Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልቐስ – ድሓንኩኑ መልኣከ ገነት ቀሺ ተወልደ ዘመንፈስቅዱስ

መልቐስ ድሓንኩኑ መልኣከ ገነት ቀሺ ተወልደ ዘመንፈስቅዱስ   ወየ!!!!ወየ!!!ወየ!!!! ወየ!! ወየ!!!ኣነ!!! ወየ!! ኣነ!!!!ወየ!!! ኣነ!!! መልኣከ ገነት ቀሺ ተወልደ ኣብ ዳምባ እንዳ ስላሴ ዝተወልደ ዓጣን ደብሪ ብንእሱ ዘንጎድጎደ ኣብ ባይቶ ንመናግርቱ ዘስገደ ግዜዶ! ኣርከቦ ንሰማዩ ኸደ እዋን ሓሰም! ኮይኑ ዝገደደ ካብ ደቆም ኣርከበዶ! ዋላ ሓደ ወዲ መን ተሪፉ!! ዘይተሰደ

መልቐስ
ድሓንኩኑ መልኣከ ገነት
ቀሺ ተወልደ ዘመንፈስቅዱስ
 
ወየ!!!!ወየ!!!ወየ!!!! ወየ!!
ወየ!!!ኣነ!!! ወየ!! ኣነ!!!!ወየ!!! ኣነ!!!
መልኣከ ገነት ቀሺ ተወልደ
ኣብ ዳምባ እንዳ ስላሴ ዝተወልደ
ዓጣን ደብሪ ብንእሱ ዘንጎድጎደ
ኣብ ባይቶ ንመናግርቱ ዘስገደ
ግዜዶ! ኣርከቦ ንሰማዩ ኸደ
እዋን ሓሰም! ኮይኑ ዝገደደ
ካብ ደቆም ኣርከበዶ! ዋላ ሓደ
ወዲ መን ተሪፉ!! ዘይተሰደ ።
 
ወዲ ዘመንፈስ ቅዱስ ወዲ ኣባ ኣማሓ
ከይዶምዶ! ኣለዳ ከይወጻ! እተን ኣሓ
ሓላው ሃይማነት! ነበሩ ጽሩይ ኣርሓ
ሕጂዶ ከይርከብ ዘብን ሰፋሕፈሓ
ንኹሉ ዘርክብሉ፡ እንተሎ ዘበን ቀባሕባሓ
ኣለዉ እኮ ብዙሓት፡  ዘየርከቡ ኣብ ንስሓ።
 
መልኣከ ገነት ተወልደ ፈታው ህዝቡ
ዓመታት ሓለፈ ሃወርያነት ብህቡቡ
ዳዊት ተኾልኩሎም እምነቱ ክዕቅቡ
ኣብ ዝኸዱ ከይዶም ኩሉ ሰቡ
ወሓለ! ብዓል ኣላዝቦ! ጽሩይ ልቡ
ከምዚናትኩም!!! ኣለዉዶ! ዝርከቡ።
 
ኣቦይ ቀሺ ብንእሶም ልቢ ተዓዲሉ
ንኸስተብህል ኣእምሮኦም በሲሉ
ንዝተዛብዔ ዘረባ መኤረሚ ይረኽበሉ
ዝሓመመ ዘረባ ፈውሲ ይረኽበሉ
መማኽርቲ ጳጳሳት ኩሉ ዘርክበሉ
እንክምድሩ!  ባይቶውን፡ ጽን ይብሉሉ
ገዲፍኩምልናዶ!!ንኽእለትኩም! ዝሕሉ።
 
ወየ!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!
መምህረይ ከይዶም ገዲፎሞ ዓዲ
እንታይ ክብሉ እዮም እቶም መሳድዲ
እንዳ ስላሴ! ዋሽንግቶን እምነት ዓንዲ
ነበርኩም ኣቦ!  ናይ እምነት ጽኑዕ ዕርዲ
ብፍቕሪ ትመርሑ! ኣይነበርኩምን ብግዲ።
 
