Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልእኽቲ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ብዛዕባ መስዋእቲ ተጋዳላይ ኣሕመድ ናስር

Date : 26/03/2014   ዝኸበርኩም ኤርትራውያንን ፈተውቲ ህዝብናን ድሕሪ ሰላምታ፡ ሎሚ መዕላቲ ዕለት 26/03/2014 ልክዕ ሰዓት 05.15 ወጋሕታ፡ ሓርበኛ ሃገራዊ መራሒ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ድሕሪ ሓጺር ሕማም፡ ካብ’ዛ ዓለም ብመስዋእቲ ተፈሊዩና ምህላዉ መሪር ሓዘን እናተሰማዓኒ ክሕብረኩም እፈቱ። ንብጻይናን

Date : 26/03/2014

 

ዝኸበርኩም ኤርትራውያንን ፈተውቲ ህዝብናን

ድሕሪ ሰላምታ፡ ሎሚ መዕላቲ ዕለት 26/03/2014 ልክዕ ሰዓት 05.15 ወጋሕታ፡ ሓርበኛ ሃገራዊ መራሒ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ድሕሪ ሓጺር ሕማም፡ ካብ’ዛ ዓለም ብመስዋእቲ ተፈሊዩና ምህላዉ መሪር ሓዘን እናተሰማዓኒ ክሕብረኩም እፈቱ። ንብጻይናን መራሒናን ኣሕመድ ናስር ረቢ ብጽቡቕ ይቀበሎ፣ ንምሉኣት ስድራ ቤቱን ብጾትን ከምኡ’ውን ህዝቢ ኤርትራን  ኣኻእሉ ይሃበና።

 

ብዛዕባ ሰነ ስርዓት ቀብርን ካልእን ሓበሬታ ከንስዕብ ኢና።

  

መሓመድ ስዒድ መፍለስ

ኣቦ መንበር ስክረታርያ ማእከላይ ባይቶ

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • BINIYAM March 27, 2014

    ZEIGERMEKKA GODENNAAA HAREINNEETT NABB MEFANNEWEIII REIISSSAAA EYYAA TEQEYEIRRAAA…ABEIEETTTT ZEBEILL EYYUU GEINNNAAA KIFANEWEUU EYYOMMM.

  • Berhe Tensea March 27, 2014

    RIP GREAT LEADER, YOU WILL BE MISSED.

  • sara gual eritra March 27, 2014

    dehan kun
    abi merahi ahmed naser
    abo tihtna goyta tebay
    tsinAt nsidra

  • I Asafaha March 27, 2014

    ብመስዋእቲ ዓቢ መራሒና ተጋዳላይ ኣሕመድ ናስር ዝተሰማዓኒ መሪር ሓዘን እናገለጽኩ፣
    ንዕኡ መንግስተ ሰማያት ንቤተ-ሰቡን ናይ ቃልሲ ብጾቱን ክኣ ጽንዓት እምነ።

    ኢሳያስ ኣስፍሃ።

    • Suleiman Salim March 27, 2014

      መራሒኻ ዶ ኢልካ? ቀደም ንፉዕ ደራፋይ ኔርካ ሕጂ ግን ናብ ምውጣይ ኣቲኻ። ከከም ዝጠዓመካ ሓንሳብ ንወያነ ትዋጢ ሓንሳብ ድማ ንምውታት ከይገደፍካ ትዋጢ። ምዉት ክቡር ምዃኑ ክትስሕት ኣይግባእን እዩ ኔሩ።

  • meharenazghi March 27, 2014

    We lost a great leader.May God rest his soul in heaven and comfort his family.

  • ahmed saleh March 27, 2014

    Bayto members
    We all share the pain of your lost like you witnessed from commentators reaction. But to honor his legacy you have
    an obligation to achieve his vision and dream of UNITED ERITREA . To save the country from down fall it takes
    courageous sacrifices to step in doing the right think for the sake of your people . To hand a branch of olive
    tree which is the sign of peace and conciliation with his opponent ISSAYAS is a good lesson to all of us that
    grudges and suspicions do not heal the wound . Since many influential politicians are aging getting old , we
    also expect you to come on each other with the same branch for the sake of fixing the broken partial politics .
    Time is ticking and also our life time mileage counting .
    Ahmed Nasser once said ” lets give a chance to our younger generation to play the role ” and I remember Romodan
    Mohamed Nur said the same when he submit resignation from leadership . Only honorable men exercise wisdom for
    their people they adore . And we expect to see more like these men who try to open opportunity for all .
    You have important mandates to execute to heal the wounds of the nation as opposed to aggravate its injuries
    and command qualities to unify the people .

    • Suleiman Salim March 27, 2014

      ኣሕመድ

      ብዘይካ ብመቐለ ጌርና ዲሞክራሲ ክነምጽኣልኩም ኢና ዝብል ናይ ኣእዱግ ዘረባ ካልእ ኩሉ ኣብ ቁጽሪ ዝኣቱ እዩ። ኣነ በዛ ነብሰይ ምስ ከማኻ ዝኣመሰሉ ሰባት ዘባእስ ነገር የብለይን።

      ንዝኮነ ናይ እድግነት ጠባይ ዝገድፍ ፍጥረት ከም ሰብ ክቖጽሮ ድሉው እየ። እዚ ንናጽነት ዘምጸአን ንናጽነት ዘውሕስን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ህዝባውን ኣዝዩ ድልዱልን ስለ ዝኾነ ካብ ምስኡ ምትሕብባር ገዲፍካ ካልእ ኣማራጺ የሎን።

  • sila March 27, 2014

    May god bless his soul but we Eritreans need to get real and say that he passed away like anybody else not martyred. Martyrs are only those who die in war.

  • B e l e n March 27, 2014

    R.I.P Mr Ahmes Nasser. The Man who never give up, the Man who Never Neel Down, The Warrior Freedom Fighter Man, the man who face the truth and reality, The real Transparent Father, The Man who fought all his life for his country. The humanitarian justice fighter, The Liberation Fighter and Nationalist is gone, and will never come back again. But all his courage, all his speeches, his lecture, and all his words will remain on us for ever. I feel it you were the key, eye, Mirror of All Opposition and Eritrean Soul.
    Gnbar Hagerawi Dhnet Good job.

  • Kinfe Weldegeorgis March 29, 2014

    ናይ ዘለኣለም ክብርን ዝኽርን ንዝፍለየና ዘሎ ክቡር መራሕን ፍቱው ሓውን ኣሕመድ መሓመድ ናስር

    ኣንታ ክቡር ሓውና ሰፊሕ ብልቦና፤
    ኣርሒቑ ጠማቲ ፣ ንጹህ ብሕልና፤
    ኣፍቃሪ ናይ ህዝቡ ዘይብሉ መዘና፤
    ኣፍቃሪ ሃገሩ ዓቢ ሰብ ከሲርና።
    ኣሕመድ፣ ኣብ ሓመደ-ደበኻ መርድእ ምስ ሰማዕኩ፣
    ነዚ ኣ ይጽሕፍ ደም እንዳነባዕኩ፤
    መግለጺ ሓዘነይ እንዳስተንተንኩ፤
    ከም ጂግና መራሕን ከም ዓቢ ሓወይን እንዳዘከረኩ።
    ኣቱም ሰባት፣ መምህር ኢዩ ከይዱ መምህር ናይ ጽንዓት፤
    እወ መምህር ነሩ መምህር ናይ ጅግንነት፤
    ዓራቒ ጠባያት፣ኣስማሪ ባህሪያት፣
    ኣር ኣያ ትዕግስቲ ፈታዊ ሓቅነት፤
    ኣታ ከሲርና እምበር ዓቢ ክስረት።
    ባዓል ዓቢ ትምኒት ዓቢ ራኢ፤
    ኣስፊሒ ዝሓስብ፣ ኣርሑቕ ዝሪኢ፤
    ብፍቕሪ ናይ ህዝቡ ንነብሱ ሰዋኢ፤
    ንፍትሒ ደሞክራሲ፣ ጅግና ተዋጋኢ፤
    ንለውጢ ምዕባለ ኣንጊሁ ተሳኢ፤
    ናይ ሽግር ፈታሒ፣ ናይ ማዕበል ኣህዳኢ፤
    ንህዝቡ መቕሰኒ፣ ንጸላእቱ ኣቕናኢ፤
    ሎሚ ምበር ከሲርና፣ ቁስልና ጐዳኢ።
    ኣሕመድ፣ ካን ከድካ ገዲፍካና፧
    ኣብ ካላ ኣይ ሃገርዊ ጉባኤ እንታይ ዲኻ ዝበልካና፧
    ቅኑዕ ግብርታትካ ከተርእየና፧
    ንጹህ ሓሳባርካ ከተካፍለና፧
    ቀጺልካ ንውድብ ክትመርሕ ዘዕገብካና፤
    ምቕሉል፣ ለዋህ፣ፍትሓዊ ከማኻ ነይረኣና፤
    ኣብ ኩሉ እቲ ታሪኽ ብሓንደ እንከለና።
    ኣሕመድ፣ ኣቦ ሓቂ ኢኻ ኣቦ ለውሃት፤
    ኣቦ ፍትሒ ኢኻ ኣቦ ጽንዓት፤
    ንህዝቡ ዘፍቅር ብዘይ ደረት፤
    ትርግታ ልብኻ ሓቂ፣ ፍትሒ ዝጨንጎዐት።
    ኣሕመድ፣ ዘገርም ኣይኮነን ህዝብኻ ክፈትወካ፤
    ዝለገስካሉ ኢዩ ልቓሕ መሊሱልካ፤
    ናይ ዘገልገልካዮ ነብስኻ ረሲዕካ፤
    ሓልዮት ዘር ኣኻዮ፣ ብሕልናኻ፣ ብግብርኻ።
    ኤሪትራ ኩላ ት ኣምነካ፣ ትፈትወካ፤
    ዝውለዱ ቆልዑ ክጽውዑ ብሽምካ፤
    ብጽቡቕ ጠባይካ ክዕለል ብ ኣኻ፤
    ይዝከረኒ ኣሎ ኣብ ከበሳ ኣብ ባርካ።
    ብክርስትያን፣ ኣስላም ፍቱው ብህዝብኻ፤
    ከበሳታት ቆላታት ኩሉ ዝ ኣምነካ፤
    ዘይናትካ ኣይኮነን፣ ናትካ ኢዩ ሂቡካ፤
    ከም መራሒ መጠን ኢንታ ዘይወጸካ።
    ሎሚ ግና ሕማቕ ጌርካ፤
    ከየዳለኻና ብሃንደበት ከድካ፤
    ዘይ ኣመልካ ጌርካ፣ ዘይጠባይካ፤
    ዘይቅየር ጉዕዞ ናይ ዘለኣለም ወሲንካ።
    ከም ኡ አንካብ ኮነ፣ ይወለድ ከማኻ፤
    ምእንቲ ክዕወት ቅዱስ ዕላማካ።
    ኣሕመድ፣ ሕቶ ኣሎኒ ዘቕርቦ ናባኻ፤
    ነቶም ዝተረፉ ለበዋ ዶ ኣቕሪብካ፧
    ሕድሪ ህዝበይ ሕድሪ ሃገረይ ዶ ኢልካ፧
    ከምቲ ትምኒትካ፣ ከምቲ ራኢኻ፧
    ከም ኡ እንተጌርካ ዝሰም ዑ ዶ ረኺብካ፧
    ተስፋ ዘለዎም ዘዕገቡኻ፧
    ንህዝቢ ዘፍቅሩ ከምቲ ናትካ፧
    ንሓድነቱ ዝሰርሑ ዝስዕቡ ኣሰርካ
    እምነት ዘንበርካሎም ንምዕባለ ሃገር፣ ንህንጸት፤
    ንፍትሒ፣ ንደሞችራሲያዊ ስርዓት፤
    ንስልጣኔ፣ ንሓቂ ክቃለሱ ዝተዳለዉ ከምቲ ናትካ ብጽንዓት፧

    ክንፈ ወልደጊዮርጊስ
    ፍራንክፎርት፣ ጀርመን

POST A COMMENT