Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ሕለ ዘይበልዎ ክዳን ሓማቱ ‘ሓሊ” ብዮሃንስ ስባህቱ

ኢትዮጵያ ነቲ ዝኣተወቶ ናይ መጨረሽታን ቀያድን ዝብል ውዕል ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነት ከምዘለዎ ክትቅበሎን ንምርግጋጽ ሰላም ምስ ኤርትራ ቆሪጻ ተላዒላ ከም ዘላ ብወግዒ ምስ ሓበረት፡ ኩላትና ኤርትራውያን ሕሰምናን መከራናን ክቕንጠጥ እዩ፡ ብውሕዱ፡ እቶም ብሰንኪ ሃገር

ኢትዮጵያ ነቲ ዝኣተወቶ ናይ መጨረሽታን ቀያድን ዝብል ውዕል ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነት ከምዘለዎ ክትቅበሎን ንምርግጋጽ ሰላም ምስ ኤርትራ ቆሪጻ ተላዒላ ከም ዘላ ብወግዒ ምስ ሓበረት፡ ኩላትና ኤርትራውያን ሕሰምናን መከራናን ክቕንጠጥ እዩ፡ ብውሕዱ፡ እቶም ብሰንኪ ሃገር ኣብ ሓደጋ እያ ዘላ ዝብል ዘይርትዓውን ዘይቅብሉን ኣሰራርሓ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ መንእሰያትና፡ ብሰንኪ ኲናት ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ካብ ዓድታቶምን ደንበታቶምን ተዘናቢሎም ዝርከቡ ዜጋታትና ነቲ ዘሕልፉዎ ዘለዉ ከርፋሕ መንብሮ ክቕይር ተወንዚፉ ዝጸንሐ ቅዋማዊ ስርዓትናን፣ ብዘይ ፍትሒ ዝተኣስሩ ክፍትሑልናን ብዘይ ሸለብ ገለብ እንነብረሉ ናይ ራህዋ ጊዜ ክመጻልና እዩ ግዲ ኢልና፡ ንኣምላኽና ዘመስገናሉ ወርሓት እዩ ዝነበረ። እዚ ድሕሪ ክንደይ ጸሎትን ምጽማምን፣ ድሕሪ ክንደይ ላዕልን ታሕትን፣ ከርተትን ውርደትን ዝተረኽበ ልኡላውነትናን ዶብናን ዝኹላዓሉ፣ እቲ መከራ ኣብ እንግድዕኡ ዝተሰከመ ህዝቢ ድማ ሓዲስ ናይ ሰላም፣ ዲሞክራሲን ግዝኣተ ሕግን፣ ናይ ራህዋን ቅሳነትን መዋእል ክኾነሉ ብባህጊ እዩ ተቐቢልዎ።

ድሕሪ ውዕል ኣልጀርስን ውሳኔ ኮሚሽን ዶብን ንዝሓለፈ 18 ዓመታት ደጊምና ደጋጊምና ዝሰማዕናዮን ንሕና’ውን ብዓውታ ዘጋዋሕናዮን እቲ ውሳኔ ከም ቃሉን መንፈሱን ብዘይ ዘረባ፣ ብዘይ ዘተ፣ ብዘይ ሽምግልና ክፍጸም እዩ ነይሩ። ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ኣጽንዕ” ዝብል፥ ደጊሙ ደጋጊሙ ከም ዝተነገረናን ንሕና’ውን ከም ዘይቅየር መትከል ዝረዓምናዮ፣ “ወተሃደራት ኢትዮጵያ ካብቲ ዝተወሰነልና መሬት ከይወጸ ዘተ ዝብሃል የለን።” ኢልና ኣንበድቢድናዮ። ‘ወያነ ካብ ሒዝዎ ዘሎ ሉኡላዊ መሬትና ምስ ወጸን እቲ ናይ መወዳእታን ቀያዲን ውሳኔ ኣብ ባይታ ምስ ተመልከተን ዶብና ምስ ተጠረረን ጥራይ ኢና ናብ ልዝብን ሰላማዊ ርክብን ንኣቱ” ኢልና ንልዕሊ 18 ዓመታት ቅድም ካብ መሬትና ወተሃደራት ጸላኢ ይውጽኡ ዶብ ይጠረር ድሕሪኡ ኢዩ ዘረባን ልዝብን ኢልና መስርዑ ቅድም ፈረስ ድሓር ካሮሳ ኢልና ነዚ እንዳቋመትና ቀጥ ኢልና ነቕ ከይበልና ጸኒዕና ጸኒሕና። ነዚ መስርዕ’ዚ ዕሽሽ ኢልና ናብ ዘተን ዝርርብን እንተኣቲና እቲ ውሳኔ ኣብ ሓደጋ ስለዝኣቱ እቲ ፈረስ ድሕሪ’ቲ ዓረብያ ኮይኑ ናብ ዘይተደልየ ዕንክሊልን ሓሸውየን ከእትወና ኢዩ ኢልና፣ ዋላ ኣብ ዓለም ዘለዉ ጸለውቲን ሓያላትን “ዘተ ዝብለኩም የብሉን፣ ፈትንዎ ተሰለጠ ይሰልጥ ትዕረቑ ተዘይኮነ እቲ ውሳኔ ቀያድን ናይ መወዳእታት ብምዃኑ ብመሰረት ውሳኔ ዶብ ይምልከት” ኢሎም እንተመዓዱና እምቢ ኣሻፈረኝ ኢልና ዝወሰደ ጊዜ ይውሰድ፣ ቅድሚ ምምልካት ዶብ ዝኾነ ዘተ የለን ኢልና ሓደ ዘይንቕነቕ መትከል ሒዝና ኢና ጸኒሕና። በዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ንልዕሊ 16 ዓመታት ጸኒዕና።

