Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ሕለይ ዚበሉዎ መርዓውስ እግሪ ሓማተይ ቀጢኑ ኢሉ ይሓዝን!”

ዝገርም’ዩ! ዋላ’ኳ ከምቲ ልሙድ ብዘይካ ኣብ ሊሰዩም (ኣስተምህሮታት ኪወሃበሉ ዚተዳለወ ፍሉይ ኣዳራሽ) ኣሰና ኣብ ካልእ መዓልታዊ ሓደሽቲ መሃሪ ጽሑፋት ንምርካብ፡ ጸቢብ ኣጋጣሚ ምዃኑ እንተ ተገንዘብኩ፡ ከም ገለ ሰበር ዜና እንተ ተረኽበ ኢለ ግን ንሓደ ክልተ

ዝገርም’ዩ! ዋላ’ኳ ከምቲ ልሙድ ብዘይካ ኣብ ሊሰዩም (ኣስተምህሮታት ኪወሃበሉ ዚተዳለወ ፍሉይ ኣዳራሽ) ኣሰና ኣብ ካልእ መዓልታዊ ሓደሽቲ መሃሪ ጽሑፋት ንምርካብ፡ ጸቢብ ኣጋጣሚ ምዃኑ እንተ ተገንዘብኩ፡ ከም ገለ ሰበር ዜና እንተ ተረኽበ ኢለ ግን ንሓደ ክልተ መርበባት ሓበሬታ፡ እንኮላይ ናብ ብዓል ከም ኣለናልካ ናይ ህግደፍ ዝኣመሰላ ማዕከናት ወረ ገጸይ ዘወር ምባል ኣይገድፍን’የ። ክንዲ ዚኾነ ኸኣ ሎሚ ምሸት ከም ወትሩ ካብ ስረሐይ ምስ ተመለስኩ፡ ኣብ ሳሎን ብጎቦ ኮይነ ሃሰስ ክብል ጀመርኩልኩም። ኣሰና፣ ኤረና፣ ወጋሕታ፣ ኣዝማሪኖ፣ እናበልኩ ብምፍታሽ ከኣ ኣብ መስደመም ኔት በጻሕኩ። ብሃንደበት፡ ሓደ ብሓቂ ዘስደምም ጽሑፍ ምስ ነበብኩውን ኣብኡ ኣውዓልኩ። እቲ ዘገርም ጽሑፍ ኣርእስቱ ከምዚ ዚስዕብ’ዩ ይብል ኔሩ፥
“ሃገረይ ትብላ አንተኰንካ፡”
ማለት፥
“ሃገረይ ትብላ እንተ ኴንካ…”
ዘርእስቱ ጽሑፍ፡ ስእሊ ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱን ክቡር ሓው ኣቶ ሳልሕ ቃድን ኣስንዩ ምስ ረኣኹዎ፡ ደጋጊመ ነቢበዮ። ድሕሪ’ቲ ትርጉሙ ብንጹር ዘይርድኣካ ኣርእስቲ ምንባበይ ከኣ ነቲ ኣብ እግሩ ዝነበረ ካብ ሓሙሽተ መስመር ዘይሓልፍ ጽሑፍ ቀጺለ ነበብኩ። እናነበብኩ ከለኹ ግን “ወኻርያስ ጻድቕ ክትመስል ዝዋዉዕ ትኣስር!” እትብል ምስላ ኣቦዋት ሃንደበት ቅጅል ኢላትኒ። ብልበይ ድማ ደገምኩዋ። ብመገረም ኔት እውን ከም ወትሩ ኣዝየ ተገረምኩ። ያኢ እዛ ንየዋሃት፣ ሰንኮፋት፣ ስልንስላት (ነግፈረግ በሃልቲ) ሕዩራት መረባዕ፣ ደለይቲ ምኽንያትን ተበለጽትን ንምድዕዓስን ‘ካብ ህግደፍ ዝሓይሽ የለን!’ ብምባል እናኣመኽነዩን እናወደሱን ኣብ ትሪም ዝበለት ከበሮ ብምስዕሳዕ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምንዋሕ ክሳዶም ንኸትርሩ ዝከኣላ ትገብር ዘላ ሃርደ ቢሳ (ኣንፈታ ዘይፍሉጥ) መርበብ ሓበሬታስ፡ ያኢ ሓላይት ሃገርን ህዝብን ክትመስል፡ ነቲ ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ ድኽመት ዓምቢ (ምስ ወደቐ ወይ ድማ ብደዉ ከሎ ነቒጹ ኪዕምብዂ ዚጀመረ ቆልቋል) ህግደፍ ብጉልባብ ሃገራውነት ክትሸፋፍን ምፍታና ኣስደሚሙኒ።
ጃንዳ ህግደፍ ኣብ ዙይን (ሬሳ ናብ መቓብር ዚወስድ መሐንገጢ ባላታት ዘለዎ ዓራት) ተሰቒሉ ኣጐበር (ናይ ዙይን መኽደኒ ረጒድ ምንጻፍ መሳሊ ጸሊም ሽፋን) ተኸዲኑ ቀባሪ ዝጽበ ዘሎ ናይ ውሑዳን ኣዕናዊ ጉጅለ ምዃኑ ንወያነ ያኢ ጠፊኡዎስ ካብ ብዓል ኣማኑኤል እያሱ ነጋሪ ደልዩ! እዚ ደኣ’ሞ ንቐባሪ ከም ምርዳእ እንዳኣሉ ዚሕሰብ! ንማለቱ ኢና ንዛረብ ዘለና’ምበር ልዕልና ሕጊ ብሓይሊ ከም ዝዕቀብ፡ ዚሓየለ ኣጽዋር ሓይሊውን ሓድነት ምዃኑ ንዝፈልጥ ሰብሲ ብዛዕባ’ዚ መብርሂውን ዘድልዮ ኣይኮነን።
ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ፈንጊ (ጃንዳ) ህግደፍ፡ ነዘን ክልተ ኣዝየን ኣገደስቲ ግምጃ ክብሪ ስለ ዝቐንጠጦ’ዩ ከም ሓደ ንዘይከኣል ከም ዝከኣል ዝገበረ ሃጥር (ጅግና)፡ መሬቱን ክብሩን ከየኽብር፡ ሎሚ ነቲ ሕጊ ዓለም እጀታኡ ከም ዝኾነ ዝነገሮ መሬቱ፡ ዓንተር ጎረቤት ብሓይሉ ጎቢጡ ንልዕሊ ዓሰርተው ሽዱሽተ ዓመታት ኣራጢጡሉ ከሎ ኣማዕድዩ ዝርእዮ ዘሎ። እወ፡ ብሰንኪ’ዚ ‘ናትካ’የ’ እናበለ ኣይኮነን ዶባቱን መሬቱን ከኽብር፡ ካብ ተዋጋኢት ላምውን ከድሕኖ ዘይክእል፡ ብዘይካ ምሕላው ስልጣኑ ካልእ ኣጀንዳ ዘይብሉ ደማሒ ተደፊሩ፡ ርእሱ ደፊኡ ዝነብር ዘሎ። ብርግጽ፡ እዚ ሕሱርን ስዑርን ጉጅለ’ዚ፡ ብኣፉ፣ ብእግሩ ብኢዱን ስለ ዝቐየዶዶ ኣይኮነን ነቲ ብወያነ ተጠሪሩ ዘሎ መሬቱ፡ ክንደይ ኣባጽሕ ከም ዘይከፈለሉ፡ ምእንቲ ስልጣን መላኺ ኣብ ሓደጋ ከይኣቱ፡ ምስ ምሉእ፡ መሬቱ ናይ ምኽባር መሰሉ፡ ኮር ተገምጠል ኮይኑ፡ ብእገዳን ወዲ እገዳን እናተዳህከ ብቁዝማ ኣማዕድዩ ዝርእዮ ዘሎ!
ኣንቲ ወ/ሮ መስደመም ኔት፡ ከምቲ፥ “ኣብዑር ምስላ ለመዱ፡ ሳዕሮም በሊዖም ከይጽመዱ” ዝብሉዎ ኮይኑኒ ናትኪ ነገር። ንሓርበኛታትን ውፉያትን ምውንጃልስ መልስሉ ደኣ፡ በዚ ዝርከብ ሃገራውነትን ተደናጋጽነትንሲ ዘሎ ኣይመስለንን። ኣይኮነንዶ እቲ ቀልቢ ዘሎዎ ክቡር ወዲ ሰብሲ እንስሳታትውን እንተኾኑ እዚ ፍሹል ክስኺ ጠላሕ ኣይብሎምን’ዩ። ስለዚ፡ ቅልጥፍ ኢልኪ ክስኺ ኣልዕሊ! ብሓቂ’የ ዝብለኪ መስደመም ኔት፡ “ሕለይ ዚበሉዎ መርዓውስ እግሪ ሓማተይ ቀጢኑ ኢሉ ይሓዝን!” ከም ዝብሃል፡ ጽባሕ ንግሆ ሓዳርኪ ምስ ጃንዳ ህግደፍ ዘይኮነስ ምስ ህዝቢ ኢኺ ክትወጺ’ሞ ብዛዕባ ህግደፍ ምሽቓል ገዲፍክስ ብዛዕባ ህዝቢ ደኣ ሕሰቢ።
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 08/04/2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
35 COMMENTS
  • Dala ksha April 9, 2014

    For those idiots who thinks weyane is trustworthy I will ask them to read the history of weyane .They betrayed EPRP they betrayed Gebha ,EPLF ,olf ..

  • Dala ksha April 9, 2014

    My grandfather use to call them Deki Maytelamit.

  • mike April 9, 2014

    Da lakisha, tsemam Hadederfu .

  • Almaz Gual Asmera April 9, 2014

    ሓው መሲናስ እዞም ናይ ዘመንና ዕሱባት ኢሰፓ “ሰብ ቀጠልያ ኪዳን” ከምቶም ናይ ትማሊ ስቓይ ህዝብና የናውሑ ኣሎዉ። ፈራሕ ኣይሞተ ተባዕ ኣይሞተ፣ ላንጋ ላንጋ ዝብል ሰብ ሞተ ዝብልዎ ነዞም ሰባት ጹቡቕ ጌሩ ኣዩ ዝገልጾም። ሰብ ክልተ ልቢ እንድዮም ጽባሕ ምስ ወግሐውን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኪህልዉ እዮም። ኣብ ስራሕ ኣምላኽ ኣቲና ድኣንዛረብ ኣሎና እምበር፣ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት እንተዘይፍጠሩ ክንደይ ኮን ምሓሸ። ግናኸ ኣብ ቅድሚ ሰብ ቀባሕባሕ ለይቲ ኸኣ ሩፍታ ድቃስ የብሎምን፥ ንሰብ ጥራይ ኣይኮኑን ዝጎድኡ ንነፍሶም’ውን ዕሩፍ ሕልና የብሎምን። ፈሊጥናኩም ኣሎና እናልካ ምቕላዖም ግን ጽቡቕ እዩ።

  • mike April 9, 2014

    Da lakisha, tsemam Hadederfu . U need to brush yr head. Ethiopian r well educated n build their country while u and Higdefawian killing their citizens. U got nothing to compared with them . Empty head.

  • Tesfom April 9, 2014

    ወዲ ጀነራል ካልኦት ካድራት ነበር ጀብሃ ህግደፍ እንተፈትዉሎም ኣብ ዲሲ ካብ ኢሰያስ ንላዕሊ ህግደፍ ክኮኑን ክምስልዩን ይርኣዩ፡፡ህግድፋዉያን ተረርቲ ልቢ ድማ ካብ ክሳድ ንላዕሊ እዮም ዘቕርብዎም ትርፍራፍ ዓማ እናበሉ ድሕሪኦም ይሓምይዎም፡፡ እቲ ዝገርም ኣቦታቶም ዝበልዑ ተረርቲ ህግደፍ ነዚኦም ድኣ እንታይ ከክብርዎም ሩፍያኖ ኩሉ ግዘ ሩፍያኖ እዩ፡፡

  • Bloko April 9, 2014

    “ሕለይ ዚበሉዎ መርዓውስ እግሪ ሓማተይ ቀጢኑ ኢሉ ይሓዝን፦”
    እዚኣባ ግርም ሓዳሽ ምስላ።
    መሲናስ ዓርከይ ሚህዝካያ ዲኻስ ዋላ ኔራ እያ ካብ ቀደም?

  • bitew ahferom April 9, 2014

    ክቡራት ደቂ ሃገር በዚ ዝቕጽል ዘሻቕል ወረ ወያነ ን ኤርትራ ብባድመን ጅቡቲን ሕጂ ኽኣ ብሱዳን ቆሪኑ ክሓንቃ እሞ ባሕርና ወሲዱ ናብ ክልል ፋሕፋሕ ከብለና እዩ መደቡ።ምስ ሱዳን ናይ ሓባር ወት ሃደራዊ ስምምዕ ምፍርራሙ ኣንጻር ኤርትራ ምዃኑ ከይደቀስና ዝሓለምናዮ እዩ።
    ብዝቐልጠፈ ተሓባቢርና ንወያነን ወዲ ሓፍቶም ኢሳያስን እንተዘይወቒዕናዮም ሃገር ዘይብልና ከም ንተርፍ እዩ።ሕጂ እዩ ሃገር ምድሓን ።ኣፍሪቃ ዘሎ ስደተኛ ህዝብና ነኽትቶ።

    Defense Ministry to Establish Joint Forces With Sudan to Tighten

    Siraj, in his report, stressed that especially with the Sudan, the ministry had signed an agreement to promote the common interest of the two countries and to keep all areas across the border intact. “So we are working together to form a joint military force,” he said.

  • Teclay April 10, 2014

    Relatively Meskerem is good ,having said that when i saw the news ““ሃገረይ ትብላ አንተኰንካ፡” i could not stop laughing. It was too cheap and too naive. The Question to Meskerem is ,,,,Do you really believe Woyane with all its intelligence apparatus have no clue about the status of The Eritrean army,,,,” Hypocrisy is easy”,,,, ATEHABABAI XEWETA KOLUU KOYNU

  • belay nega April 10, 2014

    “ሕለይ ዚበሉዎ መርዓውስ እግሪ ሓማተይ ቀጢኑ ኢሉ ይሓዝን!”

    “አዲአ ሪኢኻ ጓላ ውሰድ” ከምዝባሃልክ ትፈልጥዶ?

POST A COMMENT