Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕጂ’ኸ ናበይ-?!

ሓደ ንነዊሕ መገሻ ዝተበገሰ ሰብ፥ ክይድ ውዒሉ ከምቲ ተስፋ ዝገበሮ፥ ኣማስያኡ ዓዲ ዘየእትዎ ኮይኑ ምስ-ዝርከብ። ሕጂኸ ናበይ ብምባል-? የማነ ጸጋም ቀባሕባሕ ኢሉ፥ ተዓኒዱ ደው ክብል ከም-ዝግደድ ርዱእ’ዩ። ሕዝብና እምበኣርከስ ኣብዚ እዋን’ዚ፥ ከምዚ ዓይነት ጸገም’ዚ ኣጋጢሙዎ’ዩ

ሓደ ንነዊሕ መገሻ ዝተበገሰ ሰብ፥ ክይድ ውዒሉ ከምቲ ተስፋ ዝገበሮ፥ ኣማስያኡ ዓዲ ዘየእትዎ ኮይኑ ምስ-ዝርከብ። ሕጂኸ ናበይ ብምባል-? የማነ ጸጋም ቀባሕባሕ ኢሉ፥ ተዓኒዱ ደው ክብል ከም-ዝግደድ ርዱእ’ዩ። ሕዝብና እምበኣርከስ ኣብዚ እዋን’ዚ፥ ከምዚ ዓይነት ጸገም’ዚ ኣጋጢሙዎ’ዩ ዝርከብ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን ከኣ’ዩ “-እዝን መንገዲ ትኽ ኢሉ፥ እዝን ሰብኣይን ኣበይ ኣቢሉ” ተባሂሉ ዝምሰል።

ብዝተረፈ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት፥ እቶም ናይ ኢትዮጵያ ሓዲሽ ቀዳማይ-ሚኒስተር። ነቲ ኣብ መንጎ ክልቴአን ሃገራት፥ ኣይ-ውግእ ኣይ-ሰላም  ኮይኑ ዝጸንሐ ሃዋህው ዝቕይር፥ ነቲ ናይ ኣልጀርስ ውሳኔ፥ ብዘይ ቅድመ ኩነት ተቐቢልናዮ ኢና ምስ በሉ፥ ሕዝቢ ክልቲኤን ሃገራት ዝተሰምዖም እፎይታን ሓጎስን፥ ቃላት ካብ ዝገልጹዎ ንላዕሊ’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ከመይሲ እቲ ኪኖ-መረብ ኮነ ክነጆ-መረብ ዝርከብ ሕዝቢ፥ ብሳዕቤን እቲ ኣብ ባድመ ዝተኻየደ መሪር ኵናት፥ ንከቢድ ሕሰምን መከራን ተጋሊጹ ክጸንሕ ምግዳዱ ዝፍለጥ’ዩ።

ስለዚ ከኣ’ዩ ሕዝቢ-ኤርትራ፥ ንዶክተር ዓቢይ ብሕሉፍ ፍቕርን ኣኽብሮትን ክቕበሎም ዝኸኣለ። ብመሠረቱ ክርአ ከሎ፥ ነቲ 1998 ኣብ ባድመ ዝተወልዐ ኩናት፥ ሕዝቢ ክልቲአን ሃገራት ደልዩዎን ተሰማሚዑሉን’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ከም-ዝፍለጥ እዚ ዘሰምብድ ዜና’ዚ ኣብ ዝተሰምዓሉ ግዜ፥ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን  ኤርትራ፥ ኣብቲ ዝጸውዓቶ ህጹጽ ጸሎተ-ምህልላ፥ ካቶሊካውያንን ወንጌላውያንን ’ውን ስለ-ዝሓበሩዎ። ብምክትታል ናይ ሠለስተ መዓልቲ ጸሎተ-ምህልላ፥ ኣብ ኣሥመራ ክግበር ከም-ዝተኻእለ ዝዝከር’ዩ። እቲ ገፊሕን ሰፊሕን ደምበ እንዳ-ማርያም፥ ክስከሞ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ኮይኑ እቲ ሕዝቢ ብብዝሒ ክመጽእ ምኽኣሉ’ውን፥ መርኣያ ኵናት ናይ ዘይምድላዩ እዩ እንተ ተባህለ ጌጋ ኣይኮነን።

ኣብቲ ሽዕኡ እዋን፥ እቲ ልሣን ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝኾነ “-ጋዜጣ ፍኖተ-ብርሃን-” እውን፥ ነቲ ውግእ ኣመልኪቱ ኣብ ዝጸሓፎ ርእሰ-ኣንቀጽ “-ንሕና ኣኅዋት ኢና፥ ኣብ መንጎና ከኣ ባእሲ ኣይኹን-” ዝብል ትሕዝቶ ዝነበሮ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ከም-ዝነበረ ከቶ ክርሳዕ ኣይከኣልን። በቲ ካልእ ወገን’ውን ኣሜሪካን ሩዋንዳን ዘካይድኦ ናይ ሰላም ጻዕሪ ከም-ዝነበረ ይፍለጥ። እቲ ናይ ዕርቂ እማመ’ቲ ሰማዒ ረኺቡ እንተ-ዝነብር ከኣ፥ እቲ ኩሉ ዝተረኽበ ጥፍኣትን  ዕንወትን ክፍጸም ኣይምኸኣለን። ንናይ’ቲ ሕዝቢ ትርግታ-ልቢ ከዳምጽ ዝኽእል ልቦና፥ ኣብቶም መራሕቲ ፖለቲካ ስለ-ዝተሳእነ ግና፥ ዝኾነ ሰብ ክግምቶ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ፥ ኣብ ልዕሊ’ቲ ነዊሕ  ናይ ታሪኽ ዝምድና ዘለዎ ክልቲኡ ሕዝቢ፥ ክወርድ ተራእዩ።

እቲ ኣዚዩ ዘሕዝን ከኣ “…ንሕና ካብ ባድመ ወጻእና ማለት፥ ፀሓይ ኣይትዓርብንዶ ኣይትበርቕን ከም-ዘይተባህለ፥ ኣብቲ ዓውዲ ኵናት ተኣትዩ እቲ ኩሉ መንእሰይ ምስ-ጠፍአ ግና፥ ግልብጥ ኢሎም “-ካብ ባድመ ወጺእና ኢና-” ክብሉ’ዮም ዝተሰምዑ። እሞ እቲ ናይ ኣሜሪካን ሩዋንዳን ናይ ዕርቂ እማመ ደኣ፥ ቀደሙስ ደይ ንሱ’ዩ ዝብል ነይሩ። እንድሕሪ ካብ ባድመ ወጺእና ክበሃል ዝከኣል ኮይኑ ደኣ፥ ስለምንታይ እቲ ኩሉ መንእሰይ ከይጠፍአ ከሎ፥ ብዘይ ገለ ክሳራን ክብረትካ ዓቂብካን ክውጻእ ዘይተኻእለ-?! እዩ ዝበለ እቲ ዘይተዓደለ ሕዝብና። እቶም መራሕቲ ፖለቲካ ግና፥ ብመሠረቱ’ውን ንሕዝቢ ኣኽብሮት ዝህብ ናይ ፖለቲካ-ባህሊ ስለ-ዘይጸንሖም፥ ንሓልዮት ሕዝቢ ኢሎም ኣብቲ ናይ ሰላም መኣዲ፥  ክቐርቡ እንተ ዘይደለዩ ዘገርም ኣይነበረን። ከመይሲ እቲ ነገር ብጽሕታር ዝፍለጥ ባህርያቶም ኣይፈቕደሎምን እዩ።

ሕዝቢ ምስ-ጠፍአን፥ ንብረት ምስ ዓነወን ግና፥ እቲ ቅድም ተኣብዩን ተነጺጉን ዝነበረ ናይ ዕርቅን ሰላምን እማመ “-ንቕበሎ ኢና-” ስለ-ዝተባህለ፥ እቲ ኣሽሓት ደቂ-ሕዝቢ ዝበልዐ ኵናት፥ ኣብ ኣልጀርስ ብዝተኸተመ ሰነድ ተወዲኡ ስለ-ዝተባህለ፥ ሰላም ከምጽእ ዝኽእል ተስፋ መሲሉ ተራእዩ’ዩ። ግዳስ እቲ ሰነድ’ቲ ሕዝቢ ከም-ዝተመነዮን ተስፋ ከም-ዝተነብሮን፥ ሰላም ከምጽእ ዝኽእልን ኮይኑ ኣይተረኽበን።

ከመይሲ ኣብቶም ንልዕና ሕጊ፥ ኣኽብሮት ዘይብሎም መራሕቲ-ፖለቲካ፥ ክታማት ኮኑ ውዑላት ክብደት ስለ-ዘይወሃቦም፥ ውሕስነት ዘለዎ ሰላም ክርከብ ኣይተኻእለን። ስለዚ ከኣ’ዩ ኣብ ኣልጀርስ፥ ውዕል ምቁራጽ ውግእ ተኸቲሙ እናሃለወ፥ ሠራዊት ክልቲአን ሃገራት ግና፥ ንዕሥራ-ዓመት መመላእታ ኣብቲ ዶብ ተፋጢጡ ክጸንሕ ዝተገደደ። ሰላምን ዕርቅን ግና፥ ንሕዝብን ሃገርን ዝሓሊ ልቦና ክህሉ ከሎ ደኣምበር፥ ኣብ ወረቐት ክታም ስለ-ዝተነብረ ጥራይ፥ ትርጉም ዘለዎ ሰላም ከምጽእ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን።

ኣብቶም መራሕቲ ፖለቲካ፥ ኣብ ልዕልና ሕግን ሓልዮት ሕዝብን ዝጠመተ ልቦና ክርከብ እንተ ዘይኪኢሉ ግና፥ ዝተገብረ እንተ ተገብረ፥ ሰላምን ምርግጋእን ክርከብ ይኽእል’ዩ ኢልካ ክሕሰብ ኣይከኣልን። ስለዚ ከኣ’ዩ ሕዝብና ኣብዚ ዝሓለፈ 20-ዓመት፥ መዋጽኦ  ኣብ ዝተሳእኖ ናይ ፖለቲካ ሕንፍሽፍሽ ተሸሚሙ፥ ግደ ሕሰምን መከራን ኮይኑ ክረከብ ተገዲዱ ዝጸንሐ።፥ ገና ሕጂ’ውን  ካብዚ ዝተባህለ ሕልኽልኽ ተገላጊሉ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን።

ከም ሳዕቤን’ዚ ኩሉ’ዚ ድማ እቲ መንእሰይ-ወሎዶና፥ ካብ ትምህርትን መርዓን ሓዳርን ውላድን በዅሩ፥ ካብ ባርነት ፈሊኻ ክርአ ኣብ ዘይክእል ዕስክርና ተታሒዙ ኮለል ምባል ምስ በዝሖ፥ እቲ ንዓመታት ተሰኪሙዎ ዝጸንሐ ጠብ-መንጃ ኣቐሚጡ፥ መንገዲ ስደት ካብ ዘምርሕ ዓመታት ኮይኑ’ዩ። ስለዚ’ዩ እውን እቲ ናይ ኅቡራት-መንግሥታት ኮሚሺን ስደተኛታት። ኣብዚ ዝሓለፈ 6ተ-ዓመት ጥራይ 400,000 ኤርትራውያን፥ ዓዶም ገዲፎም ከም-ዝተሰዱ ገሊጹዎ ዘሎ። ብኣጣቓላሊ ክርአ ከሎ እቲ ዕስክርና-ሳዋ መሪሩዎ ንስደት መጺኡ ዘሎ መንእሰይ፥ ዕጽፊ ናይቲ ኮሚሺን ስደተኛታት መዝጊቡዎ ዘሎ ክኸውን ከም-ዝኽእል፥ ምግማቱ ዝጽግም ኣይኮነን።

እዚ  ዓቢይ ሃገራዊ-ጸገም’ዚ ድማ፥ ክውዕል ክሓድር ዝግብኦ ጉዳይ ስለ-ዘይኮነ፥ ብዕቱብ ተጠሚቱ ኩሉ ዘሎ ካልእ ጉዳያት ኣወንዚፍካ፥ ህጹጽ ፍታሕ ክርከብ ኣብ ዝኽእለሉ ኣቢልካ’ዩ ጠመተ ክግበር ዝግባእ ዝነበረ። ንክብደት እቲ ጉዳይን ንቃንዛ እታ ሃገርን ክርዳእ ዝኽእል ልቦና፥ ኣብቶም መራሕቲ ፖለቲካ ክርከብ ስለ-ዘይተኻእለ ግና፥ እንሆ እዚ ዓቢይ ሃገራዊ ጉዳይ’ዚ ዝግድሰሉ ስኢኑ፥ እቲ ስደት’ውን መዕገቲ ከም-ዝተሳእኖ ውሕጅ ቀጻሊ ኮይኑ፥ እታ ሃገር ከኣ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ፥ ንከቢድ ሓደጋ እናተቓልዐት ክትከይድ’ያ ትርአ ዘላ።

ግዳስ ኣብዚ ሕጂ እዋን፥ እቲ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ተግባራዊ ንከይከውን፥ ከም-ምኽንያት ክጥቀስ ዝጸንሐ ዕንቅፋት። እቲ ብዶክተር ዓቢይ ዝምራሕ ናይ ኢትዮጵያ መንግሥቲ ስለ-ዝተቐበሎ። ሓዲሽ ናይ ሰላምን ተስፋን ኣየር ክነፍስ ዝደለየ መሲሉ ክርአ ቀንዩ እዩ። ነዚ ተኸቲሉ’ውን ናይ ክልቲአን ሃገራት መራሕቲ፥ ምብጽጻሕ ክገብሩ ክንርእዮም ቀኒና ኢና። ነዚ ተኸቲሉ’ውን ክልቲኡ ሕዝቢ፥ እንቋዕ ኣሐጎሰና-!! እናተባህለ ክዕልል ምቕናዩ ዝፍለጥ’ዩ።

ይኹን እምበር እቲ ሓቂ ይዘረብ ዝበሃል እንተደኣ ኮይኑ። እቶም መራሕቲ ፖለቲካ ተዓሪቖም ክበሃል እንተ-ዘይኮይኑ፥ እቲ ሕዝቢ’ሞ ተባኢሱ ስለ-ዘይጸንሐ፥ ዝዕረቐሉ ምኽንያት’ውን የብሉን። ከመይሲ እዚ ጥቡቕ ታሪኻዊ ዝምድና ዘለዎ ክልተ-ሕዝቢ። ኣብቲ ዝሓለፈ ጽንኩር ዓመታት’ውን እንተኾነ፥ መውስቦኡ ብለይቲ ዕዳግኡ’ውን ብለይቲ ካብ ምግባር፥ ክኽልክሎ ዝኸኣለ ኃይሊ ከም ዘይነበረ’ዮም እቶም ሕዝቢ ባዕላቶም ዝዛረቡ። ስለ’ዚ እቲ ሕዝቢ ተባኢሱ ስለ-ዘይጸንሐ፥ ተዓሪቑ ምባል’ውን ዘኽይድ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ እቶም መራሕቲ ፖለቲካ ተዓሪቖም እንተ ተባህለ’ዩ ዝቐንዐ ኣበሃህላ ክኸውን ዝኽእል።

ብዝኾነ እዚ ብዋግዋግ ክርአ ዝቐነየ ሓዲሽ ተስፋ፥ ብመንገዲ‘ቶም ናይ ኢትዮጵያ                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                ሓዲሽ ቀዳማይ-ሚንሰተር  ስለ-ዝኾነ፥ ስለ’ቲ ንሶም ንሰላም ኢሎም ዝወሰዱዎ ቅዱስ ተበግሶ፥ ሕዝቢ ክልትኤን ሃገራት ብማዕረ ከመስግኖምን ክምርቖምን ተሰሚዑ እዩ። ከመይሲ እቲ ሕዝቢ ሓሲሙዎን መሪሩዎን’ዩ ጸኒሑ። እቲ ን20-ዓመት መመላእታ፥ ተጻዒኑዎ ዝጸንሐ ኣርዑት ጸበባን መከራን፥ ካብ ዝባኑ ከወርድ ዘኽእል ተስፋ ክቕልቀል ከሎ፥ እንተ ተሓጎሰ ከኣ መዓስ ዘይግብኦ ኮይኑ-!!

ግዳስ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኻየድ ዘሎ፥ ናይ ዕርቅን ይቕሬታን መሥርሕ፥ ሕዝቢ ኤርትራ’ውን ብደቂቕ ዝከታተሎ ዘሎ ጉዳይ ስለ-ዝኾነ፥ እቶም መራሕቲ ፖለቲካ ሃገርና’ውን፥ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኣብነት ብምኽታል፥ ናብ ዕርቅን ይቕሬታን ኣቢሎም ክጥምቱ፥ ሕዝብና ቁሊሕ ክብሎም ጸኒሑ’ዩ። ክሳብ ሕጂ ግና ኣሽንኳይዶ እሱራት ክፍትሑን፥ እቶም ፈቐዶ በረኻ ኮለል ዝብሉ ዘለዉ መንእሰያት ቤቶም ክምለሱን። ብመሠረቱ’ውን እቲ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ፥ ክግበር ዝቐነየ ምዝርራብን ዝተበጽሐ ስምምዕን፥ መራሕቲ ፖለቲካ ሃገርና ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ክብሉ ኣይተሰምዑን ዘለዉ። እዚ ከኣ እቲ ዝወዓለ ዝሓደረ ነዛ ሃገር’ዚኣ፥ ክሳቕያ ዝጸንሐ ሕዱር ሕማም፥ ሕጂ’ውን ፈውሲ ክርከቦ ከም-ዘይከኣለ’ዩ ዘመልክተና።  ማለት እቲ ኣብ መራሕቲ ፖለቲካ ሃገርና ሕዝቢ ናይ ምንዓቕ ሕማም፥ ሕጂ’ውን ከምቲ ዝነበሮ ኮይኑ’ዩ

ብመሠረቱ ክርአ ከሎ፥ ለባማት መራሕቲ-ፖለቲካ ንሕዝቢ ብዝምልከት፥ ጥንቅቕ ኢሎም ሚዛን ሓልዮም’ዮም ክኸዱ ዝመርጹ። ማለት እቲ ሕዝቢ ዝሕይሎም መሲሉ ክርአዮም ከሎ፥ ነታ ቀያሕ መስመር ጥሒሶማ ክሓልፉ ትብዓት ኣይረኽቡን’ዮም። እቲ ሕዝቢ ሱቕ ኢሉ ከም በጊዕ፥ ተኸብኪቡሎም ዝኸይድ ኮይኑ ክርከብ ከሎ ግና፥ ዝድንግጹሉ ኣይኮኑን። ስለዚ’ዩ ሕዝብና’ውን፥ ኣብቲ 1998 ዝተወልዐ ኩናት-ባድመ፥ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ዝኾነ ኣፍልጦ ከይሃለዎ፥ እቶ ስለ-ዝተባህለ ጥራይ ተደፊኡ ክኣቱ ዝተገደደ። ንቕሓተ-ሕልናን ጥርናፈን ዘለዎ ሕዝቢ ነይሩ እንተ ዝኸውን ግና፥ ነቲ ብኣሜሪካን ሩዋንዳን ቀሪቡ ዝነበረ ናይ ሰላም እማመ ክቕበሉ፥ ኣብ ልዕሊ’ቶም ንልዕልና ሕጊ ዘይግዝኡ መራሕቱ፥ ጸቕጢ ብምግባር ከገድዶም ምኸኣለ ነይሩ’ዩ።

ይኹን እምበር እቶም መራሕቲ-ፖለቲካ፥ ክምክቶም ዝኽእል ሕዝቢ ኣብ ቅድሚኦም፥ ከምዘየሎ ምስ ኣረጋገጹ ከኣ’ዮም፥ ብዕርቅን ሽምግልናን ክድቅስ ዝኽእል ዝነበረ ጉዳይ “-ካብ ባድመ ኣይንወጽእን-” ብምባሎም ምኽንያት፥ እቲ ናይ ኵናት ሓዊ ክውላዕ ዝኸኣለ። እዚ ኵናት’ዚ ተጀሚሩ ብዙሓት ደቂ-ሕዝቢ ምስ-በልዐ ድማ፥ “-ካብ ባድመ  ወጺእና-” ክብሉ፥ ምንም ዝፈርሁዎን ዝስከፉሉን ምኽንያት ኣይነበሮምን። ብዝተረፈ እዚ ጉዳይ’ዚ ብሓላፍነት ዘሕትት ገበን ኮይኑ’ዩ ክርከብ ዝግብኦ ዝነበረ። ክሓትት ዘኽእል ጥርናፈ ዘለዎ ሕዝቢ ክርከብ ስለ-ዘይተኻእለ ግና። እንሆ ዝኾነ ነገር ከም-ዘይተፈጸመ ፥ ሓታቲ ዘይብሉ ጉዳይ ኮይኑ ይርከብ ምህላዉ፣ ታሪኽ ይቕረ ክብለሉ ዘይክእል ገበን’ዩ።

እዚ ሕጂ ነቲ ብዛዕባ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ፥ ዝተገብረ ምዝርራብን ዝተበጽሐ ስምምዕን፥ ነቲ ሕዝቢ መግለጺ ክህቡዎ ናይ ዘይ-ምድላይ ንዕቀት’ውን፥ መቐጸልታ ወይ እኩብ ድምር ናይ’ቲ ዝሓለፈ ኩሉ ንዕቀታት ደኣምበር፥ ሕጂ ዝጅመር ዘሎ ሓዲሽ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። እዚ ከኣ ከምቲ ሓደ-ሰብኣይ “-ኣታ ኮፍ ኢለ ከሎኹ ክትሸነለይ-” ምስ በሎ፥ እቲ ዝሸይን ዘሎ ሰብኣይ ከኣ “-ሓፍ እንተ በልካ’ውን፥ ትገብሮ ከም-ዘይብልካ ስለ-ዝፈልጥ’የ-” ኢሉዎ ዝበሃል። ሕጂ’ውን እቲ ብመራሕቱ ዝተናዕቀ ሕዝቢ፥ ካብ ድቃሱ ተበራቢሩ ኣለኹ ብምባል ህልውናኡ ከረጋግጽ እንተ ዘይኪኢሉ፥ ውርደትን ሕስረትን ክተርፈሉ ይኽእል’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን። ከምዚ ዓይነት ንዕቀት ኣ ከኣ’ዩ፥ ሕጂ’ውን ክድገም ዝርአ ዘሎ።

ብዝተረፈ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ተገይሩ ዝበሃል ዘሎ ዕርቀ-ሰላም፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝጸንሐ “-ማዕቀብ ወይ እገዳ-” ንኽለዓል። ብወገን መራሕቲ ፖለቲካ ኤርትራ፥ ዓቢይ ተስፋ ተነቢሩሉ ጸኒሑ’ዩ። ባዕሎም ዶክተር-ዓቢይ’ውን፥ ናብ ናይ ኅቡራት-መንግሥታት ዋና-ጸሓፊ፥ ኣማላዲ ኮይኖም ክቐርቡ ተራእዮም’ዮም። እቲ ማዕቀብ ግና ከምቲ መራሕቲ ፖለቲካ ኤርትራ ተስፋ ዝገበሩዎ፥ ብቐሊል ክለዓል ዝኽእል ኮይኑ ኣይተረኽበን። እኳደኣ ብኣንጻሩ በቲ ዘለዎ ክቕጽል’ዩ ተወሲኑ ዘሎ።

ስለ-ምንታይ እንተ-ተባህለ፥ እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ እናተፈጸመ ዝጸንሐን፥ ገና’ውን እናተፈጸ ዝርከብ ዘሎን፥ ናይ ሰብኣዊ-መሰላት ግህሰት ክዕረ ከይተኻእለ፥ እቲ ማዕቀብ ክለዓል ከም-ዘይከኣል’ዩ እቲ ውሳኔ ኣነጺሩ ኣቐሚጡዎ ዘሎ። እዚ ድማ ነቶም መራሕቲ-ፖለቲካ ኤርትራ፥ ምስ ሕዝብኹም ተዓረቑ ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ተባሂሉ፥ ዝተሓላለፈ ውሳኔ ምዃኑ ፥ ንምርድኡ ዝጽግም ኣይኮነን። ከመይሲ 360 ኣብያተ-ማእሰርቲ ዘለዋ ሃገር ሒዝካ፥ ማዕቀብ ክለዓል ኢልካ ምጽባይ፥ በቲ ንሳቶም ማለት እቶም መራሕቲ ፖለቲካ፣ ከዘውትሩዎ ዝስማዕ ቋንቋ “-የዋህነት-” ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል።

ብዝተረፈ ኣብ ገዛኻ ዘሎ ሓዊ ከየጥፋእካ፥ ምስ ጐረቤት ዝግበር ዕርቂ፥ ትርጉም ዘለዎ ዕርቂ ኮይኑ ክርከብ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለዚ’ውን መራሕቲ ፖለቲካ ሃገርና፥ እቲ ማኅበረ-ሰብ ዓለም ዝብሎም ዘሎ ሰሚዖም። ምስ ሕዝቦም ካብ ምትዕራቕ ሓሊፎም፥ ካልእ ኣማራጺ ከም-ዘይብሎም፥ ክርድኡ ዝግብኦም ሰዓት ከም-ዝበጽሐ፥ ዘይርድኡ ኮይኖም ክርክርቡ ንረብሓኦም ኣይኮነን። ከመይሲ ሎሚ ትማሊ ስለ-ዘይኮነ፥ ነቲ ግዜ ጽቡቕ ገይሮም ከንብብዎ ክኽእሉ ኣለዎም። ብዝተረፈ እቲ ምስ ሕዝቦም ክገብሩዎ ዝግብኦም ዕርቂኸ፥ ከመይ ኣቢሉ’ዩ ክኸብዶም ዝኽእል-?! ነዚ 27-ዓመት መመላእታ ድከት ዘስተዩዎ ሕዝቢ። እምኒ ተሰኪሞምን ምድሪ ወዲቖምን ይቕሬታ እንተ-ሓተቱዎኸ በዚሑዎ ድዩ-?!

እዚ ሕዝቢ’ዚ ን27-ዓመት መመላእታ፥ ዘይጽወር ጸይሩ  ሕጊግ እናበለ ክጐዓዝ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ። ካብ ሕጂ ንደሓር ግና፥ ነቲ ሕርሕራይ ገይሩ እናስተማቐሮ ዝመጸ ውርደትን ንዕቀትን፥ ክጻወሮ ዘኽእሎ ትዕግስቲ፥ ክህልዎ ይኽእል’ዩ ኢልካ ክሕሰብ ኣይከኣልን። ነዚ ከም ኣብነት ክጥቀስ ካብ ዝኽእል ሓደ፣ እቲ ኣብዚ ሣልስቲ’ዚ፥ በቶም ሕሉፍ ትብዓት ከም-ዘለዎም ብግብሪ ዘመስከሩ፥ ኣንበሳ ተባሂሎም ‘ውን ክጽውዑ ዝግብኦም፥ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ዝተዋህበ መግለጺ’ዩ። እዚ ከኣ እቲ መስፈር ግፍዒ መሊኡስ፥ ኣብ ክፈሰሉ ዝኽእል ደረጃ ከም-ዝበጽሐ ዘረድእ ሕያው ምስክር እዩ።  ስለዚ’ውን እዚ ሕዝቢ’ዚ ትዕግሥቱ ወዲኡ፥ ኣብ ካልእ መኣዝን ኣቢሉ ክኸይድ ምድፍኡ፥ መወዳእታኡ ንሳቶም እቶም ሰብ-ፖለቲካ፥ ተሳዒሮም ዝወጹሉ ጸወታ ክኸውን ከም-ዝኽእል ክስወሮም ኣይምተገብአን። ይኹን እምበር ካብ ሕጂ ንደሓር፥ በቲ ክኽየድ ዝጸንሐ መንገዲ ክኽየድ ከም-ዘይከኣል፥ ብልቦና ምርኣዩ ነቶም ሰብ-ፖለቲካ ዝምልከት፥ ዕዮ ገዛ’ዩ ክኸውን ዝግብኦ በሃልቲ ኢና።

ብዝተረፈ እቲ ኣብ ኣሥመራን ኣዲስ-ኣበባን፥ ክግበር ዝቐነየ ርክባትን ዝተበጽሐ ስምምዓትን፥ ንሕዝቢ-ኤርትራ ክግለጸሉ መሰሉ’ዩ ነይሩ። እቲ ዝጸንሐ ሕዝቢ ናይ ምንዓቕ ሕማም ክፍወስ ስለ-ዘይከኣለ ግና፥ ክሳብ ሕጂ ክበሃል ዝተሰምዐ ነገር የልቦን። እቶም ናይ ኣሥመራ መራሕቲ-ፖለቲካ፥ ካብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክግበር ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ-ምዕባሌ፥ ክምሃሩ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ተስፋ ጸኒሑ’ዩ። ከመይሲ ኢትዮጵያውያን ኩሎም ዝነበሩዎም  እሱራት ክፈትሑ ከለዉ፥  ኩሎም ናይ ፖለቲካ ማኅበራት’ውን፥ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ዘኽእል፥ ኣብ ሓደ ናይ ዕርቅን ይቕሬታን መኣዲ ተረኺቦም፥ ይዝትዩ ምህላዎም ኢና ንርኢ ዘሎና።

መራሕቲ ፖለቲካ ኣሥመራ ከኣ፥ ካብዚ ተማሂሮም እሱራት ክፈትሑን፥ እቲ ናይ ፖለቲካ መድረኽ ከስፍሑን፥ ብብዙሕ ትጽቢት ክግበረሎም ጸኒሑ’ዩ። ዋላ ሓንቲ ክግበር ዝተራእየ ግና የልቦን። ንዝበዝሕ ሕዝብና ገሪሙዎ ዘሎ’ውን እዚ’ዩ። ከመይሲ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ዕርቂ፥ ሓዲሽ ናይ ዕርቅን ይቕሬታን መድረኽ፥ ሒዙ ክመጽእ ዝብል ተስፋ’ዩ ጸኒሑ። እቶም ኣብ ኣሥመራ ዘለዉ ኣእማን ግና፥ ኩሉ ግዜ ኣእማን ኮይኖም’ዮም ተሪፎም፥ ክውቀሩ ዝኽእሉ ኣእማን ኮይኖም ብዘይ ምርካቦም ድማ፥ ማኅበረ-ሰብ ዓለም ወይ ጉድ እናበለ’ዩ ብትዕዝብቲ ዝጥምቶም ዘሎ።

ስለዚ’ዩ ሕዝብና’ውን ሕጂ፥ እቲ ብዋግዋግ ክርእዮ ዝቐነየ ተስፋ ሰላም ጠፊኡዎ፥ ሕጂኸ ናበይ-?! ብምባል፥ ገለ ከም-ዝጠፍኦ ኮይኑ፥ ኣብ ማእከል ጎልጎል ተዓኒዱ ዝርከብ ዘሎ። ግዳስ ወዮ ደኣ ንሳቶም ካብ እምነትናን ባህልናን ክቡር ታሪኽናን ኣውጺኦሙና ስለ-ዝኾኑ፥ እቲ መንገዲ ንጋገዮ ኣሊና ኢና እምበር፥ እግዚኣብሔር ዝኣክል ኣምላኽ ሒዝና መንገዲ ክጠፍኣና ኣይምተገብአን። እቶም ቅዱሳት-መጻሕፍቲ’ውን “-ኣብ ሰብ ዝውከል ርጉም’ዩ-” እዮም ዝብሉ። ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን ግና፥ ናባታቶም ናብቶም ሰብ ግዜ እምበር፥ ናብ እግዚኣብሔር ኣቢልና ክንጥምት ኣይደለናን። እቲ ዝዓበየ ጸገምና ከኣ እዚ’ዩ

ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያንና’ውን፥ ኣካል እዚ ሃገር’ዚ ከም-ምዃና መጠን፥ ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ኣደራዕ’ያ ክትቅበል ትርከብ ዘላ። ስለዚ’ውን ብድፍኢት ፖለቲካ ተሳሒባ እትንቀሳቐስ ደኣምበር፥ ነፃ ቤተ-ክርስቲያን ኣላትና ክበሃል’ውን ዝከኣል ኣይኮነን። ከመይሲ እቶም ፓትርያርክ ን13-ዓመት መመላእታ፥ ኣብ ማሕዩር ተታሒዞም ዝርከቡ ክኾኑ ከለዉ። ብምሉኡ ውሉደ-ክህነትና ድማ፥ ክህነቱን መስቀሉን ተመንጢሉ፥ ተሰካም ጠብ-መንጃ ኮይኑ ፈቐዶ በረኻ ኮለል ክብል ካብ ዝጅምር፥ ደጊምሲ ዓመታት ኮይኑ’ዩ። ብኡ መጠን ድማ ኣገልገልቲ ስኢነን፥ ዝዕጸዋ ዘለዋ ኣብያተ-ክርስቲያናትና ማእለያ የብለንን።

ብተወሳኺ’ውን፥ እቶም ኣዕኑድ ቤተ-ክርስቲያን ተባሂሎም ክግለጹ ዝግብኦም፥ ሠለስተ ስሑላት ካህናት መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለም። ካብዚ ዝሓለፈ 13-ዓመት ኣትሒዞም፥ ምእንቲ ዕቤትን ክብርን ቅድስናን ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክብሉ፥ ኣብ መቝሕ ይበልዩ ምህላዎም ክንዝክር ከሎና፥ ንሓዘንና መጸናንዒ ኣይንረኽበሉን። እዚ ከኣ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ንምድኻማን ንምጥፍኣን ስለ-ዝተደልየ እንተ ዘይኮይኑ፥ ንሳቶም እዞም ካህናት መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለም፥ ኣብ ዝኾነ ገበን ስለ-ዝተረኽቡ ኣይኮኑን። ብዝኾነ ግና ዝመጸ መከራ’ውን እንተመጸ፥ ክርስቶስ ኣሚኑ ዝሓፈረ ሕዝቢ ስለ-ዘየሎ፥ ቤተ-ክርስቲያንና’ውን ነዚ ከቢድ ዝኾነ እዋን’ዚ፥ ብዓወት ከም-እትሰግሮ ኣብቲ ሕያው ኣምላኽ ዘሎዋ ተስፋ ዓቢይ’ዩ። ብዝተረፈ ዘይወግሕ ለይቲ ስለ-ዘየልቦ፥ እዚ ተጻዒኑና ዝርከብ ዘሎ ጸልማት ለይቲ’ውን፥ ዝወግሓሉ ግዜ ክቕልጥፍ ኣብቲ ሕያው ኣምላኽ ዘሎና እምነትን ተስፋን ጽኑዕ’ዩ። ዝተባረኸን ዝተቐደሰን በዓል ሓዲሽ ዓመት ከኣ ይግበረልና-!! ኣሜን

 

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ

ሥቡሕኒ ውእቱ ወልዑልኒ ውእቱ ለዓለም-!!

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde September 9, 2018

    The gulf fund is at work,the tyrant and his propaganda machine is in all out social media blitz to sell the beguiled nation to the salivating predatory venture capitalists without the consent of the owners,welcome to the stark reality of emerging markets.The game ain’t over,it has just begun.

  • Yemane Ghebre September 9, 2018

    This so-called priest has summed up who exactly he is by calling the three priests in jail Pillars of Orthodox Tewahdo Church. I agree about the brutal human rights abuses in Eritrea. I feel sorry that these priests like all the people in jail are suffering; However, to say that they are pillars of the church is only a manifestation of the clear fact that this person was and is part of that hidden agenda to destroy the church. I don’t think you will allow this comment but atleast you will know!

POST A COMMENT