Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መሳጢ መግለጺ ህግደፍ: ብመዓር ዝተለበጠ መርዚ

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጎ ስርዓት ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ዝምድና፡ ካብ ዝኾነ ወቅቲ ንላዕሊ ዝሓርፈፈን ከብድን ሕቆን ኮይኑ ዝነብር ዘሎን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ግን ብህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ተኻዒቡን ተፈንፊኑን ከምዘሎ እናፈለጠ፡ “ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ግዳማዊ

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጎ ስርዓት ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ዝምድና፡ ካብ ዝኾነ ወቅቲ ንላዕሊ ዝሓርፈፈን ከብድን ሕቆን ኮይኑ ዝነብር ዘሎን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ግን ብህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ተኻዒቡን ተፈንፊኑን ከምዘሎ እናፈለጠ፡ “ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ግዳማዊ ተጻብኦታት መኪቶምን መስመሮም ከይስሓቱን ሃገር ንምህናጽን ሰላምን ምርግጋእን ዞባን ንምርግጋጽን ቀዳምነታት ብምሃብ ኣበርቲዖም ይሰርሑ ኣለዉ” ዝብል ብመዓር ዝተላዕጠጠ መርዚ ኣብ ምንዛሕን ዘቁጸልጽል ቃላት ኣብ ምጥቃምን ኣዝዩ ክኢላ’ዩ። እንተኾነ እቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍዝሞ ዘሎ እከይ ተግባራትን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ተጻባኢ ዝምድናን፡ ነቲ ብኣፍ ጥራይ ዝልፍለፍ ውርዙይነት፡ ህግደፍ ወካሊ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይኮነን ዘራጊ ሰላም ዞባና ምዃኑን ንምግንዛብ ኣጸጋሚ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ’ውን ንህግደፍ ረድዩ ከም መንግስቲ ኣይፈልጦን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ብህዝቢ ኤርትራ ስለዘይተመርጸ፡ ንቃንዛን ትርግታን ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ዝርዳእን ዝቁርቆርን ኣይኮነን። ንምንታይ እንተተባህለ፡ ብዙሕ መርትዖታት ክቀርብ ይኽእል’ዩ።

  • መንበሪ ኣባይቲን ንግዳዊ ትካላትን ህዝቢ ብምዕናው፡ መዓንጣ ዘይቆጸሩ ህጻናት፡ ነብሰ-ጾራት፡ ኣረጋውያንን ኣካለ ጎደሎን ብዘይ መተካእታን ኣማራጺታትን ኣብ ጥራይ ጎልጎል ተደርብዮም፡ ግዳም ሓደር፡ ሽቅለተ ኣልቦነትን ኣደዳ ጥሜትን ኮይኖም ዘለዉ ዜጋታት ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ’ዮም።
  • ህግደፍ ሓልዮት ህዝቢ እንተዝህልዎ ብጉልባብ ገደብ ዘይብሉን ዘይምኽኑይን መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ መንእሰያት ካብ መኣዲ ትምህርቶም ኣመዛቢሉ፡ ካብ ስድራቤቶም ሓዳሮምን በታቲኑ፡ ኣብ ህሮሩማን ኣስሓይታን ንሕማምን ጭንቀትን ክቃልዑን ንመኻዕበቲ ጁባ ውሑዳት ብዘይ ክፍሊት ክግብሩ ኣይምተቀሰቡን።
  • ንፍትሕን ድሕነትን ህዝቢ ኤርትራ ኣፍኩም ከፊትኩምን ጽሒፍኩምን ተባሂሎም ዝተረሸኑ፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብዘይ ፍርድን ሰብኣዊ መሰልን ንዓመታት ኣብ ምስጢራዊ ቦታታት ተኣሲሮም ዝቅጥቀጡን ብሕሱም ኣተሓሕዛ ብሕማምን ጭንቀትን ካብ ምውታት ንላዕሊ ዝነብሩ ዘለዉ ኣሽሓት ዜጋታት ደመኛ ጸላኢ ኣይምኾነን። መቅዘፍቲ ውጉኣት ሓርነት ኣብ ጽባሕ ናጽነት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብጸሓይ ቀትሪ ዝተፈጸመ ቅንጸላን’ውን ንሓቀኛ መንነት ህግደፍ ዘቃልዕ ኣብነት’ዩ።
  • ህግደፍ ንነብሱ ከም መንግስቲ ዝቆጽራ እንተኾይኑ፡ ነቶም ብሕሱም ኣተሓሕዛ ህግደፍ ብጥሜትን ተስፋ ምቁራጽን ናብ ስደት ከምርሑ ዝተገደዱን ኣብ ጉዕዞኦም ኣብ ባሕርን ምድረበዳን ሞት፡ ማእሰርቲ፡ መጭወይቲ፡ጥሜት ዘጋጥሞም ዘሎ ኤርትራውያን ክሕለቀሎም ምተገብአ። ንኣብነት ኣማኢት ኤርትራውያን ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ኣብ ደሴት ላምባዱሳ ምስሃለቁ ዓለም ምሉእ ሓዘኑን ስንባዲኡን ክገልጽ እንከሎ ስርዓት ህግደፍ ግን ጥርቅም ምባሉ፡ “ሕራይ ኮኑ” ኢሉ ከምዝተሓጎሰ’ዩ ዝትርጎም። ካብ ኩሉ ዘሕዝን ግን ኣብቲ ንረብሕኡ ዝኣጎዶ ኩናት፡ ኣብ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዘለዉ ኤርትራውያን ምሩዃት ኩናት’ውን ኣይተጣበቀን።
  • ህግደፍ ፍትሒ፡ ልዕልና ሕግን ስልጣን ህዝብን ዝግንዘብ እንተኾይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝውክሎ መንግስቲ ክመርጽ፡ ኣብ ጉዳያት ሃገሩ ቀንዲ ተዋሳኢ ክኸውን፡ ዝመሓደረሉ ቅዋም ክነድፍ፡ ናይ ምዝራብን እምነትን መሰል ክሕሉ ነይርዎ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክቅጥቀጥ፡ ክእሰር፡ ክመውት፡ ንብረቱ ክዝረፍ፡ ደቁ ክምንጠል ብሓለንጊ ጥሜት ክግረፍ፡ ብሕማም ክማስን፡ ጥራይ’ዩ መሰልን ዕድልን ዘለዎ። ህግደፍ፡ ነቲ ብሓሶት ናተይ ዝብሎ ህዝቢ ኤርትራ ከም ጅሆ ብምሓዝ ዓፊኑዎን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቱ ግሂስዎን እንከሎ፡ “ሃገር ይሃንጽን ሰላም ዞባና የውሕስ ኣለኹን” እንተበለ ምትላል፡ ሸፈጥን ገመል ፈጊርካ ብጉምብሕጉምብሕ ምህዳምን’ዩ።

                        ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (1 ሰነ, 2016)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT