Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕብእቲ ሰልፊ ብዓይኒ ዘይኣባላታ – ታደሰ ኪዳነ – 1ይ ክፋል

ሕብእቲ ሰልፊ ብዓይኒ ዘይኣባላታ                         ታደሰ ኪዳነ                    በርሚንግሃም                                           1ይ ክፋል                      13 ታህሳስ 2017   እዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ነቶም ንህላዌ’ታ ሕብእቲ ሰልፊ ከውሊ ገይሮም ዝንቀሳቀሱ ዝነበሩ፡ ዝበዝሐ ግዜኦምን ኣተሓሳስባኦምን ኣንጻር’ቲ ሕሱም ጸላኢና ዘይኮኑስ፡ ስልጣን መራሒኦም ንምድልዳል ኣንጻር ብጾቶም ሓበሬታ ካብ

ሕብእቲ ሰልፊ ብዓይኒ ዘይኣባላታ

                        ታደሰ ኪዳነ                    በርሚንግሃም

                                          1 ክፋል                      13 ታህሳስ 2017

 

እዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ነቶም ንህላዌ’ታ ሕብእቲ ሰልፊ ከውሊ ገይሮም ዝንቀሳቀሱ ዝነበሩ፡ ዝበዝሐ ግዜኦምን ኣተሓሳስባኦምን ኣንጻር’ቲ ሕሱም ጸላኢና ዘይኮኑስ፡ ስልጣን መራሒኦም ንምድልዳል ኣንጻር ብጾቶም ሓበሬታ ካብ ምቕባልን ምትሕልላፍን ክሳብ ኣብ ምድሃልን ምዝላፍን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጭውያን ቅንጸላን ብጾቶም ተዋፊሮም ዝነበሩ ላዕለዎት ሓልፍቲ ሰልፊ ዝምልከት ኢዩ። እዚኣቶም ክሳብ ሎሚ በቲ ግዕዙይ ተግባራቶም ክጠዓሱ ዘይኮኑስ፡ ነቲ ገበናት ምኽኑይ ክገብሩ ይረኣዩ ኢዮም። ነቶም ተደናጊሮም ወይ ምርጫ ስለ ዘይነበሮም ዝኣተዉዎ ግን፡ ኣብ ሓበሬታ ምቕባል ተሳተፍቲ’ኳ እንተነበሩ፡ ዝበዝሑ ግን ከም ኩሉ ኣባል ናይቲ ግምባር ዝበዝሐ ግዜኦም ጸላኢኦም ኣብ ምህራም ስለ ዘሕለፍዎን፡ ማዕረ ክሉ ተጋዳላይ ህይወት ይኸፍሉ ስለ ዝነበሩን ብዓቢኡ ከኣ ነቲ ኣሰራርሓ ስለ ዘይድግፍዎ፡ እዚ ጽሑፍ’ዚ ንዕኦም ከም ዘይምልከት ከረጋግጸሎም እፈቱ።  ሰናይ ንባብ፡ –

ኣብ 3ይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግምባር (1994 ዓ.ም) ኢሰያስ ባዕሉ “ኣብ ውሽጥኹም ሰልፊ ነይሩ ኢዩ” ክብል ብትዕቢት ምስ ነገረና፡ እቶም ገለ ከይበቐቕና ነቲ ውድብን ሃገርን ህይወትናን ጉልበትናን ቅኑዕ ኢዩ ዝበልናዮ ርእይቶ ከይተረፈ ዝሃብናን ተጋደልቲ፡ ኣዝዩ ኣሰንቢዱናን፡ ኣብቲ ውድብ ጓኖት ምንባርና ኣሕዚኑናን ኢዩ። ብዛዕብኡ’ውን ካብቶም ‘ኣባላታ ነይርና ኢና’ ዝበሉና ኣዕርኽትና ብዙሕ ክንሓትትን ገለ ነገር ክንፈልጥን ክኢልና። ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ድማ ነቲ ብዛዕባታ ናይ ጸልማት ሕብእቲ ሰልፊ ዘሎኒ ርእይቶን፡ ብዛዕባ ብገለ ኣባላታ ነበር ዝወሃብ መመኽነይታን ቁሩብ ክገልጽ ክፍትን ኢየ። ኣቐዲመ ግን ብዛዕባ ህዝባዊ ግንባር (እቲ ህዝባዊ ውድብ) ቁሩብ ክዛረብ ኢየ።

ህዝባዊ ግንባር መን ኢዩ? ኣባላቱ’ኸ?

ህዝባዊ ግንባር ሃገራውን ህዝባውን ውድብ ኢዩ። ሃገራዊ ዝብሎ ዘለኹ፡ ንሃገራዊ ናጽነት ከም ዕላማ ኣቐሚጡ ስለ ዝተቓለሰ ኢየ። ህዝባዊ ዘብሎ ድማ እቲ ብወግዒ ዝፍለጥ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ዕላማታቱ ንጹር ህዝባዊ ዕላማ ስለ ዝነበሮ ኢየ። ንሱ ከኣ “መግዛእቲ ኣባሪርካ ህዝባውን ዲሞክራስያውን መንግስቲ ምትካል” ዝብል ኢዩ ነይሩ። ብሓቂ’ውን ኩሉ ህዝቢ፡ ጉልበቱ፡ ኣድጉን ገመሉን፡ ገንዘቡን ጥሪቱን ከይበቐቐ ብምሉእ ድሌት ተሳቲፉዎ ኢዩ። ገለ ዲሞክራስያዊ ባህርያት’ውን ነይሩዎ ኢዩ። ንኹሉ ‘ምእንቲ ህዝበይን ሃገረይን ህይወተይ ክኸፍል ኢየ’ ኢሉ ንዝተሳተፎ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ደም ዘንብዎዎ ጸላእቱ (መግዛእታዊ ሰራዊት) ብዕጥቂ ብረት ክብቀሎምን፡ ኤርትራዊ ኒሕ ከርእዮምን ክፉት ስለ ዝነበረ። ብዓቢኡ ከኣ ምእንቲ ዲምክራስያዊ መሰል ህዝቢ፡ ኣንጻር መግዛእትን ድሑር መጋበርያታቱን ዝተቓለሰ ውድብ ኢዩ።

እቶም ናብ ህዝባዊ ግምባር ዝተሰለፉ መንእሰያት (ኣባላቱ) ድማ፡ ከምቲ ኢሰያስ ባዕሉ፡ “ብሃራሃራ ዝወጹ፡ ጠስሚ ሕብረተ-ሰብ” ክብል ኣብ 1986 ዓ.ም ብዛዕባ ሰለስተ ዝያዳታት ክገልጽ ከሎ ዝበሎ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ቆልዓን ሰበይትን ዝቐትል፡ ኣብ ብሎኮታት ዝኸትር፡ ሃብቲ ሃገርናን ወደባትናን ዝዘርፍ፡ ኣብ ገዛእ ሃገርና ናብ ጓኖት ዝቐየረና ስርዓተ- መግዛእቲ ደምሲሶም፡ ህዝቦምን ሃገሮምን ሓራ ንምግባር፡ ብሃራሃራ ዝተሰለፉ ኢዮም። ብንጹር ንምዝራብ ጸላእቶም እምበር፡ ብጾቶም ምቕታል ኣብ ሕልሞም ኣይነበረን። ኣብቲ ኣሚኖም ዝተሰለፍዎ ገድሊ’ውን፡ ናይ ዕላማ ብጻይ እምበር፡ ናይ ጸልማት ተጻይ ክጸንሖም ኣይተጸበዩን። ‘ኣጆኻ!’ ዝብሎም እምበር፡ ‘ወይለኻ!’ ክበሃሉ ኣይሓለሙን። ብዓረር ጸላኢ ግምባሮም ክህረሙ እምበር፡ ብብጾቶም “ብቓጻ ክንጠፍእ ንኽእል ኢና” ዝብል ፍርሒ ሓዲሩዎም ኣይፈልጥን።

