Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መላጉቦ ጊዜ፡ ዝሓለፈ፣ ህልዊ፣ መጻኢ፤

መላጉቦ ጊዜ፡ ዝሓለፈ፣ ህልዊ፣ መጻኢ፤ ምስናድ ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡  ካብ  ምዕቃብ ታሪኽ ናይ ዲሞክራሲያውያንን ሓርበኛታትን ኤርትራውያን ተፈልዩ ዘይረአ ሃገራዊ ሓላፍነት እዩ። ዕላማ ተበግሶ ምስናድ ታሪኽ ተ.ሓ.ኤ.  (ብጽሑፍ፡ ብቃል፡ ብስእሊ)፡ ብባህርያቱ ፍትሓዊ እዩ። ስለዝኾነ፡  ካብ  ንሃገርን ህዝብን

መላጉቦ ጊዜ፡

ዝሓለፈ፣ ህልዊ፣ መጻኢ፤

ምስናድ ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡  ካብ  ምዕቃብ ታሪኽ ናይ ዲሞክራሲያውያንን ሓርበኛታትን ኤርትራውያን ተፈልዩ ዘይረአ ሃገራዊ ሓላፍነት እዩ። ዕላማ ተበግሶ ምስናድ ታሪኽ ተ.ሓ.ኤ.  (ብጽሑፍ፡ ብቃል፡ ብስእሊ)፡ ብባህርያቱ ፍትሓዊ እዩ። ስለዝኾነ፡  ካብ  ንሃገርን ህዝብን ኤርትራ ንምድሓን  ንለውጥን ንፍትሕን ዝሓንን ዘሎ ቃልሲ ኣይፍለን።  ምንቃስቓስ  ዳግመ-ርኽክብ ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ናይ ዝነበሩ ተቓለስቲ፡  ሓደ ኣገዳሲ ኣካል ምንቅስቓስ ደለይቲ ፍትሒ  ኤርትራውያን ምዃኑ  ከም`ቲ ንሓደ ፈለግ  ብዙሓት ተጸንበርቲ ስንጭሮታት ክሕወስዎ ከለዉ ዝብርትዕን ዝሕይልን ክምሰል ይክኣል።

ሓርበኛ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝሓለፈ እዩ ተባሂሉ ንክርሳዕ ምግዳፉ ንኤርትራውነት ዘጉድል ዘንባል ተረድኦ ጥራሕ`ዩ። ታሪኽ ሓርበኛዊ ዕጥቃዊ ቃልሲና ንናይ ሓባር ሃገራዊ መንነትና  ከዐሙቝን ከድልድልን ኣኽኢሉ። ስለዝኾነ፡  ንሎሚ ይኹን ንዝስዕብ ቀጻሊ ወለዶታትን፡ መላጉቦ ናይ ሓባር ኤርትራዊ መንነት ብምዃኑ ቆንጠጥ ኢልና  ብክብሪ ክንስንዶ ክንዕቅቦን ግድነት ይኾነና።

ናይ ትማሊ፣ ናይ ሎሚ፣ ናይ መጻኢ፣  ምእንቲ ምርግጋጽ ኤርትራዊ  ነጻነት ዝተወፈዩን ዝውፈዩ ዘለዉን መስዋእቲ፡ ናይ ሃገራዊ ሓድነትና ዋሕሳትን ክተሜታትን እዮም። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ብኣኣን ኣብኣን ዝተፈጸመን ዝተሳላሰለን እወንታኡ ይኹን ኣሉታኡ ታሪኽ ተሰኒዱ ንወለዶታት ብሩህ ክኸውን ምግባሩ፡ ሃገራዊ ረብሓን መኽሰብን ኢዩ። ዕላማ ተበጉሶ ዳግመ-ርኽክብ ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ናይ ዝነበሩ ተቓለስቲ እምብኣር ነዚ ሃገራዊ ረብሓን መኽሰብን`ዚ ብዓቕሙ ክዉን ንምግባር`ዩ ነቲ መስርሕ ፈሊምዎ ዝርከብ።

ዕላማ ዳግመ-ርኽክብ ናይ ኣብ ተ.ሓ.ኤ ተቓለስቲ ዝነበሩ  እቲ ሰፊሕን ክቡርን ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ከም ዘይፍለ ኣካል ሓርነታዊ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ተቐቢሩ ከይተርፍ፡ ከይርሳዕ፡ ብዚተፈላለየ መልክዑ ንምእካቡን ንምስናዱን ስለዝኾነ፡ ክሰፍሕ፡ ብሓሳብ ይኹን ብተሳትፎ ኣብዝሓ ክረጋገጽ ዘየቋርጽ ጻዕሪ ክገብር ይግበኦ።

ቅያ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ.) ተደርብዩን ተረሲዑን ንከይተረፍ፡ ብቃል፡ ብጽሑፍን፡ ብስእልን ንምስናድ ቀሊል ስራሕን ብድሆን ኣይኮነን። ብዙሓት፡ ዓቕሞም ዘፍቅዶ ከበርክትሉ ከለዉ ጥራሕ`ዩ ዝልለ ውጽኢት ከረጋግጽ ዝኽእል። ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ዝተመኮርናዮ ተመክሮታት፡ ኣብ ምርድኡን ምትርጓሙን ሓደ ዓይነት ክኸውን ኣይክእልን። ተመክሮታትና ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ብሓባር ክንድህስሶን ናብ ሓቂ ዝቐረበ መኣዝን ናይ`ቲ ታሪኽ  ንክሕዝ  ጻዕርታትን ንክንገብርን ግን ተደላይነቱ ዕዙዝ`ዩ። ዕላማ ደግመ-ርኽክብ እምበኣርከስ ንታሪኽ ተ.ሓ.ኤ.  ብመንጽር ዝተፋለለየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ኣተራጓጉማን ምግንጻል እምበር ኣብ ሓደ ናይ ሓባር መደምደምታ ንምብጻሕ ኣይኮነን።

ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ወረቓቕቲ ወይ ኣብ ቪድዮ፡ ወይ ኣብ ካልእ ናይ ታሪኽ ማህደራት ንዝተሰነደ ናብ ሓደ ንምጥርናፉ ኣጸጋሚ ኣይምኾነን።  እቲ ሰፊሕን ዓሚቝን ታሪኽ፡  ኣብ ተመኩሮታት ተዘክሮታትን ናይ`ቶም ኣሻሓት ተቓለስቲ`ዩ ዘሎ።  ሎሚ ደጊምና  ክንረኽቦ ዘይንኽእል ተዘክሮታት! ቅያታት! ፍጻሜታት፡ ምስ ብሞት ዝተፈለዩና ተቓለስቲ ተቐቢሩ እዩ።  ከምኡ`ውን ምስ ምድፋእ ዕድመን ምንዋሕ ዓመታትን ዝሃስስን ዝርሳዕን ተመክሮታት ብቀሊል ክግመት ኣይክኣልን። ነዚ ሓቅታት`ዚ ተረዲእናን ክሳራታትና ዝተዓጻጸፈ ከይከውን፡ ይጽናሓልና ከይበልና፡ ኩሉ ዝክኣለና ክንገብር፡ ኣድላይነቱ ህጹጽ`ዩ።

“ሓጺሩኒ ተበልኩስ ተደቢሩ ይስዕስዕ“  ከም ዝባሃል፡ “ቅድም ንስርዓት  ምልካዊ ስርዓት ጉጅለ ኢሳያስ ነልግስ!!“ ድሓር ጉዳይ ታሪኽ ንገብር..  ዝብሉ ምህላዎም እዩ። ተነጻጺሉ ክረአ ዘይግበኦ ናይ ቃልስን ስራሕን መስርሕ ፈላልዮም ከቕርብዎ ይፍትኑ። ምሉእ ናይ  ዓወት መዛዘሚ ከረጋግጽ ዘኽእል ናይ ቃልሲ መስርሕ ነጺጎም፡ ፍርቂ ኣካሉ ዝለመሰ ይመርጹ። ዝተሰነደ ናይ ኩሉ  ህዝባውን ውልቃውን ንጥፈታትን ፍጻሜታትን፡ ኣብ ህልዉን መጻእን መወከሲ ምዃኑ ከመይ ይዝንጋዕ? ከም`ቲ “ክወግኡካ ከለዉ፡ ምድሪ ውጋእ“ ዝብሃል፡ ንዓማጺ ሃገርን ህዝብን፡ ኣብ ባይታ መሊእካ ረጊጽካ ምግጣሙ ዝመስልዎ የለን።

እዚ ደምሳሲ ክብሪን መንነትን ናይ ሕብረተ-ሰብና ዝኾነ ስርዓት ጉጅለ ኢሳያስ፡ ብኩሉ መኣዝናት ናይ ቃልሲ ክብዳህ፡  ኣብ ሓድ-ሕዱ ዝማላላእን ዝማራኾስን ናይ ቃልሲ ባህሊ ኣታኣታቲና፡ ንኤርትራን ህዝባን ንምድሓን ኣብ ዝካየድ ህዝባውን ዲሞክራሲያውን ቃልሲ ብኩሉ መዳያቱ  ሓያል ኮይኑ ክወጽእ፣ ንናይ ጥፍኣትን ምብዳምን  ወረራ ብሓድነት ንበድህ!!!

ምልካዊ  ስርዓት ኤርትራ፡ ግደፍ ንታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ንታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ከይተረፈ ብቐጻሊ ይድምስሶ ኣሎ ። ስርዓት ኢሳያስ፡  ንጅግንነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘህሰሰን ዘዳኸመን`ዩ። ኣብ`ዚ ጥራሕ ዝሕጸር`ውን ኣይኮነን። ንዘበናት ቀንዲ መለለዪ ናይ መንነት ሕላገትን  ኮይኑ ንዝጸንሐ መነባብሮ፡ ያታን ልምድን፡ ክብሪ ቤተ-ሰብን ስኒትን፡  መንፈሳዊ እምነት፡ ስነ-ኣእሙሮዊ ኣተሓሳስባ ናይ ሕብረተ-ሰብና ብስም “ሓዳሽ ኤርትራ“  ደሚሲሱን ብቐጻሊ ይድምስስ ኣሎን። እዚ ሓቅታት`ዚ መመሊሱ ይበርህ`ሎ። ኤርትራ፡ ብዘይ ኣሰር ናይ ታሪኽ ዘለዎም ለባማት፡ ብዘይ መንእስያት፡ ብዘይ ምሁራት፡  ዝገደደ ከኣ፡ ብዘይ ዜጋታታ ዕጸ-ግዳም ጥራሕ ክትከውን ዝተፈረደት እያ ኮይና ዘላ። ኣብ ከም`ዚ  ዝበለ ኣዝዩ ሓደገኛ ህሞት፡ ኣብ ኣስመራ ንዘሎ ኢደ-ወነናዊ ስርዓት፡ ክቕኒ ዝመርጹ፡ ዝተዳናገሩን ምስ ጥፍኣት ኤርትራ ረብሓ ዘለዎምን ጥራሕ እዮም።  ብኣንጻር`ዚ፡ ተልእኾን ሽቶን ዳግመ-ርኽክብ ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ናይ ዝነበሩ ተቓለስቲ፡  ንሰራውር ኤርትራውነት ብኩሉ መኣዝናቱ  ኣብ ምዕቃብን ህይወት ኣብ ምሃብን ዝነጥፍ ዘሎ ወለንታዊ ምንቅስቓስ እዩ።

ኣብ ኣትላንታ፡ ሰነ 27-29 2014 የራኽበና።

 

                    ሕንቕ-ንቕ ኢሉኒ ን ኽ ዝ ክ ረ ካ > > > >

                                    ረ ሲ ዐ ካ   ድ  የ >>>> ን ስ ኻ   ር  ሒ  ቕ   ካ !!!  መዝሙር ጽባሕ (ሜዳ)

ጸጋይ ነጋሽ

06/20/2014

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Hagherawi June 29, 2014

    Paradiso, aka Bokre

    Leave Eritrean issues to its owners. Mind your business.

POST A COMMENT