‘ስጋ ወዲእካ ዓጽሚ፣ ነገር ወዲእካ ፈጽሚ”፣ ቲ’ቀያዲን ናይ መወዳእታን ውሳኔ ኮሚሽን ውዱእ ፍርዲ ክሳብ ዝትግበር ገዛና ክንምለስ ከይበልና፣ ኣጣይሱና ከይበልና፣ ክሳብ ወዲ 80 ዓመት ዓጢቕና ብቓላት ክግለጽ ዘይከኣል ናይ ጊዜን ዕድልን ውልቃዊ መስዋእቲ ክንከፍል ጸኒሕና። ነቶም ክሳብ ወያነ ሕራይ ኢሎም ዶብ ክምልከት ዝሰማምዑ ቦኺሩ ዘሎ ዘቤታዊ ዕማምና ንግበር ዝበሉ፣ ከድዓት፣ ከደምቲ፣ ወረ ንዓሌቶምን ንኤርትራውነቶም ሓኺኽና መንነትን ፖስፖርትን ኣይግብኦምን ኢልና ፈንፊናዮም።

“ዶብና ከይተመልከተ፣ ልዑላዊ መሬትና ተወሪሩ ኸሎ፣ ዝኾነ ይኹን ዘተ ወይ ዘረባ የለን” ኢልና ነዚ ምሒር ኣንበድቢድናዮ። ሕጂ ነዚ ከም ቀንዲ ድጊ ነገር፣ ከም ቀንዲ ጭብጢ፣ ከም ነቕ ዘይብል ናይ ቀዳምነት ኩሉ ቀዳምነት ከም ቀንዲ መትከል ሒዝናዮ ዝጸናሕና ጉዳይ ኣነኣኢስካ፣ ከምዛ ወዝቢ “ሕጂ ኪንዮ ዶብ ክንሓስብ ኣለና። ጎዶቦና ከይቀሰነ ክንቀስን ኣይንኽእልን ኢና” ተባሂሉ ናብ ሓዲሽ ናይ እንዳማትና ናይ ጎዶቦ ድጊ ወይ ኣጀንዳ ንሰግር ከምዘለና ኤርትራውያን ኣሕዋተይ ኣቕልቡሉ። ኣስተብህልሉ።

“ኣብዚ ጊዜ’ዚ ጉዳይ ዶብ ቀዳምነት ምሃብ ወያነ ንኢትዮጵያ ከፍርስ ዕድል ምሃብ ማለት እዩ። እዚ ድማ ነቲ ዶ/ር ኣብይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣበጊስዎ ዘሎ ዲሞክራሲያዊን ፍትሓውን መስርሕ ክዕንቅፎ እዩ። ስለዚ ሰላምን ርግኣትን፣ ጥምረትን ሓድነትን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተናውሐ ንኤርትራ ጠቓሚ ስለዝኾነ ክሳብ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ገይራ ትራጋጋእን፣ ክሳብ ወያነ ዝጠፍእን ሕቶ ዶብ ኣወንዚፍና ከም ቀደምና መንግስትና ዝብለና(ዝበለና’ኳ የለን) ብዓቕልን ብትዕግስትን ክንጽበ ኣሎና” ተባሂሉ ክስበኽ ጀሚሩ ኣሎ።

ሕራይ ጎረቤትና ገዝኦም ክሳብ ዘጻፍፉ እቲ ናይ ዶብ ጉዳይ ተወንዚፉ ክጸንሕ ክንጽበ ካብ ተባህለ፣ እሞ ከምቲ ንሳቶም ፖለቲካዊ ዲሞክራሲ ኣብ ምስፋሕ፣ ተቓወምቲ ብነጻነት ክቃወሙ ዝፈቐዱ፣ እሱራት ዝፈትሑን፣ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰል፣ መሰል ነጻ ፕረስን ገዝኦም ዘጻፍፉ ንሕና’ውን ክሳብ ንሶም ገዝኦም ዘጻፍፉ ስቅ ኢልና ካብ እንጽበ ከምኦም ዘቤታዊ ውራይና ንግበር፣ ገዛና ነጻፍፍ እንተበልካዮም ድማ ‘ኖ ቅዋም፣ እሱራት’ዶ፣ ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣይትሕሰብዎ፣ ገና ካልእ እዩ ዝጽበየኩም ዘሎ” ኢሎሙና። ቃል ንቓሉ “ልዕሊ ኹሉ ግን ነዚ መጻኢ መድረኻት ብዛዕባ ክንስከሞ ዘለና ሓላፍነትን፣ ክንፍጽሞ ብዛዕባ ዝግብኣና ተግባራትን ሓያል ብድሆታት ኣገቲሩልና ኣሎ” ኢና ኢልና ብዛዕባ’ዛ ደቃቕ ኤርትራ ገዲፍና ‘ብዛዕባ ድሕነትን ኣንድነትን ዓባይ ኢትዮጵያ” ምሕሳብ እዩ ናይ እዋኑ ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ተባሂልና። ግና ‘ቲ ትማሊ ንዜጋታትና ብሂወቶም ከለዉ ናብቲ ሰብነቶም ኣብ ምሻጥ ዝተዋፈረ፡ ሎሚ ውን ሃገር ንምሻጥን ንምልዋጥን ዋጋ ዕዳጋ ክገብር ሕንከት ከም ዘይስመዖ ብንጹር ክበርሃልና ይግባእ።’

“ጻሕልና እንዳቀርዓነ፣ ጻሕሊ እንዳማትና ተኸሺኑ ክሳብ ዝበስል ነዂሰሉ ምኽንያት ርዱእ ኣይኮነን።ቢንቦሪ ናይ ኤርትራ ኣብ ጎረቤት ኢትዮጵያ ዘሎ ሓዊ ንቕድም ተጥፍእ፣ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓዊ ጦርቋሽ ብምዃኑ ሮማዕ ኢላ ተርክበሉ፣ ዘህውኽ የለን” ኢዩ ዝበሃል ዘሎ።

እቲ ዝገርም እቲ መራሒና ዝበሃል መዓስ እዩ ብዛዕባ ኤርትራ ክሓስብ? መዓስ ኢዩ’ኸ ጸጋታት ኤርትራ ንረብሓ ኤርትራውያን ክውዕል? ቅድሚ ሕጂ ንኢትዮጵያ ንምድኻምን፣ ኢትዮጵያ ክትበታተንን፣ ፋሕ-ፋሕ ክትብልን ኣብ ውሽጣ ዘይጠፍእ ሓዊ ረኹዕካ ሕንፍሽፍሽ መታን ክፍጠር ማእለያ ዘይብለን ብሄራዊ ጉጅለታት ናይ ኦሮሞ፣ ኣምሓራ፣ ትግራይ፣ ሲዳማ፣ ኦጋጌን-ሶማል፣ ዓፋር፣ በልሻንጉል፣ ጋምቤላ ሕሉፍ ሓሊፍና ርእሰ-ከተማና ናብ ወደባዊት ባጽዕ ቀይርና ንዕጡቓት ሶማል ብመርከብን ብኣየርን ኣዕጢቕናን ምስ ኣልሸባብ ወጊንና Proxy war  ኣካይድናስ ኣደዳ እገዳ ኾይንና፥ ሕጂ ኩሎም እቶም ኣብ ኤርትራ ዓስኪሮም ዝነበሩ ፍጹም ክገጥምን ክዕረቕን ዘይክእል ነናቶም ፋሕ ዝበለ ኣጀንዳ ሒዞም ብስም ዕርቂ ንኢትዮጵያ ክኣትዉ እግሮም ከይረገጹ ከም ኣንጭዋን ድሙን ከም ቶምን ጀሪን ተናጽዮም ብዙሕ ሰብ ምስ ተሓርደን ምስ ተኣስረን፣ ነዚ ጉልባብ ጌርካ ናብ ሓድሽ ኣጀንዳ ኣቲና ንበሃል ኣለና።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ኩነታት ንምብታን ንህዝቢ ኤርትራ ናብ ራህዋ ከስግሮ ዝግባእ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ኣዋፊርካ፣ ንሕድሕደን ዘይሳነያ ገሊኤን ካብ ኢትዮጵያ ተነጺለን ናተን ብሄራዊ መንግስቲ ክተኽላ፣ ገሊኤን ብዛዕባ ዓባይ ኢትዮጵያ ዝሓልማ፣ ወረ ሕልፉ ሓሊፈን ተኺኢለን ንኤርትራ ብምልእታ ክጥቕልላ፣ ተዘይኪኢለን ከኣ ንወደብ ዓሰብ ምስ ኢትዮጵያ ክጽንብራ ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ዝበለ ኣጀንዳ  ዘለወን ትሕብሕብን ተዋፍርን ለይቲን መዓልትን ንኢትዮጵያ ማሃነና ንምጥፋእ ትሰርሕ ኔርካስ ፍጹም ክጠፍእ ዘይክእል ህቦቡላ ባርዕ ረኩዕካስ ከተብቅዕ፥ ሕጂ እንታሻቦኻ ግልብጥ ኢልካ ሓላይ ኢትዮጵያ ኾንካ። እዚ ሓዊ’ዚ ከይጠፍአን ኢትዮጵያ ሰላም ረኺባ ከይተረጋግአትን፣ ሓድነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ከይተረጋገጸን ብዛዕባ ምምልካት ዶብ ምዝራብ ዕሽነት ኢዩ ኢልካ ነቲ ቀንዲ ድጊ ነገር ናይ ኤርትራውያን ናብ ራብዓይ ደረጃ ኣውሪድካ ናብ ሓደ ዘይምከተካን፣ ባዕልኻ ከተጥፍኦ ዘይትኽእልን ጉዳይ ካብቲ ዝጸንሐ ብዝገደደ ጦብሎቕ ኢልካ ንህዝቢ ኤርትራን ሃገራዊ ኣጀንድኡን ናብ ዓጸቕቲ ደርቢኻ። እቲ ድጊ ነገር ኤርትራውያንን ኣጀንዳ ሃገረ ኤርትራ ኮይኑ ንልዕሊ 16 ዓመታት “ ዶብና ከይተመልከተ፣ መሬትና ተወሪሩ ኸሎ…..” ዝብል ወጺና ናብ ዝኸፍአን ዝነውሐን ካልእ ክንወጾ ዘይንኽእል ዓጸቕቲን ደልሃመትን ዘእትወና ብምዃኑ ሕጂ ብኣጋ እንተዘይበዲህናዮ ከምቲ ኩልሻዕ ንገብሮ “መንግስትና ዝበልና ኢና ንገብር፣ መንግስትና ይፈልጠልና ኢልና” ነዚ ሓድሽ ቅዲ ከም ኣመልና ኣንበድቢድና መመሊሽና እንተኣንበድበድናዮ ከነጥፍኦስ ይትረፍ ንዓና’ውን ከንድደና ኸም ዝኽእል ክስቆረና ኣለዎ።

እቲ ዝኸፍአ ድማ ነቶም ምሳና ውዑይን ዝሕሉን ዝረኣዩ፣ ኣብ መሪርን መስገደልን ምሳና ዝመከቱን ሓቢሮም ዝተቓለሱን ናይ ቀረባ ኣዝማድና ተጋሩ ከነጥፍእ “ወያነ ከይጠፍአ ብዛዕባ ዶብ ምዝራብ ትርጉም የብሉን ኢልካ፣ ሓዊ ክንዲ ተጥፍእ ጎንደር ኬድካ  ጉዳይ ኣላማጣን ራያን ከም እሳተ ጎመራ ክትኮስ ኣብ ዝህንደደሉ ጊዜ ምስ ኣምሓሩ ኮሸምሸም ምባል ላምባ ኪዒኻሉ፣ ‘ይውለደኩም እዬ፣ ሓውኹም እዬ፣ ኣቦሓጎይ ዝተቕብረሉን ኣዝማደይ ዘለዉሉን’ዩ ኢልካ” ነቲ ቀንዲ ትግራዋይ መንነትካ ክትሓክኽን ብህልኽ ተባዒጥካ ንሓደ ዓቢ ናይ ኢትዮጵያ ሓይልን ዓቕምን ንምእላይ ዘይከኣል ብዘይካ ምዃኑ፣  ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተሳቐናዮን ዝተሰዋእናዮን ንላዕሊ ክሓተናን ኣብ ክንወጾ ዘይንኽእል ደልሃመንት ዓጸቕትን ከእትወና ምዃኑ ኤርትራውያን ክንነቕሓሉን ክንጥንቀቐሉን ኣለና። ክሳብ ሎሚ ዝተዓሸናዮ ደጊም ይኣክል ኢልካ፣ ‘ጉዳይና ንግበር” ይኣክል ክንብል ኣለና። እዛ ዕድል ሸተት እንተ ኢላትና ‘መንግስትና ይፈልጠልና” ኢልና ቀንዲ ጉዳይና ወንዚፍና ኣብ ጉዳይ እንዳማትና እንተኣቲና ንደቅና ዝተርፍ ዘይፍታሕ ግድል ከነውርስ ሙዃንና ክስቆረና ይግባእ።

ኣብቶም ኣብ ኣስመራዶ ወይሲ ኣብ ስዑዲ ተፈራሪሞም ዝበሃሉ ዘለዉ ስምምዓት እንተድኣ ተመልኪትና ብቐንዱ ኣብቲ ንኢትዮጵያ ዘገድስ ዘተኮረ ድኣ እምበር፡ ንድልየትን ትጽቢትን ሃገረ ኤርትራን ኤርትራውያንን ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን።

እቲ ቀደሙ’ውን ክዕጾ ዘይነበሮ ዶብ ጋህ ኣቢልካ ከፊትካ፣ እኽልን ቸሜንቶን ቴንዲኖን ምስ ሓሰረን፣ናብቲ ንቡር ዋግኡ ምስ ተመልሰን፡ ሳላ ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ዘውረድና ኣስቤዛ ኣብ ኤርትራ ሓሲሩ ኢልካ ከንቱ ታህዲድ ምህዳድ፡ ረብሓኹም ዝሕለወልኩም ምስ ኢትዮጵያ ብሓደ ምስ እትሓብሩን ምስ እትጥርነፉን ኢዩ፣ ጉዳይ ዶብ ረስዕዎ ዝብል መልእኽቲ ካብ ምሃብ ዝሓለፈ፡ እንታይ ዝተፈልየ ትርጉም ክህበና ይኽእል?

ከምቲ ደጊምና ደጋጊምና ንዓመታት ዝጨራሕናዮ ‘ስጋ ወዲእካ ዓጽሚ፣ ነገር ወዲእካ ፈጽሚ” ነቲ ኢሰያስ ካብ ድጊ ነገር ኣውጺኡ ኣብ ዘይምከተና ጓል መንገዲ ከህውትተና ዝደሊ ዘሎ ገዲፍና፣ ኩልና ኤርትራውያን ብስምረትን ብሓደ ድምጺ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብዘይ ቅድመ ኵነት ከተተግብሮ ቃል ዝኣተወትሉ ውዕል ኣልጀርስን ውሳኔ ኮሚሽን ምሕንጻጽ ዶብን ብዘይኮነ ውዓል ሕደር ከተተግብሮ ክንጽውዕ ይግብኣና። ‘ሕለይ ዘይበልዎ ክዳን ሓማቱ ‘ሓሊ” ኢልና ንኾንኖ

ዮውሃንስ ስባህቱ

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT