲ፡ ንናይ ሓባር ዓወት` ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ሰፊሕ ህዝባዊ ሰሚናር ኣካይዱ።

ንሱ ኣብቲ ሰሚናር፡ ብ መስከረም 18 2001፡ እቶም ኣብ ማእከል ረመጽ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ረጊጾም፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክተኣታቶን ሕጋዊ ቅዋማዊ መንግስቲ ክትከልን ብዓውታ ጻውዒት ዘቕረቡ ሓርበኛታትን፡ እቲ ስርዓት ኮነ ኢሉ መጸዋዕታኦም ንምዕፋን ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ኣፍ ኮይኖም ምስ ህዝቢ ዘራኸቡዎም ጋዜጠኛታት ብሕትን፡ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ድርብ መስዋእቲ ከምዝኸፈሉ ብምጥቃስ፡ ወትሩ ክዝከሩ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

Swiss_public_5እዞም ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ መሪሕ ተራ ንእስነቶም ዘወፈዩ ሓርበኛታት፡ ዋላ ኣካል ናይቲ ንሃገር ዘዕኑ ዘሎ ስርዓት እንተነበሩ፡ ኣብ መስርሕ ናይቲ ፖለቲካዊ መኣዝን ኤርትራ ንምትዕርራይ ዝወሰዱዎ ተባዕ ስጉምቲ፡ ንውልቀመላኽነት ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ብምቅላዕ ንቕሓት ህዝቢ ኤርትራ ክብ ኣብ ምባል እጃሞም ብምጥቃስ ድማ፡ እቲ ድሕሪ ናጽነት ከም ነጥበ መቐይሮ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ክግለጽ ኣውንታዊ ስጉምቶም ኣውንታዊ ሚዛን ክወሃቦ እምበር ክነኣኣስ ከምዘይግባእ ብኣብነታት ዝተሰነየ ትንተና ብምቕራብ ኣተሓሳሲቡ።

Comment_Swiss_4ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ ምካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ነቶም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 50 ዓመታት ዘፍረዮም ሓርበኛታት ናይ ማእሰርትን ምሕቃቕን ታርጌት ክገብሮም ከሎ፡ ንዓዓቶም ከም ሰባት ጥራይ ዘይኮነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ከንበርክኽ ዝወሰዶ ውዲታዊ ስጉምቲ ምዃኑ ኣረዲኡ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ተንኮል`ዚ ፈቲጉ ንጻውዒቶም ብምስዓብ ነብሱ ዘይምድሓኑ፡ ንዓዓቶም ጥራይ ዘይኮነ ንርእሱ ተወጺዑ ኣብ ዝኸፍአ ታኼላ ከምዝርከብ `ውን ኣገንዚቡ።

ብዘይካ`ዚ ማእሰርቲ ናይቶም ምስኣቶም ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ውልቀመላኽነት ኣሰሰኑ ኣብ ስልጣን ንምንባር ዝነበሮ ውጥን፡ ንናይ ህዝቢ ኤርትራ መሰል ነጻ ምግላጽ ሓሳባት ንምቕታል ዝዓመሞ እኩይ ተግባር ምዃኑ ጠቒሱ።

ኣማኑኤል ኣብቲ ዝያዳ ዘተኮረሉ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምድሓን ክግበር ብዛዕባ ዘለዎ ቃልሲ ዝዳህሰሰ ሰፊሕ ኣስተምህሮ፡ ሓባራዊ ራእይ ብምምዕባል፡ ሓባራዊ ዕላማ ስትራተጅን ብምሕንጻጽ ዝካየድ ሓባራዊ ቃልሲ ጥራይ ከምዘዋጽእ ብምጥቃስ፡ ኣብ ስደት ዘሎ ደላዪ ፍትሒ፡ ቀዳምነቱ ምስዓር ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ምዃኑ ብምእማን፡ ፍልልያቱ ኣወጊዱ፡ ህዝቢ ዝመሰረቱ ስሙርን ስጡምን ህዝባዊ ምንቅስቓስ በብኸተማኡ ከስፋሕፍሕ፡ ሓደ ደምበ ተቓውሞ ክኸውን ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ። እዚ ኣብ ምቅዋም ተሓጺሩ ዘሎ ደምበ ተቓውሞ፡ ኣወዳድባኡ ኣጽፊፉ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ናይ ቃልሲ ክንፊ ብምዝርጋሕ ዕቱብ ምንቅስቓስ እንተደኣ ሃገሩን ህዝቡን ኣብ ምድሓን ወሳኒ ተራ ብምጽዋት ኣብ ዓወት ክበጽሕ ከምዝኽእል ውን ኣዘኻኺሩ።

