Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕቶ

ሕቶ   ፍሥሓየ መብራህቱ © Copyright 2003   ሕቶ’ሎኒ ኣቱም ተሓታቶ ሕቶ’ሎኒ ንበዓል ኵስቶ ሕቶ’ሎኒ ዘይምለሽ ብሕቶ ሕቶ’ሎኒ ኣቱም ተሓታቶ? ቅዋም ሃገር ዘይከሰቶ - ባይቶ ‘ቦታት መን በሓቶ? ሕጊ’ንዳባ መን መጎቶ? ዋሕስ ሕዝቢ መን ዓገቶ? ሠራዊትና መን ኣኽተቶ? ጥሪት ድኻ መን ገበቶ? ደፋር ጎርዞ መን ገዘቶ? መን ከታሪኡ እንዳኡ ዘይኣቶ? መልሲ

ሕቶ

 

ፍሥሓየ መብራህቱ © Copyright 2003

 

ሕቶ’ሎኒ ኣቱም ተሓታቶ

ሕቶ’ሎኒ ንበዓል ኵስቶ

ሕቶ’ሎኒ ዘይምለሽ ብሕቶ

ሕቶ’ሎኒ ኣቱም ተሓታቶ?
ቅዋም ሃገር ዘይከሰቶ –

  • ባይቶ ‘ቦታት መን በሓቶ?
  • ሕጊ’ንዳባ መን መጎቶ?
  • ዋሕስ ሕዝቢ መን ዓገቶ?
  • ሠራዊትና መን ኣኽተቶ?
  • ጥሪት ድኻ መን ገበቶ?
  • ደፋር ጎርዞ መን ገዘቶ?
  • መን ከታሪኡ እንዳኡ ዘይኣቶ?

መልሲ ሃቡ ኣቱም ተሓታቶ

ጎቦ ጎቦ ኣይትንፈሩ ከም ባሬቶ

እትው ውጽእ ትብሉ ከም ለዃዂቶ

ጕዕሽ ዝቐለብኩም ምስ ቡቍልቶ

ጕዕዞኹም በጠበጥ ለማሚቶ

ተቐያያራት ሕብርኹም ነፋሒቶ

ቅኑዕ መልሲ ሃቡ ንዝቐረብ ሕቶ

ንንፋስ ኣይተመኽንዩ ንዘራጊቶ

ንጓና ኣይትሕመዩ ዘይምልከቶ

ሰብ ማዕዶ ኣይትውቀሱ ንጠማቶ

ድኻ ኣይተዕድዩ ሃብታም ዚሸመቶ

ሰዓትኩም ምስ በጽሐ እዋን እቶ እቶ

ጸብጻብ ክትህቡሉ ን’ተጻሕፈ ሕቶ

ነቋራጭ ስልጣንኩም ቆጽሊ “ዚሓርበቶ”

ርስቱይ መዝነትኩም ብዘይካ እሙንቶ

ሰብ ኤህ ዝበሎስ ኣምላኽ ይመዓቶ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • wedi fre January 25, 2015

    GIRIM GHITMI!!! HITER, SEWID!! ANGODGUDO KISAB MELAKI ZIIABID!!

  • Selamawi January 25, 2015

    Simply fantastic! Please keep it up dear compatriot.

  • fesfaalaam January 26, 2015

    As always Mebrahtom, it is timely poet.

POST A COMMENT