Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ – 4ይ ክፋል

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ "ሻምፕዮን ናይቲ በታኒ ፖሊሲ"                    ታደሰ ኪዳነ           በርሚንግሃም                     4ይ ክፋል           16/05/2014   ኣብ 3ይ ክፋል; ናይቲ ኣምባሳደር ተስፋሚካአል ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ዝገበሮ ምብትታን ኤርትራውያን፣ ነዛ ዝነብረላ ከተማ ከም ኣብነት ወሲደ ክጽሕፍ ምዃነይ ገሊጸ፣

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

“ሻምፕዮን ናይቲ በታኒ ፖሊሲ”

                   ታደሰ ኪዳነ           በርሚንግሃም

                    4ይ ክፋል           16/05/2014

 

ኣብ 3ይ ክፋል; ናይቲ ኣምባሳደር ተስፋሚካአል ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ዝገበሮ ምብትታን ኤርትራውያን፣ ነዛ ዝነብረላ ከተማ ከም ኣብነት ወሲደ ክጽሕፍ ምዃነይ ገሊጸ፣ በዛ እትስዕብ ሕጡበ-ጽሑፍ ኢየ ተፋንየኩም።

“ቀጺለ ኣብዛ ከም ኣብነት ዝወሰድኩዋ ከተማ በርሚንግሃም፣ ኣብቲ ኤርትራዊ ሕ/ሰብ በብቑሩብ ዝማዕበለ ባህርያትን፣ ተራ ተስፋሚካአል ገራህቱ ኣብቶም ዝተራእዩ ሓደስቲ ምዕባሌታትን፣ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት፣ ሃይማኖት፣ ፖለቲካ ወዘተ ከፋፊለ ክዛረብ ኢየ።”

4ይ ክፋል ይቕጽል፦

 

ፖለቲካን ማሕበራዊ ህይወትን

ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኤርትራውያን ኮፍ እንተኢልካ፣ ብዛዕባ ዝነበርካዮ ቦታን ኣመጻጽኣኻን፣ ጠንቅታት ስደትን ምዕላል ልሙድ ኢዩ። ብቐጥታ ድማ ናይ ፖለቲካ ዕላል ይስዕብ። ዳርጋ ኩልና እቶም ካብ ኤርትራ ዝመጻእና (ዋላ’ውን እቶም ድሒሮም ዝወጹ) ብዘይካ ውሑዳት ናይ ገዛእ-ርእሶም ጸገም ዘለዎም፣ ኣብ ኣረኣእያ ብዙሕ ፍልልይ ኣይነበረናን። ቁሩብ ‘ግር’ ዝብሎምን ዕላልና ዘይወሓጠሎምን እንተነይሮም እቶም ንንውሕ ዝበለ እዋን ኣብ ስደት ዝጸንሑ ኣሕዋትና ኢዮም። እዚ’ውን ኣብ ተራ ዕላላት ዝረአ’ምበር፣ ናብዚ ድሒሩ ዝተራእየ ፍልልያትን ምብትታንን ዘምርሕ ተርእዮ ፈጺሙ ኣይነበሮን። ክሳብ’ቲ ኣምባሳደር ተስፋሚካአል ዝመጸሉ እዋንን ንቁሩብ እዋን ድሕሪኡን ብኸምዚ ጸኒሕና።

 

ቅድሚ ወዲ ገራህቱ ምምጽኡ፣ ገለ ኣሕዋት “ናይ በርሚንግሃም ኮምዩኒቲ ኢና” ኢሎም ባዕሎም ንባዕሎም ዘጠመቑዋ ሓንቲ ጉጅለ ነይራ። እዛ ጉጅለ’ዚኣ ኣብ ናይ ኤርትራ ህዝባዊ በዓላት፣ ሙዚቀኛታት ዓዲማ ወይ’ውን ዲጀይ (DJ) ብውድላው ንተቐማጦ ናይዛ ከተማ ተዘናግዕ ነይራ። ዝኾነ ፖለቲካዊ ጸግዒ ስለ ዘይነበራ ድማ፣ ኣብቲ እተዳልዎ መደባት ዳርጋ ኩሉ ሰብ ሓቢሩ የምስን ይዘናጋዕን ነይሩ።

