Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕጂ’ውን ዝራብዕ ኣይለምልም መንእሰይ ኣይሳለም!!

ሕጂ’ውን ዝራብዕ ኣይለምልም መንእሰይ ኣይሳለም!!               28-04-14፡ ሰላም ከመይ ቀኒኹም ክቡራት ተኸታተልቲ። ሓንቲ ሓጻር ነገር ንምባል ኢየ ነዚ ኣርእስቲ ተመሊሰዮ። ኩሉኹም ዝበልኩሞ ብንጹር ተረዲአዮ ክኸውን እትስፎ። “ጭሩስ ብዓቕማ ትሕጎም”፡ ከምዝባሃል ሎሚ እንተተባሃሃልና ንዝሓሸት ጽባሕ’ምበር ሰዓርን ተሳዓርን፡ ረታዕን ተረታዕን

ሕጂ’ውን ዝራብዕ ኣይለምልም መንእሰይ ኣይሳለም!!               28-04-14፡

ሰላም ከመይ ቀኒኹም ክቡራት ተኸታተልቲ።

ሓንቲ ሓጻር ነገር ንምባል ኢየ ነዚ ኣርእስቲ ተመሊሰዮ። ኩሉኹም ዝበልኩሞ ብንጹር ተረዲአዮ ክኸውን እትስፎ። “ጭሩስ ብዓቕማ ትሕጎም”፡ ከምዝባሃል ሎሚ እንተተባሃሃልና ንዝሓሸት ጽባሕ’ምበር ሰዓርን ተሳዓርን፡ ረታዕን ተረታዕን ኰንና ክንፈ ላለ ኣይኮነን። ብመሰረቱ ሓሳብ ንሓሳብ ክጋጮ ዘድልየሉ ምኽንያት ጌጋ ንምውሓድ እንተኾይኑ ዓላማይ ኢዩ። ካብዚ ዝሃብ ኩሞ ርኢቶ ድማ ብዙሕ ምህሮ ኣለዎ። ከምዚ ዝስዕብ ምህሮ፡-

ገሌኹም ንኣዳለውቲ ንምንታይ ከምዚ ዓይነት ጽሑፍ ከምዘቕርቡ ክትገንሑ ፈቲንኩም። ንኣቕረብትን ኣዳለውትን ብሓንቲ እምኒ ንምትንዃሕ ክሳብ “ካፍር፡ ፓጋን”…… ዝብል ሓይለ-ቃል ድማ ኣንቢበ። እሞ ብቐዳምነት መራኸቢ ብዙሃን መዛተይ መኣድታት ስለዝኾና ኣይትመዓትወን። እዃድኣ ክንኮርዓለን ይግባእ። ምስ ምስልኻ ዘርኣየካ መስትያት ምንቛትስ ምስእንታይ ትሓስብዎ? እታ መስትያት እንተዘይተሰማሚዓትካ ዘይምቕራባ’ኮ መድሃኒት ኢዩ። ትማሊ ሰኣንማይ ሎምን ብማይ! ከይምሰ ለልኩም ማለተይ ኢየ። እንተ’ቲ ሓይለ-ቃል መድሃኒቱ ቀሊል ኢዩ። ነቲ ጽሑፍ ደጋጊምካ ምንባቡን ናብቲ መስትያት ቀሪብ ካ ድማ ብድፍረት ምስልኻ ምርኣይን ጥራይ እኹል መድሃኒት ጽረ-ዓመጽ’ዩ ባቃ።

ካብቲ ዓመጽ ከይወጻእና፡ እስከ ነዞም ዝተዋጽኡ ሓሳባት ኣንብብዎም፡-

……a sign of paganism…… a campaign against orthodox tewahdo፡..….godefa ayzereban siwur wdit atka kisab zikone tsehaf ente semae ezni gn ayktrekbn eka pastardo…ይሁዳንጎይታከምዝሸጦኣብመ ርበብሓበሬታንቤተክርስቲያንእትዋገዩኢኹም። said:…ብሕዝቢዝነቐለንረብሓንሃንቅውታንሕዝቢዘገልግልለውጢእዩዘድልየናዘሎ።……

