Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕጅስ ድማ ኣብ በይ-ኤርያ!!

ሕጅስ ድማ ኣብ በይ-ኤርያ!! ብወልደየሱስ ዓንደማርያም ኦይ!! ኦይ!! ኦይ!! ክቡራት ኣሕዋት ሰብ ኩኑ። ዓይኒ የብለይ እዝኒ የብለይ ምባል እትረፍኩም። ኣብ በይ-ኤርያ ደፊርኩም ኣድራሽኡን መዓልቱን ረቚሕኩም፡ ኣብ ልዕሊ ሬሳታታና ጓይላን ፍንጠስያን ዳንኬራን ክትተኽሉ ተራእይኩም።ብሓቂ ድዩ? ከመይ ጌርኩም ኢኹም

ሕጅስ ድማ ኣብ በይ-ኤርያ!!

ብወልደየሱስ ዓንደማርያም

ኦይ!! ኦይ!! ኦይ!! ክቡራት ኣሕዋት ሰብ ኩኑ። ዓይኒ የብለይ እዝኒ የብለይ ምባል እትረፍኩም። ኣብ በይ-ኤርያ ደፊርኩም ኣድራሽኡን መዓልቱን ረቚሕኩም፡ ኣብ ልዕሊ ሬሳታታና ጓይላን ፍንጠስያን ዳንኬራን ክትተኽሉ ተራእይኩም።ብሓቂ ድዩ? ከመይ ጌርኩም ኢኹም ኒዕቕኩሞ ነዚ ህዝቢ። ኣብ ሰምበል ንሸኾና ፈረስ ዘጥሕል ደም ክፈስስ እዩ ይብላና ነይረን .ኣዴታትና። እዚ ሕማቕ ትንቢት እዚ ካበይ ከምዝሰምዕኦ ኣይፈልጥን። ክዓብያ እንከለዋ ዝተነግረን ናይ ወሎዶታት ትንቢት ከም ምዃኑ እዩ ዝርድኣኒ። እዚ ኾይኑ እቲ ግና ሓቀን ኮይነን። እቲ ለባም ወለዶ ክንጥንቀቕ ኢሉ ዝነገረና እዩ። ኣይተጠንቀቕናን። ኣብ ግዜና ድማ ብዓይንና ርኢናዮ። ህልቀት ባሕሪ መዲተራንያን ድማ ሓደ ኣካል ናይዚ ትንቢት እዚ እዩ።

እምበኣር ደለይቲ ፍትሒ፡ ነቶም ክሳብ ሕጂ መጋበርያ ህ.ግ.ደ.ፋ ኾንኩም ዘለኹም  ዜጋታትና ክንነግረኩም ንደሊ። እቲ ሕማቕ ትንቢት ብሰንክኹም ኢና ርኢናዮ። ኣብ ሃገርና፡ ዝያዳ ካብቲ ካብ ሰማይ ዝነጠበ ዝናብ፡ ኣብ መሬትና ዝፈሰሰ ደም ይበዝሕ ንብለኩም ኣሎና። ስለዝኾነ ከኣ፡ ይኣክል!! እዚ ነገር እዚ ደው ክብል ኣለዎ ንብል። ንዝገበርኩሞን ንዝረኣኹሞን ኢና ንነግረኩም ዘሎና። እዚ  ዕስራ ዓመታት እዚ ኣብ ሓዘንን ቃንዛን ቃልስን ኢና ኣሕሊፍናዮ። ካብ ቀደሙ እውን እቲ ጓይላታትኩም ኣብ ታኼላ ደም ዜጋታትና ይእጎድ ከምዝነበረን ዘሎን ንነግረኩም ኔርና። ምኽንያቱ፡ እቲ ዋሕዚ ደም ኤርትራውያን ኣየቛረጸን። በብመዓልቱ ሞትን ብርሰትን ማእሰርትን ህዝብና ይደራረበና ኣሎ።

