Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልሲ ን ናይ ዶክ. ኣስመሮም ለገሰ፡ ኣብ ቅድሚ ዓለም ንሓቂ ደፊኑ፡ ንስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸሓደ መደረ ኣንጻር ጸብጻብ ኮሚሽን ኦፍ አንኳየሪ (COI)

መልሲ ን ናይ ዶክ. ኣስመሮም ለገሰ፡ ኣብ ቅድሚ ዓለም ንሓቂ ደፊኑ፡ ንስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸሓደ መደረ ኣንጻር ጸብጻብ ኮሚሽን ኦፍ አንኳየሪ (COI) ********* ብ ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰተስ፡ ሰ.ኣ.) ሓምለ(July) 15፡ 2016 ----------------- ፕረፈሶር ኣስመሮም ለገሰ፡ ምንኳ ብኣካል ዘይንፋለጥ እንተ ኾና፡

መልሲ ን ናይ ዶክ. ኣስመሮም ለገሰ፡

ኣብ ቅድሚ ዓለም ንሓቂ ደፊኑ፡ ንስቓይ ህዝቢ ኤርትራ

ዝኸሓደ መደረ ኣንጻር ጸብጻብ ኮሚሽን ኦፍ አንኳየሪ (COI)

*********

ብ ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰተስ፡ ሰ.ኣ.)

ሓምለ(July) 15፡ 2016

—————–

ፕረፈሶር ኣስመሮም ለገሰ፡ ምንኳ ብኣካል ዘይንፋለጥ እንተ ኾና፡ በቲ ስነ-ሰብ መበቆልን ምዕባለን ሞያኻ (anthropologist): ብማዕዶ ኣባኻ ልዑል ክብርን ሓበንን ከም ዝነበረኒ ክሕብረካ እፈቱ። እንተ ኾነ ግን፡ ኣንጻር ኩሉ ሰብኣዊ መሰል ህብኻ ደው ብምባል፡ ኣብ ትሕቲ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ክትምብርከኽ ስለ ዝመረጽካ፡ ን ዝነበረኒ ክብሪ በሊልካዮ ጥራይ ዘይኮነስ መሪዝካዮ ክብለካ እኽእል፣ ከምኡ`ውን ዝኸሓድካዮ ህዝብኻ።

ናይ ህግደፍ ሓሶታት ክሰምዕ ሕማም ርእሲ ስለ ዝፈጥረለይ፡ ነቲ ሕልናኻ ንውልቀመላኺ ኢሳያስ ሸጥካ ንርእስኻ ዘቃላዕካሉ ናይ ሰነ 21፡ 2016 ኣብ ጀነቫ ዝሃብካዮ ሕሱር መደረኻ ደንጒየ ስለ ዝሰማዕኩዎ ደንጒየ መልሰይ እህበካ ኣለኹ። ነታ እዋኑ ኣኺሉ ብህዝቢ ተፈንፊኑ ዘሎ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ንፍርቂ ዘመን ክቐብራ ህርድግ ዝበላ፡ ወትሩ ካብ ዝተቐበረትሉ ደሚቓ ቦሎኽ እትብል ሓቂ፡ ኣብ ቅድሚ ዓለም ክትደፍና ተላኢኽካ ኣብ ገጽካ ክትግጭበካ ርእየያ።

ብዝኾነ፡ ቅድሚ ናብቲ ናተይ ርእይቶ ምእታወይ፡ ኣብ ጀነቫ ዝሃብካዮ ዘረባ ምእንቲ ኣብ ልቢ ህዝብኻ ሰፊሩ ን ታሪኽ ክስነደልካ እነሆ ካብ ቃልካ ቆሊበ ቃል ንቓሉ ኣብ ጽሑፍ ኣስፊረልካ፡-

ብጣዕሚ ተሓጒሸ ኣብዚ መጺአ ነዚ ኹሉ ብምርኣየይ፣  ካብ ኩሉ ኤውሮጳ ተኣኪብኩም ከምዚ ክትገብሩ ከሎኹም ንኹሉ ኤርትራዊ ዘዅርዖ`ዩ። ሕጂ ኣነ ኣመጻጽኣይ ካብ ኤርትራ`የ  መጺአ ብቐጥታ። ነዚ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ዝግበር ዘሎ ክልተ ኣኼባታት – ሓደ ቅድሚ ትማሊ ነይሩ፣ ሓደ ከኣ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ኪግበር`ዩ። ክልቲኡ ከኣንኤርትራ ዝምልከት`ዩ፣ – ሓደ ብዛዕባ መሰል ደቂሰብ COI ዝገበሩዎ ምርምር`ዩ፤ ንሱ እቲ  ኣኼባ ክግበር ኣይተኻእለን -ብተቓውሞ ለይዲ ኪኖክ -Never Kneel Down – ዝብል መጽሓፍ ኣብ ሜዳ ከይዳ ዝጸሓፈት ሰብ ኢያ። ሕጂ ጸላኢትና ኮይና (ን ስርዓት ውልቀመላኺ ኢሳያ ማለትካ`ዩ) ዓንቂፋትና። ስለዚ፡ እቲ ኣኼባ ካብ ፓርላማ ወጻኢ ጌርናዮ፣ ተኻይዱ፡ ጽቡቕ ከይዱ። ካልኣይ ኣኼባ ክኣ ይመጽእ ኣሎ፣ ኣብኡ`ውን ክሳተፍ እየ።

ሕጂ  እቲ ዝዓበየ ዕላማና እንታይ`ዩ ነይሩ – እዚ COI – ሺላ ኪታሩት ደራሲት ጽሒፋቶ ዘላ ብዛዕባ ኤርትራ፡ ኣዚዩ እተጋገየ፡ ግጉይ ዝኾነ፡ ጭብጢታት ዘይብሉ ክሲታት`ያ ኣቕሪባ ዘላ። ስለዚ ንእኡ ከነፍርስ ምሁር ኤርትራዊ ኩሉ ክስለፍ ኣሎዎ ነዚኣ ንኽገብር፡ ዓቕሙ ከበርክት። ንምንታይ፡ እሳ ጽሒፋቶ ዘላ ከክፉኡ ኣብ ኤርትራ ሃለው ኢላ፡ ንዘሎ ስደተኛ ኹሉ ደሊያ፡ 450 ዝኾኑ ሰባት ኣዛሪባ። እዚኦም ከኣ እንታይ`ዮም፣ ስደተኛታት ኢዮም፣ ን ኣሳይላም ክረኽቡ ዝጽዕሩ ዘለዉ ሰባት`ዮም። ነዚኦም ክተሓቶም ከላ ብዛዕባ ኤርትራ፡ እንታይ ዓይነት ሓበሬታ`ዮም ዝህቡ? ፈቲዮም ኣይፈቲዮም፡ ንኤርትራ ከጸልሙ ኣለዎም። ከፊኡና፡ ተቐጥቂጥና፡ ተጨፍጪፍና ክብሉ ኣልዎም። እዚ ሓበሬታ ኣይኮነን፣ ክሲ`ዩ ብኣታቶም ወገን። ስለዚ፡ ንሳቶም ዝከኣሎም ይግበሩ፡ ምእንቲ ዕድል ክረኽቡ፣ ንሳ ግና ነዚ ከም ሓበሬታ ክትወስዶ ኣይግባኣን ነይሩ። ኣብ ክንድኡ። ነቶም ኣሳይላም ዝረኸቡ እንተ ተዛርቦም ካልእ ዓይነት ሓበሬታ ምተረኽበ ብዛዕባ ኤርትራ። ስለዚ፡ ንሳ ኣይትግበሮ`ምበር፡ ኣነ ባዕለይ ክገብሮ ወሲነ ኣለኹ ነዚ።

ካልኣይ ከኣ ከረድኣኩም ዝደሊ እንተ`ሎ፡ – *ክልተ ኣህጉራዊ ሕግታት ኣሎ፤ ንዓና ዝምልከት ንሳ ተጠቒማትሉ ኣላ፣ ሓደ ከኣ ዕሽሽ ኢላ ሓሊፋቶ`ያ። ንምንታይ – *International convention of Civil and Political መሰል ናይ ምዝራብ፡ መሰል ናይ ኣኼባ – ነዚታት ዝምልከት`ዩ፤ ንውልቀሰባት ዝምልከት`ዩ። እቲ ካልኣይ ግና *International Convention of economic, social and cultural life ዝብል`ዩ፤ እዚ ከኣ እቲ ዝዓበየ ዓወታት መንግስቲ ኤርትራ ዘመዝገቦ ኣብኡዩ፤ ማለት ናይ ህዝቢ መሰል ከኽብር`ዩ ፈቲኑ መንግስቲ ኤርትራ፤ ነዚ ኹሉ ሸፊናቶ ሓሊፋ። ስለዚ ንሕና ብኽልቲኡ ሕጊታት መልሲ ክንህባ ኢና፤ ብእኡ ከኣ ነቲ ገይራቶ ዘላ ክሲታት ከነፍርሶ ክንፍትን ኢና። ንሓዋሩ ኸኣ፡ እቲ ንሳ ሸፊናቶ ዘላ ኣብ ሜዳ ጥዕና፡ ኣብ ሜዳ ትምህርቲ፡ ኣብ infrastructure (ትሕተ ቅርጺ)፡  ኣብ ዲጋታት ምስራሕ፣ እዚ ኹሉ ድኽነት ንምውጋድ ዝተገብረ ጻዕሪ፣ እዚ ኹሉ  ዝተገብረ ሳዕሪታት ዋላ ሓንቲ ከም ቁምነገር ጌራ ኣይትርእዮን ኢያ። ስለዚ፡ እዚ`ዩ እቲ ዝዓበየ ጌጋ፣ ንሕና ኸኣ ፡    እዚ ኣብ ቦትኡ ኣሎ፡ ኣይንገድፎን ኢና፣ ኩላ ኣብ ዓለም ዝዝርጋሕ ክንገብራ ኢና፤ ነዚ ጌርና፡ ኩላትኩም ክትተሓባበሩና ተስፋ ንገብሩ። በብወገንኩም ፈትኑ። የቐንየለይ።ብምባል ዘረባኻ ዛዚምካ።

ንነበብቲ ከብርሆ ዝደሊ፡ ዝተዛረብካዮ ሓንቲ ከይገደፍኩ ተር ከም ዓተር ጌረ እየ ጽሒፈዮ ዘለኹ፣ ዘይኣመነ፡ ነዚ ጽሑፍ ሒዙ ንዘረባኻ ክሰምዖ እዕድሞ። ብዝኾነ፡ ቃልካ፡ ዋላ ብናይቲ  ብሓሶት ባህሪ ዝተሞከረ ደረጃ ህግደፍ፡ ካብ ልቢ ዝወጸ ከም ዘይነበረ ዘነጽር፡ ኣዚዩ ድኹም ዘረባ`ዩ ነይሩ ክብለካ እደሊ። ከምቲ ኣብ ሚሐ ዝፈሰሰ ማይ ክዓቍር ዘይኽእል፡ ኣብ ኣእዛን`ቶም ክተሓባበሩ ትላበዎም ዝነበርካ መንነቶም ዝሸጡ ዝዓቘረ እውን ኣይመስለንን። –“ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ“ – ዝብል ብሂል ኣዴታትዶ ሰሚዕካ ትፈልጥ። ነዚ ሓቅነቱ ዝነደየ ዘረባ ከተስምዕ ንጀነቫ ምኻድካ ን ጐይታኻ ኣየሓጐስካዮን። ምናልባት ነቲ የማነ ህበይ ሰዲዱዎ እንተ ዝኸውን፡ ብሓሶት ዝተሳሕለት መልሓስ ስለ ዘላቶ፡ ንሱዶ ምሓሸ ነቲ ሓቂ ኣብ ናይ ምዝምባዕ ፈተነ። እምበር እኳ፡ ሎምስ ኣይከም ቀደምን፣“ሓቂ እናሓደረ ይዅላዕ ከም ወርቂ “- “ ሓቅን ወጋሕታን እናጸንሐ ይግለጽ“ –  ከም ዝበሃል፡ ቃልዕ ዝወጸት ሓቂ ደጊማ ክትቅበር ፍጹም ዘይሕለም`ዩ። ከም መሰነይታኻ፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝተለቁሑዎ፡ ዶክ. ሞሓመድ ሓሰን ዝተባህለ፡ ምናልባት ሶማሊያዊ-ኢትዮጵያዊ ወይ ወድ ካልእ ብሄር ይኸውን፡ ብዛዕባ ታሪኽ ቅድሚ ፈደረሽን፣ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ፡ ብፍላይ ናይ እዋን ሻዱሻይ ወራር ክምህር ፈቲኑ፤ ልዕሊ ጳጳስዶ ካቶሊኽ – ንህዝቢ ኤርትራ ታሪኽና ክምህረና ያኢ! ወይ ጉድ፣ ዘመን ሕልፈት ዘየምጽኦ የብሉን።

ናብቲ ክልተ ሕጊታት ዝበልካዮ፡ ብዛዕባ ንሰብኣዊ መሰል ዝምልከት ሰነዳት ሕ.ሃ. ማለትካ እንተ ኾይኑ ኣብ ቍጽሩን ስሙን ዝተጋገኻ እመስለኒ። ነተን ክልተ ክትብል ከለኻ ነተን ብ 1966 ዝጸደቓ ማንታታት ማለትካ እመስለኒ። ነቲ ቦዅሪ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰል ግን ጐሲኻዮ ክትሓልፋ ፈቲንካ፤ እቲ ምንታይ፡  ዓንቀጽ ብዓንቀጽ ብ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ጐይታኻ ተጋሂሱ፡ ብ COI  ዝኽሰሰሉ ዘሎ ሓያል ኣድማሳዊት ሕጊ ስለ ዝኾነ`ዩ።  እቲ ብጌጋ ስም ዝሰመኻዮ ክልተ ዝርዝር ሰነዳት  ሰብኣዊ መሰል፡ ነቲ  መሰረት  – ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰል – ብሰፊሕ ንምግላጽ ዝወጸ፡ ሰለስቲኡ ክፈላለ ዘይኽእል ንምልኣት ሰብኣዊ መሰላት ዘረጋግጽ ሰነዳት ኢዩ። ስለዚ፡ ብፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያኣስ ኣብ ኤርትራ ተጋሂሱ ዘሎ መሰላት ብግቡእ ክትርዳእ   እንተ ድኣ ደሊኻ፡ ንሰለስቲኡ ክትነቦን፡ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ጸልማት ህዝቢ ኤርትራ ኣዛሚድካ ክትርእዮን አማሕጽነካ። ብዝኾነ፡ እቲ ጐሲኻዮን ብጌጋ ሰሚኻዮን ዝሓለፍካ ሰነዳት ኣዳማሳዊ ሰብኣዊ መሰል ዝያዳ ክበርሃልካ እነሆ፡-

  1. Universal Declaration of Human Rights (ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት -1948)
  2. International Covenant on Civil and Political Rights ( ኣህጉራዊ ስምምዕ ኣብ በርጌሳውን ፖለቲካውን መሰላት-1966)

3.    International Covenant on Economic, Social and Cultural Rights ( ኣህጉራዊ ስምምዕ ኣብ ቁጠባውን፡ ማሕበራውን ባህላውን መሰላት-1966)

 

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠጠቐሰ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ኣዛሚድካ ምእንቲ ክትርእዮ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ብፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተፈጸሙ  ገበናት ካብ ቀላይ ብጭልፋዶ ፈይ ከብለልካ፡-