ክደግሞ፡ pagan “ፓጋን” ማለት ሃይማኖት ዘይብሉ ማለት እንተኾይኑ ብዛዕባ’ዚ ኣዕሊለኩም ከምዝነበርኩ እዝክሮ ኢየ። ኣ ነ ሃይማኖት ዘይብለይን ኣንጻር ኦርቶዶክስን ዝመስለኩም እንተኾይነ ድፍረት ኢዩ። ብተወሳኺ ኣነ ብዛዕባ ሃይማኖት ዓሊመ ከምዝተዛረብኩ ንትውንጅሉኒ ክትእረሙሉ የማሕጽነኩም። ኣብ ፍልስፍና ሓንቲ ዓለም ተጠቕሊልና ስለዘለና ንሱስ ከተርክ ቡሉ ኢኹም’ሞ ዘይምህዋኽ። ሰውራ ሓንቲ ዓለም፡ ሓደ ህዝቢ፡ እንተኣልያ ድማ ሓንቲ ሃይማኖት……. ኮታ ዘይንስኹም ክት መስሉ ተጨፋሊቕኩም ከምሓድሽ ተመስሪሕኩም ‘ካልእ’ ክትኮኑ ኣኻእሎኡ ይፍጠረልኩም ደቀየ!! እንተ-ኣነ ግን ኩሉ ኣይከ ኣለንን ተውሳኸይ!

በረኻዊ ሂወት ተዛዚሙ ናብ ንቡር ምስተመለስና ኣነ ድማ ናብታ ስድራይ ዘጽንሑለይ ሃይማኖትን ኣባት-ነብስን ኢየ ተመሊ ሰ። ምናልባሽ ብዙሓት ካባኻትኩም ካብቤተ-ሰብ ዝውረስ ሃይማኖት ምርጫኹም ብዘይምዃኑ ሃይማኖታዊ ሰውራ ኣዊጅኩ ም ትኾኑ። ብወገነይ ንኩሉ ምዕባለን ለውጥን ዘይጸልኦ’ዃ እንተኾንኩ ክሳብ ክንድኡ ድፍረት ስለዘይብለይ ነታ ናይ ስድራይ ሃይማኖት ከምታዘላታ ከምውርሻ ኢየ ተቐቢለያ። ኣብዛ መልእኽተይ’ውን ኣነ ንሃይማኖት ዓሊመ ኣይተዛረብኩን ኣይዛረብን ‘ውን። እዃድኣስ እንተደለኹዎ’ውን ኣብዝበጽሖ ስለዘይብለይ እታ ዘመናውያን ዘይትፈትዉዋ “ኣይትመራመር” ትብል ጥቕሲ እምነት ተዋጽኣኒ ኢያ። ክርስትናን እስልምናን ድማ ክልቲኡ ከምሃይማኖተይ ኢዩ። ከምኣጠማምታይ ሃይማኖት ኣይኮነን’ቲ ጸገም። ሃይማኖታዊ ትእዛዛት ብእወታኡ እንተተጠቒምናሉ ሓያል ስነ-ምግባር ኮይኑ’ዩ ዝስማዓኒ። ንኣብነት ዓስርቱ ትእዛዛት እንታይ መንቅብ ኣለዎ? ጸገም ሃይማኖት ፖለቲከኛታት ክጥቀሙሉ እንከለዉ ኢዩ ዝፍጠር። ስለዚ ብስም ሃይማኖት ወይ ኣ ንጻሩ ዓሊም ካ ዝፍጠር ቅዝፈት ከምትእዛዝ ኣምላኽ ጌርካ ዝውሰድ እንተኾይኑ ብ ዓንተቦኡ “ናይ ቄሳር ንቄሳር” ስለ ዝተባ ህለ እነሀትልኩም’ዛ ዓለም።

ድሕሪ ናጽነት ብዘይካ ተጋደልቲ ንህዝባዊ ግምባር ዝነቅፍ ሰብ ዳርጋ ኣይነበረን ኮይኑ ይስማዓኒ።። ኩሉ ዝተገብረ ዓገብ ም እንቲ ናጽነት ተባህሉ ተኣሚንሉ ነበረ። ኮይኑ ግን ከምቲ ካልእ ኩሉ ጽላት፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳይ’ውን ዝድገፍ ዝንቀፍ መ ዳያት ከምዝነበሮ እዝክር። ሽዑ ሕሙም ኮነ ክሳብ ምዉት ብጾሎት ዘተንስኡ ከምዝተራእዩ ዝተወርየሉ እዋን ነበረ። ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ዳግማይ ኲናት ድማ ተጋደልቲ ቅዱስ መጻሕፍቲ ናይቶም ኣገልግሎት ኣኪቦም ከምዘንደዱ ስለዝተወርየ ሓቅነቱ ን ምፍላጥ ዝኣክል ንሓደ ኣቐዲመ ዝተላለኹዎ ፓስተር ተወከስክዎ። ንሱ ንብዙሕ ካብቲ ዝበሃል ብንጹር ስለዝገለጸለይ ኢየ ኣ ነ ድማ ብዛዕባ ውድብና ኣብሃይማኖት ዝነበራ ኣጠማምታ ዘውግዖ ዝነበርኩ። ማለተይ ተጋደልትስ ብሓቂ ዲዮም ቅዱስ መ ጽሓፍ ኣቃጺሎም? ከምኡ እንተነይሩ ስለምንታይ? እንተዘይተገብረኸ ስለምንታይ ተወርዩ? ብጉቡእ ስለዝተረዳዳእና ብወገነ

ይ ንፓስተር ኣይጸላእኩዎን’ሞ ምስብዙሓት ሰዓብቲ’ታ ሃይማኖት ድማ ኣላለየኒ።

ካብ ዕለታት ሓንቲ መዓልቲ ናብ ሓንቲ ኣብ ድሕሪ ቤትፍርዲ ዞባ ማእከል ዝተዳለወት መርዓ ኣባላቶም ዓዲምኒ ከድኩ። ከ ምቲ ጉቡእ ስነ-ስርዓት ጽምብል ንምግባር ንሱ ኣብቲ ኣብ ቅድሜና ዝነበረ ደረጃታት ካብ መርዓውቲ ለጠቕ ኢሉ ጾሎት ጀ መረ። መደረኡ ሓያል ዘረባኡ ንጹር ክንሱ ዝረኣኹዎ መልሰ-ግብሪ መንእሰያት ኣመና ገረመኒ።ንሳቶም ኩሎም ኣዒንቶም ኣዐ ሚቶም፡ ነቲ “እንሀለ!” እናበለ ዝሕብሮም ዝነበረ ምስሊ ተራእይዎም ኣብራኾም ጾረን ምስካም ስኢነን ከንቀጥቅጣ እንከለዋ ን ዝፈሰሰ ኣይሂ ንብዓትን ዝረኣያ ኣዒንተይ፡ ነቲ ኩሎም ዝረኣይዎ ምስሊ ክርስቶስ ክርእይኦ ኣይከኣላን’ሞ፡ እቲ ኣብኡ ዝወ ረደ መንፈስ ክርስቶስ ንበይነይ ክሰርጸኒ ብዘይምኽኣሉ እቲ ኩሉ ካብ ደቂ-ተባዕትዮ ኮነ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ክሓፍሶ ዝቐነኹ ናይ “ኣምላኽ ይባርኽካ” ባርኾት ግዲ ምጥቃም ኣብይኒ ብልበይ ንኩሎም ጽቡቕ ተመንየ ብዕሙቶም ነፊጸ ብምኻደይ ክሳብ ሎሚ ይሕመ ይህሉ። ኣነግና እንትርፎ ምውጽአይ ካልእ ስለዘይኣበስኩ ምስፓስተር ከምቀደምና ንራኸብን ነውግዕን ኣለና።

