Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መራሒ ቡርኪና ፋሶ ነበር፣ ፕረዚደንት ብሌዝ ኮምፓወረ ብማዕበላዊ ህዝባዊ ምልዕዓል ስልጣኑ ክለቅቕ ተቐሲቡ።

ኣብ 1987 ብዕልዋ ስልጣን ድሕሪ ምጭባጥ፣ ን27 ዓመታት ፕረዚደንት ቡርኪና ፋሶ ኮይኑ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ብሌዝ ኮምፓወረ ብብርቱዕ ህዝባዊ ምልዕዓል ትማሊ ዓርቢ ስልጣኑ ክለቅቕ ከምዝተገደደ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም ሓቢረን። እቲ ወዲ 63 ዓመት ኮምፓወረ፣ ኣብ ዝመጽእ

ኣብ 1987 ብዕልዋ ስልጣን ድሕሪ ምጭባጥ፣ ን27 ዓመታት ፕረዚደንት ቡርኪና ፋሶ ኮይኑ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ብሌዝ ኮምፓወረ ብብርቱዕ ህዝባዊ ምልዕዓል ትማሊ ዓርቢ ስልጣኑ ክለቅቕ ከምዝተገደደ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም ሓቢረን።

እቲ ወዲ 63 ዓመት ኮምፓወረ፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ክወዳደር ክፍቀደሉ መታን፣ ፓርላማ ቡርኪና ፋሶ ቅድሚ ትማሊ ሓሙስ ቅዋም ናይታ ሃገር ንኽቕይር ድምጺ ክህብ እናተዳለወ ኸሎ እዩ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዝተሳተፎ ማዕበላዊ ህዝባዊ ምልዕዓል ገንፊሉ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ካብ ስልጣን ከምዝግለፍ ገይሩዎ።

ብውዲት ናይቲ ፕረዚደንት ዝተቖጠዐ ህዝቢ፣ ብሓሙስ ንፓርላማ ናይታ ሃገር ብምቅጻል ንመደበር ቴለቭዥን ጣሕሲሱዎ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ስለስተ ሰባት ክሞቱ ከለዉ ልዕሊ ዓሰርተ ዝኾኑ ‘ውን ቆሲሎም።

ኮምፓወረ ኣብቲ ናይ ስንብታ መልእኽቱ፣ ” ኣነ ግቡአይ ፈጺመ እየ፣ ረብሓ ቡርኪና ፋሶ ልዕሊ ኹሉ ሰሪዐ ኸኣ ‘የ ከገልግል ጸኒሐ” ብምባል ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት ምርጫ ክካየድ  ከምዘለዎ  ብማዕከናት ናይታ ሃገር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ብድሕሪ’ዚ፣ ነቲ ፕረዚደንት ነበር ዝዓጀበ ምንባሩ ዝንገረሉ ብኸቢድ ዝዓጠቐ ወተሃደራዊ ቃፍላይ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ናይታ ሃገር ናብ እትርከብ ዓቢ ወተሃደራዊ መዓስከር ዘለዋ ከተማ ከምዘምርሐ ይሕበር።

ፕረዚደንት ነበር ኮምፓወረ፣ ስልጣኑ ይለቅቕ ከምዘሎ ብወግዒ ድሕሪ ምግላጹ ኣብቲ ምልዕዓል ዝሳተፍ ዝነበረ ህዝቢ ኣብ ዋና ከተማ ‘ታ ሃገር ኡጋድጉ፣ ብሳዕስዒትን ፊስካን ሓጎሱ ገሊጹ።

ሓደ ካብቶም ሰልፈኛታት ናይ ሕጊ ተማሃራይ “እዚ ናይ ሳብ-ሳሃራ ኣፍሪቃ ቀውዒ እዩ፣ ኣንጻር ኩሎም እቶም ኣብ ስልጣን መሪቶም ዘለዉ መራሕቲ ኣፍሪቃ ድማ ክቕጽል ኣለዎ” ከምዝበለ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ይጠቅስ።

ይኹን’ምበር፣ ሓደ ካብ ገጽ ናይቲ ስርዓት ዝነበረ ቀንዲ ተደጋጋፊ ፕረዚደንት ካምፓወረ ጀነራል ትራወረ ስልጣን ክትክእ ምዃኑ ድሕሪ ምእዋጁ፣ ኣብቲ ቀንዲ ዳባባይ ከተማ ኡጋድጉ ዝነበረ ሰልፈኛ ህዝቢ ብኡንብኡ ከምዘይቅበሎ ገሊጹ።

ንሃዋህው ናይቲ ህዝቢ ዝተዓዘቡ፣ ብኣዛዚ ናይ ሓደ ዝበለጸ ዕጥቅን ስልጠናን ዘለዎ ፍሉይ ኣሃዱ ለተናል ኮለኔል ዚዳ ዝምርሑ ታሕተዎት ሓለፍቲ ብወገኖም፣ ኣገደስቲ ትካላት ተቛጻጺሮም ንኣዋጅ ናይቲ ጀነራል ብምንጻግ፣ ህጹጽ ናይ እዋን እቶእቶ ኣዋጅ ኣመሓላሊፎም። ዶባት ናይታ ሃገር ክዕጾ ‘ውን ኣዚዞም። ኣብ ቅድሚ’ቲ ኣብ ኣዳባባይ ዝርከብ ህዝቢ ቀሪቦም ከኣ፣ ” ስልጣን ናትካ ናይ ህዝቢ ቡርኪና ፋሶ እዩ፣ ምሳኻ ኣለና፣ ስልጣን ዝምንዝዓካ ሓይሊ የልቦን። ኩሎም ኣገደስቲ ውሳኔታት ለውጢ ካብዚ ናይ ተቓውሞ ኣዳባባይ እዩ ዝመሓላለፍ” ብምባል ኣብ ጎኒ ህዝቦም ደው ኢሎም ከምዘለዉ ኣረጋጊጾም።

ኮምፓወረ፣ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝንቀፍ ኣብ ጉዳይ ጎረባብቲ ሃገራት ‘ውን ጣልቃ ምእታው ዘዘውትር ምንባሩ ይፍለጥ። ኣብ 1987 ብዕልዋ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን፣ ነቲ ናይ ቀረባ ዓርኩ ምንባሩ ዝንገረሉ፣ ናይ ኣፍሪቃ ቸጉቬራ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጸጋማዊ ኣተሓሳስባ ዝነበሮ መራሒ ናይታ ሃገር ነበር ፕረዚደንት ሳንካራ ብምቕታኡ ‘ውን ይሕመ እዩ።

ኮምፓወረ ስልጣን ካብ ምልቃቕ ከድሓርሕረሉ ዝጸንሐ ምኽንያት፣ ብሰንኪ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም መራሒ ላይበርያ ነበር ቻርለስ ተይለር ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከይቀርብ ካብ ዘለዎ ስግኣት ምዃኑ ዲፕሎመሰኛታት ይገልጹ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • B. Michael November 3, 2014

    ህዝበይ!
    ካብቲ “ጽድያ” ዚበሉዎ ኮነ ክራማት ፖሊቲካ ወገናት ዓረብ ክንመሃር፡ ዓወትን ክስፈትን ህዝባዊ ናዕቦም ከነመዛዝን እስከ ንፈትን፡ እቶም ቱኒዚያ እንተ ሓሡ እምበር እቶም ግብጺ ምስ ሊብያ ምስ የመን ምስ ካልኦቶም ኣብ ጉያ ቅያር ስርዓት ኣይከሰቱን፡ ናዕቦም ናብ ዝሓሠ ሱግሚ ባይቶን ናብ ሰላማዊ ስራሕን ራህዋን ምዕባለን ኣይወሰዶምን

    ሎምቅነ ዚነዓብ ዘሎ ህዝቢ ቡርኪና-ፋሶ (“ላዕላይ ቮልታ”) ክፍላት ምዕራብ ኣፍሪቃ ብፍላይ፡ ብጥንቃቐ ክንምልከቶን ደማዒ ምህሮ ከነፍርየሉን ንጽዓር፡ ንክስፈትና! ቡርኪናቢያን ካባናዶ ኣይሕሡን፡ ብስጉምቶም እወ ብነዓቢ ስምረቶም፡…. እስከ በታ ንእሥቶ ዓቕሚና ንቐደም ንምልከቶም
    ካምፓውረ ዚብሉዎ ሠዳኒ ኣካሎም ብጎበጣን ምንጠላን ቅንጸላን ሰልጠነ ባዕሉ፡ ህዝቢ ብልቢ ዘይመረቐሉ ስልጣን ንርእሱ ዘይግብኦ ስልጣን ከዋህልል ጸያየቐ፡ ብዘይብሉ ክእለት ንህዝቢ ኪጠባብር፡ ኮራኩር መባጻሕቲ፡ ሓድሓዶም መዳኀምቲ ኪኀቡዎ ጸዓረ፡ ነቲ ዝቐደሞ መራሒ ሃገር ኣንካራ ቀቲሉ ዝገበለ፡ 27 ዓመት ኣብ ኮረሣ ኣረጠጠ፡ ሕጂ መዓልቱ ዝመጠጣ ተበትከቶ፡ ንሕገ-መንግስቲ ኪሓቁንን ብሕጂ ካልእ ወሰኅ ዓመታት ንዘሕፍር ዓማጽ መዚ ኪብሕትን ኣመመ፡ ኣብ መዓላ ከግህዶ ተሠባሠበ፡ ኣይሓፈረን፡ ኣቱም ህዝቢ ረኣዩ’ንዶ ‘ቲ ሙያይ፡ ምዘኑ’ንዶ ‘ቲ ርግኣት ሃገር፡ ኣዳርጉ’ባ ምስ ኩነታት ሕግዋና … ኪብል ምስ ዝረሓቑ ባዕዳን ከዳላሕቕ፡ ንገለ ሕግዋ መንግስቲ ሓዊ ከሳውረሎም ወይ ከም ጠገለ ዘሎዎ ሠምጋሊ ኪርአ፡ ቅኑዕ ሠምጋሊ መንነት ዘይተዓደለ፡ ዘይተሞከረ፡ ፖሊቲካዊ ዕወላ ዲዩ፡ ናተይ በለ
    ሕጂ፡ መከራ-ዝበልዐ ህዝቢ፡ ምስ ተተፍኦ፡ ኣይ ካብ እንገራ ኣይ ካብ ምህሮ ኣይ ካብ ብስለት ምሕደራ፡ ነዊሕ ዓመታት መግዛእቲ እንኮ ሥዱን ምጻር ኣበ፡ ተለዓለ፡ ተሃወጸ፡ መታለሊ ገዛኢ ከኣ ብወገኑ ፋዕራ ህዝቢ ሕፍሲ ዘይነበሮ፡ ብምትላል ኪቕጽል ደለ፡ ዘይሓፍር! መጻንሒ ክሳዕ ሓዲስ ባይቶን መንግስቲን ዚቐውም ፍትሊ ሥርሒ ኪጻወትዶ ፈተነ
    ህዝቢ ብፍላይ እቲ ብፍቕዱ ዝበዝሐ ንኡስ ወለዶ ናዕቡ ቀጸለ፡ ኣይግድን፡ ኣብ ከብዲ ዓዲ፡ ናብ ራስያን በርበራን ሃብቲ እማቱ እውን ዘበለ፡ ነዚ ኣበር ከነወግን፡ ንገባቲ ካብ ኮረሣ መዚ ኣንጸሎ ኪብሉና፡ ንሳቶም ዚሕሡሉ ኢዩ ንብል፡ ኣብ ከምዚ ህውጽ ስጉምቲ እቶም ኣፍሪቃዊያን ዝገጠመ ጉድኣት ክሳዕ እዚ ሰዓት ውሑድ ኢዩ፡ ወፈራኦም ዛጊት ደሓን ኣሎ
    እንኮ-ገባቲ መዚ ፖሊቲካ ምስ ተኀኣለ ከስ ህዝቢ ደሓኑ ኣስተንፈሰ፡ ኣበይ እሞ! ካብ ፅፍራ ዓስከር ከኣ ኣነ ጀነራል ክትክእ፡ ኣነ ኮሎነል ደኣ መዚ ክምንዝዕ ዚብል ምኩሕ ተኆላለፈ፡ ህዝቢ እቲ ሕፍሲ ምስዚ ዕስኩር ፅፍራ ከኣ ተፋጠጠ፡ ቅዋምን ስርዓትን ዚሕሉ ኣካል ባይቶ ነናዲ፡ ንፍቀድ፡ ንምረጽ! በሃላይ ኣሎዎ፡ ዘይከማና፡ ህዝቢ ምዕራብ ኣፍሪቃ ድሮ ቀመር መረጻ ፖሊቲካ ቀመሰ፡ ዕሊ ባይቶ ሃገር ተላመደ! እቲ ህዝቢ ንቑሕ፡ እሞ ዘለዎ መድረኅ ዚፈልጥ፡ ሃረር ዚብሎ ኣተና ዘመዛዝን ኢዩ፡ ነቲ መንግስታዊ ሰራዒ ጉጅለ ዚገጥም ክፍሊ ህዝቢ ኪህሉዎ እንከ ብስለቱ ኣይነዓቕን

    እቲ ዓንተቦ፡ ኣብ ዛንታ ሮም፡ ኣብ እዋን ጸበባ ወራር ሃኒባል፡ ሓደ ኣገዳሲ ኩነት ፖሊቲካ ግዙእ-ገዛኢ ገጠመ፡ ሕፍሲ ህዝቢ (ፕለበስ) ካፕዋ ጸሪ እቲ መደብ መስፋኒ (ሰናቱስ) ተቐራሓነ፡ ካን ሐደጋ ኣንጠንጠለ፡ ሓደ ፓኩቭዮስ ካላቭዮስ ምዙዝ ስርዓት እዋኑ፡ ሕፍሲ ንሰናቱስ (ገዛኢ/መስፋኒ ኮይኑ) ክቱር ከም ዝጸልአ፡ ነታ ዓዲ ንሃኒባል ከስትላማ ከም ዝቐረበ፡ ንኣባላት ሰናቱስ ኪቐትል ከም ዚደናደን ሓበረ፡ ንኣይ እንተ ገደፍኩምለይ ግን ነቲ ሕፍሲ ከዝሕለልኩም እየ ከኣ ወሰኀ፡ ሰናቱስ ሕራይ በሉዎ፡ እምበኣር ተዓጸዉ! ተሓየሩለይ! በሎም፡ ፓኩቭዮስ ነቶም ሰናቱስ ሓበሰ፡ ናብቶም ሕፍሲ ኣበለ፡ እንሆ እቶም ሰናቱስ ሕቡሳት! ሕጂ በብሓደ ከመንጥወኩም እሞ ክትቀትሉዎም በሎም
    ስማት ሕቡሳት ሰናቱስ ኣብ ሳንጣ ከተተ፡ ሓደ ስም ካብ ሳንጣ ኣውጽአ፡ ኣብ ፊት ሕፍሲ ህዝቢ ጸውዐ፡ ዕቡይ! ፀካን! ደረቐይና! ከልሐ እቲ ህዝቢ፡ ሕራይ፡ ተቓልሐ ፓኩቭዮስ፡ ንሱ ምስ ተቐተለ፡ መን መተክኡ ትመርጹ ሐተተ፡ ሥዓ ህዝቢ ቆላሕላሕ፡ ሕትም በለ፡ ሓደ ካብ ህዝቢ ስም ጸውዐ፡ ፋጻን ትሒምታን ኮነ፡ ገሊኦም ኪስሕቁዎ ገሊኦም ብገለ ምኅንያት ኣናኣሱዎ፡ ከምኡ ቀጸለ፡ መን ኢዩ‘ታ እቲ ተበላጺ “ሕፍሲ ከም ሰበይቲ” * ዝበለ፡ ዝተጸውዐ ኣካል ሕፍሲ ንመዓርግ ሰናቱስ ዘይበቅዕ ኮነ፡ ካብ ኮነ፡ ዓዲ ብዘይ ሰናቱስ ኪትናበር ስለ ዘይከኣል፡ እንኮ ዚተርፍ ምትዕራቕ ኢዩ፡ በለ ፓኩቭዮስ ዕርቂ ዝዓለመ
    አሪትራዊያን ብዘይንሱ ክንምካሕ እንተ ዘበልና፡ ምክሓና ብክውንን ዚበቅዕን ሰሪ ኪኀውን ከም ዚግባእ ነሳንየሉ ኢና

    *ሙሶሊኒ በ. “La folla e’ come una donna!” ኪብል ተበላጽ ደስፖታ ኢዩ

  • B. Michael November 3, 2014

    እርማት!
    ኣንካራ ዚብል ሳንካራ፡ ቶማስ ሳንካራ ኣንብብ

  • Keren November 4, 2014

    ህዝባዊ ናዕቢ ዘለዎ ለውጢ ከም ናይ ቡርኪና ፋሶ”?

    በየናይ ዓቕምና !!!

    ንሕና ደኣ ነቶም ብሳሕሳሕ ራሻይዳን በደዊን ዓረብን ዝዕመጹን ዝጋሰሱን ዘለዉ ምድሓን ይትረፍ፤ ኣውያት እኳ ዘይስማዕናሎም። ያኢ ሳሕሳሕ ዓረብን ከደምቱን ከይቅየሙ ተባሂሉለይ።

    ንሕና ደኣ መንነትና ታሪኽና ውርሻና ቋንቋና ዘሕፍረና ናይ ምሁራት ደናቁር ዶ ኣይኮናን።
    ጽባሕ ንግሆ ኢሳያስ ሃዲሙ ንቀጠር ምስከደ ክንርኢ ኢና። ኤርትራ ካብ ሶማልን የመን እንተበሊጻ።
    መንነቱ ታሪኹ ዘይኽብር ሰብ እትረብሕ ነባሪት ሃገር ክምስርት ብቕዓት የብሉን።

    ወረን ታህዲድን እሞ መሊኡ። ናይ እናዳማትካ ታሪኽን መንነትን ተተለቂሕካ። ብወርቅን ጨርቅን እንዳማትካ ጌርካ ንወደኽደኽ እሞ ኣይንሓምቕን።

Post a Reply to Keren Cancel Reply