Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መርሃዊተይ!

መርሃዊተይ!   "ካብ ኣፍ ገደል ንፋስ፡ ካብ ኣፍ ሰብ ትንፋስ ኣየቋርጽን'ዩ!" ከም ዚብሃል፡ ካብ ጃንዳ ህግደፍውን ጓይላን ዳንኬራን ኣየቋርጽን'ዩ። በዚ መሰረት ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ጉጅለ ጓይላ ብስም ጉባአ ሃማደኤ፡ ንወ/ሮ ለተጽዮን ብወ/ሮ ኣመተጽዮን ንምትካእ ኢሉ፡ ጓይላ

መርሃዊተይ!
 
ካብ ኣፍ ገደል ንፋስ፡ ካብ ኣፍ ሰብ ትንፋስ ኣየቋርጽን’ዩ!” ከም ዚብሃል፡ ካብ ጃንዳ ህግደፍውን ጓይላን ዳንኬራን ኣየቋርጽን’ዩ። በዚ መሰረት ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ጉጅለ ጓይላ ብስም ጉባአ ሃማደኤ፡ ንወ/ሮ ለተጽዮን ብወ/ሮ ኣመተጽዮን ንምትካእ ኢሉ፡ ጓይላ ክገብር ከም ዝቐነየ ብመራኸቢ ብዙሃን ህግደፍ ተዓዚብኩም ትኾኑ። ጉጅለ ምልኪ ንኣና ንኤርትራውያን ዘይኮነ ንዓለም ንምትላል ኢሉ፡ ካሜራ ዓይና ናብ ዘቕናዓትሉ ኣጋጣሚ ኩሉ፡ ከም ሪያ (ባንዴራ) ኣብ ቅድሚት ኮፍ ከብለን ዝመርጽ፡ ውሑዳት ብተግባር ጥራይ ዘይኮነስ ዋላውን ብምስሊ ንደማሒ (ንመላኺ) ዝመስላ፡ ዋላ ሓንቲ መዓልቲውን ትኹን ክዳን ኣደታተን ምልባስን ጸጒሪ ርእሰን ምቑናንን እምብዛ ዘሕፍረን ሰብ ግትር ስረ፡ ሚኒስተራትን ኣመሓደርትን ህግደፍ፡ ብተምሳሌት ማዕርነት ደቂ ኣነስትዮ፡ ከም ኣቕሓ ኣብ ከብሒ ስልጣን ብምቕማጥ፡ ጉጅለ ምልኪ መናውሒ ስልጣኑ ይጥቀመለን ከም ዘሎ ንቐባሪ ምርዳእ ስለ ዚኾነ፡ ብዛዕባ’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ምንጋር ዘድልዮ ኣይመስለንን።
 
እቲ ሕጂ ክዛረበሉ ደልየ ዘለኹ ዛዕባ ግን እዚ ብቐጻሊ ኣብ ኣደታትናን ኣሓትናን ዝወርድ ዘሎ ዘሐዝን ፍጻመ’ዩ። ሓንቲ መርሃዊት ዝተባህለት ኣዝያ ተባዕን ለዋህን ዝኾነት ሓብትና፡ ብዕለት 9/9/2014 ብራድዮ መድረኽ ኣቢላ፡ ካብ ሃገራ ጀሚሩ ኣብ ኩሉ ዝኣተወቶ ሃገራት ዘጋጠማ ኣሰቃቒ ሕሰምን መከራን ኣዘንትያ ኣላ። እዛ ሓብትና ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ እተን ብስም ሃማደኤ፡ ጉጅለ ምልኪ ዝሽቅጠለን ዘሎ ውጹዓት ደቂ ኣነስትዮ ኤርትራ ትነብር ዝነበረት’ሞ ካብ መከራ ሃዲማ ናብ መዓት ዝኣተወት፡ ኣብ መበል 16 ዓመት ዕድመኣ ብዘይድሌታ፡ ካብ ዘመተ ሳዋ ንምድሓን ተባሂሉ፡ ብስድራኣ ተገዲዳ ብርካ ዝሰበረት (ዝተመርዓወት) ኤርትራዊት ጐርዞ ዘዘንተወቶ ዘስካሕክሕ ፍጻመ’ዩ።
 
እወ፡ እታ ግዳይ ምልክን መሳርሕቱ፡ ራሻይዳን በደዊንን ዝኾነት ሓብትና፡ ከምዚ ዚስዕብ ክትብል’ያ ዕላላ ጀሚራ፥ ‘ካብ ኤርትራ ዝወጻኹሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኩሉ ነገር ሸጊሩኒ፡ ሓብተይ ሰይቲ ስውእ፡ ኣደ ሰለስተ ቈልዑ! ሓወይ የማናይ ኢዱ ኣብ ሳልሳይ ወራር ዝተቘርጸ፡ ኣካለ ስንኩል! እቶም ዝተረፉ ኣሕዋተይ ድማ ኩላቶም ኣብ ኣገልግሎት ኣብ በረኻ ብምህላዎም፡ ኣደይ ከኣ በቶም ቅድሚ ናጽነት ኣብ ገድሊ ዝተሰውኡ ኣሕዋታ ጉህያ ክትነብዕ ኣዒንታ ጨምቲሉ፡ ጽቡቕ ስለ ዘይትርኢ፡ ዕንጨይቲ ክትኣሪ ኢላ ናብ በረኻ ምስ ከደት ጨንፈር ሃሪሙዋ፡ ሓንቲ ዓይና ሓቢጣ ስለ ዝቖሰለት፡ብመጥባሕቲ ኣልጊሶሙላ!  ሓንቲ ዓይኒ ጥራይ እትውንን ኣካለ ጎደሎ’ያ!
 
‘ኣቦይውን ከምኡ ናይ እዝኒ ጸገም ኣሎዎ! ጽቡቕ ኣይሰምዕን’ዩ! ኣነ ከኣ ንሳዋ መታን ከይከይድ ኢላ ኣደይ ‘ንዒ ተመርዒኺ ነዞም ዝተሰውኡ ኣሕዋተይ ተክእለይ! ውለድለይ’ ብምባል፡ ብንእሽቶየይ ማለት ኣብ 16 ዓመተይ ስለ ዘመርዓውትኒ! ሓደ ቈልዓ ወሊደ ባዕላ’ያ ተዕብየለይ ዘላ!  መተካእታ ናይ ስውኣት ኣሕዋታ ጌራ’ያ ትሓስቦ!  ኣነ ነቲ ዘሎና ሽግር ንምቅላል ኢለ፡ ገንዘብ ተለቂሐ፡ ኣብ ጎደና ሸቐጥ ጀሚረ ነይረ፡ እንተኾነ  ግን ምንችብዮ እናገፈፉ ምስራሕ ከሊኦሙኒ! ደሓር መሊሶም ነቦይ ወዲ 65 ዓመትውን ናብ መንደፍራ ጸዊዖም፡ ከይዓለሙ ‘እንካ ብረት ዕጠቕ ኢሎሞ። ‘እዞም ደቀይ ኣነስ ኣይተዓለምኩን! ደሓር ከኣ ሕሙም’የ! እዝነይ ኣየስማዓኒን’ዩ! ከመይ ጌረ ብረት ክዓጥቕ!?’ እንተ በሎም፡ ንሳቶም ግን ‘ግድን ክትዓጥቕ ኣለካ!’ ኢሎም ምስ ገደዱዎ ‘በሉ ከይትትኮሰኒስ ኣብ መሸማዕ ኣእቲኹም ሃቡኒ ኢሉዎም።’ ሕራይ ኢሎም፡ ብመሸማዕ ጠቕሊሎም ሂቦሞ።
 
