Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ "ሻምፕዮን ናይቲ በታኒ ፖሊሲ"                   ታደሰ ኪዳነ      በርሚንግሃም                         2ይ ክፋል              07/05/2014   ኣብ ዝሓለፈ 1ይ ክፋል በዛ ትስዕብ ሕጡበ-ጽሑፍ ኢየ ተፋንየኩም። “ኣብዚ ከነጽሮ ዝደሊ፣ ገለ ካብዞም ፈላስፋታት ብዛዕባ “ምስሊ ናይ ሓደ ብቑዕ (እኹል)

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

“ሻምፕዮን ናይቲ በታኒ ፖሊሲ”

                  ታደሰ ኪዳነ      በርሚንግሃም

                        2ይ ክፋል              07/05/2014

 

ኣብ ዝሓለፈ 1ይ ክፋል በዛ ትስዕብ ሕጡበ-ጽሑፍ ኢየ ተፋንየኩም።

“ኣብዚ ከነጽሮ ዝደሊ፣ ገለ ካብዞም ፈላስፋታት ብዛዕባ “ምስሊ ናይ ሓደ ብቑዕ (እኹል) ዝበሃል ሰብ እንታይ ክመስል ይኽእል?” ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም ኣይተዛረቡን ወይ ኣይጸሓፉን ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። ብፍላይ ብክልሰ-ሓሳባዊ ደረጃ። እቲ ጸገም ወዲ-ገራህቱ ነታ ‘ሓሳባዊ ‘IDEAL’ ትብል ሓረግ ኣብ ገለ ምስ ረኸባ፣ ንዕኡ ብዝጥዕሞ ጸጋጊኑ ከም ድሕሪ ናጽነት ዝህሉ ትምህርታዊ ፖሊሲ ኤርትራ ገይሩ ከቕርቦ ምፍታኑ ኢዩ።

2ይ ክፋል ይቕጽል …

 

ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱን ኣካዳምያዊ ትምህርትን

ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ምምዳበይ፣ ነቲ ኣብ ንእስነተይ እናበሃግክዎ ከለኹ ዝተኾልፈኒ ትምህርቲ ዝቕጽለሉ ዕድል’ዩ ኣጋጢሙኒ። ኣብታ ዝረኸብኩዋ ግዜ (ዋላ’ውን ሓጻር ትኹን) መጻሕፍቲ ኣብ ምንባብን ‘ይጠቅም’ዩ’ ዝበልኩዎ ሓሳባት ይምዝግብን ነይረ። ከማይ ጽምኣት ትምህርቲ ዝነበሮም ተጋደልቲ’ውን ነይሮም ኢዮም። ንምትእስሳሩ መታን ክጥዕመና ድማ፣ ካብቶም ናይ ዓይነት ትምህርቲ ኮሚተታት፣ ዝርዝር ኣከፋፍላ ምዕራፋት ናይቲ እንደልዮ ደረጃ (syllabus) እናወሰድና፣ ብመሰረት’ቲ ኣብኡ ዝሰፈረ ቅደም-ተኸተል ንጥቀም ነይርና። ኣብቲ መጀመርያ ነዚ ዘስተውዓለሉ ሰብ ኣይነበረን። ድሕሪ ገለ እዋን ግን ኣብ ዓይኒ ገለ ሓለፍቲ ክንኣቱ ጀሚርና። እንተላይ ናይቲ ብሳላ በራኺ ተሓብሒቡ፣ ድሒሩ ሓላፊ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ዝኾነ፣ ሕጂ ናይ ኣምባሳደር ማዕረግ ተሰኪሙ፣ ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝርከብ ተስፋማርያም ተኸስተ። ልዕሊ ኩሉ ዝተጻባኣናን ዕንቅፋት ክፈጥረልና ዝጀመረ ድማ ንሱ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሩ ስለ  ዝነበርና።

 

ኣብ ኣኼባታት ንመን ምዃኑ ዘይፍለጥ (ብውሽጥና ግን እንርድኦ) “ደረጃ ትምህርቶም ክብ ንምባል መጻሕፍቲ ከንብቡ ዝውዕሉ ሰባት ኣለዉ” ዝብል ርእይቶ ብገለ ናብቲ ምምሕዳር ቅርበት ዘለዎም ሰባት ክንሰምዕ ጀሚርና። ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ማዕረ ወይ ልዕሊ ሰብና ንውፈ ስለዝነበርና ግን፣ ብጋህዲ ክነቕፈና ዝኽእል ሰብ ኣይነበረን። ንሕና’ውን እና ተጠንቀቕና፣ ነቲ ‘ባዕልካ ንባዕልኻ ምምሃር (self teaching) ዝብል መደብ ኣየቋረጽናዮን። ገለ ምዕራፋት ብርትዕ ክብለና ከሎ ድማ፣ ነቶም ኣብ ክረምታዊ ኮርስ (summer coarse) ዝምህሩና መማህራን፣ ኣብ ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ቆጸራ ሒዞም ክሕግዙና ንሓቶም ስለዝነበርና ‘ጠቒሙና ኢዩ’ ክብል እኽእል።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ ሓላፊ ናይቶም ብእንዳ መማህራን፣ ስሕት ኢሎም ከኣ ብእንዳ ምርምር ዝፍለጡ ተጋደልቲ ዘመሓድር፣ ተሓታትነቱ ብቐጥታ ንቤት- ጽሕፈት ጨንፈር ኮይኑ፣ ተጋ/ ተስፋሚካአል ገራህቱ ኢዩ። ነቶም ኣብተን ምግብናታት ዝነበሩ መማህራንን ኣለይትን ዘመሓድር ድማ ተጋ/ ተስፋማርያም ተኸስተ (ወዲ ባሻይ)። እዝከረኒ ሽዑ፣ ከም ልማድና ነቶም ዝሕግዙና መማህራን፣ ዝጥዕሞም ናይ ዕረፍቲ ግዜ ምስ ሓተትናዮም፣ ገለ ካብኣቶም፣ “’ንክልተ ወይ ሰለስተ ሰብ ክትሕግዝሉ ትኽእልሉ ናይ ዕረፍቲ ግዜ እንተ-ሃልይኩም፣ ኣቐዲምኩም ንገሩና’ሞ ገለ 20 ዝኾኑ ሰባት ክንሰደልኩም’ ስለ ዝበሉናን ጸገም ይፈጥረልና ስለ ዘሎን እንተገደፍኩምና ይሓይሽ” ክብሉ መሊሶም። ካልኦት ድማ ሕማቕ ንዘይምዝራብ ቁዕሩር ዝኣፉ “ግዜ የብልናን” ክብሉና ጀሚሮም። እዚኣ ድማ እታ ዝዓበየት ዘጋጠመትና ዕንቅፋት ነይራ። ቀንዲ ኣበጋሲ ናይቲ ሓሳብ ተስፋማርያም ተኸስተ (ወዲ-ባሻይ) ኮይኑ፣ ምስ ወዲ-ገራህቱ ዘትዮም፣ ንዓናን ንኹሉ ደላይ ፍልጠትን ትምህርትን ዘዳለዉዎ ተንኮል ምዃኑ ኣይሰሓትናዮን።

 

ነዛ ህሞት’ዚኣ ክዝክር ከለኹ ኣብ ሓንጎለይ ደበኽ ዝብለኒ፣ ተጋ/ ኣፎርቂ ተስፋጽዮን፣ ድሕሪ ናጽነት ሓላፊ መጻረዪ ነዳዲ ዓሰብ (refinery) ዝኾነ፣ ናይ ሶቬት ናይ ከሚስትሪ ምሁር፣ ንታህዲድ በዓል ወዲ-ገራህቱ ጥሒሱ፣ ብዘይ ስኽፍታ ኣብ ዝጥዕሞ እዋን “ሕራይ” ይብለና ምንባሩ እዝክር። በቶም ነቲ ኩነታት ዝፈልጡ፣ ኣብ ከባቢ ወዲ-ገራህቱ ዝነበሩ መማህራን ዝነበረ ሓገዝን ምትብባዕን ድማ መዘና ኣይነበሮን።

 

ተጋ/ ተስፋሚካኤል ገራህቱን ሓቀኛ ባህርያቱን

ኣብ ከባቢ 1989 ኣቢሉ እመስለኒ ‘ን2ይ ደረጃ መምሃሪ ዝኸውን ጥረ-ነገር (material) ተዳልዩ ተወዲኡ ኣሎ፣ ብመልክዕ መጻሕፍቲ ምሕታም ጥራይ ኢዩ ተሪፉዎ’ ሰሚዕና። ሽዑ ነቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ሓላፊ ኮሚቴ ስነ-ፍልጠት (science) ዝነበረ፣ ተጋ/ ገብረዝጊ ድማም (ኣቻ)፣ ነቲ ተዳልዩ ዝተወድአ ናይ ሳይንስ ጽሑፋት ክህበኒ’ሞ፣ ኣብ ቦታይ ኮይነ ኣብ ጥራውዝቲ ቀዲሐ (ገምጢለ) ክመልሰሉ እሓቶ። ብወገኑ “ኣብ ቦታኻ እንተወሲድካዮ ክጠፍእ ወይ ክበላሸወካ ስለዝኽእል፣ እንተ ጠፊኡ ድማ ንዓይ ስለ ዘሕትተኒ፣ እና ተመላለስካ፣ ኣብዛ ጣውላይ ኣብ ሓደ ጫፍ ኮፍ ኢልካ ክትጽሕፎ ትኽእል ኢኻ” ይብል። እዚ ንዓይ ዓቢ ዓወት’ዩ ነይሩ።

 

ሳንጣይ ኣብ ዝባነይ ተሓንጊጠ እናተመላለስኩ፣ ኣብ ጫፍ ጣውላ ተጋ/ ገብረዝጊ ድማም ኮይነ፣ ንኹሉ ምዕራፋት ናይ ፊዚክስን ኬሚስትሪን ናይ 8ይ ክፍሊ ኣብ ምውዳእ ተቐራሪበ። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ግን ሓደ መዓልቲ፣ ኣነ ኣብ ጫፍ ናይቲ ጣው ኮፍ ኢለ እናጸሓፍኩ ከለኹ፣ እቲ ነቶም መማህራን ኣብ ትርፊ ግዜኦም ከይሕግዙ ዝኣዘዘ ተስፋሚካኢል ገራህቱ፣ ናብታ ዝነበርናያ ክፍሊ (underground) ድርግም ይብል።ብኡ-ንብኡ ድማ ኣዒንቲ ክልቴና ነንሕድሕደን ተተኺለን ይጠማመታ። ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ኮሚተ ስነ-ፍልጠት ክወርድ ብዛዕባ ዝኽእል ተግሳጽ እናኣተሓሳሰበኒ ድማ ሳንጣይ ኣልዒለ ንቦታይ ኣምሪሐ።

 

ንጽባሒቱ ኩነታት ክፈልጥ፣ ደሓን እንተኾይኑ ድማ ከምልማደይ ዝተረፈኒ ክምልእ፣ ናብታ ኮሚተ ስነ-ፍልጠት ዝሰርሑላ ክፍሊ ተመሊሰ። ሓላፊ ኮሚቴ ስነ-ፍልጠት ርእይ ምስ ኣበለኒ “ድሕሪ ሕጂ እንተዘይመጻእካ ይሓይሽ፣ ቁሩብ ክጽግመና ኢዩ” ክብል መሊሱ። ብወገነይ “ተረዲኤካ ኣለኹ፣ ኣነ’ውን ከረጋግጽ ኢለ’ምበር ዘይገምገምኩ ኣይኮንኩን፣ ስለቲ ክብ ዝበለ ለውሃትካን ምትሕግጋዝካን ግን የቐንየለይ” ኢለ ንቦታይ ተመሊሰ።

 

ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ተጋ/ ዓንደብርሃን ወልደገርግስ (ናይ ሽዑ ምክትል ሓላፊ ጨ/ትምህርቲ) ኣብ ዝገበሮ ሓፈሻዊ ናይ ኩልና ኣኼባ “ሰባት ካብ ናይ ስራሕ ግዜኦም ወጻኢ ነብሶም ንምምዕባል ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ዕንቅፋት ክፍጠረሎም የብሉን” ኢሉ ብግልጺ ክዛረብ ሰሚዐዮ። በዚ ድማ እቲ ጸገም ናይ ወዲ ባሻይን ወዲ ገራህቱን’ምበር፣ ኢድ ናይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ከም ዘይነበሮ ኣረጋጊጸ። ብወገንና “ኩሎም ሓደ ኢዮም!” ዝብል ግምት ስለ ዝነበረና፣ ንዓንደብርሃን ይኹን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ “ከምዚ ጸገም የጋጥመና ኣሎ” ዝብል ጥርዓን ኣየቕረብናን። ንዓንደብርሃን በቶም ምስ ወዲ ገራህቱ ዝነበሩ፣ እቲ ኩነታት ደስ ዘይበሎም መማህራን ኣቢሉ እቲ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ ግን ዘጠራጥር ኣይኮነን።

 

 

ንትምህርትን ፍልጠትን ዝጻብኡ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ትምህርቲ ክኾኑ ኣይምተገብአን

እቲ ዝገርም እዞም ክልተ ኣንጻር ፍልጠትን ትምህርትን ዝነበሩ ሰባት፣ ድሕሪ ናጽነት’ውን ኣብ ሚኒ/ትምህርቲ ዝለዓለ ቦታ ምሓዞም ኢዩ። ተጋ/ ተስፋሚካኤል ጀነራል ዳይረክተር ተባሂሉ ንኹሉ ኣካዳምያዊ ንጥፈታት ሚኒ/ትምህርቲ ክቆጻጸር ከሎ፣ ተስፋማርያም ተኸስተ ድማ ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ኮይኑ፣ ንኹሉ ምምሕዳራዊ ስራሕ ናይቲ ሚኒስትሪ ተቐቢሉ። ድምር ናይዚ ኩሉ ፍሽለትን ሕማቕ ኣሰራርሓን ድማ፣ ብሃገር ደረጃ ድሒሩ ዝተራእየ ትሑት ትምህርታዊ ብቕዓት መንእሰያት ኤርትራ ኢዩ። በዚ ከኣ ኢየ ንኽመሃሩን ንኽፈልጡን ንዝደልዩ ሰባት ዝጻብኡ፣ ከም ሓለፍቲ ናይቲ ብሃገር ደረጃ ንወሎዶታት ዝኸይድ ጽልዋ ዘለዎ ፖሊሲ ትምህርቲ ዝሕንጸጸሉ ቦታ፣ ወሳኒ ቦታ ክወሃቦም ኣይምተገብአን ዝበልኩ።

 

ተስፋሚካአል ገራህቱ ‘ኣብ ጠመተ ኢሰያስ ኣትዩ’ ተባሂሉ

ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ተጋ/ ተስፋሚካአል ኣብ ጠመተ ክሊ ኢሰያስ ኣትዩ ምንባሩ ዝሕብር ምልክታት ነይሩ ኢዩ። እንተ ብሓቆም፣ እንተስ ስሙ ከዕብዩ ዝደልዩ ሰባት ዝዘርግሕዎ ወረ፣ “ኣብ ሓደ ኢሰያስ ዝነበሮ ኣኼባ ሓንቲ ወረቐት ኣቕሪቡስ ኢሰያስ ተሓጒሱሉ” ዝብል ወረ ክዝርጋሕ ጀሚሩ። (ኢሰያስ ኣብ 1987 “2ይ ውድባዊ ጉባኤ” ንበዓል ሮመዳን ኣልዩ፣ ምሉእ ንምሉእ ነቲ ውድብ ምስተቖጻጸሮ፣ ነቶም ዘየድልዩዎ ክግልፍ፣ ነቶም ፈራሓትን እሺ በሃልትን ኣብ ከባቢኡ ከዕስል ብግልጺ ይረአ ነይሩ ኢዩ።) ድሕሪ’ዚ ኩነታት’ዚ ድማ፣ ኣብ ከባቢ 1989 ኣቢሉ፣ ሓደ ኣዝዩ ዝገረመኒ መግለጺ ሰሚዐ።

 

እዋኑ ድሕሪ ምድምሳስ እዚ ናደው ኮይኑ፣ እታ ኣነ ዝነበርኩዋ ተማሃሮ እትኣሊ ጋንታን እታ በዓል ተስፋሚካአል ገራህቱ ዝነበርዋ መስርዕ እንዳመማህራንን፣ ብምሸት ንፖለቲካዊ ትምህርቲ ንእከብ። ገራህቱ ካብ ሓንቲ ኣብ ጥቓና ዝነበረት ንእሽቶ ገዛ ኤለክትሪክ ስሒቡ፣ ብቪድዮ ካሴት ዝተቐርጸ መግለጺ ኢሰያስ ኣፎርቂ ኣስሚዑና። ኢሰያስ ኣብ መግለጺኡ፣ ንዓወት ግምባር ናደው ጠቒሱ “ህዝባዊ ግምባር ከምዚ ዝበለ ዓወት ዘመዝገበ፣ ፍትሓዊ ወይ ህዝባውነት ስለ ዝነበሮ ኣይኮነን፣ ሓያል ስለዝኾነ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ዓወት ንምምዝጋብ ድማ ፍትሓዊ ወይ ህዝባዊ ዕላማ ክህልወካ ግድን ኣይኮነን” ዝብል ገለ ካብ መግለጺኡ ምንባሩ እዝክር። ቅድሚኡ ንህዝባዊ ግምባር ካብ ዝተላለኹሉ እዋን ጀሚረ “ዓወትና ናይ ግድን ዝኸውን ቃልስና ፍትሓዊ ስለዝኾነን፣ ህዝባውነት ስለ ዘለዎን ኢዩ” ዝብል ዕላማ ሰኒቐ ኢየ ዝኸይድ ዝነበርኩ። ብልቢ ዝኣምነሉ ዕላማ’ውን ንሱ ኢዩ። ሽዓ ምሸት ግን ካብ ኣፍ’ቲ ነቲ ውድብ ዝመርሕ ‘ዋና ጸሓፊ’ ንኹሉ’ቲ ኣሚነ ንዓመታት ዝተቃለስኩሉ ዕላማ ዝጻረር መግለጺ ሰሚዐ። መግለጺ ኢሰያስ ንጅግንነትን ተዓጻጻፊ ሜላን ሰራዊት ህዝባዊ ግምባር ዘሞግስ ትሕዝቶ ስለ ዝነበሮ፣ ብዙሕ ሰብ ብእኡ ተሳሒቡ ብዙሕ ዘየስተውዓለሉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንዓይ ግን ንመሰረታዊ ዕላማ ናይቲ ውድብ ስለእትጻረር፣ ልዕሊ’ዛ ክብ ኢላ ዝተገልጸት  ንኣእምሮይ ዝተንከፈኒ ኣይነበረን።

 

ኣብዚ ክገልጾ ዝደሊ “ስለምንታይ ኢሰያስ ከምኡ መግለጺ ሂቡ” ኣይኮነን። እታ ቪድዮ ካሴት ኣብተን ካልኦት ምግብናታት ኣይተራእየትን። ኣብኣተን ንዝነበሩ ናይ ስራሕ ብጾት ሓቲተ “ዝረአናዮ ቪድዮ ካሴት የለን” ዝብል መልሲ ኢየ ረኺበ። ብርግጽ ድማ ኩሉ ተጋዳላይ ንኽርእያ ዝተዘርገሐት ኣይነበረትን። ብወገነይ “ ኢሰያስ ነቶም ድሕሪ ናጽነት ከም መሳርሒ ከገልግልዎ ዝደልዮም ካድረታት ተዳልዮም ንኽጸንሑ፣ ናብ ውሱናት ዝመረጾም ሰባት ዝዘርግሓ ካሴት’ያ” ዝብል እምነት ኢየ ኣሕዲረ። እቲ ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ሕቶ እምበኣር “ወዲ ገራህቱ ነታ ቪድዮ ካሴት ካበይ ረኺቡዋ? ስለምንታይ’ከ ኣብ ካልእ ቦታ ዘይተራእየ መግለጺ ከርእየና መሪጹ” ኣብ ናይ በይነይ ሓንጎል ዝመላለስ ዝነበረ ሕቶ ኢዩ። በዚ ኮነ በቲ ግን እቲ ቀደም እንፈልጦ ወዲ ገራህቱ፣ ንሕና ከይተፈለጠና ብዙሕ ኣስካላታት ደይቡ፣ ኣብ ከባቢ ኢሰያስ በጺሑ ምንባሩ ዘርኢ ምልክታት ኢዩ ነይሩ። ናይዚ መረጋገጺ ዝኾነና ድማ፣ እቲ ኣብ ናይ ትምህርቲ ድሕረ- ባይታኡ፣ ቀዳማይ ዲግሪ’ውን ዘይነበሮ፣ ኣብ መንጎ ኣቋሪጹ ዝተጋደለ ወዲ ገራህቱ፣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ናጽነት ኤርትራ ምስ ተረጋገጸ፣ ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ንምዃን ክመጣጠር ርኢናዮ።

 

ባህርያት ተስፋሚካአል ገራህቱን ስዉር መደባት ኢሰያስን እንታይ ኣራኸቦ?

እዚ ክሳብ ሕጂ ክገልጾ ዝጸናሕኩ፣ ተስፋሚካአል ገራህቱ ኣብ ሰውራ (ቅድሚ ናጽነት) ዝነበሮ ተበላጺ መርገጽን ጠባያትን ኢዩ። እቲ በብቁሩብ ንኣሰራርዓ ናይቲ ውድብ ክለዋውጥ ዝጸንሐ ናይ ሎሚ ፕረዚደንት ህግደፍ’ውን፣ ንኸም በዓል ወዲ ገራህቱ ዝኣመሰሉ፣ ብነብሰ-ፍትወት ዝተነቕፉን ተጸቒጦምን ተዳሂሎምን ዝኸዱ ዝነበሩ ሰባት ናብ ስልጣን ብምምጻእ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ርእሶም ኣቕኒዖም፣ ብርእሰ-ተኣማንነት ክብድሁን ክምክቱን ዝኽእሉ ውፉያት ተጋደልቲ ሕነ ክፈድዩን ከባጭዉሎምን፣ ብኡ ኣቢልካ ከኣ ንምድሃሎምን ንምትፍኦምን፣ ከም መደብ ኣቐሚጡዎ ይጓዕዝ ምንባሩ፣ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ ጽሑፋት ተገሊጹ ኢዩ።

 

ኢሰያስ ንከም በዓል ወዲ-ገራህቱ ዝመረጸሉ ምኽንያት፣ እዞም ብቐደሙ’ውን ድሁላት ዝነበሩ፣ ኣብ ዝኾነ እዋን ካብ ፍቓዱ እንተወጺኦም፣ ዳግማይ ንምድሃሎምን ንምእላዮምን ጸገም ስለ ዘይብሉ ኢዩ። ነቶም ውፉያት ድማ “ምእንቲ ሃገር ስለ ዝተወፈኹም ዘይኮነስ፣ ንዓይ እንተ-ተማእዚዝኩም ጥራይ ኢኹም ሰላም ትረኽቡን ብስልጣን ትዓብዩን” ንምባል ጠቒሙዎ ኢዩ። ናይዚ ንጹር ኣብነት ንምግላጽ ኣብ 1980/81 ቢትወደድ ኣብርሃ ኣብ ዝመርሖ ኣኼባ፣ ወዲ ገራህቱ “ንኡስ-ቡርጅዋ” ተባሂሉ ርእሱ ክሳብ ዘድንን ተነቒፉ ከብቅዕ፣ 1991 (ድሕሪ 10 ዓመት) ቢትወደድ ተኣሲሩ፣ ወዲ-ገራህቱ ድማ ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ሚኒስትሪ (ናይ ሽዑ ክፍሊ) ትምህርቲ ኮይኑ።

 

ከምቲ ኣብ መእተዊ ጽሑፈይ ዝበልኩዎ፣ እዚ ተገላቢጦሽ ናይ ወዲ-ገራህቱን ናይ ቢትወደድ ኣብርሃን ኣብነት፣ ናይ ኩሎም’ቶም ቀደም እንፈልጦም ሎሚ ዘይንርእዮም ሓለፍትን ብሓደ ወገን፣ ናይቶም ሕጂ ዓቢ ሹመት ተዋሂቡዎም ኣብ ዘይወዓልዎ ታሪኽ ክምድሩ እንሰምዖም ዘለና ተረኽትን ድማ በቲ ኻልእ ኢዩ።

 

 

ይቕጽል …….

aseye.asena@gmail.com

Review overview
51 COMMENTS
  • Mahta May 8, 2014

    Dear Writer, what all we know is, we don`t need him and we don`t need you too….because you crtisize another idiot like you it doesn`t make you a better person! I have a dream one day, you all got retired and we all have peace!!!!

    • TwoWayStreet May 8, 2014

      Hey dreamer, Etirean was not freed from Ethiopian colony by dreaming, and your “PEACE” will not be reality if everybody thinks like you, just sleeping and dreaming will not change anything, but acting.

      • Mahta May 8, 2014

        Twowaystreet, lomes wala nayti mehlam meslena wen ketkelkluna delikum…anyway, first you dream and then you chase it..!

        • TwoWayStreet May 9, 2014

          Mahta,
          If you have plans to chase it then we are in the same page.
          Thanks

  • haki May 8, 2014

    እቲ ዝገርም : ዳሪክተር ጀነራል ከሎ ወዲ ገራህቱ ብ 03 ዝፍኖ ዝነበረ ሓሶት ሕጂ ተዘኪሩኑ, ንሱ ድማ ‘ ወዲ ገራህቱ ዓመት ዓመት ማትሪክ ይገብር’ዩ , ዓመት ዓመት ከኣ 4.0 አዩ ዘመጽእ ‘ ይበሃል ኔሩ :: ለካ እዚ ትገልጾ ዘለኻ ስለዝነብረ’ዩ :: ብዝኾነ ኹሉ ኣብ ትሕቲ ኢሰያስ ኮይኑ ዝሰርሕ ገለ ውሑዳት እንተዘይኮይኖም ኩሎም ጸገም ኣለዎም::

  • HGDEF May 8, 2014

    You are talking none sense. You tried to copy books which were ready for edition for your personal use by using you personal relationship with the editors. This was not acceptable in EPLF. If it were wedi gerahtu who tried to do that, it could be a big topic for you now. This is not about learning or not learning. Individual thinking was not encouraged in EPLF in general. I think you are jealous that wedi gerahtu got big promotion and you are trying every event to defame him.

  • Haile May 8, 2014

    Tadese,I like your point it is amazing you begin to teach yourself in that way and have A masters (I think)It will be good lesson for them if they are ready to……keep writing, share us your experience, it it very shame Eritrea is representing (Ambassadors) by those kind of incompetent individuals HGDF looser.

  • MightyEmbasoyra May 8, 2014

    ሕቶ፥ ናይ ሓደ ዘመንና ባርያ ከም ወዲ ገራህቱን ናይ ቀደም ባርያን ፍልልዮም እንታይ ‘መስለኩም?
    መልሲ፥ ወዲ ገራህቱ ገበነኛ ባርያ ‘ዩ
    ተወሳኺ ዘለዎ ሰብ ኣሎ?

    • belay nega May 8, 2014

      Dear Mighty,

      “መልሲ፥ ወዲ ገራህቱ ገበነኛ ባርያ ‘ዩ”

      ወዲ ገራህቱ “አሜን ክተብል:ኣሜን በል” ዝብል ለባም አተሓሳስባ ሒዞም ምስዝተፈጠረ ሰባት ዝስራዕ ለባም ሰብ እዩ::

      • MightyEmbasoyra May 8, 2014

        ኣቶ በላይ፣
        እዚ ኣገልጋሊ ናይ ሓደ ሃገር ዘብርስ ዘሎ ገበነኛ ፍጡርሲ ለባም ትብሎ? ብለባምካ – ጌጋ: ናይ ብሓቂ ጌጋ። መልሰሉ ደኣ።

        • belay nega May 9, 2014

          Dear Mighty,

          “ብለባምካ”
          ለባምኳ ክንዴናይ::ለባም ሰብ ብጌጋ ካሎኦ ዝማሃር’ዩ::
          ዕድመይ ብኸርተት ምስወዳእኩ ግን ካብ ጌግኡ ዝማሃር ዓሻ ምዃን ዝዓግተኒ የለን::

          ዝኸበርካ ማይቲ

          አብ ሂወቱ ሓንቲ ጥይት ከይቶኮሰ ዝአተወ፦ካብ ሰቡ ንላዕሊ ትምህርቲ ዘይብሉ፦ ካብ ናይ ካለኦት ጌጋ ተማሂሩ ልዕሊ ሰቡ ዝነብር ሰብ እንታይ ትብሎ በጀካ ለባም::

          • belay nega May 9, 2014

            correction
            ካብ ጌግኡ ዝማሃር ዓሻ ካብ ምዃን ዝዓግተኒ የለን::

      • nmeharhaki May 9, 2014

        belay Nega,

        I doubt about your mental Health!!! A normal person can not say what you are trying to forward.

        • belay nega May 9, 2014

          nmeharhaki,

          “belay Nega,
          I doubt about your mental Health!!! A normal person can not say what you are trying to forward.”

          Your comment reminds me my moron time.Wake up,is being forever since the tigrigna saying “አናብስ ዝተናጸይሉ:ወዃሩ ይጻወታሉ” is practical.

  • Truly Truly i say to you May 8, 2014

    ክቡር ሃዉ ታደሰ፡ እንታይ ድኣ ነዛ ኣገዳሲት ጽሑፍካ፣ እቲ ዝብኢ ሥርሁ ፈጺሙ ምስከደ ጺሕፍካያ? እዚኣስ ናይ ለባማት ኣይገበርካያን! ዝኾነ ኾይኑ ናይ ቦታ ምቅይያራት እንበር ናይዞም ኣዛብእ ሥራህ ገና ብቐሊሉ ዝውዳእ ስለዘይኮነ፣ በዚ ሸነኽ ምስትርእዮ እቲ ጹሑፍካ ዕዋናዊነቱ ገና ኣብ ቦትኡ´ዩ ዘሎ ክብሃል ይከኣል።

    ብዛእባ ኣምባሳደራት ናይ ሥራህ ምፍጻምን ምትክካዕን ዛእባ ክሳብ ዘልኣልካ ከምዚ ከማይ እቲ ቀንዲ ዘገድሰኒን ዘተሃሳስበኒን እቲ ዝሕረይ ኣምባሳደር ብፍላይ ኣብ ኣውሮፓ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ኣብ ሕቡራት ሃገርን ንናይ ሃገሩ ጉዳይ ብዓለም ለኻዊ ደረጃ ክሳብ ክንደይ ሞጊቱ ክብድህ ብቕኣት ኣለዎ ዝብል እዩ። ንኣብነት ነቲ ሰኣን ተገዳስነት፣ ሕጊን ዲፕሎማሲያዊ ብቕዓትን ኣፍልጦ ጉድለት ነቲ እንክሊል ዘብልዎ ዘለዉ ውድዕ ናይ ዶብ ብይን ጉዳይ ሕቡራት ሃገራት ፈሪዶም ንዝወድእዎ ፣ ግናስ ኢሳያስ ኮነ ኢሉ ብጀካ ንኣምሳሉ ኣብቲ ግቡእ ሕጋዊ ቦታ ብዙህ ክሟገተሉ ንዘይደልይ ጉዳይ ንሕዝብና ግን ንከእሽው ኣዕዛና ክሳብ ዝጸምም ኣሜሪካ ኮሊፋትና´ዶ ኣጊዳትና´ዶ እናበለ እቲ ጉዳይ መፍትሄ ንከይረክብ ብወገኑ ንዘመሳምሰሉ ጉዳይ ዶብ፣ ካብ ፍቃድ ኢሳያስ ወጻኢ ብፍጹም ሃገራዊነት ምስ ሕቡራት ዓለም ሞጊቱ ነቲ ውዱዕ ብይን ከትግበር ብቕኣት ዘለዎ ኣምባሳደር ይመጽእ´ዶ ይኸዉን ፣ ዋላስ ከም በኣል ወዲ ገራህቱ ዕለት ዕለት መኸተ´ባ ፌስትቫል´ባ እናበሉ ከስትውእሉ ንዘይክእሉ ህጻናትን ኣንስትን እናኣከበ፣ ካብዚ ምስኪን ሕዝቢ ገንዝብ ዝግሕጡሉ ካድረታት እዮ ዝሓርይ እናበልኩ እዬ ዝስከፍ እንበር፣ ናይ ወዲ ገራህቱ ናይ ቀድም ታሪኩስ ብዙህ ኣይገደሰሉን እዬ። እዚ ማልት ግን ምፍላጡ ነውሪ ኣለዎ ማለተይ ኣይኮነን።

  • belay nega May 8, 2014

    “ኢሰያስ ኣብ መግለጺኡ፣ ንዓወት ግምባር ናደው ጠቒሱ “ህዝባዊ ግምባር ከምዚ ዝበለ ዓወት ዘመዝገበ፣ ፍትሓዊ ወይ ህዝባውነት ስለ ዝነበሮ ኣይኮነን፣ ሓያል ስለዝኾነ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ዓወት ንምምዝጋብ ድማ ፍትሓዊ ወይ ህዝባዊ ዕላማ ክህልወካ ግድን ኣይኮነን” ዝብል ገለ ካብ መግለጺኡ ምንባሩ እዝክር። ቅድሚኡ ንህዝባዊ ግምባር ካብ ዝተላለኹሉ እዋን ጀሚረ “ዓወትና ናይ ግድን ዝኸውን ቃልስና ፍትሓዊ ስለዝኾነን፣ ህዝባውነት ስለ ዘለዎን ኢዩ” ዝብል ዕላማ ሰኒቐ ኢየ ዝኸይድ ዝነበርኩ።”

    አይግረምካ!
    ናይ ፖሌቲካ STOCK MARKET’ነት አብ አሰና ብዝዋሃብ ነጥብታት ብምዕዛብ ክምለስ ዝከአል ይመስለኒ::
    ውሃ ዝባሃል ዝነበረ ሓሳባት በዓል
    -AHMED SALEH
    -MERETSE ASMELASH
    -KALIGHE……….ወዘተ ዝአመሰሉ
    ኩሉ አብ ኢድ ዳኛ ስለዝኾነ ሪኢትኦም አሉታ[NEGATIVE]ክዋሃቦክሎ:ካብ አስመራ ንባጽዕ ጨው ሒዞም ንዝኸዱ ከአ 100/100 ክሽለሙ ንርኢ::

  • hidija mohammed May 9, 2014

    We the southern RED SEA AFARS got nothing from eritrea except to be involved in an evil life.ERITREANISM means for us slavery,repression,masskillings,genocide,militarism,poverity,dogmatism,going behind,decaying…etc
    we seek our immediate freedom from eritreanism!

    • selamawit2 May 9, 2014

      dear hidija mohammed,

      i don’t want to minimize the problems the minorities of eritrea are facing and it would be really interesting to learn more of that.
      But “slavery,repression,masskillings,genocide,militarism,poverity,dogmatism,going behind,decaying” is exactley what is happening to the whole people of eritrea.
      look at those who are fleeing the country and dying in the medterian sea, in sinai etc…for what reasons dou you think are they fleeing? for the reasons you mentioned!
      it is the self-called governement in eritrea, a gang of mafioisi, who are destroying the whole eritrean people.
      I am convinced, when we work hard, we will overcome the gaps between the different ethnic groups. (And this is BTW a hard work every african country has to go through – also our neighbors with with their minorities. we africans can’t run away from this problems – we have to solve them on-the-spot!)
      but we need to know more from each others. i can tell you, that e.g. from my family memebers and friends nobody is informed about the special problems of afar/soho/kunama etc..

    • belay nega May 9, 2014

      “We the southern RED SEA AFARS got nothing from eritrea”

      There is nothing you lost too,because only two guys took part in the army struggle KUBONY and KARIKARE.

  • Abraham Haile May 9, 2014

    Do you mean Afeworki Abraha who were in Russia and head of Inda Chemistry in the field (Ab Qalsi)and also Head of the Refinary of Assab after Independence? I just want to make it clear who could that person be.

    • solomon May 9, 2014

      Abrham

      tell me what did you want to know about Afewrki Tesfatsion not afewerki Abrha, I can give you a detailed information about him.
      he is a Russian graduate in Engineering and in 2008 also got MBA from UK. He was a teacher in Bet Tmhrti Sewura and his wife’s name is the wel known Abeba mother of Bet t, Sewura. After independence he was assigned as an operations manager in Assab Refinery and then promoted to be a manager. Due you to poor management Assab refinery was closed and was transferred to research and development in the MOME. Then he became the general Manager of Massawa Port Authority by the task force led by MGeneral Haile Samuel. Now he is working a Manager of the Eritrean Petroleum Corporation. When the dictator wants to make a mess in any organization Afeworki is among his favorites to successfully accomplish the job.
      If you need more information’s on how and has destroyed the organization I can give you the details.

  • Abraham Haile May 9, 2014

    Why not, I am always interested to know about people who are positive and progressive. What it strikes me is that Comrade Afeworki Abraha was leader in the refinery in Asab, graduate of chemistry in Russia, head of India chemistry in Meda and Ambassador of Eritrea in UK. It could be a coincidental that both of them were in Russia, head of refinery after independence. I meant no harm just to know good hearted people.

POST A COMMENT