Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓጺር ገምጋም ፖለቲካ ኤርትራ

በዚ ሕጽር ዝበለ ውልቃዊ ገምጋም ከቕርቦ ዝደሊ ሓሳባት ናይ ውልቀይ እምበር፤ ንኻልእ ኣካል፤ ብብዝሒ ንዝተጠርነፉ ውልቀሰባት ኮነ ውድባት ወይ ብሽም ዝተፈላልየ መጸዋዕታ ዝፍለጣ ማሕበር ዝምልከት ጹሑፍ ኣይኮነን። ቀንዲ ዕላማኡ ነቲ ዝሓለፈን፣ ሎሚ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ

በዚ ሕጽር ዝበለ ውልቃዊ ገምጋም ከቕርቦ ዝደሊ ሓሳባት ናይ ውልቀይ እምበር፤ ንኻልእ ኣካል፤ ብብዝሒ ንዝተጠርነፉ ውልቀሰባት ኮነ ውድባት ወይ ብሽም ዝተፈላልየ መጸዋዕታ ዝፍለጣ ማሕበር ዝምልከት ጹሑፍ ኣይኮነን። ቀንዲ ዕላማኡ ነቲ ዝሓለፈን፣ ሎሚ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዝርከብ መቐጸልታ ናይ ትማሊ ቃልሲ መርሚርና፣ ከመይ ንሃገርናን፣ ህዝብናን ጥቕሚ፣ ብሓባር ሎሚ ክንሰርሕ ክንክእል እተሓገዘ ብዝብል መንፈስ ኢዩ።

እዚይ ከአ ንጽባሕ ዝመጽእ ወለዶን፤ ነዚ ሎሚ ማእዝኑ ሲሒቱ ከርተት ዝብል ዘሎ ውልዶን፣ ኣፍራዪይን መንእሰይ ኤርትራ፣ ካብ ስደትን፤ ካብ ሓሞቱ ዘፍሰሰ ናይ ህግደፍ ጭቆናን፤ ዘይእዱብን ዘይሕጋውን ስራሕ ባርነት ንምንጋፍ ጻዋዒት ንኹሉ ተገዳሳይ ዜጋ ንምቕራብ ዝኣለመ ጽሑፍ ከቕርብ ሕልናይ ዘገደደኒ።

ብመጀመሪያ ብውልቂ ርእይቶይን ብናይ ነዊሕ ተመኩሮ ዝተዓዘብኩዎን ስለዝኾነ፣ በቲ ዘቕርቦ ገማጋም ኩሉ ከዓግብ ትጽቢት የብለይን። ግና ንዝኾነ ርእይቶን ሓሳባትን ካብ ተገደስቲ፣ ክሰምዕን፣ ክማሃርን፤ ጌጋም እንተሎ ክእርሞን፣ ድልውነተይ ይብርሃልኩም። እታ ሃገር ኮነት እቲ ንሓልየሉን ንግደሰሉን ህዝቢ ማዕረ ስለዝብጽሓና፤ እቲ ንፍንዎ ሓሳባት ኩሉ ንጥቕሚ ህዝብና ክውዕል እምበር ህዝብና ንምብታንን፣ ንምቅርርሓን ዝተኣለመ ክኸውን የብሉን።

 

እምበአርከስ፣ ፖለቲካ ኤርትራ ስለምንታይ ከይተማሓሸ ንነዊሕ እዋናት ተጋዒዙ ንዝብል ሕቶ፣ ብዙሕ ኣብ ማዓናጥኡን ሰራውሩን ኣትየ ከቆማጥዖን ክትኽትኾን፣ ዓቕሚ ዕሙቕ ዝበለ ፍልጠት ኮነ ክእለት ከም ናይ ታሪኻዊ ተመራማራይ ስለዘይብለይ፣  ብዓቕመይ ነቲ ብደጌ ዝተዓዘብኩዎን፤ ብሓቂ ከአ ነጸብራቕ ናይቲ ናይ ነዊሕ ውሽጣዊ ሕማምቱን ቁስሉን፣ ዘስዓቦ ውጽኢት፣ ኣብ ዝሓለፈን፣ ኣብዚ እዋን ንርእዮ ዘለና ሓደገኛ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ኣማሕድራ ሃገር ክንዲ ናብ ምዕባለን ናብ ሰላምን ኣንፈት ዝጋዓዝ ናብ ሸለው ዝበለ ገደል ስርዓት ኣልቦ ከንቖንቁል ሱቕ ኢልካ ከም ተዓዛቢ ከተቃምት ሕልናኻ ስለዘየፍቅድ ብኩሉ ዝከአል ናይ ቃልሲ መንገዲ ተጠቒምካ ንህዝቢ ምብርባር ስለዘድሊ፣ አነ’ውን ብዓቕመይ ነቲ ዘሎ ሽግርን ንዕኡ መፍትሒ ይኸውን ንዝብሎ ሓሳባት ክትንክፍ መሪጸ።

 

እቲ ቀንዲ ሽግር ብዙሕ ከየማኻነኻ ዝርከብ መልሲ ከም ዝስዕብ ይኸውን። ዝኾነ ነገር ክቦቁል እንከሎ ከም ሓሳባት ቀሊል ይመስል። ኣብ ስራሕ ግን ብተመኩሮን ብብቅዓትን ዝኣልይዎ ቅኑዓት መራሕቲ የድልዮ ስልዝኾነ፣ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ዝተራኣየ ብዙሕ ድኽመታት ውጺኢት ናይዚ ተደላዪ ድሉብ ተመኩሮ ከም ሃገር ደረጃ ስለዝይነበረ]፤ መብዛሕቲኤን ናይ ኤርትራ ሰልፍታት ኣብ ኣርብዓታትን ሓምሳታትን፤ ከምኡ’ውን ድሕሪኡ ክበቑላ እንከለዋ፣ ፍርቀን ብናይ ህዝቢ ድልየት፣ ገሌኤን ከአ ብናይ ኢድ ወጻኢ ዝተተኽላ ስለዝነበራ፤ ነቲ ምፍሕፋሕን ምርሕሓቕን ዓይቢ ጊደ ነይርዎን፣ ሎሚ’ውን ብዘይ ቀላዓለም   ሃሲዎ ይርከብ።

 

ስለዚ ካብ ከምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ንምውጻእ ዘይከአላ ውድባት ክህልዋ ስለዝኽላ ነቲ ናይ ሓድነት ቃልሲ ህዝቢ፣ ንፍትሕን ዲሞክራሳዊ ጠለብ ብምፍላጥ ኮነ ብዘይ ምፍላጥ ናይ ህዝቢ ስሚዒት ከዛሕትላ ይርከባ። ኣብ ርሕቑን ቀረባን ዘለዎ ጽልዋ ነቲ ብሽም ህዝቢ ዝግበር ቃልሲ ኣብ ምጥርጣርን፤ ኣብ ምፍልላይን፣ ምጥምማትን ደንበ ኣእትየን ከዓግትኦ ይረኣያ። እቲ ቀንዲ ቃልሲ ግና፣ ንስርዓት ህግደፍ ምቅዋምን፤ ኣብ ቦቱኡ ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዝውክል፣ ብህዝቢ ዝተተኽለ ስርዓት ንምትካእ፣ ነቲ ስርዓት ኣልቦ ዝኾነ ጠላሚ መብፃዓ ሃገር መራሒ ህግደፍን ሰዓብቱን ምእላይ እቲ ላዕላዋይ ኣማራጺ ዘይብሉ ስጉምቲ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን አለዎ። እንተኾነ ትማሊ ዝተጠልመ ህዝቢ፣ ሎሚ ካልእ ጠላሚ መተካእታ ህግደፍ ከይመጽኦ እንተፈርሀ፣ መረዳእታ ዘለዎ ቅቡል ፍርህን ምጥርጣርን ኢዩ።

 

ህዝብና ሕጂ’ውን ንመተካእታ ህግደፍ ዝመጽእ ስርዓት ጽቡቕ ገይሩ ክፈልጦን፣ ባዕሉ ብተሳታፊነት ክዕጠቐሉ ዝግብኦ ውራይ ስለዝኾነ፣ ነቲ ፍርህን ምጥርጣርን ከውግዱ ዝኽእሉ ሓዲስ ኣተሓሳስባን፣ ርእዮን (New thinking and vision) ዘለዎም መራሕቲ ክመርሕዎ ይግባእ ጥራይ ከይኮነስ፣ ክህልዎን ክጠልብን ይግባእ ይብል።

 

