Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓጺር ጸብጻብ ሰለማዊ ሰልፊ ስቶክሆልም ነሓሰ 1 2015

ዕንደራን ዳንኬራን ስርዓት ህግደፍ ኣብ መላእ ዓለም በቶም ሕልና ኣልቦ ሰዓብቱ፣ ሓዘንን ሓጎስን ዝተሓዋወሶም፣ ንሕማቕ ጽቡቕ፣ ንሓዘን ሓጎስ፣ ንጥሜት ጽጋብ፣ ንጽምኢ ርውየት፣ ንዕንወት ዕብየት፣ ንጥፍኣት ልምዓት፣ ንሞት ሂወት ፣ እናበሉ ብዘይ ሕፍረት ብሓሶት ክምስክሩ ዝፍትኑ፣ ንሕብረተሰብ ኤርትራ ዘይውክሉ

ዕንደራን ዳንኬራን ስርዓት ህግደፍ ኣብ መላእ ዓለም በቶም ሕልና ኣልቦ ሰዓብቱ፣ ሓዘንን ሓጎስን

ዝተሓዋወሶም፣ ንሕማቕ ጽቡቕ፣ ንሓዘን ሓጎስ፣ ንጥሜት ጽጋብ፣ ንጽምኢ ርውየት፣ ንዕንወት

ዕብየት፣ ንጥፍኣት ልምዓት፣ ንሞት ሂወት ፣ እናበሉ ብዘይ ሕፍረት ብሓሶት ክምስክሩ ዝፍትኑ፣

ንሕብረተሰብ ኤርትራ ዘይውክሉ ሰብኣውነቶም ዝሸጡ መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ፣ ኣብ ፈቐድኡ ናይ

ቀቢጸ ተስፋ ከጋውሑ ንሪኦምን ንሰምዖምን ኣሎና።

ናይ ጥፍኣት ዳንኬራን ዕንደራን ኣብ ስቶክሆልም ብደረጃ ስካንድናቭያን ካብ ዘካይዱ ነዊሕ ዓመታት

እኳ እንተኾነ፣ ንዓይነትን ብዝሒ ተሳተፍትን ክትርኢ ከሎኻ ግና ከም ዝነኾለ ፊስቶ፣ ብነዝዕን

ነጠብታን ኣብ ውሽጣ ንዝሓዘቶ ማይ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝጎድል፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ጥርሑ

ዝተርፍ፣ ህግደፍ ድማ ብዘይ ምግናን፣ ካብ ርኣዩኒ ርኣዩኒ ናብ ሕብኡኒ ከውሉኒ፣ዝተቐየረሉ

መድረኽ፣ ካብቲ ዝገሪም ድማ ይትረፍ ዶ ነቲ ኣብ ጎድንና ኣሎ ዝብልዎ፣ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ

እናበሉ ኣብ ዘየሎ ዝፍክርሉ፣ ነቶም ሕልንኦም ሸይጦም ከም ዕሱባት ላዕልን ታሕትን ዝብሉሎም

እውን መዓስን ኣበይን ኣኼባታት ከምዝግበር ከይሓበሩዎም ኢዮም ናይ ጭሉቕ ኣኼባኦም

ኣካይዶም። እዚ ድማ መርኣያ ስዕረቶምን ፍሽለቶምን ካብ ምዃን ሓሊፉ፣ ፈጺሞም ዝኣምንዎ

ከምዝሰኣኑን ኣብ ውሽጦም ከቢድ ናይ ምጥርጣር መንፈስ ከምዘሕደሩ ባዕሎም ዝምስክርዎ

ሓቂ ኢዩ።

ተሳተፍቲ ዳንኬራ ህግደፍ ብጀካ ኣረገውትን ሕማቕን ጽቡቕን ክመምዩ ዘይክእሉ ህጻናትን ገለ ገለ

ድማ መዓስ ፈቲናዮም ኮይና የግዳስ ሰብ ክንረክብ ኢልና እምበር ዝብል ድኹም ኣተሓሳስባ

ስውንኑ ይርከብዎም።

ውዕሎ ሰለማዊ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ፣ ምድላውሰለማዊ ሰልፊ ብቐንዱ ብሰሳዱ/SESADU/ ጽላል

ኤትራውያን ንዲሞክራሲያዊ ምዕባለ ዝምእከል ኮይኑ፣ ምንቅስቓስ ስምረት ኤርትራውያን ንድሕነት

ሃገር ድማ ኣካል ሰሳዱ ነቲ ሰለማዊ ሰልፊ ንኸዳሉ ብዝተዋህቦ ሓላፍነት መሰረት፣ ዘድሊ ቀረባት

ብምድላው ዕውት ሰለማዊ ሰልፊ ክግበር ዝተጻወቶ ተራ ዓቢ ኣድናቖት ረኺቡ ኢዩ። ብርግጽ ኣብ

መስርሕ ገለ ገለ ግድለታትን ሕጽረታትን ክርከቡ ከምዝኽእሉ ከምርዱእ እንቕበሎ ኮይኑ ብሓፈሽኡ

ግና ካብ ኣጀማምርኡ ክሳብ ኣወዳድእኡ ዝነኣድ ምንባሩ ኢዩ።

ፍሉይነት ሰለማዊ ሰልፊ ናይ ሎሚ ዓመት፣ ነቶም ንነዊሕ ዓመታት ንደምበ ፍትሒ ከም መቖሚያ

ኮይኖም ምስ ኩሉ ድኽመታቱን ሕጽረታቱን በቲ ሓደ ወገን ድማ ምስ ኩሉ ማሕበራውን ህግደፋውን

ተነጽሎታት ደኺምና ከይበሉ ከካይድዎ ዝጸንሑ ናይ ሓርነት ቃልሲ፣ኣዚዮም ክምስገኑን ክሙጎሱን

ዝግብኦም ኣቦታትን ኣዴታትን፣ ኣብዚ ውዕሎዚ ብሓቂ ፍረጻምኦም ዝኽሕሱ ምዑታት መንእሰያት

ከምዝወለዱ ዘመስክር ውዕዉዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኢዩ ተኻይዱ። እዞም ኣዚዮም በላሕትን ውፉያትን

መንእሰያት፣ ኣባላት ምንቅስቓስ ስምረት ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገርን ካልኦት መንእሰያትን ኣሰር

ኣቦታቶምን ኣዴታቶምን ኣያታቶምን ተኸቲሎም፣ መትከል ስምረትን ሓድነትን ተዓጢቖም፣ ከም

ነጎዳ ሰማይ ድምጺ ውጹዓት ብምዃን፣ ነቲ ሕልንኡ ሸይጡ ርእሱ ኣድኒኑ ናብ ዕንደራ ህግደፍ

ዝኸይድ ዝነበረ፣ንኸበሮ እዝኑ ሓሊፉ ንኣእምሩኡ ዘናውጽ መቓልሕ ውጹዓት ከንጎድጉድዎ ዝሰምዐ

ደላይ ፍትሒ፣ ጸባ ሰትዩ ጸባ ኣስቲኹምና፣ ቀሲንኩም ሕደሩ ቀሲና ሓዲርና፣ ኪብል ከሎ በንጻሩ

ድማ እቶም ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ እናበሉ ቛሕ ኢሎም ከይጥምቱ ሕፍረት ተጎልቢቦም፣

እግሮም ኣንጻር ሕልንኦም ይወስዶም ምህላዉ በቲ ደንበርበር ዝብል ኣካይድኦም ንምግማት

ኣየጸግምን ፣ ክሳዶም ናብ መሸንቆቓ ገመድ ትኣቱ ከምዘላ ዘስምዕ ናይ መርድእ መቓልሕ

መንፈሶም ወሪርዎ ምንባሮም ብቐሊሉ ትዕዘቦም።

መለለዪ ፍሉይነት ሰለማዊ ሰልፊ ስቶክሆልም፣ መንእሰያት ካብ ኩሉ ኩርንዓት ኤውሮጳ ብፍላይ

ድማ ካብ ሽወደን ኣዚዩ ዘሕብንን ዘኹርዕን ኢዩ ኔሩ፣ መርኣያ ዕዙዝን ሰፊሕ ሱታፌኦምን ከምቲ

ኩሉና ዝተዓዘብናዮ፣ ስምረት ዝብል ኣራንሾኒ-ማልያ ዝተኸድኑ፣ ብዙሓት እውን እቲ ቁጽሪ ካብ

ትጽቢት ንላዕሊ ስለዝነበረ ማልያ ስምረት ቀልጢፉ ስለዝተወድኤ፣ብዘይ ማልያ ኔሮም ኢዮም።

ኣብዚ ብፍሉይነት ክምስገን ዝግብኦ፣ ምንቅስቓስ ስምረት ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር፣ ብጀካቲ

ሰለማዊ ሰልፊ ንምድላውን ዘድሊ ቀረባት ኣብ ምስላጥ ዝወሰዶ ሓላፍነት፣ ብድሕሪኡ እውን ኩሉ

ተሳታፋይ ሰለማዊ ሰልፊ ብዛዕባ ውዕሎኡ ዝግምግመሉ ባይታ ብምፍጣር፣ ኣብ ገዛእ ዓቕሙን

ፈተውትን መሓዙትን ብምሙርካስ፣ ሰፊሕ ናይ መላዘቢ ባይታ ብምፍጣሩ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ጌሩ

ኢዩ፣ ኩሉ ወጻእታት ናይ መእከቢ ቦታን፣ከምኡ እውን ንኹሉ ተሳታፋይ ሰለማዊ ሰልፊ ናይ ድራር

ግብጃ ባዕሉ ሸፊኑ፣ ኣብ ነንሕድሕዱ ክላለን ውዕልኡ ክግምግምን ንዝነበሩ ጉድለታት ከም

መምሃሪ ወሲዱ ንዝበለጸ ስራሕ ክሓንን ጌሩዎ ኢዩ። ኣብዚ ንማሕበር ከቢረ ስለቲ ኩሉ ዝገበርዎ

ሓገዛትን ምትሕብባርን ብልቢ ከነመስግኖም ደስ እብለና።

ብድሕሪዚ በቶም ወናማት መንእሰያት ስነጥበባውያን ስምረት፣ መንፈስ ተቓለስቲ ዘበራብርን

ሞራል ህዝብና ዘለዓዕልን ደርፍታት፣ ጌሮም ንተሳታፋይ ብልዑል ወኒ ሓፍ ኮፍ ክሳብ ዝብል

ኣዘናጊዐሞ። ብቕዓት ስነጥበባውያን ስምረት ብዕድመ ኣዚዮም ናእሽቱ፣ብትሕዝቶን ክእለትን ግና

ኣዚዮም ሓያላት፣ ብርግጽ ድማ ኣብ ደንበ ፍትሒ ከበርክትዎ ዝኽእሉ ዓቕሚን፣ ንመንፈስ

ተቓላሳይ ከስንቕዎ ዝኽእሉ ሞራልን፣ ብኣጋ ትሪኦ ኢዩ።

በዚ ኣጋጣሚ ድማ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ነዞም መንእሰያት እዚኣቶም ከተባብዖምን ሞራል ክህቦምን

ናይ ኩልና ሓላፍነት ኢዩ።ክንደይ ዓበይቲ ስነጥበባውያን ነቲ ስርዓት ራሕሪሖም ኣብ ዲያስፖራ

ከምዘለዉ ኩልና እንፈልጦ ኢዩ፣ እንተኾነ ግን ነቲ ናይ ስነጥበባውያን ሞያ ዓቂቦም ኣብ ጎድኒ

ውጹዕ ህዝቦም ኮይኖም ንህሉው ኩነታት ክገልጹ ኣይረኣናን ብጀካ ውሑዳት ተበዓት።

ስለዚ ሕብረት፣ ሓድነት፣ ምስጢር ዓወትና ኢዩሞ፣ ኩልና ንስመር ኣብ ሓድነት፣

ብሕጽር ዝበለ ውዕሎ ሰለማዊ ሰልፊ ስቶክሆልም ከምዚ ይመስል ብወገና ከም ስምረታውያን።

ኤርትራን ኤርትራውነትን ንዘለኣለም ክንብሩ ኢዮም!!

ሓርነትና ናይ ግድን ኢዩ!!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde August 11, 2015

    Eritrean youth, it is your cause, take it all away, show them you mean business.

  • ኤርትራ ናተይ August 11, 2015

    እንበሳ ኤርትራ ተላዒሎም ደኪም`ሲ ንድሕሪት ዝብሃል ነገር የልቦን
    መክት፣መክቲ ዕድመ ስደትካን ስደትክን ኣሕጽሪ

POST A COMMENT