Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕልሚ ኢትዮጵያ፡ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ እስራኤል

ሕልሚ ኢትዮጵያ፡ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ እስራኤል ኢትዮጵያ፡ ንፋሽሽታዊ ጥልያን ስለዝሰዓረት፡ ዋና መዲና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መፍለቂት ዘመናዊ ሰብ፡ ወናኒት ጥንታዊ ቅርስታትን ሃይማኖት ክርስትናን፡ መስሕብ ወጻእተኛታትን  ስለዝኾነት፡ ኣብ ምስፋን ሰላምን ምትሕግጋዝን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዕዙዝ ተራ

ሕልሚ ኢትዮጵያ፡ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ እስራኤል

ኢትዮጵያ፡ ንፋሽሽታዊ ጥልያን ስለዝሰዓረት፡ ዋና መዲና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መፍለቂት ዘመናዊ ሰብ፡ ወናኒት ጥንታዊ ቅርስታትን ሃይማኖት ክርስትናን፡ መስሕብ ወጻእተኛታትን  ስለዝኾነት፡ ኣብ ምስፋን ሰላምን ምትሕግጋዝን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዕዙዝ ተራ ስለእትጻወት፡ ከምኡ’ውን ደርማስ ብዝሒ ህዝቢ፡ ዝተፈላለዩ ብሄራትን ጸጋታትን ስለዘለዋ፡ ኣብ መድረኽ ዓለም ብሓፈሻ ኣብ ኣፍሪቃ ድማ ብፍላይ፡ ዕዙዝ ቦታ ኣለዋ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰላም እንተሰፊኑ፡ ቁጠባ እንተማዕቢሉን ካልእ ጽቡቅ ነገራት እንተልዩን ድማ፡ እቲ ንኢትዮጵያ ዝወሃባ ዝናን ክብርን ንዓና ንኤርትራውያን ዘርብሕ እምበር ዝጎድእ ኣይኮነን። እንተኾነ ከምቲ፡ “ዓሻስያ ቅልጽሙ እንተሓበጠ ዝሓየለ ይመስሎ” ዝብሃል፡ ሓይሊ ወይ ብዝሒ ሰብ ኣለኒ፡ ዓለም ንኢዳትኒ፡ ቅድሚ ሰብየ ተፈጢረ ኢልካ፡ ዘይመኣድኻ ከተቋምት፡ ዘይንብረትካ ክትምንዝዕ፡ ንዝነኣሰ ክትጎብጥን ክትንዕቅን እንተፈቲንካ መዘዝን ውድቀትን ከምዘለዎ ምግንዛብ ይግባእ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ እንተስ ብዓሎቅን ውዲትን ግዳማዊ ሓይልታት፡ እንተስ ብሓይሊ፡ ብጉርብትናን ብፍቶትን፡ ንብዙሕ ዓመታት፡ ሓንሳብ ብምትፍናን ካልእ እዋን ድማ ብከም ሻሙ ተጓዒዝና ኢና። ብዙሓት ሰባት፡ ናይ ዝሓለፈ ረሲዕና ንቅድሚት ዘይንጥምትን ሓድሽ ምዕራፍ ዘይንኸፍትን ይብሉ ኢዮም። እዚ እበሃህላ’ዚ ብቅንዕናን ብክፉት ልብን ንዝሓስብ ውልቀ ሰብ ወይ መንግስቲ፡ ንዝበዝሕ ክፋል ሕብረተሰብ ዘማዕብልን መኽሰብን’ዩ። ነቲ ክውዕዮ ብማንካ ክዝሕሎ ድማ ብኢዱ፡ ከም እንስሳ ብኣድራጋ ዝሕይኽን ዘኾምስዕን ኣካል ግን ዘርብሕ ኣይኮነን። መሲልካ እንታይ ኣምጻኻ ከምዝብሃል፡ እዚ ኣብ መንጎ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ዓቢይ ኣሕመድን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተኸዊሉ ዝተፈረመ ክልተኣዊ ናይ ሕኸኸኒ ክሓከካ ስምምዕ ሰላምን ድሕሪኡ ዝቅጽል ዘሎ ዘይንቡር ርክባትን፡ ንዝበዝሕ ኤርትራዊ እንተላይ ንገለ ኢትዮጵያውያን ደስ ኣይበለናን። እቲ ብኽልቲኦም ፈረምቲ ምስጢራዊ ውዕል፡ “ጸገም ዶብ የብልናን” ይበሉ እምበር፡ ክሳብ ሎሚ ኣሽሓት ኤርትራውያን ካብ ኣባይቶምን መነባብሮኦምን ተመዛቢሎም ኣብ ስደትን ኣብ ጎቦታትን ይነብሩ ኣለው። ምብትታን ተቀማጦ ከባቢታት ጾሮና፡ ኣኽራንን ባድመን ነበር ድማ ሓደ ጭቡጥ ኣብነት’ዩ። እቲ ቀንዲ ዕላማ ግን ኤርትራዊ ካብ መሬት ምምዝባልን ንሕሰም ምቅላዕን ጥራይ ዘይኮነ፡ ታሪኹ ከምዝጠፍእን ከምዝሕከኽን ኢዩ። “ዘይኩርምትኻ ሑጻ ቆርጥመሉ” ከምዝብሃል፡ እቲ ካብ ዓድታቱ ተመዛቢሉ ሕሰም ዘሕልፍ ዘሎ ኤርትራዊ፡ ጉጅለ ህግደፍ ዘኪርዎን ሓሚሙሉን ኣይፈልጥን ኢዩ።

ብፍላይ ዓቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ሓምለ 2018,  ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ናይ ኣይሰላም ኣይኩናት ምፍጣጥን ድነ ደም ምፍሳስን ናብ ንቡር ህይወት ከምዝምለስ ገይሩዎ ተባሂሉ ዝኸበረ ሽልማት ኖቤል ምስተቀበለን ስሙ ኣብ መላእ ዓለም ምስገነነን፡ ምናልባት ዶኾን ነቲ ቁራጽ ሰይጣን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰል ክኽብር ፍትሒ ክነግስ ጽቅጢ ይገብር ይኸውን ተባሂሉ ተስፋ ተገይሩሉ ነይሩ። ምኽንያቱ ላም ፍርቂ ጎድና ስለዘይትሰብሕ፡ ዓቢይ ኣሕመድ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ኢትዮጵያን ከባቢኡን “ተጣባቂ ፍትሒ ወይ ልኡኽ ሰላም” ኢሉ ኣብ ቅድሚ፡ መጽሓፍ ቅዱስን ህዝቡን ዓለምን ካብ ጠሓለን ካብ መሓለን፡ ዝኣተዎ መብጽዓ ምትግባር ወይ ድማ ብግሁድ ምስ ገበነኛ ኢሳያስ ምውጋን’ዩ። ምኽንያቱ ሓቀኛ እንታይነትካ ተኹላን ተናኻስን እንከለኻ፡ ኣጎዛ በጊዕ ተኸዲንካ ሰላማዊ ምምሳል ነውሪ ኢዩ።

ኣብ ኤርትራ ንድሌት፡ ንመንነትን መሰላትን ህዝቢ ዘንጸባርቅን ዝውክልን ብህዝቢ ዝተመርጸ ሕጋዊ መንግስቲ የለን። እዚ ካብ ጽባሕ ናጽነትና ኣትሒዙ ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ እንግዳዓ ህዝቢ ኤርትራ ተጻዒኑ ኩሉ ዓይነት ግፍዒታት ዝፍጽም፡ ሃብቲ ሃገር ዝሰርቅን መንነትና ዝጅልሕን ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣመልኪቱ ውዕላት ክፍርምን ውሳኔታት ክህብን ዝኾነ ስልጣን የብሉን። ይኹን እምበር “ምስ ደገዝማቲ መን ተማጓቲ” ከምዝብሃል፡ እቲ ትካላት ጸጥታ፡ መራኸቢ ብዙሓን፡ ገንዘብን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ስለዘሎ፡ ብሒም ዝበለ ብሓይሊ እናጨፍለቀን  ብገንዘብ እናዓሰበን ድሌቱ ይፍጽም ኣሎ። ብሰንኪ ተምበርካኺ፡ ኣዕናውን ክቱር ንዕቀት ዝመልኦን ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስደት፡ ንሓሳረ መከራን ማሕበራዊ ቅልውላውን ተቃሊዑ። ካብኡ ዝኸፍአ ግን፡ እቲ ንናጽነቱ  ብዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ፡ ክኸብርን ክኾርዕን ዝግብኦ ህዝቢ ኤርትራ፡ መስሓቅ ሸራፋትን ኩፉኡ ዝምነዩን ኮይኑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ዓቢይ ኣሕመድን፡ “ኢትዮጵያ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ክትነብር ኣይትኽእልን’ያ” ኢሎም ኣብዘይ መኣዶም ዘምባሃቁን ሕማም ዓባይ ኢትዮጵያ ዘለዎም ተረፍ መረፍ ሃይለስላሴን መንግስቱ ሃይለማርያምን ድማ፡ ነዚ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ሰንኮፍ ምምሕዳር ተጠቂሞም፡ ንኤርትራ ክጎብጥዋን ክቆራርስዋን ይሓልሙ ኣለዉ። ዓለም ብዓለሙ ከምዝፈልጦ፡ ናጽነት ኤርትራ ዝተረጋገጸ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዘይናቶም መሬት ዝተመነዩ ወርርቲ ኢትዮጵያ፡ ሓመድ ድፋጭኦም ኣስትዩን ኣላሽ ኣቢሉን ብደሙ ዘምጽኦ እምበር ብድንጋጸን ብዋጋ ዕዳጋን ኣይኮነን። እንተቲ “ኢትዮጵያ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ክትነብር ኣይትኽእልን’ያ” ዝብል ናይ ደናቁር ምጉት ግን፡ 49 ሃገራት ብደረጃ ዓለም፡ 16 ሃገራት ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ክንሰን ባሕሪ የብልናን ኢለን ንባሕሪ ዘለወን ጎረባብተን ክወራን ብሓይሊ ክጥቀማን ሃቂነን ኣይፈልጣን። ምኽንያቱ ወለድኻ ዘየጽንሑልካ ወይ ድማ ሰሪሕካ ዘየጥረኻዮ ሃብቲ ካብ ሰማይ ሕብስቲ ክትረክብ ዝከኣል ኣይኮነን፡ ኣቦኻ ርገም ኣቦኻ መርቅ ስለዝኾነ፡፡ ኣብዛ ብሕግታት ተገዚኣ ትነብር ዓለምና፡ ምስ ጎረባብትኻ ሓድሕድ ተሰማሚዕካን ተኸባቢርካን ክትነብር እምበር፡ ኣብ 21 ክፍለ ዘበን ናይ 19 ክፍለ ዘበን ፍልስፍና ክትክተልን፡ “ዘሕምቆ ኣለኒ በትረይ ሃበኒ” ምባልን እንትርፎ ዕሽነትን ህልቂትን ፋይዳ የብሉን።

ኤርትራውያን ካብ ሕሉፍ ተሞኩሮና ክንርስዖ ዘይግብኣና መሪር ሓቂ ግን ኣሎ። ብዙሕ እዋን፡ ዓለም ምስ ዝሓየለን ምስ ረብሓን እምበር፡ ምስ ድኹምን ውጹዕን ንፍትሒ ጠጠው ኣይትብልን’ያ። ህዝቢ ኤርትራ ሓቂ ኣብ ኢዱ እንከሎ፡ ኣብ 40ታትን 50ታትን፡ መሰሉን መሬቱን ክኽበርን ጎበጣ ኢትዮጵያ ጠጠው ክብልን ንማሕበረሰብ ዓለም ኣእዉዩ፡ ጸማም እዝኒ ምርካቡን ከቢድ መስዋእቲ ክኸፍል ምግዳዱን ናይ ትማሊ ጭቡጥ ምስክር ኢዩ። ሎሚ’ውን፡ ኤርትራውያን እንተዘይሰሚርናን ንሃገራዊ ክብርና ጠጠው እንተዘይኢልናን፡ ዳግማይ ምልሓቅ ከጋጥም ይኽእል’ዩ። ከምቲ እስራኤል ዘይናታ መሬት ብሓይሊ ወሪራ ብምሓዝ፡ ንጎቦታት ጎላንን ካልእ መሬት ኣዕራብን ኣብ ግዝኣታ ሓዊሳቶ ዘላ፡ ኢትዮጵያውያን እውን፡ ምስዚ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ስደት ምብትታኑን መራሒ ጉጅለ ህግደፍ መላኺ ኢሳያስ ብዋጋ ልኡላውነትና ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝፍጽሞ ዘሎ ጠላዕን ጥልመትን፡ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ እስራኤል ክኾኑ ክሓልሙ ይኽእሉ ኢዮም። ኢትዮጵያውያን፡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ ካብ ኣመሪካ ድማ ብፍላይ ባርኾት እንተረኺቦም እንተሓሰመ፡ ብውዲ ወይ ብግዲ ንወደብ ዓሰብ መሃንዚት ክብሉና ጸገም የለን።

ምስ ጎኖቅ ተጸጊዓ ትዓቢ ቆልቋል ክትደሚ ትነብር ከምዝብሃል፡ ምሁራትን ተመራመርቲ ታሪኽን ኢና ዝብሉ ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ ምክብባር ዝተመርኮሰ ቀቅጫኻ ምብላዕ ልቦና እንተዘይሂብዎም፡ ንሶም ዘይስሕንዎ ሓዊ ክኣጉዱን ካብ ኩናት ረብሓ ዘይብሉ ኢትዮጵያዊ ክሃልቅን ንብረቱ ክባኽንን ድሕር ኣይብሉን ኢዮም። ኣብ ሓንጎል ብዙሓት ኢትዮጵያውያን፡ ገና እቲ ግዝኣታት ኢትዮጵያ ክሳብ ማዳጋስካርን ስግር ባሕርን ነይሩ ዝብል ናይ 3 ሽሕ ጽውጽዋይ ኣይሃሰሰን። ኢትዮጵያ፡ ባሕሪ ዘይብላ ክንሳ ሓይሊ ባሕሪ ምምስራታ ድማ ማያትናን ወደባትናን ንምቁጽጻር እምበር ንመባኸኒ ገንዘብን ግዜን ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ልቦናን ምስትውዓልን ዝሓትት እዋን፡ ኤርትራውያን፡ “ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ኣጽንዕ” ጥራይ ከምተዋጻና ፈሊጥና፡ ነቶም ኣብ ብርኽ ዝበለ ኩርባ ኮይኖም ክዕምጥሩና ዝወናወኑ ጎሓላሉ ንምምካት፡ ሃገራዊ መንነትናን ክብርናን ከነሕይል፡ ክንሰምርን ክንጸንዕን ክንጽግዖ እንኽእል ጎቦ ክንመርጽን ጥራይ ኢዩ ዘለና። ኤርትራ መግሃዲ ሕልሚ ዘይናቶም ዝደልዩ ከይትኸውን፡ ደቅናን ደቂ ደቅናን ሃገር ከይስእኑን ህሉዋት ብታሪኽ ከይንሕተትን፡ ኩልና ንድሕነትን ንህላወን ኤርትራ ንስራሕ ንሕሰብ።

 ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 5 ግንቦት 2020

 

yakobe@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Danilo May 6, 2020

    ጽላል,እቲ ሃርጓፍ ሸውሃትን ዱፉን ልብን ሑቆን ከብድን ብሙዃኑ አርትራውያን ሙሁራት ክሳብ ዘይተገንዘቡ፡ታሪኽ 40ታት/50ታታት ክድገም ተዂኡሎ እንዳሃለወ ኤርትራ ኦሮማይ ሉዑላዊት ሃገር ምባል ንዝብሉ ሙሁራት ምዓደለል ።ብጭብቲ ንምዝራብ፡ሃገርን ህዝብን ቢሪውሪው ኣብ ዝብለሉ ግዜ ዓለም ብኹቱር ስሓቅ ዳግማይ ከትቅየረልና ጥራሕ ዘይኮነ ናብ ማርስ ግዓዙ ከይትብለና በቲ ሓደ፡ወዲ በራድ ድማ ማይ እንተደሊኹም ን ሸሸመንየ ወይ ጎንደር ግዓዙ እዩ እኮ ዝብለና’ዘሎ።ወይ ጉድ!!

  • k.tewolde May 6, 2020

    Cause and effect,it is the basic dialectics of events,the erosion of the Eritrean identity dates back with the inception of that infamous manifesto ‘nihnan elamanan’,since then the cause became partisan in nature and moved away from its national cause and culminated by the expulsion of the armed liberation front who started it all.Indeed,a little over a decade after that trajectory altering event ,Eritrea was liberated with the blood and sweat of her children only to agonizingly painful 29 years of transition back to be annexed by those who scribbled that 1970’s manifesto– that was the ELAMA, and they resonated that message by saying (((AYKESERNAN))) it hurts,if that doesn’t piss you off to punch your computer screen and end up with 10 stitches in your hand,you are not Eritrean.My bold ,descent and courageous countrymen/women were are thou!!!? .

Post a Reply to Danilo Cancel Reply