ኣንታ እንታይ ተረኽበ ሎሞ ቕነ
ሊቀ ኻህናት ተወልደ ሃዋርያ! ዘበነ
ድምጺ ያረድ ኣብ ልቦም ዝቕንቐነ
ጥዑም ዝማረኦም ደብሪ ምስ ተዓጠነ
ማሕበር ሃዋርያ ኣበርቲዖም! ይቓዙነ
ካህን ናይ ተዋህዶ!!  ካብ ቀደም ዝሓንሓነ።
 
እዞም ምህረይ ንኹሉ ዘርኽብሉ
ካብ ጣልያን ጀሚሮም፡ ክሳብ ግዜ ዝሓስመሉ
ድልየቶም ኣይነበረን፡ ሕሱም ዘበን ክርእዩሉ
ሕሰም እዋን!! ዝዓበየን!ዝነኣሰን! ዝተሻቀለሉ
ብዙሕ ቤተ ሰብ ነይሩ ኣብ ቀብሮም ክህሉ
ሕማቕ! ዘበን ስርዓት ሃገርና ጎዲሉ
በሉ! ንኽርስቶስ ንገሩልና ኩሉ ብጥቕልሉ
ሕሰም ሃገርና! ከይ ኣጉደልኩም ብኹሉ                              
ብኣምላኽ እዩ!!፡ ፍታሕ ዝወርደሉ።
 
እዞም መምህር እዞም ወለድቲ ሓቦኛ
ኣቦ ጽገ፡ ገብረ መድህን፡ ተኸስተ ሓርበኛ
ኣኮኣ! ንእዝግሃርያ እታ ጂግና
ኣዲኡ ንኣማኑኤ እያሱ ድምጺ ኣሰና
ኣኮኡ ንሉኡል ኣውሊዔየ!! ባንደራና
ኩሉ ቤተ ስብኩም ብዙሕዩ ሓርበኛ
ሃገር ኣይረኸበትን ጥዑይ ዳኛ
ንገሩልና ነቦይ እዝጊ ፈጣሪና።
 
መልኣከ ገነት ተወልደ ነቒሎም
ናይ መርየት ዕደሜኦም ጸጊቦም
ኣንታ እዞም ምህረይ ተዓዲሎም
ፍሽኽ እናበሉ መስቀል ኣብታ ኢዶም
ዝፈትዉዋ ዳዊቶም ተኾልኩሎም
መላእኽቲ ወሰድዎም ህሩግ ኢሎም
ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ በዓሎም
ኣንታ ንሶምስ!! ብዙሕ እዮም ረቢሖም
መላእኽቲ ወሰድዎም ተኾልኪሎም።
 
ንቤተ ሰብ ዘለኒ መልእኽቲ
ኣብ ላዕሊ ኮኑ፡ኣብቲ ታሕቲ
ኣብ ሩሕቕ፡  ኣብ ቀረባ መላዝብቲ
ኣየድልን ሓዘን ወጺእካ ኣብ ቅርዓቲ
ከምዚ ናቶም ዕደመ ይሃብ ንተረፍቲ
የውርደልና ሰላም ፍቕርን ንተረፍቲ
መንግስተ ሰማያት ንኣቦና መዋቲ
ጽንዓት ይሃብ ንቤተ ሰብ ንተርፍቲ
ምርቓኦም!! ይግበረልና ለምለም ሰቲ።
 
ተኻፋሊ ሓዘን
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ፡  ኢንድያና
9 መስከረም 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Saba Kidane September 11, 2015

    ከምዚ ዓይነት መልቀስ ናይ ኣከለጉዛይ ድዩ ዋላስ ናይ ሰራይ ዋላስ ናይ ሓማሴን ዋላስ ናይ ኩለን እዩ። ኣነ ኣብ ኣስመራ ተወሊደ ዝዓበኹ ከምዚ ሰሚዔ ኣይፈልጥን። እስከ ገለ ሊቃውንቲ ናይ ባህሊ ግለጹልና። ክብሪ ይሃበለይ።

    ሓፍትኹም ሳባ ኪዳነ

    • mimi September 11, 2015

      Nmewati mengste semay yewarsom. nbeteseb dma tsenaat yhab.
      @Saba Kidane,
      I am sure you know this article (weye) has to do with someone’s mourning. And I am sure, too, even if you grew up in Asmara you know that you don’t go inside NAY HAZEN DAS and the first thing you ask ends being whether they are from Hamasien or Seraye. It is customary to be sensitive to human grief.

    • Saba September 12, 2015

      ማሰን መልቀስን ሓደ ካብቲ ክቡር ባህልና እዩ። ናይ ከበሳን ቆላን ነባሪ ይጥቀመሉ። ከምዚ ሎሚ ከይኮነ፣ ኣቦታትና፣ ዋላ ኣብ ቤት ፍርዲ፣ ብግጥሚ እዮም እወሓስ ኤግብእ ዘበሃሃሉ ዝነበሩ። ንኣብነት ንራእሲ ወልደሚካኤል እዛ ትስዕብ መልቀስ ተለቅሰትሎም፣

      ሓልሓል እንደየለካን ጽቡቕ መሬት፡
      ሰናዲር እንደየለካን ጽቡቕ ብረት፡
      እንታይ ወዳይኻ ኣብ ሰንሰለት።
      ፊተውራሪ’ዶ ኢሉካ ኣይመውትን፡
      ግራዝማች’ዶ ኢሉካ ኣይመውትን፡
      ቀኛዝማች’ዶ ኢሉካ ኣይመውትን፡
      ሰናዲርካ ዘበልካየን ብትን፡
      ክትረክብ ክጽእን ዘይትፍትን።
      ፍቕረስ.

  • ጸረ ሸፋቱ September 11, 2015

    Saba Kidane ,

    It depends, look for words like
    __እንሆለ ,ሓሻካ, ኣይኮነኒ___ሓማሴን
    ካክንደይ,ኣይቲ,ኣሽዓየ __ኣከለጉዛይ
    ደድኸውን,ነሩ, ኣብሻይ __ ሰራየ
    ክልል መሰል ዓርሱ ኣይኾንይ__ትግራይ (እንድርታ)

    • Saba Kidane September 11, 2015

      My question is not on words or lexicons. I am more interested to know which Awraja practices formal ‘ለቕሶ’ like the one above.

      Thanks,

      Saba

      • ጸረ ሸፋቱ September 11, 2015

        Saba ,

        It was suppose to make you smile ,as a silly humor.

        cheers

        • Simon G. September 11, 2015

          Nicely put, Haile G.
          Saba,
          It is Eritrean (mostly Kebesa) መልቀስ but you have to be an expert, Like Ato Haile G. It used to be common mostly in countrysides, by very few experts. Some are nationally recognized.
          If you have to know where Haile G. the great is from though, he told us many times.
          From Adi Quala
          Zebihere Seraye

  • kahsai kidane September 11, 2015

    Weye at the time of funeral Is an art so I believe it is like therapy for the mourners

  • eden September 11, 2015

    So long Aboy Tewelde Zemenfeskudus. eta adi kulna mbear keydkaya mealti akila? nhna wn zeyendaresanayo ina mber newihu haxiru kenerkib ina. entay mo gedifka bakmka hzbka nab amlaku ketekrib hiku ilka ika. temahlilka kea. kemti natka mo men ykielo? mengste semay yewarska. nbeteseb kea xnaat yhab

  • Natnael September 12, 2015

    Haile wrote that Aboy keshi Tewelde Zemenfeskudus is the uncle of your mother!

    ‘ My sincere condolences ‘ to you Amanuel Iyasu !

POST A COMMENT