Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕቶታት ኣለዉኒ፡ ዓይንኹም ይብራህ፡ ዝምልከቶ እንተሎ

ሕቶታት ኣለዉኒ፡ ዓይንኹም ይብራህ፡ ዝምልከቶ እንተሎ ማሕሙድ ሳልሕ ብዙሓት ሕቶታት ተሓቲቶም እንድዮም። ዝምልከቶም ክምልሱ ስለዘይተራእዩ፡ ማለትስ  ብዝግባእ፤ ሎሚ ነቶም ጉዳዮም ከም “ዘይምልከቶም” ተጎስዮም ብ”ሰናይ ድሌትን ልቦናን” ትመሓደሩ ኣለኹም፤ “ፈቲኹም ጸሊእኩም መራሕትኹም ኢና” ዝበልዎ መራሕቲ ህግድፍ ብስም ዝምልከቶ

ሕቶታት ኣለዉኒ፡

ዓይንኹም ይብራህ፡ ዝምልከቶ እንተሎ

ማሕሙድ ሳልሕ

ብዙሓት ሕቶታት ተሓቲቶም እንድዮም። ዝምልከቶም ክምልሱ ስለዘይተራእዩ፡ ማለትስ  ብዝግባእ፤ ሎሚ ነቶም ጉዳዮም ከም “ዘይምልከቶም” ተጎስዮም ብ”ሰናይ ድሌትን ልቦናን” ትመሓደሩ ኣለኹም፤ “ፈቲኹም ጸሊእኩም መራሕትኹም ኢና” ዝበልዎ መራሕቲ ህግድፍ ብስም ዝምልከቶ ህዝቢ ነዞም ጸኒሖም ዝዝርዘሩ ሕቶታት የመልክት። ሃገርና ሎሚ፡ ንልዕሊ 23 ዓመታት ሞተርኣ ከም ዝተሰብረን ብዘይ መላሓ (navigation) ግዴ ማዕበላት ህዉጽ ባሕሪ ዝኮነትን መርከብ ክትምሰል ይከኣል። ሓደ ዜጋ ርጉእ ሂወት ከሕልፍ ብዘይካ ንብረትን ነብራን፡ ጽባሕ እንታይ ከምዝመጽእ ክትንቤ ክኽእል ኣለዎ። ምኽንያቱ፡ ከም ናጻ ሰብ፡ ናቱ መደባት ክሰርዕ ስለዘለዎ። ደቁ ከዕቢ፡ ክምህርን ከምስልን መደባት የድልዮ። መደባቱ ድማ ብመደባት ምምሕዳር ከባቢኡ ስለዝጽሎ፡ ዝወጽእ ሕግታትን ፖሊሲታትን ወይ ባዕሉ ወይ ድማ ንሱ ብዝወከሎም ክወጽኡን ክግለጹሉን፡ ዝቅበሎን ዘይቅበሎን እንተወሓደ ክምዝገበሉን እቲ ዝወሓደ መሰላቱ እዩ። እዚ ወላ ኣብቶም ዝከፍኡ ውልቀምልካውያን ዝገዝእዎ ኣህዛብ ብዝተፈላለየ መልከዓቱ ዝረአ እዩ።

ስለዝኾነ፡ ናጻ ዜጋታት ሕቶታት ኣብ ዝህልዎም፡ ኣክንዲ “ዝምልከቶ ኣካል” ዝብሉ፡ ዝምልከቶ ኣካል ስለዝፈልጡዎ (ምኽንያቱ ባዕሎም መሪጾሞ)፡ ወይ እዚ ግበር ወይ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ የለኻን ይብልዎ። ናብ ቤት ፍርዲ ምጕሳስ ‘ውን ኣሎ። እቶም ዝምልከቶም ኣካላት ድማ ስልጣኖም ስለዝምልከቶም ነቲ ሕቶታት ኣዝዩ ከምዝምልከቶም ንሓተትቲ ኣመልኪቶም፡ ዝምልከቶም ጉዳይ ርእዮም ዝምልከቶ ፍታሕ ጌሮም ነቶም ዝምልከቶም ሓታቶ መልሶም የመልክቱ። ስለ’ዚ ኤሪ-ትቪን ራድዮን ጋዚጣን ካብ “ዝምልከቶ ኣካል” መዕረፉ ‘ሞ ናብቶም ዝምልከቶም ብቀጥታ መመልከቱ። ኣክንዲ ሸንኮለል፡ እቶም ጉዳያት ዝምልከቶም ዝምልከቶ መልሲ ምሃቡ። ማህያኦምን መንበሮምን ከይስእኑ ከኣ ኣክንዲ ዘይምልከቶም ዝምልከቶም ምገበሩ። ንዓመታት፡ እቶም ክምልከቶም ዝግበኦ ኣካላት፡ ህላወኦም ዳርጋ ከም ናይ ኣሽባሕ (ghosts) ኮይኑ፡ ሳዕቤን ግናይን ሃካይን ኣሰራርሐኦም እምበር ንሶምስ መን እዮም፡ ኣበይ ይነብሩ፡ መን ተሓታትነቱ ንመን እዩ ዝብል ባህሊ ከየንዕብብ ብመደብ ዝግበር ኮይኑ ይስመዓኒ። ምልካዊ ስርዓታት ዜጋታት ክነቅሑን ክሕይሉን ኣይደልዩን። ንመሰላትካ ምጥባቕ ስለዝስዕብ። ምጽብጻብ ኣይፈትዉን እዮም። ህዝቢ ክዋረድን ከማርርን ኣበቱትኡ ኣድራሽኡ ናብ ዘይተፈልጠ “ ኣካላት” ክውጅህ ንርኢ ኣለና። ልሙድ ባህሊ ኮይኑ። “ኣግራብ ተቖሪጹ፡ አለክትሪክ የለን፡ ዝምልከቶ ኣካል ኣቓልቦ ይግበረሉ ….” እታ ልዕሊ ክሉ ተስሕቐኒ እታ “ኣቓልቦ” ትብል እያ። “ኣቓልቦ” ኣይትበል። ይክፈሎ ኣሎ። ስርሑ እዩ። ብገንዘብካ ዝነብር ቢሮክራት እዩ።

እቲ ዝምልከቶ፡ “ኣብዚ ኣለኹ” ኢሉ ዝምልከቶ መልሲ እንተዝህብ ‘ኮ ጽቡቕ ኔሩ። ስርሑ ዘይሰርሐስ ህዝቢ ምስነቐፎ ‘ምበር የፈራርሕን የጕባዕብዕን። “ እዚ ብሓላፍነት ዘሕትት እዩ” ከኣ ይብል ከምዚ ንርእሱ ‘ውን ውሕስነት ሕጊ ዘለዎ። ክሕተትን ክቅጻዕን ዝረኣናዮ “ዝምልከቶ ኣካል” የለን- ብዘይካ እቶም ሓሞት ጌሮም ጸገም ህዝቦምን ሃሰያ ሃገሮምን ኣሸጊርዎም በብግዚኡን ብዝተፈላለየ መርኣያታቱን ካብቲ ሸማሚ ቀላይ ርእሶም እቕልቅል ዘበሉ ‘ሞ ብቅጽበትን ብጸላምን ዝተጨውዩ። (ንሓበሬታ፡ መንግስቲ እንተደኣ ኣሲሩ፡ ገበን ክምስርትን ከረጋግጽን (ከስብት) ናቱ ሓላፍነት እዩ- ኣብ ናጻ ቤት ፍርዲ። ካልእ ክሉ ተራ ጭውያ እዩ።)

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ዘሕትት ክሳብ ዘሎ ክንሓትት ኢና። እንታይ ደኣ ‘ሞ ክንገብር። እቶም “ዝምልከቶም ኣካላት” ኣብ ጽሩይ ኣየር ከም ዝሓቐቑ ኣሽባሕ (ደቂሕድርትና) ስለ ዝኾኑ፡ ከም ሃንደበት ስጋ ለቢሶም “ ኣብዚ ኣሎና” ይብሉ ድዮም ኣይብሉን ዝፍለጥ የለን። እቲ ሕቶታት ግን ቀጻሊ እዩ። ንዓመታት እናተደራረበ ስለዝኸደ፡ንህግድፍ ዝትክእ መንግስቲ ኣካእሎ ጥራይ እምነየሉ። ኩምራ እዩ። ምዕባይ እምባሶይራ። Here we go:

1-      እቶም ነቲ ንህግድፍ ዝወለደ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝመስረቱን ዝመርሑን ተጋደልቲ ኣበይ ኣለዉ?

(ዔራ ዕሮ መልሲ ኣይኮነትን። ዔራ ዕሮ ዝበሃል ቦታ የለን። ዔላ ዕሮ እዩ- (FYI) ኣቲ ዘገርም እዚ ቦታ እዚ: ነዞም ሎሚ ውሒጥዎም ኣሎ ተባሂሉ ዝውረየሉ ጀጋኑ (መቸም፡ ኣበይ ከምዘለዉ ደቆምን ሰብሓዳሮምን ‘ውን ኣይፈልጡን)፡ ናጽነት ኤርትራ ንምምጻእ መደባት ዘውጽኡሉን ካድረታት ዝምልምሉሉን እዩ ኔሩ። ድሩዕ ነዚ ፈሊጡ ኔሩ እንተዝኸውንስ እንታይ ውሳኔ ወሲዱ ምሃለወ?

2-     እታ ማይ መሊኣ ኣብ ፍርቂ ዓቐብ በጺሓ ዘላ ኣዴ፡ ረሃጻ እና ደረዘትን እንቅዓ እንዳኣስተንፈሰትን፡ “ወደይሲ ከመይ ይህሉ ይኸውን? እምበርዶ ውላድ ክገድፈለይ እዩ?” ትብል ኣላ። (12 ዓመታት ኣብ “ሃገራዊ ኣገልግሎት”- ንሱ እውን ኣደኡን ሕጽይቱን ይናፍቕ። ነቲ ብልዕሊኡ እናተገማጠለ ንስሜን ዝተሓምበበ ኣሞራ ቀኒእሉ።” መዓስ እየ ከምዚ ኣሞራ ናጻ ዝኸውን?” ይብልን የስተንትንን ኣሎ።

3-     ወለዲ “መሰል ውላድ ተሓሪምና። ንምንታይ እዮም ደቅና ንሰዋ ዝውሰዱ?” ይብሉ ኣለዉ። (ናይዚ ምኽንያት፡ 1- እቲ ካብ ብዙሓት ኣህዛብ “ ሓደ ህዝብን ባህልን” ብሓይሊ ንምስናዕ ክስረሓሉ ዝጸንሐ ፕሮጀክት። 2- ዕምሪስልጣኖም ጥራይ ዝዓጦም ዓንተራት ህግድፍ መንእሰያት ክቆጻጸሩ ዝተኣልመ ‘ዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ክሉ ግዜ ናዕቢ ከየላዓዕል ዝፍራሕን ሓይሊ ለውጢ ዝኾነን መንእሰይ ስለዝኾነ። ናይ ሃገርዊ ኣገልግሎት ጉዳይ ካልእ እዩ። ንሱ ውን ካብ ሓዲዱ ካብ ዝወጽእን ልጓሙ ካብ ዝብጠስን ዓመታት ሓሊፉ።ንእግረ መንገደይ፡ ሓድነት ብሓይሊ ኣይመጽእን። ባህሊ ብሓይሊ ኣይስናዕን። ህዝብታት ብምክብባርን ብዙሕነቶም ብምእማንን ብዘይ ተጽዕኖን ኣብ ነንሕዶም ብዝገብርዎ ምውሳእን እዩ ናብ ዝመሳሰል ኣመላኻኽታን ቋንቋን ካልእ መግለጽታት ባህልን እናተጸግዑ ሓባራዊ መለለዪታት ዘማዕብሉ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ በዚ ብዙሕ ዘሰክፍ የብሉን። እቲ መስርሕ ብሰላምን ብደፋእታን ምስ ዝኸይድ ዘላቒ ይኸውን። መራሕቲ ህግድፍ ግን ህዉኻት ኮይኖም። እንታይ ይርብጾም ከምዘሎ ኣመታት ክህልዉና ይኽእሉ እዮም። ግን እዚ ፖሊሲ ‘ዚ ኣዝዩ ጸቢብን ትሕተ-ሃገራውን ‘ዩ ምባሎም እዋኑ እዩ። ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ብቀጥታ ወይ ብወከልቱ ዘይወዓሎ ፖሊሲታት፡ ጸቢብ ኣተረጓግማ ናይቲ ብሓይሊ ስልጣን ጨቢቱ ዘሎ ጉጅለ ስለዝኾነ ሃገራዊ እዩ ክበሃል ኣይከኣልን።

4-     ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ናበይ ኣቢሎም? ክሳብ ሕጂ ደሞዞም ከም ዝወስዱ እዩ ዝስማዕ። (እቶም ንኤርትራ ሸኮርተት ዘብሉ ዘለዉ ዓንተራት ክበልዑ እንተኮይኖም ከብልዑ ኣለዎ። ስለዚ ፈውሲ ምዕባስ ኣፍ ንኣባላት ባይቶ ነበር ከይሰርሑ እንተበልዑ እንታይ ኣለዎ። ደሓር፡ ሎሚ ኣብቲ ሃገር ከይሰርሐ ዝበልዕ ካብቲ እንዳሰርሐ ዝነብር ይበዝሕ ይበሃል። ሕኸኸኒ ክሓከካ ዝዓይነቱ። ባዕሉ ደኣ ፍትሒ የውርደላ እዛ ጸዋር ክሉ።

5-     ፕረሲደንትን ካቢነን ኣመሓደርትን ቅሩብሲ ኣይደክሙን እንድዮም። መንእሰያት ኣስመራ ንሕና ምሓሽና ይብሉ ኣለዉ። ጋሽባርካ ኣፍረይቲ እንዲና፡ ካብዚኦም ብዕጽፊ ዝሕሹ ኣለዉና ይብሉ ኣለዉ። ሓረስቶት ሰራየን ኣከለን፡ ኽላ፡ ብቕደሙ ግዳ፡ ካብዚኦም ዝሕሹ ደኣ ኣሽሓት ኣለዉና ይብሉ ኣለዉ። ደቂ ዓባይ ሳሕል፡ ደቂ ሰምሃርን ደንካልያን ነዚ ዲና ኣዕቢናዮም? ያእ፡ ተካል ውላድ ይብሉ ኣለዉ። ደቂ ሰንሒት ከኣ ኣለዉ ሰብ ጥበብን ፍልጠትን። ኣሎና ይብሉ ኣለዉ። ካብኦም ዝሓይሽ ደኣ፡ ኩላትና ይብሉ ኣለዉ። ( እቶም ግናያት ግን ኩርትም ኢሎም ይስሕቑ ኣለዉ። ” መዓስ ዓሻ ኮይነ በራኺ!” ድዩ ኢልዋ ነፍስሄር ሙሴ። ቀደም ሓሲቦምሉ እንድዮም፡ ዘውርድ እስካላ የለን- ብዘይካ ህዝባዊ ህቦብላ። ሒዝዎም ‘ወታ ክብቖጽ። ኣላ ግን ሓንቲ መዓልቲ።

6-    ኣብ ጫፋት ኤርትራ ዘሎ ሕድርባይን ደንከላይን ኣብ ዘቃጽል መሬት ኣናነበሩ ቆሪሩና ይብሉ ኣለዉ። ንሕና እውን ኤርትራውያን ኢና። ክንማሙቕ ንደሊ ይብሉ ኣለዉ። ዝርካቡ ጸጋታት ብከመይ ድዩ ዝመቓራሕ ይብሉ ኣለዉ። ድሕሪ 23 ዓመታት እንታይ ደኣ ንዓና ዝመስልን ባህልና ዝፈልጥን ቋንቋና ዝዛረብን ፖሊስ፡ ዳኛ፡ ኣመሓደርትን ዘይንርኢ ቆሪርና ይብሉ ኣለዉ።

7-     ገዚፍ ክፋል ህዝብና “ መን ኢኹም ብዛዕባ ክምህረሉን ክጥቀመሉን ዝደሊ ቋንቋ ክተስገድዱለይ እትደልዩ። Please don’t school me, save your lectures; I have the right and intellectual capacity to determine. ይብል ኣሎ። ኣብዚኣ ንእስቶ መብርሂ፡ ኣነ ኣንጻር ቋንቋ ኣደ ኣይኮንኩን። ግን ካልእ (alternative) ንዝመርጽ ህዝቢ መን እየ  ኣክንድኡ ዝውስንን ዘባጭወሉን? መን እየ? ብዝኾነ እዚ ኣብቲ ደሮና ዝእክብ ዘሎ ቅዋምና እውን ኣሎ። ስለ’ዚ፡ እቲ ሕቶ ናይ መሰል ሕቶ እዩ። ምስኡ መታን ክተኣሳሰር፡ ስርዓተ-ትምህርቲ ህግድፍ ንገዚፍ ክፋል ህዝብና ረሲዑ ዝተዳለወን መዋቅር ኣተገባብርኡ ንመነባብሮ እዚ ክፋል ህዝብና ኣብ ግምት ዘየእቱን ነቲ ኣብ ቀዋሚ ዓድታትን  ከተማታትን ዝነብር ህዝብና ብዘረብሕ ዝተዳለወ እዩ። ውጽኢቱ ድማ ካብ ርሑቕ ዝልለ ኣዝዩ ኣዕናዊ ኮይኑ ኣሎ። ሎሚ ክንደይ % ናይቶም ዕድመ ትምህርቲ ዝበጽሑ ካብ ማሕረሰ-ጉስነታዊ ወይ ሰብኽ-ሳግማዊ ወገን ህዝብና ዝውለዱ ዕድል ትምህርቲ ይረኽቡን ረኺቦም ከየቋረጹ ዝቅጽሉን ዘለዉ? እዚ ሓላፍነት ናይ ኩሉ እዩ። ምኽንያቱ ናይ ሎሚ ዘይማዕርነታዊ ትግባሬ ናይ ጽባሕ ታኼላ እዩ። ነንሕድና ምስ እንጠማመትን እንረዳዳእን እንሓልን ጥራይ እዩ ሓደ ኣካል እንኸውን እምበር ብመደረን ብምብዛሕ ባንድታትን ኣይኮነን። እታ “ማሕበራዊ ፍትሒ” ‘ባ ኣይትረስዕዋ።

ምስ’ዚ ትኸይድ ኣላ። ቀላል እያ። ህዝቢ ዝመስሎ ምትእኽኻብ ክገብርን ዝመረጾ ስም ወይ ኣካል(entity) ክለብስ መሰል ናይቶም ሰብ ጉዳይ ጥራይ እዩ። ሓደ ወዲ ትግረ ንሓደ ዓሳውርታይ “ሽምካ ከምዚ ይኹን፡ እዚ እንተዘይኮንካ ኣይኣምነልካን እየ” ክብሎ መሰል የብሉን። ኣሕዋትና ጀበር ድማ ድላዮም ውዳበን ስምን ይሓዙ ክሳብ ብሓፈሻዊ ድሌት ዝኾነን ዘይተስገደደን፡ ናቶም መሰል እዩ። ሓወይ ወዲ ትግርኛ ክህሰ እንከሎ ንዓይ የሐመኒ እዩ። ኣሕዋተይ ጀበር ክሳብ ክንዲ’ዚ ክዝለፉ ከለዉ ‘ውን የቀንዝወኒ እዩ። ዝጀሃረሎም ወገን የለን። ልመና ‘ውን ክኸውን ኣይግባእን። ብመጠን ቁጽሮም ልዕሊ ሰቦም እንተዘይኮይኑ ትሕቲ ሰቦም ኣይወዓሉን። ጎባጢ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ጥራይ እዩ ነዚ ኣቀራርባ ‘ዚ ከም ስግኣት ዝውስድ።

8-     እወ ሕጂ እውን ደጊምና ክንሓትት፡ ባጀት መንግስቲ ብከመይ ይመቓራሕ? ወላ ነቶም ስማውያን ኣባላት ባይቶ ሕሹኽ ዘይትብልዎም። ኣቶ ፕረሲደንት ዝጎሰያ ሕቶ ጳውሎስ እውን ኣላ። ( መስኪን ጋዜጠኛ ዓይኑ ክሳብ ክትነጥር ትደሊ ገሲጽዎ። ግን ጽብቅቲ ሕቶ እያ ኔራ። ክደግማ፡ “ ኣታዊ ሃገር ካብዚ ዕደናታት ክንደይ እዩ ኣብ ምንታይ ከ ይውዕል?” ደፋኒ መልሲ ዘይኮነስ ብኣሃዝ፡ እንተተኻእለ። ካብ ኣቶ ፕረሲደንት ርሒቐ ስለዘለኹ እየ እምበር ካብ ጳውሎስ ስለዝደፈርኩ ኣይኮንኩን። ብዝኾነ፡ ዜጋታት ብቀጥታ ወይ ብዝውክልዎም ሰባት ዘይቆጻጸርዎ ዕደናታት ከም ተራ ስርቂ እዩ። እቲ ስርቂ ብመንግስቲ እየ ዝብል ኣካል ምስዝካየድ ድማ ኣዝዩ ኣድማይን ሓደገኛን እዩ። ምስኡ እንተ ዝከኣል ‘ውን ሕቶ መሬት ኣሎ። ኣምር መሬት ንሓደ ወዲከበሳን ወዲቆላን ሓደ ኣይኮነን። ምኽንያቱ መነባብርኦም ኣጠቃቕማ እቲ መሬትን ይፈላለ። እዚ እንኮላይ ነቲ መገሃጫን ደንበታትን ዘድልዮ ከበሳዊ ክፋል ህዝብና ዝጠምር እዩ። ስለ’ዚ፡ ዕደናታት፡ ብዘይካ እቲ ርኡይ ኮይኑ ዘሎ ሕቶ ብልሽውና፡ ሕቶ መሰል ነበርትን ከባብያዊ ድሕነትን ‘ውን ኣሎ። እቲ ነገር፡ ቁጽጽርን ምድላዋትን ተጌሩ ወይ ኣይተገብረን ኣይኮነን። ብመሰረቱ፡ እቲ መንግስቲ ብህዝቢ ዘይተወከለ ስለዝኾነ ብዛዕባ ህዝብን ንህዝብን መደረታት ክህብ መሰል የብሉን። ተኣማኒ ‘ውን ኣይኮነንን። ኣይኮነን ህግድፍ ጻድቃናት ኢና እናበሉ ሰይጣን ዘይደፍሮ ገበናትን ሓጥያትን ዝፍጽሙ እናረኣና ኢና። ዕደመ እንታይ ዘየርኢ ‘ዞም ደቀይ።

9-    ኤርትራ ካብ ብልሽውና ናጻ ዝኾነት ሃገር እያ ትብሉ። ብዝኾነ፡ ይግበረልና። ግን ብከመይ ክተረጋግጽዎ ትኽእሉ?

ሀ. ስልጣን ከም ብጽሒት ወይ ጽሕፍቶ ( entitlement) ምስ ዝቑጸር ገዚፍ ብልሽውና እዩ።

ለ. ነዚ “ናተይ እዩ” ርድኢት ሒዝካ ውልቀ-ሓለፍቲ ብሓልወኒ-ክሕልወካ ስልጣን ምስትህብ ወይ ብውልቃዊ ጉዳይ ስልጣን ምስ ትኸልእ ብልሽውና እዩ።

ሐ. ብናትካ ሕርያ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰባት ብወዲ ዓደይ ወዲ ወገነይ ሓለፋታት ምስ ዝህቡ ወይ ዝኸልኡ፤ ወይ ድማ ጉቦን ገስረጥ ጠባያትን ( ሓላፍነት ተጠቂሞም ክዕምጹ፡ ክዝምዉ፡ ንብረት መንግስቲ ኣብ ጥቅሞም ከውዕሉ፡ ግቦ ክበልዑ እናፈለጥካ ስለዘይተንከፉኻ ሸለል ምባል፤ ብመሰረቱ ናጻ መተሓተትን መቆጻጸርን ዘይምግባር ንባዕሉ፡ ንሰባት ብፖለቲካዊ ኣረኣእያኦም ምቅፋድ፡ ዝቀፈድካዮም ኣብ ፍርዲ ዘይምቕራብ ምልክታት ብኡስ ብልሽውና ‘ዩ)።

መ. ብመሰረቱ፡ ብእመኑኒ ዝገዝእ፡ ህዝቢ ብቀጥታ ወይ ብወከልቱ ዘይቆጻጸሮ መንግስቲ ብባህሩ ብልሹው እዩ። ዘውጸኦ ፖሊሲታትን ምምሕዳራዊ ሕግታትን፡ ባጀትን ሓፈሻዊ ኣተዓዳድላ ጸጋታት፡ ኣተጋባብራ ፍትሒ (እንተሎ ማለት እዩ) ህዝባዊ ቁጽጽር እንተዘይብሎም፡ ሓደ መንግስቲ ንጹህ እየ ኢሉ ክመጻደቕ ኣየምሕረሉን እዩ። ንጹህ እንተኮይኑ ንዜጋታት ይሕደጎ ብወከልቶም ከረጋግጽዎ ይኽእሉ(ብናጻ ምርጫ ዝሓልፉ ኣባላት ባይቶ ማለተይ ‘ዩ።እዞም ናይ ሕጂ መቸም ንምንታይ ይክፈሉ ከምዘለዉ ንህዝቢ ይነግሩ ይኾኑ። ዕድመ እንተሂብዎምን ሂቡናን ንግስጾም ንኸውን)።

ሰ. ንበዓላት ዝወጽእ ገንዘብ መቸም ግዝፉ ፍሉጥ እዩ። ሓንቲ ድኻ ሃገር፡ ርእሲ ከተመኣ ‘ውን ክተበርህ ዘይትኽእል፡ ዝርካቡ ገንዘብን ካልእ ጸጋታትን ንጸቢብ ዓንኬል ገዛኢ ጉጅለ ኣብ ምውዳስ ኣብ ዘየቋርጽ ፈንጠዝያታት (ኣብ ውሽጥን ወጻእን) ክባኽን ከሎ ሕልና ዘለዎም ዜጋታት ዓገብ ይብሉ .ሞ ዓገብ እብል። ንምዃኑ ክንደይ ካብ ህዝብና እዩ ቲቪ ዝውንን? ቀጥታዊ ፈነወ ክቡር ስለዝኾነ ‘የ ዝሓትት ዘለኹ። እዚ ‘ውን ዘይሓንኽ ብልሹው ስርዓት ጥራይ ‘ዩ ዝገብሮ።

ኣብ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ዘለዎ ዓዲ፡ ኮንፈረንሳትን ዎርክሾፓትን ሕማም ርእሲ እዮም ምኽንያቱ ብሰንኮም ዝደክም እምበር ዝረብሕ የለን። ኣብ ኤርትራ ግን መባኣሲ ‘ዮም ንሰምዕ። ሰራሕተኛታት መንግስትኹም abuse ይገብርዎ ተባሂሎም ይሕመዩ ‘ዮም። ንዕኦም ዝስላዕ ምወላ (fund) መንጩ ብዘየገድስ ገንዘብ ህዝቢ ‘ዩ። እዚ ‘ውን ቁጽጽር ኣብ ዘይፈቱ ብልሹው ስርዓት ‘ዩ ዝስዕርር።

10. ኣቶ ፕረሲደንት፡ ኣዴታት “ ዝሕግዞ ‘ኮ ስኢኑ ‘ምበር” ክብላ ይስመዓ እየን። ሕራይ ንስኻስ ክሳብ ዝኾነ ጽናሕ። ግን ነዞም ብድቁሶም ዝንቀሳቀሱ(yes, the sleepwalking ministers) ሚኒስተራትን ኣመሓደርትን ብውዑይ ደም ዘለዎም መንእሰያት ዘይትትከኦም ( ከየንድዱኻ ‘ምበር)፡ ቅሩብሲ መዕረፍካ ( ጋዶ ‘ዩ። ክሳብ ክንደይ ዓመታት ኢኻ ዝበልካ?)

ብዙሕ ‘ኳ ዝሕተት ኔሩ ‘ዩ። ግን ንነገራት ብቀስ እንተሓዝካዮም ‘ዩ። ንሎሚ በዚ ይኣክል። ዝምልከቶም ኣካላት ተመልኪቱ ስለዘሎ ዝምልከቶ መብርሂ ንዝምልከቶ ህዝቢ ከመልክቱ እናመልከትኩ ወደሓንኩም እብል።

ሰላምን ራህዋን ንህዝብና።

ማሕሙድ ሳልሕ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Mussie Girmay November 22, 2013

    ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ ማሕሙድ ከማካ ዘኣምሰሉ ብሱላትትን ጠመርትን ኣብ ብዙሕነትን ዝኣምኑ ብድሑር ዝንባለን ትሕቲ ሃገራዉነትን ዘይታለሉ እዮም ዘድልያ ሃገርና በል ኣይትሕመቕ ቀጽሎ፡፡

  • Gideon November 22, 2013

    you nailed it man! keep the good work

  • Nahom November 23, 2013

    Dear Mahmud

    Your article contains the core issues of the problem that is facing our country and people. Yes, Mahmud, lack of equality, justice and freedom are the main problems in Eritrea.

  • MightyEmbasoyra November 23, 2013

    This is very deep analysis, Ato Mahmud and thank you for that!

Post a Reply to MightyEmbasoyra Cancel Reply