Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕብረትን ታሪኻዊ ጕዕዞን (Forces of Unity)

 ብ ኣማኑኤል ሳህለ  ወድሰብ ፈትዩ ጸሊኡ፡ ኣብ ውሽጢቲ ነንሓድሕዱ ዝተሓጋገዝ ሕብረተሰብ እዩ ኪነብርን ኪዓብን ህላወኡ ከውሕስን ዚኽእል። ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝን ምክብባርን ዘይብሉ ሕብረተሰብ ንኺፈርስ ዘለዎ ተኽእሎ ዓቢ እዩ። ሰብ ከም ደሴት ንበይኑ ኪነብር ኣይክእልን። ካብ ቀቢላ ጀሚሩ

 ብ ኣማኑኤል ሳህለ

 ወድሰብ ፈትዩ ጸሊኡ፡ ኣብ ውሽጢቲ ነንሓድሕዱ ዝተሓጋገዝ ሕብረተሰብ እዩ ኪነብርን ኪዓብን ህላወኡ ከውሕስን ዚኽእል። ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝን ምክብባርን ዘይብሉ ሕብረተሰብ ንኺፈርስ ዘለዎ ተኽእሎ ዓቢ እዩ። ሰብ ከም ደሴት ንበይኑ ኪነብር ኣይክእልን። ካብ ቀቢላ ጀሚሩ ክሳዕ ሃገርን ልዕለ-ሃገርን ደረጃ ኪበጽሕ ዝኸኣለ፡ ብናይ ሓድሕድ ምትሕግጋዝን ምድንግጋጽን (empathy) እዩ።

ወድሰብ ኣብዛ ዓለም ካብ ዚመጽእ ጀሚሩ፡ ሽሕኳ ህይወቱ ኣብ ምውድዳርን ንህይወትካ ቀዳምነት ኣብ ምሃብን እተመስረተ እንተ ነበረ፣ ማሕበራዊ ህይወቱን ምዕባለኡን ግን ኣብ ሕብረትን ምትሕግጋዝን እተሰረተ እዩ ነይሩ። እቲ ምትእኽኻቡ፡ ካብ ጉጅለታትን ነገዳትን ማይቤትን እንዳን ቀቢላን፡ እናዓበየን እናደልደለን ናብ ግዝኣትን ሃገርን ዞባዊ ምትሕብባርን ደዪቡ፡ ቀጺሉ ድማ ናብ ኣህጉራውን ዓውለማውን ሕብረት ይጎዓዝ ኣሎ። ዕብየትን ሕብረትን ማዕረ ማዕረ ዚኸዳ ተርእዮታት እየን።

ሕብረት፡ ናይ ማሕበራዊ ቀጻልነት ውሕስነት እዩ። ንሰላምን ንቑጠባዊ ምዕባለን ድማ መሰረቱ እዩ። ይኹንምበር፡ ዝኾነ ዓይነት ናይ ሕብረት ስምምዓት፡ ህዝባውን ደሞክራስያውን ኪኸውን ከሎ እዩ ቀጻልነትን ውሕስነትን ዚህሉዎ እምበር ኣብ ሓጺር ራእይን ረብሓን ኣብ ስትራተጅያዊ ጥቕምን ጥራይ ዚምርኮስ ሕብረት፡ ነዊሕ ኪኸይድ ኣይክእልን።

 

ዝኾነ ነገር ንኺዓቢ (organic growth)፡ ናይቲ ንኡስ ክፍልታቱ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን የድልዮ። ሓንቲ ኦም፡ ኣብ መንጎ ዋህዮታታ/ሰላት (cells) ምትሕብባር እንተ ዘይህሉ፡ ክትዓብን ፍረ ክትህብን ኣይምኸኣለትን። ግን ከኣ ኩለን ሰላት ጥዑያትን ብነብሰን ዚመሓደራን ኪኾና ይግባእ። ኣብ መንጎ ሕሙማትን ጥዑያትን ሰላት፡ ዘላቒ  ሕብረት ኪህሉ ኣይክእልን።

