Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓጺር ኣስተምህሮ ብዛዕባ ጸላኢ – ብ ኣማኑአል ሳህለ

ሓጺር ኣስተምህሮ ብዛዕባ ጸላኢ ብ ኣማኑአል ሳህለ ንጸላኢኻ ብኹልንተናኡ ምፍላጥን ምግምጋምን፡ ጸኒሑ ኣብ ምብዳሁን ምምካቱን ኪጠቕመካ ይኽእል። ዘይትፈልጦ ምስ እትኸውን ግን፡ ብግቡእ ክትምክቶ ስለ ዘይትኽእል፡ ሓደጋ ከስዕበልካ ይኽእል። ምስ ዘይትፈልጦ ወይ ኣጸቢቕካ ዘይገምገምካዮ ጸላኢ ምቅላስ ማለት፡ ከምቲ

ሓጺር ኣስተምህሮ ብዛዕባ ጸላኢ

ብ ኣማኑአል ሳህለ

ንጸላኢኻ ብኹልንተናኡ ምፍላጥን ምግምጋምን፡ ጸኒሑ ኣብ ምብዳሁን ምምካቱን ኪጠቕመካ ይኽእል። ዘይትፈልጦ ምስ እትኸውን ግን፡ ብግቡእ ክትምክቶ ስለ ዘይትኽእል፡ ሓደጋ ከስዕበልካ ይኽእል። ምስ ዘይትፈልጦ ወይ ኣጸቢቕካ ዘይገምገምካዮ ጸላኢ ምቅላስ ማለት፡ ከምቲ ሓንቲ ዕውርቲ ኣንጭዋ ምስ ሓንቲ ነግራም ድሙ ክትገጥም ከላ ማለት እዩ። ፈንጠርጠር ኣንጭዋ ግን ነዊሕ ከይጸንሐ ስለ ዚድምደም፡ ድራር ድሙ ኮይና እያ እትተርፍ።

ምስ መን ትቃለስ ከም ዘሎኻ ኣስተብህል። ቃልስኻ ምስ ጽላሎትካ ወይ ምስ ነብስኻ ወይ ምስ ዘየሎ ጸላኢ ከይከውን ተጠንቀቕ። ምስቲ ባዕልኻ ዝመዘንካዮ ዘይኮነስ ምስቲ ንዓቕምታቱ ብወረን ብጌጋን ዝገምገምካዮ ጸላኢ ከይትገጥም ሕሰብ። ስለምንታይ ኢኻ ንጸላኢኻ ገና ብዕምቖት ከይገምገምካዮ ከሎኻ፡ ድኹም እዩ፡ ሓያል እዩ፡ ውሑድ እዩ፡ ብዙሕ እዩ እናበልካ ኣብ ጸገም እትኣቱ? ምስ ገጠምካዮ ከምቲ ዝሓሰብካዮ ኮይኑ ስለ ዘይጸንሓካ፡ ምስናፍካ ኣይተርፍን። መዓልቱ እዩ፡ ዕድለይ እዩ ወይ ጽሕፍቶይ እዩ ምባልካ ዋጋ የብሉን። ድኽመትካ ንምሽፋን ዚወሃብ ምኽንያታት ብዙሕ እዩ። እቲ ድኽመት ግን ኣብ ጉድለት ሓይልኻ ዘይኮነስ ኣብቲ ዋሕዲ ሓበሬታኻ እዩ ተሰሪቱ ዘሎ።

መራሒና ሓደ እዋን ንወያነ ኣመልኪቱ፡ ጎረወይና፡ ድኹማት፡ ሃመማ ወዘተ እዮም፡ ከምዚ እዮም፡ ከምቲ እዮም እናበለ ይዛረብ ነይሩ። ንጸላኢኻ ምንዓቕ፡ ንሽንፈት መገዲ እዩ ዚጸርገሉ።

ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ደርጊ ምስ ተጋደልቲ ኪገጥሙ ኸለዉ ዘዘውትሩዎ ዝነበሩ ግጉይ ናይ ጸላኢ ግምገማ ኣብ ውድቀት እዩ ኣብጺሑዎም። ብኣጻብዕ ዚቝጸሩ ወንበዴ ……. ብገመድ ኣሲርኩም ኣምጽኡዎም ….. ወዘተ ብምባል የሽካዕልሉ ነይሮም። ኣብ ሜዳ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ኢሎም እተቐበሉዎም ግን ብኣጻብዕ ዚቝጸሩ ወንበዴታት ዘይኮኑስ፡ ዕላማን ራእይን ዝነበሮምን፡ ከቢድ መሳርያታት እተዓጥቁን ቦጦሎኒታትን ብሪጌዳትን እዮም ነይሮም። ጸላእቲ ግን ነቲ ኪኣስሩሉ እተማልኡዎ ገመድ መብዛሕትኦም ተሓኒቖሙሉ እዮም።

እቶም ጸላእትኻ ገረወይና ወይ ሃመማ እንተ ኾይኖም፡ ወይ ከኣ ብገመድ ተኣሲሮም ዚመጹን ብኣጻብዕ ዝቝጸሩን ወንበዴታት እንተ ኾይኖም ደኣ፡ ምስ ሰዓርካዮም ከመይ ጌርካ ከም ጅግና ክትቝጸር ትኽእል? ኣይትኽእልን፡ ምኽንያቱ ድማ ምስ ሃመማን ምስቶም ብኣጻብዕ ዚቝጸሩ ወንበዴታትን ምግጣም ብዙሕ ስልትን ጅግንነትን መስዋእትን ዚሓትት ኣይኮነን።

ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ክሰርሕ ከሎኹ፡ መስዋእቲ ዋጋ ሓርነት እትብል ዓምዲ ነይራ። ኣብኡ ዚቐርብ ዝነበረ ጽሑፋት ሓድሓደ ግዜ ነቶም ሰራዊት ደርጊ ብፍጹም ከም ዘይረብሑ ወይ ኣመት ኣገባብ ውግእ ከም ዘይነበሮም ገይሩ ይገልጾም ነይሩ። ከም ድላይካ ትቐትሎም፡ ትማርኾም፡ ትርሽኖም፡ ተጓዪዮም ወዘተ። ነዚ እተመልከተ ሓደ ተጋዳላይ፡ ዋእ፡ ኣንታ ምስ መን ዲና ንዋጋእ ኔርና። ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ድኹማትን ድሁላትን ወትሃደራት ምስዓር ደኣ ከመይ ገይሩ ጀጋኑ ከብለና ይኽእል፡ ዚብል ርእይቶ ኣቕሪቡ ነይሩ። ግን ብዙሓት በቲ ርእይቶኡ ኣይተሓጎሱን።

ከምዚ ክብል ከሎኹ፡ ወላ ኣብቲ ውግእ ስዒርካ እንተ ነበርካ፡ ነቲ ጸላኢ ናቱ ምሃቡ እውን ኣድላዪ እዩ ማለተይ እየ። ንጸላኢ ዝሰዓርካሉ ምኽንያት ብኸፊል ኣብ ቅኑዕ ግምገማ እተመስረተ ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ዓወትካ ነቲ እተሳዕረ ጸላኢ ቀጻሊ ከም ድኹም ጌርካ ምርኣዩ፡ ኣብቲ ብገለ ምኽንያት ዚካየድ ዳግማይ ግጥም ኪጎድኣካ ይኽእል እዩ። ንጸላኢኻ ምንሻው ኣብ ኩሉ ዓለም ዚዝውተር ታክቲክ እዩ። ግን ናይ ጸላኢ ዓቕሚ ንኸይትግምግም ዓይንኻ ዚሽፍነካ ስለ ዝኾነ፡ ከም ስነልቦናዊ ስልቲ እምበር፡ ከም ናይ ውግእ ስልቲ ኮይኑ ኪዝውተር ኣይግባእን።

እምበኣር፡ ነዚ ግጉይ ኣረኣእያዚ ምስቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ኣገናዚብና ድማ ክንርእዮ ንፈትን። እቲ ምስ ህግደፋውያን እነካይዶ ዘሎና ኵናት፡ ብረታዊ እኳ እንተ ዘይኮነ፡ ስነልቦናውን ንቕሓታውን ኵናት እዩ፡ ካብቲ ኣብ ሜዳ ዚካየድ ዝነበረ ኵናት ድማ ብባህርያቱ ብዙሕ ዚፍለ ኣይኮነን።

እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፡ ሓያልን ቆራጽን ተጣባብን፡ ሰባት ከእምንን ከሰልፍን ዚኽእል ሜላታት ዚጥቀም፡ ልዑል ናይ ፕሮፓጋንዳ ስልትን ኣውታርን  ዚውንን፡ ልዑል ናይ ወርቅን ናይ ዶላራትን ናይ ዘይንቀሳቐስ ንብረትን ሃብቲ ዘለዎ፡ ናይ ዓለም ወቐሳን ማዕዳን ድምብርጽ ከይበሎ ዚጎዓዝ፡ ሰብኣዊ መሰላት ትርጉም ዘይህቦ፡ ደሞክራሲ ኣብ ካልእ ዓለማት ጥራይ ከም ዚዝውተር ገይሩ ዚሓስብ፡ ከከም ኣድላዪነቱ ኪመሓዞን ኪጻላእን ዚኽእል፡ ሚልዮናት ዶላራት ኣብ ጸጥታን ሓለዋን ዘጥፍእ፡ ከም ነፋሒቶ ዚለዋወጥ፡ ነዊሕን መርዛምን ኣእዳው ዘለዎ፡ ኪጥዕሞ መንግስቲ ኪጽግሞ ማፍያ ዚኸውን፡ ከም ጎማ ኪምጠጥን ኪጭበጥን ተኽእሎ ዘለዎ፡ ሓደገኛ ሓይሊ ምዃኑ ከይፈለጥካ ክትቃለሶ ምፍታን፡ ምስቲ እታ ዓቕሚ ድሙ እተሰወራ ዕውርቲ ኣንጭዋ፡ ምስ ነግራም ድሙ ዘካየደቶ ግጥም ኪመሳሰል ይኽእል። ድራር ዲክታቶር ዄንካ ኢኻ እትተርፍ። ናይ ኣቦታትና ናብ ጣልያን ዝቐንዐ ትዕዝብቲ፡ ንህግደፋውያን ኣጸቢቑ እዩ ዚምልከቶም፥ ጻዕዳ ተመን እንተ ነኺሱ፡ ደላሊኻ ነይርከብ ፈውሱ።

እዚ ስርዓትዚ ነቲ ዝናኡን ዕቤቱን ኣብቲ ኣእምሮን ልብን ህዝቢ ሰሪቱዎ እዩ። ኪስርቶ ዝኸኣለ ድማ፡ ከም ውድብ ኮይኑ ናጽነት ብምምጻእ፡ ንኤርትራ ከም ናጻን ልዑላዊትን ሃገር ከም እትፍለጥ ብምግባሩ፡ ነቲ ርእሱ ኣድኒኑ ዝኸይድ ዝነበረ ህዝቢ ብተዛማዲ መገዲ ርእሱ ከም ዜልዕል ብምግባሩ፡ ጅግንነት ኤርትራዊ ብምምስካሩ፡ ብገለ ሸነኻቱ ንባህልታት ሃገር ብምዕቃቡ ወዘተ። እዚ ድማ ኣብ ጕዕዞ ኤርትራ መወዳድርቲ ዘይብሉ ታሪኻዊ ፍጻመ እዩ። ኤርትራዊ ንዘመናት ዝሓልሞ ዝነበረ ሕልሚ፡ በቲ ውድብ እዩ ጋህዲ ዝኾነ። ይኹንምበር፡ ሽሕኳ እቲ ውድብ ኣብ መወዳእታ ብህግደፋውያን እንተ ተተከአ፡ ናይ ስምን ፖለቲካን ኣጀንዳን ፕሊሲታትን ምልውዋጥ ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ታሪኻዊ ኣበርክቶ ብምንም መገዲ ኪሓኮ ወይ ኪስርዞ ኣይክእልን።

ብወገን እቲ ጸላኢ ተባሂሉ ተመዲቡ ዘሎ ሓይሊ ግምገማና ካብ ኣቐመጥና፡ ብወገን እቲ ተቓላሲ ሓይሊኸ እንታይ ክንብል ንኽእል?

ሓደ እዋን መራሒ ኤርትራ ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ ነቲ እተዳለወሉ ሕቶታት ይምልሽ ነበረ። ኣብ መንጎ፡ ብዛዕባ ተቓወምቲ ሓይልታት ሕቶ ቀሪቡሉ።  የለዉን ብምባል እዩ ዝመለሸ ቁልቁል ንኣፉ። ተቓወምቲ ውድባት ከም ዘለዉ ጠፊኡዎ ኣይኮነን፡ ግን ምንም ዚገብሩዎ ነገር የብሎምን ማለቱ እዩ። ከመይሲ ተቓወምቲ ሓይልታት ከምቲ ናቱ ወርቅን ዶላራትን የብሎምን፡ ከምቲ ናቱ ናይ ቆራጽነትን ትርን ባህርያት ኣየጥረዩን፡ ከምቲ ናቱ ጭካነን ኣረምነትን ኣይተዓደሉን፡ ከምቲ ናቱ ተባላሓትነትን ንሰብ ኣእሚኑ ኪውድብን ከሰልፍን ዚኽእል ሜላታት ኪጥቀሙ ኣይረኣየን፡ ከምቲ ናቱ ናይ ፕሮፓጋንዳ ስልትን ኣውታርን ኣየማዕበሉን።

ኣብ ልዕልዚ፡ እቲ ስርዓት ወይ መሪሕነት፡ ተቓወምቲ ኪገብሩዎ ዘይደልዩ ንጥፈታትን፡ ኪወርሱዎ ዘይደልዩ ባህርያትን ኣለዎ። ተቓወምቲ፡ ከም ማፍያ ኮይኖም ኪነጥፉ ኣይደልዩን እዮም። ተቓወምቲ፡ ገንዘቦም ኣብ ጸጥታን ሓለዋን ከጥፍኡዎ ኣይመርጹን፡ ከም ነፋሒቶ ኪለዋወጡ ኣይደልዩን፡ ናይ ዓለም ወቐሳን ማዕዳን ሸለል ኪብሉዎ ኣይደፍሩን፡ ንደሞክራስን ንመሰላት ወድሰብን ምሕላው ካብዚ ዓለምና ወጻኢ ኣብ ዝኾና ፕላነታት ኢዩ ዚዝውተር ኢሎም እውን ኣይሓስቡን። እዚ ድማ ጽቡቕ እዩ።

ይኹንምበር፡ ተቓወምቲ፡ ነቲ ህዝቢ ዚኣምነሉ፡ እቲ ስርዓት ግን ዘይኣምነሉ፡ ኣብ ወድሰብ ተቐባልነት ዘለዎ መሰረታዊ ኣምራትን መትከላትን ተጠቒሞም ኪምክቱሉ ይኽእሉ ነይሮም፡ ግን ኣይገበሩዎን። በቲ ናቱ ሜላታት ከይከዱ ዘሕፍር ኮይኑዎም፡ እቲ ናታቶም ሜላታትን ፖሊሲታትን መደባትን ድማ በብእዋኑ ብምክፍፋልን ብምጉጅጃልን ብዘይምስምማዕን ብናይ ምጥርጣር መንፈስን፡ ብናይ ሃይማኖታውን ኣውራጃውን ሕማም፡ በቲ ሕልናኻ ዘዕርብ ናይ ተገዛእነትን ተምበርካኽነትን ባህርያት ይብረዝ ብምህላዉ፡ ነቲ ጸላኢ ዘርዕድ ወይ ንህላወኡ ዘስግእ ንጥፈታት ከርእዩ ወይ መደባት ኪሕንጽጹ ኣይከኣሉን።

ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ግን፡ ነቲ ስርዓት ከም ድኹምን ኪፈርስ ከም ዝቐረበን ጌሮም ምውሳዶም እዩ። እዚ ድማ ናይ ግምገማ ጉድለት እዩ። ንጸላኢኻ ኣብ ክንዲ ክትጸርፎን ክትከሶን ምውዓል፡ ክትግምግሞን፡ ሓያልን ድኹምን ጎድንታቱ ክትፍትሽ ምፍታን ይበልጽ። ከምቲ ጻላኢ በየነይቲ ቀዳድ ኣትየ እየ ዘጥቅዕ ኢሉ ዚሓስብ፡ እቲ ተቓዋሚ ድማ ኣብቲ ስርዓት ቀዳዳትን ድኽመታትን ኣለልዩ ኪጥቀመሉ ኪኽእል ይግባእ።

እቲ ስርዓት ሓያል እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣይምጸንሐን። እቲ ስርዓት ለይትን መዓልትን ንህላወኡ ዘውሕሱ ሜላታት ኪሓስብ ስለ ዚሓድር፡ ተቓወምቲ ኪዳኸሙ ንርእይ ኣሎና። እቲ ስርዓት ብፕሮፓጋንዳ ኣውታራቱን ፈስቲቫላቱን ጓይላታቱን ገይሩ ብምቅላሱ፡ ፈሽኳላትን ሕልኩሳትን ኪዕምብቡ ክኢሎም። ናይ ጸጥታን ሓለዋን ስለያን ገመዳቱ ኣብ ኩሉ ብምዝርጋሑ፡ ኣብ ኣኼባታት ተቓወምቲ ወትሩ ዕግርግርን ሕንፍሽፍሽን ኪልዓል ክኢሉ። ኣባላት ተቓወምቲ ካብቲ ናይቲ ስርዓት ማፍያዊ ፍሕሶ ከምልጡ ኣይከኣሉን፡ በቲ ሓሶቱን ኣምሰሉነቱን መዓልታዊ ዚታለሉ ድማ ብዙሓት እዮም።

ከምቲ ባርዕ ሓዊ ዝኣኽሎ ኣህሚኹ ኣብ መወዳእታ ዚቕህም፡ እቲ ስርዓት ድማ መዓልቱ ሓሊዉ ምቕሃሙ ዘይተርፎ እዩ። ግን ቅሂሙ ማለት ተሳዒሩ ማለት ኣይኮነን። ንስኻውን ኣሰኒፈዮ ኢልካ ክትሕበን ኣይግባእን። ምቕሃሙስ፡ ሕመቕካ እዩ ዘንጸባርቕ። ገዛ ብባርዕ ተቓጺሉ ምስ ተሃሞኸ፡ ብማይ ዝዘቕበበት ቦምበሪ ሒዝካ ኣብቲ ቦታ ደበኽ ምባል ዋጋ የብሉን። ካብቲ ቦታ ግን ናይ ስንፍናኻ ፈሓም ሒዝካ ንገዛኻ ክትምልሰ ትኽእል ኢኻ።

ስለዚ፡ እቲ ስርዓት ንህላወኡ ከንውሕ፡ ዕጡቕን ድሉውን ቆራጽን ከም ዝኾነን፡ ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ ንምውሳድ ድሕር ዘይብልን፡ ኣብቲ ዘታለሎ ህዝቢ ሰረት ዘንበረን፡ ካብ ምፍልላይን ካብ ኣብ ነብስኻ ምጥርጣርን ካብ ፍጹም ተምበርካኽነትን ተረባሓይ ከም ዝኾነን፡ ፍሉይን ጊንጥን ፖለቲካውን ወትሃደራውን ስርዓት ከም ዝኾነን ምፍላጥን ምግንዛብን ናይ ኩሉ ተቓላሳይ መሰረታዊ ተግባር ኪኸውን ይግባእ።

ብድሕሪዚ፡ ከምቲ ኣብ ሜዳ ዝሓዝካ ሒዝካ ተበገስ ዚብሃል ዝነበረ፡ ኩሉ ፈታው ህዝቡን ሃገሩን፡ ተወዲቡን ተወዳዲቡን ሓድነቱ ኣደልዲሉን፡ ነቲ ንሃገርን ንህዝብን ዝሃንጽን ሰላም ዘስፍንን ደሞክራስያውን ህዝባውን መትከላትን መደባትን ራእይን ተስፋን ሒዙ፡ ሃገር ንምድሓን ብኣእምሮኡን ብሕልናኡን ብተግባራቱን ኣብቲ ታሪኻዊ ኵናት ክሳተፍ ይግባእ።

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • kofefe March 24, 2018

    One can dream anytime anywhere of paradise on earth, however, it is insanity or half madness to expect a worthy nation in Eritrea after the death of the Higdef regime which will die like any system .

    Show me in this planet called – earth – a group of idiots, also known as “elites” who burned and hated their own languages, identity, history and worked hard to disown their past that created a worthy nation?
    Give me an example of elites in any continent who worked hard to disown its past history, heritage and tradition that successfully created a feasible, democratic and stable political system.

    Show me a single nation!

    • Sol March 25, 2018

      ተኽላይ እንታይ ደኣላ እዛ ናይ ሎሚ ስምካ (((((kofefe))))????

  • kofefe March 24, 2018

    I do not expect people who have no respect to their own identity, history and languages, such as the ones below to create anything worthy and long lasting, except castles in a sand and fads:

    “The open source in the net confirmed that the Jebha ELF leaders who decided to burn Tigre language textbooks that was prepared and printed by its own Department of Education are the following:

    1. Abdela Idris
    2. Hamid Adem Sulieman
    3. Ibrahim Mohamed Ali
    4. Azien Yasin, and few minions

    People like Ahmad Naser and Melake Tekle were not involved.
    Here you have the historical truth and the shameless idiots of Jebha who committed “linguistic suicide”.
    Thank you to the documentation center at – Eritrean Human Rights Electronic Archive – EHREA . at ehrea website”

  • meretse March 24, 2018

    “ዛንታ ዕውርቲ ኣንጭዋን ነግራም ድሙን” ክዛመድ ክፍትን  ኣነ ዝብል ነቲ ከም “ዓውት” ዝተሰመ ዓውት ህዝቢ ኤረትራ ከይፈተሸ ሸብዳዕዳዕ ኢሉ ጎሲምዎ እዩ። ህርፋን ዘስዓቦ ሸውሃት ከኣ ብሱሉን ጥረን ሓዋዊሱ ከም ዘኾምስዕ ጌርዎ። እዚ ዓይነት ኣመጋግባ ብሓቒ ኣብ እንስሳ ጥራሕ’ዩ ዝረኤ። ኩሉ ብዕራይ ዝሓረሶ’ዶ ኣብ ሓደ ቖፎ ይእቱ እዩ? ኩሉ ብዕራይ ዝሓረሶ’ዶ ኣብ ሓደ መጥሓን ይሰፍል ኢዩ? ድሕሪኡከ ኣብ ሓደ መጎጎ ተሰንኪቱ ናብ ሓደ ከብዲ ዶ ይእቱ ኢዩ? እንተ ኮይኑ “ዛንታ ሸብዳዕዳዕ’ ጥራሕ ኢዩ። ሸብዳዕዳዕ ከኣ ቀታሊ ኢዩ። “ጥሜት ነይ ይቀትል ዘይ ሽብዳዕዳዕ” እውን እኮ ስቅ ኢልካ ኣይተባህለን።። ካብ ሞት ሸብዳዕዳዕ ዝተረፈት ሕይወት ከኣ ብቕርጸት ከብዲ’ያ ትሳቀ። ሎሚ ህዝቢ ኤረትራ ዋላ እንተ ዘይሞተ ብቕርጸት ከብዲ ይለሄ ኣሎ። ምክንያት ቕርጸት ከብዱ ከኣ ሓቀኛ ፈውሲ ኣይደለየሉን ፡ ኣይወሰደሉን። ብኣንጻሩንቅርጸት ከብዱ ኣደይ እገሊት በዚ ሓሊፈን ኔረን ፣ ኣቦይ እገለ በዚ ዘወር ኢሎም ኔሮም ዝዓይነቱ ጥንታዊ ምክኒት እንዳ ኣቅረበ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ይሰጋገር እሎ። እዚ ኩሉ ሃተፍተፍን ሃለፍለፍን ግን ወይ ውጺኢት “ጥረን ብሱሉን ጉስሞኡ” ኢዩ። ወይ’ን ሚሒር ፍቅሪ ጮርሖኡ “ዓውት ንሓፋሽ” ከይኮነ ኣይተርፍን። እምበኣር በዚ መስፈርቲ እዚ ጌጋ ኣብ ኢሰያስን ሰዓብቱን ጥራሕ ዘይኾነስ ኣብ ባዕሉ እቲ ህዝቢ’ውን ኣሎ። እስኪ ንገምግም ፡ ጽባሕ ናጽነትስ ይትረፈና ፡ ትማሊን ሎሚን ጥራሕ ወሲድና ናይ ህዝቢ ቆጸራ እንተ ነካይድ ንኢሰያስ ዝድገፍ’ዶ ዝነቀፍ ምበዝሐ? መልሲ ከከም ኣማልክተና እንድ’ዩ– ኣነ ግን “ንሕና ንሱ” ዝብሉ ምበዝሑ ዝብል ግምት ኣሎኒ። እዚ እንተ ኮይኑ እቲ ሓቒ (ተስፋ ይገብር ግን ክጋገ) እቶም ጸላእትን ፈተውትን እንብሎም ዘሎና ደኣ መነመን ይኮኑ ኣሎዎ ማለት ኢዩ? ብኣየናይ መዐቀኒ ኢናከ እዚኦም ጸልእቲ እቲኦም ፈተውቲ እንብሎም ዘሎና? ጠፊኤ ኣሎኩ ኣነ።? ንሕና ነቲ ጽልኣት መንግስቲ በቲ ዝወጽእ ዘሎ ቁጽሪ ህዝቢ ጥራሕ ንግምግሞ እንተሃሊና ሃው ኣሎና። ምክንያቱ ንጽባሒቱ ተመሊሶም መን ከም መንግስትና? ንወያኔ ክንድርዕሞም ኢና ክብሉ ኢዮም ዝረኣዩ ዘሎዉ። እዚ ይረኤ እንተሃልዩ ኣብ ባይታ እሞ “ወደን ያኢ ከይሓምያስ ሰበይቲ ወደን” ዶ ኣይኮነን ‘ቲ ነገር? ህዝቢ ዝወስዶ ዘሎ ዕዉር ስጉምቲ ከምታ ዕውርቲ ኣንጭዋ ገዲፍናስ ብዛዕባ’ቲ ነውራም ድሙ ጥራሕ ምጽቃጥስ ሓቒ ንድሕሪት ትተርፈና ዘላ ኮይና ይስመዓኒ ኣሎ?። ብሓጺሩ እቲ ዝዓበየ ጎድኒ ጸላኢ ህዝቢ ኤረትራ— ካብ ኢሰያስ ንላዕሊ “ባዕሉ ንባዕሉ ኢዩ”። ፈውሱ ከኣ ኣብ ኢዱ ኢዩ ኣሎ።

  • meretse March 25, 2018

    ‘ቅርን –ቀሓርን” ካብ ኣፍ ልቢ ጠፊኦም ኣይጠፍኡን !!!!
    እቲ ሽግር ኣብ ሓደ ሰብ ጥራሕ የሎን። ከመይ ማለት ንዝብል
    ጥረን ብሱሉን ሓፊሳ ጎሲማ
    ከርሳ ነፊሑ ልሳና ምስ ገዘማ
    ክንዲ ኣፋ ከፊታ ተሙሉቕ ዘረባ
    ብከብዳ ምትንፋስ መሪጻ ከም ኣልባ
    “ፋንጋስ” ደኣ እንታይ ዘይገብር
    ልብካ ቀርጹ ኣእምሮካ የዕገርግር
    ስለዚ እንዳሰምዔ ሎሚ ዝደቀሰ
    ድካም’ዩ ትርፉ ጸዋዒት ቅስቃሰ
    መን’ዩ ሎሚ ሓሲምዎ ኣሎ
    ዝብሃል ዘሎ?
    ባዕሉ ዝፈጠሮ ሕማም ተሰኪሙ
    ዓይኒ ጎረቤት ዝብል ምክኒት ናይ ሕማሙ
    እዚ ድዩ እቲ ዝሓሰሞ ?

POST A COMMENT