መንእሰይ ኮይነ ከምዝሓለፍኩ ትኣምኑ እንተኾንኩም ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣጋጣሚ ዝጠቐስኩዎ ኣነ’ውን ከም ወወክማ፡ ወሴ ክማ ዝኣመሰላ ማሕበራት ርእየ። ኣብ ሰውራ’ውን እቶም ኣብራኾም ዘይደረቐ መንእሰያት ብፍላይ ድማ ተመሃሮ ቤት-ትም ህርቲ ሰውራ ክምደቡን ተመዲቦምን እንታይ ይሰርሑ ነይሮም’ውን ርእየ። ሎሚ ኮይኑ ንርእስነተይ ከምሓደ ወላዲ ቀንዐ፡ ተ ዋቐዐ ኣብርሲ’ዚ ዘሎ ወለዶ ዘለኒ ኣሉታዊ ትዕዝብትታት ኣተሓሳሲብኒ ክገንሕን ክምዕድን ምብቃዐይ ኣነ ጥራይ ኣይኮንኩን ዕድለኛ። ብቀንዱስ ናይሎሚ ወለዶ ክኸውን ከምዝነበሮን ከምዝግብኦን ስለዝኣምን ፈጺመ ኣየስተማስልን።

“መንእሰይሲ ክንዲ ከምወናኒ መዓር ንህበ-ጽጌናይ ዝዋፈርን ዝናኸስን፡ ፍርያቱ፡ ዘርኡን መረበቱን ጠንጢኑ ክነፍጽ፡ ኣብ ዘዝ ነጠቦ ድማ ኣብ ቤተ-ጸሎት ክዓጉግ ኣይግድን! ኣይዕድሚኡን ኣይባህሪያዊ ተልእኾኡን’ውን” ንዝብል ናይ ኣቦ ማዕዳ ዝመጽእ ተግሳጽ መሰረቱ ኣብምንታይ ዝተመርኮሰ ከምዝኾነ ኣጸቢቐ እፈልጦ ስለዝኾንኩ ምንም ዘሰክፈኒ ነገር የለን። ምናልባሽ ኣነ ከ ረዳኣኩም ክብል ክንዲ ዝፈልጦ ዘበለ ክዛራባዕ ትሓስቡ እንተኰንኩም ተጋጊኹም። በታ ትጥዕም ብልሓት ክንዲ ነታ ግዜ ት ኣኽላ ጥራይ ክዛረብ ኢየ ዝሕልልን ዘምሕረለይን። እሞ “ቤተ-ክርስትያን ኣይትስዓሙ” ኣይበልኩኹምን። ናይ ወለድኹም ዘ ጥፋእኩም እንተኾንኩም ቀንዲ ተሓታቲ እዚ ዘሎ ስርዓት ብምዃኑ ንምዕራዩ ምምካት እምበር፡ ዓወትካ ክትሓፍስ ንቤተ-ክ ርስትያን ዕቑባ ምሕታት ኣይግድን። ብሓቂ ኣማኒ ሰብ ኣስተምህሮ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ከጽንዕን ክፍጽምን ግዱድ ኢዩ።

ብዛዕባ …..”ፍልስፍናኹምኣብጁባኹም።ብሕዝቢዝነቐለንረብሓንሃንቅውታንሕዝቢዘገልግልለውጢእዩዘድልየና ዘሎ”…ዝተባህለ፡ በሃሊቱ ብሓቂ ኣደ እንተኾይና ‘ተባህለ’ ተባሂሉ ክንዲ ናይ ስግር ፍልስፍናታት ምምዕዳው ብዛዕባ መስዋእቲ ኣዴ ና’ንዶ ንዛረብ። ሓንቲ ስድራኣ ተዋፍር ኣደ፡ ዝረገጽዎ ለምለም ተዛረብዎ ቀለም ክኾነሎምን እሾኽ ከይወግኦምን መሪቓ ናብ መስገደል ትልእኮም ተገዲዳ’ምበር እቶም ናብ ፈተና ዘፋነወቶም ኣሕዋታ፡ ደቃን ሰብኣያን ብምዃኖም ኣብ ደምባኣ እምባሕ ክብሉላ ክውዕሉ መዓስ ምጸልአት? ዓላማኣ ሸቶኡ ክወቅዕ ኣምላኽ ክሕወሶ ጾሎታ ከተብጽሕ ቤተ-ክርስትያን ምስከደት ወዮ ም ሕቖኦም ጠባጢባ ዘፋነወቶም ልኡኻታ ኣብኡ የሐው-የሐው ክብሉ ምስዝጸንሑዋ፡ ንዐዖም ኣብኡ ገዲፋ ንሳ ‘ንረብሓን ሃንቀውታን ሕዝቢ ዘገልግል ለውጢ’ ከተምጽእ ክትወፍር ማለታ እንተኾይኑ ግርም። ንሱ’ሞ ርኢናዮን ንርእዮን ኣለና። ተራ ናይተን ጀጋንኑን ወለድቲ ጀጋኑ ኣዴታትና፡ ኣሕዋትናን ኣንስትናን መዓስ ኣቖናጺብና ንፈልጥ! ሎሚ’ካ’ሞ ኮነ ዘመን ወነንቲ ወርቂ ማህጸንን ሰዓምቲ ኣእዳው ወዲ ወርቂ ማህጸንን!! ከምኡ ምባለይ ድዩ ‘ቲ ኣብጁባይ ከእትዎ ዘለኒ ፍልስፍና?

ሃይማኖት ከምዘይፈልጥ ተወቒሰ። ሓቂ ኢዩ እንተኣረምኩሙኒ። ግን መዐቀኒኹም ንርእሱ ሚዛን ከድልየኩም ኢዩ። ማለት ብዛዕባ ንእግረ-መገደይ ዝተዛረብኩዎ ክንድኡ ኣይመድለየን። ንበል ክርስትና ብክርስቶስ ከምተፈጥረ እንተተሰማሚዕና መጀ መርታ ሃይማኖት ክርስትና እንታይን ኣበይን ነይሩ ኣይጸቐጥኩሉን። ኣባ ኦዲስዮስን ፍረሚናጦስን እንታይ ነይሮም? መዓስከ መጹና? ንዝምልከት በበይኑ መልሲ ክህልወና ስለዝኽእል ንግዚኡ ከገድሰና ዘለዎ ዝብሎ እቲ ከምዘይምልከተና ንንዋያ ዝሃ ብናዮ ዓውደ-ኣዋርሕና፡ ጥንታዊ ሃይማኖታትና፡ ግእዝ ቋንቋና፡ ታሪኽ ገዛእትናን ካልእ ነገራትናን፡ በዘን ጥንታውያን ወደባት ና ከምዝኣተወ ክንማሃሮ እመርጽ። ብኡ መለክዒ ኣጠቓቕማ’ምበር ምፍልላይ ክርስትና ብ451 ዓ.ም ድዩ ብ1050? ኣይፈላልየ ናን ኢዩ። ዝሰዓበ ናይ 1535 ፍጻመ ንርእሱ “ኖእ ብ1550 ኢዩ ነይሩ” ከብለና ምኻኣለ። ዝኾነ ኮይኑ ስለ’ቲ እሂን ምሂን ንኩ ሉኹም ወሃብቲ ትኢቶ ኮንኩም ሓፈሻ ተገደስቲ ክብረት ይሃበለይ።

ስለ’ታ ኤርትራዊት ምስላ ዝተባህለ ነገር ነይሩ። እወ፡ ንሓደ ነገር በቢከባቢና ይበሃልን ንጥቀመሉን  ኢና። ዓላማኡ ግና ዝፈ ላለ ኣይመስለንን። ተጠቀስቲ ዝራብዕን መንእሰይን ንኣብ ሓደ ዕድመ ዘለዉ ፍጡራትን ዝህልዎም ሓላፍነትን ክዓሙ ምስ ዘ ይክእሉ ዝተባህለ ናይ ኣባና ምስላ ኢዩ። ከምዝፍለጥ ብእኩብ ብሓባርን ምስማይ ንቡር ኢዩ። ኣጣል፡ ኣእዱግ፡ ደርሁ ህበይ ፡ ከብቲ… ንብል ኢና። ደርሆ እንተጠቐስና፡ ክልቲኡ ጾታ ብንእስነቱ “ጫቝት”፣ ቀጺልና ኣርሒ፡ ኣርሓ፣ ደርሆ፡ ደርዃዕ፣…… ኢልና ንጽውዖ። ከምኡ ህበይ ብህጻኑ/ና “ዋጭል” ምስጎበዙ “ሽደን”፡ ምስ ዓበዩ ንኣንስተይቲ ‘ህበይ’ ንተባዕታይ ‘ጋውና’ ይበ ሃሉ። ናይ ከብቲ ድማ ብንእስነቶም ‘ምራኽ’ ምስጎበዙ ዝራብዕ ኣርሒ፣ ኣርሓ፡ ላም፡ ኣብ ኣገልግሎት ማሕረስ ምስተመደበ ኣርሓነቱ ስለዝምስራሕ ብዕራይ፣ ተስታይ..…ይበሃል። ናይ ሰብ ድማ ከም ህጻን፡ ቁሩብ ጸኒሕና ጾታ ፈሊና ዕንዱ፡ሕንጢት፣ ቀጺልና ጎርዞ፣ ኮተቴ፡ ማእከላይ ዕድመ ምስበጽሑ ብሓባር “መንእሰያት”፡ ምስ መሰሉ ድማ መርዓት፣ መርዓዊ፡ ሓዳሮም ም ስፈለዩ ከኣ ሰበይቲ፣ ሰብኣይ፡ ኣብ ደረጃ ጸሓይ ዕራብ ሽማግለ፡ ኣረጋዊት፣ ኣረጋዊ፡ …ተባሂልና ንከፋፈል። ነዚ ኩሉ ደረጃታ ት ሓሊፍ ዓዲ ሞት ምስተፋነና እንደገና ኣብታ ንኸዳ ዓለም ወይ ኣብዛ ዓለምና ድሕሪ ምጾታት ብተኣምር ፈጣሪ ፈለኽለኽ ኢልና ምስተንሳእና እንደገና ነቲ ኩሉ ዝሓለፍናዮ ደረጃታት ክንደግም ኢዩ ሕልምና። እንተኾነ ሽዑ’ውን ብዛዕባ’ዚ ዓለማዊ ጌጋታትና ክንእርሞዲና ወይስ ኣይፋል ዝፈለጥኩዎ የብለይን።

ኦይ! ስቕኢለ’የኮ ሰብኣየይ! በሉ ሓደራኹም ትርጉም ኣይነዘንብዕ። ዘረባይ ከምቲ ገለ እናጸለየ ንኣሽቱ ድማ ይግርግሩ……..ዝተ ባህለ ኩሉ ክሊ ዕድመ ነናቱ ዕማምን ተልእኾን ስለዘለዎ፡ ጣልቃ ምትእትታው ነገር ስለዘበላሹ ግቡኣትና ንፈልጥ ንረዳዳእ፡ ንተሓጋገዝን ንሰማማዕን ድማ! ካብኩሉ ዋላ’ዃ ውልቃዊ እንተኾነ ብኣምልኾ ጸዎታ የለን’ሞ ንጠንቀቕ።

ክሳብ ዝስዕብ ሰላም ንዩለይ!!

ጎደፋ፡

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • robiel April 29, 2014

    I have no idea what is your goal.

  • Almaz Gaul Asmara April 29, 2014

    ኣያ ጎደፋ ወሓጥዮ ኣንተበልክዋስ ትጎስሞ እኮ ኮይኑ ነገሩ። ካልእ ቁም ነገር ተሳኢኑ ድዩ ኣብ ዘይትሞልኮ ዓውዲ ተኹድድ። ጉዳይ ሃይሞኖት ነቶም ቅብዓት ውሉደ ክህነት ግደፈሎም ንስኻ ኣብቲ ተድምዓሉ ጉዳይ ተቓለስ። ምሁራት ተዋሕዶ ሕግና ተጣሒሱ ኣቦና ቅዱስ 3ይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ተሓይሮም ኢሎም ኣድማዒ ዝኾነ ሃይማኖታዊ ምድንጋጽን ዲፕሎማስያዊ ዓወትን ስለዝረኸቡ ሕጊ-ግደፍ ማዕረ ተቓወምቲ ካብ ዝሃድኖም ሓያለ ዓመታት ኣቕጺሩ እዩ።
    ነቲ ዝተረኽበ ዕድል ተጠቒምና ንቃለስ እምበር … ዘይመላዕልትና ኣይነልዕል። መቓልስትኻ እኮ እዩ መስትያትካ፣ ሃየንዶ ኣብ ምእላይ እዚ ከም ጭርናዕ ኣብ ኣንግድዓና ኮይኑ ዘድምየና ዘሎ ብርዕካ ስሓል። ህልኽን መትከላዊ ቃልስን ነንበይኑ እዩ። በጃኻ ኣብቲ ዝዓበየ ጉዳይ ኣቶኩር። እዚ ውዳሓንካ።

  • Dala ksha April 29, 2014

    Godefa You say it all thanks.
    my question for the rest of us is,if the youth of 70th were the same like the youth of today do you think we could have get our independent ?

    • Asghedom Woldeghiorghis April 29, 2014

      The youth of 70th where ethiopists and ignorants,they were reading marx and lenin like god, and with thier stupiedity they have creat problems for the actuall situations. Those who have finished 8th gread like the eritreans they where in the forest to fight against ethiopian regime to creat democratic and presperouse eritrea, the ethiopians in the name of the ethiopian students world wide they have finished the ethiopian people with marxisem leninisim that ethiopians can’t forget it.
      thecfollowers of mouo was not comunistes but at the service of American Cia and they where conducting war and miseri in their owen country , if you ask way they will answer you that is the revolution that is all, at the end we have understood their all under one leader cia, savimbi in angola, isaias aferki in eritrea are the perfect example.
      Savimbi have distarbed Angola for several years under the soscialism and mousim but it has been ribeled at the end was underthe cia and all the wealth ofvthe country was smaglued thruogh Congo , south Africa etc. While Isayas is a perfect rapresentant if army sumglers thruogh cia and still he is. He the president of eritrea can insult any head of state of any country with hesitaiting any one.
      most gus of 70th where dreamers nothing eles. Some of them luckly they have got power, and thier people are suffering do u know why, because most of them they have dectotor behavier like thier fathers at work and thier mother at home for the workers.

    • Hailizghi Habte April 29, 2014

      So what about youth 70th, …..
      They brought incomplete independence of the nation. Do you know, it is easy to build a new house, than to renovate a messy building like the independence of Eritrea by youth of 70th or 60th ……

      • ahmed saleh May 1, 2014

        THE YOUNG ERITREAN GENERATION OF 70’s MADE ERITREAN HISTORY TO GET RECOGNIZED .
        Only cowards may question their achievements .

  • Dala ksha April 29, 2014

    It is good to be religious and pray,our fathers and mothers were religious to, but It doesn’t have to be at the cost of our nationalism.I myself go to church every Sunday and I am a member of orthodox tewahdo church. The problem with some new Christian churchs is they keep peralaizing the nationalism of our young people.most of their members they don’t want to talk about politics all they say is (ane nay menfes seb Iye nay alem aymilketeni eyu)

  • Dala ksha April 29, 2014

    Most of our young people have lost the spirit of fighting back,challenging problems ,defending your self and your society.that is why Most of them are running from their country and once they are in safe place they want to hide behind religion.

  • HGDEF April 29, 2014

    ወይ ዘረባ! ግርም እባ ናትካስ! ዝራብዓት ክናቆቱልካ ንስካ ከኣ ቲፎዞ ኮንካ ክትዕዘብ ዲካ ደሊካ? ቤተክርስትያን ንዓና ግደፉልና ንስኹም ግን ዓሰርቱ ትእዛዛት ኣይምልከታኩምን እየን ከም ድላይኩም ቅተሉ ስረቁ ዘሙዉ ወዘተ ድዩ ዘረባካ? ተዋህዶ እየ እናበልካ ንሃይማኖት ተዋህዶ ምንሻውከ እንታይ ኣምጽኦ? ዝራብዕውን እንተኾነ ኣቦታትና ክሳብ ዝስውደሎም እንተዘይኒሒፎም ኣብ ኣርዑት ቆሪኖም ምስ ኣጽረዩዎ ምልምላሙ ኣይተርፎን እዩ። ቀይዲ በተኽ ኮይኑ ዝነብር ዝራብዕ የለን። እንተ ከፍኤ ከኣ መስገደል ኣብ ክሳዱ የእቲኻ ከም እንስሳ ዘቤት መጠን ምእዙዝ ክኸዉን ከምዘሎዎ ትገብር። መንእሰይ ድማ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ብሃይማኖቱን ባህሉን ዝፈቅዶ ስነ ምግባርን ሃገራውነትን እንተዘይ ተኾስዂሱ ከም ሒንጊድ በቅሊ እናተራግሐ እንተ ከይዱ ኣይ ንነብሱ ኣይ ንስድራቤቱ ኣይ ንሃገር ኮንቶ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ናታትኩም ድልየት ድማ እዚ እዩ። ጸበልኩም ኣይልከየና።

  • yonas April 29, 2014

    Godofa; ybel xhuf ;b amlko xeweta yelenmo ntenkek,bravo qexl tray xhufka.kndaka zeyaklas beaka yweala.

  • Fessaha April 29, 2014

    Godofa is right. Today’s youth, and particularly those living in Eritrea under the yoke of HIGDEF, are frequenting churches and mosques(unlike never before). In a hopeless and cruel (confused) situation like where Eritrea finds itself now, Eritrean youth find solace only in prayers. Is this good? I do not know, but certainly there is something seriously psychological situation in our youth….. and that is what Godofa is trying to portray.
    Do you have better thoughts than Godofa ? Please let us know; otherwise avoid malicious criticisms. Those of you who are defending the indefensible Tewahdo Church, where were when your anointed Patriarch Antonius, was vilified and under house arrest? Patriarch Antonius was anointed by the synod of the Pope of Alexandria and only him can defrock or depose a duly appointed patriarch.No one else.

  • abraham April 29, 2014

    Thanks Godofa fore your good idea.Let’s continue the history.

  • Maekele April 29, 2014

    “መንእሰይሲ ክንዲ ከምወናኒ መዓር ንህበ-ጽጌናይ ዝዋፈርን ዝናኸስን፡ ፍርያቱ፡ ዘርኡን መረበቱን ጠንጢኑ ክነፍጽ፡ ኣብ ዘዝ ነጠቦ ድማ ኣብ ቤተ-ጸሎት ክዓጉግ ኣይግድን! ኣይዕድሚኡን ኣይባህሪያዊ ተልእኾኡን’ውን” ንዝብል ናይ ኣቦ ማዕዳ ዝመጽእ ተግሳጽ መሰረቱ ኣብምንታይ ዝተመርኮሰ ከምዝኾነ ኣጸቢቐ እፈልጦ ስለዝኾንኩ ምንም ዘሰክፈኒ ነገር የለን።

    SO what is your solution? to imprison, kill, and force them to change? do not you think they have the right to be whatsoever they want to be?

    what is the difference b/n your idea and higdef’s?

POST A COMMENT