Comment_Swissወለዶ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዘበኑ ስዑር ወለዶ ኮይኑ ከይተርፍ፡ ነዚ ዓወት ኣብ ምርግጋጽን ስልጣን ናብ ህዝቢ ኣብ ምርካብን ውሕስነት ክኸውን ዝኽእል ህዝባዊ ምንቅስቓስ መንኮርኮር ኮይኑ ክጸሮ ንምጽዋዕ፡ `ኣብዚ መድረኽ ‘ዚ እጃም ናይቶም ናይ ለውጢ ሞተር ዝኾኑ መንእሰያት ኤርትራ ወሳኒ እዩ። ሓያል ውልቀሰብ ተዋህሊሉ እዩ ሓያል ምቅስቓስ ዝኸውን። ስለዚ መንእሰያት ኤርትራ ከም ውልቀሰባት ‘ውን ብንቕሓትን ተወፋይነትን ነብሶም ሃኒጾም ነዚ ከቢድ ሃገራዊ ብድሆ ንምግጣም ሓጺናዊ ድሉውነት ብምርኣይ፣ ሕመረት ናይቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ክኾኑ ይግባእ።` ኢሉ።  ስዊዝ_ 6
ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ መዓልቲ ኣውድኣመት፡ ካብ ቤተሰቦምን ኣጋይሾምን ነቲ ናይ ዝኽርን መኣዲ ሃገራዊ ዘተን  ኣቐዲሞም ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ስዊዘርላንድ ኣብቲ ሰሚናር ዝተረኽቡ ግዱሳት ኤርትራውያን ርሑስ ኣውድኣመት ብምምናይ ኣመስጊኑ።

ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ሰሚናር፡ መንእሰይ ስነጥበበኛ ሓይልኣብ ካብ ዙሪክ፡ ነቲ ናይ ዝኽሪ ዕለት ዘንጸባርቕ ንተሳተፍቲ ዝመሰጠ እዋናዊ ዜማ ኣቕሪቡ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • awet September 13, 2015

    ብጣዕሚ ጽቡቅ መደብ ደቂ ህዝቢ

  • meron September 13, 2015

    kbret yhabelna DELEYTI FITIHI Swizerland and Assenna Friends for organizing this opportunity. yekenyelna Amanuel Eyasu for your dedication and your brilliant and matured, far-sighted approach to our collective problem.

  • Stefanos Temolso September 13, 2015

    ክቡር ሓው ኣማኒኤል እያሱ ናይ ብሓቂ ምስጋና ዝግብኦ ጋዜጠኛን ተቓላስን’ዩ። ዝኾነ ሰብ ስለ ህዝቡ ምቅላስ ግቡእ ስለ ዘለዎ ሰብ ግቡኡ ፈጺሙ ኢልካ ምምስጋን ብሰንኪ ሰውራ ዘተኣታተዎ ባህሊ ልሙድ ኮይኑ ኣይጸንሐን። ከም ሓቂ ግን እቶም ግቡኦም ዝፍጽሙ ዝያዳ ምስጋና ከም ዘድልዮም ምፍላጥ የድሊ። ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ነፍስወከፍ ዜጋ ግቡኡ እንተ ዝፍጽም ኢሰያስ ኣብ ስልጣን ኣይምሃለወን ነይሩ። ስለዚ፡ ዘረባ ከየንዋሕኩ ንሓው ኣማኒኤል ነቲ ደኺመ ከይበለ ዘካይዶ ዘሎ ዕማም ክቕጽሎ እናተላበኹ ኣጆኻ! ኣብ ጐድንኻ ኣለና ክብሎ እፈቱ። ኣብ ኤውሮጳ ኴንካ ስድራቤት እናኣለኻ ከምዚ ንሱ ዘካይዶ ዘሎ ዕማም ክተካይድ ቀሊል ከም ዘይኮነ ኩላትና ንርድኦ ሃቂ ይመስለኒ። ስለዚ፡ ምስ ስድራቤትካ አRኡስ ሃድሽ ኦኣመት ይግበረልካ እናበልኩ ምስጋናይ እዓጹ።

