Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ሕጂውን ትጋገዩ ኣሎኹም፥ ምስ ኣቦኹም ተዓረቑ!”

ብዮፍታሄ ዝተመርሐ ጉጅለ ጳጳሳት ኤርትራ ማለት ኣባ ዲዮስቆሮስ፥ ኣባ ማርቆስ፥ ኣባ ሰላማ፥ ኣባ ጴጥሮስን ኣኸቲሉ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ፓትርያርክ እስክንድርያ ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ ንምስታፍ ናብ ግብጺ ከም ዝኸደ ተፈሊጡ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂውን ዮፍታሄ ንኣባ ዲዮስቆሮስን

ብዮፍታሄ ዝተመርሐ ጉጅለ ጳጳሳት ኤርትራ ማለት ኣባ ዲዮስቆሮስ፥ ኣባ ማርቆስ፥ ኣባ ሰላማ፥ ኣባ ጴጥሮስን ኣኸቲሉ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ፓትርያርክ እስክንድርያ ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ ንምስታፍ ናብ ግብጺ ከም ዝኸደ ተፈሊጡ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂውን ዮፍታሄ ንኣባ ዲዮስቆሮስን ኣባ ማርቆስን ሒዙ ብ2005 ዓ.ም ናብ መንበረ ማርቆስ ግብጺ ከይዱ፡ ን3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ “ምስራሕ ስለ ዝኸልኡና ብ6ተ ነጥብታት ከሲስና ኣውሪድናዮም ኢና” እሞ ተቐበሉና ክብል እግዚኣብሔር ዘይሰመሮ መገሻ ጌሩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ይኹን እምበር ኣብቲ ጊዜ እቲ “ዘለዓለማዊ ሕይወት ይሃቦም” ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ በዚ ዘስደምም ጉዳይ ተዋሕዶ ብሓቂ ሓዚኖም ንጉጅለ ጳጳሳት ኤርትራ “በዚ ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ከሲስኩሞም ዘሎኹም 6ተ ነጥብታት ዘንእዶም ደኣ እምበር ፈጺሙ ዘኽስሶም ኣይኮነን” ስለዚ ብሓቂ “ትጋገዩ ኣሎኹም፥ ምስ ኣቦኹም [ፓትርያርክ እንጦንዮስ] ተዓረቑ” ኢሎም መንፈሳዊ ምኽሮምን ሓዋርያዊ መርገጺኦምን ብምልጋስ፡ ንሶም ግና ምእንቲ ሓቅን ጥንታዊ ሕጊ ቤተ ክርስቲያንን ክብሉ ኣብ ጎድኒ ፓትርያርክ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ደው ከም ዝብሉ ብጋህዲ ሓቢሮሞም ኢዮም። እንተኾነ ግና “ኣርሆ ዝበለስ፡ ኣርሆ ከይበጽሐ ኣይዓርፍን ኢዩ” ከም ዝበሃል፡ እዞም ዮፍታሄ ዝመራሒኦም ክልተ ጳጳሳት “ዝደለይዎ ከይገበሩን፡ ዝሓለምዎ ከይፈጸሙን” ክድቅሱ ስለ ዘይከኣሉ፡ ነቲ ዝተዋህቦም መንፈሳዊ ምኽርን ሓዋርያዊ መምርሕን ናይ ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ ተሓሲሞም፡ ንሓቂ ረጊጾም፡ ንሕጊ ጥሒሶም “ንኣቡነ እንጦንዮስ ኣውሪድናዮም ኣሎና” ክብሉ ከይሓፈሩ ንዓለም ምሉእ ነጊሮም ኢዮም።

ብድሕሪ እዚ ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ በቲ ኣብ ልዕሊ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ዝተፈጸመ ጥልመትን ግህሰትን ተረዲኦም ርክቦም ብምቁራጽ፥ ናብ ኩለን ሃገረ ስብከታቶምን ናብ ጉባኤ ኦሬንታልን “ምእንቲ ኣቡነ እንጦንዮስ ፍሉይ ጸሎት ይገበር” ዝብል ዘዋሪ መልእኽቲ ኣመሓላለፉ። በዚ ምኽንያት ዮፍታሄ ይኹን ዝኾነ ጳጳስ ናይ ኤርትራ፡ እቶም ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ግብጺ ዝነበሩ ኣባ ማርቆስ’ውን ከይተረፉ ንልዕሊ 6ተ ዓመት ዝኣክል ሓንቲ መዓልቲውን ትኹን መገዲ ግብጺ ተዓጺዎምን፡ ጉባኤ ኦሬንታል ተሓሲምዎምን ካብ ኩሉ ዓለም ተነጺሎም ከም ዘለዉን ከም ዝጸንሑን ኩሉ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ።

ሕጂውን መገሻ ዮፍታሄን ሰዓብቱ ጳጳሳትን ናብ መንበረ ማርቆስ ግብጺ ብልቢ ተጣዒስና፥ ንቤተ ክርስቲያናን ህዝብናን ጎዲእና፥ ወርቃዊ ጊዜን ዕድልን ከሲርና ኢና እሞ፥ ምስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዕረቑና፥ ይቕረ ኣባህሉና ክብሉ እንተ ኮይኖም “ዘይበኣሱ መላእኽቲ፥ ዘይዕረቑ ኣጋንንቲ” ከም ዝበሃል እግዚኣብሔር ዝፈትዎን ቅኑዕ ሰብ ዝደልዮን ሠናይ ተበግሶ ንኽብሪ ኣምላኽን ንረብሓ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ኢዩ። ካብዚ ወጻኢ ግና ኣቦኹም ጠሊምኩም፡ ሓዋርያዊ ሕጊ ኣፍሪስኩም ኢሎም ምቕባል ዝኣበዩና ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ ዓሪፎም ኢዮም። ጊዜ ተቐይሩ፡ ፍሉይ ኣጋጣሚ ተረኺቡ ንኺድ ንግብጺ ተባሂሉ ብኽፍኣትን ጉርሕን ዝተማህዘ ጉዕዞ እንተ ኾይኑ ግና “ኣይትጠበሩ ኣምላኽ ኣይዕሾን ኢዩ! ዝብል ጥቕሲ ነጊርና ነታ ዘይትልወጥን ዘይትርሳዕን ቃል ቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ከነዘኻኽሮም ንደሊ።

ምኽንያቱ ዮፍታሄ ይኹን ጳጳሳት ኤርትራ ብታህዋኽን ተብተብን ናብ ግብጺ ብዘይ ቁም-ነገር ካብ ምጋሽ ናብ’ቶም ካብ ቤተ ክርስቲያንን ምእመናን ብሓይሊ ከልኪሎም ንልዕሊ 6ተ ዓመት ኣብ ማሕዩር ዝሳቐዩ ዘለዉ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ከይዶም “ኦ ኣባ ሥረይ ለነ፥ እስመ በላዕሌከ ወበቅድመ እግዚኣብሔር ኣበስነ” ክብሉን ንተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ክኽሕሱን እቲ ዝበለጸ ኢዩ።

ኣብ መደምደምታ ነታ ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ ብህይወት ከለዉ ንዮፍታሄ ምስ ሰዓብቱ ጳጳሳት ኣብ 2005 ዓ.ም. ዝሃብዎም ዘይትልወጥን ዘይትርሳዕን ቃል “ትጋገዩ ኣሎኹም፥ ምስ ኣቦኹም ተዓረቑ” ትብል ክብርትን ኣገዳሲትን ማዕዳ እናኣዘኻኸርና፥ ሕጂውን ጊዜ ከሎካ ጊዜ ኣይትጸበ ኢዩ እሞ ነዚ ኣምላኽ ሂቡኩም ዘሎ ጊዜ ንንስሓን ዕርቅን እንተ ዘይተጠቒምኩሙሉ ብዝያዳ ንህይወትኩምን ሰዓብትኹምን ትጎድኡ ከም ዘሎኹም ክተስተውዕሉ ይግባእ። ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ግና ብሰብን ብእግዚኣብሔርን ንወለዶታት ዘኽብሮም ግሩም ሓዋርያዊ ሕድሪ ፈጺሞም ኢዮም። ብዛዕባ እቲ ክቡር መልእኽትን ሓዋርያዊ መርገጽን ናይ ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ ከኣ ሎሚውን እቲ ሓቂ ኣብቶም ልዕሊ ሚእቲ ዝኾኑ ጳጳሳትን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ግብጻውያን ምእመናንን ብግቡእ ተነጊሩን ብጽኑዕ ተዓቂቡን ስለ ዘሎ መገሻ ዮፍታሄን ሰዓብቱ ጳጳሳትን  ከንቱ ድኻምን “ትጋገዩ ኣሎኹም፥ ምስ ኣቦኹም ተዓረቑ” ትብል ቃልን ምዃና ኩሉ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ክፈልጦ ይግባእ።

እግዚኣብሔር ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዕድመን ጥዕናን

ንቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ድማ ዘለዓለማዊ ሕይወት ይሃቦም።

ንቤተ ክርስቲያናን ህዝብናን ከኣ ሰላምን በረኸትን ይሃበልና።

ብደቂቀ እንጦንዮስ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Baraee March 28, 2012

    To those that do not know Yoftahe Demetrios is the son of Keshi Demetrios a man who sold Eritrea to Ethiopia….The complete family is a unionist even today….Yoftahe will celebrate if Eritrea unites with Ethiopia…Question is what is his relationship with the dictator?

    • asme March 28, 2012

      keshi demetros was a spiritual leader, he was not a politician. You do not have to make up you own history and accuse a great church leader just to score a cheap point against his son who is serving the PFDJ.

      I am sick and tired of people who make up story.

    • Senait March 28, 2012

      One liner answer to your question: Yoftaha’s grandmother and Issaias’ grandmother are sisters. Please do not panic though!
      ክንዲ ዓባየይ ዝኾና፣ ኣደይ መድህን ማዕቀባይ (AKA መድህን በራድ) ኣደ ኣደይ ኣዳነች በርሀ እየን፣ ኣደይ ኣዳነች በርሀ ድማ ኣደ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኢየን።
      ኣደይ መግደላዊት ማዕቀባይ ኣደ ቀሺ ዲሜጥሮስ ገብረማርያም እየን፣ ቀሺ ዲሜጥርስ ድማ ኣቦ ዮፍታሄ ቀሺ ዲሜጥሮስ ኢዩ። ኣደይ መድህንን ኣደይ መግደላዊትን ድማ ኣሓት እየን።

  • Abnet Tesfai March 28, 2012

    Baraee
    their relation is through devil because SEITAN is the best friend for both of them.

  • Cambo March 28, 2012

    “ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ግና ብሰብን ብእግዚኣብሔርን ንወለዶታት ዘኽብሮም ግሩም ሓዋርያዊ ሕድሪ ፈጺሞም ኢዮም።”

    ናይዞም ኣቦን ኣቡንን ዝኾኑ ጽንዓትን ተወፋይነትን ኣመና እዩ ዝገርመኒ፤
    ሰብዶ መንፈሳዊ ሃይማኖት ተዓጢቑ፣ ካብ ሓጺነ መጺንን ዓረን ክንድዚ ይተርር እዩ?
    ሃይማኖታዊ ተኣምር ዝብሎዎ እዚ ዶኾን ይኸውን?
    ንኸምዚ ከማይ ካብ ሃይማኖት ኣዝዩ ብዙሕ ርሕቕ ዝበለ ዘደንጸወ ክስተት።

  • ahmed saleh March 28, 2012

    Pope Shenuda’s refusal to accept the allegations of these new leaders of Eritrean
    Orthodox toward Patriarch Antonios does not surprise me. God Bless their soul, he
    was a respectful leader respected by all Egyptians of all faith. I remember he was
    in house arrest for long time for their strong stand against Egyptian government
    concerning the relation with Israel. They use to tell the officials you can not play
    politics at an expense of our holy lands. Really a man of principle and wisdom.

  • ወዲ-ተዋህዶ March 28, 2012

    ክላእ…ሃለውለው… ክዛወሩ ክናፈሱ ዶ ዋላ ክቐብሩ ኢዮም ከይዶም፧ መዛወሪ መጻወቲ ጌሮሞ ናይ ህዝቢ ሞባአ በዓል ዮፍታሄ, ቀሺ ሃብቶም ይዕንድሩሉ ኣለዉ መንበረ ፓትርያርክ። ኣነ ዝገርመንስ እቲ ድፍረቶም ኢዪ ቁሩብ ከማን ኣይሓፍሩን አቲ ሰብ እንታይ ክብለና ኢዩ፡ ወይ ግብጻውያን እንታይ ክብሉና ኢዮም፡ ኣይብሉን ድዮም፡ ዒራ ሓዘን ኢዩ እሞ ውራይ ሓዘኖም ኢዮም ዝገብሩ ኢሎም ኢዮም ከይዶም ግና ግብጻውያን ዋዛ ኣይኮኑን ኣብቲ ናይ ፍትሓት ግዜ ናይ ኢትዮጵያ መራሕቲ ኣፎም መሊኦም ክጽልዩ ኒበዓል ጉጅለ ዮፍታሄ ግና ዕድል ኣይሃቡዎምን ገጽ ከሊኦሞም፡ ከም መራሕቲ ሃይማኖት ዘይኮኑስ ከም ጭዋታት ዝግደሰሎም ስኢኖም ሓፊሮም ኢዮም ተመሊሶም።
    እምበር ግብጻውያንሲ ሕጂውን እንተኾነ ድሕሪ ሞት ኣቦኦም መርገጺኦም ፍሉጥ ኢዩ ኣብ ጎኒ ኣቡነ እንጦንዮስ ኢዮም። በዓል ጉጅለ ዮፍታሄ ንኹሉ ግዜ ክሳብ ኣቡነ እንጦንዮስ ዘይተመልሱ ብኹሉ ክርስቲያናት ናይ ዓለም ውጉዛት ኢኹም ካብ ኩሎም ተነጺልኩም ኢኹም ብፍላይ ካብ ኦርየንታል ቤተክርስቲያን። ተሕዝኑ፡ ኣምላኽ ናቡነ ሺኖዳ ዕረፍቲ ነፍሲ፡ ንኣቡነ እንጦንዮስ ጥዕና፡ ንጉጅለ ዮፍታሄ ዝናሳሕ ልቢ፡ የሃበልና ኣሜን።

  • Kalighe March 28, 2012

    Baraee says:

    “.. Question is what is his relationship with the dictator? ”

    Iseyas’ grandmother, a well known and respected lady, Medhin ‘Berad’ had a sister who, as the story goes, was living in an Orthodox convent (Ghedam). She had a baby boy (illegally) from a man who came from Gonder, an Ethiopian. The boy became the notorious Keshi Dimitrious. Youftah is his son who is known to be a rude Ethiopianist, following the legacy of his father. The same can be said about the man Iseyas choose to replace our hero Abune Antonious, another Ethiopianist. The sad part is that many decent Eritreans from Hamasien think he is from Ztolot, so they support him regardless what happens to other Eritreans (regionalism). The truth is that he is from ‘Laileway Ztolot’ village the indigenous call ‘Gheza Tegaru’. Iseyas and others like him, are neither Tigrayas because they hate to be, nor want be part of Eritrea’s big and diverse family, because deep inside they have a lot of hatred for the people they live with, mainly due to land tenure system in Eritrean highlands, they feel it does a lot of injustice to them. Naturalization of this group has become very difficult. Eritreans need to change their attitude towards them to that we can live in peace. But that should happen only after removing the brutal regime they in place, which is bleeding Eritrea to death.

  • semere March 28, 2012

    I thank the author for his reportage. But I do not expect the regime to listen to his advice because it goes against its psyche and nature . HGDEF’s regime was born on lies, deception and false image. Truth does not exist in their vocabulary. And that is why our country is in ruins. As the Italians say “il lupo cambia la pelle ma non il vizio”; meaning the wolf changes skin but not the vices. Pope Patriarch Antonios will shine forever, because as Origen used to say, in the 2nd century, “the blood of martyrs is sown not buried”. His courage and honesty will produces hundredfold fruits, while Isayas and his cronies will be wiped away from the face of the earth. God is on our side!!

  • HAGERAWI March 28, 2012

    IT IS TRUE THAT MENDELAWIT AND MEHDN (BERAD) ARE BOTH OF THEM THE DAUGHTERS OF KESHI MAEKEB, IN A VILLAGE CALLED ADI BAROT IN SERAYE REGION. YUFTAH IS THE SON OF ITAY MEDELAWIT KESHI MAKEB. SHE WAS IN AREZA, IN SERAYE REGION AND THERE SHE MET ABOY GEBREMARIAM AND GOT DEMOTROS ( FRE HAYMANOT IN GREEK LANGUAGE). THIS STORY IS 100% TRUE. I MYSELF MET DEKI AREZA AND THEY SAID IT IS TRUE 100%. KESHI DEMETROS IS HIS FATHER GEBREMARIAM FROM BAHIRDAR, AND HE HAD A PROBLEM IN UNDERSTANDING THE TIGRIGNA LANGUAGE. HIS SON KESHI DEMETROS GOT MARRIED WITH ONE TIGRAY LADY. KESHI DEMETROS IS AMHARAY AND HIS MOTHER IS ONLY ERITREAN.

  • Yemane Johar March 28, 2012

    “Dawlawn ferto ahyawn” “H’ine q’eranat neguae’mamat” It is Higdef who is destroying the church! Yuftehe and his followers are just following orders from the “ministry of religion”. The orthodox church must stand and speak the truth and call a spade a spade!

  • jgna March 28, 2012

    I read many nonsense and racist comments. some of the commentators are hoping for ethnic cleaning, which is practically impossible in eritrea. Do you think that you can clean out eritreans who have a nieghbouring ethnics blood? (afars from afars, tigrayna speaking from tigray, etc) including esayas? try it and you will end up with disaster. Is there an eritrean who has no blood from some where after all? If you count back to your grand fathers, you know very well where you will end-up. So, do not fool yourself.

POST A COMMENT