  1.  ቅትለት ኣካለ ስንኩላን፣
  2. ምዕጻው እንኮ ኣስመራ ዩኑቨርሲትን፡ ዊዓን ዘስዓቦ ኢሰብኣዊ ሞት ተመሃሮን፣ ምዅናን መንእሰይ ንድንቍርናን ወፍሪ ባርነትን፣
  3. ትርጉም ኣልቦ ኣጽናቲ ኲናታት ምስ የመን፣ ምስ ሱዳን፣ ምስ ኢትዮጵያ፣
  4. ቍጽሮም ዘይተፈለጠ ኣብ ጐዳጉዲ ማእሰርቲ ዝማስኑን ዝሞቱን ዘለዉ ንጹሃት ዜጋታት፣
  5. ኣብ ፈተነ ስግረ ዶብ ከም እንሳ ሃድን ብተመልከተለይ ዝወደቑ  መንእሰያት (ገሊኦም ንመሰክሒ ካልኦት ክኾኑ ምእንቲ ካብ ዝተቐተሉሉ ቦታ ተላዒሎም ኣብ ኣፍ ደገ መዓስከር ከም ዝስጥሑ ብዓይኒ ምስክር ተነጊሩ`ዩ) ክንደይ ኮን ይኾኑ፣
  6. ኣብ ምድረ በዳታት ሰሃራን ሲናይን ዝጠፍኡ ኣሽሓት፣ ኣብ ሲናይ ብኣውያት ጋር ነፍሶም ዝኸፈሉን፡ ተጐዪሖም ኰላሊቶም ንዕዳጋ ዝወረደን፣
  7. ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንዓለም ዘሰምበደ ናይ ላምፓዱሳ ህልቂት( ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዝሃለቑን ዝሃልቁን ዘለዉ ከይረሳዕና)፣ ኣፍሪቃ ሕብረት ናይ ሓዘን መዓልታት ዝወሰነሉ፣ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ግን ከይሓፈረ ዘይተፈልጡ ናይ ኣፍሪቃ ስደታኛታት ክብል ምዝራቡን ሬሳታቶም ዓዲ ኣቲዩ ከይቅበር ዝኸልከለን፣
  8. ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከተማ ለይቲ ተንሲኡ ኣብ መስርዕ ንባኒ፣ ንላምባ፣ ንማይ ዕለታዊ ህይወቱ የሕልፎ ምህላዉ፣
  9. መብራህቲ ኣብ መንጎ ጠፊኣተን ፡ ኣደታት ደቀን ከዐንግላ ብሑቕ ሒዘን ፈቐዶ ገዛ ገዛ ዘሰንክተን ክደልያ ዘሕልፍኦ ሓሳር፣
  10. ህዝቢ ኤርትራ ብስእነት ብቑዕ ሕክምናን ስእነት መድሃኒትን ክሓዊ ካብ ዝኽእል ሕማማት ይመውት ምህላዉ፣. . . .ክንደይሞ ክንብሎ? ኣብ ኤርትራ ዘይተሰነደ`ምበር ዘይተፈጸመ ገበን የለን።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓለም መወዳድርቲ ብዘይብሉ ጭቆና ክጸንት: ተሳፋ ምዕባሌኣ ኪኸውን ዝነበሮ መንእሰይ ውላዳ ብዂናትን፡ ማእሰርትን፡ ብስደትን ምብትታንን ተባሕጒጉ፡ ን ማሕበራዊ ምድረበዳነት ትቃላዕ ዘላ ኤርትራ እናረአኻ፡ – “ኣብ ትምህርቲ፡ ኣብ ጥዕና፡ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ `መንግስቲ` ኤርትራ እዚ ከኣ እቲ ዝዓበየ ዓወታት መንግስቲ ኤርትራ ዘመዝገቦ ኣብኡ`ዩ“  ኢልካ ከይሓፈርካ። ጽባሕ ንጕሆ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዘሕትተካ ጥልመት ምሁር ምዃኑ ግን ኣይትረስዕ።

ከም ብዕድመ ዝደፋእካ፡ ብሞያኻ ዓቢ ጸጋ ሃገርካ ዝኾንካ፡ ብሊቅነታዊ ንጽህናኻ (intellectual integrity) ግን ሳእኒ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ብመልሓስካ ኣብ ምጽራግ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ዓለምን ትፋእካ ዘልመጽካ ዜጋ ምዃንካ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ድርብ ሓዘኑ ኴንካ ብምርካብካ፡ ምስ ጐይታኻ  ኣብ ናይ ታሪኽ ኰሓፍ ክትድርበ ምምራጽካ ግቡእ ቦታኻ ኢዩ። እንተ ኾነ ግን፡ ንህዝብኻ ይቕረታ ሓቲትካ፡ ንዝተረፈ ዕድሜኻ ነጺህካ ብመትከላዊ ሊቅነት ከተገልግሎ ዝሓሸ ኣማራጺ ምዃኑ ትስሕቶ ኣይመስልንን፤ እቲ ምርጫ ኸኣ ኣብ ኢድካ ኢዩ፣ ትብዓት ጥራይ`ዩ ዝሓተካ።

ፕረሲደንት ኣብርሃም  ሊንኮልን -“ሓደ ሰብ ዓሻ ክብለካ ሓደ ነገር`ዩ፣ ባዕልኻ ኣፍካ ብምኽፋት ከተረጋግጾ ግን ካልእ ነገር`ዩ“ – ኢሉ ይበሃል። ንከምዚ ከማኻ ኣብ ጊዜኡ ንዝነበሩ ምሁራት ዓያሹ  ብምግራም ዝተዛረቦ ምስ ጊዜ ዘይሃሰሰ ልቦና ኢዩ። ኣብ ባህልና`ውን እኮ ምስ ጊዜ ዘይሃስስ ልቦና ሓዘል ምስላታት ከም ዘለና ከም ባህላዊ ኣንትሮፖሎጂስት ምሁር ትፈልጦ ኢኻ። እቲ ምስ ናይ ፕረሲደንት ኣብርሃም ሊንኮልን ቃል ዝሰማማዕ ኣብነት ምስላ ቀዳሞት – “ዓሻ ከመይ ኣሎ? ዓሻስ ደሓን ኣሎ፣ ዘመድ ዓሻ ከፊኡዎ`ሎ“- ከምኡ`ውን፡ –“ሓሶት ንሓደ ዕለት ኣሶት(ዋጋ)፡ ንዘለዓለም ፍዅሰት“ ይበሃል`ዩ።

ኣይንዓሎ! ሕማቕ መዓልቲ ውዒልካ ዶክ. ኣስመሮም ለገሰ። ንነባሪ ሃገርን ህዝብን ክሒድካ ንሓላፊን ፉንፉንን ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ክትምብርከኽ፡ ንኽቡር ወለዶኻ ዘጽርፍ ምዃኑዶ ዝሕብረካ ሓደ ለባም ቤተሰብ ወይ ዓርኪ ስኢንካ?

ኣብ ውሽጢ`ዛ ህዝባ ንኸይነብር ዝተፈርደላ ተካል ሃገር እናነበርካ ናይ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ኮነ ናይ ምግባእን ምንቅስቓስን ሓርነት ዘይብልካ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሓንጎልካ ዘሎ እኮ ንፈልጦ ኢና እናበለ ሰብኣውነት ምግፋፍ (dehumanize) ከም መዛናግዒ ዝጠቀመሉ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ጐይታኻ፡ ንዓ ንጀነቫ ኬድካ በዘሎካ ዓቕሚ ሓሲኻ ንናይ COI ውሳኔ ንምቅዋም መድር ስለ ዝበለካ፡ ካብዛ ዘለኹዋ ትንፋስ ኣልቦ ህይወትሲ፡ ዋላ ንሓጺር እዋን ብሓሶት እንተ ኣስተንፈስኩ ኣይከፍኣንን`ዩ ኢልካ ዝተቐበልካዮ ትመስል። ኣብዚ እነሀልካ ቁልቁል ኣፉ ዝተደፍአ ተራ ምሁር። ከም ምሁር ግድን ትፈልጦ ኢኻ፣ ግን እንተ ኣካፋልኩኻ ኣይኸፍእን። ንገበናት ኣመሪካን እስራኤልን (ጂዊሽ ወለዶ ዘለዎ) ሰገጥ ከይበለ ዘቃልዕ፡ ፕረፈሶር ናዎም ቾምስኪ (Naom Chomsky): –“ሓላፍነት ምሁር፡ ንሓቂ ምቅላሕ፣ ን ሓሶት መንግስቲ ምቅላዕ“ –  ኪብል ገሊጺዎ ኣሎ። ንስኻ ከኣ፡ ነዚ ቁልቁል ኣፉ ደፊእካ – ንሓቂ ምድፋን፡ ንሓሶት መንግስቲ ምቅላሕ – ጌርካዮ ኣለኻ።

ነቲ ኣብዛ ዓለም ህላዌኻ ኣብ ዘብቅዓሉ ሰዓት ብኽብርን ብውዑይ ንብዓቱን ከፋንወካ ዝግባእ ዝነበረ ጸጋ ፍቕሪ ህዝብኻ ረጊጽኻ፡ ባዕልኻ ብደውካ ሞትካ ምእዋጅካ እሓዝነልካ። እቶም ኣሰርካ ዝኽተሉ ዘለዉ ምሁራት ዜጋታት ኤርትራ ካብዚ ናትካ ተማሂሮም ምስ ህዝቦም ኪዕረቑ ከዛኻኽሮም እደሊ። ብስም`ቲ ኹሉ ዝዘርዘርኩልካ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ንቡር ህይወት ሓሪሙዎ፡ ግዳይ ስቓይን መከራን ጥፍኣትን ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ዓገብ እብለካ።

 

ክቡር ግብራዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

ሰላምን ራህዋን ኪሰፍን፡ ምልኪ ይፍረስ፡ ፍትሒ ይንገስ!!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Yohannes July 16, 2016

    In Tomorrow democratic Eritrea, Prof Asmarom will come and claim he is a prof. . Dear Prof let me give you a free of charge advice from now – in 2016. First, Please don’t come to Eritrea and claim you are a prof. Second please don’t make any kind of excuse to what you did to ERITREAN PEOPLE during their difficult time. I wonder which university award you with prof. I am sorry, but you are zero prof.

  • wedi Toronto July 16, 2016

    That’s why we have to repeat and rewrite the old song of “don’t cry for me Argentina” to don’t cry for me Eritrea, you have all your elites and tegadelti mendef of gedli children representing you greatly at all levels. Things would not get any worse, would they?

  • stefanos temolso July 16, 2016

    ፕሮፈሰር ኣስመሮም ለገሰ ከምኡ ኢሉ ክዛረብ ከሎ ካብ በለጽን ኖኣይ ይጥዓመንን ተበጊሱ ከም ዝኾነ ርዱእ ይመስለኒ። ኣብ ኤርትራ ይነብር ስለ ዘሎ ለምኡ ካብ ምባል ሓሊፉ ክብሎ ዝኽእል ነገር የሎን። ግን ከኣ ከም ሰቡ ኣፉ ሒዙ ትም ክብል ይኽእል ነይሩ። ውልቀመላኺ ክእዝዞ ከሎ ገለ ምኽንያት ሂቡ ካብቲ ጽዩፍን ዘንዕቖን ዘረባ ክቝጠብ ምኸኣለ ነይሩ።

  • A. Isahac July 16, 2016

    Ato Ogbai Gebremedhin, this is almost the first sensible article I have so far read, or been able to find; and it is relieving to know that there are people like you out there. Being called a professor or writing a book on anthropology does not make a whole person, it is people like you who are going to make Eritrea whole again one day – sooner than later. You and people like you are Eritrea’s only hope. I really enjoyed reading your article and it gave me much hope.

  • NEXERE MELEY July 18, 2016

    ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰተስ፡ ሰ.ኣ.) ክንዲ ሽሕ ንስኻ ከለካ ፕሮፌሰር ሃገር ኣበይ ዘሎ ኣዳካሪ ኣስመሮም
    ኣንታ ዑቕባይ ሓውና ነቲ ቀለታ ኪዳነ ደኣ ከሙኡ ገይርካ ኣፉ ዘይተትሕዘልና
    ሰብ ንሕልንኡ’በር ንስሚዒቱን ንከብዱን ኢሉ ክግዛእ የብሉን

  • Wedi Selam July 18, 2016

    Doing the right way gives you peace of mind because that is God wants up to be. Please don’t forget that you are committed great crime against humanity so far. No one lived in power for ever even the strongest rulers. Excuse is not going to ease your crime. You are old enough to know what is right and wrong.

Post a Reply to Yohannes Cancel Reply