እዚ ወርሒ ጥቅምቲ እዚ፡ ህልቀት ባሕሪ መዲተራንያን ከም ዝወረደና ኣይሰማዕናዮን ክትብሉ ኣይትኽእሉን። ኣብ በይ-ኤርያ ጓይላ ክገብሩ እዮም ምስ ሰማዕኩ ግና፡ ደንጽዩኒ ክኣምን ኣይከኣልኩን።፡ ናታትኩም ነገር መሪሩኒን ዕረ ጥዒሙንን ድማ ዘይዝሩብ ከዛርበንን ዘይሕሱብ ከሕስበንን ጀመረ። ኣብ መጨረሽታ ግና ዝሰምዐ ይስማዕ ብማለት፡ እዛ ንእሽቶ ርእይቶ ሓንጢጠሎም ዘይዓርፍ በልኩ። ምሳኻትኩም ምጉት ክተክል ምስ ሕልናኹም ድማ ክዛረብ ዘበገሰኒ ምኽንያት፡ መብዛሕትኹም ንህ.ግ.ደ.ፍን መጋባርያኣን ክትገድፍዋ ኣብ መስርሕ ከም ዘለኹም ስለዝፈልጥ እየ።

እቶም እዝኒ የብለይ ዓይኒ የብለይ ትብሉ ዘለኹም፡ እተን ሰለስተ ህዋሳትኩም ይሰርሓ ከም ዘለዋ፡ እተን ኣብየናኹም ዘለዋ ክልተ ድማ ከተስርሕወን ገደል ትብሉ ከምዘለኹም እዩ ዝነግረኒ። እንተኾነ ግና ሓደ ኣገዳሲ ነገር ክነግረኩም እደሊ። እቲ ንሓሙሽተ ህዋሳቱ ከስርሕ ዝበቕዐ መጋበርያ ዝነበረ ኩሉ ጠንጢንኩም፡ ህ.ግ.ደ.ፍኩም ልክዕ ከምቲ ሕዝ ተበልካዮ፡ ስጋ ኾነ ዓጽሚ ዘይብሉ ጨጓር ከልቢ እያ ኾይና ዘላ። በሉ ንስኻትኩም ድማ ሰብ ሓሙሽተ ክትኮኑ፡ ነዘን ክልተ ተሪፈናኹም ዘለዋ ክንቃንየን፡ እስከ ብሓባር ኣብ መስርሕ ንጽመደን። ምሉእ ሰብ ክትኮኑ ንፈትነን።

ኣቱም ሰባት! እዝኒ የብለይ ዓይኒ የብለይ ትብሉ ዘለኹምሲ፡ ዶምበር ዶ ዓዲ፡ ርስቲ፡ እንዳ ዝብሃል ኣለኩም? ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ “ኡይ!! ጠፋእኩ!! እብተን እጸንት ኣለኹ!!” እንዳበለ ኣብ መሪር ሓዘን እንከሎ ክትዕንድሩ እትደልዩስ፡ ደቂ መን? ማይቤት መን? እንዳ መን? ትብሃሉ። ዶምበር ዶ ሓብቲ ኣላትኩም? እታ ዝጠሓለት ኤርትራዊት ነፍሰ-ጾር፡ ኣብቲ መዓሙቕ ባሕሪ  ዕድሜኡ ዝቐረበ ህጻን ከይድዋ፡ ኣብ ሞንጎ ክንደይ ሬሳታት ምስ መድሓንታ ተረኺቡ። ኣብቲ ውሽጢ ድቕድቕ ጸልማት ባሕሪ፡ እቲ ህጻን ብጭንቀት እንዳበኸየን እንዳኣእወየን፡ ካብ ማሕጸን ሓብትኹም ብኽንደይ ገድሊ ፈንጠርጠር ኢሉ ክወጽእ እንታይ ይስምዓኩም። እዚ ህጻን እዚ ገና ሓመድ ኣይለበሰን ኣሎ። ድምጺ ኣውያቱ ክሳብ ሕጂ ኣብ እዝንና ንሰምዖ ኣሎና። እዚ ኣውያት ናይ ሓደ ህጻን እዩ። ንኤርትራዊ ንኡስ ወለዶ እቲ መዓሙቕ ባሕርን እቲ መሬት ኤርትራን ሓደ ኣዩ ኾይንዎ ዘሎ። ኢሳያስ ሕማቕ ዘመን ፈጢሩ፡ ከርሲ ኤርትራ ኣብ ምድሪ ሲኦል ቐይሩ፡ መሬት ሃገርና ጨኪና ንደቃ ከምትኲስትርን ትተፍእን ገይርዋ ኣሎ። ናይቶም ዘይንገሮም በብመዓልቱ ኣብ መሬት ኤርትራ ብጥሜት ዝቕዘፉ ዘለዉ ኣሽሓት ህጻናትን ቆልዑትን ድምጺ ከ እንታይ ትብልዎ? ሕጅስ እዝንኹም ክሰምዕ ጀሚሩ ግዲ ይኸውን።

ነቲ ኣብ ሕቚፊ ኣዲኡ ኾይኑ ብሓለንጊ ጥሜት ዝግረፍ ዘሎ፡ መዓናጥኡ ተቖጻጺርዎ፡ “ኣደ ቅጫ!!” እንዳበለ ዓንገረር ክብል ዝውዕል ኣውያት ቆልዑት፡ ኣይሰማዕናዮን ኣይትበሉ። ነታ ጭራም እንጌራ ዝውሃብ ተሳኢንዋ፡ ኣዲኡ ትገብሮ ጠፊእዋ ኣብ ማሕዘል እንዳረረወቶ እንከላ ኣብ ሕቖኣ ዝዓርፍ ዘሎ ህጻን፡ ጠንቂ ሞቱ ትፈልጥዎ ኢኹም። እዚ ዜጋ እዚ፡ መርኣያ ናይቲ “እንታይ ከም ዝኾነ እከሊት ቆልዓ ተጎዲእዋ፡ ንኺድ ነቃብራ፡” እንዳተባህለ ዝድፈን ዘሎ ኣሽሓት ሂወት እዩ። ኣዲኡ ኣብ ሕቕፍኣ ዓይኒ ዓይኑ እንዳጠመተቶን ኣጆኻ እንዳበለቶን እንከላ፡ ኣዒንቲኡ ዝጠልምኣ ዕሸል ከ?… ኢሳያስ ብስደትን ጥፍኣት ንባሕርን ንምድረበዳን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብኡ ዝገድድ ብነጋሪ ዘይብሉ ጥሜትን ዓጸቦን ንወሎዶና የብርስን የጽንትን ኣሎ። በጻሕቲ ዓዲ ስለዝኾንኩም ብዓይንኹም ዝረኣኹሞ እዩ። ኣይረኣናን ኣይትበሉ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ኣብዚ ዓምታት እዚ መብዛሕትኡ ዓዲ ዝበጽሐ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ብርሰት ሃገሩ ኣሕዚንዎ መጋበርያ ህ.ግ.ደ.ፍ. ምዃን ይገድፎ ከም ዘሎ ትርእይዎ ኣለኹም። ገለ ቑጽሪ ካብኡ ቀዳም ምሸት ምሳና ተሰሊፉ ክቃወም ክትርእይዎ ኢኹም። ኣብ ሪችሞንድ ትውጋሕ ለይቲ ክትብሉ ትዳለዉ ዘለኹም ዜጋታት፡ ኣዕንትኹም ክፈትወን። መጋበርያ እዚ ዕንወት እዚ ኣይትኹኑ ንብለኩም ኣሎና።

ህልቀት ላምፓዱሳ ኣብ ሃላዋት ህ.ግ.ደ.ፋውያንን መጋብርቱን ዓቢ መቐይሮ ኾይኑ ኣሎ። ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ መጋበርቲ፡ ሬሳታት ዜጋታትና ካብ ባሕሪ ከም ዓሳ ተዘቑቖም ክወጹ ርእዮም። ክኽሕድዎ ኣይከኣሉን። ካብ ስርሓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ድማ ክእለዩ ጀሚሮም ኣለዉ። ዝተረፍኩም ተዳናገጽቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ካብ ውሽጢ ህዝብና እንዳተነፈኹም ትመጹ ከም ዘለኹም ፍለጡ። ሬሳታት ዜጋታትና ከም ዓሳ ተገፊፎም ክወጹ ዘይዓጀበኩም፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ወጻኢ ሃገራትን ጥፍኣት ዜጋታታና ከም ናይ ዓወትኩም ጽምብል ቆጺርኩም ጓይላን ዳንኬራን ክትተኽሉ ንርኢ ኣሎና። ነዚ ዝርኣዩ ተደናገጽቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ዜጋታት፡ በብቑሩብ ንህ.ግ.ደ.ፍ ቶባ ድሕሪ ሕጂ ይብልዋ ኣለዉ። ስለዚ መጋበርቲ ህ.ግ.ደ.ፍ.፡ ኣብ ልዕሊ ሬሳታትና ጓይላ ክትተኽሉ ከለኹም ንስኻትኩም ድማ ካብ ውሽጢ ህዝብና ተዘቑቕኩም ትወጹ ከም ዘለኹም ምዝኽኻር ኣየድልየኩምን። መሬት ትጻረ ኣላ። ውድቀታ ተቓሪቡ፡ እቲ ክሳብ መጨረሽታ ምስ ህ.ግ.ደ.ፍን መጋባርያኣን ደው ዝብል መንዩ ዝብል ሕቶ ኸኣ ይምለስ ኣሎ።

በሉ ጓይላ ኣሎ ካብ በልኩም፡ ክንመጸኩም ኣበየናይ ኣድራሻ ትገብርዎ ከምዘለኹም ንገሩና። ብሓቂ ኣብ ሪችሞንድ ድዩ? ክንፈልጦ ዘድለየና ንሕልናኹም ክንጠርዕ ስለዝደለና እዩ። እቶም ዝተረፍኩም ክትመጹና ክትሕወሱና ስለ እንደሊ። ንሕና ከበሮን ክራርን ክንማላእ ኣይትጸበዩ። እቲ ቃንዛ ህዝብና መመሊሹ እንዳገደደ ይኸይድ ስለዘሎ፡ ጓይላን ዳንኬራን ኣይእዋኑን እዩ ንብለኩም ኣሎና። ኣብ ሓዘን ኢና ዘሎና። እቶም ሬሳታትና ኣብ ልብና ህልዋት እዮም እሞ፡ ኣብ ጓይላ ዝተኸልኩሞ ኣዳራሽ፡ ሳናዱቕ ሬሳታትና ኣብ ኣፍደገኡ ከም እንጸጥሓሉ ነፍልጠኩም። ነዚ ተሳጊርኩሞ ክትሓልፉ ድማ ንርኢ።

ኣብ ሳን-ፍራንስስኮ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ቀደም ማዕዶ ንማዕዶ ኾንኩም ውሕ-ውሕ ምባል ምስ ገደፍኩሞ፡ ኣብ ልቦም ተመሊሾም እዮም ኢና ንብል ኔርና። ሕጂ እንታይ ኮይኑ መሊሹ ደጊስኩም። ሬሳታትና ዓይኖም ከይነትዐ፡ ወረ ገና ሓመድ ከይለበሱ፡ ድምጺ እታ “እዋይ ደቀይ!! ከጥፍኣኩም ዶ ሒዘኩም መጺአ!!” እንዳበለት ምስ ደቃ ዝጠሓለት ኣደ፡ ካብ ኣእዛንና ምኻድ ኣብዩ ለይቲ ምስ መዓልቲ እንዳሰማዕናዮ፡ ንስኻትኩም ድማ “መን ኪዱ፡ መን ውጹ ኢልዎም፡ ሕራይ ኮኑ፡ እንቛዕ ጠሓሉ፡ ከድዓት” እንዳበልኩም ኣብ በይ-ኤርያ ከተብዕሉ ክትሓድሩ። ዓገብ ንብለኩም።

ንፈልጥ ኢና፡ ገሌኹምሲ ኣሓት ኣሕዋት ሓወቦታት ኣለውኹም። ገሌኹምሲ ደቂ ዓዲ ደቂ ርስቲ ኢኹም። ገለኹምሲ መጸውዒ ማይ-ቤትን እንዳን ዘለኩም ብኤርትራዊ ዜግነትኩም እትሕበኑ ኢኹም። ስለምንታይ ግና ኣብዚ ብደም ዝጨቀወ ዘይቅዱሱ ተግባራት እዚ ወዲቕኩም ኣለኹም? እዚ ናይ ሕልናን ሞራልን ሕቶ እምበር ፖለቲካ ኣይኮነን። ንጋገ ኣሎና ኢልኩም ከ ሓሲብኩም ዶ ትፈልጡ።

ካብቲ ናይ ሞራላዊ ሕቶ ወጺእና፡ ኣብቲ ብሰንክኹም ዝመጸና ፖለቲካዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርና ኣንተኣተናስ ንምቕራቡ መዓስ ጥዕኡም ኮይኑ። እታ ዓደቦኹም ትጸንት እኳ እያ ዘላ። ኢሳያስ ንምብታን ህዝብና መዓስ ብስድት ጥራይ ተታሓሒዝዎ። ድሕሪ ነጻነት ንምዕናው ሃገርን ንምብታን ህዝቢ ኤርትራን ስርሐይ ኢሉ፡ ንህዝብና ብሓሙሽተ መኣዝን እዩ ኩናት ከፊትሉ። ውግእን ዕንወቱን፡ ሳዋን ባርነቱን፡ ቤት ማእሰርትን ህልቀቱን፡ ቁጠባዊ ማሕነቕቲ፡ ስደትን። እዚ ኹሉ ፍጻሜታት እዚ ኤርትራዊት  ስድራቤት ኣብ ሓደ መኣዲ ተቐሪባ ንኸይትበልዕ፡ ርእሳ ከም ዘይትኽእልን፡ ታሪኻን ባህላን ልምዳን ኣጥፊኣ ተባታቲና ንኽትነብርን ዝተዋደደ ተንኮል እዩ። ስድራቤት እንተድኣ ተበቲና ዓዲ ከምዝተበተነት ዓዲ እንተድኣ ተበቲና ኽኣ ሃገር ከምእትብተን ኣይርድኣኩምን ድዩ። ጓይላ በይ-ኤርያ ነዚ ኣዓናዊ ስራሕ እዚ እዩ ከገልግል እሞ፡ ህ.ግ.ደ.ፍን መጋበርያታቱን ክፉእ ከይተርእዩና፡ ብክብረትኩም ደው ኣብልዎ ንብለኩም ኣሎና።

ወልደየሱስ ዓንደማርያም

ሳን-ፍራንሲስኮ በይ-ኤርያ

10.20.13

aseye.asena@gmail.com

Review overview
21 COMMENTS
  • COW FACE October 21, 2013

    ወያነ፣ናይ ወዲ ትኳቦ መንነት ምለስዎ ፧

    ተጣዒስና ኢና ወዲ ትኳቦ፣ክሳዕ ዓርቢ ኦክቶበር 19 ትግራዋይን ወዲ ተምቤንን ወያነን ዓጋመን እዩ ኔሩ።ሕጂ ግን እቲ ኤርትራውነቱ መሊስናሉ ኣለና።
    _ ኖእ፣ህግደፋት ኣይኮንናን ፣ተቓወምቲ ኢና።ግን ንሕና ተቓወምትን፣ህግደፍን ነቲ ዓጋመ ተምበኔታይ ዝብል መንነት ከም ጸረ ኤርትራውነትን ጸላእን ኢና ንኣምነሉ ።ዋላ ነጻነት እንተቶኾብኩምልና፣ዋላ ዩኒቨርሲቲ እንተምሃርኩም፣ እቲ መንነትኩምን መንነትናን ዝኾነ ትግራውነት፣ንዑኡ ክንነጽግን ህዝበ ትግርኛ ዝብሃል ሓድሽ መንነት ክንምህዝን ስለ ዝተቓለስና እዩ እምበር ብኽፍኣት ኣይኮነን። ንሕና ፣ሃገራዊ ምርድ ዳእ ከምቲ ናታትኩም ብግዚኡ ዝሓለፎ ናይ ፋራታት ስታይል ብውይይት_ዘተን ፍቕርን ዘይኮነስ ብዓጋመን ህዝበ ትግርኛን ጠቐነ ኢና ንብድሆ።
    _ ት ስሓሓቱ እንኤኹም ፧
    _ ወይለከየ ፣እዞም ወያነስ ዘይሓፍሩ__እንታይ እዩ {ተሰሓሒትኩም ኣለኹም}ዝብሃል ዘረባ፧ ሰብ ሰስታይሉ ኣለዉ፣ንስኹም ከመንኤኻ ትብሉ ንሕና ኣሎራ ንብል። _____ናይ ብሓቂ ኣሕዋትና እንተዄንኩም ነቶም ኣብ ክልልኩምን ሃገርኩምን ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት__ናይ ወጻኢ ወረቐት መጺኡሎም፣ካብ ክልል ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣየርፖርት ካብ ብኣቶቡስ ሓርጎጽጎጽ እናበሉ ነፋሪት ዝስቀሉ፧ብገንዘብኩም ሓሓደ ማርቸደስ ማኪና እንተትገዝኡሎም ባዕሎም እናዘወሩ፣ ሰተት ኢሎም ኣብ ነፋሪቶም ምበጽሑ___፨
    __ እንታይ እዚማ ኣይኾንይ፣ብሱሩ ዕብዳን እዩ ፧
    __ እሞ ንስደተኛ ኤርትራዊ ማርቸደስ ዘይትገዝኡ ዲኹም ድኣ መስል ኤርትራዊ ንሕሉ ኢና ትብሉ ፧___ በሉ ድሓን እቲ ትግራዋይ ኢዩ ኢልና ናብ ተምቤን ሙኒሲፓሊቲ ዝሰደ ድናዮ ናይ ዮውሃንስ ወዲ ትኳቦ ወረቐት ስሓብዎ፣_ኤርትራዊ እዩ ሕጂ__ከምቲ ናይ ፑሽኪን ሓወልቲ__ ቀደሙ ውን ሕማቕ መዓልቲ ውዒልና እምበር ተምበኔታይ እንተዝኸውን ዮውሃንስ ዘይኮነስ ወለሓንስ ወይ ገረሓንስ እዩ ክኸውን ኔርዎ፣ እታ ትኳቦ ትብል እውን ሽም ኤርትራዊ እያ__ምናልባሽ ናይታ ዘይትረብሕ ዝተኾብኩምልና ነጻነት ከይትኸውን ተጣራጢርና ኢና እምበር።

    _ በሉ ቻው።
    __ እንታይ እዩ ዳሕና ውዓል ማለት ? ጥዑይ ትግርኛ ዘይትዛረቡ ኢኹም። ኣብ መጽሓፈ ገጽ ንጋነ።
    __ እንታይ እዩ መጽሓፈ ገጽ ኢልኩም ፧ቋንቋኹም ደይኮነን መጽሓፈ ገጽ ድኣ ብቋንቋኹም “facebook”
    ቻው ድኣ ቻው ፣እንታይ ድኣ ጣፍን ቡንን ምሕላፍ ገዲፍኩሞ ፧ኣምሓሩ ድዮም ወይሲ ገዛ ተጋሩ እዮም ተቓዊሞምኹም ፧ እምበር ኣቦይ ስብሓት ነጋ እኳ ባዕሎም ዘዊሮሞ ኤርትራ ምኣተዉ።
    Oh Those Tigreans !!!

    COW FACE aka YUGOSLAVO-ERITREAN

    The Super brilliant

    The only Eritrean with a wisdom exceeding that of late PM MELES ZENAWI & FORMER PRESIDENT BILL CLINTON combined !!!

  • Dawit Meconen October 22, 2013

    Genuine Eritreans,

    Isaias Afewerqi, the tigrai conspirator, is in our midst,veiled as ultra Eritrean Nationalist, to destroy Eritrea from within.

    This is what you must know:

    His grand father, Dejezmach Abraha of Tembein, Tigrai, was here in our land as a senior official of the invading army under Alula, the terrible.
    The wholesale destruction, pillage, rape etc. Alula inflicted on our people, Churches, Monstries and Mosques was worse than that undertaken by the Turkey foot-soldier Somali, Ahmed Gragn.

    Many Christians in Senhit area had to convert to Islam in exchange for the Sudan to grant them guns to defend themselves from the rapist and plunderer, Alula.

    However, the crucial point I want to share with you is that reason we fell to his invasion was due to our own Folly, first and foremost, and last,to the tegaru treacherous nature, and not to his military skills, although he was equiped to the teeth by his British Masters as a token for Kasa’s collaboration with General Napier in his invasion of Ethiopia.

    Our folly was committed by Raasi Woldemicael, a man of extraordinary courage and of exceptional military genius. But do not forget Mahber Andnet.

    tegaru, owing to their low self-esteem, have had their eyes set to intermingle with our people from time immemorial just as the barabarians were to the Romans.

    Mi-le-nu, you may have watched on video, is an embodiment of the ungratified infatuation of tegaru with our people. The expression, Libi Tigrai Twi Twai, was also born out of their bitter experience with tegaru’s ever growing intricate ways of attempt to intermingle with us.

    Kasa, as soon as he got the military hardware from General Napier as compensation for his treason against his country, Ethiopia, he despached waves of military forces to our land, The Land of the Rulers of Sea.

    But each of military despaches kasa sent were maneuvered skillfuly and crushed one after the other by the military genius Raasi Woldemicale and his army became more stronger each time they crushed the tegaru invaders because the military hardwares the tegaru brought with them fell to their hands, just like the EPLFs did to dergi soldiers.

    kasa gave up in frustration and called for truce, and sent for Raasi Woldemicale an invitation to come and meet him in Meqele to discuss issues with regard to European colonialism.

    Raasi Woldemicale, true to his courage and trustwhorthy, confident and proud nature, the hallmark of our people, readily accepted kasa’s invitation without second guessing him for any foul play.

    But kasa, whose basic nature is treachery, born out of cowardice and low self esteem, and who did not have any qualm to desecrate the honor of his country for his personal advantage by collaborating with the invader, General Napier, had conspired to pay his invited guest with Death.

    This is practically what is transpiring on the naive young Eritreans who are in the accursed land of tigrai. Woyane is exterminating them.

    This short history is the history of Degezmach Abraha, the grand father of Isaias Afewerqi. Isaias Afewerqi is re-enacting what his grandfather did, and some of us are re-encting the folly w Raasi Woldemicale committed to end his glorious life in the dungeons of the British punny, kasa.

    How long do we have to repeat the same folly? Wake Up, my fellow Eritreans!!

Post a Reply to COW FACE Cancel Reply