    • ጸረ ሸፋቱ September 13, 2015

      “ኣማኑኤል ኢያሱ,ኣባል ሸፋቱ ኤርትራ ነበር፣ተመሊሱ ህዝቡ ዝኽሕስ ዘሎ ኣርኣያ ኹላትና”

      ኣማኑኤል ኢያሱ,ከም ኤርትራውያን ነጻነትን መሰልን ስኢንና መሲልዎ, ብዘይፍላጥ ሽፍታ ኾይኑ ኣብ ንህዝቡ ዝጎድእ ግንባር ኮይኑ ናይ ሽፍትነት ሂወቱ ብጊዝያዊ ዓወት 1991 ተዛዚሙ ምስ ኣተወ,ብድሕሪኡ ግን እቲ ዝቃለሰሉ ዝነበረ ማሕበር ሸፋቱ ህግሓኤ (ህግደፍ)ጸረ ህዝቢ ምዃኑ ድሕሪ ምግንዛብ ፣ንህዝቡ ዝኽሕስ ዘሎ ሽፍታ ነበር ሕጂ ግን ናይ ህዝቢ ተቓላሳይ ዝኾነ ኣማኑኤል ኮኾብ ውጹዓት እዩ እሞ ኣነ ድማ ነዚ ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ ዲሞክራሲ ኣጆኻ ይብሎ።

      • ጀጋንው ይዘከርው። September 13, 2015

        ኢሳያስን መሳርህትን ኢዮም ሸፋትው። ፍንቻሃ መሰናግልና ከም ሽፍትው ኣይንሪን ብሃኪይ ዝተበደልው ኢንበር ብካ ከማካ ካናዳ ከይዶም ሂወቶምን ስድሮምን ከማን ምኮንው።

  • berie haqi September 13, 2015

    ዝብእስ ኣብዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ከም ሕፉር ኣጐዛ ኣንጽፉለይ እንተበለ ኣየገርምን : መኽንያቱ እቲ ሓቂ ጸጸኒሑ ስለዝግለጽ : እምበር ኣማኑኤል ናይ ኣብኡ ኩርኩር ኢሰፋ ዝነበረ ንህዝቢ ኤርትራ ምስ ደርግ ኮይኑ ዘጽንት ዝነበረ : ሕነ ንምፍዳይ ከም ዕላማ ተተሓሂዝዎ : ዳግም ብስም ህዝቢ ተቃስ.ኦ ዝደርስ ዘሎ ዕሉልል ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ተገሊጹን ንገልጽ ኣለና : ለመጸ ኢልካ ኣብ ገበል ምውጣሕ ከነስተውዕለሉ ኣሎና : ካብ ብርዒ ሓቂ

    • ጀጋንው ይዘከርው። September 13, 2015

      berie haqi and others,
      ዋይ ድህሪይ ኮምቡተር ኮንካ ፈቸች ባ ግርም።

  • mehari gebre September 13, 2015

    በሪ ሐቂ ደንቆሮ ኢኻ ምክንያቱ አብ ዘይትፈልጦ ጠብሎቅሎቅ ስለትብል ፣ አማኑኤል ጅግና ሃገራዊ ጉብኡ ዝገበረን ዝገብር ዘሎ በሊሕ ተቃላሳይ እዩ።እንተ ንስኻን ከማካን ግን መናፍሕ ናይ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ መንድዓት ኮንኩም ተድሚይዎ ዘለኩም ግዜኩም ጥራይ ተፀበዩ ።

  • Hadera Hadera September 13, 2015

    Why are you thanking Amanuel? He has done absolutely nothing only talks, meetings and seminars have NOT and will NOT bring any changes in Eritrea. The only solution is to fight Higdefs head on with force and military force that Esayas and his gangs understand and fear especially if we are all united and get Ethiopian help to eliminate Higdefs. Please no more waste of time meetings, seminars and cheap empty talks in the future.

