Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓጺር ጸብጻብ፡ ኣኼባ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ከተማ ሎንዶን

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፡ ከምቲ ብመራኸቢ ብዙኃን ዝበልናዮ፡ ዝሓለፈ ሰንበት 03 ታኅሳስ 2017 ዓ.ም.ፈ. ናይ ሓድነት ሕዝባዊ ኣኼባ ኣካዪድና፡ ነዚ ዝስዕብ ሓሳብ ከኣ ኣሕጺርና ኣቕሪብናዮ ኔርና። ንጉዳይ ሃገርና ብዚምልከት፡ ቅድሚ ኩሉ ነገር ክንሠርዖ ዘለና ነገር፦ ናይ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፡ ከምቲ ብመራኸቢ ብዙኃን ዝበልናዮ፡ ዝሓለፈ ሰንበት 03 ታኅሳስ 2017 ዓ.ም.ፈ. ናይ ሓድነት ሕዝባዊ ኣኼባ ኣካዪድና፡ ነዚ ዝስዕብ ሓሳብ ከኣ ኣሕጺርና ኣቕሪብናዮ ኔርና።

ንጉዳይ ሃገርና ብዚምልከት፡ ቅድሚ ኩሉ ነገር ክንሠርዖ ዘለና ነገር፦ ናይ ሓባር ዕላማ ክህልወና ኣለዎ፡ ኩላትና ድማ ሓደ መዝሙር ክንዝምር ኣለና። ኩላትና ግዱሳት ኤርትራውያን ብሓድነት፥  “ሕጊ ይግዝኣና” ክንብል ኣለና። ቃልስና ኬተኩረሉ ዘለዎ ጉዳይ፡ ግዝኣተ ሕጊን፡ ክብሪ ዜጋታትን ክኸውን ኢዩ ዝግባእ። ናይ ሓባር ዕላማ ድሕሪ ዘይብልካ ኴንካ፥ ናይ ሓባር ጸላኢ ስለ ዘለካ ብሓደ ክትስጉምን ሃገር ክትሃንጽን ኣይከኣልን ኢዩ።

እዚ ዘለናዮ ዘመን ዘመን ኣፈርክቡን ዘመን ኣካሒዳን ኢዩ ኮይኑ ዘሎ። ደጋጊምና ከም ዝበልናዮ፡ ብዙሕ ተስፋ ዜቑርጽ ነገራት ተዓዚብና ኢና። ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ዝርኤናዮ ሕዝባዊ ማዕበል ግን ኣዝዩ ዘተባብዕ ኢዩ። ቁጽሪ ናይቶም ጽልእን ቅርሕንትን ዝጽሕትሩ፥ ካብ ኣፎም ድማ መርዚ ጡፍ ዝብሉ ሰባት፥ ምስ ቁጽሪ ናይቶም ሓድነት ሕዝቢ ኤርትራ ዝደልዩን ውርዙያትን ለባማትን ሰባት እንተ ኣነጻጸርናዮ፡ ናይዞም ዳሕረዎት፡ ብዝተዓጻጸፈ ከምዝበዝሕ ርኢና ኢና። ናይ ሓድነት ባይታ ከም ዝሰብሕ፡ ግራትና ግራት ሓድነት እውን ዝያዳ ፍርያም ከምዝኾነ ርኢና ኣለና። ሰማዒ ስኢኑ ኢዩ እምበር፡ ሕዝቢ ኤርትራ ሓድነትን ግዝኣተ ሕግን ኢዩ ዝደሊ።

ኣብ ኤርትራ ሃይማኖት ዘይጋርዶ፥ ብሓድሕዳዊ ፍቕሪ ዝተመልኤ ሕይወት ኢና ኣሕሊፍና። ነዚ ድማ ንሕና ኤርትራውያን ኣብነት ኴንና ደኣ ንቐርብ እምበር ካብ ደገ መጺኡ ክምህረና ዝኽእል ሰብ የልቦን።

ሕጂውን ነዚ ህልው ኩነታት ናብ ውልቃዊ ጠቕሞም ኬውዕሉዎ ዝደልዩ በተንቲ ከይብለጹልና ክንልብም ኣለና። ተጠሪፍና ክንከላኸለሉን ዓቕምና ክንገብርን ኣሎና። እዞም ኣብ ሃገር ብሪጣንያ ዘለና ኤርትራውያን ቅድሚ ኩሉ ክንገብሮ ዝግባኣና ነገር፥ ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ ተሰማሚዕና፥ ግሉጽን ደሞክራስያውን ብዝኾነ ኣገባብ ክንሠርሕ ኣለና። ሕዝቢ ኤርትራ ዝደልዮ፡ ኩላቶም ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሓደ ክኾኑን ኣበርቲዖም ክሠርሑን ኢዩ። እንተ ገደደ ግን፥ ዝኾነ ይኹን ደላዪ ፍትሒ እየ ዝብል ኣካል፡ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ንኻልኦት ደለይቲ ፍትሒ ዘይጎድእ (benevolent) ክኸውን ኣለዎ።

እቶም ብሓንሳብ ክሠርሑ ዘይበቕዑ፥ እቶም ሕጊ ዘይክተሉ፡ ኣብ ደሞክራስያውያን መትከላት ዘይኣምኑ፡ ኣብ መወዳእታ ቀሳቢ ወይ ዘይደሞክራሲያዊ ሥርዓት ኬቑሙ ምዃኖም ዝግመት ኢዩ። ፖለቲካ ሃገርና፥ ወጋኒን፡ ቀሳቢን ከይከውን፡ ኣብ ኢድ ተበለጽቲ ከይወድቕ ክንጥንቀቕ የድልየና። በኣውራጃ፡ ብኃይማኖት፡ ብቐቢላ፡ ብውድብ ወይውን ንዓኡ ዝመስል ምትእኽኻባት ካብ ቁምነገሩ ጉድኣቱ ከይበዝሕ’ሞ ከየዓንቅፈና ዜሰክፍ ኢዩ። ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ምትእኽኻብ፡ ናይ ሓደ ወገን ጥራሕ እንት ኾይኑ ወጋኒ ኢዩ። ሃገራዊ እንተ ኾይኑ ግን ኣሳታፊ ኢዩ።

በብወገንካ እንተ ተኣኻኺብካ “ንሳቶምን ንሕናን” ናብ ዝብል ግጉይ ኣረኣእያን ናብ ግጉይ መወዳእታን ከም ዝውድቕ ዝግመት ኢዩ። ንኣብነት ንሳቶም ሒዞምዎ ኣለዉሞ ደሓር ባዕልና ክንትክኦም ክንቃለስ ኢና’ ዝብል ግጉይ ኣተሓሳስባን ዕላማን ኬኸትል ይኽእል ኢዩ። ንሳቶም ዝበሃሉኸ መን ኢዮም? እዚ ሒዙና ዘሎ ጨቋኒ ሥርዓት ዘይተንከፎ ማይቤት ኣሎዶ? እቶም ኣብ ውሽጡ ዘለዉ ድማ ናይ ኩላትና ወገን እንዶ ኣይኮኑን? እቲ ዝኽተሉዎ ፍልስፍና ቀሳቢ፡ ኣዕናዊ፡ ርህራኄ ዘይብሉ፡ ጨካን፡ ካብ ክሃንጽ ኬፍርስ ዝቐሎ ዓይነት ሥርዓት ኢዩ። ነዚዞም ኣብ ሥልጣን ዘለዉ ጉጅለ፡ ኣተሓሳባኦምን ተግባራቶምን ብምሉኡ ንቐይሮ ምባል ደኣሉ ዝግባእ እምበር፡ ክንትክኦም ኣይበሃልን። ብመሠረቱ ሕቶና ሕቶ መሰል ዜጋታት ደኣሉምበር ሕቶ ስልጣን ኣይኮነን። ስልጣን ናይ ሕዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ጉዳይና ጉዳይ ደሞክራስያዊ መሰላት ደኣሉምበር ጉዳይ ሥልጣን ኣይኮነን።

 

ሕዝባዊ ሥልጣን ዝረጋገጽ ድማ ኩላቶም ኤርትራውያን ሃገራውያን ምስ ዝሓብሩ ደኣሉምበር፡ በብወገንካ ተወዲብካ ዝኸውን ኣይመስለናን።

 

ካብዚ ዘሎ ሕሱምን ናይ መጻኢ ራእይ ዘብሉን ሥርዓት ዝሓይሽ ክንተክል እንተ ደሊና፡ ካብ ናቱ ዝሓይሽ ኣገባብን ባህልን ክንክተል፣ ዝሓሸ ዘረባ ክንዛረብ፡ ዝሓሸ ኣካዪዳ ክንከይድ ኣለና። እቲ ሥርዓት ዜፍረሶም ባህልታትን ትካላትን ክንመልሶም ኣለና። ህንጸት ሃገር ይኹን ጥዑይ ምምሕዳር ዝዕላማኡ ኣካል፡ ቅድሚ ኩሉ ክሠርዖ ዝግባኦ ነገር፡ መሰል ጉጅለታት ዘይኮንስ መሰል ውልቀ-ዜጋታት ምኽባር ክኸውን ይግብባእ ዝብል ርእይቶ ኣለና። መሰል ውልቀሰብ ድሕሪ ተሓልዩ፡ ምሰል ኩላቶም ዜጋታት ተሓልዩ ኣሎ ማለት ኢዩ። መሰል ኩላቶም ዜጋታት ክትሕሉ እንድሕሪ ደሊኻ፡ ብጉጅለ ወይ ብሃይማኖት ኣይኮንካን ክትውደብ ዝግባእ። እንታይ ደኣ፥ ኩላትና ከም ዜጋታት መጠን ክንውደብ ኣለና።

 

እቲ በብወገንካ ኴንካ ምቅላስ ዝብል ሓሳብ፥ ወጽዓን ቃንዛን ዝወለዶ ምዃኑ ይርድኣና ኢዩ። ንርእስኻ እንዳ ተቖንዞኻ፡ ናይ ካልኦት ቃንዛ ክርድእካን ክስመዓካን ከኣ ቀሊል ኣይኮነን። እቲ ቃንዛኻን ወጽዓኻን ብሰንኪ መን ከምዝኾነ ምርዳእ ግን ኣገዳሲ ኢዩ። እሞ ቃንዛናን ወጽዓናን ብሰንኪ መን ዝመጽኤ ኢዩ፡ ኢልና እንተ መርሚርናዮ፡ ብሰንኪ ጒድልነት ሕጊ ዝመጽኤ ኢዩ። ሃገራዊ ኣጀንዳ ኬልዕል ዝደሊ ሰብ እምበኣር፡ ካብ ሥቓዩን ካብ ወጽዓኡን ተሳጊሩ ናይ ኩላቶም ኤርትራውያን ወጽዓን ቃንዛን ክሰምዕን ክርዳእን የድልዮ። ቃንዛኻ ጥራሕ ክትሰምዕ የብልካን። ንኹላትና ዝበልዕ መርዚ ተዘሪኡና ከምዘሎ ፈሊጥና፥ ሕጊን ሕጋዊ ኣገባባትን፡ መሰል ኩላቶም ዜጋታትን ክንሓስብ የድሊ።

 

ጉድልነት ሕጊ ከምዘሎ እንተ ተረዲእና፥ ኩላትና ብሓባር፡ “ሕጊ ይግዝኣና!” ክንብል ኢዩ ዝግባእ። ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘይፍታሕ ጸገም የለን። ናይ ኩላትና ወጽዓ ብግዝኣተ ሕጊ ጥራሕ ኢዩ ዝፍታሕን ዝፍወስን። ንሱ ድማ ብሓድነት ሕዝቢ ኢዩ ዝብጻሕ። 

ቃንዛና ጥራሕ እንድሕሪ ሰሚዕና ግን፥ ’ንሳቶም ገዚኦምና’ ’ብሰንኪ እቲኣቶም ኢና እንሳቐ ዘለና’ ኣብ ዝብል ግጉይ ደምዳም ክንበጽሕ ንኽእል ኢና። እዚ ድማ፡ ’ተቓሊስና ታራና ክንገዝእ ኢና’ ናብ ዝብል ግጉይ ኣረኣእያ ኬምርሕ ይኽእል ኢዩ። እዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ግና፡ ካብ ክሊ ሃገራዊ ፖለቲካ ኤርትራውያን ክወጽእ ኢዩ ዝግባኦ። ከመይ እንተ ተባህለ፡ ንሕና ዝኾነ ይኹን ሰብ ክገዝኣና ኣይንደልን ኢና። ሕዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን ሰብ ክገዝኦ ኣይግባእን ኢዩ። እምብልና ክንብሎም ኢና! ባዕልና ኢና እንግዛእ! እዚ ማለት ድማ፥ ሕዝቢ ኤርትራ፡ ባዕሉ ዝመሓደረሉ ሕጊ ኬቕውም ኢዩ። እቲ ሕጊ ከኣ ክገዝኣና ኢዩ። እተን ኣብ ፖለቲካዊ መሪሕነት ክወዳደራ ዝደልያ ፖለቲካውያን ወድባት በቲ ሕዝቢ ኤርትራ፡ ዜቖምናዮ ሕጊ ጌረን ኢየን ኬመሓድራና ዝኽእላ። ስለዚ ሕጊ ኢዩ ዝገዝኣና እምበር ውልቀሰባት/ጉጅልታት/ውድባት/ዓሌታት ወይ ሃይማኖታት ክገዝኡና ኣይንቕበልን ኢና።

 

ቃንዛኻ ጥራሕ እንተዄንካ እትሰምዕ፥ ደሓር ምስሓለፈልካ፡ ሒነ ክትፈድን፡ ፍትሒ ክትረግጽን ትኽእል ኢኻ። “ፍትሒ እንተ ረጊጽካያ፡ ከም ፈንጂ፡ ተመሊሳ እያ ትትኮሰካ” በሉ ፓይሎት ደጀን ዓንዲ ሕሸል።

`ሕጊ ይግዝኣና፡ ለባም የመሓድረና፡ ምሁር ይምሃረና` ብዝተባህለ መሠረት፡ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ጉጅለ ድላዩ ክገብር ወይ ሒነ ክፈዲ ዝብል ሓሳብ ኬሕድር ኣይግባእን። እንታይ ደኣ፥ ደሞክራስያዊ ባህልታት፡ ግዝኣተ ሕጊ፡ ግሉጽነትን ሕዝባዊ ተሓታትነትን ዘለዎ ሥርዓት ክንተክል ኣለና። ተሳታፍነትና ድማ ክነዕዝዝ ኣለና።

 

እቶም ኣብ ገዝኦም ኮፍ ኢሎም፡ ሠናይ ዝምነዩ ሰባት፡ ነቶም ዘይጥንቁቓትን በተንትን ሰባት ዕድል ይህቡዎም ከምዘለዉ ክርድኡ የድልዮም። ፕሌቶ ዝተባህለ ውሩይ ግሪኻዊ ፍላስፋ ቅድሚ 2350 ኣቢሉ ዝበሎ ክንዝክር፥ “The price good men pay for indifference to public affairs is to be ruled by evil men.” እዚ ማለት፡ ኣብ ምምሕዳር ሕዝቢ ኢዶም ዘይሕውሱ ለባማት ሰባት ዝኸፍሉዎ ዕዳ ኣሎ፥ ንሱ ድማ ኣብ ትሕቲ እኩያት ሰባት ይግዝኡ፡ ወይውን ብዓያሹ ይምርሑ። ዓሻ ዝተኸሎ ከኣ ለባም ክነቕሎ ኣጸጋሚ ኢዩ።

 

እንተ ኾይኑልና፥ ናይ ስምምዕን ምትእኽኻብን ዋዕላ ጌርና ኩላትና ኣብ ሓድነት ክንስለፍ ምደለና። ሓቢርና ድማ ዝጠቅም ቁምነገር ክንገብር ክንበቅዕ ኢና። ንኣብነት ነዘን ኮሚቴ ሓድነት ኣቕሪባተን ዘላ ዕማማት ብዝለዓለ ደረጃ እንተ ፈጺምናየን፥ ብዙሕን ዝጭበጥን ለውጥታት፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክነመዝግብ ንኽእል ኢና። እቶም ኣይንግዛእን ኢና ኢሎም፡ ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ዜጋታትና፥ እቶም ከም ጤለ-በጉዕ ዝሽየጡን ዝሕረዱን ዘለዉ ኣሕዋትና፥ እተን ዘራይ ስኢነን ዝነብዓ ዘለዋ ኣሓትና፡ ኩሉ ሕዝቢ ኤትርራ ብሓበራ ይጽበየና ኢዩ ዘሎ።

ኣብ መደምደምታ ድማ፥ ኩላትና ኤርትራውያን ኣብ ዘዘለናዮ ሃገራት፡ ተጠርኒፍና፥ ሕዝቢ ዝመርጾን ዝቋጻጸሮን፥ ንሕዝቢ ዜገልግል ትካል ክንተክልን ክነደንፍዕን የድልየና። ካብኡ ብዝለዓለ ድማ ብዓለም ለኻዊ ደረጃ ዜማእክለና ኣካል ክነቕውም ኣለና። ከምኡ እንተ ጌርና ጥራሕ ኢና፥ ውሕስነት ዘለዎ ነባሪ ለውጢ ክነምጽእ እንኽእል።

 

ለቡ፦ ብተወሳኺ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ኣኼባ፥ ኣቶ ተስፋይ ገብረሚካኤል ብዛዕባ ደሞክራሲን ደሞክራስያዊ ዕላማታትን ዝምልከት ኣሥተምህሮ ኣቕሪቦም ነይሮም። ዶክተር ሙሴ ወልደሥላሴ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ወሪዱ ዘሎ ስቓይን ኣድላዪነት ሓቢርካ ምሥራሕን፡ ተሳታፍነት ሕዝብን ብዝምልከት ካልእ ኣስተምህሮ ሂቦም። ትሕዝቶኡ ድማ ብቪደዮ ክቐርብ ኢዩ።

ኣኼበኛ መሪጹን መሪቑን ዝለኣኾም ክልተ ኣባላት ኮሚቴ ድማ ተወሲኾምና ኣለዉ። በዚ መሠረት ኮሚቴና ዝያዳ ዕማማት ከምእተሳልጥ ሰብ ተስፋ ኢና።

ኣብ ዝመጽእ ኣኼባታትና ድማ ብተመሳሳሊ፥ ሥነ-ፍልጠታዊ ኣሰተምህሮ ዝህቡና ውፉያት ሰባት ክንዕድም ኢና። ተሳትፎኹምን ሓገዝኩምን ኣይፈለየና።

ሓበሬታ፦

ንዕለተ ሰንበት 17 ታኅሳስ፡ ሰዓት 8 ናይ መሸት፡ ኮሚቴ ሓድነት ዜማእክሎ ናይ ፓልቶክ ኣስተምህሮን ዘተን ክካየድ ኢዩ። ኣጀንዳና ድማ ከምቲ ልሙድ፡ ጉዳይ ሓድነትን ጉዳይ ሕዝብናን ክኸውን ኢዩ። እንጥቀመሉ Paltalk Room: HaddnetHaddnet ኢዩ። ብድሓን ምጽኡ!

ኣሕዋትኩም ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያ

ታኅሳስ 2017 ዓ.ም.ፈ.

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • merhawi December 14, 2017

    Well done Haddnet, you are doing really good job. Keep it up we are all with you. Kwegh eyu Etonian akmom zgeberu kh Neu eyom, Etonian awyat ahwatom zeygedesom tebelexti btegbaratom kharu bhlneom khankun eyom.

POST A COMMENT