Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕብረት ኤውሮጳ ዘይምርግጋእን ዘይስርሩዕ ዋሕዚ ስደትኛታትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዕጋት ናይ 170 ሚልዮን ይሮ ወፍሪ ከካይድ ንዘውጽኦ ውጥን ከምዘጽደቖ ብቕድሚ ትማሊ ብ ዘወጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሕብረት ኤውሮጳ ዘይምርግጋእን ዘይስርሩዕ ዋሕዚ ስደትኛታትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዕጋት ናይ 170 ሚልዮን ይሮ ወፍሪ ከካይድ ንዘውጽኦ ውጥን ከምዘጽደቖ ብቕድሚ ትማሊ ካብ ብራስለስ ኣብ ዘወጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ሓበሬታ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ዘይምርግጋእ ንምህዳእ፣ ከምኡ ‘ውን

ሕብረት ኤውሮጳ ዘይምርግጋእን ዘይስርሩዕ ዋሕዚ ስደትኛታትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዕጋት ናይ 170 ሚልዮን ይሮ ወፍሪ ከካይድ ንዘውጽኦ ውጥን ከምዘጽደቖ ብቕድሚ ትማሊ ካብ ብራስለስ ኣብ ዘወጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓበሬታ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ዘይምርግጋእ ንምህዳእ፣ ከምኡ ‘ውን ጠንቂ ስደትን ግዱድ ምዝንባልን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝኾኑ ሰበባት ንምግጣም 11 ናይ ተግባር ውጥናት ዝትግበረሉ ማዕከን ሕብረት ኤውሮጳ ኣዋዲዱ ከምዘሎ እዩ ዝጠቅስ። 25 ሚልዮን ይሮ ካብቲ ምወላ ንኣብነት፣ “ኣብ ኤርትራ፣ ጅቡትን ኬንያን ማሕበረ -ቁጠባዊ ጸገማት መንእሰያት ንምፍታሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ኣብ ዝፈጥሩ ፕሮጀክትታት ክውዕል እዩ” ይብል።

ይኹን’ምበር ኣብ ናይ ኤርትራ ኩነታት ኣተኵርና እንተተመልከትና፣ እቲ ንኤርትራውያን መንእሰያት ሃገሮም ክገድፉ ዘገድዶም ዘሎ ዝዓበየ ጠንቂ፣ ብልሹው ውልቀምልካዊ ምሕደራ ናይቲ ስርዓት እዩ። እቲ ማሕበራዊ ቁጠባዊ ጸገም ንገዛእ ርእሱ ውጽኢት ናይዚ ውድቀት’ዚ እዩ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ነዚ ስጉምቲ ‘ዚ ዝወስድ ዘሎ፣  ብዝያዳ ነቲ ኣዕለቕሊቑዎ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዕጋት ኳ እንተኾነ፣ ነቶም ቀንዲ ጸገማት ብግቡእ ኣብ ምልላይ ድሮ ፈሺሉ ስለዘሎ ዕላምኡ ኣብ ምውቃዕ ክዕወት ከምዘይክእል ተዓዘብቲ ይእምቱ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde December 19, 2016

    It is like decorating a Christmas tree with no branches,there is no place to hung the ornaments.As long as the EU continue to make ugly dictators look good and finance their oppressive state machines to the rim,their deliberate mistake will continue to haunt them like the recent ugly scene in Nice,France.They must have the money to dish out,but someone out there in the heavens have all the celestial power to see it through,we can artificially manipulate things,but nature will guide the destiny.The oppressed shall overcome!!!!

POST A COMMENT