    • HADNET September 16, 2015

      hadera, doesn’t you have brothers, sisters or even friends in Eritrea, are you willing to fight with them.War can’t be a solution, but being together and be as one is the solution in which our country can be free from this dictator government.

  • bazit_2 September 13, 2015

    ክንዳኻ ዘይ ኣኽላስ ብኣኻ ይውዕላ ዝብልኹም ከምዚ ናይ
    ብዓል berie haqi ኢሉ ንነብሱ ንነብሳ ጽሒፋ ወይ ጽሒፉ ዘሎ ኢዩ። ንኣማኒኤል ኢያሱ ዘይስሙን ግብሩን ክልጥፎ ምፍታኑ ኢዩ።
    ንኣንበብቲ እምበር ንኣማኒኤል እኳ መስሓቒኡ ኢዩ ዘረባ ናይናይዚኦም።
    ንእግረ መገደይ ኣማኒኤል ክብረት ይሃብካ ገዳይም መማህራንን መሪሕነትን ከማኻ ጋዝጠኛታትን ኣለኹልኩም ምባልካን ኣለናልኩም ነብሎምን ኢልካ ንዘካየድካዮ ኣኼባ እንዳመስገንኩ ኣጆኻ ኣብ ጎድንኻ ኣለና ይብለካ።

  • AHMED SALEH !!!. September 13, 2015

    Ignore the arrogants. They don’t know better than being nuisance
    to others . If we noticed in this forum , most of them come
    in disguise to create confusion . Such practice show weak side
    of losers who like to divert the topic in discussion .

  • ድሓን ኪዲ ኤርትራ September 14, 2015

    እዛ ምጭውቲ ሃገር ንቑልቁላ እያ ትመስል ።ሰሚናራት ይኹን ውግእ ዘድሕና ኣይመስለንን።ግን ፈቲንና ክንብል ንኽእል።ዋጋ ሳላሳ ዓመት ግን ከሲርና ።ግን እንተዘይንቃለስ ኔርና ድማ ኣይምፈለጥናዮን ኔርና።ኩላትና ደገ ስለ ዘለና እየ ተረፍ ሓዘነይን ፣ሓቀኛ ገምጋም ስለ ዝኾነን እየ እምበር እቶም ዝተሰዉኡልና ንሕና ኣይተኸተልናዮምን።ከም ኣማኑኤል ዝ ኣመሰሉ 100% ሓይሎም ክህብዎ ከለዉ እቶም በዚሓ ግን እንዳ ሻሂ ኮፍ ኢልና ንቃወም ጥራይ ኢና።ኣሕዋተይ ተስፋ ከቑርጽ ኢለ ኣይኮንኩን።ግን ከይዘራእካ ዝዕጸድ ኣብ ኣሜሪካ ጥራይ እዩ (welfare & Food stamps)

  • Yosief October 6, 2015

    ሰላምታ ድሕሪ ምቅዳም። ምጀመርታ ንሓውና ኣማኑአል እያሱ ከምስግን ይፈቱ ካብ ሓገረ ዓድእንግሊዝ ናይ ኣውድኣመት ግዝኡ ስለዘወፈየልና። ብፍላይ ድማ ነቶም እዕሪኽ ኣሰና ፋውንደሽን ነበርቲ ሃገረ ስዊዘርላንድ ነዛ ምዓልቲ ኩዉንዝገበርኩም። እቲ ዝተዋህበና ኣስተምህሮን ዝነበረ ሰፊሕ ዘተን እዝዩ ሃናጽን ሓቂን ዘብረሃልና ብምንባሩ ኣነውን ተሳታፊ ናይዚ መደብ ብምንባረይ ሰፊሕ ዝኾነ ትምህርቲ ቀሲመ። ነዚ ዝቀሰምኪዎ ትምሕርቲ ድማ ብሰፊሕ ኪሰርሓሉን ክቃለሰሉን አየ ምኽንያቲ አቲ መንገዲ ፊትሕን ዓወትን ስለዝኾነ።

POST A COMMENT