ንህዝቢ ብደገፍቲ ስርዓት ህድገፍን ተቓወምቲ ብዝብል መፍለጢ መቓቓሊ ሓሳባት ከየፈላለ ከሰርሖ ዘኽእል ባይታ ክምዕብል ኣለዎ። ናይ ህዝብን ሃገርን ጉዳይ ሊዕሊ ውልቀሰባትን፣ ውድባትን ጸቢብ ኣተሓሳስባ ወጺኡ ናይ ሓባርን ማዕርነትን ዕላማ ዝሓቖፈ መስርሕ ቃልሲ ከካይድ ይግብኦ። ጥርኑፍ ሓይሊ’ዩ ከአ ክዕወት ዝኽእል።

 

ስርዓት ህድግፍ ስለምንታይ ክእለ ኣለዎ? እዚ ስርዓት ተኣሊዩስ ብኸመይ ዘኣምስለ ስርዓትን፤ እንታይ ዓይነት መልክዕ ኣማሓድራ ክትከል ኣለዎ ንዝብል ሕቶ፣ ምናልባሽ ንብዙሓት ቀሊል ክመስሎም ይኽእል ይኸውን። እንተኸነ እቲ ሕቶ ካበይ ይነቅልን ስለምንታይ ይለዓልን ዝብሉ ግለሳባት ኣይሰኣኑን። ካብ ህግደፍ ዝገደደ ስርዓት ክመጽእ ኣይክእልን ኣብ ዝብል እምነት ዝተመርኮሰ የዋህ ኣተሓሳስባ ብጌጋ ተቐቢሎም ሙሉእ ንሙሉእ ነቲ ጭፍን መረረን፣ ግፍዕን፣ ስርዓት ህግደፍ ምስክሕካሕ ዝፈጠረሎም ጭንቀት መተንፈሲ ዘረባ ዝጥቀምሉ እምበር፣ ብሓቂ መርሚሮም ዝበጽሕዎ ውሳነ ኣይመስልን። እንተመጽአ’ኸ? ንዝብል ሕቶ’ውን ብንጹር መረዳእታ ተመርሚሩ ክዝተየሉ ዝግብኦ ዓብይ ሓስብ (Important idea) ንጽባሕ እቲ ሽግር ምስመጽአ ንሓስበሉ ማለት ቅኑዕ ኣይመስለንን።

 

ህዝቢ ኤርትራ ከም ናጻ ህዝቢ ከይተቖጽረ ኣብ ቲሕቲ ዝተፈላለዩን፤ ጊዜ መግዛእቶም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝነበሩ ወጻእተኛታት ከምተገዝአ ብታሪኽ ንፈልጦ ሓቂ’ዩ። እተኾነ ህግደፍ ኤርትራዊ መንነትን፣ ዜግነትን፣ ዋላ ይሃልዎ እምበር፣ ብግብሪ ካብቶም ወጻእተኛታት ዝነበሩ ገዛእቲ ዝሓሸ ኣመሓድራን፤ ፖለቲካውን ኢኮኖሚያዊን ኣመራርሓን፣ ብስርዓት ሃገርን ሕግን ዝቕይድ መስርሕ ከተኣታቲ ዘይምኻኣል ጥራይ ከይኮነስ፣ ብቐንዱ ድሌት’ውን የብሉን። እንታይ ደአ ነቲ ዝነበረ ትራፍ ናይ ስርዓት ደርግ ኣሰራርሓ፣ ንዝኾነ ተቓውሞ ዘርአ ዜጋ ክጨውን ክቕንጽልን፡ ብዘይፍትሒ ክዳጉንን፣ ኣብ ቀዳምነት ሰሪዑ ይሰርሓሉ አሎ። እዙይ ከአ ሃገርን ህዝብን ናይ ምጽናት እኩይ ተግባር ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እንዳ ገደደ ይኸይድ አሎ።

 

ብቐንዱ ህዝቢ ኤርትራ ነዚን ከምዚን ዓይነት ግፍዒ ገዛእቲ ሃጸይ ሀይለስላሴን፣ መንግስቱ ሃይለማርያምን፣ ሰዓብቶምን ህዝብና ንምብርካክ ዘውርድሉ ዝነበረ ዘስከሕክሕ ጅምላዊ መቕጻዕቲ ካብ መንኩቡ ኣውሪዱ ክስንድዎን ናጽነቱ ንምዕታር ክንደይ ብሉጻት ደቁ ከም ዘሰወአን ዘሰንከለን ዓለም ዝፈልጦ ሓቂ ታሪኽ’ዩ። መራሒ ህግደፍ ግና ምስ ሰዓብቱ ነቲ ታሪኽ ጀጋኑ ዝተሰውእሉ ተጻራራይ ዕላማን፣ እቲ ንቃልሲ ዘበገሶ ናይ ህዝቢ ሕቶን ድሌትን ብምጥሓስ፣ ኣብ ስልጣን ኮረሽኡ ዘናውሓሉ መደባት ጥራይ ኣገዛዝኣ ጨቆንቲን በዝበዝትን ስለዝመረጸ፣ ስለ ዝተኸተለን፣ ካብ ዝባን ህዝቢ ክወርድ ናይ ግድን’ዩ። ናይ ኩሉ ተገዳሲ ኤርትራዊ መርሆ ቃልሲ ክኸውን ይግብኦ። ዝኾነ አርትራዊ ብስርዓት ኣልቦን፤ ብውልቀ ሰብ ወኒን ዝምራሕ ሃገር ክህልዮ ድልየት የብሉን። እንተለዉ’ን ስኣን ምፍላጥን ውልቃዊ ድኽመትን፣ ኣብ ጥቕምን ስስዐን ዝተሞርኮሰ ግጉይ መርገጺ ዘለዎም ጥራይ ኢዩ። እዚ ኸአ ባህሪ ናይ ደቂ ሰባት ከም መልክዕና ዝተፈላለየ ስለዝኾነ፣ ነቲ ዝተፈላለየ ድሌትና ጠሚሩ ብሓደ ብማዕርነት ዘስርሕ ስርዓት ምትካል ናይ ሓደ ህዝብን ሃገርን፤ ግቡኡን ግደትኡን ዘማልእ መሰሉ እዩ።

 

ድኽመት ስርዓት ህግደፍ ከአ እቲ ብህዝቢ ዝጸደቐ ዓንዲ ሕጊ ሃገር ንምትግባሩ ሓንጊዱን፣ ደርብዩን፤ ብኢድ ወነኑ ንምምሕዳር ሃገር ንውልቀ ሰባት ድሌትን ወኒንን ኣረኪቡ ንህዝብን ሃገርን ከበሳብስ ስለዝመረጸ እዩ። እዚይ ህግደፍ ብዓይቢ ገበን ሃገር ጉዳይ ዝሕተተሉ ገይርዎ ስለዘሎን፣ ስለዝፈልጥን፣ ስልጣን ንህዝቢ ብሰላም ከረክብ ዕላማ የብሉን። ብሰላም ምስ ስርዓት ህግደፍ ክመያየጡ ጻዊዒት ዘቕርቡ ዘለዉ ከም ኣብ መጻወዲያ ዝኣተ ዝብኢ፣ ከይሞተ ንተረፍ ትርፍራፍ ዝንቁውይ የምስል እምበር ክሳብ ሎሚ ዝተገብረ ጻዊዒት ንህግደፍ ናብ ልቦንኡ ክመልሶ ኣይተራየን። እንታይ ደአ ከሸድኖን ካብ ሐደ ጉድጋድ ናብ ሐደ ናይ ተንኮል ጉድጋድ ከናጥሮን ጸኒሑ። ኣብ መወዳእትኡ ኣብ መጻወድያ እቶም ንመጀመሪያ ናጽነት ህዝብና ዘይኣምኑን ዘይቕበሉን ተሓቓቒፉ ክድቅስ ዘገደዶ። ህግደፍ ማለት ናይ ሐደ ውልቀ መላኺ ግለሰብ ከም ድላዩ ዝገብሮ ሰልፊ ካብ መፈልሚኡ ዝተመስረተ ስለዝኾነ፣ ከም ጥሙር ዝሰርሕ ስርዓት ኣይኮነን።

 

ህዝቢ ኤርትራ ንብረቱን እምነቱን፣ እቲ ዝዓበየ ወርቁ መንእሰይ ወለዶ እንከሎ፣ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ኢሰብኣዊ ግፍዒ፣ ሃገሩ ገዲፉ ኣፈቖዶ ኩርንዓት ዓለም ክብተን ገይርዎ። እዚ ከአ ሃገር ኣብ ዘይትኽሎ ኢኮኖማዊ ቅልውላው ኮነ ሞራላዊ ናይ ሃገር ስምዒት ኣብ ዝተሓተ ከውድቖ ናይ ግድን ኢዩ። ኣብ ሃገሩ ጺዒሩን ቀሲኑን ዘይሓለፈሉ መንእሰይ፣ ኣብ ወጻኢ ዓዲ ጋኖት ጢዒሙዎን ቀስኑን ክነብርን ማለት ነፍስኻ ካብ ምዕሻው ካልእ ትርጉም ኣይህልዎን። እንተኾነ ነቶም ብህርፋንን፣ ብድሕርነትን፣ ብናብራ ባርነት ንዘኣምኑ መተዓሻሸዊ ሞጎቶ ነጽብራቕ ግፍዒ ህግደፍ ደገፍትን፣ ከምኡ’ውን ብዘይ ምርዳእ ዝጉቶቱ ኣጣቓዕቲ፣ ብጭፉን ልእላዊነት ሃገር ዝግበር ጉጉይ ናይ ስሚዒት መጻወድያ ንዝወደቑ ዜጋታት ናይ ሻሂ መሸቀጢ ዕላል እምበር ሕሊና ዘሎዎ ኤርትራዊ ዝቕበሎ ኣይኮነን።

 

መደምደምታ ሓሳብ ከአ ህግደፍ ክእለ አለዎ፤ ብህዝቢ ዝተተኽለ ስርዓት፤ ብናይ ህዝቢ ድሌትን ተስታፊነትን ዝቖውም፤ ብሕጊ ዝቕየድ፣ ናይ ህዝቢ መንግስቲ፤ ንኹሉ ዝጥርንፍን ሓቢሩ ዘስርሕ መትከል ዘለዎ ክቖውም ኩሉ ዜጋ ተረዲእዎ ተጠርኒፉ ክሰርሕ አለዎ። ክሳብ ሕጂ ንኹሉ ዜጋታት ብዕሊ ዝጠርነፈ ናይ ቃልሲ ባይታ ኣይሃሊ እምበር ህዝቢ በብዘለዎን፣ በብወገኑን ክጠራነፍን ክበራበርን ጀሚሩስ ነተን ገዳይም ናይ ቃልሲ ውድባት ክተሓባበራ ጻዊዒት ሓድነት ይጠልብ አሎ። እዚይ ግን ብቑዕ ወይ ድልዱል መሰረት ስለ ዘይማዕበለ፣ ህዝቢ ክርድኦምን ክሳተፍሉን ዘኽእል ጠርናፊ ኣሰራርሓ ከማዕብሉ ጠለብ ከምዘሎ ርዱእ’ዩ።

 

ድሕሪኡ ነቲ ንምነዮ ስርዓትከ ብኸመይ ንተኽሎ ንዝብል ሕቶ ብሰፊሑ ንምምላሱ ብናተይ ርእይቶ ዝግለጽ ጥራይ ከይኮነስ፤ ንህዝቢ ወሪዱ ክዝተየሉ እገድፎ። እንተኾነ በዚ ናይ ተቓውሞን ደገፍትን ዝብል ናይ መፈላለዪ ሕብሪ መነጽር ክረአ የብሉን ዝብል እምነት ኣለኒ። እቲ ጉዳይ ንኹሉ ዜጋ፤ ብፍላይ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንዝርከብ ህዝቢ ዝምልከት ናብርኡን ህይወቱን ምኻኑ ብምርዳእ፣ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፣ ብዓቕሙን ድሌቱን ኣሳቲፍካ ክኸውን አለዎ። እንተዘይኮነ ብናይ ደጌ ዘለው ዜጋታት ምትእኽኻብ ጥራይ ዝመጽእ ለውጢ ምሕሳብ ቅኑዕ ኣይኮነን። ንኣብነት ነቲ ብብዝሒ ህዝቢ ዝተሳተፈሉ ዓንዲ ሕጊ ምስ ኩሉ ጉድለታቱን በለጹን ነጺካ፤ ብቑጽሪ ውሑዳትን ዳርጋ ኣብግምት ዘየኣቱ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ዘዳለይዎ ንመተካትኡ ንምድላው ምጉያይ ግቡእ ኣስሰራርሓ ኣይኾነን። ከም ህዝቢ ዝተሳተፎ ገይርካ ምቕራብ ኮነ ምሕሳብ፣ ንሕልና ዘለዎ ሰብ ምናልባት ከጠራጥሮ ይኽእል። ህዝብና’ውን ነዚን ንኸምዚን ዝኣምሰለን ዓይቢ ጌጋ ዘይስተብህለሉን ዘይርድኦን ኣይኮነን። እቲ ምንታይ እንተበልና፣ መልሱ ቀሊል ይኸውን።

 

ቃልስና ንፍታሓዊን ዲሞክራሳዊን ስርዓት ንምትካል እንተኾይኑ እቲ ምስኡ ዝኸይድ መስርሕ ሕግታት ክቕይደና አለዎ። ንሱ ኸአ ብድሌት ብዙሓን ንዝሓለፈ ምቕባልን ኣብ ግብሪ ምውዓልን ይኸውን እምበር፣ ውሑዳት ስለዘይተቐበልዎ ከም ድሌቶም ንብዙሓን ክውስንሎም ኣይክእሉን። እዙይ ከአ’ዩ ቀንዲ በደል ህግደፍ ዘሕትቶ ዘሎ። ድሌትን መሰልን ህዝቢ ዘጽደቖ ዓንዲ ሕጊ ብግብሪ ክንዲ ምትግባሩ፣ ብውልቀ ወነኑ ንዝእውጆ ኣዋጃት ኣብ ህዝብና ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ብሓይሊ ከገድዶ ዝርከብ ዘሎ።

 

ስለዚ ህዝቢ ሓቢሩ ክቃለስ፣ እቲ ብሽም ህዝቢ ዝሕንጸጽ መደባት፣ ሓቢርካ ዘስርሕን፣ ዝሓቁፍን፣ ክኸውን አለዎ እምበር፣ ናይ ግድን ኣብ ዕላማኡ ከይተበገሰ ዝመውት ሓሳባት ኣበጊስካ፣ አነ ወይ ንሕና ስለዘቕረብናዮ ክሰርሕ አለዎ ኢልካ ምሕሳብ ጊዜ ምጥፋእ የስዕብ።

 

ህዝቢ ኤርትራ ብሓደ ክነብርን ሃገሩ ክሃንጽን እንተኾይኑ እቲ ዝሓለፈ ጌጋታት ክእረምን መልክዕ ቀይሩ ከይቅልቀል ብሓቂ ክጥመተሉ ዝግብኦ ጉዳይ ኩሉ ደላይ ሰላምን ቅሳነትን ተገደስቲ ኤርትራዊያን ክኸውን አለዎ። ሕቶ ናይ ሃይማኖት፣ ቀቢላዊነት፣ ኣተኩርካ ናብ ድሑር ኣተሓሳስባ ካብ ምጥሓልን፣ ዘይምትእምማን ፈጢርካ ብድሑር መንፈስ ካብ ምፍልላይን፣ ካብ ተረሓሒቃ ምትፍናን፣ ምጥርጣር ኣሕዲርካ ካብ ናይ ሓባር ቃልሲ ምዕንቃፍ ክንቁጠብ ይግባእ። እዚኸአ ንጥቕሚ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዝጥቀመሉ ምኽንያት ከም ዕንባባ ሕቕፎ ገጸበረከት ምቕራብ ገዲፍና ነቲ ናይ ስርዓት ህግደፍ ዝወድቀሉ ናይ ሓባር ጠርናፊ ቃልሲ ንምዕዋት ምጽዓር ቀዳማይ መደብ ኣንጻር ስርዓት ኣልቦ ክኸውን ይግብኦ።

 

ኣብዚ እዋን ሽግር ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ሐደ ብጥሙር ዝርአ ንጹር መሰል ኩሉ ዜጋታቱ ዝገሃሰ ስርዓት ህግደፍ እምበር፣ ብተናጸል ኣብ ሕጊ ዘይብሉን፤ ፍትሒ ዘየማሕድሮ ዓዲ ተማጉትካ ዝቕየር ኣይኮነን። ኩሉ ኣመለኻኽታን፡ ኣሰራርሓን ቃልሲ ህዝቢ፣ ማዕርነትን መሰል ዜጋታትን ዘኽብር፣ ሕጋዊ ስርዓት ንምትካል ሓበራዊ ጻዕሪ ከምዘድልዮ ተነጺሩ ክስርሓሉ ናይ ግድን ካልእ መተካእታ ዘይርከቦ ናይ ቃልሲ መሰረት ምትካል ኣድላይነቱ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ካብ ናይ ትማሊ ምጥርጣር ወጺእና ናብ ጽባሕ ምትእማምንን ምትሕብባርን ስራሕ ክንኣቱ፣ እዋኑ ኮነ፣ ጻዊዒት ውጽዕ ህዝብና ካብ ኩሉ ኩርናዕ የቃልሕ አሎ።

 

ፖለቲካዊ እንቅስቃሴ ከአ ከም ኩሉ ተፈጥራዊ ሕጊ ኣይሃልዮ እምበር፤ ናቱ ዝኾነ መለኪዒ ግስጋሴ ላዕልን ታሕትን ዘብሎ ምስ ኩነታት፣ ዝግምገምን ዝምዘንን መዕቀኒ ኮነ መእረምታ (Adjustment/tune up mechanism) አለዎ። ነዚ መመልከትን መዕቀንን ፤ ውጺኢት ላዕልን ታሕትን (Indicator bars for high and low, and the outcome results) ብግዚኡ ብዕሊ ዘይምስትብሃልን፣ ዘይምክትታልን፣ ትርጉም ሓቤረታ ብቕኑዕ ዘይምትርጋምን፣ ኣብ ዓይቢ ውድቀት ናይ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ኪሳራ ከምጽእ ናይ ግድን’ዩ። ዝኾነ ስራሕ መገምገሚ (Balance and Check mechanism) ስለዘድልዮ ነቲ ህግደፍ ኣብ ዕለታዊ ተግባራቱ ዝገብሮ ድኽመታት ጥራይ ሒዝና፣ ናትናም ስራሕ እንታይ ኣፍረየን ናበይ ይጋዓዝን፣ ብኸመይ ይምራሕ ከምዘሎ ከየቃለብናሉ እተዘንጊዒና፣ እቲ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ባዕሉ መፍትሒ ሽግር ህዝብና ክኸውን ኣይክእልን። ኣይሕሰብን። ክነቃልበሉ ሐደራ ይብል።

 

ራህዋ ፣ ሰላም ፣ ቅሳነትን ንህዝብና

ምዕባለን ዲሞክራሲን ንሃገርና

 

“ሕልና – 08/19/2011”

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Wedi Hagher October 21, 2018

    “እንተዘይኮነ ብናይ ደጌ ዘለው ዜጋታት ምትእኽኻብ ጥራይ ዝመጽእ ለውጢ ምሕሳብ ቅኑዕ ኣይኮነን። ንኣብነት ነቲ ብብዝሒ ህዝቢ ዝተሳተፈሉ ዓንዲ ሕጊ ምስ ኩሉ ጉድለታቱን በለጹን ነጺካ፤ ብቑጽሪ ውሑዳትን ዳርጋ ኣብግምት ዘየኣቱ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ዘዳለይዎ ንመተካትኡ ንምድላው ምጉያይ ግቡእ ኣስሰራርሓ ኣይኾነን። ከም ህዝቢ ዝተሳተፎ ገይርካ ምቕራብ ኮነ ምሕሳብ፣ ንሕልና ዘለዎ ሰብ ምናልባት ከጠራጥሮ ይኽእል። ህዝብና’ውን ነዚን ንኸምዚን ዝኣምሰለን ዓይቢ ጌጋ ዘይስተብህለሉን ዘይርድኦን ኣይኮነን። እቲ ምንታይ እንተበልና፣ መልሱ ቀሊል ይኸውን።”

    ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

    The 1997 constitution was tailored to keep the EPLF in power for decades. Despite that it’s good to have it as a draft or it has to be partly re-written before implementation.
    Eritrea has changed too much. Nobody should be taken for granted. With all due respect, people who still think ELF/EPLF based partisan politics will bring any good to Eritrea are wrong. We need to close this chapter for good.

    • k.tewolde October 22, 2018

      Spot on Wedi Hager, by now every Eritrean knows what our ailments are,what we failed to do in the past,our glaring mistakes,missed opportunities and so on,instead of revisiting the dark era we should all look ahead and focus on the one who is threatening our very existence,we are in survival mode,lets give each other a hand.Lets slam the door in the face of those who weakened us so that they get the upper hand to do whatever they want with us.

      • Wedi Hagher October 22, 2018

        Brother K.Tewelde

        I agree.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply