Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕብእቲ ሰልፊ ብዓይኒ ዘይኣባላታ – ታደሰ ኪዳነ – 1ይ ክፋል

ሕብእቲ ሰልፊ ብዓይኒ ዘይኣባላታ                         ታደሰ ኪዳነ                    በርሚንግሃም                                           1ይ ክፋል                      13 ታህሳስ 2017   እዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ነቶም ንህላዌ’ታ ሕብእቲ ሰልፊ ከውሊ ገይሮም ዝንቀሳቀሱ ዝነበሩ፡ ዝበዝሐ ግዜኦምን ኣተሓሳስባኦምን ኣንጻር’ቲ ሕሱም ጸላኢና ዘይኮኑስ፡ ስልጣን መራሒኦም ንምድልዳል ኣንጻር ብጾቶም ሓበሬታ ካብ

ሕብእቲ ሰልፊ ብዓይኒ ዘይኣባላታ

                        ታደሰ ኪዳነ                    በርሚንግሃም

                                          1 ክፋል                      13 ታህሳስ 2017

 

እዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ነቶም ንህላዌ’ታ ሕብእቲ ሰልፊ ከውሊ ገይሮም ዝንቀሳቀሱ ዝነበሩ፡ ዝበዝሐ ግዜኦምን ኣተሓሳስባኦምን ኣንጻር’ቲ ሕሱም ጸላኢና ዘይኮኑስ፡ ስልጣን መራሒኦም ንምድልዳል ኣንጻር ብጾቶም ሓበሬታ ካብ ምቕባልን ምትሕልላፍን ክሳብ ኣብ ምድሃልን ምዝላፍን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጭውያን ቅንጸላን ብጾቶም ተዋፊሮም ዝነበሩ ላዕለዎት ሓልፍቲ ሰልፊ ዝምልከት ኢዩ። እዚኣቶም ክሳብ ሎሚ በቲ ግዕዙይ ተግባራቶም ክጠዓሱ ዘይኮኑስ፡ ነቲ ገበናት ምኽኑይ ክገብሩ ይረኣዩ ኢዮም። ነቶም ተደናጊሮም ወይ ምርጫ ስለ ዘይነበሮም ዝኣተዉዎ ግን፡ ኣብ ሓበሬታ ምቕባል ተሳተፍቲ’ኳ እንተነበሩ፡ ዝበዝሑ ግን ከም ኩሉ ኣባል ናይቲ ግምባር ዝበዝሐ ግዜኦም ጸላኢኦም ኣብ ምህራም ስለ ዘሕለፍዎን፡ ማዕረ ክሉ ተጋዳላይ ህይወት ይኸፍሉ ስለ ዝነበሩን ብዓቢኡ ከኣ ነቲ ኣሰራርሓ ስለ ዘይድግፍዎ፡ እዚ ጽሑፍ’ዚ ንዕኦም ከም ዘይምልከት ከረጋግጸሎም እፈቱ።  ሰናይ ንባብ፡ –

ኣብ 3ይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግምባር (1994 ዓ.ም) ኢሰያስ ባዕሉ “ኣብ ውሽጥኹም ሰልፊ ነይሩ ኢዩ” ክብል ብትዕቢት ምስ ነገረና፡ እቶም ገለ ከይበቐቕና ነቲ ውድብን ሃገርን ህይወትናን ጉልበትናን ቅኑዕ ኢዩ ዝበልናዮ ርእይቶ ከይተረፈ ዝሃብናን ተጋደልቲ፡ ኣዝዩ ኣሰንቢዱናን፡ ኣብቲ ውድብ ጓኖት ምንባርና ኣሕዚኑናን ኢዩ። ብዛዕብኡ’ውን ካብቶም ‘ኣባላታ ነይርና ኢና’ ዝበሉና ኣዕርኽትና ብዙሕ ክንሓትትን ገለ ነገር ክንፈልጥን ክኢልና። ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ድማ ነቲ ብዛዕባታ ናይ ጸልማት ሕብእቲ ሰልፊ ዘሎኒ ርእይቶን፡ ብዛዕባ ብገለ ኣባላታ ነበር ዝወሃብ መመኽነይታን ቁሩብ ክገልጽ ክፍትን ኢየ። ኣቐዲመ ግን ብዛዕባ ህዝባዊ ግንባር (እቲ ህዝባዊ ውድብ) ቁሩብ ክዛረብ ኢየ።

ህዝባዊ ግንባር መን ኢዩ? ኣባላቱ’ኸ?

ህዝባዊ ግንባር ሃገራውን ህዝባውን ውድብ ኢዩ። ሃገራዊ ዝብሎ ዘለኹ፡ ንሃገራዊ ናጽነት ከም ዕላማ ኣቐሚጡ ስለ ዝተቓለሰ ኢየ። ህዝባዊ ዘብሎ ድማ እቲ ብወግዒ ዝፍለጥ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ዕላማታቱ ንጹር ህዝባዊ ዕላማ ስለ ዝነበሮ ኢየ። ንሱ ከኣ “መግዛእቲ ኣባሪርካ ህዝባውን ዲሞክራስያውን መንግስቲ ምትካል” ዝብል ኢዩ ነይሩ። ብሓቂ’ውን ኩሉ ህዝቢ፡ ጉልበቱ፡ ኣድጉን ገመሉን፡ ገንዘቡን ጥሪቱን ከይበቐቐ ብምሉእ ድሌት ተሳቲፉዎ ኢዩ። ገለ ዲሞክራስያዊ ባህርያት’ውን ነይሩዎ ኢዩ። ንኹሉ ‘ምእንቲ ህዝበይን ሃገረይን ህይወተይ ክኸፍል ኢየ’ ኢሉ ንዝተሳተፎ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ደም ዘንብዎዎ ጸላእቱ (መግዛእታዊ ሰራዊት) ብዕጥቂ ብረት ክብቀሎምን፡ ኤርትራዊ ኒሕ ከርእዮምን ክፉት ስለ ዝነበረ። ብዓቢኡ ከኣ ምእንቲ ዲምክራስያዊ መሰል ህዝቢ፡ ኣንጻር መግዛእትን ድሑር መጋበርያታቱን ዝተቓለሰ ውድብ ኢዩ።

እቶም ናብ ህዝባዊ ግምባር ዝተሰለፉ መንእሰያት (ኣባላቱ) ድማ፡ ከምቲ ኢሰያስ ባዕሉ፡ “ብሃራሃራ ዝወጹ፡ ጠስሚ ሕብረተ-ሰብ” ክብል ኣብ 1986 ዓ.ም ብዛዕባ ሰለስተ ዝያዳታት ክገልጽ ከሎ ዝበሎ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ቆልዓን ሰበይትን ዝቐትል፡ ኣብ ብሎኮታት ዝኸትር፡ ሃብቲ ሃገርናን ወደባትናን ዝዘርፍ፡ ኣብ ገዛእ ሃገርና ናብ ጓኖት ዝቐየረና ስርዓተ- መግዛእቲ ደምሲሶም፡ ህዝቦምን ሃገሮምን ሓራ ንምግባር፡ ብሃራሃራ ዝተሰለፉ ኢዮም። ብንጹር ንምዝራብ ጸላእቶም እምበር፡ ብጾቶም ምቕታል ኣብ ሕልሞም ኣይነበረን። ኣብቲ ኣሚኖም ዝተሰለፍዎ ገድሊ’ውን፡ ናይ ዕላማ ብጻይ እምበር፡ ናይ ጸልማት ተጻይ ክጸንሖም ኣይተጸበዩን። ‘ኣጆኻ!’ ዝብሎም እምበር፡ ‘ወይለኻ!’ ክበሃሉ ኣይሓለሙን። ብዓረር ጸላኢ ግምባሮም ክህረሙ እምበር፡ ብብጾቶም “ብቓጻ ክንጠፍእ ንኽእል ኢና” ዝብል ፍርሒ ሓዲሩዎም ኣይፈልጥን።

ናብ ገድሊ ክስለፉ ከለዉ እምበኣር፡ እቲ “ናጽነት ከምጽእ ኢዩ!” ኢሎም፡ ብምሉእ ምትእምማን ዝተሰለፍዎ ውድብ፡ ኣብ ሓንጎሉ ዝተጸፍየ ናይ ካንሰር ሕማም ነይሩዎ ኢዩ። እቲ ኣብ ዋህዮታት ሓንጎል ህዝባዊ ግምባር ዝነበረ ሕማም ካንሰር፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣዝዩ ደቂቕ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቶም ጥዑያት ዋህዮታት ስለ ዝተመሳሰለ፡ ቀልጢፎም ክፈልጡዎን (diagnose ክገብርዎ) ንዕኡ ዝግባእ መድሃኒት ሂቦም ክፍውስዎን ኣይከኣሉን። እቶም ሕማም ከም ዘሎ ጥራይ ዝፈለጡ’ውን፡ እቲ ሕማም ብንጹር ስለ ዘይተጋህደሎም (ሕቡእ ጉጅለ ምንባሩ ስለ ዘይፈለጡ)፡ ብልክዕ ንዕኡ ዝኸውን ናይ ካንሰር መድሃኒት – ከሞተራፒ (chemothrapy) ንኽገብርሉ ኣጸጊሙዎም ኢዩ። ብኸምዚ ከኣ እቲ ኣብ ሓንጎል ዝነበረ ናይ ርእሲ ካንሰር ከይተፈልጠ፡ በብቁሩብ ናብ ብምሉኡ ኣካላት ናይቲ ውድብ ተዘርጊሑ፡ እቲ ውድብ ብንጉሆኡ ጸማልያ ኮይኑ ተሳቐየ። ኣባላቱ ድማ ኤርትራዊ ወንን፡ ኤርትራዊ ስረን ንዘይ ምፍታሕ፡ ኣብቲ ሕሙም ወድብ ኮይኖም፡ ብቕድሚትን ብድሕሪትን እናተሃርሙ፡ ምእንቲ’ቲ ዝተሰለፉሉ ቅዱስ ዕላማ ስኖም ነኺሶም ተቓሊሶሞ። ኣብ ውሽጥ’ቲ ሕሙም ምኻኑ እምበር፡ ሕማሙ ብንጹር ዘይፈለጥዎ ውድብ ኮይኖም ድማ፡ ነቲ ቀንዲ ጸላኢኦም ስዒሮም ባንደራ ሃገሮም ኣንበልቢሎም።

ነቲ ብኹለንትንኡ ገዚፍ ዝነበረ ሰራዊት መግዛእቲ ስዒሮም፡ ናጽነት ምስ ተረኽበ፡ ነቲ ኣሚኖም ህይወቶምን ንእስነቶምን ዝሃብዎ ውድብ ክሕክሙን ከጥዕይዎን ፈተኑ። እቲ ሕማም ግን ካብ ርእሲ ወሪዱ ኣብ ኩሉ ኣካላት ናይቲ ውድብ ዘስፋሕፈሐ፡ ብቀሊሉ ዘይሓዊ ኮይኑ ረኺቦሞ። ኣብ 1991 ዓ. ም ድማ እቲ ህዝባዊ ግምባርን ኣባላቱን ሒዞሞዎ ዝወፈሩን፡ ከም ዕላማ ዝተቓለስሉን ዘይኮነ፡ እቲ ኣብ ሓንጎል ህዝባዊ ግምባር ተጸፍዩ ከይተፈልጠን ከይተፈወሰን ዝኣተወ፡ ናይ ካንሰር ሕማም፡ ጭፍርኡ ኣኪቡ ስልጣን ተረኪቡ።

እዚ ብናይ ሓንጎል ሕማም መሲለዮ ዘለኹ፡ ነቲ ኣብ ህዝባዊ ግምባር ዝነበረ ውሽጣዊ ሕቡእ ሰልፊ፡ ነቲ ‘ኣብ ኩሉ መሓውራት ናይቲ ውድብ ዝተዘርገሐ ሕማም’ ዝበልኩዎ ከኣ፡ ነቶም ኣብ ውሽጥና ተሰዂዖም ብሕቖና ዝወግኡና ዝነበሩ ኣባላቱ ንምግልጽ ምዃነይ መብርሂ ዘድልየኒ ኣይመስለንን። ነዚኣቶም ድማ “ኣኽላባት ለይቲ” እንተበልኩዎም ኣይትቀየሙኒ። ኣብቲ ናይ ጸልማት (ለይቲ) ኣኼባኦም ስምና ኣልዒሎም ክሕይኹናን ክዝንጥሉናን ይሓድሩ ስለ ዝነበሩ።

እሞ እዚ ብሕማም ካንሰር መሲለዮ ዘለኹ ውሽጣዊ ሰልፊ፡ ንህዝባዊ ግምባር ኣሕሚሙዋን ቀቲሉዋን’ዶ ወይስ መሪሑዋን ኣዐዊቱዋን? ቀጺለ ነዚ ክምልስ ክፍትን ኢየ።

መን መሪሑና ተዓዊትና?

ኣብ ሜዳ ኤርትራ ክልተ ውድባት ምንባረን ዘካትዕ ኣይኮነን። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክምስረት ከሎ፡ መራሕቱ ንብዙሕነትን ማሕበረ -ቁጠባዊ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራን ብግቡእ ዝፈለጥዎ ኣይመስሉን። ብሰንኩ ድማ ካብ ድሑር ቀቢላዊ ኣተሓሳስባ ክወጹ ኣይከኣሉን። ኣብቲ “ኣስላማይ ክስታናይ” ዝብል ምፍልላይ ተዘፊቖም ጥራይ ዘይኮነ፡ ንናይ ኤርትራ ዓረባውነት ከረጋግጹ ተጓይዮም። ንባዕሎም ኣብ ዘይክእልዎ ግርጭታት ስለ ዝኣትዉ ድማ፡ ምስ ኩሉ’ቲ ኣብቲ ውድብ ዝነበረ ብዝሕን ምሁር ዓቕሚ ሰብን፡ ነቲ ወታደራዊ ስራሕ ብግቡእ ከወሃህድዎ ኣይከኣሉን። እቲ ሰራዊት ድማ ተወሃሂዱ ጸላእቱ ከይድምስስ ይሓናኹልዎን ይጻብእዎን ምንባሮም ኣባላቱ ነበር ክገልጹ ጸኒሖም ኢዮም።

እቲ ድሒሩ ዝተፈጥረ ህዝባዊ ሓይልታት (ደሓር ህዝባዊ ግምባር) ግን፡ ምስ ኩሉ’ቲ ዝነበሮ ሕማምን ውሽጣዊ ተጻብኦን (እታ ናይ ካንሰር ሕማም ንእሽቶ ስለ ዝነበረት) ብዙሓት ውፉያትን ኣብነታውያንን መራሕቲ ነይሮሞ ኢዮም። በዚ ከኣ ንትርግታ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ዘርዊ፡ ኣንጻባራቒ ወታደራዊ ዓወታት ከመዝግብ ክኢሉ። እዚ ከኣ ኢዩ ደገፍ ህዝቢ ኤርትራ – ካብ ጀብሃ ናብ ህዝባዊ ግምባር ገጹ ከም ዝዘብል ዝገበሮ። ምስ ምንዋሕ ግዜን ጻዕቂ ናይቲ ኲናትን ግን፡ ምኩራትን ጸለውትን መራሕቱ ግዳይ ናይቲ ትንፋስ ዘይህብ ኲናት ክኾኑ፡ ዝተረፉ ከኣ በታ ኣብ ርእሲ ናይቲ ውድብ ተጸፍያ ዝነበረት ንእሽቶ ፍጥረት ብዝተለኽፉ ኣኽላባት ብለይቲ ብሚስጢር ተበሊዖም። እዚኣቶም ምስ ተኣልዩ፡ እታ ተሓቢኣን ተመሳሲላን ትኸይድ ዝነበረ ንእሽቶ ፍጥረት፣ ቦታ እናገፍሓላ ክኸይድ ባህርያዊ ኢዩ። ንነብሳን ነቶም ቀንዲ ኣኽላባትን ካብ ቦታ መስዋእቲ ከም ዝኽወሉ ብምግባርን ፍሉይ ሓለፋታት እናሃበትን፡ ኣብቲ ጥዑይ ኣካላት ህዝባዊ ግምባር ብውሽጢ ክትሰብሕ ጀሚራ። ንናህሪ ናይቶም ኣንጻር መግዛእቲ ዝወፈርና መንእሰያት ግን፡ ጸላኢና ቀቲልና ካብ ምስዋእ ኣይከልከለትናን። ኣባላት ህዝባዊ ግምባር ምስ ጸላኢ ክንተሓናነቕ ከለና ድማ ንሳ ኣብ ውሽጥና ተሰዂዓ ከይፈለጥናያ ጥዒሙዋን ሰዊዳን። ነቲ ብቕድሜና ዝነበረ ጸላኢ ኣብ ዝሰዓርናሉ እዋን ድማ፡ ብእኣ (በታ ተሓቢኣ ብድሕሪና ትከታተለና ዝነበረት ካንሰር) ተዋሒጥና ተሪፍና።

ኣብዚ ብንጹር ክገልጾ ዝደሊ ዘለኹ እምበኣር፡ ኣብ ህዝባዊ ግምባር ብወታደራዊ ኣካዳሚ ዝተመረቐ፡ ብናይ ኲናት ስነ-ፍልጠት – ውግእ ዝመርሕ ሰብ ኣይነበረናን። ኩሎም መራሕትና – ኣብቲ ኲናት፡ ተመኩሮ ዝሰሓሎም ኢዮም። እቲ ናይ ኲናት ተመክሮ ድማ፡ ነቶም ውግእ ዝመርሑ – ንኹሎም እምበር፡ ኣባላት ሰልፊ ንበይኖም ዝወሰድዎ ኣይነበረን። እቲ ምስ ጸላኢ ዝተሓናነቕን ዓወታት ዘመዝግብን ተጋዳላይ ድማ፡ እቲ ኣብ መቃብሩ መዓርን ጠስምን ክፈስሶ ተመኒዩ፡ ጸላእቱ ክድምስስ ብሃራሃራ ዝወጸ፡ ካብቲ ቅድሚ ውግእ ዝካየድ ስለያን መጽናዕትን ጀሚሩ፡ ክሳብ ምድምሳስ ሓይሊ ጸላኢ፡ ርእሱ ኣቕኒዑ ብምሉእ  ድሌት፡ ብዘይ ገለ ዓስቢ ዝውፈ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ብድሌቱን ብምሉእ ወኑን ዝዋሳእ እምበር፡ ብትእዛዝን ብጉንዖን ዝዋጋእ ሰብ ኣይነበረናን። ጉንዖን ሓለፋን እንተ ነይሩ፡ ነቶም ‘ኣኽላባት ለይቲ’ ኢለዮም ዘለኹ ላዕለዎት ኣባላት ናይታ ሰልፊ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። እቶም ተመክሮ ዝሰሓሎም፡ ብጾቶም መሪሖም ግንባራትን መዓስከራትን ዝደምሰሱን ዝተሰውኡን መራሕቲ ድማ ውሑዳት ገዲፍካ፡ ድርጋ ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ኣይነበሩን። ካብዚ ወጻኢ ኣብ ህዝባዊ ግምባር፡ ‘ብናተይ ብሱል ኣመራርሓ ከምዚ ዝበሃል ግምባር ፈሪሱ፡ ወይ ከምዚ ዝበሃል መዓስከር ተታሒዙ’ ኢሉ ዝጀሃር ሓላፊ ወይ ጉጅለ እንተልዩ፡ ነብሱ ዘይፈልጥ ወይ ታሪኽ ክጨዊ ዝደሊ ምስሉይ ጥራይ ኢዩ። ህዝባዊ ግምባር – ህዝባዊ ግምባር ዝኾነ ድማ በቶም፡ ኣብ ቃልዕ – ብጾቶም መሪሖም፡ ምስ ጸላኢ እናተዋግኡ ዝተሰውኡ መራሕቲ እምበር፡ ብሕቡኣንን  ምስሉያትን ኣይኮነን። ታሪኽና ድማ፡ ታሪኽ ኣብነታውያንን ውፉያታን ተጋደልቲ እምበር፡ ታሪኽ ሕቡኣንን መሕሾኽሾኽትን ኣይነበረን። ሕጂ’ውን ታሪኽ ክትሰርቁ ኣይትፈትኑ።

እቲ ሓቂ እዚ ኮይኑ ከብቅዕ፡ ገለ ታሪኽ ክጭውዩ ዝህንጠዩ ምስሉያት ኣባላት ናይታ ሕብእቲ ሰልፊ ነበር፡ “ህዝባዊ ግምባር ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ መሪሑዎ። ሕብእቲ ሰልፊ ድማ ነቲ ግምባር መሪሓቶ። ስለዚ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ታሪኽ ህዝባዊ ግምባር ኢዩ። ታሪኽ ህዝብዊ ግምባር ድማ፡ ታሪኽ ናይታ ሕብእቲ ሰልፊ ኢዩ።” ክብሉ ይስምዑ ኢዮም። ነዚኣቶም ንእሽቶ ክምልኣሎም ምደለኹ። ነታ ሕብእቲ ሰልፊ ከም ድላዩ ዘሽከርክራ ዝነበረ ድማ፡ ጸይቀ- ዕሉል ኢሰያስ ኣፎርቂ ምዃኑ፡ ኩሎም ኣባላት ናይታ ሰልፊ ነበር ይሰማምዕሉ ኢዮም። እዚ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ ስነ-መጎት ሓቂ ምዃኑ ከእምኑና ክፍትኑ እንተድኣ ኮይኖም ድማ፡ ‘ታሪኽ ናይታ ውሽጣዊት ስለፊ’ውን ታሪኽ ኢሰያስ ኣሮርቂ ኢዩ’። ነዚ ስነ-መጎት’ዚ እንተ ተኸቲልና ድማ፡ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ፡ ታሪኽ ውድብ ህዝባዊ ግምባር፡ ታሪኽ ኢሰያስ ኣፎርቂ ኢዩ ማለት ኢዩ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ተባዕን መዘና ኣልቦን ታሪኽ ህዝብና፡ “ታሪኽ ሓደ ውልቀ-ሰብ ኢዩ” ናብ ዝብል መደምደምታ ኢዩ ዘብጽሓና። “ታሪኽ ኢሰያስ ኣፎርቂ፡ ታሪኽ ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ” ዝብሉ እንተ ኾይኖም ድኣ’ሞ ስለምንታይ ኣንጻር ኢሰያስን፡ ንሱ ዝዝውሮ ስርዓት ህግደፍን ንብዓት ሓርገጽ ዘንብዕ ኣለዎም። ንነብሶም ኣብቲ ክጨውዩዎ ዝደልዩ ታሪኽ ከእትዉዋ ስለ ዝደልዩ ግን፡ ነታ ዳሕረወይቲ መጎታዊት መደምደምታ ኣይፈትዉዋን ኢዩም። ሕጂ’ውን ታሪኽ ህዝባዊ ግምባር፡ ታሪኽ ጀጋኑን ኣብነውያን መራሕትን እምበር፡ ታሪኽ ጨወይትን ሕቡኣንን ኣይኮነን። ኮይኑ’ውን ኣይፈልጥን።

ውሽጣዊት ሰልፊ ብመንጽር ምንቅስቓስ ናይ 1973ን 1976ን ዓ.ም

ንምዃኑ እዞም ብ’መንካዕን የሚንን’ ዝፍለጡ ተጋደልቲ መን ኢዮም? ኣብ ዘይሰዓቱን ኣብ ዘይግዜኡን ኢዮም ክእርሙ ፈቲኖም ዝበሃል’ከ ሓቂ ድዩ? ነዚ ክልተ ሕቶታት’ዚ ምስቲ ንሳቶም ሒዞምዎ ዝተሰለፉ ዕላማን ኣብኡ ዝጸንሖም ኣተሓሕዛን (ኩነታት ናይቲ ገድሊ) ኣተኣሳሲረ ቁሩብ ክገልጽ ክፍትን ኢየ።

ዳርጋ ኩሎም ኣብዚ ክልቲኡ ምንቅስቃስ ዝነበሩ መንእሰያት፡ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዝነበሩ ኢዮም። ከም ተማሃሮ ናይ ላዕለዋይ ደርጃ መጠን ከኣ ብዙሕ ዘንበቡን ዝፈልጡን፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ንነዊሕ ክጥምቱን፡ ኣብ ከባቢኦም ንዝረኣዩ ፖለቲካዊ ኮነ ካልእ ምቅይያራት ክዕዘቡን ዝያዳ ካልኦት ንነገራት ከተኣሳስሩን ዓቕሚ ዝነበሮም ኢዮም።

እቶም ካብ ገጠራት ዝተሰለፍናን ትሑት ኣካዳምያዊ ብቕዓት ዝነበረናን፡ “መግዛእቲ ካብ ኤርትራ እንተ ተባሪሩን ኣሕዋትና ስልጣን እንተድኣ ሒዞምን፡ ሃገርና ክሓልፈላ ኢዩ” ዝብል የዋህ እምነት ጥራይ ኢዩ ነይሩና። ንሳቶም ግን ነቲ ዝነበሮም ትስፉው ናይ ዩኒቨርሲቲ ናብራ ገዲፎም፡ ምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ህይወት ክኸፍሉ ክስለፉ ከለዉ፡ ወታደራዊ ዓወት ጥራይ ንበይኑ እኹል ከም ዘይኮነ፡ ካብ መጀመርትኡ ቅኑዕን ሕጋዊ ኣሰራርሓን እንተ ዘይተኣታትዩ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ተመክሮ ጀብሃ ክድገምን፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ክቱር ምልኪ ክመጽእ ከም ዝኽእልን ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። ብኣካል ዝነበሩ ከም ዝተዛረብዎ፡ “እዚ ውድብ’ዚ መንዲል ናይ ኢሰያስ ይኸውን ኣሎ!!!” ዝብል ናይ ሙሴ ተስፋሚካኤል ዘረባ ድማ፡ ኣብ ቦታ ውልቀ-ምልኪ፡ ዲሞክራስያውን ሕጋውን ኣስራርሓ ንምትእትታው ዝነበሮም ድሌትን ዕላማን ብንጹር ኢዩ ዝገልጽ። ነቲ ኣብቲ ንእሽቶ ውድብ ዝረአ ዝነበረ ምልኪ ከዐርዩ ከኣ ውድባውን ሃገራውን ሓላፍነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ግዴታ’ውን ነይሩዎም ኢዩ። ሽዑ’ውን “ኣሰራርሓና ሕጋውነት ይሃልዎ! ውድብና ዝምርሓሉ ፕሮግራም ኮነ – ዓይነት ናይቲ ድሕሪ ናጽነት ዝትከል ስርዓተ ምምሕዳር  ካብ ሕጂ ከነነጽሮ ይግባኣ” ኢዮም ዝበሉ። ህዝባዊ ግምባር፡ ኣብ ሓንጎል ዝተጸፍየ፡ ናይ ካንሰር ሕማም እንተ ዘይነብሮ (ሕብእቲ ሰልፊ እንተ ዘይትነብር) ድማ፡ ክገብርዎ ምሉእ ብቕዓት ነይሩዎም ኢዩ።

ብዙሓት ሽዑ ዝነበሩ ተጋደልቲ ከም ዝነገሩና ድማ፡ ኣብቲ ውድብ ክቱር ምልኪ ውልቀ-ሰብ ምንባሩን፡ ነቲ ምልኪ ንምቁጽጻር ዘኽእል መባእታዊ ሕጊ ከም ዘይነበረን ሰሚዕና ኢና። እቶም ንብሎም ዘሎና ምሁራት ድማ፡ ነቲ ኣብ ስርዓት ሃይለስላሴ ዝነበረ ምልክን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ተቓዊሞም፡ ንዕኡ ከዐርዩን ሕጋውነት ከተኣታትዉን ኢዮም ንበረኻ ወኢኦም። ከም ሓቂ ንምዝራብ እቲ ንሳቶም ኣብ 1973 ዓ.ም ዝጠለብዎ ሕጋዊ ኣሰራርሓ፡ ሽዑ ዘይኮነስ፡ ኣብ 1970/71ን፡ መስረቲ ናይቲ ውድብ ኣተኣታትዮሞ፡ ኣነጺሮሞን ክሰርሕሉ ክጸንሑን ዝነበሮም ኢዩ። እሞ “ቅድም ኣይተገብረን’ሞ ሕጂ ግን መትከላትናን ኣሰራርሓናን ኣነጺርና ንኺድ” ምባሎም እንታይ ኢዩ ኣበሮም። “ቅድም ኣይተገብረን’ሞ ሕጂ ቅዋምናን ፕሮግራምናን ኣነጺርና ንቃለስ” ምባል’ከ ብኸመይ ኢዩ ዘይሰዓቱን ዘይግዜኡን ዝኸውን?” እቲ ኣብ 1977 ዓ.ም ዝወጸ ናይ ህዝባዊ ግምባር ቅዋምን ፕሮግራምን ምልኪ ከይነገሰ ከሎ፡ ኣብ 1970/71 ወይ ድማ ኣብቲ ንሳቶም ንምእራም ዝተበገስሉ፡ ማለት ኣብ 1973 ዓ.ም ተነዲፉን ተሰሪሑሉን ነይሩ እንተዝኸውን፡ እቲ ድሒሩ ዝተራእየ ምልክን ዕንደራ ውልቀ-ሰባትን ምተራእየ’ዶ? ሕቶኦም እምበኣር፡ ሰዓቱ ሓልዩ ዝመጸ፡ እኳ’ድኣ ኣቐዲሙ ተጻፊፉን ተመዓራርዩን ክጸንሕ ዝነበሮ ኢዩ። “ኣብ ዘይሰዓቱን ኣብ ዘይግዜኡን ዝመጸ” ማለት ድማ፡ “እታ ሕብእቲ ቀንጻሊት ሰልፊ ኣጸቢቓ ክሳብ እትስውድ ክጸንሑ ነይሩዎም“ ኢዩ ዘስምዕ። ጌጋ ጥራይ ዘይኮነ ድማ ካብ ዘይብሱል መደምደምታ ዝብገስ ፖለቲካዊ በለጽ ኢዩ።

ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣብ 1977 ዓ.ም ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ከም ዘካይደ ኣብ ግዜይኡ ተነጊሩና ኢዩ። ሎሚ ግን እቲ ሽዑ ዝተገብረ ጉባኤ – ኢሰያስ ነቶም በታ ውሽጣዊት ሰልፉ ኣቢሉ ዝኸተቦም ናይ ለይቲ ኣኽላባቱ ገይሩ፡ ብሒም ንዝበለ ቀቲሉ ምስ ወድአ፡ ንዝተረፉ ካብ ኣኼባታት ከም ዝርሕቁ ድሕሪ ምግባሩ ዝተኻየደ ምዃኑ ይንገረና ኣሎ። እቲ ዝኸፍአ ድማ፡ ቅድሚ’ቲ ብወግዒ ዝተነግረና ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ፡ ንሱን ኣኽላባቱን ጥራይ ዝተሳተፉዎ ናይታ ሰልፊ ኣኼባ ተገይሩን፡ ኣብቲ ጉባኤ ዝምረጹ ሰባት በታ ሰልፊ ኣቐዲሙ ተወዲኡ ምንባሩን ኢዩ። ብወግዒ ድማ ‘ናይ ሓሶት ጉባኤ ኢዩ  ነይሩ’ ንበሃል ኣሎና። ሓቀኛን ብምዕሩይ ውክልና ኣባላት ውድብ ዝተገብረ ጉባኤ እንተዝነብር፡ በዓል መን ንመሪሕነት ምተመርጹ ዳርጋ ኩሉ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግምባር ክግምቶ ዝኽእል ኢዩ።

ኣብ ናይ ሓሶት ጉባኤ፡ ኣባላት ውድብ ብዘይወከልዎም ተጋደልቲ፡ ምልኪ ኣብ ዝነገሰሉ ውዳቤ፡ ብሕርያ ውልቀ-ሰብ ብዝተሾሙ ሓለፍቲ ዝጸድቕን ዝትግበርን ቅዋምን ፕሮግራምን ድኣ ንምድንጋር ዝቐረበ፡ ናይ ሓሶት ካብ ምዃኑ ሓሊፉ እንታይ ፋይዳ ከምጽእ። ናይ ሓሶት ስለ ዝነበረ ድማ፡ ኣብ ናጽነት እንዳ ጓሓፍ ኣትዩ። እቲ ኣብ 1973 ዝተተኽለ ውልቀ-ምልኪ፡ ኣብ ኮሮሻ ናይታ ውሽጣዊት ሰልፊ ተወጢሑ ኣትዩ። ኣብ ናጽነት ድማ ካልእ ኮሮሻ ቀይሩ ተኾዲጩ ኣሎ። እቲ ብስም መንካዕን የሚንን – ኢሰያስ ነቶም ናይ ለይቲ ኣኻላባቱ ኣዋፊሩ ዝጨፍለቖ ምንቅስቓስ እምበኣር፡ ኣቀዲሙ ንዘይተገብረ ንምትዕርራይ ደንጉዩ ዝመጸ እምበር፡ እዋኑን ግዜኡን ዘይሓለወ “ዝምባሌ” ኣይነበረን። ተጣበቕቲ ናይ “ኣብ ዘይግዜኡን ዘይእዋኑን” ድማ፡ ቲፎዞ ናይቲ ዝሓለፍናዮ ጉዕዙይ ኣሰራርሓ ካብ ምዃን ወጺኦም፡ ተመሊሶም ተመክሮኦም ክግምግሙ ይግባእ።

 

  • >     >    >    >   ይ    ቕ    ጽ    ል      >      >      >     >     >

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
29 COMMENTS
  • Meretse December 19, 2017

    Brother K.Tewolde thanks for stranding for what you believe. Tadesse could have saved ample time of his and readers had he had said, “my bad” when you first raised your hand. History is not an experiment that anyone process in the lab. I am not sure if the writer/writers had a second thought how this type of statements could be serious to our: identity, stablity, and a certainty that we had taken for granted.
    To sum up, sometimes I wonder where exactly are we headed?

  • AHMED SALEH !!! December 21, 2017

    Brother Tadesse
    Unfortunately you seem not to understand yet the hidden agenda of
    secretive party misinformation that created division and hatred among
    ourselves . By the way , when ELF was promoting for dialogue with EPLF
    to bring united front under one leadership , your leader aim was to take
    full control with the support of his front blind followers .
    Now after Issayas betrayed your expectation , not need to cry foul . The fact
    is our people witnessed betrayal the same way JEBHA tegadelti had betrayed .
    So please give us a break from nonsense accusations to portray ELF from
    NIHNAN ALAMANAN corrupted political teaching.

POST A COMMENT