Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕዝብና ክጽበዮ ዝጸንሐ ብስራት ዕርቅን ሰላምን-!!!

  ከምቲ ቅዱስ ወንጌል ዝብሎ “ገበርቲ ሰላም ውሉድ ኣምላኽ ክበሃሉ’ዮም እሞ፥ ብፁዓን’ዮም”። ብርግጽ ድማ እቶም ምእንቲ ሰላም ኢሎም፥ ለይትን መዓልትን ዝደኽሙን ዝጽዕሩን፥  ብፁዓት እዮም (ማቴ 5፡ 9)። ኣብዚ ቀረባ እዋን ናይ ኢትዮጵያ 1ይ-ሚኒስተር ኮይኖም ዝተመረጹ። ትርግታ-ልቢ

 

ከምቲ ቅዱስ ወንጌል ዝብሎ “ገበርቲ ሰላም ውሉድ ኣምላኽ ክበሃሉ’ዮም እሞ፥ ብፁዓን’ዮም”። ብርግጽ ድማ እቶም ምእንቲ ሰላም ኢሎም፥ ለይትን መዓልትን ዝደኽሙን ዝጽዕሩን፥  ብፁዓት እዮም (ማቴ 5፡ 9)። ኣብዚ ቀረባ እዋን ናይ ኢትዮጵያ 1ይ-ሚኒስተር ኮይኖም ዝተመረጹ። ትርግታ-ልቢ ሕዝቦም ክሰምዑን ከንብቡን ዝኸኣሉ መራሒ ስለ-ዝኾኑ፥ ናይ ሰላምን ዕርቅን መራሒ ኮይኖም ክቐርቡ ምኽኣሎም ክምጎስ ዝግቦኦ እዩ።

ደቂ ሰብ ቅድሚ ሰላም ዝሰርዕዎን ዝምነዩዎን፥ ካልእ ምርጫ የብሎምን ምኽንያቱ እቲ ምንባር ወይ ሕይወት ዝበሃል ንርእሱ፥ ብዘይ ሰላም ትርጉም ክህልዎ ኣይክእልን’ዩ። ኪናት፡ ምፍልላይ፡ ሞት፡ ስደት፥ ካብ ሕዝብና ንላዕሊ እቲ ምረቱ ከስተማቕሮ ዝኸኣለ ካልእ ሕዝቢ ዘሎ ኣይመስለንን። ከምዝፍለጥ ሕዝብና ብሰንኪ’ቲ ኣብ “-ባድመ-” ዝተኸፍተ ውግእ፥ መሪር ሕይወት ከሕልፍ ተገዲዱ ጸኒሑ’ዩ። ሕጂ’ውን ገና ካብቲ ምኽንያት ኮይኑ ሓሊኹ ሒዙዎ ዘሎ ጸበባን መከራን ክወጽእ ኣይከኣለን ዘሎ።

ብመሠረቱ ከም ሕዝቢ ኤርትራ እዚ ኩናት’ዚ ብኸመይ’ዩ ተጀሚሩ፥ ንፈልጦ ነገር ነይሩና’ውን ዝበሃል ኣይኮነን። እቶም መራሕቱ ደፊኦም እቶ ስለ-ዝበሉዎ ግና፥ ኣብ ዘይፈልጦን ዘይኣመነሉን ዓውዲ-ውግእ ክኣቱ ተገዲዱ። ሕይወት ኣሽሓት ደቁ’ውን ክኸፍል ግድነት ኮይኑዎ። ንዕስራ-ዓመት መመላእታ ከኣ እንሆ፥ እቲ ሕዝቢ ኣብ ሕሱም መነባብሮ ጥሒሉ ይርከብ ኣሎ። እቲ መወዳእታ ተሳኢኑዎ ዘሎ ናይ ሳዋ ዕስክርና ስለ-ዘስካሕክሖም ድማ፥ እቲ ዝተረፈ መንእሰይ ወሎዶና ኣብ ስደት ሰፊሩ ይርከብ ኣሎ።

ሕዝብና እዚ ሕይወት’ዚ መሪሩዎ ካብ ዘእዊ ዓመታት ኮይኑ’ዩ። መራሕቱ ግና ከምቲ ናይ ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን፥ መመሊሶም ደኣ ኣጽበቡሉ ኣጨነቅዎን እምበር፥ እቲ ዝጸዓኑዎ ኣርዑት ከዝልቑሉ ኣይደለዩን (1ነገ.12/3-17)። ስለዚ ድማ’ዩ እቲ ሕዝቢ ነታ ዝፈትዋ ሃገሩን ስድራቤቱን  ራሕሪሑ፥ እግሩ ናብ ዝመርሖ ክስደድ ዝርከብ ዘሎ። ነዚ ብልቦና ክጥምቱዎ ዝደልዩ መራሕቲ ግና ኣይተረኽቡን።

ሕጂ ግና እንሆ ብወገን መንግሥቲ ኢትዮጵያ፥ ብሥራት ዕርቅን ሰላምን ክስማዕ ጀሚሩ ኣሎ። ካብዚ ንላዕሊ ንሕዝብና ከሐጉሶ ዝኽእል ካልእ ነገር ድማ የለን። ማለት ብሰንኪ ሰላም ዘይምህላው ክሳቐ ዝጸንሐ ሕዝቢ ስለ-ዝኾነ፥ “ንሴብሆ ለእግዚኣብሔር” እናበለ ዘይሕጐሰሉ ምኽንያት የለን። ብዝተረፈ ሕዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን፥ ካብ ጉርብትና ሓሊፉ ዝኸይድ፥ ብደምን ሃይማኖትን ባህልን ዝተኣሳሰረ ታሪኽ ዘለዎም ሕዝቢ ስለ-ዝኾኑ፥ ኣብ ፍቕርን ሰላምን ዕርቅን ከምኡ’ውን ኣብ ጽቡቅ ጉርብትና እምበር፥ ኣብ ባእስን ጽልእን ረብሓ ከም-ዘይብሎም ኣጸቢቆም ይፈልጡ እዮም።

እቶም ሓዲሽ ናይ ኢትዮጵያ 1ይ-ሚንስተር፥ ማለት  ዓቢይ ኣሕመድ ግና፥ ነቲ ውሳኔ-ኣልጀርስ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ተቐቢልናዮ ኣሎና ብምባል ዝሃቡዎ መግለጺ፥ ሕዝቢ ኢትዮጵያ ሓጎሶምን ዘለዎም ነቀፌታን ከቅርቡ ከም ዝቀነዩ፥ ኣብቲ መራኸቢ ብዙኃን ክቃላሕ ንርእዮ ኣሎና። እቲ ውጹዕ ሕዝቢ ኤርትራ ግና፥ ኣብ ኣደባባይ ወጺኡ ሓጎሱ ክገልጽ’ኳ ትብዓት ኣይረኸበን።

ኩነታት ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ስርዓት ኤርትራ  ብምኽንያት ማዓልቲ ሰማእታትና  ኣብ ዘቅረቦ መደረ ነቲ ብኢትዮጵያ ዝቀረበ ናይ ሰላም ጻዊዕት፡ ኣቃልቦ ከምዝገበርሉ ልኡኽ ክንሰድድ ኢና ምባሎም’ውን ክምጎስ ይግቦኦ’ዩ። ከመይ ኩሉ ማዕጾ ናይ ምዕባለን ሰላምን  ታዓጽዮ ን20 ዓመታት ዝኣካል ተሳፋ ዘይብሉ ሃገራዊ ውድቀት ኣጋጢሙና ከም ዝጸነሐ ኩሉ ሕዝቢ ኤርትራ ገሊኡ ኣብ ኣዳባባይ እቲ ዝተረፈ ድማ ብሕሽኹታ ከተንፍስ ከም ዝጸነሓ ይፍለጥ’ዩ። እቲ “-ኣይ-ሰላም ኣይይ-ኵናት-” ተባሂሉ ክግለጽ ዝጸንሐ መድረኽ፥ ነቶም ገበርቲ እከይ ከም ድፋዕ ተሓቢኦሙሉ ዝጸንሑ በዓቲ ስለ-ዝኾነ፡ ቁጦባና ኣብምዕባይ ይኹን፡ ባህርያዊ ጸጋታትና ምጥቃም፡ ኣብ ምሕደራ ሃገር ቅዋምን ካልእን ንኸይንገብር በቶም ንሃገርና ንኸይትዓቢ ዝሃንደስዎ ምስ ክእለትና ተቀይድናን ተኣሲርናን ምጽናሕና ዘይፈልጥ ኤርትራዊ ኣሎ ክብል ይኸብደኒ።

ነዚ ብወገን መንግሥቲ ኢትዮጵያ ቀሪቡ ዘሎ ናይ ሰላም ጻውዒት። ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ክንሰድድ ኢና ዝሰመዓ ሕዝብና ውሽጣዊ ሓጎሱ ንምግላጽ ብዕልልታን ጣቂዕትን ዝተሰነየ ክገልጽ ዝተራኣየ። እቶም ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ዝኾና ወገናት ኩላትና፥ ድምጺ’ቲ ውጹዕ ሕዝብና ዝስመዓሉ መድረኻት ኣብ ምድላው ከነ ምስራሕ፥ ካብዚ እዋንን ሰዓትን ንላዕሊ ዘሎ ኣይመስለንን ። ሎሚ ከም ሕዝቢ ሓደ ኅብረት ፈጢርና ነዚ ናይ ሰላምን ዕርቅን መሥርሕ፥ ክዉን ክንገብሮ  ዘሎና ሓላፍነት ክንዝንግዕ ኣይግባኣናን። እቶም ትማሊ ንሕዝብና ኣብ ዘይፈልጦ ዓውዲ-ኵናት ደፊኦም ዘእተዉዎን፥ ንሓሳርን መከራን ዘቃልዑዎን መራሕቱ። ንሕዝብና ንምኽሓስ ነዚ ቀሪቡ ዘሎ መሥርሕ ሰላም ካብ ልቢ ክቅበልዎን ክደፍእሉን መንፈሳዊ ጻዊዕተይ እቅርብ።  ነዚ ናይ ሰላም ኣፍደገ ዘታዓናቅፍ ምኽንያታት እንተ ተራእዩ፡ ታሪኽ ይቕረ ክብለሉ ዘይክእል ጌጋ ወይ ድኽመት ንፍጽም ምህላውና ንመላእ ሕዝብና ክእንፍት እፈቱ።

ኣብ መወዳእታ ክሕልፎ ዝደሊ ሰላም ዘይብሉ ሃገርን ጉርብትናን ንውድቀትን ምፍልላይን እምበር ረብሓ ዝባሃል ከምዘይብሉ ፈሊጥና። ነዚ ቀሪቡ ዘሎ ጻውዒት ሰላም  ንኽልቲኤን ሃገራት ዘርብሕ ክሳብ ዝኾነ ብኹሉ ዓቅምታትና ክንደፍኣሉ ይላቦ። ብርግጽ ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ  ጭራ ናይ ሰላም ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ምዕለቢኡ ከብጽሖኦ እንተኽኢለን ነባሪ ዝኾነ ሰላምን ምዕባለን ክንምስርት ዝዓግተና ሓይሊ ኣይክህሉን’ዩ እብል።

ነዚ ሓዱሽ ተርእዩ ብኽልቲኤን ሃገራት ዝረእ ዘሎና ናይ ሰላም ምቅርራብ ኩላትና ክንደፍኣሉ፡ ኣብያተ ጸሎት ናይ ክርስቲይናት መቅደስ ይኹና ናይ እስልምና መሳጊድ ነዚ ድሕሪ 20 ዓመት ዝተቀልቀለ ናይ ሰላም ኣፍደገ ንኸይዕጾ ብጽሎት ከነቅሓሉ መንፈሳዊ ሓላፍነትይ ከመሓላልፍ እፈቱ። እቲ ዝዓበየ ዕላማና ሃገር ምዕራይ እምበር ሰዓርን ተሳዓርን ምርኣይ ከምዘይኮነ ኣብ ዕርቅን ሕድገታትን ዝተመስረተ ክኸውን ጸሎተይን ምንዮተይን እዩ።  ትምክሕትና ብልዑል ፈጣሪ ስም ብምግባር ሓደ ማዓልቲ ምዕርይትን ምዕብልትን ከምኡ’ውን ዲሞክራሳዊትን ሰላማዊትን ሃገር ከም እንውንን ጥርጥር የብለይን።  ኣምላኽ  ንሃገርናን  ሕዝብናን ሰላምን ምዕባለን ይሃብ፡ ሰላም ኩኑለይ።

 

Revd Yohannes Ghebrehiwet

Medhani-Alem Eritrean orthodox Church Manchester 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • meretse June 20, 2018

    Kudos to you. May God bless your message.

  • k.tewolde June 21, 2018

    ‘እቲ “-ኣይ-ሰላም ኣይይ-ኵናት-” ተባሂሉ ክግለጽ ዝጸንሐ መድረኽ፥ ነቶም ገበርቲ እከይ ከም ድፋዕ ተሓቢኦሙሉ ዝጸንሑ በዓቲ ስለ-ዝኾነ፡ ቁጦባና ኣብምዕባይ……’ I can’t preach it any better Rev. Yohannes,the young PM didn’t need flame throwers to flush them out of their fortifications,he just like Noah, dispatched a dove heralding peace to the beguiled land.Thanks a million Rev. for your profound message of peace,after all isn’t this some of the wonders the Almighty Lord bestows upon us.

POST A COMMENT