 

ግን ከኣ፡ ንኹሉ ነገር ግዜ ከም ዘለዎ ክንፈልጥ ይግባእ። ንሕብረት ግዜ ኣለዎ፡ ንምፍልላይ ከኣ ግዜ ኣለዎ። ንምንዳቕ ግዜ ኣለዎ፡ ንምፍራስ ድማ ግዜ ኣለዎ። ንምፍንጣሕ ግዜ ኣለዎ፡ ንምእካብ ድማ ግዜ ኣለዎ። ኩሉ ኣብ ገግዜኡ እዩ ዚከናወን። ኣብ ዘይግዜኡ ዚበቍል ተኽሊ የሎን። እንተ በቖለ ድማ ወይ ብጸሓይ ሓሪሩ፡ ወይ ድማ ብዝናም በስቢሱ አዩ ዚመውት። ተሃዊኾም ይዅዕዉዎሞ ኮፍ ኢሎም ይኣርዩዎ ከም ዚብሃል፡ ኩሉ ብትዕግስትን ኣብ እዋኑን ምስ ዚፍጸም፡ ኣድማዕን ኣርባሕን እዩ።

 

ገና ኣብ ጸገማትን ጸበባን ዘላ ሃገር፡ ናይ ሕብረት ስምምዕ ክትገብር እንተ ተሓቲታ፡ መጀመርያ ናይ ጥዕናኣ ጉዳይ ክትውድእ ይግባእ። ሕሙም ኴንካ ኣብ ማሕበር ምእታው፡ ክልተ ጸገማት ኣለዎ። ወይ ነቲ ኩነታትካ እቲ ማሕበር ንኸሕውዮ ትጽቢት ክትገብር ኢኻ፣ ወይ ድማ እቲ ሕማምካ ባዕሉ ኣብቲ ማሕበር ኣትዩ ንኹሉ ከበላሹ እዩ። እቲ ዝበለጸ ግን፡ ክሳዕ እትሓዊ ምጽባይ እዩ።

 

ኩሉ ሕብረት፡ ኣብ ድሌት ህዝብን ኣብ ድልዱል ሃገራዊ ጥዕናን እተመርኮሰ ኪኸውን ይግባእ። ኩሉ ንሕብረትን ኪዳንን ምጥርናፍን ዚምልከት ውዕላት፡ ብምስትውዓልን ኣርሒቕካ ብምርኣይን ኪከናወን ይግባእ። ሓድሓደ ግዜውን ብዓይኒ ጥርጠራ ምርኣዩ ጌጋ ኣይኮነን። ክትዋገ ከሎኻ፡ ከይትቕሸሽ ምጥንቃቕ የድሊ።

 

ዓለምና ከም ቁሽት ተጠቕሊላ ኣብ ዘላትሉ ኣብዚ ግዜዚ፡ ናይ ሃገራት ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን (union, federation, confederation, pact, etc) ኣድላይነት፡ ዝያዳ ኣገዳሲ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። ቀደም ብበይናዊ መገዲ ዚካየድ ዝነበረ ማሕበራውን ቁጠባውን ንጥፈታት፡ ሕጂ ብናይ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ኣገባባት ይልወጥ ኣሎ። ቀደም ጃፓን ምስ ሃገራት ዓረብ ርክብ ኣይነበራን፡ ዘድልያ እውን ኣይነበረን። ሕጂ ግን ብዘይ ናይዘን ሃገራት እዚኣተን ነዳዲ ክትነብር ኣይትኽእልን። ቀደም ሓንቲ ሃገር ብገለ ስሱዓትን ዘረፍትን ጎረባብታ ትውረርን ትግፋዕን ነይራ፡ ሎሚ ግን ብገለ ሓድሕዳዊ ምርድዳእ እተበጽሐ ንልኡላውነት ዘይትንኪ ውዕላት፡ ብዙሓት ሃገራት ደቂሰን ይሓድራ ኣለዋ።

 

ኤርትራ ሃገርና እውን ካብዚ ታሪኻዊ ጕዕዞዚ ተፈልያ ንበይና ክትስጉም ኣይትኽእልን እያ። ክትዓብን ምስ ጎረባብታ ኸኣ ልኡላውነታ ኣረጋጊጻ ብሰላም ክትነብር እንተ ደኣ ኾይና፡ ብገለ መገዲ ምስ ጎረባብታ ናይ ምትሕብባር ስምምዓት ወይ ውዕላት ክትገብር ግድን እዩ።

 

ግዜታትን እዋናትን ዘመናትን፡ ነናቶም ጸገማትን ቍስልታትን ይፈጥሩ እዮም። እቲ ዚውሃቦም ፈውሲ ድማ ከከምቲ ግዜን ኩነታትን ይፈላለ። ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት እተጠቐምካሉ መድሃኒት ኣብዚ እዋንዚ ከይሰርሕ ይኽእል እዩ።

ኤርትራ ሃገርና፡ ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ መንግስታውን ህዝባውን ጸገማት ኣለዋ። ኤርትራ፡ ሰላም ካብ ዚሕረማ መዋእላት ኮይኑ እዩ፡ ህዝባ ድማ ኣብቲ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ህይወት ሃገሩ ከምቲ ዚግባእ ገይሩ ስለ ዘይተሳተፈ፡ ምምሕዳራዊ ተሞክሮ ይሓጽሮ እዩ። ንነብሱ ከምቲ ዚደልዮ ገይሩ ከየመሓድር፡ ብተኸታተልቲ ወረርትን ዘረፍትን ተኾሊፉ እዩ። ድሕሪ ናጽነት፡ ርእሱ ኣልዒሉ ጉዳይ ሃገሩ ከየካይድ ድማ፡ ህግደፋውያን ኪጻወቱሉ ይውዕሉ ኣለዉ። ኣብዚ ኩነታትዚ፡ እቲ ብገለ ወገናት ዚቃላሕ ዘሎ ናይ ኮንፈደረሽን ዘረባታት፡ ስግኣት የሕድረልካ እዩ።

 

እንታይ እዩ ተደልዩ? ስለምንታይከ ኣብዚ ኤርትራ ደሞክራስን ፍትሕን ሰላምን ርግኣትን ስኢናትሉ ዘላ ግዜ ከምዚ ዝበለ ዘረባታት ኪለዓል ተመሪጹ? አንታይ ሓድሽ ነገር ስለ እተረኽበ እዩ? ጥዑይ ራእይ ዘለዎ ኮንፈደረሽን ዲዩስ ወይስ ናይ 19 ክፍለ ዘመን ኣሊያንስ (alliances) እዩ ዚድለ ዘሎ? ዝኾነ ኾይኑ፡ መጀመርታ ሃገርና ንሓዝ እሞ፡ ነቲ ዝተረፈ ድማ ንህዝቢ ንገድፈሉ።

 

ምኽንያት ናይቲ ኤውሮጳውያን ሃገራት፡ ብስም ኤውሮጳዊ ሕብረት(EU) ፈጢረንኦ ዘለዋ ጥርናፈ፡ ናይ ዝሓለፈ ቅርሕንተንን ባኣሰንን ንድሕሪት ገዲፈን ብሰላም ሓሪሰንን ነጊደንን ኪነብራ ስለ ዝደለያ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ቁጠባአንን ህዝበንን ኪዓኑ ዝኸኣለ፡ ብገለ መዳዩ ብሰንኪ ኣቐዲምካ ኣብ ሓባራዊ ስምምዓትን ምርድዳእን ብዘይምብጻሕ እዩ። ካብ ሕሉፍ ጌጋአን ስለ እተማህራ ድማ፡ ኣብዚ ሕብረትዚ እተን ንኻልኣይ ውግእ ዓለም ጠንቂ ዝኾና በዓል ጣልያንን ጀርመንን፡ ከምኡውን እተን ንኣታተን ዝመከታ እንግሊዝን ፈረንሳን ይርከባ። ምኽንያት ናይተን ጸኒሐን ዝኣትዋ ዘለዋ ሃገራት ድማ፡ ገሊኣተን ካብ ወራር ሩስያ ብምፍራህ፡ ገሊኣተን ድማ ቁጠባዊ ህይወተን ንምምሕያሽን ናይ ሰላም ውሕስነት ንምርካብን እዩ።  

ኣብ መንጎ ሃገራት ዚግበር ምትሕብባር፡ እተፈላለየን ንእተፈላለየ ሽግራት ዚፈትሕን፡ ገሊኡ ጥቡቕ ገሊኡ ልሕሉሕ፡ ገሊኡ ንነዊሕ ዓመታት ዚኸይድ፡ ገሊኡ ድማ ንሓጺር ዓመታት ዚጸንሕ እዩ። ግን ከምቲ ኣብ ኩሉ ስምምዓትን ውዕላትን ሓሓሊፉ ዚፍጠር ጸገማት፡ ኣብዚውን እቲ ስምምዓት፡ ገለ ጸገማት ሓዚሉ ንኺመጽእ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ። ሰብ፡ ነቲ ጸላኢኡ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ኪመሓዘዎ ዚደሊ ዘሎውን ኣጸቢቑ ኪፍትሾን ኪምርምሮን ይግባእ።

ኣብቲ ኣብ ምትሕግጋዝ እተመርኮሰ ሕብረት፡ ብመጀመርታ ኪረጋገጽ ዘለዎ ነገር እንተሎ፡ ናይተን ዚሓብራ ወይ ዝተኣኻኸባ ዘለዋ ሃገራት ቁጠባዊ ኩነታትን፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኣቃውማን ደሞክራስያዊ ባህልን እዩ። ሓንቲ ድኽምቲ ሃገር ምስ ሓንቲ ሓያልን ምዕብልትን፡ ወይ ከኣ ሓንቲ ብደሞክራሲ እትምራሕ ሃገር ምስ ሓንቲ ብውልቀመላኺ እትምህራሕ ሃገር ብገለ ስምምዕ፡ ንኣብነት ብፈደረሽን ወይ ብኮንፈደረሽን፡ ክትሓብር ከላ፡ እቲ እተወስደ ስጉምቲ ኪጎድኣ ይኽእል ይኸውን፡ ኪጠቕማ እውን ይኽእል ይኸውን። ግን እቲ ውሕስነት ኪህባ ዚኽእል እንኮ ቅድመኩነት፡ ብእተኻእለ መጠን ከምቲ ናይታ እትለግባ ዘላ ሃገር ዚመሳሰል ቁጠባውን ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅርጽታት ከምኡውን ራእይ ምስ ዚህሉዋን ዕላማታት ድማ ምስ ዚንጸረላን እዩ።

ኣብ ናይ ዓለምና ቀረባ ታሪኽ ምስ እንምልከት፡ ክንደይ ዓይነት ኮንፈደረሽናትን ፈደረሽናትን ከም ዝፈረሰ ክንዕዘብ ንኽእል። ኣብዚ ግዜናውን ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ናይ ምፍራስ ኣሰራት ይረአ ከም ዘሎ ንኹሉ ሰብ ግሁድ እዩ። ኣብቲ ካብ ምሕዝነት ንላዕሊ ጥቕሚ ዝዕብልለሉን፡ ንገለ ናይ ሓያላን ሃገራት ስትራተጂ ዘደልድልን፡ ኣብ ናይ 19 ክፍለ ዘመን ዶክትሪን እተመርኮሰን ብእተፈላለየ ፖለቲካዊ  ሰልፋዊ ራእያት ዚምራሓ ሃገራት ዚርከባሉን ዓለምና፡ ንሕብረትን ምሕዝነትን ዚምልከቱ ኣኼባታትን ጉባኤታትን ብምብዛሕ ዚርከብ ዘላቕን ኣድማዕን ውጽኢት ኪህሉ ኣይክእልን። ጎሓሉስ ኣብ ፈቐዶ ኩርባ ይመሓሓሉ ተባሂሉ እዩ።

መብዛሕትኡ ኮንፈደረሽን ወይ ድማ ካልእ ዓይነት ሕብረት፡ ዚፈርሰሉ ምኽንያት፡ እተን ዚሓብራ ሃገራት ኣብ ሓደ ንኺጥመራ ንጹር ርድኢት ምስ ዘይህሉወን እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ናይ ሓያላን ሃገራት ስትራተጅያዊ ረብሓታት፡ ነቲ ናይተን ዚሓብራ ዘለዋ ሃገራት ቁጠባውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ረብሓታት ስለ ዚዕብልሎ፡ ጣልቃ ብምእታው ነቲ ሕብረት ከም ዚፈርስ ኪገብራኦ ይኽእላ እየን። ከምኡውን፡ ካብተን ሓቢረን ዘለዋ ሃገራት ሓንቲ ኣዚያ ምስ እትሕይል፡ ነቲ ረብሓታት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ጥቕሚ ንምውዓል ክትፍትን ትኽእል እያ።

ዝኾነኾይኑ፡ ከምዝን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ጸገማትን ስግኣታትን፡ ብእተፈላለየ ምምሕዳራዊ ሜላታትን ትዕግስትን ሕድገትን ኪስገሩ ስለ ዚኽእሉ፡ ነቲ ቀጻሊ ዚፍተን ዘሎ ናይ ሃገራትን ናይ ዞባታትን ሕብረትን ምሕዝነትን፡ ኪዓግቱዎ ዚኽእሉ ኣይመስለንን።

ስለዚ፡ ሰላምን ዕብየትን፡ ብሕብረትን ምሕዝነትን ስለ ዚመጽእ፡ ናይ ሃገራት ግዜያዊ ይኹን ወይ ዘላቒ ሕብረታት፡ ብእተኻእለ መገዲ ኪድገፍ ዚግባኦ ጉዳይ አዩ።  

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Hagos May 18, 2018

    Quotable quotes:

    “ሕብረት፡ ናይ ማሕበራዊ ቀጻልነት ውሕስነት እዩ። ንሰላምን ንቑጠባዊ ምዕባለን ድማ መሰረቱ እዩ። ይኹንምበር፡ ዝኾነ ዓይነት ናይ ሕብረት ስምምዓት፡ ህዝባውን ደሞክራስያውን ኪኸውን ከሎ እዩ ቀጻልነትን ውሕስነትን ዚህሉዎ እምበር ኣብ ሓጺር ራእይን ረብሓን ኣብ ስትራተጅያዊ ጥቕምን ጥራይ ዚምርኮስ ሕብረት፡ ነዊሕ ኪኸይድ ኣይክእልን። ” ….
    “ኤርትራ ሃገርና እውን ካብዚ ታሪኻዊ ጕዕዞዚ ተፈልያ ንበይና ክትስጉም ኣይትኽእልን እያ። ክትዓብን ምስ ጎረባብታ ኸኣ ልኡላውነታ ኣረጋጊጻ ብሰላም ክትነብር እንተ ደኣ ኾይና፡ ብገለ መገዲ ምስ ጎረባብታ ናይ ምትሕብባር ስምምዓት ወይ ውዕላት ክትገብር ግድን እዩ። “

  • k.tewolde May 18, 2018

    “ኣብ ጸገማትን ጸበባን ዘላ ሃገር፡ ናይ ሕብረት ስምምዕ ክትገብር እንተ ተሓቲታ፡ መጀመርያ ናይ ጥዕናኣ ጉዳይ ክትውድእ ይግባእ። ሕሙም ኴንካ ኣብ ማሕበር ምእታው፡ ክልተ ጸገማት ኣለዎ። ወይ ነቲ ኩነታትካ እቲ ማሕበር ንኸሕውዮ ትጽቢት ክትገብር ኢኻ፣ ወይ ድማ እቲ ሕማምካ ባዕሉ ኣብቲ ማሕበር ኣትዩ ንኹሉ ከበላሹ እዩ። እቲ ዝበለጸ ግን፡ ክሳዕ እትሓዊ ምጽባይ እዩ።”…….thought provoking,can you read between the lines? that is what good writers do.

  • meretse May 18, 2018

    Good readings. As usual intelligent ideas from a brilliant teacher.

  • rezen May 18, 2018

    Subject: “ሕብረትን ታሪኻዊ ጕዕዞን (Forces of Unity)” ብ ኣማኑኤል ሳህለ , May 18, 2018

    Commentary, 18 May 2018
    1. Apology
    First of all, I am sorry for responding to the subject in English rather than in my own language –Tigrigna. A long sordid story, connected with colonialism and the deliberate nature of Western Agenda (through so-called “modern education”) to arrest the mind of the African Child, thus fostering the long-range scheme to make the Black Race eternally dependent upon, and slave for, the White RACE and to make the African Continent a) as a resort space; b) exploitation of mineral resource; c) hunting animals; and d) tranquil vacation space with absolute disregard of the indigenous people. WOW! OH! LORD!!! THAT IS THE LONGEST SENTENCE STRUCTURE [76 words!], THAT EVEN HEMINGWAY CANNOT CHALLENGE – AND BY A BLACK AFRICAN TOO !!!!!!!!It
    2. The Subject matter at hand:”Forces of Unity”
    I realized, I digressed from the subject matter at hand. I truly apologize for it. With that sincere sadness, let me address OUR problem – THE ERITREAN seemingly eternal problem. Fundamentally, I dare say, we have INTERNAL problem to solve before we pretend to be searching for harmony with our neighbours and in general with the World. Unless we solve our internal sociological/political problems it will be an artificial pretension to be looking for external fraternity and cooperation. In fact, it may be a convenient but hopeless cover-up of our inherent malaise in search for respectful statehood in international Arena. It is a futile attempt.
    Just to refresh our memory, let us remember the costly horrendous war among BROTHERHOOD — ELF vs EPLF — during the 30-year war of Liberation. It is estimated that the loss of human life was much more during the deceivingly named FRATERNAL war than the war against Ethiopia. The simple but daring question is >>> WHY DID ERITREANS MASSACRED EACH OTHER during a war of Liberation against the ‘enemy’ — Ethiopia??? We ALL know why, but in our “wisdom” [ ha, ha, ha ] we preferred to pretend as if it never existed. And unless we accept WHO we are [i.e. our weakness] we will always remain hanging ኣይ ሞት፡ ኣይ ድሕነት [please correct my ትግርኛ as necessary].

    There is also another hurdle to face: the ugly REGIONAL animosity. The shocking expression is RACIAL animosity in the land of artificial harmony. Let us not also forget that we are still fixated with “ደቂ ኣርባዓ ….ወዘተ“ – a formidable proof that we are hopelessly stagnant in our mentality, thus creating a source of stink atmosphere — consequently, hazard to our health. Once again, here too, we prefer to put our problem under the rag and let the stench take its course!!!

    3. Conclusion
    WE HAVE A LONG WAY TO GO. And no wonder that Eritrea has always been [at least for one-hundred-thirty-five years (135) under ‘external-internal “colonial” custody! It is also no wonder that even the name ‘Eritrea’ is not an indigenous name {I stand to be corrected] but a sociological glue to keep the varied races, tribes, clans, etc together. But not for long. It is like having a metal with inherent flaw and expecting it to last for ever in its function. It is unrealistic, frantic, ዓቕሊ ጽበት, expectation. “Eritrea”, whether we like it or not, has come as far as it can – and this is the end of the road under its control. ‘Oromai’!!! THE END

  • Simon G. May 18, 2018

    ከምዚ ናይ ርእሰ-ደብሪ ኢሳያስ ዝብሎ: ሓደ ህዝቢ-ሓደ ልቢ ሸፈጥ ሓድነት ኣይፈጥርን ‘ዩ።
    ————————————————————————————-
    ሓደ ሕብረተሰብ ንኽሓብር: ፍልልያቱ ኣነጺሩ ክፈልጥ ክኽእል ኣለዎ።
    Simon G.

    • k.tewolde May 19, 2018

      “In fact, it may be a convenient but hopeless cover-up of our inherent malaise in search for respectful statehood in international Arena. It is a futile attempt.” ..You killing it rezen! coupled by Simon’s short statement above,indeed you have to know your difference and respect it first before you attempt to unite for a cause.This HGDEFITE motto “HADE HZBI HADE LIBI” is a sham,even a fraternal twins who came from one womb are light years apart in every shape or form.Now go party and pretend as if you are one,which you are good at till the hungover hits the next day.

  • Simon G. May 19, 2018

    ሓድነት!
    ——————————————
    ኣነ ምስ ዘኽብረኪ: ምስ ዘኽብረካ
    ምስተበሃሃልና: መዓልኪ! መዓልካ!
    ክትሰምዕኒ: ክትሰምዓኒ: ክሰምዓካ
    ኢሂን ምሂን እናተባሃልካ

    ———–ዝጥረ ‘ዩ—————-
    እስከ ክሓተኩም
    ክፈቱ የእዛንኩም
    መን ‘ዩ ካባኹም
    ባድመ ዝፍልጣ ቅድሚ ውግእ?
    እስከ ንሕሰበሉ ንበል ርግእ
    እወ ብዙሓት ጀብሃ ነበር
    ወይ ትፈልጥዋ ወይ ትሰምዕዋ ባድመ ‘በር
    ኣየናይ ሲቪል ዩ ዝፈልጣ
    ግደፎ ምፍላጥ ሽማ ዝጽውዓ
    ———————————————-
    ኤርትራዊ ‘ኳ ኣይፋለጥን
    ተበልኩ: ኣየጋነንኩን
    —————————————
    ካብ ኣስመራ’ሞ ውጽእ በል
    ኣስማት ጸውዕ ተትበሃል
    ናብ ገንኢ ምስተቐየርካ
    ብኽፋእ ግን ከይመስለካ
    እንታይ ገበርካ
    ዘየጥፋእካ!
    ————————————–
    ትጥፍኣትካ ዘይምፍላጥ ዩ
    ዲቕ ዝበለ ድኽነት ዩ
    ናይ ገንዘብ ዘይኮነስ: ናይ ኣተሓሳ ስባ
    ነታ መጽሓፍ ከይተንብባ
    ኣበይ ክትረኽባ?
    ዶ ዋላስ ተጸይንካ ከይትቐርባ
    ጨጉርኻ ኣንዊሕካ: ኣይትበሉኒ ባርባ
    ንዓባ!
    —————————————

    ቫይታሚን ጎዲሉኒ ኢልካ
    መማልእቲ ካብ ወሰድካ
    እንታይ ደኣዩሞ ብመጽሓፍ ዝሰንበድካ?
    ———ኤእ: ነውሪ—————–

    መጽሓፍ ጥዑም: እንታይ በሃሊ
    ፈትውትኻን ጸላእትኻን: ከተላሊ
    ይምህረካ
    መን ምዃንካ
    መን ምዃኖም የሕዋትካ
    ደቂ ሃገርካ
    ሽዑ! ሓድነት ትብል
    ትርጉሙ ስለዝፈለጥካ
    ምቅርቲ ‘ያ
    ትርጉም ሓድነት ምስተረደኣካ

    ====ሽዑኡ: ኣብ ሓንጎልካ ምስተስቆረካ ማለት ዩ===

    ደበኽ! ትብል ሓርነት
    ጓል ሕትነኣ ንሓድነት
    ተስተማቕሮ ትርጉም: ናይ ናጽነት
    ኔውውውውውው! ትብሎ
    ግዝኣት ህግደፍ: ምሕደራ ባርነት
    ————————————
    የሕዋት ምዃና: ንፈልጥ ብግቡእ
    ኣብ ቅርዓት ወጺና ኣብ ቃልዕ
    ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ ዝብል
    የእትና ኣብ ዘንቢል
    ናብ ማይ በላ ንድርግሞ
    ህግደፍ ክሓስሞ
    ህዝብና ክጥዕሞ
    እወ! ህግደፍ: ዕረረረረረረረ! ክጥዕሞ
    —————————————
    ንስኺ-ንስኻ: ዋላ ኣነ
    ኩሉ ዜጋ ተሓበነ
    ቀሰነ
    ፍስሃ ወሰላም ኮነ!

    • k.tewolde May 19, 2018

      “መን ‘ዩ ካባኹም
      ባድመ ዝፍልጣ ቅድሚ ውግእ?
      እስከ ንሕሰበሉ ንበል ርግእ
      እወ ብዙሓት ጀብሃ ነበር………….” yes, way before that tract of land became a flash point and a political pawn for HGDEF to exploit,we mingled with the residents there,educated and organized and did a remarkable community work there.We defended it and kicked out intruders all the way to where they came from,we did it in order to teach the adversaries to respect the sovereignty of our nation not for ulterior motives as it is used today.Fact is,it didn’t cost us tens of thousands of lives doing it.Yep,some of us are still around to tell the forgotten story. Simon,you say too much with too little.

  • Tesfai May 19, 2018

    “ሕብረትን ታሪኻዊ ጕዕዞን” ዛንታ ጽውጽዋይ እዩ። እስከበል ታሪኾም መንነቶም ውርሻኦም ፈንፊኖም ፡ ቋንቋታቶም ትግረ ትግርኛ ብሓዊ ኣባሪዖም ፡ ነቲ ናይ ክራይን ለቓሕን ሰጊዶም ፡ ብቋንቋ እንዳማቶም ደቢሎም ፡ ነቲ ናቶም ሰብን ልምድን ንዕቕ ጉሕፍ ኣቢሎም ፡ ነዚ ናትካ ሕልማዊ “ሕብረትን ታሪኻዊ ጕዕዞን” ኣጽዲቖም እትረብሕ ሃገር ዝመስረቱ ሰባትን ሃገርን ዝኾኑ ነዛ ጭብጢ መኾምሲ ኣፍ እትኸውን ሓንቲ ኣብነት ሃበኒ?

    ኤርትራ ብሱላት ከማኻን መማህርትኻን ሽማግለታትን ጥራይ ዘይኮኑስ እቶም ዕሸላት ደቂ ተጋደልቲ ውን “ተስፋ የብላን” ኢሎም ሃጽ ኢሎም ጠንጢኖማ ይሃድሙ ኣለዉ። ቆልዑ ውን ከይተረፉ እቲ ሰንኮፍ ሓጺር መሰረት ኤርትራ ሃደሽደሽ ከምዝብል ድሮ ፈሊጦምሲ ዓዲ ጠንጢኖም ይስደዱ ኣለዉ። ስለዚ ነዚ “ሕብረትን ታሪኻዊ ጕዕዞን” ኣበየናይ መሰረት ኢኻ ክትሃንጾ?

    እወ፡ ነዛ ጭብጢ መኾምሲ ኣፍ እትኸውን ሓንቲ ኣብነት ሃገር ሃበኒ?

POST A COMMENT