ናብ ገድሊ ክስለፉ ከለዉ እምበኣር፡ እቲ “ናጽነት ከምጽእ ኢዩ!” ኢሎም፡ ብምሉእ ምትእምማን ዝተሰለፍዎ ውድብ፡ ኣብ ሓንጎሉ ዝተጸፍየ ናይ ካንሰር ሕማም ነይሩዎ ኢዩ። እቲ ኣብ ዋህዮታት ሓንጎል ህዝባዊ ግምባር ዝነበረ ሕማም ካንሰር፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣዝዩ ደቂቕ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቶም ጥዑያት ዋህዮታት ስለ ዝተመሳሰለ፡ ቀልጢፎም ክፈልጡዎን (diagnose ክገብርዎ) ንዕኡ ዝግባእ መድሃኒት ሂቦም ክፍውስዎን ኣይከኣሉን። እቶም ሕማም ከም ዘሎ ጥራይ ዝፈለጡ’ውን፡ እቲ ሕማም ብንጹር ስለ ዘይተጋህደሎም (ሕቡእ ጉጅለ ምንባሩ ስለ ዘይፈለጡ)፡ ብልክዕ ንዕኡ ዝኸውን ናይ ካንሰር መድሃኒት – ከሞተራፒ (chemothrapy) ንኽገብርሉ ኣጸጊሙዎም ኢዩ። ብኸምዚ ከኣ እቲ ኣብ ሓንጎል ዝነበረ ናይ ርእሲ ካንሰር ከይተፈልጠ፡ በብቁሩብ ናብ ብምሉኡ ኣካላት ናይቲ ውድብ ተዘርጊሑ፡ እቲ ውድብ ብንጉሆኡ ጸማልያ ኮይኑ ተሳቐየ። ኣባላቱ ድማ ኤርትራዊ ወንን፡ ኤርትራዊ ስረን ንዘይ ምፍታሕ፡ ኣብቲ ሕሙም ወድብ ኮይኖም፡ ብቕድሚትን ብድሕሪትን እናተሃርሙ፡ ምእንቲ’ቲ ዝተሰለፉሉ ቅዱስ ዕላማ ስኖም ነኺሶም ተቓሊሶሞ። ኣብ ውሽጥ’ቲ ሕሙም ምኻኑ እምበር፡ ሕማሙ ብንጹር ዘይፈለጥዎ ውድብ ኮይኖም ድማ፡ ነቲ ቀንዲ ጸላኢኦም ስዒሮም ባንደራ ሃገሮም ኣንበልቢሎም።

ነቲ ብኹለንትንኡ ገዚፍ ዝነበረ ሰራዊት መግዛእቲ ስዒሮም፡ ናጽነት ምስ ተረኽበ፡ ነቲ ኣሚኖም ህይወቶምን ንእስነቶምን ዝሃብዎ ውድብ ክሕክሙን ከጥዕይዎን ፈተኑ። እቲ ሕማም ግን ካብ ርእሲ ወሪዱ ኣብ ኩሉ ኣካላት ናይቲ ውድብ ዘስፋሕፈሐ፡ ብቀሊሉ ዘይሓዊ ኮይኑ ረኺቦሞ። ኣብ 1991 ዓ. ም ድማ እቲ ህዝባዊ ግምባርን ኣባላቱን ሒዞሞዎ ዝወፈሩን፡ ከም ዕላማ ዝተቓለስሉን ዘይኮነ፡ እቲ ኣብ ሓንጎል ህዝባዊ ግምባር ተጸፍዩ ከይተፈልጠን ከይተፈወሰን ዝኣተወ፡ ናይ ካንሰር ሕማም፡ ጭፍርኡ ኣኪቡ ስልጣን ተረኪቡ።

እዚ ብናይ ሓንጎል ሕማም መሲለዮ ዘለኹ፡ ነቲ ኣብ ህዝባዊ ግምባር ዝነበረ ውሽጣዊ ሕቡእ ሰልፊ፡ ነቲ ‘ኣብ ኩሉ መሓውራት ናይቲ ውድብ ዝተዘርገሐ ሕማም’ ዝበልኩዎ ከኣ፡ ነቶም ኣብ ውሽጥና ተሰዂዖም ብሕቖና ዝወግኡና ዝነበሩ ኣባላቱ ንምግልጽ ምዃነይ መብርሂ ዘድልየኒ ኣይመስለንን። ነዚኣቶም ድማ “ኣኽላባት ለይቲ” እንተበልኩዎም ኣይትቀየሙኒ። ኣብቲ ናይ ጸልማት (ለይቲ) ኣኼባኦም ስምና ኣልዒሎም ክሕይኹናን ክዝንጥሉናን ይሓድሩ ስለ ዝነበሩ።

እሞ እዚ ብሕማም ካንሰር መሲለዮ ዘለኹ ውሽጣዊ ሰልፊ፡ ንህዝባዊ ግምባር ኣሕሚሙዋን ቀቲሉዋን’ዶ ወይስ መሪሑዋን ኣዐዊቱዋን? ቀጺለ ነዚ ክምልስ ክፍትን ኢየ።

መን መሪሑና ተዓዊትና?

ኣብ ሜዳ ኤርትራ ክልተ ውድባት ምንባረን ዘካትዕ ኣይኮነን። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክምስረት ከሎ፡ መራሕቱ ንብዙሕነትን ማሕበረ -ቁጠባዊ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራን ብግቡእ ዝፈለጥዎ ኣይመስሉን። ብሰንኩ ድማ ካብ ድሑር ቀቢላዊ ኣተሓሳስባ ክወጹ ኣይከኣሉን። ኣብቲ “ኣስላማይ ክስታናይ” ዝብል ምፍልላይ ተዘፊቖም ጥራይ ዘይኮነ፡ ንናይ ኤርትራ ዓረባውነት ከረጋግጹ ተጓይዮም። ንባዕሎም ኣብ ዘይክእልዎ ግርጭታት ስለ ዝኣትዉ ድማ፡ ምስ ኩሉ’ቲ ኣብቲ ውድብ ዝነበረ ብዝሕን ምሁር ዓቕሚ ሰብን፡ ነቲ ወታደራዊ ስራሕ ብግቡእ ከወሃህድዎ ኣይከኣሉን። እቲ ሰራዊት ድማ ተወሃሂዱ ጸላእቱ ከይድምስስ ይሓናኹልዎን ይጻብእዎን ምንባሮም ኣባላቱ ነበር ክገልጹ ጸኒሖም ኢዮም።

እቲ ድሒሩ ዝተፈጥረ ህዝባዊ ሓይልታት (ደሓር ህዝባዊ ግምባር) ግን፡ ምስ ኩሉ’ቲ ዝነበሮ ሕማምን ውሽጣዊ ተጻብኦን (እታ ናይ ካንሰር ሕማም ንእሽቶ ስለ ዝነበረት) ብዙሓት ውፉያትን ኣብነታውያንን መራሕቲ ነይሮሞ ኢዮም። በዚ ከኣ ንትርግታ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ዘርዊ፡ ኣንጻባራቒ ወታደራዊ ዓወታት ከመዝግብ ክኢሉ። እዚ ከኣ ኢዩ ደገፍ ህዝቢ ኤርትራ – ካብ ጀብሃ ናብ ህዝባዊ ግምባር ገጹ ከም ዝዘብል ዝገበሮ። ምስ ምንዋሕ ግዜን ጻዕቂ ናይቲ ኲናትን ግን፡ ምኩራትን ጸለውትን መራሕቱ ግዳይ ናይቲ ትንፋስ ዘይህብ ኲናት ክኾኑ፡ ዝተረፉ ከኣ በታ ኣብ ርእሲ ናይቲ ውድብ ተጸፍያ ዝነበረት ንእሽቶ ፍጥረት ብዝተለኽፉ ኣኽላባት ብለይቲ ብሚስጢር ተበሊዖም። እዚኣቶም ምስ ተኣልዩ፡ እታ ተሓቢኣን ተመሳሲላን ትኸይድ ዝነበረ ንእሽቶ ፍጥረት፣ ቦታ እናገፍሓላ ክኸይድ ባህርያዊ ኢዩ። ንነብሳን ነቶም ቀንዲ ኣኽላባትን ካብ ቦታ መስዋእቲ ከም ዝኽወሉ ብምግባርን ፍሉይ ሓለፋታት እናሃበትን፡ ኣብቲ ጥዑይ ኣካላት ህዝባዊ ግምባር ብውሽጢ ክትሰብሕ ጀሚራ። ንናህሪ ናይቶም ኣንጻር መግዛእቲ ዝወፈርና መንእሰያት ግን፡ ጸላኢና ቀቲልና ካብ ምስዋእ ኣይከልከለትናን። ኣባላት ህዝባዊ ግምባር ምስ ጸላኢ ክንተሓናነቕ ከለና ድማ ንሳ ኣብ ውሽጥና ተሰዂዓ ከይፈለጥናያ ጥዒሙዋን ሰዊዳን። ነቲ ብቕድሜና ዝነበረ ጸላኢ ኣብ ዝሰዓርናሉ እዋን ድማ፡ ብእኣ (በታ ተሓቢኣ ብድሕሪና ትከታተለና ዝነበረት ካንሰር) ተዋሒጥና ተሪፍና።

ኣብዚ ብንጹር ክገልጾ ዝደሊ ዘለኹ እምበኣር፡ ኣብ ህዝባዊ ግምባር ብወታደራዊ ኣካዳሚ ዝተመረቐ፡ ብናይ ኲናት ስነ-ፍልጠት – ውግእ ዝመርሕ ሰብ ኣይነበረናን። ኩሎም መራሕትና – ኣብቲ ኲናት፡ ተመኩሮ ዝሰሓሎም ኢዮም። እቲ ናይ ኲናት ተመክሮ ድማ፡ ነቶም ውግእ ዝመርሑ – ንኹሎም እምበር፡ ኣባላት ሰልፊ ንበይኖም ዝወሰድዎ ኣይነበረን። እቲ ምስ ጸላኢ ዝተሓናነቕን ዓወታት ዘመዝግብን ተጋዳላይ ድማ፡ እቲ ኣብ መቃብሩ መዓርን ጠስምን ክፈስሶ ተመኒዩ፡ ጸላእቱ ክድምስስ ብሃራሃራ ዝወጸ፡ ካብቲ ቅድሚ ውግእ ዝካየድ ስለያን መጽናዕትን ጀሚሩ፡ ክሳብ ምድምሳስ ሓይሊ ጸላኢ፡ ርእሱ ኣቕኒዑ ብምሉእ  ድሌት፡ ብዘይ ገለ ዓስቢ ዝውፈ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ብድሌቱን ብምሉእ ወኑን ዝዋሳእ እምበር፡ ብትእዛዝን ብጉንዖን ዝዋጋእ ሰብ ኣይነበረናን። ጉንዖን ሓለፋን እንተ ነይሩ፡ ነቶም ‘ኣኽላባት ለይቲ’ ኢለዮም ዘለኹ ላዕለዎት ኣባላት ናይታ ሰልፊ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። እቶም ተመክሮ ዝሰሓሎም፡ ብጾቶም መሪሖም ግንባራትን መዓስከራትን ዝደምሰሱን ዝተሰውኡን መራሕቲ ድማ ውሑዳት ገዲፍካ፡ ድርጋ ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ኣይነበሩን። ካብዚ ወጻኢ ኣብ ህዝባዊ ግምባር፡ ‘ብናተይ ብሱል ኣመራርሓ ከምዚ ዝበሃል ግምባር ፈሪሱ፡ ወይ ከምዚ ዝበሃል መዓስከር ተታሒዙ’ ኢሉ ዝጀሃር ሓላፊ ወይ ጉጅለ እንተልዩ፡ ነብሱ ዘይፈልጥ ወይ ታሪኽ ክጨዊ ዝደሊ ምስሉይ ጥራይ ኢዩ። ህዝባዊ ግምባር – ህዝባዊ ግምባር ዝኾነ ድማ በቶም፡ ኣብ ቃልዕ – ብጾቶም መሪሖም፡ ምስ ጸላኢ እናተዋግኡ ዝተሰውኡ መራሕቲ እምበር፡ ብሕቡኣንን  ምስሉያትን ኣይኮነን። ታሪኽና ድማ፡ ታሪኽ ኣብነታውያንን ውፉያታን ተጋደልቲ እምበር፡ ታሪኽ ሕቡኣንን መሕሾኽሾኽትን ኣይነበረን። ሕጂ’ውን ታሪኽ ክትሰርቁ ኣይትፈትኑ።

እቲ ሓቂ እዚ ኮይኑ ከብቅዕ፡ ገለ ታሪኽ ክጭውዩ ዝህንጠዩ ምስሉያት ኣባላት ናይታ ሕብእቲ ሰልፊ ነበር፡ “ህዝባዊ ግምባር ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ መሪሑዎ። ሕብእቲ ሰልፊ ድማ ነቲ ግምባር መሪሓቶ። ስለዚ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ታሪኽ ህዝባዊ ግምባር ኢዩ። ታሪኽ ህዝብዊ ግምባር ድማ፡ ታሪኽ ናይታ ሕብእቲ ሰልፊ ኢዩ።” ክብሉ ይስምዑ ኢዮም። ነዚኣቶም ንእሽቶ ክምልኣሎም ምደለኹ። ነታ ሕብእቲ ሰልፊ ከም ድላዩ ዘሽከርክራ ዝነበረ ድማ፡ ጸይቀ- ዕሉል ኢሰያስ ኣፎርቂ ምዃኑ፡ ኩሎም ኣባላት ናይታ ሰልፊ ነበር ይሰማምዕሉ ኢዮም። እዚ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ ስነ-መጎት ሓቂ ምዃኑ ከእምኑና ክፍትኑ እንተድኣ ኮይኖም ድማ፡ ‘ታሪኽ ናይታ ውሽጣዊት ስለፊ’ውን ታሪኽ ኢሰያስ ኣሮርቂ ኢዩ’። ነዚ ስነ-መጎት’ዚ እንተ ተኸቲልና ድማ፡ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ፡ ታሪኽ ውድብ ህዝባዊ ግምባር፡ ታሪኽ ኢሰያስ ኣፎርቂ ኢዩ ማለት ኢዩ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ተባዕን መዘና ኣልቦን ታሪኽ ህዝብና፡ “ታሪኽ ሓደ ውልቀ-ሰብ ኢዩ” ናብ ዝብል መደምደምታ ኢዩ ዘብጽሓና። “ታሪኽ ኢሰያስ ኣፎርቂ፡ ታሪኽ ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ” ዝብሉ እንተ ኾይኖም ድኣ’ሞ ስለምንታይ ኣንጻር ኢሰያስን፡ ንሱ ዝዝውሮ ስርዓት ህግደፍን ንብዓት ሓርገጽ ዘንብዕ ኣለዎም። ንነብሶም ኣብቲ ክጨውዩዎ ዝደልዩ ታሪኽ ከእትዉዋ ስለ ዝደልዩ ግን፡ ነታ ዳሕረወይቲ መጎታዊት መደምደምታ ኣይፈትዉዋን ኢዩም። ሕጂ’ውን ታሪኽ ህዝባዊ ግምባር፡ ታሪኽ ጀጋኑን ኣብነውያን መራሕትን እምበር፡ ታሪኽ ጨወይትን ሕቡኣንን ኣይኮነን። ኮይኑ’ውን ኣይፈልጥን።

ውሽጣዊት ሰልፊ ብመንጽር ምንቅስቓስ ናይ 1973ን 1976ን ዓ.ም

ንምዃኑ እዞም ብ’መንካዕን የሚንን’ ዝፍለጡ ተጋደልቲ መን ኢዮም? ኣብ ዘይሰዓቱን ኣብ ዘይግዜኡን ኢዮም ክእርሙ ፈቲኖም ዝበሃል’ከ ሓቂ ድዩ? ነዚ ክልተ ሕቶታት’ዚ ምስቲ ንሳቶም ሒዞምዎ ዝተሰለፉ ዕላማን ኣብኡ ዝጸንሖም ኣተሓሕዛን (ኩነታት ናይቲ ገድሊ) ኣተኣሳሲረ ቁሩብ ክገልጽ ክፍትን ኢየ።

ዳርጋ ኩሎም ኣብዚ ክልቲኡ ምንቅስቃስ ዝነበሩ መንእሰያት፡ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዝነበሩ ኢዮም። ከም ተማሃሮ ናይ ላዕለዋይ ደርጃ መጠን ከኣ ብዙሕ ዘንበቡን ዝፈልጡን፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ንነዊሕ ክጥምቱን፡ ኣብ ከባቢኦም ንዝረኣዩ ፖለቲካዊ ኮነ ካልእ ምቅይያራት ክዕዘቡን ዝያዳ ካልኦት ንነገራት ከተኣሳስሩን ዓቕሚ ዝነበሮም ኢዮም።

እቶም ካብ ገጠራት ዝተሰለፍናን ትሑት ኣካዳምያዊ ብቕዓት ዝነበረናን፡ “መግዛእቲ ካብ ኤርትራ እንተ ተባሪሩን ኣሕዋትና ስልጣን እንተድኣ ሒዞምን፡ ሃገርና ክሓልፈላ ኢዩ” ዝብል የዋህ እምነት ጥራይ ኢዩ ነይሩና። ንሳቶም ግን ነቲ ዝነበሮም ትስፉው ናይ ዩኒቨርሲቲ ናብራ ገዲፎም፡ ምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ህይወት ክኸፍሉ ክስለፉ ከለዉ፡ ወታደራዊ ዓወት ጥራይ ንበይኑ እኹል ከም ዘይኮነ፡ ካብ መጀመርትኡ ቅኑዕን ሕጋዊ ኣሰራርሓን እንተ ዘይተኣታትዩ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ተመክሮ ጀብሃ ክድገምን፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ክቱር ምልኪ ክመጽእ ከም ዝኽእልን ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። ብኣካል ዝነበሩ ከም ዝተዛረብዎ፡ “እዚ ውድብ’ዚ መንዲል ናይ ኢሰያስ ይኸውን ኣሎ!!!” ዝብል ናይ ሙሴ ተስፋሚካኤል ዘረባ ድማ፡ ኣብ ቦታ ውልቀ-ምልኪ፡ ዲሞክራስያውን ሕጋውን ኣስራርሓ ንምትእትታው ዝነበሮም ድሌትን ዕላማን ብንጹር ኢዩ ዝገልጽ። ነቲ ኣብቲ ንእሽቶ ውድብ ዝረአ ዝነበረ ምልኪ ከዐርዩ ከኣ ውድባውን ሃገራውን ሓላፍነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ግዴታ’ውን ነይሩዎም ኢዩ። ሽዑ’ውን “ኣሰራርሓና ሕጋውነት ይሃልዎ! ውድብና ዝምርሓሉ ፕሮግራም ኮነ – ዓይነት ናይቲ ድሕሪ ናጽነት ዝትከል ስርዓተ ምምሕዳር  ካብ ሕጂ ከነነጽሮ ይግባኣ” ኢዮም ዝበሉ። ህዝባዊ ግምባር፡ ኣብ ሓንጎል ዝተጸፍየ፡ ናይ ካንሰር ሕማም እንተ ዘይነብሮ (ሕብእቲ ሰልፊ እንተ ዘይትነብር) ድማ፡ ክገብርዎ ምሉእ ብቕዓት ነይሩዎም ኢዩ።

ብዙሓት ሽዑ ዝነበሩ ተጋደልቲ ከም ዝነገሩና ድማ፡ ኣብቲ ውድብ ክቱር ምልኪ ውልቀ-ሰብ ምንባሩን፡ ነቲ ምልኪ ንምቁጽጻር ዘኽእል መባእታዊ ሕጊ ከም ዘይነበረን ሰሚዕና ኢና። እቶም ንብሎም ዘሎና ምሁራት ድማ፡ ነቲ ኣብ ስርዓት ሃይለስላሴ ዝነበረ ምልክን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ተቓዊሞም፡ ንዕኡ ከዐርዩን ሕጋውነት ከተኣታትዉን ኢዮም ንበረኻ ወኢኦም። ከም ሓቂ ንምዝራብ እቲ ንሳቶም ኣብ 1973 ዓ.ም ዝጠለብዎ ሕጋዊ ኣሰራርሓ፡ ሽዑ ዘይኮነስ፡ ኣብ 1970/71ን፡ መስረቲ ናይቲ ውድብ ኣተኣታትዮሞ፡ ኣነጺሮሞን ክሰርሕሉ ክጸንሑን ዝነበሮም ኢዩ። እሞ “ቅድም ኣይተገብረን’ሞ ሕጂ ግን መትከላትናን ኣሰራርሓናን ኣነጺርና ንኺድ” ምባሎም እንታይ ኢዩ ኣበሮም። “ቅድም ኣይተገብረን’ሞ ሕጂ ቅዋምናን ፕሮግራምናን ኣነጺርና ንቃለስ” ምባል’ከ ብኸመይ ኢዩ ዘይሰዓቱን ዘይግዜኡን ዝኸውን?” እቲ ኣብ 1977 ዓ.ም ዝወጸ ናይ ህዝባዊ ግምባር ቅዋምን ፕሮግራምን ምልኪ ከይነገሰ ከሎ፡ ኣብ 1970/71 ወይ ድማ ኣብቲ ንሳቶም ንምእራም ዝተበገስሉ፡ ማለት ኣብ 1973 ዓ.ም ተነዲፉን ተሰሪሑሉን ነይሩ እንተዝኸውን፡ እቲ ድሒሩ ዝተራእየ ምልክን ዕንደራ ውልቀ-ሰባትን ምተራእየ’ዶ? ሕቶኦም እምበኣር፡ ሰዓቱ ሓልዩ ዝመጸ፡ እኳ’ድኣ ኣቐዲሙ ተጻፊፉን ተመዓራርዩን ክጸንሕ ዝነበሮ ኢዩ። “ኣብ ዘይሰዓቱን ኣብ ዘይግዜኡን ዝመጸ” ማለት ድማ፡ “እታ ሕብእቲ ቀንጻሊት ሰልፊ ኣጸቢቓ ክሳብ እትስውድ ክጸንሑ ነይሩዎም“ ኢዩ ዘስምዕ። ጌጋ ጥራይ ዘይኮነ ድማ ካብ ዘይብሱል መደምደምታ ዝብገስ ፖለቲካዊ በለጽ ኢዩ።

ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣብ 1977 ዓ.ም ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ከም ዘካይደ ኣብ ግዜይኡ ተነጊሩና ኢዩ። ሎሚ ግን እቲ ሽዑ ዝተገብረ ጉባኤ – ኢሰያስ ነቶም በታ ውሽጣዊት ሰልፉ ኣቢሉ ዝኸተቦም ናይ ለይቲ ኣኽላባቱ ገይሩ፡ ብሒም ንዝበለ ቀቲሉ ምስ ወድአ፡ ንዝተረፉ ካብ ኣኼባታት ከም ዝርሕቁ ድሕሪ ምግባሩ ዝተኻየደ ምዃኑ ይንገረና ኣሎ። እቲ ዝኸፍአ ድማ፡ ቅድሚ’ቲ ብወግዒ ዝተነግረና ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ፡ ንሱን ኣኽላባቱን ጥራይ ዝተሳተፉዎ ናይታ ሰልፊ ኣኼባ ተገይሩን፡ ኣብቲ ጉባኤ ዝምረጹ ሰባት በታ ሰልፊ ኣቐዲሙ ተወዲኡ ምንባሩን ኢዩ። ብወግዒ ድማ ‘ናይ ሓሶት ጉባኤ ኢዩ  ነይሩ’ ንበሃል ኣሎና። ሓቀኛን ብምዕሩይ ውክልና ኣባላት ውድብ ዝተገብረ ጉባኤ እንተዝነብር፡ በዓል መን ንመሪሕነት ምተመርጹ ዳርጋ ኩሉ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግምባር ክግምቶ ዝኽእል ኢዩ።

ኣብ ናይ ሓሶት ጉባኤ፡ ኣባላት ውድብ ብዘይወከልዎም ተጋደልቲ፡ ምልኪ ኣብ ዝነገሰሉ ውዳቤ፡ ብሕርያ ውልቀ-ሰብ ብዝተሾሙ ሓለፍቲ ዝጸድቕን ዝትግበርን ቅዋምን ፕሮግራምን ድኣ ንምድንጋር ዝቐረበ፡ ናይ ሓሶት ካብ ምዃኑ ሓሊፉ እንታይ ፋይዳ ከምጽእ። ናይ ሓሶት ስለ ዝነበረ ድማ፡ ኣብ ናጽነት እንዳ ጓሓፍ ኣትዩ። እቲ ኣብ 1973 ዝተተኽለ ውልቀ-ምልኪ፡ ኣብ ኮሮሻ ናይታ ውሽጣዊት ሰልፊ ተወጢሑ ኣትዩ። ኣብ ናጽነት ድማ ካልእ ኮሮሻ ቀይሩ ተኾዲጩ ኣሎ። እቲ ብስም መንካዕን የሚንን – ኢሰያስ ነቶም ናይ ለይቲ ኣኻላባቱ ኣዋፊሩ ዝጨፍለቖ ምንቅስቓስ እምበኣር፡ ኣቀዲሙ ንዘይተገብረ ንምትዕርራይ ደንጉዩ ዝመጸ እምበር፡ እዋኑን ግዜኡን ዘይሓለወ “ዝምባሌ” ኣይነበረን። ተጣበቕቲ ናይ “ኣብ ዘይግዜኡን ዘይእዋኑን” ድማ፡ ቲፎዞ ናይቲ ዝሓለፍናዮ ጉዕዙይ ኣሰራርሓ ካብ ምዃን ወጺኦም፡ ተመሊሶም ተመክሮኦም ክግምግሙ ይግባእ።

 

  • >     >    >    >   ይ    ቕ    ጽ    ል      >      >      >     >     >

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
29 COMMENTS
  • k.tewolde December 14, 2017

    Haw Tadesse,I can see you brushed off ELF as a negative Eritrean experience with no significant contribution to the struggle and continued to lament it by saying ‘ኣብቲ “ኣስላማይ ክስታናይ” ዝብል ምፍልላይ ተዘፊቖም ጥራይ ዘይኮነ፡ ንናይ ኤርትራ ዓረባውነት ከረጋግጹ ተጓይዮም።’I wonder who has the patent to this view? that said, have you ever explored the possible scenarios if the ones you mentioned as enlightened revolutionary groups like ‘Menkaa’e’ and ‘Yemine’ succeeded, how they would have viewed ELF and what means of conflict resolution would they have chosen if there would be any? you said there was cancer among us,in order a cancer to metastasize it needs a host otherwise it simply dies. Before moving to your second portion of your story would you please stop and frisk your consciousness whose story are you telling to who and for what purpose and why now?

  • TADESSE KIDANE December 14, 2017

    k tewelde
    “you said there was cancer among us,” ስለ ዝበልካ፡ ኣባል ህዝባዊ ግምባር ትመስል። እሞ ኣባል ህዝባዊ ግምባር እንተ ነይርካ’ሞ፡ ብዛዕባ’ታ ተጠቃሲት ሕብእቲ ስልፊ ዝተፈልየ ሓሳብ እንተልዩኳ፡ ስምካን ኣድራሻኻን ገሊጽካ፡ ተጣበቕ! ኣንባቢ ድማ ፍርዱ ክህብ ኢዩ። ኣብ ህዝባዊ ግምባር ኣነን ንስኻን ኣይነበርናን። ህ. ግምባር ናይ ኣሽሓት ጀጋኑ ውድብ ኢዩ። ኩሉ ተጋዳላይ ርእይትኡ ክህበሉ ይክእል ኢዩ።

    • k.tewolde December 14, 2017

      Excuse me Jigna, I was not lucky enough to be a member of the elite organization,however you evaded my question completely and that is not a surprise.I am not going to venture into the dark era of the nations history with you because it doesn’t serve the good people who are trying to isolate and kill the cancer which is eating us alive.It is going to be a long and tortuous road that requires careful navigation because the tyrant and his secret party has left the Eritrean political field full of land mines like you some carefully and strategically placed some randomly.Good day.

  • simon December 14, 2017

    megemria ni tegadilo harenet eritrea itfelteta aimeslenen tegadilo harenet eritrea ni arabenet zi teguayeye wedeb aineberen mekiniate ab 1971 gubae zitegebreab AR areb dina aikonan hizbi eritra iu ziweseno ilu sele zesdeko bi arebenet zihime wedeb aineberen inte menkaa do genbardo gegasi ilkum de di hiru itiguyeyu zinberekum ni nefsikum himeyu .ab elf zinebere nezanet ab hizbawi genbar kem zeineberi zubuk gergum ti faliwo ikum.

  • meretse December 14, 2017

    ሰላም
    “ጠንቓም በዓል ሽጕርቲ”
    ታሪኽ ጠቐስ ጽሑፍካ ከም ሰበይ ነቢበዮ – “መስደመም” ኢለ ንግዝይኡ። ምክንያቱ “መአመም” ከኣ ስዒቡ ከይህልወካ።ንጽሑፍካ ንውሕ ዝበለ መልሲ ኣዳልየ ኔረ፡ ግን ከኣ ሓደ ነገር ዘኪረ ፤ “ንኣረጊት ከልቢ ሓዲሽ ሽጣራ ክትምህሮ ኣይትክእልን” ኢካ ዝብል // you can’t teach an old dog new tricks. ነዛ ጥቅሲ እዚኣ መሰረት ብምግባር ከኣ ሓሳባይ ቀይረ። ንግዝይኡ “ጠንቓም በዓል ሽጕርቲ” ከይዓመመትለይ ኣይተርትፍን። ኺዳነ – ሓደ ሓረስታይ ተረፍ ዘርኢ ኣሎኒ ኢሉ ግራት እንዳማቱ ከይዱ ኣይሓርስን ኢዩ። ኣብ ግራቱ ከምድልየቱ፡ እንጣጢዕ ንዘርእ ኣሎና” ክብል እንተደልዩ’ውን ዝክልክሎ የሎን። ኻብኡ ሓሊፉ ግን ሕጊ ኣሎ።
    “ጠንቓም በዓል ሽጕርቲ” – ከም ኣጋጣሚ ኾይኑ ነቲ ዝለገበቶ ወዲ ብኣካል ይፈልጦ ኢየ። ንሱ ድሕሪ ዕላሉ ትግብኣኒ ኢሉ ይኣምን። ንሱ ሽጉርቲ እንዳሸጠ እንከሎ ሓንቲ ኣዝያ ምልክዕቲ ጓል ሽጉርቲ ክትገዝእ ትመጽእ’ሞ ምሻጥ ሽጕርቱ ኣቛሪጹ ትክ ኢሉ ይምልከታ ነበረ። ሽጕርቲ ክንደይ ንኪሎ ምስ በለቶ ዋጋ ምንጋር ገዲፉ፡ “ጽብቕቲ ትርከቢ’ዶ ሎሚ ለይቲ” ኢልዎ። ንዓኣ ምዃኑ ዝተረደአት ጓል -ዋይይይ ! ዝሓሰበልካ ግዲ ኣሎካ ኢዩ? “ጠንቓም በዓል ሽጕርቲ” ኢላቶ ከደት። ኪዳነ ወዮ ንስካ ደኣ ካብ’ዚ ናይ መብዛሕትና ሕልፍ ዝበለ ሓንጎል ሃሉይዃ’ምበር ንሕናስ ግደፍ ዘይወዓልናሉስ ዝወዓልናሉ’ዃ ምዝካር ሲኢና ኣሎና። ምዕዶ ሓውካ ብደውካ ፤ ክትነግርን ክትብል “ከይትናገር” ጥንቕቕ በል። ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ ናትካ ከምድልየትካ ፡ ናይ ካልእ ግን “ኣብ ዘይ መንጠቢትክን ኣይተእትው ኢድክን” ከይኮነኻ ። ከመይሲ እዚ ምስላ’ዚ ንደቀንስትዮ ጥራሕ ኣይኮነን ዝምልከት። ከየንዋሓልካ ድሕሪ ሓንቲ ኣብነት ጫፍ ብርዔይ ክስሕብ ኢየ። ኣብ ምዓማ ዝሓዝካያ ፡ ሓንቲ ተዋጋኢት ላም ምስ ሓዝካያ ኣብ ርእስኣ ኾንካ ኽትፍኽር ኣየጥዕመልካን ኢዩ። ከመይ’ሲ ብገርሃ እንከላ ስለ ዝጎበጥካያ። ነቲ ቅድሚ “”ምዓማ” ነ ምዓማ ዝነበረ ሓይላ ከምክሓድ ኢዩ። ኣቦታትና ንከምዚ ዝኣመሰለ ብትክክል ክገልጽዎ እንከሎዉ ፣ ተጓይዮም ለሽ ንዘበለቶም ተዋጋኢት ላም ፡ ኣብ ምዓማ ምስ ሓዝዋ “ነዚኣስ ኣብ ምዓማ ደኣ ምሓዛ” ይብሉ። እዚ ማለት ከኣ ነቲ ቅድሚ ኣብ ሚዓማ ምሓዛ ዝነበራ ሓይሊ ከይክሕዱ ክብሉ ኢዮም ከምኡ ኢሎም። ናታ ከይጥፍኡላ። ብርግጽ ኣብ ምዓሙ ዘይትሓዝ ሓያል የሎን። ስለዚ ተ.ሓ. ኤ ከኣ ንምታይ ከም ዘዔመት ካብኣ ሓሊፉ ዝፈልጦ የሎን። ኣብ ምድላይ ፍትሒ እንዳሃሎና ግን ሎሚ [ቀንዲ ቢሂል ናይ ኢሰያስ ኣውሪድካ፡ ንንሕናን ከማናን ኣብ “ኒእን መጕእን”] ዘእቱ ዛንታ ኣይትጽወ። ትዕግስቲ ግዛእ። በዓል እገለ ነጊሮሙኒ ኢልካ ዝትረክ ታሪክ ኣብ ዕዳጋ — ዕዳ ዘምጽእ ኣሎ
    ዎ ደሓንካ !!!

    • ታደሰ ኪዳነ December 15, 2017

      መረጸ
      ኣርእስተይ ብዛዕባ ሕብእቲ ሰልፊ ሻዕብያ እምበር፡ ብዛዕባ ጀብሃ ኣይኮነን። ኣነ ኣባል ጀብሃ ኣይነበርኩን፡ ንጀብሃ ኣይፈልጣን’የ ማለት ግን ኣይኮንኩን። ኤርትራዊት ውድብ ስለ ዝኾነትን፡ ኣብቲ ኣነ ዝዓበኹሉ ከባቢ ትንቀስቐስ ስለ ዝነበረትን። ብዛዕባ ጀብሃ ክዛረብ እንተ ደልየ ድማ ካብ ሰብ ዘጸቢ የብለይን። ብዙሕ ዝፈልጦ ስለ ዘሎ። ብዛዕባ ዝሞተ ነገር ምዝራብ ፋይዳ ስለ ዘይብሉ ግን ንጸሓፍቲ ታሪኽ ጥራይ ኢዩ ዝተርፍ። ታሪኽ ጀብሃ ታሪኽ ኤርትራውያን ስለ ዝኾነ ግን ምስ ገለ ተኣሳሲሩ ክመጽእ ግድን ኢዩ። ገድሊ ካብ 1961 ክሳብ 1991 ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ክሳብ 1970 ዝነበረ እዋን ሃጓፍ ከተትርፎ ኣይከኣልን ኢዩ።
      ሕጂ’ውን ኣርእስተይ ስለ ዘይኮነ ኣብኡ ዘዛርብ የብለይን። እንተ’ቲ ንእግረ መንገደይ ኣብ ሓንቲ ሕጡበ-ጽሑፍ ጠቂሰዮ ዘለኹ ሓሳባት ግን በምንጽር ታሪኽ (ኤርትራዊ ታሪኽ) ቅኑዕ ኢዩ። ሓሶት ትብል እንተኾንካ ግን ንዕኡ ተወኪስካ ጽሓፍ። ኣነ ዘይኮንኩ ባዕሎም ኣብ ጀብሃ ዝነበሩ ግዳያት ክምልሱልካ ኢዮም። ጅብሃ ናይ ኣሽሓት ተጋደልቲ ውድብ ኢዩ። ኣይትተንክፉና ዘስምዕ ጽሑፍካ ግን ቅኒዕ ኣይመስለንን።
      እንተ’ቲ ምስ ሸያጥ ሽጉርቲ ኣተኣሳሲርካዮ ዘለኻ ግን፡ ዝመሳሰል ኣይመስለንን። እታ ተዋጋኢት ላም ኢልካያ ዘለኻ ከኣ፡ ደሓን ወይ ክንውጋእ ወይ ክንወግእስ፡ ቅድም እቲ ቅኑዕ ትብሎ ናይ ጀብሃ ታሪኽ እሞ ንገረና፡ ሽዑ ነርክበሉ። ጸይቂ ኣብ ሻዕብያ ጥራይ ኢዩ ነይሩ’ ምባል ግን፡ ቅኑዕ ኣይኮነን።
      ንሎሚ ግን ካብ ኣርእተይ ክወጽእ ኣይደልን ኢየ። ኣርእስተይ ጀብሃ ስለ ዘይኮነ።

  • Dehai December 15, 2017

    To me the Jebha and Shaebia mold have lots of similarities but the ex-Jebha and its Teref merefe everything to whitewash all the trashes and tars of Jebha. One astute observer has eloquently put it few years back:
    Exculpating Jebha

    Source Romanticizing Ghedli (I): the Excuses

    For many in the opposition of the Jebha mold, the crisis in Shaebia is all they needed to make a full time job out of rehabilitating Jebha and some of its dubious heroes. But this sounds more hypocritical than the Highdefites’ task of defending Shaebia because, while the Jebha defenders do want us to remember all the atrocities committed by Shaebia, they do not want us to remember even a single event that seems to mar the image of Jebha. All this despite the fact that this organization, throughout its history, has inhabited the worst of two worlds: although it emulated Shaebia in almost all its failings, it lacked the focus the latter displayed in fighting the enemy.

    But if there is anything that defines Jebha aptly, it is its sectarianism. This is an organization that was born out of sectarian motives, with ethnic and religious overtones; lived throughout its existence in sectarian squabbles (religious, regional, ethnic, linguistic and ideological); and understandably died as a result of its sectarian malaise. Its only half-hearted effort to reform itself in the 70’s soon floundered because it was never able to distance itself from its sectarian past, all along having been unwilling to let go the sectarian leaders of its past. No wonder that in its ashes, the Jebha factions that have survived it have now neatly aligned themselves along the very fault lines that doomed it to self-destruction. Only now, having come out of their respective closet, they openly wear their religious and ethnic hats all the way to their EDA meetings. …

  • Dehai December 15, 2017

    …. continued from above
    … The contradictions that Jebha supporters display could be seen everywhere: They have been diligently digging up all the skeletons they can find in Shaebia’s past (as it should be). But if you point to similar cases in Jebha – Falul, Suriyet Addis, Menfere, Rasai, and all other pre- and post-Adboha massacres. – they throw tantrums. They love to criticize Isaias for every blunder that he makes and for every crime that he commits (again, as it should be). But not only do they not want to hear any negative attribution about their leaders, however inept, undemocratic, sectarian or murderous they were, they also are in the active business of giving them a post-mortem “make over.” They never tire of reminding us of the marginalization of Kunamas under Shaebia (again, as it should be). But if you tell them that in this marginalization, which has a long history behind it, Jebha played a major role, with many of their villages burned down to the ground, many Kunamas killed and their cattle pillaged, they go nuts in anger. Day and night, they never tire of pointing out the inhumane treatment of prisoners under the hands of Shaebia/PFDJ (again, as it should be). But it is in one of the most shameful history of ghedli in Eritrea that Jebha summarily executed its Ethiopian prisoners at a time of its retreat in the late seventies. In this regard, even Shaebia didn’t match this atrocity. I could go on and on: the horrors of giffa (which actually started with Jebha), sexual abuse of women (especially by corrupt cadres and military leaders), endemic corruption of the leadership, etc – all areas that Jebha had excelled well before Shaebia came to be fully identified with them.

    • k.tewolde December 15, 2017

      Here we go again,venturing into the tales from the crypt,’exculpating Jebha’? who is? Wasn’t Jebha the product of the Eritrean people? didn’t it harbor all the ills,ignorance,shady elements and at same time bright spots of the society? wasn’t it the first experimental laboratory from where the current tyrant himself was distilled? or was he dispatched from chairman Mao’s politburo? it was a rough diamond of the Eritrean people,unpolished,it faltered and stumbled along the way but it was an Eritrean experience.This is not exculpating,this is owning the history,telling it the way it is.In an agrarian society like ours dominated by rural peasantry with multitude of religious believes, with opportunist elements in the mix and a revolution in its infancy,something is bound to happen.were we expecting instant connection and camaraderie,that’s earned and fostered overtime,that is why we called it struggle. Dehai, instead reciting who did what to who and picking at old wounds,you should focus on the current dire situation and try to bring healing and encourage our suffering people to come together and get rid of the one who is tormenting them.That’s why I asked the questions to the article writer Mr. Tadesse which he have yet to answer, who gives a rat about ‘hibiti selfie’ which morphed to HGDEF ,which is beating the daylight out of our people.Or is he simply trying to distance from them? if so,he is doing a terrible job.

  • Tesfu December 15, 2017

    ናይ ኤርትራውያን ጸገም እዚ እዩ። ሓው ታደሰ ንእግረ መንገዱ ሕልፍ ክብል ዝጠቐሳ ምልእቲ ሓሳባት ነቲ ቀንዲ ዛዕባ ካልእ ኣንፈት ኣትሒዛ፡ እቲ ዘረባ ወይ ክትዕ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ሕብእቲ ሰልፊ ዝኸውን ብዛዕባ ጀብሃን ሻዕብያን ኮይኑ። ታሪኽ ኣብ ቦታኡ ኣሎ። ኣብቲ ምቹእ ግዜ ድማ ናይ ጀብሃን ሻዕብያን ታሪኽ ክግለጽ እዩ። ክሃብኦ ወይ ክሽፍኖ ዝኽእል ሰብ የሎን። ሕጂ ግን ቀንዲ ዕላማ ብዛዕባ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ሸይ ሸይ ዝብል ዘሎ ኣረሜናዊ ስርዓት ብኸመይ ንኣልዮ ኣብ ዝብል ከተኵር ኣለዎ። ኣብ ጓል መንገዲ ምእታው ሓሲብና እንተ ገደፍናዮ ይሓይሽ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ሕብእቲ ሰልፊ ትፈልጡዎ እንተሎ ጽቡቕ ሃየ ዳሕድሑዎ። ካብኡ በለ ካብ ኣርእስቲ ምውጻእ ብዙሕ ትርጕም ዝህብ ኣይኮነን። ሰብ ደኺሙ እዩ በዚ ናይ ጀብሃን ሻዕብያን ታሪኽ። ክልቲአን ጽቡቕ ታሪኽ የብለንን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብዚ ባንታትኩም ክትዕ ዝውዳእ ኣይኮነን። ስለዚ፡ ኣብቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ነተኵር። ብወገነይ ሓንቲ ነጥቢ ክምልእ። እቲ ብበዓል ሙሴ፡ ዮሃንስን ኣፈውርቅን ካልኦትን ዝተመርሐ ናይ 73 ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ መጀምርያ፡ ሕሉፍ ናይ ጸጋም ምንቅስቓስ (ኤክስትሪም ሌፍቲስት ሞቭመንት) ተባሂሉ እዩ ተጸዊዑ ነይሩ። ዝበዝሑ ምሁራት በዓል ወዲ ኤፍረም፡ ወዲ ሰለሙን ብርሃነ ገረዝግሄርን ካልኦትን ከየተረፉ ድማ ተጸንቢሮሞ። ኢሰያስ እዚ መጸውዒ ስምዚ ከም ዘውድቖ ስለ ዝፈለጠ ግን ብሰላሕታ ወገናዊ ምንቅስቓስ እዩ እናበለ ነዞም ዝጠቕስኩዎም ሰባትን ካልኦትን ካብቲ ምንቅስቓስ ከም ዝንጸሉ ገይሩ። ነቲ ስም ድማ ቅድም ጸጋይ ቀሺ ብዘጠመቖ መንካዕ፡ ድሒሩ ድማ ኣብቲ ቅድሚ ውድባዊ ጉባኤ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ ናይ 73 ኣዕናዊ ምንቕሳቕ ዝብል ስም ተዋሂቡዎ። እቲ ምንቅስቓስ ግን ንሕቶ ደሞክራሲ ጥራይ እዩ ኣልዒሉ። ኢሰያስ ገባቲ ክኸውን ስለ ዝደለየ ግን ኣዕናዊ ዝብል ስም ኣጠሚቑ ነቶም ብዘይካ መሰል ተጋደልቲ ክሕልዉ ዝተቓለሱ ንጹሃት ተጋደልቲ ብምስጢር ቀንጺሉዎም። ብድሕሪኡ ድማ ኮሚቴ ፍርዳ ሂባቶም ዝብል መግለጺ ዘርጊሑ። ሕጂ ተኣሲሮም ኢልና ክንሕፎም ኣይንኽእልን በዓል ሸሪፎ ዓው ኢሎም ውሳኔ ተዋሂቡዎም ዝብሉ ዝነበሩን ኣብቲ ኮሚቴ ዝነበሩ ከም ዝኾኑንውን ይዝረብ’ዩ። ኣብዚ፡ ጕዳይዚ እታ ሕብእቲ ሰልፊ ቀንዲ ኣንቀሳቓሲት ናይቲ ጸረ ደሞክራሲ ዝኾነ ጕጅለ ከም ዝነበረት ድማ ኣባላታ ዝነበሩ ይጠቕሱ። ቀንዲ ስራሓ ድማ ስልጣን ኢሰያስ ምድልዳልዩ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ ብዘይካቶም ነታ ሕብእቲ ሰልፊ ዝነቕፉ ንጹሃት ዝበዝሑ ኣብታ ሰልፊ ተራ ዝነበሮም እወታዊ ተራ ከም ዝነበራ ካብ ምጥቃስ ሓሊፎም ክክነቕፉዋ ኣይስምዑን’ዮም። እንተ ነቐፉ’ውን ልሙስ ነቐፌታ እዩ ዝኸውን። ከም ሓቂ ግን ሕብእቲ ሰልፊ መሰረት ኵሉ ገበናት ህግሓኤ ከም ዝነበረት ክንፈልጥ ይግባእ። ቅድሚ ሕጂ ክልተ ኣብታ ሰልፊ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ፓልቶክ ቀሪቦም ከብቅዑ ብዘይካ እወታዊ ተራ ናይታ ሰልፊ ንገበናታ ይትረፍ ንጕድለታታውን ክተቕሱ ኣይደፈሩን። ስለዚ፡ ንባዕላቶም ኣብ ገበናት ዝተጨማለቑ ሰባት ንሕብእቲ ሰልፊ ብገበን ክኸሱዋ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ተስፋ እገብር ኣብ ሃገርና ሰላምን ፍትሕን ምስ ነገሰ እቲ ሓቅታት ኵሉ ክወጽእ’ሞ፡ ህዝብና ድማ ዕርቅን ሰላምን ገይሩ ብሰላምን ቅሳነትን ክነብር። እዚ ህዝብዚ ኣብ መዋእሉ ብዘይካ ንሸውዓተ ዓመት 1991-1998 ሰላም ዝብሃል ኣስተማቒሩ ኣይፈልጥን።

