Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መስራትን ኣሰናዳእን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ፣ ብምኽንያት መበል 55 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ምስ መንእሰያት ኮቨንትሪ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፣ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብና ሰፊኑ ዘሎ ቀንዲ ዕንቅፋት ሕድሕድ ዘይምትእምማን ብጋህዲ ተዛቲና ክንፈትሖ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

መስራትን ኣሰናዳእን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ፣ ብምኽንያት መበል 55 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ትማሊ ቀዳም 3 መስከረም ምስ መንእሰያት ኮቨንትሪ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፣ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ንኹልና ኤርትራውያን ብቕሉዕ ዝረኣየና እዋናዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው፣ ውልቀመላኽነትን

መስራትን ኣሰናዳእን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ፣ ብምኽንያት መበል 55 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ትማሊ ቀዳም 3 መስከረም ምስ መንእሰያት ኮቨንትሪ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፣ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ንኹልና ኤርትራውያን ብቕሉዕ ዝረኣየና እዋናዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው፣ ውልቀመላኽነትን ሕጊ-ኣልቦነትን ‘ኳ እንተኾነ፣ ነዚ ኩነታት’ዚ ንምቕያር ዘሎ ሓፈሻዊ ድሌት ግብራዊ ከይከውን ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ ጉዳይና ኣብ ምትሕልላኽ ኣሉታዊ ተራ ዘለዎ ዓቢ ሽግር፣ እቲ መምስ ዝቐርበና ብሕሽዅሹኽ እንዛረበሉ፣ ብጋህዲ ተዛቲና ክንፈትሖ ዘይከኣልና ሕድሕድ ዘይምትእምማን ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ እቲ ቅድሚኡ ንዝነበረ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ መበገሲ ብምግባር፣ ብ1961 ጀሚሩ ስለ ናጽነት ዝተኻየደ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ብምምልካት፣ “መሪጽካ ክትንእዶ መሪጽካ ክትእግዶ” ከምዘይከኣል ብኣብነት ኣብሪሁ። እቲ ከም ድምር ውጽኢት ናይቲ ተኸታተሊ ቃልሲ፣ ኤርትራ ኣብ ታሪኻ ንመጀምርያ ግዜ ዝተጓንጸፎቶ ነጻነት ታሪኻዊ ክዉንነነት ምዃኑ ክምዘየማትእ ብምጕላሕ ከኣ፣ ከም መጀመርያ ናይ ሓደ ካልእ ነባሪ ሃገራዊ ጉዕዞ ርኢና ብምዕቃብ፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን ህንጸት እነካይደሉ መድረኽ ክኸውን ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

ናጽነት ኤርትራ ኣብ መንጎ ኩሎም ኤርትራውያን ሕድሕድ ምትእምማን ንምፍጣር ዕድል ዝኸፈተ ምድረኽ ኳ እንተነበረ፣ ምግባት ስልጣንን ዕብለላን ዘቐደሙ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ስልጣን ዝነበሩ መራሕቲ ህግደፍ፣ ነቲ ኣብ ህዝብን ሓፋሽ ተጋዳላይን ዝነበረ ትጽቢትን ኣውንታዊ ኣተሓሳስባን ዘየንጸባርቕ ኣማራጺ ብምውሳዶም ዘይተሓከመ ቁስሊ ከምዝገዲፉ ‘ውን ኣረዲኡ።

Coventry 4ካብቲ ሕሉፍ ታሪኽ ክንመሃረሉ ዝግባእ ጭቡጥ ተመክሮ፣ ውድባት ከም መሳርሒ ዕላማ ናጽነት ተራእየን፣ ናይ ድሕረ-ናጽነት ኩሉንትናዊ ጉዕዞ-ህንጸት ኣብ ክንዲ ውድባዊ ሃገራዊ ክኸውን፣ ንኹሉ ኤርትራዊ ክሓቍፍ ከምዝነበሮ ብምዝኽኻር ድማ፣ “ እቲ ናጽነት ሒዙ ዝኣተወ ፖለቲካዊ ሓለፋ ክምነ ብዓቢኡ ድማ ካብ ህዝቢ ስልጣን ክምንዝዕ ምርኣይ ምስ መንፈስ ህዝባውነት ናይቲ ቃልሲ ዝጋራጮ ስሱዕ ውሳነ ኢዩ ነይሩ፣” ኢሉ።

እዚ ኣብዚ እዋን ‘ዚ ዓዘቕቲ ኮይኑና ዘሎ ዘይምትእምማን ግን፣ ከከም ጽንኩርነት ኩነታት ክብ ለጠቕ ደኣ ክብል ጸኒሑ እምበር፣ ድሕሪ ናጽነት ዝጀመረ ከምዘይኮነ ብምእማት፣ ከም መራኸቢ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ወይ ሃይማኖታት ክርስትናን ምስልምናን መጠን፣ እቲ ክልተ እምነታት ዘለዎ ህዝብና ምስናይቲ ዝፈራርቖ ዞባዊ ጽልዋታት ብዝሓደሮ ናይ ዕብለላ ስግኣት፣ ተኣማሚኑ ሓደ ስጡም ሃገራዊ መንነት ክሃንጽ ከምዘይከኣለ ኣገንዚቡ። ዋላ ‘ኳ ዓው ኢልካ ብዛዕብኡ ብወግዒ ምዝታይ እንተዘይለመድናዮ፣ እዚ ማንታዊ ኣተሓሳስባ ኤርትራዊ ሃገራውነት ብዘበናዊ መልክዑ ክቀላቐል ካብ ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ጎኒ ጎኒ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ክጓዓዝ ዝጸንሐ ዝንባለ ምዃኑ ድማ ኣረዲኡ።

Coventry 3ነዚ እዋናዊ ፖለቲካዊ ቅውላው ክንቅይር ኮነ ነባሪ ጉዕዞና ከም ሃገር ክጥጥሕ እምብኣር፣ ኣብዛ ኤርትራ እትብሃል ፖለቲካዊት ካርታ እንነብር ህዝቢ ካብዚ ኣብ ሃይማኖታዊ ፍልልያትና ተመርኵሱ ንሰሜንን ደቡብን ክመንዓና ዝከራኸር ዘሎ ዞባዊ ጽልዋ ሓራ ኴንና፣ ነዚ ብቕልውላው መንነት ክግለጽ ዝከኣል ማንታ ኣተሓሳስባ ዝትክእ፣ ካብ ሃይማኖት ነጻ ዝኾነ፣ ኣብ ግዝኣተ-ሕጊ ዝተመስረተ፣ ብዙሕነትን ማዕርነት ዜጋታት ዝሕሉ፣ ካብ ምጥርጣር ናብ ሕድሕድ ምትእምማን ዘሰጋግር ሓባራዊ ሃገራዊ ራእይ ከነማዕብል ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

መንእሰያት ኮቨንትሪ ብወገኖም፣ ኣብቲ ዘተ ዕቱብ ተገዳስነት ብምርኣይ፣ ሕድሕድ ምትእምማን ምምዕባል ኣብ ገስጋስ ጉዕዞ ቃልስን  ቀጻሊ ህንጸት ሃገርን ዘለዎ ኣድላይነት ዓቢ ምዃኑ ብምርግጋጽ፣ ነቲ ዘተ ዘሀብትም ሃናጺ ሕቶታትን ርእይቶታትን ኣቕሪቦም።  ብሓባር ተወዲብካ ምንቅስቓስ ቀዳምነት ሂቦም ይሰርሑሉ ምህላዎም ብምምልካት ድማ ኣብታ ከተማ ዘለዉ ኤርትራውያን እንታይ ገደሰኒ ምባል ገዲፎም ስለ ድሕነት ህዝብን ሃገርን እጃሞም ንምብርካት ኣብ መኣዲ ቃልሲ ብንጥፈት ክሳተፉ ጸዊዖም።

 

ክቡራት ኣንበብቲ ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ዘተ ኣብ ናይ ጽባሕ ሰኑይ 5 መስከረም መደብ ራድዮ ኣሰና ክቐርብ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde September 4, 2016

    A giant step in the right direction,’meritska kitniedo,meritska kitwgdo’,it speaks volumes,only a gifted orator can condense his thoughts in simple but provocative way like the one in quotations. Amanuel, you have that power,’AND WITH POWER COMES GREAT RESPONSIBILITY’ continue using that gift to inspire,unite,enlighten,educate,reach as far as you can and navigate the mind of the Eritrean which is deemed arid and barren.Let there be light..

  • rezen September 5, 2016

    Reading about “Eritrea” day-in, day-out; months after months; years after years; seeing multitude of political and social parties, getting closer to one hundred; and seeing no faint light at the end of the classical tunnel, one is tempted to ask the following questions:
    What is it that Eritrea wants?
    What is the core value of life that Eritrea aspires to?
    When was the last time that Eritrea enjoyed its core value of Life?
    When was the last time that Eritrea was derailed from its core value of Life?
    What was, by the way, the original name of Eritrea?
    When was the effort made to restore its original name? If none, what was the restraining historical facts in doing so?
    What was the core obligatory reason for the sacrifice of some 300,000 gallant, faithful Eritreans (of all ages) during an elongated period of a century and quarter?
    Finally, the following question may be asked with purity of innocence: What would be the core HISTORY of Eritrea that future generations of Eritrean children would be taught (proudly) at their schools, by their indigenous teachers, from elementary schools to the highest advanced Universities?
    Thank You, Readers >>> Please, no insults — I beg you! After all, we ALL believe in freedom of expression. Don’t we?
    THE END

    • k.tewolde September 5, 2016

      rezen,most of your questions were answered already in thousands of articles and editorials in different mediums including Assenna. However ,the last question warrants an answer,it depends on how we cohesively and with determination challenge and discard HGDEF and its tenets completely and establish a free and democratic society.The rest will fall into place beautifully like the helix of a molecule A-T/G-C forming the authentic Eritrean DNA.

POST A COMMENT