Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ብደረጃ ዓባይ ብሪጣንያ ትማሊ 25 መጋቢት ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ ብወግዒ ቆይሙ።

ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ብደረጃ ዓባይ ብሪጣንያ ትማሊ 25 መጋቢት 2017 ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ ብወግዒ ቆይሙ። ነቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝካየድ ህዝባዊ ንጥፍታት ንለውጥን ኩሉ እንትናዊ ምንቅስቓስን ኤርትራውያን ብደረጃ ሃገር ዝጥርንፍን ዝመርሕን ኮሚተ ሓድነት

ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ብደረጃ ዓባይ ብሪጣንያ ትማሊ 25 መጋቢት 2017 ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ ብወግዒ ቆይሙ።

ነቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝካየድ ህዝባዊ ንጥፍታት ንለውጥን ኩሉ እንትናዊ ምንቅስቓስን ኤርትራውያን ብደረጃ ሃገር ዝጥርንፍን ዝመርሕን ኮሚተ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ሓድነት)፣ ትማሊ ቀዳም 25 መጋቢት ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ ብደረጃ ዓባይ ብሪጣንያ ብወግዒ ቆይሙ።

እቲ ካብ ህዝቢ ተወኪሉ ተሓታትነቱ ናብ ህዝቢ ዝኾነ ኣብ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ዝኣምን ሃገራዊ ኮሚተ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ፈለማ ብተሳታፍነት ናይቶም ካብ ለንደን፣ ካሪድፍ፣ ኮቨንትሪ፣ ማንቸስተር፣ ሊድስ፣ ሌስተር ዝተወከሉ ናይ ከተማታት ኮሚተታት ሓባራዊ ውሽጣዊ ምይይጥ ብምስልሳል፣ ቀጺሉ ንዝቐረበሎም ህዝባዊ ጻውዒት ተቐቢሎም ዝመጹ ኤርትራውያን ዝተሳተፉዎ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ብምክያድ እዩ ነቲ ብደረጃ ሃገር ኮሚተ ናይ ምቛም መስርሕ ብዓወት ዛዚሙዎ።

በዚ መሰረት፣ ካብዘን ዝተጠቕሳ ከተማታት፣ ማለት ካሪድፍ፣ ኮቨንትሪ፣ ማንቸስተር፣ ሊድስ፣ ሌስተር ዝተመርጹ ከክልተ ወከልቲ፣ ከምኡ ‘ውን ኣርባዕተ ወከልቲ ለንደን ዝርከቡዎ 14 ዝኣባላቱ ኮሚተ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዓባይ ብሪጣንያ ቆይሙ ‘ሎ።

ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ፣ ነቲ በብኸተማኡ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ምውዳብን ምጥርናፍን ዕማም ብንጥፈት ክዋስኡሉ ዝጸንሑ፣ ኣቦ ወንበር ናይቲ ቀዲሙ ዝጸንሐ ኮሚተ ያቆብ ገብረትንሳኤ፣ ከምኡ ‘ውን ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ኮሚተ ኣቶ ሃብቶም ገብረ፣ ናብዚ ብደረጃ ሃገር ቆይሙ ዘሎ ኮሚተ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዓባይ ብሪጣንያ ንምብጻሕ ዝተኻየደ ቀጻሊ ጻዕርን መስርሕን እንታይ ከምዝመስል ዘረድእ መግለጺታት ኣቕሪቦም። ካብ ከተማ ሊድስ ተወኪሉ ዝመጽአ ኣማን ጎይትኦም ‘ውን ንኣድላይነት ሓባራዊ ስራሕ ዝምልከት መብርሂ ሂቡ።

ንሳቶም ኣብ መግለጺኦም፣ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ስደትን ንኤርትራውያን ወሪዱና ዘሎ ከቢድ ብድሆ ብምትሕብባር ኩሎም ኤርትራውያን ጥራይ ከምዝፍታሕ ብምጥቃስ፣ ነዚ ኣብ ስደት ብፍላይ ድማ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ብምጥርናፍ ናብቲ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ዝቐንዐ ዝዓበየ ዕላማ ንምብጻሕ ነቒሉ ዘሎ ተበግሶ ንምዕዋት፣ ኩሎም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኢዶም ብምሕዋስ ክተሓባበሩዎ፣ ተሳታፍነቶም ብተግባር ከዕዝዙ ጸዊዖም።

ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኽቡ እንተላይ ኣብ ካልኦት ማሕበራትን ውድባትን ዝነጥፉ ግዱሳት ኤትራውያን፣ ነቲ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዓባይ ብሪጣንያ ኣዋዲዱዎ ዘሎ ኣወዳድባን ወጢኑዎ ዘሎ ዕላማ ሓባራዊ ስራሕን ብኣውንታ ከምዝርኡዎ ብምግላጽ ደገፎም ገሊጾም።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ፣ እቲ ብደረጃ ሃገር ቆይሙ ዘሎ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ህዝባዊ ተሳታፍነት ክብ ኣቢሉ ኣብ ባይታ ዕዉት ስራሓት ከሳልጥ ምእንቲ ዝሕግዙዎ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ሓደ ካብቲ ዝቐረበ ርእይቶታት፣ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ህዝቢ ናይ ምጥርናፍን ምምራሕን ዕቱብ ዕማም፣ ኣድማዕነትን ቀጻልነትን ክህልዎ እንተደኣኮይኑ፣ ከምቲ ልሙድ ብወለንተኛታት ጥራይ ዘይኮነ፣ ንቐጻሊ ከም ሞተር ዘንቀሳቕሱዎ ምሉእ ግዚኦም ኣብቲ ዕማም ተጸሚዶም ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ከምዘድልዩዎ ክሕሰበሉ ከምዝግባእ እዩ። ምእንቲ’ዚ ብህዝባዊ ኣበርክቶ ኮነ ካልእ ሜላታት ፋይናሳዊ  ዓቕሚ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዓባይ ብሪጣንያ ምጉልባት ኣገዳሲ ምዃኑ ተዘትዩሉ።

ኣብ መወዳእታ ካብ ማንቸስተር ተጓዒዞም ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተሳተፉ ዲያቆን ዮሃንስ ገብሪሂወት ጸሎትን ምርቓን ድሕሪ ምስምዖም እቲ ዕዉት ኣኼባ ተዛዚሙ።

ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ካብ ህዝቢ ዝቦቐለ ህዝባዊ ተሓታትነት ዘለዎ ውዳበ ኮይኑ፣ ብዘተን ዕርቅን ሕድሕድ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ሓድነት ኤትራውያን ኣረጋጊጹ፣ ብልዕልና ሕግን ግንጽልናን ዝልለ ሃገራዊ ዕማማት ብምስልሳል፣ ንኹሎም ኤርትራውያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዘገልግል፣ ኪኖኡ ኣብቲ ራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽ ዝግበር ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ዕዙዝ ኣበርክቶ ንምግባር ዝዓለመ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ኤርትራውያን እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Asmera March 26, 2017

    Well done Eritrean Unity for Justice this year is the year of Peace, Justice and reconciliation to save the Eritrean people. God bless you all.
    Asmera Tesfay
    London

  • Negassi March 26, 2017

    Eritreans Edetat & dirbayat, as usual our future would soon be in the hands of the UN
    As Eritrea would soon be a failed and ungovernable state, it would be put under UN administration.
    It is a good thing to see great people like Mr Habtemariam Abraha on this London meeting
    but it is all too late and too little. Eritrea is just doomed to further uncertainties and darkness.

    • Negasi March 26, 2017

      Negassi

      Mind your business. Think how you are going to solve your problems with Amhara and Oromo, because they are tired of a minority that has kept them on the margins for the last 25 years. .

    • k.tewolde March 27, 2017

      You sound like scared hegdefite to me,believe it or not a genuine democratic governance is possible in Eritrea even though it seems remote today.

    • ሃብተ March 27, 2017

      ነዳይ ናይልቡ ይሓልም።

  • Stefanos G/M Temolso March 27, 2017

    እንቋዕ ኣብዚ ኣብጽሓኩም። ኣብነታውያን ተቓለስቲ ኴንኩም ክትቅጽሉን ኣብ ምሉእ ብሩጣንያ ንዘለዉ ተቓለስቲ ኣብ ሓደ ሰፊሕ ጽላል ክትጥርንፉን ዝሎኒ ተስፋ ወሰን የብሉን። ኣብ ጐድንኹም ኣለና። ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዘለዉ ተቓለስቲ ኣሰርኩም ክስዕቡውን ተስፋ ንገብርን። ከይሓበርካ ዝመጽእ ኦኣወት ስለ ዘየሎ ብዝከኣል መጠን ሓቢርና ክንቃለስ ኣለና። እንስሳታት ከይተረፈ ንሃደ ዝሕይሎም ኣራዊት ሃቢሮም ክገጥሙዎ ንርኢ ኣለና። ስለዚ፡ ፍረ ጻዕርኹም ክንጽበ ኢና።

  • Merhawi March 27, 2017

    Dear Mr Negassi,
    You sounded angry with the way things are going in Eritrea. However we can all frustrate get angry say AAAHHH, that is not going to help to our cause! What we have to do is get together, speak and develop a plan of action which will help us to come out of this quagmire. Come out join hand in hand with your brothers and sisters find a solution. We will find a solution, We should always have hope even at the worst moment. Please please change your tune.

  • Merhawi March 27, 2017

    እንቛዕ ሓጎሶኩም ኮሚቴ ሓድነት። እዚ ቀዳማይ ምዕራፍ ስራሕኩም ጽፉፍ ዝነበረ ይመስል፣ ብዙሓት ብኣንክሮ ንስራሕኩም ይዕዘቡ ምህላዎምን ንስጉምታትኩም ዝዕዘቡን ደለይቲ ፍትሒን ሰላም ኣሎና።

    በዚ ኣጋጣሚ ኹሉ ደላይ ፍትሒ ኣብዚ ሕዝባዊ ምትእኽኻብ ኤርትራውያን ክዓዝዝ ይላቦ። ንዝእረም ጌጋታት እንዳ ኣረምኩም ናብ ዝበረኸ ደረጃ ክተብጽሑና ንምነ፣ ምሳኹም ድማ ኣሎና። እዚ ትኸድዎ ዘሎኹም ኣካይዳ ዝናድ እኳ ኣንተኾነ ንነዊሕ ዝጠመተን ኣድማዕን ምእንቲ ክኸውን ሕዝቢ ምእንቲ ዋንኡ ክኸውን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ሓቲትኩም ንስራሕኩ ናብ ዝላዓለ ብርኸ ከትሰጋግርዎ ይላቦ። እነ ብወገነይ ገንዘባዊ ሓገዝ ዓቕመይ ከበርክት ምዃነይ ክገልጽ ይፈቱ።
    ዓወት ይሃብኩም ንእሽቶ ተስፋ ኢብኩምና።

  • PH March 27, 2017

    A great step forward! We will follow you.

POST A COMMENT