 

ተስፋሚካአል ገራህቱ ኣምባሳደር ኮይኑ ዓዲ-እንግሊዝ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን እምበኣር፣ ብቐዳምነት ዓይኑ ዘውደቐላ ነዛ ጉጅለ’ዚኣ ኢዩ። ንዝበዝሑ ኣባላታ ክውድብ ብምኽኣሉ ድማ ከምዘላታ ክጨውያ ብዙሕ ጽዒሩ። እቶም ብቐደሙ’ውን ባህርያቱ ንርዳእን ፈለጥቱን ብወገንና፣ ኣባላት እታ ጉጅለ ጸግዒ ህግደፍ ከይሕዙ ብዙሕ ጽዒርና። ኣብ ውሽጢ’ታ ጉጅለ ጸግዒ ንዘይምሓዝ ዝድግፉ ስለ ዝነበሩ ድማ ሓጋዚ ነይሩ። መደባቱ ብቐሊሉ ክሰልጦ ዘይከኣለ ተስፋሚካአል ገራህቱ፣ ነቶም በብቑሩብ ክምልምሎም ዝጸንሐ ደገፍቱ ኣሰሊፉ፣ ነቶም ንመደባቱ ዝተቓወሙ ኣባላት’ታ ጉጅለ ኣባሪሩ፣ ነቶም ዝበዝሑ ሒዙ ከም ዘላታ ክቖጻጸራ ጽዒሩ። (ገራህቱ ብኸመይ ደገፍቲ ክምልምል ከም ዝኸኣለ ድሒረ ክገልጽ ኢየ።)

 

እቶም ድሮ’ውን ኣብ ቁጽጽሩ ኣትዮም ዝነበሩ ኣባላት’ታ ጉጅለ፣ ነቶም ብውሽጢ- ውሽጢ ብወዲ ገራህቱ ዝተላእኩ ሰባት፣ ኣብ ኣኼባታት ናይታ ጉጅለ ከም ዝኣትዉ ብምግባር፣ ናይ ጭውያ መደባቶም ከሳልጡ ምስተዓዘብና፣ ትርጉምን ረብሓን ኮምዩኒቲ እንታይ ምዃኑ፣ ቅኑዕ – ዝሰርሕ – ጸግዒ ህግደፍ ዘይብሉ ኮምዩኒቲ ምህላዉ ዘምጽኣልና ረብሓ ንህዝቢ ብግልጺ ከነረድእ ፈቲንና። ኣብ ኣኼባታት ናይታ ጉጅለ ብምእታው ድማ መቓቓሊት ዘይኮነስ ጠርናፊት ኮምዩኒቲ ክንምስርት ጽዒርና። ንኣብነት ብ19 ሰነ 2010 ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ንዝተኣከበ ህዝቢ እዛ ትስዕብ “ኮምዩኒቲ እንታይ ኢዩ?” እትብል ጽሕፍቲ ምቕራባ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል።

 

ኮምዩኒቲ እንታይ ኢዩ?

ኮምዩኒቲ ብቛንቋን ባህልን ዝቀራረቡ ጉጅለ ናይ ሰባት ወይ ዜጋታት ናይ ሓንቲ ሃገር፣ ንዘጋጥምዎም ናይ ሓባር ጸገማት ብሓባር ተጠርኒፎም ዝዝትዩልሉ፣ ምስቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነብሩ ካልኦት ማሕበረ-ኮማትን ጉጅለታትን ብኸመይ ክራኸቡን ክነብሩን ከም ዝኽእሉ ዝዝትይሉ፣ ከምኡ’ውን ኣብቲ ዝነብሩሉ ከተማ ንዘሎ ምምሕዳራት ጠለባቶም ዘቕርቡል፣ ሕጋዊ መሰላት ናይ ኣባላቶም ከይገሃስ ምክትታል ዝገብርሉ፣ ብሓጺሩ ኣብቲ ምምሕዳራት ኮነ ኣብቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ዝህልዎም ክብርን ቦታን ዘረጋግጹሉ መላግቦ ኢዩ።

ኤርትራውያን ኣብ በርሚንግሃም፦ ምስ ካልኦት ዜጋታት ብምንጽጻር ክረአ ከሎ፣ እዞም ኣብ ከተማ በርሚንግሃም እንነብር ኤርትራውያን ቍጽርና ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ። ብገንዘባዊ ትሕዝቶ ክረአ ከሎ ድማ መብዛሕትና ቀዋሚ ስራሕ ዘይብልናን ኣብዛ ከተማ ሓደስትን ኢና። መብዛሕትኦም ኣባላትና ናይ ቋንቋ ጸገም ዘለዎም ኮይኖም ምስ ባህልን መነባብሮን ናይዚ ከተማ ኣይተላለናን። ንቐለልቲ ናይ ኤለክትሪክ፣ ማይ፣ ጋዝ፣ ሰሙናዊ ኣበል (benefit) ወዘተ ጸገማት፣ ኣብ ናይ መኽሪ ማእከላት (advise centres) ንናይ ክልተ ቕነ ቆጸራ ዝጽበያን ዝጽበዩን ኣሕዋትና ብዙሓት ኢዮም። ኣብ ናይ ስራሕ ማእከላት (job centres) ተለፎን ንምድዋል እንስራዕ ሰባት ምስ ቍጽርናን ብዝሒ ካልኦት ዜጋታትን ክረአ ከሎ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ።

ተለፎን ደውሉልና ክብሉ/ላ ኣብ ናይ ሱዳንን ካልኦት ኮምዩኒቲታትን ዝመላለሱ/ሳ ኣሕዋትና ብዙሓት ኢዮም። ቀሊል ሓበሬታ ደልዮም ዕግንግን ዝብሉን ዝብላን ኣሕዋትና’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ብሓጺሩ ንኹልና ኤርትራውያን ብሓባር ዘጋጥሙና ጸገማት ከምዘለዉ ኩልና እንሰማማዓሉ ኢዩ።

ኮምዩኒቲ እምበኣር ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎም ጸገማት ክፈትሕ ዝቐዉም ትካል’ዩ። ብቐሊል ኣዘራርባ እቲ ብስም ኤርትራውያን ዝቐዉም ኮሚዩኒቲ፣ ሽግር ናይቶም ሽጉራት ኣሕዋትና ክፈትሕ’ዩ ዝቐዉም።

በቲ ካልእ ሸነኽ ካብ ብዝሕና ዝዓቢ ፖለቲካዊ ፍልልያት ከም ዘለንና ፍሉጥ ኢዩ። ሓደሓደ ግዜ እቲ ፖለቲካዊ ፍልልያት ጥርዚ ዝበጽሓሉን፣ ነቲ ምክብባርን ምጽውዋርን ክቡር ባህልና ዝፈታተነሉ እዋን’ውን ኣሎ። ብሓጺሩ ሓድሕዳዊ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን ኣማዕቢልና ምህላውና ርዱእ ኢዩ። ኣብ ውሽጥና ዘይተባህለን ዘይተገብረን ወረታት፣ ብፍላይ ከኣ ብኣካል ቀሪቦም ክረዳድኡን ክብድሁን ብዘይክእሉ ሰባት ዝውረ፣ ከም ሓቂ ክውሰድን ክራባሕን ምጽንሑ ነቲ ምጥርጣራት የጋድዶ ኣሎ። ኩልና ግን ስደተኛታት ኢና። ዉሑድ ቍጽሪ ዘለንናን፣ ኣብ ውሽጢ ካልኦት ብዙሓት ተዋሒጥናን እንነብር ንእሽቶ ጉጅለ ኢና።

ስለዚ ማሕበረ-ኮም ተባኢስና እንተዓራረቐሉን፣ ኤርትራዊ ክብርና ንኻልኦት እነንጸባርቐሉን እምበር፣ ንሓድሕድና እንወዳደረሉን እንተሃላለኸሉን ክኸውን ኣይግባእን። ንዝህልወና ምጥርጣራት ኣብ ግዳም ገዲፍና፣ ሓቢርና ጸገማትና እንፈትሓሉን እንዝትየሉን ቦታ ኢዩ።

ብርግጽ ኣብ ፖለቲካ እትነጥፉ ሰባት ኣለኹም። ኣብ ፖለቲካ ናይ ምንጣፍ መሰልኩም ዝተሓለወ ኮይኑ፣ እዚ ግን ካብ ኮምዩኒቲ ወጻኢ እንተተገብረ ዝሓሸ ኢዩ። ስለ ዝፈላልየናን ኣብ ውሽጢ’ቲ ብዙሕ ህዝቢ ንዝተዋሕጠ ውሑድ ቍጽርና መሊሱ ስለዘህስሶን። ኮምዩኒቲ ኣብ ውሽጢ’ዚ ከተማ ንዘጋጥሙና ናይ ሓባር ሽግራት ብሓባር እንፈትሓሉ እምበር፣ መቆራቖሲ ናይ ፖለቲካዊ ፍልልያትና ክኸውን የብሉን።

እዚ ዝኸውን ግን፣ እቶም ነቲ ኮምዩኒቲ ዝመርሑ ሰባት (ሓለፍቲ) ንባዕሎም ካብ ፖለቲካ ነጻ ምስ ዝኾኑ ጥራይ ኢዩ። ስለዚ እቶም ኣብ ፖለቲካ እንነጥፍ ሰባት፣ ኣባላት ናይቲ ኮምዩኒቲ ድኣምበር፣ ሓለፍቲ ናይቲ ኮምዩኒቲ ክንከውን ምስ እንፍትን፣ ሃሳይን ነቲ ምጥርጣራት ዘዕብን ኢዩ። ነዚ ኮምዩኒቲ ዝመርሑ ሰባት እምበኣር፣ ኣብ ፖለቲካ ዘይነጥፉን ዝኾነ ፖለቲካዊ ኣባልነት ዘይብሎምን ክኾኑ ይግባእ። ኣብ ድነ (shadow) ናይ ኮምዩኒቲ ተኸዊልካ ናይ ፖለቲካ ስራሕ ምክያድ፣ ነቲ ምጥርጣራት የዕብዮን ንናይ ሓባር ጸገማትና ፍታሕ ኣብ ምንዳይ የሸግረናን ኣሎ።

ብዓቢኡ ከኣ ምምሕዳር ከተማ በርሚንግሃም፣ ቤት-ጽሕፈት ክኸፍተልናን መሳለጥያታት ክልግሰልናን ከሎ (ዋላ ውሑድ ይኹን ባጀት ክስልዕ ከሎ) ነቲ ከም ስደተኛታት ዝህልወና ናይ ሓባር ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ክንጥቀመሉ’ምበር፣ ኣብ ፖለቲካዊ ቁርቍስ ከነውዕሎን ክንተሃላለኸሉን ኣይኮነን።

ብሓጺሩ ንሕና ስም ሒዙ ዝኸይድ ዘይኮነስ፣ ዝሰርሕ ኮምዩኒቲ ክህልወና ኣለዎ። ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ ባዕሎም ንባዕሎም ብዝተመራረጹ ሰባት ዝምራሕን፣ በዚ ሕጊ’ዚ ኢኹም ትምርሑ ዝብሉና ሰባት ዝእለን ዘይኮነስ፣ ባዕልና ተኻቲዕና ብዘውጻእናዮ ሕግን፣ ባዕልና ብዝመረጽናዮም ሰባትን ዝምራሕ፣ እንቆጻጸሮን እንጸባጸቦን ኮምዩኒቲ ክህልወና ኣለዎ። ከምኡ ምስ ዝኸውን ከኣ ኢዩ ናይ ኩልና ሓገዝን ምትእምማንን ዝህልዎ።

(ብ19 ሰነ 2010፣ ኣብ መዓልቲ ስዉኣት ኣብ Hands worth park ዝቐረበ)

 

ኣብዚ ከይተወሰንና፣ ነቶም ‘ክሰምዑ ይኽእሉ ኢዩም’ ዝበልናዮም፣ ኣብ መጻወድያ ህግደፍ ኣትዮም ዝነበሩ ኣሕዋት ኣብ ዕላላትና፣ ኣብ ፖለቲካ ክንፈላለ ንቡር ምዃኑ፣ ከም ስደተኛታትን ዜጋታት ሓንቲ ሃገርን ድማ ዘራኽበና መላግቦ ክህልወና ጽዒርና። ብውሑዱ ኣብ መዓልቲ ናጽነትን ሰማእታትን፣ ንሳቶም ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ሰብ ከይዕድሙ፣ ንሕና ድማ ኣብቲ በዓል ዝፈላልየና መደረታት ከይቀርብ ምቁጽጻር ክንገብር፣ ከም ኣባላቱ ንህግደፍ ክገብርሉ ዝደልዩዎ ነገራት፣ ኣብ ካልእ እዋን ናይ በይኖም ኣኼባ ጸዊዖም ክገብርዎ ክሳብ ምባል በጺሕና። ጻዕርና ግን ምስ ለኣኽቲ ዘይኮነስ ምስ ልኡዃት ስለ ዝነበረ ፍረ ኣይነበሮን።

 

ኣምባሳደር ተስፋሚካአል ገራህቱ ነታ ጉጅለ ጨውዩ ብመንገዳ ክሰርሕ ዝነበሮ መደብ ምስ ፈሸሎ፣ ንደገፍቱ ናቶም ኮምዩኒቲ (ናይ ህግደፍ) ጥራይ ክምስርቱ ከምዝኣዘዞም ሰሚዕና። ነዚ መደብ’ዚ ውሑዳት’ኳ እንተጸዓርሉ፣ እቶም ዝበዝሑ ግን ብስም ኩልና እንተዘይኮይኑ፣ በይኖም ተፈልዮም “ናይ ደገፍቲ ህግደፍ ጥራይ” ኮምዩኒቲ ከቑሙ ኣይደገፍዎን። እዚ ኩነታት’ዚ ንሓያሎ እዋን ከከራክር ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብሰንኪ ምትእትታው ኣምባሳደር ተስፋሚካአል ገራህቱ፣ ሓደ ብሕጊ ዝኸይድ፣ ንኹሉ ዝጥርንፍ ጸገማትና እንፈትሓሉ ኮምዩኒቲ ከይተመስረተ ተሪፉ።

 

ክሳብ’ዚ እዋንዚ ንሱ በቶም ካብ ሱዑድያን ካልእን ዝመጹ ሰባት’ዩ ዝሰርሕ ዝነበረ። እዞም ሰባት’ዚኦም ንበይኖም ለውጢ ከምጽኡሉ ኣይከኣሉን። ስለዚ ካልኦት ‘መንግስቲ ናትና ኢዩ’ ዝብሉን ብረብሓታት ክሰድዑ ዝኽእሉን ሰባት ሃሰው ክብል ነይሩዎ።

 

ስለዚ ነታ ጉጅለ ክጨዊ ወይ’ውን ብእኡ እትእለ ኮምዩኒቲ ክምስርት ዘይከኣለ ወኪል ናይቲ ስርዓት፣ ካብ ናይ ኣምባሳደር ስርሑ ወጻኢ፣ ሐደ ሕሱር ስራሕ ክሰርሕ ተዓዚብና። ብለይቲ ብንእሽቶ መኪና ካብ ሎንደን እናተመላለሰ፣ ኣብ ኣባይቲ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ እናሓደረ፣ ብሕቡእ ጸላም ከደኖ፣ ውልቀ-ሰባት እናጸውዐ ክረክብን ሰባት ክምልምልን ጀሚሩ። ብቐሊሉ “ኣብ መጻወድያ ክኣትዉ፣ በዝን ከምዝን ክታለሉ ይኽእሉ ኢዮም” ንዝበሉዎም ሰባት፣ “ኣምባሳደር ክረኽበካ ይደሊ ኣሎ፣ ብዘይ ጸገም ዓዲ (ኤርትራ) ክትኣትው ድማ ክሕግዘካ ኢዩ” እናበሉ ሰባት ዘዳልዉሉ’ውን ነይሮሞ ኢዮም።

 

ኣሰራርሓ ወዲ-ገራህቱ ሓደገኛን ከፋፋልን ነይሩ። ዕላማኡ ድማ፣ ከምቲ “ዓሳ ንምጥፋእ ባሕሪ ከም ዝነጽፍ ምግባር” ዝብል ናይ ገዛእቲ ፖሊሲ ህዝቢ ከይጥርነፍ’ሞ ተቓውሞ ከየልዓለ ከሎ፣ ፍጹም ከም ዝበታተን ምግባር ኢዩ። እቲ ቅድሚ ናብ ሓይልታትን ናብ ጨ/ትምህርትን ምምዳቡ፣ ኣብ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር (06) ከሎ፣ ጸላም ከደኖ ሰባት ኣብ ምውዳብን ምትላልን (ብፍላይ ኣብ ከባቢ ከረን ኣንጻር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ) ተመክሮ ዝነበሮ ተስፋሚካአል ገራህቱ፣ ገለ ነቲ በታኒ ፖሊሲኡ መሳርሒ ዝኾንዎ ሰባት ክረክብ ከም ዝኽእል ርዱእ ነይሩ። ሓያሎ ሰባት’ውን ኣስዲዑ ኢዩ።

ኣምባሳደር ተስፋሚካአል ሰባት ንምስዳዕ ዝተጠቕመሉ ሜላ

ተስፋሚካአል ገራህቱ ጸላም ከደኖ ኣብ ውሽጢ መኪናኡ – ኣብ እልይ ዝበለ ቦታ ብውልቂ (ንፍሉይ ስራሕ ዝድለዩ እንተኾይኖም፣) ወይ ድማ ኣብ ኣባይቲ ናይ ሓተትቲ ዑቕባ እናጸወዐ ኢዩ ሰባት ዝረክብ ዝነበረ። ብመንገዲ’ቶም ነቶም ሰባት ዘዳልዉሉ ልኡዃቱ ድማ ኣቐዲሙ ዝተወልድሉ ዓድን ከባብን፣ ዘለዎም ውልቃዊ ባህርያትን ባህግን፣ ከም ገለ እንተኾነ ድማ ከም መፈራርሒ ክጥቀመሉ ዘኽእሎ ነገራት እንተሎ ሓቲቱ የረጋግጽ። ከከም ኩነታት ናይቶም ሰባት ሕብሩ እናለዋወጠ ይቐርቦም። ካብቲ ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት እንገብሮ ዕላላት ከነረጋግጾ ከም ዝኸኣልና ድማ ጎስጓሳት ወዲ-ገራህቱ ኣብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ክጠቓለል ይከኣል፦

 

1. ተስፋሚካአል ገራህቱ ቀዳመይቲ ዝተጠቕመላ መፈላለይት ነጥቢ ከባብን ኣውራጃን ኢያ። ነቶም “መንግስቲ ናትኩም’ዩ እንተበልካዮም’ዮም ዝሕጎሱ” ዝበሎም ሰባት፣ ባዕሉን ብመንገዲ ልኡኻቱን፣ በዚ ዝስዕብ ይሓባብሎም።

“ሎሚ ናጽነት መጺኡ ኢዩ። ብሓባር እንቃለሶ ናይ ሓባር ጸላኢ የብልናን። ነብሲ ወከፍ ሰብ ከመይ ገይሩ ነብሱ የማዕብል፣ ብኸመይ ይህብትም ወይ ይጥቀም ኢዩ ክሓስብ ዘለዎ። እዞም ሕጂ ስልጣን ሒዞም ዘለዉ ድማ ኣሕዋትኩም፣ ኣያታትኩምን ኣቦታትኩምን ኢዮም። ‘ብኣመራርሓኦምን ጅግንነቶምን’ ናጽነት ዘምጽኡ ኢዮም። ክትሕግዝዎም እምበር ኣንጻሮም ዘቃልስ የብልኩምን። ምስ ካልኦት ኰንኩም ኣይተጓንዩዎም። ተኸላኸሉሎም፣ ኢዶም ኣይትስበርዎም፣ ሞሳኦም ሓልዩሎም።

 

“ስልጣን ሓንሳብ ካብ ኢድና ሞሊቓ ኣብ ኢድ ካልኦት እንተወዲቓ ኣኺሉና ኢዩ። ሓቢርና ንስራሕ። ኣብዚ ሚኒስትሪ’ዚ ዘለዉ ሓለፍቲ ኣሕዋትኩም ኢዮም። እዝን- እዝን ኣሃዱታትን ምምሕዳራትን ተቖጻጺርናዮ ኣለና። መወዳድርትና በብቑሩብ ገሊፍናዮም ኢና። ስለዚ እንተኾነ ሓግዙና፣ እንተዘይኮነ ድማ ኢድኩም ኣክቡ፣ ሓዳርኩም ጥራይ ግበሩ” ወዘተ እናበሉ ይጉስጉስዎምን ቅድሚኡ ዘይነበሮም ናይ ዓድን ከባብን ስምዒት ከም ዝሓድሮምን ይገብሩ።

 

ነዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ኣበሃህላ ‘ኣይቅበልዎን’ዮም’ ንዝበልዎም፣ ወይ ድማ ቁሩብ ግር ክብሎም እንተርእዮም ድማ ኣርእስቲ ቅይር ኣቢሎም “ንሕና ካብቲ ናይ ህዝባዊ ግምባር መስመር ሸተት ኣይበልናን። እዞም ትርእይዎም ዘለኹም ተቃወምቲ ወይ በዓል እገሌ (ስም ናይ ገለ ሰባት ብምጥቃስ) ግን ስረኦም ዝፈትሑ ኢዮም። እቲ ዝደልዩዎ ስልጣን ስለዘይረኸቡ፣ ናይ ሲ.ኣይ.ኤን (CIA) ወያኔን መሳርሒ ኮይኖም” ዝብል ሃገራዊ ዝመስል ዘረባ የስምዑዎም። ናይዚ ኣብነት ድማ ሓንቲ ምስ ህግደፍ እትደናገጽ ወብ ሳይት (web-site) ንገለ ‘ተቓወምቲ ኢዮም’ ዝበለቶም ኣሕዋት፣ ባንደራ ኢትዮጵያ ኣብ ዝባኖም ዝተለጠፎ፣ ስእሎም ዘርጊሓ ምንባራ እዝክር።

 

2. ንገለ “ብንዝሒ ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታት ይረኣዩ ኢዮም፣ ህግደፍ ኣብ ዝገብሮ ኣኼባታት’ውን ረብሻን ዕግርግርን ይፈጥሩ ኢዮም” ንዝበሎም ከባቢታት ድማ፣ ፍልይ ዝበለ ስንቂ ሒዙሎም’ዮ ዝመጽእ። ንዓኣቶም “ከምዝን ከምዝን እንተገርካ፣ ብነጻ ዓዲ ክትኣቱ፣ ስድራኻ ክትርኢ ውሕስነት ክንህበካ ኢና። ‘ዋላ ብዘጋጠሞ ጸገም ናብ ስደት ይምጻእ እምበር፣ ህዝቡን ሃገሩን ኣይጠለመን’ ኢልና ክንጽሕፈልካ ኢና” ይብሉዎም። ኣብ ዓዲ ናቶም ወይ ናይ ወለዶም ንብረት ወይ ሊቸንሳ ከም ዘለዎም እንተፈሊጦም ድማ ከም መፈራርሒ ይጥቀሙሉ። “ምሳና እንተ-ሰሪሕካ፣ ንብረት ናትካ ወይ ናይ ስድራኻ ከይህገር ውሕስነት ክንህበካ ኢና። ንዓና ክሳብ ዝሰራሕካ፣ ዋላ ምስ ተቓወምቲ ኮንካ ንህግደፍ ጽረፍ ጸገም የብሉን። ንዓኻን ንስድራኻን እዝን ከምዝን ሓለፋታት ክንገብረልኩም ኢና። ምሳና ምስራሕ መኽሰብ’ምበር ክሳራ የብሉን” ይብሎም።

 

  1. ነቶም “ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታት ብዙሕ ኣይረኣዩን’ዮም” ዝበሎም ድማ፣ እንተኾነ ደገፍቱ፣ እንተዘይኮነ ድማ ኣብ ተቓውሞ ንኸይኣትዉ፣ ኣብ ልዕሊ’ዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቕሰ ነጥብታት “እዞም ተቓወምቲ ኢና እናበሉ፣ መንግስትን ሃገርን ክጸርፉን ከጸልሙን ትርእይዎም ዘለኹም፣ ንሃገር ዝጠቅም ፖለቲካዊ ትሕዝቶ የብሎምን። ሃገራዊ ዕላማ እንተዝህልዎም ህዝቢ ምዓሰሎም። ጸገሞም ናይ ዓድን ከባብን ኢዩ። ‘ኣውራጃና ተበዲሉ፣ ዓድና ከምዚ ኮይኑ’ ኢዮም ዝብሉ። ንሳቶም ጥራይ መራሕቲ ኮይኖም፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሸይ-ሸይ ክብሉ፣ እንተ-ዘይኮይኑሎም ድማ ልምዓትናን ሓድነትናን ምዝራግ ኢዩ ዕላምኦም”፣ ወዘተ እናበለ እንተኾነ ደገፍቲ፣ እንተዘይኮነ ድማ ተቓውሞ ጸሊኦም ተዓዘብቲ (መንጎኛታት) ኮይኖም ከም ዝኸዱ ንምግባሮም ብዙሕ ተጻዒሩ። እዚ ሕጂ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ዝስማዕ ‘ኣውራጃውያን፣ ወገናውያን’ ዝብል መግለጺታት ድማ፣ ውጽኢት ጎስጓስ ህግደፍ ብመንገዲ ወዲ ገራህቱን ካልኦት ልኡዃቱን ኢዩ።

 

እዚ ኣከፋፍላ’ዚ፣ ሓፈሻውን ተወራራስን ኢዩ። ከከም ዝምባሌን ኩነታት ናይቶም ሰባትን ዝለዋወጥ ምዃኑ ድማ ክበርህ ይግባእ። ብኸምዚ ድማ ብሰንኪ ወዲ-ገራህቱን ህግደፍ ዘዋፈሮም መሰልቱን፣ ነቲ ንፖለቲካዊ ርእይቶ ናይ ካልኦት ተጻዊሩ፣ ተኸባቢሩን ሕውነቱ ዓቂቡን ዝኸይድ ዝነበረ ህዝቢ፣ ነንሕድሕዱ ከምዝጠራጠርን ክተሓማመ ከም ዝውዕልን ኮይኑ። ጠንቂ ናይዚ እንርእዮ ዘሎና ምብትታን ድማ ንሱ ኢዩ።

 

እዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቕሰ ሓሳባት፣ ብማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ህግደፍ ናብ ኩሉ ኣብ ደገ ዝነብር ኤርትራዊ ዝተዘርግሐ ሓደገኛ ፖሊሲ ኢዩ። ብዓቐኑ ዝፈላለ’ኳ እንተኾነ ኣብ ኩሉ ኣብ ደገ ዝርከብ ኤርትራዊ ዝረአ ጸገም ድማ ኢዩ። ኣብዚ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ፍሉይ ዝገብሮ፣ ኣምባሳደር ተስፋሚካአል ብዘይ ዝኾነ ስኽፍታ ብምሉእ ሓይሉ፣ ብድርኺት ይሰርሓሉ ስለዝነበረ ጥራይ ኢዩ።

 

 

… ይቕጽል

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
33 COMMENTS
  • megos May 23, 2014

    if they join the revolution. ok. that is what we want.we are waiting for all Eritreans to unite against the regime. if we unite, that will mark the end of out misery.

POST A COMMENT