Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መረረ ስውእ፡ “ብህይወት ዘለዉ እናተሳቀዩ ሕቋፍ ዕንባባ ኣብ መቃብረይ ክቅመጠለይ ኣይደልን’የ”

ኣብ ዝኽሪ መበል 28 ዓመት ስርሒት ፈንቅል ምሕራር ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን እሙን ሓላዊኡ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደሃንስን ዝርከብዎም ሰበስልጣን ስርዓት ህግደፍን ወከልቲ ሃገራውያን ማሕበራትን፡ ንዝኽሪ ስውኣት ኣብ ጥዋለት በብተራ ሕቋፍ ዕንባባ ከቀምጡ ምስተዓዘብኩ፡

ኣብ ዝኽሪ መበል 28 ዓመት ስርሒት ፈንቅል ምሕራር ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን እሙን ሓላዊኡ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደሃንስን ዝርከብዎም ሰበስልጣን ስርዓት ህግደፍን ወከልቲ ሃገራውያን ማሕበራትን፡ ንዝኽሪ ስውኣት ኣብ ጥዋለት በብተራ ሕቋፍ ዕንባባ ከቀምጡ ምስተዓዘብኩ፡ ነብሰይ ግንብንብ ኢሉኒ። እቶም ኣብ 1977፡ 1990 ንፍትሕን ብልጽግናን ወገኖምን ሃገርምን ብጅግንነት ዝተሰውኡን፡ ምስቶም ኣብ ልዕሊ ህዝብና መዘና ዘይብሉ እከይ ተግባራት ዝፍጽሙ ዘለዉን ንዝኽሪ ስዉኣት ኢሎም ሕቋፍ ዕንባባ ዘቀመጡ ምልካዊ ኢሳያስን ፍሊጶስን፡ ብኣካል ገጽ ንገጽ ከምዝተራኸቡ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ንዝኽሪ’ቶም ንሓርነትን ንፍትሕን ህዝቦም ዝተበጀው፡ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ስውኣት፡ ሽምዓ ምውላዕ፡ ጸሎትን ዶዓን ምክያድ፡ ኣግራብ ምትካን ጉዕዞ እግሪ ምክያድን ክድፍኣሉ ዝግብኦ ቅዱስን ሞራላዊ ግዴታን’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ስውኣቱ ዘለዎ ክብሪ፡ መግለጺ ቃላትን ዝኾነ መዐቀኒን ኣይርከቦን’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ስውኣቱ ከምዘኽብርን ከምዘፍቅርን ግን ኣብ 20 ሰነ ሽምዓ ብምውላዕ፡ ኣብ መቃብሮም ዕንባባ ብምንባርን ብኣጋጣሚ ስርሒት ፈንቅል ጽምብል ምክያድን ጥራይ ኣይኮነን ዝግለጽ። ብፍላይ ድማ ሰበስልጣን ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ መቃብሮም ክምሕሉን ክጥሕሉን ንብዓት ሓርገጽ ክነብዑን እንከለው ገበን’ዩ። ብኣውራኡ፡ ነቲ ስውኣትና ዝወደቁሉ ዕላማ ምስእንትግብር፡ ስውኣትና ብድሕሪኦም ዝተረፉ ደቆምን ወለዶምን ምስእንሕብሕቦምን ምዕብልትን ፍትሓዊትን ኤርትራ ምስእትህልወልና’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ስውኣቱ ከኽብርን ንዝኽሮም ጽምብላት ከካይድን እንከሎ ድማ ስርዓት ህግደፍ ዝለዝኣዘዞ ወይ ከኣ፡ ስውኣትና መሬት ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ስለዘውጽኡን ጥራይ ኣይኮነን። ብዓቢኡ ንፍትሒ ስለዝተወፈዩ፡ ንእስነቶም ከይመነዉ፡ ርእዩ ዘይጸገቦም ደቁ ካብ ሕቁፉ ስለዝወጹን፡ ዳግማይ ክምለስዎ ስለዘይክእሉን’ዩ።

ብዙሓት ካብዞም ኣብ መበል 28 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ተባሂሉ ኣብ ጥዋለት ባጽዕ፡ ብውልቀ መላኺ ኢሳያስን ጀነራል ፍሊጶስን ካልኦትን ሕቋፍ ዕንባባ ዝተቀመጠሎም ሓርበኛታት፡ ብዘይ ሩሕ ኣብ ትሕቲ መሬት እንከለዉ ወትሩ ዝሳቅዮም ቁስሊ፡ ጓሂ፡ ዝሓቅዮም ኩርኳሕ ኣለዎም። ስውኣትና፡ ፍርናሽን ጽቡቅ መግብን ስለዝሰኣኑ ኣይኮኑን ኣብ መቃብሮም ቅሳነት ሓሪምዎምን ከፊእዎምን ዘሎ። እቲ ብኻልእ ፍጡር ዘይውነን ወርቃዊ ደሞም ዘፍሰስሉን ኣዕጽምቶም ዝኸስከስሉን ናጽነትን ሕድርን ብህግደፍ ተረሲዑን ተጭወዩን፡ ህዝቢ ኤርትራ ይርገጽ፡ ይስደድ፡ ብሓለንጊ ጥሜት ይግረፍ፡ ይእሰር፡ ይቅተል፡ ከይዛረብ ኣፉ ተዓቢሱን ኤርትራ ናይ ውሑዳት ጠለምቲ ስለዝኾነትን’ዩ። ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ንስድራቤት ስውኣት ዝግባእ ክብርን ሓገዝን ከይሃበ፡ ንብረቶም እናወረሰ ጠወርቶም ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት እናመንጠለን ብዘይ ረዳኢ ኣብ ጸልማትን ምስቁርቋርን እናተሳቀዩ ካብ ከርፋሕ ህይወት ብሞት ክሰናበቱ ንዕዘብ ኣለና። ኣብ 1977፡ ኣብ 1990 ባጽዕን ከባቢኣን ንምሕራር ኣብ ዝተኻየደ ምርብራብ ከቢድ መስዋእቲ ስለዝተኸፍለ ብኣጋጣሚ ስርሒት ፈንቅል ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ጽምብል ምክያድን ስውኣት ምዝካርን ከም ዓቢ ሞሳ ክውሰድ ኣይግባእን። ሃንቀውታ ናይቶም ህይወቶም ከይበቀቁ ንሃገሮምን ህዝቦምን በጃ ዝሓለፉ ሓርበኛታት፡ ዕምጸጻን ጉቦን ዘይብላ፡ ሰላምን ፍትሕን ዜጋታት ዝረጋገጸላን ኤርትራ ንምህናጽን እምበር፡ ዝሓየለ ዝነብረላ ውጉኣት ሓርነት ዝርስዑላ፡ ወዲ መሬት ከም ካልኣይ ዜጋ ዝቁጸረላ፡ ድሕሪ መሬር ብረታዊ ቃልሲ ህዝባ ናብ ስደት ዝጠፍኣላ፡ ብዘይ ፍርዲ ዝእሰረላን ዝሽቁረረላን ሃገር ንምርኣይ ኣይነበረን።

ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ብተደጋጋሚ ስንክልና ዘጋጠሞምን ብሰንኩ ሕዱር ሕማም ዘጥረዩን ተጋደልቲ፡ ተጸበይቲ ካልኦት ዝኾኑ፡ ዝወለድዎም ደቆም ዝኣረጉ ወለዶም ብንባይ ዝሰኣኑ፡ ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝበለዩ፡ ብዓቅሊ ጸበት ናብ ስደት ዝተበቆጹ፡ ንኽነብሩ ምስ ስቃዮም ብትሑት ክፍሊት ኣብ ዕረፍቲ ዘይህብ ስራሕ ዝተዋፈሩ፡ ተስፋ ብምቁረጽ ግዳም ሓደር ዝኾኑን ብዙሓት’ዮም። ብኣንጻሩ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ሒደት ስሱዓትን፡ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ እናሰረቁን ድኻታትን ኣእውዮም ሰማዒ ዝሰኣኑን እናነብዑ፡ ጽጋቦም ዘይጸሩን ከምዘለዉ ካብ ኣዒንቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰወረ ኣይኮነን። እቲ ካብ ኣፍ ደቁ መቂሉ ጥሙያትን ጽሙኣትን ተጋደልቲ ዘዐንገለ፡ ብገንዘቡ፡ ብንብረቱ፡ ጉልበቱን ሞራልን ሰውራ ዘታተየን ኣብ ዓወት ዘብጽሐን ህዝቢ ኤርትራ፡ በቶም ደቀይ ዝብሎምን ካብ ከርሱ ዝወጹን ድሕሪ ናጽነት ክርገጽን ክጥለምን እንከሎ ድማ ክልተ ሞት’ዩ።እቶም ፖለቲካውን ቁጠባውን ሓርነት ንምጉንጻፍ ዝተሰውኡ ሓርበኛታትና፡ ህይወት ሰኹዖም ነዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ሕሰምን ምርጋጽ ሰብኣዊ ክብርን ቃልኩም ሃቡ እንተዝብሃሉ፡ “ብህይወት ዘሎ ኤርትራ እናተሳቀየን እናተረግጸን እንከሎ፡ ሕቋፍ ዕንባባ ኣብ ልዕሊ መቃብርና ምቅማጥን ዘይትግበር መብጽዓ ምምዳርን ኣይንደልን ኢና” ምበሉ ነይሮም። ኩሎም ሰማእታት ኣፎም ከፊቶም፡ “ዝባን ስውኣት! ነውሪ! ይትረፈና ሕቋፍ ዕንባባኹም ሓጥያት ኣለዎ ከም እሾኽ ጭዕንዶግን በለስን እናወግአ ድቃስ ይኸልኣና’ሎ፡ ይትረፈና” ኢሎም ብዓውታ መረረኦም ምገለጹን ሕድሮም ክትግበር ምተማሕጸኑን።

      ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 17 ለካቲት 2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT