Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓጺር ትዕዝብቲ ብዛዕባ ትግራይን ህዝባን

ኣማኑኤል ሳህለ ኣስታት 4 ዓመት እናተመላለስኩ ኣብ ትግራይ ተቐሚጠ እየ። መብዛሕትኡ ኣብ መቐለ ኪኸውን ከሎ፡ ኣብ ካልእ ቦታታት'ውን ብመጠኑ ሕጽር ዝበለ ትዕዝብቲ ነይሩኒ እዩ። ጋዜጠኛን ተመራማርን ብምዃነይ፡ ንነኣሽቱ ነገራት ብብዙሕ ገጽታታቶም ክርእዮምን ክምርምሮምን ደስ ይብለኒ። ናይ

ኣማኑኤል ሳህለ

ኣስታት 4 ዓመት እናተመላለስኩ ኣብ ትግራይ ተቐሚጠ እየ። መብዛሕትኡ ኣብ መቐለ ኪኸውን ከሎ፡ ኣብ ካልእ ቦታታት’ውን ብመጠኑ ሕጽር ዝበለ ትዕዝብቲ ነይሩኒ እዩ። ጋዜጠኛን ተመራማርን ብምዃነይ፡ ንነኣሽቱ ነገራት ብብዙሕ ገጽታታቶም ክርእዮምን ክምርምሮምን ደስ ይብለኒ። ናይ ታሪኽ ተመሃራይ ብምንባረይ ድማ፡ ንዝኾነ ነገር ንድሕሪት ተመሊሰ ክርእዮን ምኽንያት ክደልየሉን ኣይጽግመንን።

እቲ ንሓደ ህዝቢ፡ በቲ ወዲዓዲ ዝወሃቦ ግምገማን፡ በቲ ወዲዓዲ ዘይኮነ ዚወሃቦ ግምገማን ኣዚዩ እተፈላለየ እዩ። ሰብ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዘለዎ ኣረኣእያን፡ ካልእ ሰብ ኣብቲ ሰብ’ቲ ዘለዎ ኣረኣእያን ኣዚዩ እተረሓሓቐ እዩ። ኣነ ንነብሰይ ከም ሕያዋይ፡ ከም ተደናጋጻይ ገይረ እርእያ እኸውን፡ ካልእ ሰብ ከመይ ገይሩ ከም ዚርእየኒ ግን ኣይፈልጥን፡ ግን ከምቲ ኣነ ኣብ ገዛእ ርእሰይ ዘሎኒ ኣረኣእያ ከም ዘይኮነ ክፈልጥ ይግበኣኒ።

ቅድሚ ኣብ ትንተናን ትዕዝብትን ህዝቢ ምእታወይ ግን፡ ኩሉ ኣብ ዓለም ዚነብር ሰብ ብመሰረቱ ሕደ ከም ዝኾነ ክሕብር እፈቱ። እቲ ኣብ መንጎ ደቂሰብ ዚረአ ናይ ባህርያትን ኣተሓሳስባን ናይ ጠባይን፡ ናይ ስምዒትን ተጻዋርነትን ፍልልያት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ውጽኢት ናይቲ ህዝቢ ሕሉፍ ተመክሮን፡ ናይቲ ህዝቢ ተመክሮ ግብረመልስን፡ ድምር ናይቲ ብግብረመልሲ ዚመጽእ ኣወንታዊ ወይ ኣሉታዊ ሳዕቤናትን እዩ። ብሓጺሩ፡ ባህርያት ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ጀነቲካዊ ወይ ዘርኣዊ ዘይኮነስ፡ ባህላውን (cultural) ልምዳውን (memetic) እዩ።

ገለ ሰባት ንሓደ ህዝቢ ከም ኣብነት ብምውሳድ፡ ወናኒ እተፈላለዩ ኣሉታውያን ወይ ኣወንታውያን ባህርያት ከም ዝኾነ ገይሮም ይገልጹዎ። ብኣኡ መጠን ድማ ምስቲ ህዝቢ ይተሓባበሩ ወይ ድማ ይገራጨዉ።

ኣብዚ ኩነታት’ዚ፡ ፖለቲከኛታት ዚጻወቱዎ ኣወንታዊ ወይ ኣሉታዊ ተራ ኣዚዩ ዓቢ እዩ። ፖለቲከኛታት ንኸምዚ ዝበለ ተኣፋፊ ኩነታት ኣብ ጥቕሞም ብምውዓል፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ባእስን ቅርሕንትን ኪፈጥሩ ስለ ዚኽእሉ፡ ነቲ ውጽኢታት ከከም ኩነታቱ መበኣስን መፋቐርን ኪገብሩዎ ይረኣዩ። ፖለቲከኛ ሰብ፡ ኣብ ትንተና ዘይኮነስ ኣብ ስምዒታት እንተ ተመርኮሰ ብዝያዳ ነቲ ኣጀንዳታቱ ከተግብሮ ስለ ዚኽእል፡ ንስምዒታት ፍቕርን ጽልእን ህዝብታት ከጓሃህሮን ከዝሕሎን ይረአ።

ኣብቲ ቀንዲ ኣርእስተይ ንምምጻእ፡ ህዝቢ ትግራይ፡ ናይቲ ኣክሱማዊ ስልጣኔ ወናኒ ብምዃኑ፡ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ እዩ። ኣብዚ ግዜናውን ነቲ ዝሓለፈ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምፍራስ መሪሕ ተራ ተጻዊቱ እዩ።

ልዕሊ ክልተ ሽሕ ዓመታት ይገብር፡ እቲ ንትግራይን ከፊል ኤርትራን ሸፊኑ ዝነበረ ኣክሱማዊ ግዝኣት፡ ነቲ ሕጂ ናይ ሓበሻ ዚብሃል ዘሎ ግዙፍን ረቂቕን ባህሊ (physical and metaphysical culture) ዘመንጨወን ዝዓቀበን እዩ።  ኣብ ሓንቲ ሓቦ፥ ሕላገት ተጋሩ (ኣርእስታ ተጋግየ ክኸውን እኽእል እየ) እትብል መጽሓፍ ከም ዘንበብኩዎ፡ ኩሉ ባህሊ ሓበሻ ዚብሃል፡ ከም ስዋ፡ ሜስ፡ ዙርያ፡ ሚዶ፡ ጣይታ ወይ እንጌራ፡ እተፈላለዩ ናይ ገጠር ኣቕሑ ገዛ፡ ወዘተ. ካብ ትግራይ ዝመንጨዉ እዮም፡ ይብል። ነዚ መርጎዲ ዝኾነኒ መረጋገጺ ድማ፡ ተጋሩ በዚ ዘሎ ስርዓት ካብ ኤርትራ ምስ ተሰጎጉ፡ ኣብ ዕዳጋታት ኣስመራ ብዙሕ ከም ንቡር ጌርና እንወስዶ ዝነበርና ባህላዊ ነገራት ከም ዝጠፍአ ባዕለይ እተዓዘብኩዎ ኣጋጣሚ እዩ።

ሓደ ካብቲ ኣብ ትግራይ ከሎኹ እተዓዘብኩዎ ባህርያት፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ጋሻ ዘለዎ ኣኽብሮት እዩ፡ ቀልጢፍካ በግ ምባል ወይ ምሕራቕ እውን የልቦን። ኣብ ኤርትራውን ናይ ኣኽብሮት ባህሊ ኣሎ፡ ግን ኣብ ገጠራት እምበር ኣብ ከተማስ ጠፊኡ እዩ። ኣብ ትግራይ ግን ኣብቲ ከተማታትውን ናይ ምኽባርን ውርዙይ ቃላት ናይ ምዝውታርን ባህሊ ጌና ኣይጠፍአን። መንእሰያት ትግራይ ንዓበይቲ የኽብሩ እዮም፡ ገለ ናይ ምዝንጣል ባህርያት ኣይረኣኹሎምን።

ብዙሓት ኤርትራውያን ንትግራዎት ብኣሉታዊ ዓይኒ እዮም ዚርእዩዎም። እቲ ኣሉታዊ መሲሉ ዚረኣዮም ባህርያት ግን፡ ግዜን ኩነታትን ዝፈጠሮ ደኣምበር ኣብ ደሞም እተዓቀበ ወይ ጀነቲካዊ ኣይኮነን።

ምስ ኩነታት ከም ዚቕየር ድማ ሳየንሳዊ ሓቂ እዩ። ነዚ ንምድልዳል እስከ ኣብ ግዜ ገድሊ ዝነበረ ኤርትራዊ ባህርያትን ሕጂ ዘሎን ንመልከት። ምስ ታንክታትን ነፈርትን፡ ምስ ሽሾ ወራሪ ጸላእትን ዕሱባትን መኪቱ ናጽነቱ ዘውሓሰ ህዝቢ፡ ኣብዚ እዋንዚ፡ ጠበንጃ ዓዲልካዮውን፡ እንታይ እየ ክገብሮ ኣብ ዚብል ደረጃ ወዲቑ ይረአ ኣሎ። መልሓስና እምበር፡ ሕልናናስ ሞይቱ እዩ ዚብል ብሂል ነዚ ኣብዚ እዋንዚ ዘሎ ኤርትራዊ ጽቡቕ ገይሩ ይገልጾ እዩ።

ብግዜ ውቤ ዝጸመመስ፡ ዝባን ውቤ እናበለ ሞተ ከም ዚብሃል፡ ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ተጋሩ ዘለዎም ዝንቡዕ ኣረኣእያ ኪሰግሩዎ ኣይከኣሉን።

ባህርያት ወድሰብ ከከም ዘመኑ ይለዋወጥ እዩ። ካብቶም ነዚ ለውጥዚ ዘምጽኡ ረቛሒታት ድማ ቁጠባ፡ ዓይነት ምሕደራ፡ ፖለቲካውን ህዝባውን ኣቃውማ ይርከቡዎም። ኣብ ልዕልዚ፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ነዊሕ ዘመናት ዘጥረዮም ሓድሓደ ብምድግጋም (meme) ዝመሓላለፉ ማሕበረሰብኣዊ ባህልታትን ልምድታትን ኪህልዉ ይኽእሉ እዮም፡ ንኣብነት፡ ኣብ ትግራይ ዚረአ ናይ ተኸባቢርካን ከይዘንጠልካን ናይ ምንባር ባህሊ፡ ተጻዋርነት፡ ቀልጢፍካ ዘይምቝጣዕ ወዘተ. ክጠቅስ እፈቱ።

ገለ ካብቲ ንህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ዚፈላልዮም ባህርያት፡ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኣቃውማ ዝፈጠሮም እዮም። ኤርትራ ንኣስታት 70 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ጣልያንን እንግሊዝን ክትግዛእ ከላ፡ ትግራይ ግን ኣብ ኢትዮጵያዊ ክልል እያ ነይራ። ምሕደራ ጣልያንን እንግሊዝን ነቲ ብመጠኑ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ፊውዳላዊ ስርዓት ከህስሶ ኸሎ፡ ኣብ ትግራይ ግን፡ እቲ ፊውዳላዊ ምሕደራን ንኣኡ ዘሰንዮ ናይ ተገዛእን ገዛእን ባህርያትን፡ ካብኡ ዝምንጩ ናይ ኣኽብሮት ባህልን ልምድን ኪቕጽል ክኢሉ።

መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ተጋሩ ዘለዎ ኣረኣእያ ኣሉታዊ ኪኸውን ከሎ፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኤርትራውያን ዘለዎ ኣረኣእያ ግን ኣወንታዊ እዩ። ኣነ ከም እተዓዘብኩዎ (ምናልባት እቲ ትዕዝብቲ ሰፊሕ ከይከውን ይኽእል እዩ) ተጋሩ ንኤርትራውያን ከም ቅኑዓትን ለጋሳትን ተዋዘይትን ጌሮም እዮም ዚወስዱዎም። ኤርትራውያን ግን፡ ብፍላይ ኣብዘን ዝሓለፋ 20 ዓመታት ዘጥረዩዎ ኣረኣእያ፡ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዘለዎም ኣረኣእያ ኣዚዩ ኣሉታውን ዘይሚዛናውን እዩ።

ኣነ ንህዝቢ ከበሳዊ ኤርትራን፡ ንህዝቢ ትግራይን ከም ሓደ ህዝቢ ገይረ እየ ዝርእዮም። እዚ ድማ ታሪኽን ስነ-ወለዶን (genealogy ) ዚምስክሮ ሓቂ እዩ። ከም ጀርመንን ኦስትርያን ጌርና ክንወስዶ ንኽእል ኢና። ጀርመናውያን ኦስትሪያውያንን ክልቲኦም ጀመርመናውያን እዮም፡ ምንም ዚፈልዮም ነገር የልቦን። ከምቲ ኣፋር ኤርትራን፡ ኣፋር ኢትዮጵያን ሓደ ዝኾኑ፥ ኣብ ኤርትራን ኣብ ትግራይን ዚነብሩ ትግርኛ ተዛረብቲ ድማ ሓደ ህዝቢ እዮም። ዚፈላልዮም ነገራት እንተሎ፡ ኣብ ናይ ጥቓ ባሕሪ ምዃንን፡ ኣብ ናይ ባዕዳውያን መግዛእትን (colonialism) ጽልዋታት እተመርኮሰ ጥራይ ኢዩ ኪኸውን ዚኽእል፡ ማለት፡ ትግራይ ኣብ ክልል ኢትዮጵያ ክትነብር ከላ፡ ኤርትራውያን ግን ካብቶም ኣብ ስግረ-ዶብ ዚርከቡ ተጋሩ ኣሕዋቶም ተነጺሎም ብባሕሪ ነጋሻትን ብናይ ስግረ-ባሕሪ ባዕዳውያን  ገዛእትን ንዘመናት ይነብሩ ብምንባሮም እዩ።

ሓደ ካብቲ ንሕጽር ዝበለ ግዜ ኣብ ትግራይ ክቕመጥ ዝደረኸኒ ምኽንያት፡ ብስነ-ሰብን ባህልን ጀዮግራፍያዊ ኣቀማምጣን ንትግራይ ካብ ኤርትራ ፈልየ ስለ ዘይርእያ እዩ። ንኹሉ ነገር ብዕምቆትን ብምርምርን ስለ ዝርእዮ፡ ይትረፍዶ ኣብ መንጎ ተጋሩን ኤርትራውያንን፡ ኣብ መንጎ ደቂሰብ ዘሎ ፍልልያት እውን ብዙሕ ኣይጸቕጠሉን እየ። ግን ካብኡ ናብኡ፡ ምስቲ ብቐዳምነትን ብኹለንትናኡን ንኣይ ዚመስል ህዝቢ ክነብር እደሊ።

ኣብ ሓደ ብ1935 ኣከባቢ፡ ሓደ ኢጣልያዊ ሶልዳቶ ወይ ወትሃደር ዝጸሓፎ መጽሓፍ ‘Il mio sogiorno fra i popoli di Agame’ (ጻኒሒተይ ምስ ህዝቢ ዓጋመ) ከምዚ ዚብል ኣንቢበ፡ ” ከም ተጋሩ ንሕማምን ቃንዛን ዚጻወር ህዝቢ ርእየ ኣይፈልጥን”። ፈርዲናንዶ ማርቲኒ፡ እቲ ናይ መጀመርያ ኢጣልያዊ ሲቪላዊ ኣመሓዳሪ ኤርትራ፡ እውን ኣብ መጽሓፉ ተመሳሳሊ ርእይቶ ሂቡ እዩ።

ሓደ እዋን ኣብ መቐለ፡ ኣስተምህሮ ክህብ ከሎኹ፡ ሓደ ካብቶም ተሳተፍቲ፡ ትግራይ ማለት ወይ ተጋሩ፡ ካብቲ ቲግረ (Tigre) ወይ ብትግርኛ ነብሪ ዚብል ላቲናዊ ቋንቋ ዝመጸ እዩ ብምባል ሓሳባቱ ኣቕሪቡ። ናተይ መልሲ ከምዚ ዚስዕብ እዩ ነይሩ፥ ምናባት ሓቅኻ ክትከውን ትኽእል ኢኻ፡ ከምዚ ኢልካ ምሕሳብካውን ቀጽሎ፡ ግን ብናተይ ኣረኣእያ፡ ትግራይ ወይ ተጋሩ ዚብል ቃል ካብ ዓረብ ታጂር ወይ ቱጃር ዝመጸ ኪኸውን እውን ይኽእል እዩ፡ ከመይሲ ብሸነኽ  ቃላት ኣብ ቋንቋ ዓረብ ወይ ዚብሉ ድምጽታት ይወራረሱ ስለ ዝኾኑ፡ ቲጋር ወይ ቱጋር ካብኡ ሓሊፉ ድማ ቲግራይ ናብ ዚብል ኣደማምጻ ሰጊሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ድማ እቲ ኣብ መንጎ ግዝኣት ኣክሱምን ሃገራት ስግረ-ባሕርን ብኣዱሊስ ዚካየድ ዝነበረ ዕሙር ንግዲ ከም ምስክር ኮይኑ ከደልድሎ ይኽእል እዩ።

ስለዚ ብንግድን ብባህልን ቋንቋን ከምኡውን ብሃይማኖት መዳይ ተመሳሳልነት ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን፡ ሓደ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብጥንቲ ብርቱዕ ምትእስሳር ከም ዝነበሮ እውን ክንርስዕ ኣይግባእን።

ነዚ ሓቅዚ ዚኽሕድ ሰብ፡ ታሪኽን ባህልን ሰባት ብዕምቆት ዘይምርምር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ንምዕባለ ኣበርክቶ ዘይብሉ፡ ፋይዳ እውን ዘይርከቦ፡ ብህዝቢ ዘይኮነስ ብመራሕቲ ሃገር ዚትለም ፖለቲካውን ቁጠባውን ማ|ሕበራውን ፈላላዪ ኣጀንታታትን መጻልኢ ትልምታትን ከም እንኮ መመርኮሲ ገይሩ ዚወስዶ ሰብ ጥራይ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Hagos October 11, 2018

    ዝኸበርካ መምህር ኣማኑኤል፡
    ኣዝዩ ድንቅን ሃናጺ ኣብ ሓቂ ዝመሰረቱ ጽሑፍ ኢኻ ጽሒፍካ። ምስ እዛ ኣርእስትኻ እትራኸብ ኣርእስቲ ዘይጠቐስካያ ምናልባት ከይነውሓካ ይኸውን ፡ ብዛዕባ ብሀረ ትግረ እንብሎም ቋንቋ ትግራይት ዝዛረቡ ፡ ንሓደ ሲሶ ህዝቢ ኤርትራ ዝውክሉ እዩ። በዚ ውን ኣብቲ ቀንዲ ሱር ናይቲ ተጋሩ ወይ ትግርኛ ዝበሃልን ጥንታዊ መበቆልን ናይቲ ቃልን ባህልን ከምቲ ዝበልካዮ ታሪኽ ናይ ይሓ ኣኽሱምን ቆሓይቶን ክትንተን ይኽእል እዩ።

  • Habte October 12, 2018

    Ms hzbi tigrai tempsalna’mber bahrna ayrakebn:you.
    Hiji wn dedembena,yu zhshena.
    Baal Ras Alula ab hizbi mdre bahri/ertra zewredwo gif-E krsAe yeblun. Weyani ab hizbi ertra zerAyo chiKane hade ina zeykones Seb dem Ina intebelna yu zemhrelna. Itom zeybetzhakum aytweraxeyu..

    • Tsehaye October 13, 2018

      ሃብተ ብዓል ሓንቲ እግሪ፡ ሓንቲ ዓይኒ፡ ሓንቲ እዝኒ፡ ባዶ ርእሲ፡ እስከ በል ራእሲ ኣሉላ ካብ ምክልኻል ምድሪ ሓበሻ ኣንጻር ጅሃድ ግብጽን ፋሽሽታዊ ጣልያንን ሓሊፉ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ግፍዒ ንገረና።

  • Sol October 12, 2018

    ሃብተ ግደፍ ናይ ጓኖት ናይ ራስ ኣሉላን ወያነን ናይ ሕጊግደፍ ገበን’ ውን ክርሳዕ’ ዮ።

  • Tes October 12, 2018

    Distinguish historian and thinker Emmanuel,

    Many Eritrean intellectuals they don’t dare to speak out the truth. As an Eritrean their behavior really troubles me. Without any shame they court with the dictator and repeatedly use the very words of the dictator and promote his agenda, hate. They are dishonest and disgrace to the institution that gave them the credentials. I thank you for your courage and your willingness to tell the truth as it is against all adversity. In today Eritrea it is okey even to change your citizenship far away from your place of origin or to seek asylum but it unacceptable even to visit Mekele. This shows how bizarre many Eritrean intellectuals grossly characterize the entire Tegaru by single brush as untrustworthy. My focus is at the Eritrean intellectuals because other Eritreans lack intellectual capacity to distinguish right from wrong or to dig or analyse for truth. They feed with hate and deceit and can be easily manipulated. They can hate anyone without reasons. I have encounter with many Eritreans who hate Tigrai. when you ask them why you hate the people so mush? For your surprise they don’t even have a single reason. What a stupidity!

  • Simon G. October 12, 2018

    As they say: “It is economy stupid”. This is clearly true statement.
    If Tigray was a developed state, we wouldn’t have had an issue calling them brothers/sisters. It was a poor state and we didn’t want to associate with them. It is unfortunate but true. However, this is not in Eritrea only. It is all over the world. Consider Korea vs Japan, Vietnam vs China, etc.
    Now, everything has changed. We have became the poor state and we have started to see the light.

  • መሠረት አሰረስ October 12, 2018

    ዝኸበርካ ሓው አማኒኤል ናይብሃቂ ፅንአታዊ ፅሁፍካን ሞያዊ ፍልጠትካን ዝለአለ ምኻኑ ዘማላኽት መፅናእታዊ ፅሁፍ እዩ ከብልእደሊ
    እሞ ከምዝ ከማኻ ዘአመሰሉ በላህቲ የብዝሃልና ይብል ቡዙህ እዋናት አብ አሰና እተቕርቦም ፅሁፋትካ እካታተሎም እየ ናይ ብሃቂ ድማ መሐርቲ ኢዮም። እሞ በዚጠጠው ከይበልካ ቀፃሊ ፅንአታት ከም እተካይድ በአል ሙሉእ ተሰፋእየ። እድመን ጥአናን ድማ ይሃብካ። ክብረት የሃበልና

  • Hagherawi October 12, 2018

    When Tigreyans speak about Eritreans, they mean only the Tigrigna. For “others”, mostly have only hate and contempt, although not always openly expressed.
    Many of them, in particular the intellectuals, think, if it was not for non-Tigrigna and Eritrean Muslims, Tigray and Eritrea would be one country. This is not an idea that came with the so-called Agazian, it’s there long before that.
    Generally speaking, Tigreyans have no space even for Tigreyan Muslims.
    The latter are a very marginalized social group of the country.

  • Tsehaye October 13, 2018

    Dear Amanuel,

    It is very interesting article. The only problem I have with it is that you missed the opportunity to identify the calprit. The overwhelming Eritrean people have nothing to do with the hatred that is often hurled against our Tigrayan brothers and sisters. The peasants of Eritrea don’t have any problem with the Tigrayans. The notorious and vicious culprits to all the hatred and denigration shown against the dignified people of Tigray are mostly the highland Eritrean elites. These vagabonds who grew up in the slams of the decaying Eritrean cities are the root causes. Let us show some honesty and call the spade by its rightful name. The peasants of highland Eritrea and the other eight ethnic groups of Eritrea have nothing to do with all this barbaric shit.

Post a Reply to Tes Cancel Reply