  • Danilo December 15, 2017

    ኣሕዋት፡ሓንሳ እሞ ነስተውዕል።ሓው ኪዳነ ብዝመሰሎ ወይ ኣዳዕዲዑ ዝፈልጦ ተንቲኑ ኣሎ ።ቅድሚ ምጅማሩ ንጀብሃ ተሳሂሉ ንሻዕቢያ’ውን ዝገደፈላ የብሉን።ግን፡ጸብሒ ኣቡን ቅድሚ ምስራሕካ ድልየት ዝምልከቶ ምፍላጥ የድሊ።እታቁራዕ ንመን ጠጢቃ ( ቡሱልን ጥረን ) ብዘየገድስ ኣብ መጨረሽታ ግደ ጻሕሊ እዩ።ስኣን ውሕልነት በቲሓደ ፡ሲኣን ንቅሓት’ውን በቲካልእ ዝተገልበጠት ጻሕሊ ኣብ ጡሙይ ከብደይን ዓይነይን ርእየእኩዋ እንተኾንኩ ሃገር ኣሮቮሾ ክትግምጠል ርእየን ሰሚዐን ኣይፈልጥን።ስለዚ፡ ካብ ገምጣሊ ሃገር ገምጣሊ ጻሕሊ ይመርጽ።

  • meretse December 15, 2017

    Tadesse,
    First – Please be aware that I am not worried at all with your story telling. However, whenever you go beyond the borders please know that u will not have a free ride, meaning u will be challenged. Now let me cruise along the issues that you raised in response to my comments. You stated the revalation of the story – “ The Onion, the Merchant, and the Pretty Girl” has nothing to do with my story telling, because my article has nothing to do with onions. I agree with u for it is the whole truth. Forget the onions how about with the merchant? Have you not noticed how the merchant was confused and forgot how to threat his customer. After all he was there to sell onions and not to exchange, buy or sell love. According to a bussiness rule – whenever you open a shop you should know your merchandise and targeted customers. For know, since you do not like the Onion Shoper story I would change it to a “Bicentennial Book Store Owner and the Pretty Girl”, prefixed or suffixed with the “tenqam”
    Response part II: You said time will tell again if the muscular cow will raise up and fight again. You added, “as far as i know it had became extinct long time ago”. So, for this reason alone you are no longer afraid of the muscular cow with sharp horns. Hmmm. how about a fight with a shekona (fetlock) a remaining bone from the skeleton . Anyway, I will come back to this part of story later after I brushed off the other parts.
    Part III: You said, I am an eye witness for lots of attrocities which were committed by ghedli from 1961-1970. I can talk about those crimes and no one will stop from telling the story. Right again, but make sure your story is not half hearted. You have every right to tell and retell what u know but, again, do not be selective.

  • meretse December 15, 2017

    Part IV: You have also asked me to tell my own version of story – of course, if I had one at least tell. In case you didn’t know it had been a while since I totaly stopped living in the past. Having said that, If i choose to go back in times I always try to remeber my limitation, or avoid going into uncharted waters. so with all due respect I decline kind invitation – “Yekenyelana Halay” , thanks but no thanks. Going that far in times -naka keman aytekemekan.
    Part V: “ጸይቒ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ኢዩ ኔሩ ማለት ግን ቕኑዕ ኣይኾነን” ቃል መን ኢዩ እዚ? መን በለ? ገዛካ ዓጺካ ከተዳምጾ ዘሎካ ሙዙቃን ኣብ ቃልዕ በምጕልሒ ድምጺ ክስማዕ እትደልዮን ፍሉይ ግዜ ይሓትት ኢዩ ምባል እንታይ ኣበሳ ኣሎዎ? ገዛካ ዓጺካ “ዕድል ኣሎኒ ግምባር ኣሎኒ …. ናይ ተበርህ ተስፋሁኔ ክትሰምዕ ትክእል ከምኡውን ሃደ “ጓል ሰልፊ ናጽነት… እዚኦም ዓይነት ሙዚቓ ግን ምስ ግዜ ዝበለዩ ኢዮም። ኣድላይነት ኣብ ዘሎዎም ግዜ ከኣ ይጥቀሱ። መሰል ኣሎኒ ኢልካ ግን ዝኣረገ ሙዚቃ እንተዘይ ኣስማዕኩኩም ኢልካ ወጠጥ ዘድሊ ኣይኮነን።
    Back to part II: You said ELF is already extinct. Although the word extinct is flammable since you raised I will try to go fairly around it. If ELF is extinct so did EPLF. Here is the reason why? ELF and EPLF are the product of the entire population. Each of them had been part of the whole. In other words, had two names in the same body. Good example for this is “Quagga”. I understand this animal became extinct at least a hundred years ago. Quagga had been an animal that half zebra and with half part of his body plain brown. The same body with different color of skin. Now, just because you like the stripped part of the body you cannot call him it is a zebra or otherwise. It is one animal and you have to accept the stripped and Palin part its body.
    Tesfu had said correctly. Whatever happened in the past we should own it.

    • Tesfu December 16, 2017

      ኣቶ መረጸ፡ ብዙሕ ተዛሪብካዶ? ከምቲ ንታደሰ ትምጉቶ ዘለኻ ንዓኻ’ውን ዝምጕተካ ከም ዘሎ ፍለጥ። ቅድሚ ምስ ታደሰ ምክታዕካ ንስኻ ንባዕልኻ ነቲ ብትግርኛ ዝተጻሕፈ መልእኽቲ ብትግርኛ ክትምለሰሉ ይግብኣካ። ኵሉ ትግርኛ ዘንብብ እንግሊዝኛ ዘንብብ ከም ዘይመስለካ ርዱእ ይመስለኒ። ትግርኛ ኣይትጽሕፍን ኢኻ ከይንብል ጽቡቕ ምልከት ትግርኛ ኣሎካ። ስለዚ፡ ኣብዚ ክትሓስበሉ ይግብኣካ ነይሩ። ብተወሳኺ፡ ሓደ ሰብ ካብ ትመኦክሮኡ ተበጊሱ እቲ ዝፈልጦ እዩ ዝጽሕፍ። ኣብቲ ዝጽ=ተጻሕፈ ዕቃበታት ምስ ዝህልወካ ወይ ጌጋታት ኣሎ ትብል እንተዄንካ ብኸምዚ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ዘይኮነ፡ ነጥቢ ብነጥቢ እናጠቐስካ እሞ በቲ ዝጸሓፎ ቋንቋ ብወገነይ ከምዚ ይመስለኒ ክትብል ምተገብኣካ። ካብኡ በለ ኣብዚ ናይ ታደሰ ኪዳነ ጽሑፍ መዓት ገፈጥ መፈጥ ክሳዕ ምጽሓፍ ኣይመድለየካን ነይሩ። ዝኾነ ሰብ ከም ዝርድኦ ጌርካውን ጸሓፍ። ኣብ ነጥቢ ኣብ ክንዲ ተተኵር ሃተው ቀጠው ተብዝሕ ኣለኻ። እዚ ሓሳብ ንሓሳብ መለዋወጢ መድረኽምበር ክእለት ቋንቋ ወይ ኣጸሓሕፋኻ ተርእየሉ ኣይኮነን። ስለዚ፡ ንሓዋሩ ከምዚታት ክትጽሕፍ ግዜኻ ኣይተባኽን ክብለካ እፈቱ። ካብ ሓልዮት ተበጊሰ ከምኡ እብለካ ከም ዘለኹ ድማ ፍለጥ።

1 2 3

POST A COMMENT