Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ "ሻምፕዮን ናይቲ በታኒ ፖሊሲ"                   ታደሰ ኪዳነ      በርሚንግሃም                         1ይ ክፋል              04/05/2014   መእተዊ፦ ኣብ ታሪኽና ውልቀ-ሰብ ኣልዒልካ ምዝራብ ልሙድ ኣይኮነን። ምናልባት ታሪኽ ናይ ህዝቢ (ሓፋሽ) ኢዩ፣ ንሱ ኢዩ ብደሙን ብረሃጹን ቀያሲ ታሪኽ ካብ

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

“ሻምፕዮን ናይቲ በታኒ ፖሊሲ”

                  ታደሰ ኪዳነ      በርሚንግሃም

                        1ይ ክፋል              04/05/2014

 

መእተዊ፦

ኣብ ታሪኽና ውልቀ-ሰብ ኣልዒልካ ምዝራብ ልሙድ ኣይኮነን። ምናልባት ታሪኽ ናይ ህዝቢ (ሓፋሽ) ኢዩ፣ ንሱ ኢዩ ብደሙን ብረሃጹን ቀያሲ ታሪኽ ካብ ዝብል ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ዝብገስ እመስለኒ ። ይኹን’ምበር እንተ ብገንዘቦም እንተ ብስልጣኖም ኣብ ልዕሊ’ቲ ሰራሕ ቅያ ዝኾነ ህዝቢ ጽልዋ ዘምብሩ ሰባት ኣብ ታሪኽና ብዙሓት ኢዮም። ብፍላይ ነቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ብቐንዱ ዝተቖጻጸሩ ሰባት።

 

እቶም ኣብ ማእከላይ ጽፍሒ ዝምደቡ ሓለፍቲ፣ ነቲ ብላዕሊ ዝመጽእ መምርሒ፣ ምስ ስነ-ምግባርን ባህልን፣ ወይ’ውን ዓቕምን ጸገምን ናይቲ ዘመሓድርዎ ህዝቢ ኣዛሚዶም የተግብርዎ። ከም በዓል ወዲ-ገራህቱ ዝኣመሰሉ ብላዕሊ ክፍተዉን ስልጣን ምውሳኽን ጥራይ ዝረኣዮም ድማ፣ ነቲ ብላዕሊ ዝመጾም ትእዛዝ ከይመመዩ፣ ከም ዘለዎ ወይ ወሲኾም ከተግብርዎ ይጽዕሩ። ኣገልግሎቶም ኣብ ዘብቅዓሉ እዋን ድማ ነናቶም ሓድግታት ኣለዎም። በዚ ከኣ ኢየ ሓድግታት ኣምባሳደር ገራህቱ ዝጽሕፍ ዘለኹ።

 

ማዕረ-ማዕሪኡ ክበርህ ዘለዎ፣ ስርዓታት ኣብ ዝቕየርሉ እዋን “ዝተዋህበኒ መምርሒ ጥራይ ኢየ ፈጺመ” ዝበሃል ዘረባ ይስማዕ ኢዩ። እንተኾነ ሰባት ንሕማቕ ይኹን ንጽቡቕ ዝወስድዎ ስጉምቲ፣ ዋላኳ ከባቢኣዊ ኮነ ካልእ ዝጸልዎ እንተኾነ፣ ብቐንዱ ግን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ነጻ ምርጫ ዝምርኮስ ኢዩ። “ተኲስካ ሰብ ቅተል” ዝተባህለ ሰብ’ውን እንተኾነ፣ “ተኣዚዘ ኢየ” ኢሉ ቃታ ክስሕብን፣ “ዝገበርካ ግበር እምበር ነዝስ ኣይውዕሎን” ክብልን ምርጫ ኣለዎ። ገራህቱን መሰልቱን ድማ ዋላ’ኳ ናይ ስራሕ መምርሒታት ዝህቦም ስርዓት ብልዕሊኦም ይሃሉ፣ ስለዝደለይዎን ብናይ ገዛእ-ርእሶም ነጻ ምርጫ ይገብርዎ ከም ዘለዉን ክበርህ ኣለዎ።

 

ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ’ውን፣ ኣገልግሎቱ ወዲኡ ክቕየር’ዩ ካብ ዝበሃል ኣዋርሕ ሓሊፉ ኣሎ።ኣብዚ ቀረባ እዋን’ውን ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፣ ኣገልግሎቱ ወዲኡ ናብ ኤርትራ ይምለስ ከም ዘሎ ካብ ቃሉ ሰሚዕና። ኣብዚ ሓጺር ተኸታታሊ ጽሑፍ እምበኣር ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ኣብቲ ንሱ ዝመጸሉ እዋንን ሕጅን ብምንጽጻር ሕጽር ዝበለ ናይ ውልቀይ ትዕዝብቲ ከቕርብ ኢየ።

እቲ ካብ ኩሉ ዝገርም ድማ፣ እቲ ‘ፎእ’ ኢልና ገዲፍናዮ ዝመጻእና ስርዓት፣ ነቲ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ዘጥረዮ ውዳቤን ኣሰራርሓን ተጠቒሙ፣ ዶብ ሰጊሩ ብወንጭፍ የማሓድረና ምህላዉ ኢዩ።

 

ብዛዕባ ተጋ/ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ክጽሕፍ ከለኹ፣ ብፍላይ ንዕኡ ዕላማ (ታርገት) ንምግባር ኣይኮነን። ንእግረ-መንገዱ – እዚ ከም ኣብ ዓንቀር ዝተሸኽለ ዓለቕቲ (ኣይወሓጥ ኣይትፋእ) ኮይኑ ዘሳቕየና ዘሎ ስርዓት “ንኸመይ ዝኣመሰሉ ሰባት’ዩ ናብ ስልጣን ዝሓሪ?” ዝብል ሕቶ ንምምላስ ስለ ዝሕግዘና ኢዩ። ንባህርያት ወዲ-ገራህቱን ኣመጻጽኣኡ ናብ ስልጣንን እንተፈሊጥና፣ ንኣመጻጽኣን ባህርያትን ናይ መብዛሕትኦም ነቲ ስርዓት ጸይሮሞ ዘለዉ ሰበ-ስልጣን ክንርዳእ ክንክእል ኢና። ስለዚ ገራህቱ ታርጌት ዘይኮነስ፣ ሓደ ኣብነት ናይቶም ንህግደፍ ኣቝሞምዎ ዘለዉ መሓውር ክንወስዶ ይግባእ።

 

ድሕረ-ባይታ

ቅድሚ ኣብዚ ናይ ሎሚ ኩነታት ምዝራበይ ግን፣ ነዚ ናይ ሎሚ ጠባያቱ ዝመሳሰል፣ ኣብ ሜዳ (ቅድሚ ናጽነት) ዝነበረ ኩነታት ተጋ/ተስፋሚካአል ገራህቱ ቁሩብ ኪዛረብ።

 

ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝጸሓፍኩዎ ተኸታታሊ ዓንቀጻት፣ ኣብቲ ንዓይ ዝምልከት ክፋሉ፣ ድሕሪቲ ኣብ ስንክልና ዘብጽሕ መውጋእቲ ምስ ኣጋጠመኒ፣ ካብ ተዋጋኢ ሓይልታት ናብ ደጀን፣ ማለት ከም መምህርን ኣላዪ ተማሃሮን ኮይነ ክሰርሕ፣ ናብ ጨንፈር- ትምህርቲ (ቤት-ትምህርቲ ሰውራ) ከም ዝተቐየርኩ ገሊጸ ነይረ። ኣብ መሳርዕ ቤት -ትምህርቲ ሰውራ ምስ ተመደብኩ፣ ንተጋዳላይ ተስፋሚካአል ገራህቱ፣ ካብቶም ቀዳሞት ዝፈለጥኩዎም መማህራን ነይሩ። እዚ ዝኾነ ድማ፣ እታ ኣነ ዝተመደብኩላ ተማሃሮ እትኣሊ መስርዕ፣ ምስቶም ገራህቱ ዘለዎም ብእንዳ መማህራን ዝፍለጡ ተጋደልቲ ዝምገብሉ ቦታ ጥቓ-ጥቓ ስለ ዝነበረ ኢዩ።

 

እቶም ልዕል ዝበለ ናይ ትምህርቲ ደረጃ ሒዞም ዝተሰለፉ (መማህራን)፣ ነቶም ብደረጅኦም እናለዓሉ ዝኸዱ ዝነበሩ ተማሃሮ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ዝምህሩን፣ ብዓቕሞም ድማ፣ በብቲ ዝሰልጠንሉ ዓውደ-ትምህርቲ፣ ብኮሚተታት ተመቓቒሎም፣ ተማሃሮ ዝመሃርሉ መጻሕፍቲ ዘዳልዉን ኢዮም ነይሮም። ኣብቲ ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም (ብፍላይ ምሸት) ናብተን ጋንታታትን መሳርዕን እናመጹ ይዘናግዑን የዕልሉን። ተጋ/ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ድማ፣ ሓደ ካብቶም ስሕት ኢሎም ናብታ ኣነ ዝነበርኩዋ መስርዕ እናመጹ ዝዘናግዑ ዝነበሩ ኢዩ። ሓንቲ ካብተን ኣለይቲ’ውን ጽቡቕ ገይራ ትቕበሎ ምንባራ እዝክር። ድሒራ’ውን ካብ ዓዲ ኣትሒዛ ከም እትፈልጦ ኣዕሊላትኒ። በዚ ምኽንያት’ዚ ክኸውን ይኽእል፣ እቲ ብዙሕ ኣብ ምግብናታት ናይተን መሳርዕ ዘይረአ ወዲ-ገራህቱ፣ ናብታ መስርዕ ክመጽእ ዝፎኽሶ ዝነበረ።

 

ሽዑ እዋን ተጋ/ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ከምዚ ሕጂ እንርእዮ ሰብ ኣይነበረን። ብዙሕ ግዜ ዝን ዝብል፣ ብዙሓት መዓልልቲ ዘይብሉ፣ ብዙሕ እዋን ንበይኑ ዝረአ ሰብ ነይሩ። ርእሱ ኩሉ ግዜ በታ ‘ብፍልስጤም’ እትፍለጥ ቀያሕ ሻርባ ምስተሸፈነት ኢያ። ‘ስለምንታይ’ ኢሉ ንዝሓትት ሰብ፣ ‘እዝኑ ብቐጻሊ ስለ ዘሕምሞ ኢዩ’ ዝብል መልሲ ኢዩ ዝረክብ። ምናልባት እታ ፎጣ ካብ ርእሲ ወዲ ገራህቱ ትወርደሉ እዋን እንተነይሩ፣ ኣብቲ ግምባራት ውግእ ዝግ ኢሉ፣ ኣብ ደጀን ናይ ስፖርት መደባት ኣብ ዝጅምረሉ እዋን ኢዩ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ተጋ/ ተስፋሚካኤል ገራህቱ፣ ደሓን ናይ ኩዕሶ ክእለት ከም ዝነበሮን፣ ኣብ ማእከል (ቚጽሪ 8) ከም ኣከፋፋሊ ኮይኑ ይጻወት ምንባሩ እዝክር። በቲ ግምባራት ውግእን ወረ ውግእን እንተተሰሚዑ ግን፣ እታ ቀያሕ ሻርባ ወዲ ገራህቱ ቀልጢፋ ቦትኣ ትምለስ።

 

ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ሓሳባት ዘይኮነ ናብ ሰባት ዘዘምብል ጠባያት ነይሩዎ

ኣብ ፖለቲካዊ ትምህርቲ፣ እቶም ብእንዳ-መማህራን ዝፍለጡ ተጋደልትን፣ ኣብ ከባቢኦም (ኣብተን ጋንታታት) ዝነበርና መማህራንን ኣለይትን፣ ብሓባር ፖለቲካዊ ትምህርቲ ንመሃር ነይርና። ኣብቲ እዋንቲ’ውን እንተኾነ፣ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ሰባት ፈላሊኻ ናይ ምርኣይ ጠባያት ነይሩዎ ኢዩ። ሓደ ካብኡ ገለ ተጋደልቲ ኣብ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ይኹን ካልእ ኣኼባታት ‘የገድስ ኢዩ’ ዝበልዎ ጽቡቕ ርእይቶታት የቕርቡ’ሞ፣ ካልእ ሰብ ነቲ ሓሳብ ደጊፉ ብፍኹስ ዝበለ መልክዕ ይደግማ። ወዲ-ገራህቱ ነቲ ሓሳብ/ ርእይቶ ብቐንዱ ኣቐዲሙ ዘመንጨወ ተጋዳላይ፣ ብውሽጡ ዝጸልኦ/ ዘይቅበሎ እንተኾይኑ (ዋላ’ውን ዝኾነ ዘራኽብ እንተ-ዘይነበሮም)፣ ስም ናይቲ ካልእ ተጋዳላይ (ናይቲ ነቲ ሓሳብ ዝደገመ) ኣልዒሉ፣ ‘ከምዚ እገሌ ዝበሎ’ ኢሉ ክውድስ ይስማዕ ነይሩ። ስለዚ ወዲ-ገራህቱ ኣብ ሓሳባት ዘይኮነ ኣብ ሰባት ዘዘምበለ ባህርያት ነይሩዎ ኢዩ።

ተስፋሚካኤል ገራህቱን ሕልማዊ ፍልስፍንኡን

ኣብ 1988 ኣቢሉ ጨ/ ትምህርቲ፣ ናይ መባእታ ዳይረክተራት ዝኮኑ ተጋደልቲ (መማህራን) ንምምልማል፣ ንኣስታት 3 ወርሒ ዝኸደ ኮርስ ሂቡ ነይሩ። እቲ ኮርስ ኣብ ኣገባብ ኣመሃህራን ምምሕዳር ኣብያተ ትምህርትን ዘተኮረ ኮይኑ፣ ንፍልስፍናዊ መዳይ ናይ ትምህርቲ ዘጠቓልል’ውን ነይሩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ተጋ/ ተስፋሚካኤል ብሳላ ተጋ/ በራኺ ገ/ስላሴ (ናይ ሽዑ ኣባል ማእ/ ሽማግለ ህዝባዊ ግምባርን ሓላፊ ጨ/ትምህርትን)፣ ካብቲ ዝነበሮ ጭንቀት (depression) ወጺኡስ፣ ሓላፊ ናይቶም እንዳ-መማህራን ኮይኑ፣ ነብሱ ኣብ ምዕባይን ንላዕሊ ገጹ ከንቃዕርርን (ናቱ ፒኣር ከዕቢ) ጀሚሩ ነይሩ ኢዩ። ኣብቲ ኮርስ ድማ ‘ፍልስፍና ናይ ትምህርቲ (philosophy of education) ዝብል ኣርእስቲ ይምህር ነይሩ። ብወገነይ ምስቲ ዝነበረኒ ጽምኢ ናይ ትምህርቲ፣ ንነብሲ-ወከፍ ካብቶም ‘ዩኒቨርሲቲ ዝወድኡ ምሁራት ኢዮም’ እንብሎም ሰባት ዝመጽእ ሓሳባትን ሓረጋትን ብጥንቃቐ እምዝግብ (note እገብር)፣ ካብቲ ክፍሊ ወጺአ ድማ፣ እቲ ሓሳባት ከይተረስዐ፣ ኣብ ፍሉይ ጥራውዝቲ ናይ ምምዝጋብ ባህርይ ነይሩኒ። እዛ እትስዕብ ድማ ሓንቲ ካብ ኣስተምህሮታት ወዲ-ገራህት ነይራ።

 

“ድሕሪ ናጽነት ዝህልወና ትምህርታዊ ፖሊሲ” ይብል ንሱ “ሓደ ‘ብቑዕ ሰብ’ ንምህናጽ ኢዩ። እዚ ‘ብቑዕ ሰብ’ ዝበሃል ድማ ኣካላቱ ብስፖርት ዝተሃንጸ፣ ሰራውር ደሙ ብግቡእ ዝሰርሕ፣ ብቕዓቱ ዘረጋገጸ ኣካላት ዝውንን፣ ኮታ ብቐሊሉ ብሕማማት ዘይጥቃዕ ሰብ ኢዩ። እዞም ብጉድለት ኣመጋግባን ዓጸቦን (ብፍላይ ድማ ከም በዓል ሽኮርያ፣ ብዝሒ ደም፣ ስከርቪ ዝኣመሰሉ ሕማማት) ድሕሪ ናጽነት ቦታ ክህልዎም ኣይኮነን። እዚ ነቲ ኣተሃናንጻ ኣካላት (physiological aspect) ዝምልከት ኮይኑ፣ ነቲ ኣኣምሮኣዊ ፍልጠቱ ዝምልከት ድማ፣ እቲ ብቑዕ ዝበሃል ሰብ ኣብ ኩሉ መዳያት ማእከላይ ፍልጠት ዘለዎ፣ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ንዘጋጥምዎ ጸገማት ዝፈትሕ ማለት ሰዓቱ፣ ረድዮ ገዝኡ ተሰይርዎ ዘዐሪ፣ ኣብ ገዛኡ ዝዘውር መስመራት ኤለክትሪክ፣ መዛወሪ መኪናኡ ትኹን መዓጹ ተበላሽይዎ ዝጽግን፣ ኣብ ሓንቲ ዓውደ-ፍልጠት ግን ጥልቕ ዝበለ ፍልጠት ዝውንን (specialist) ሰብ ኢዩ። እዚ ከምዚ ዝበለ ሰብ ድማ ‘Ideal man’ ይበሃል።

 

“ብመንጽርዚ ንሕና እንሃንጾ ብቑዕ ሰብ፣ ኣብዘን ደም ሰብ እናመጸያ ዝነብራ ሃገራት ምዕራብ ዘለዉ ምሁራት፣ ኣብ ሓደ ዓውደ-ትምህርቲ ጥራይ ኢዮም ጥልቕ ዝበለ ፍልጠት ዘለዎም (specialist ዝኾኑ)። ማዕጾ ወይ ኤለክትሪክ ናይ ገዝኦም ተበላሽያቶም’ውን ከዐርዩ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። ናይ ገዛ መኪናኦም ወይ ረድዮ ተበላሽያቶም’ዮም ሰብ ዝጽውዑ” ይብል።

 

ወዲ ገራህቱ ነዚ ኩሉ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ ክገልጽ ከሎ፣ ንኹሎም ኣለዉ ዝበሃሉ ፈላስፋታት ዓለምና እናጠቐሰ፣ “ኣርስቶትል ከምዚ በለ፣ ፕላቶ እዚ ወሰኸ፣ ዲካርተስ ከምዝበሎ..፣ ሶቅራጠስ ነዚ ጸሓፈ…” እናበለ ዳርጋ ንኹሎም ኣለዉ ዝበሃሉ ቀዳሞት ፈላስፋታት በጺሑዎም ኢዩ። ብወገነይ ኣብ መፋርቕ 70ታት ማ/ደረጃ ከይወዳእኩ ትምህርቲ ስለ ዘቋረጽኩ፣ እቲ ኣስማት ንዓይ ሓድሽ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ናይ ገድሊ ዕድመይ’ውን ኣስማት ናይቶም ምስ ፖለቲካዊ ማሕበርነትን ዴስነትን ተኣሳሲሮም ዝጥቀሱ ከም በዓል ማርክስን ኤንግሊስን፣ ማኦን ለኒንን ትሮትስክን እንተዘይኮይኑ ኣስማት ናይቶም ካልኦት ኣይሰማዕኩዎን። ኣብቲ ዝኾነ መወከሲ ዘይርከቦ ጭው ዝበለ ሳሕል ድማ፣ ብዘይካ ነቲ ዝሰማዕካዮ ከምዘለዎ ምቕባል ካልእ ምርጫ ኣይነበረን። ብኸምኡ ከኣ ኢየ ንነብሲ-ወከፍ ጥቕሲ ምስቲ ኢሉዎ ዝተባህለ ፈላስፋ እናፈላለኹ ኣብ ፍሉይ ጥራውዝቲ፣ በብናቱ ዝምዝግቦ ዝነበርኩ።

ነዛ “ሕቶ ናይ ሓደ ብቑዕ ሰብ” (the question of ideal man) እትብል ምስ ክዉንነት ዘይትኸይድ ፍልስፍና ወዲ ገራህቱ ዘምጻእኩዋ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮንኩን። ኣብቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተተኽለ፣ ቀንዲ ሃንዳሲኡ ድማ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ባዕሉ ዝነበረ፣ ናይ ኤርትራ ትምህርታዊ ፖሊሲ ቀጥታዊ ምትእስሳር ስለ ዘለዋ ኢዩ።

 

ናጽነት ኮይኑ፣ ኣነ’ውን ተቖራቚሰ ዩኒቨርሲቲ ናይ ምእታው ዕድል ስለ ዝረኸብኩ፣ ንኹሉ’ቲ ኣብ ሰናጭሮ ሳሕል ሰኒደዮ ዝኣተኹ ጽሑፋት ሒዘ ናብቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራን ካልእን ዝርከብ ቤተ-መጻሕፍቲ (library) ክመላለስ ጀሚረ። ነቶም ብመንገዲ ወዲ ገራህቱ ዝፈለጥኩዎም ፈላስፋታት፣ ጽሑፋቶም እናገናጸልኩ ድማ፣ ነቲ ዝሰነድኩዎ ጥቕስታት፣ ነቲ ሽዑ ዝመሃሮ ዝነበርኩ መታን ክሕግዘኒ፣ ሃሰስ ክብሎ ጀሚረ። ብርግጽ ንኹሉ መጻሕፍቲ ኣንቢበዮ’ኳ እንተዘይበልኩ፣ ነቲ ጥቕስታት ግን ፍጹም ክረኽቦ ኣይከኣልኩን። ኣብ መወዳእታ፣ ወዲ-ገራህቱ ናቱ ፒኣር (PR) ንምዕባይ፣ ዝተፈላለዩ ፈላስፋታት እናልዓለ፣ ብስሞም ደስ ዝበሎ ጥቕስታት እናለጠፈ፣ ነቶም ዝኾነ ናይ ፍልስፍናን ፈላስፋታትን ፍልጠት ዘይነበረና ተጋደልቲ ‘ሃነን’ የብለና ከም ዝነበረ ደምዲመ።

 

ኣብዚ ከነጽሮ ዝደሊ፣ ገለ ካብዞም ፈላስፋታት ብዛዕባ “ምስሊ ናይ ሓደ ብቑዕ (እኹል) ዝበሃል ሰብ እንታይ ክመስል ይኽእል?” ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም ኣይተዛረቡን ወይ ኣይጸሓፉን ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። ብፍላይ ብክልሰ-ሓሳባዊ ደረጃ። እቲ ጸገም ወዲ-ገራህቱ ነታ ‘ሓሳባዊ ‘IDEAL’ ትብል ሓረግ ኣብ ገለ ምስ ረኸባ፣ ንዕኡ ብዝጥዕሞ ጸጋጊኑ ከም ድሕሪ ናጽነት ዝህሉ ትምህርታዊ ፖሊሲ ኤርትራ ገይሩ ከቕርቦ ምፍታኑ ኢዩ።

 

 

………   ይቕጽል

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
39 COMMENTS
  • Mesinas May 6, 2014

    “ኣብ ታሪኽና ውልቀ-ሰብ ኣልዒልካ ምዝራብ ልሙድ ኣይኮነን። ምናልባት ታሪኽ ናይ ህዝቢ (ሓፋሽ) ኢዩ፣ ንሱ ኢዩ ብደሙን ብረሃጹን ቀያሲ ታሪኽ ካብ ዝብል ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ዝብገስ እመስለኒ” ክቡር ሓው ታደሰ ብመጀመርያ እንቋዕ ናብቲ ናይ ቀደምካ ናይ ቃልሲ መኣዲ ተመለስካ ክብለካ ፍቐደለይ? (welcome back dear brother!) ክቡር ሓው ምስዛ ልዕል ኢለ ጠቒሰያ ዘለኹ ናይ ስክፍታ ሓረግ ኣይሰማማዕን’የ። ምኽንያቱ ብዓል ወዲ ገራህቱን መሰልቱን ብዛዕባ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራን ብዛዕባ እዛ ናይ ብሕቶም ገደና ጌሮማ ዘለዉ ብደም ጀጋኑ ስውኣትና ዝተረኽበት ሃገርና ኤርትራን ከም ድሌቶም እናተዛረቡን እናገበሩን ንሕና ብዛዕባኦም ንምዝራብ እንስከፈሉ ምኽንያት ስለ ዘይብልና በጃኻ ናቱ ኮነ ናይ ካልኦት ንውልቃዊ ጥቕሞም ዝተጋደሉ ውልቀሰባት ታሪኽን ባህርን በዚ ጀሚርካዮ ዘለኻ ብምቕጻል ንሓፋሽ ህዝብኻ ትፈልጦ ክትሕብር እላበወካ!

    ደጊመ እንቋዕ ብደሓን መጻእካ ዝብለካ ካብ ኣሃዱ ፍትሒ ሓውካ መሲናስ’የ

  • Tadesse May 6, 2014

    Dear brother Messinass!
    Thank you for encouraging me to write. yes I had a gap on writing. but I never stopped doing every thing I can against the terr-any regime in Eritrea. I am always on the side of those who are seeking justice.
    I don’t think we have difference on writing about individuals. that is why I am writing about Gerahtu as an example of many individuals around Isayas.
    but culturally we have the tendency of saying “WE” instead of “I”, that is what I am referring to. one way or the other people have the right to say their opinion.
    TADESSE

    • selamawit2 May 7, 2014

      attitudes

      they – a mentality that I did not understand.
      they – my roots but not my fruit.
      they – my abstract past but not my future.
      they – the others. my friction.

      they. they. they.

      I – observer, like a Zen practitioner (?)
      I – Individual and freely as an artist
      I – distant and analytical, as a researcher
      I – sharp critic.

      I. I. I.

      you – trapped in the darkness of the dungeon
      you – betrayed, kidnapped,
      you – missing, raped,
      you – burned and slaughtered
      you – tapped in the first year
      you – drowned before birth.
      Lampedusa.

      why you, not me. forever I understand.:
      Pure coincidence – fortuna’s mood.
      it’s not They or Me, it’s not You or Me.

      now I changed my attitude from YOU to WE.

  • hmm May 7, 2014

    Wedi Gerahtu and other servants who are partnering with the dictator and participate in the destruction of our country will face justice one day. But for now, let us focus our attention on the important task of uniting our people and educating those who are brainwashed by the evil cadres the likes of Wedi Gerahtu.

  • simerrr2012 May 7, 2014

    The red scarf used to cover his ugly ears soon he will need a bigger black scarf to cover the whole body from all Eritreans eyes when wedi Medhin Berad ends like gadafi.I could not stop laughing such individuals talk about Ideal Man. Of course , you consume all garbage’s from China, Korea, Albania during gedli time when you don’t have better to do in that naiv leadership with high school mentality want to change everything done before them. The Ideal man what DIA and sons of bitches like wedi geratu crated in today’s Eritrea is ..vision less, morale less, young people paralyzed with fear and torture, young men who want to run all geographical direction, young men who sell his own brother and countrymen for money, young men who addicted to alcohol,cigarette and drugs, young men who can be slapped at any place and time, young men who never defend his right. That is Ideal man higdef style

Post a Reply to Tadesse Cancel Reply