‘ሽዑ ኣቦይ ነታ ብረት ናብ ገዛና ኣምጺኡ፡ ንቁልቁል ዝኣፋ ኣብ ቆፎ ኣእቱዩዋ ጸኒሑኒ። ኣመና ሰንቢደን ጉህየን! መሊሰ ድማ ‘ዝወለድክንውን ክትከታ ኢኽን’ ዚብል ወረ ምስ ሰማዕኩ፡ በቃ ብድሕሪኡ ሃጽ ኢለ ካብ ሃገረይ ጠፊአ!’ ብምባል፡ ነቲ ካብ ሃገራ ዘሰደዳ ዋና ምኽንያት ብምግላጽ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ስደት ዘጋጠማ መዳርግቲ ኣልቦ ስቓይውን ብሰፊሑ ገሊጻ ኣላ። ንምሉእ ትሕዝቶኡ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና ኣቲኹም ክትከታተሉዎ ትኽእሉ ኢኹም።
 
እታ ኣብ ወርሒ ሓምለ-ነሓሰ 2014 ተሓቲማ ዝወጸት መጺሄት ህዝብን ፖሊስን ኤርትራውን ብኣንጻር’ቲ ህግደፍ፡ ብስም ሃማደኤ፡ ‘መሰልን ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ የኽብር ኣለኹ’ ኢሉ ዝምድረሉ መዝሙር ፈጠራ፡ ኣብ ባይታ፡ ኣብ ግብሪ ግን ካልእ ከም ዘሎ ከይተፈለጣ ሓቂ ደርጒሓ ኣላ። እታ ትማሊ ዝነበብኩዋ ዛንታ፡ ሓንቲ ኣብ መበል 15 ዓመት ዕድመኣ ንሓደ ከምኣ ተማሃራይ ዝተመርዓወት ለትኣብ እትብሃል ጓለንስተይቲ፡ ድሕሪ መርዓኣ፡ ብዓል ቤታ ሰለስተ ቈልዑ ገዲፉላ ናብ ሳዋ ምስ ወረደ፡ ነቲ ብድሕሪኡ ካብ ሓደ ኣብ ምዕጻድ እኽሊ ዝተሓባበራ ዝነበረ ሰብኣይ ኣብ ርእሲ ሓዳራ ጠኒሳ ዝወለደቶ ራባዓይ ቈልዓ ንምጥፋእ፡ ናብ መንፈራ ከይዳ፡ ኣብ ኣፍደገ ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ኣረጋዊ ደርብያቶ ከም ዝተሰወረት’ያ ተዘንቱ።
 
እታ ካለአይቲ ኣብ መጺሄት ህዝብን ፖሊስን ሰፊራ ዝነበረት ጽሕፍቲውን ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ብዛዕባ ሓንቲ ስርዓት መላኺ ንዓመታት ብዓል ቤታ ናብ ዓሰብ ወሲዱ ዝጨወየላ ኣደ ኣርባዕተ ቈልዑ ዝኾነት፡ ለምለም ዝተባህለት ግዳይ ህግደፍ ሓብትና፡ ዘጋጠማ ሽግር’ያ ተዘንቱ። መጺሄት ህግደፍ ትብል፥ ‘ለምለም ነቲ ብድሕሪ ሰብኣያ ብዓመጽ ጠኒሳ ዝወለደቶ ህጻን፡ ንብዓል ቤታ ‘ናትካ’ዩ!’ ብምባል ከተታልሎ’ኳ ሓሲባ እንተነብረት ስለ ዘይቀንዓ ግን ነቲ ኣቦኡ መን ሙዃኑ ዘይትፈልጦ ናጽላ፡ ባዕላ ብምቕታላ፡ ህግደፍ ካብ ደቃን ብዓል ቤታን ፈልዩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጒኑዋ ከም ዘሎ፡’ መጺሄት ህዝብን ፖሊስን ሕጂዶ ይሓይሽ ብዝዓይነቱ ኣጋባብ ጽሑፋ ዛዚማ ኣላ።
 
ናይ ሰለስቲአን ኣሕዋትና ጸገም ሓደ’ዩ። ናይ ብምሉአን ኤርትራውያን ኣደታትናን ኣሓትናን ጸገምውን ከምኡ ሓደን ሓደን’ዩ። “እንተዘይትደፍኣኒ መን መጽደፈኒ!” ስለ ዚኾነ፡ እቲ ጠንቂ ጸገም መን ሙዃኑ ኣይጠፍኣኩምን’ዩ። ኣብዚ ከነስተብህለሉ ዘለና ዓቢ ጉዳይ እንተሎ ስድራ ክልቲአን ግዳያት፡ ደቆም ካብዛ ንዘዝተወለደ ኤርትራዊ ትውሕጥ ዘላ ዘይትመልእ መዓሙቕ ሳዋ ንምድሓን ኢሎም ኣብ ንኡስ ዕድመአን መጻምደን ከይሓረዩ ከም ዘምሰሉወን’ዩ። ሰብኡተን ከኣ ጉጅለ ምልኪ ስለ ዝመንጠሉወን እዘን ዕሸላት ኣሓትና፡ እቲ ተገዲደን ዝኣተውኦ ሓዳር ንበይነን ክምክትኦ ዋላ እንተ ፈትና፡ ንኣኣተውን ልኡዃት ምልኪ ምስራሕ ስለ ዝኸልኡወን ዝበልዐኦን ዝሰትዮኦን ስኢነን፡ ከይፈተዋ ገሊአን ናብ ስደት ገሊአን ድማ ውላደን ክድርብያ ከም ዝተገደዳ ርኢና። እተን ብስም’ዘን መሳኪን ግዳያት ኣሕዋትና፡ ኣብ ኣስመራ፡ መላኺ ኣብ ዝሃበን ቪላ ብናጻ እናተቐመጣ፡ ጥዑም እናበልዓን እናሰተያን ንምልኪ ዘገልግላ ዘለዋ ሓለፍቲ ሃማደኤ ህግደፍ ደኣ’ሞ ንመን’የን ዝውክላ!? እዚውን መልሱ ንጹር ስለ ዚኾነ ምድጋሙ ዘድሊ ኣይመስለንን።
 
ሎምቅነ ግን ካብ ከባቢ ኣስመራ ሓደ ንብዙሓት ጠለምቲ ሕድሪ ኣብነት ኪኸውን ዚኽእል ወረ ይስማዕ ኣሎ። እዚ ካብ ኤርትራ ብወረ ዝስማዕ ዘሎ ሓቂ እንተ ኮይኑ ከኣ ሓንቲ ካብዘን ብሽፋን ማዕርነት ደቂ ኣነስትዮ ንመላኺ ዘገልግላ ዘለዋ ደቂ ኣነስትዮ ህግደፍ ዝኾነት፡ ወ/ሮ ሳልማ ሓሰን ንስርዓት ምልኪ ስለ ዝተቓወመት፡ ደማሒ ኣደኪስኪሉዋ ከም ዘሎ ይዋዛዕ (ይውረ) ኣሎ። ሓቂ እንተ ኮይኑ ከኣ እቲ ብዝወሓደ ኣብዚ እዋን’ዚ ክትወስዶ ዝግብኣ ስጉምቲ ወሲዳ ስለ ዘላ ክትምጐስ ይግብኣ። ዋላ ደኣ ትደንጒ’ምበር ወ/ሮ ሳልማ ሓሰን ምስ ህዝባ ብምውጋና ክትምስገን ይግብኣ እዩ’ወ። እተን ገና ነዚ ስጉምቲ’ዚ ካብ ምውሳድ ኣመና ደንጒየን ዘለዋ፡ ማለት ካብ ምስ ምልኪ ምስ ህዝቢ ንኽውግና እዋኑ ዝጠልበን ዘሎ ዝተረፋ ደቂ ኣነስትዮውን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣሰር ወ/ሮ ሳልማ ሓሰን ስዒበን፡ ነቲ ካብ ሓደ ሓዘን ናብቲ ካልእ ሓዘን ዝላካዕ ዘሎ ህዝበን ብምድባስ፡ ነቶም ኣብ በረኻ፡ ኣብ ፈቐዶ ስንጭሮታት ተሪፎም ዘለዉ ንቡር ቀብሪ ዘይረከቡ ኣእላፍ ሰማእታት ኤርትራ፡ ሕድሮም ብምፍጻም ከቕስነኦም እትስፎ።
 
ኣብ መወዳእታ ንእሰናዳእን ተሓጋገዝቱን መጺሄት ፖሊስን ህዝብን፡ ሓንቲ ሕቶ ክሓቶም ምደለኹ።እዚ ኣብ መጺሄትኩም ሰፊሩ ዘሎ ‘ገበናት’ ዝበልኩሞ ናይ ዓቕሊ ጽበት ስጉምትስ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዝመጸ ሙዃኑ ብሓቂ ዲኹም ዘይትፈልጡ!? ኣይመስለንን! ምንም’ኳ ሰብ ካብ ሰብ ምፍልላይ፡ ሎሚ ኣብ ዘበነ ህግደፍ ዝተጀመረ እንተዘይኮነ፡ ከምዚ ሎሚ ብግዴታን ብኣልማማን ሰብኣይ ካብ ሰበይቱ፡ ወላዲ ካብ ውሉዱ ንዘይተወሰነ ግዜ ዝፈላሊ ስርዓት ግን ኣብዛ ኤርትራና ኣጋጢሙ ከምዘይፈልጥ ኣዳዕዲዕኩም ትፈልጡ ኢኹም። ዘይፈለጥካ ኴንካ ምቕራብ ስለ ዝመረጽኩም ግን እወ ከምቲ “እናሰምዐ ዝሞተ እናሰምዐ ቅበሮ!” ዚብሃል፡ ንኣኻትኩምውን ህዝቢ ጽባሕ ንግሆ እናሰማዕኩም ክቐብረኩም ከም ዝኽእል ከተስተውዑሉ ከም ዝግባእ ከዘኻኽረኩም እፈቱ። እምበኣርከስ ክቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ፡ ኣብ መወዳእታ ነዛ ተባዕ ንብዙሓት ኣሕዋታን ኣሓታን መምሃሪ ንኪኸውን ምእንቲ፡ ታሪኽ ስቅያታ ብዝርዝር ዝገለጸት ክብርቲ ሓብትና መርሃዊት እትምጉስ ናዕታ ጋቢዘ ክሳናበተኩም ፍቐዱለይ?
  
 
መርሃዊተይ!
 
እዛ መርሃዊተይ ኣብ ንኡስ ዕድመኣ
ሓላፍነት ስድራ ጸይራ ኣብ እንግድዓኣ
ዓይነን ምስ ዓወራ እተን ኣደኣ
እዝኖም ምስ ጸመሙ እቶም ኣቦኣ
ናብ ግዳም ዝወጸት ክትኣሊ ስድራኣ
እንተ ሰሚዕኩሞ ዘሐዝን ዛንታኣ
መለክዒ የብሉን ሽግር መከራኣ!
 
መግለጺ የብሉን’ወ ናይ ህዝብና ነገር
ንሳ ተባዕ ኮይና ኣፋ ከፊታ’ምበር
ኣሎ ብዙሕ ሕቡእ ከም መዓር ዝብርበር!
 
እዛ ዓዲ ዓዋተ *ፋርስ ሓሪሙዋ                     *ጅግና
እንሆ የባድማ ዘየናሕሲ *ባልዋ!                      *ኣርሓ መፍለስ
 
እዛ ዓዲ ወልድኣብ’ወ ውፉይ ብምስኣና
እንሀት ትነብር ጸላም ተኸዲና!
 
እዛ ጎርዞ ኣባ ጥመር ጥልያን ዘይደፈራ
መፍቶ ዓረብ ኮይና ኣብ በረኻ ሳህራ!
 
ኣንታ ጎይታ ናቕፋ ጅግና በርሀ ጻዕዳ
ሓብትኻ ኣጥፊኦማ ሰጒጎም ካብ ዓዳ
ነዛ ሒለል’ወ *ወሽፍ ናይ ጎሚዳ         *ዓቕመ ሄዋን ክትበጽሕ ዝቐረበት ጓል
ክብራ ደፊሮሞ በደዊን ራሻይዳ!
 
ኣያ ብምስኣና ጸገማ ዚሰምዕ
ናብ ግዳም ምስ ወጸት ሰሪሓ ክትበልዕ
ራሻይዳ ዚብሉዎ ናይ ህግደፍ ዝራብዕ
ኣሕዋትና ዓሚጹ ዝርንዛሕ ዘንብዕ
እንሆ ኣብ ዶባትና ዜጋታትና ይዘርዕ!
 
ኣብዚ ሎሚ እዋን ጅግና እንተትነብር
ክብሪ ዜጋታትና ብዓመጽ ንዝደፍር
ኣንበሳ ናይ ናቕፋ ኣእጋሩ ኪትሰብር
ስጋ ስውእ ኢልካ ለይቲ’ኳ ኣይትሓድር!
 
ተሪፍካ እንዲኻ’ሞ ኣብ ኣኻውሕ ናቕፋ
ምእንቲ ናጽነት ህይወትካ ሓሊፋ
እዞም ጠለምቲ ሕድሪ ተግባሮም *ምንተፋ        *ምምንዛዕ
ምስ ኣሸገሩወን ብዓመጽ ብግፋ
ኣሕዋትካ ጠፊአን ምስ ሰኣና ተስፋ!
 
ኣብ ገዛእ መሬተን’ወ ምልኪ ምስ ሃደነን
ኣያ ጠፊእካየን መዕቖቢ ስኢነን
ካብ ቤተን ነፊጸን  መሳኪን ሃዲመን
ብጓሶት በደዊን መጻወቲ ኮይነን
ማህጸነን ተሃስዩ ኣሕዋትካ መኺነን
ይሳቐያ ኣለዋ ይነብዓ ደኒነን!
 
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!          
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 28-09-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Yemane September 29, 2014

    Aye Ertrawian si ab Tarik ewin entekone tekawimon zebeli tsbuh yelbon
    Zberee tsehayna znegese ngusna zkone hzbi eyu.
    enda motka na chfchafika tetakie entay kebehal eyu ezi bahli ezi.
    Zemetse gezaie bekemu eyu kehizena.
    Eti tsegem ab bahlna eyu kem kurdit atyu zelo betzi dema newelahade nemariro yebilnan tirfo nenebsna.
    Haki kenizareb aynekielin ena.

    Yemane

  • ahmed saleh September 29, 2014

    Yemane
    ” HAKI KINIZAREB AYNIKHLN INA ” . You said it as it is . To make someone else happy we suppress TRUTH .

  • Stefanos Menghesteab October 1, 2014

    ክቡር ሓዉ መሲናስ በ’ቲ ኣንጉዕ ሓንጎልካ ጸሚቑካ መትንታት ደምካ ኣጨኒቕካ እተበርክቶ ዘሎኻ ኣበርክቶ ብትሕዝትኡን ልዙብ ግን ካኣ ተባዕ ኣቓራርቡኡን ኣዚዩ ዝምስገን ኣበርክቶ ቓልሲ ኢዩ።ክቡር ሓዉ ጉቡእካ ትገብር ከምዘለኻ ክትሕበን፡ ዓቅሚ ስለ ዘሎ ካኣ ዝያዳ ከተበርክት ኣጆኻ እናበልኹ ከተባብዓካ ካብ ዉሽጢ ሕልናይ ይድርኸኒ ።
    ብዛዕባ መርሃዊትን ወጽዓ ደቂኣልስትዮናን ጽቡቕ ገርካ ኣብ እዝኒ ሰማዕቲ ኣቕሪብካዮ ንፉዕ።
    እንተ ብዛዕባ እቶም ሕንኽ ከይበሉ ኣብ ርእሺ ረሳታት ግዳያት ኣሕዋቶም ክስዕስዑ ዝዋደዱ ዘለዉ ግን ዘስደምም’ዩ ። ክሳብ ክንድዚ ምስህዝብኻ እንኪሔራ ምስራሕስ ምስምንታይ ይቑጸር ፧ ኣስደሚሙና’ሎ።
    እስጢፋኖሰ መንግስትኣብ ‘

  • ERITRAWIT October 1, 2014

    Mesinas,
    I prefer not to listen the pain. it is amazing to see to different people in Eritrea.
    Geleya b sgab tewetera gele ka drar elet sena!!!!!!!
    Lewebaka ab botew alo.
    Yekenelna.
    we proud of you keep it up!!!!!!!

POST A COMMENT