Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓደ ናይ ካፕቴን መዓርግ ዘለዎ ወተሃደር ዝርከቡዎም ሰለስተ ኡጋንዳውያን ፣ ንሓደ ኤርትራዊ ነጋዳይ ብምቕታል ኣብ ባንክ ዝነበረ 2 ሚልዮን ይሮ ንምዝማት ኣብ ዝተኻየደ ውዲት ብምስታፎም ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ተፈሊጡ።

ሓደ ናይ ካፕቴን መዓርግ ዘለዎ ኡጋንዳዊ  ወተሃደር ዝርከቡዎም ሰለስተ ኡጋንዳውያን ፣ ንሓደ ዳኒኤል ወልዱ ዝተባህለ ኤርትራዊ ነጋዳይ ኣብ ካምፓላ ብምቕታል ኣብ ባንክ ዝነበረ 2 ሚልዮን ይሮ ንምዝማት ኣብ ዝተኻየደ ውዲት ብምስታፎም ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ allafrica.com

ሓደ ናይ ካፕቴን መዓርግ ዘለዎ ኡጋንዳዊ  ወተሃደር ዝርከቡዎም ሰለስተ ኡጋንዳውያን ፣ ንሓደ ዳኒኤል ወልዱ ዝተባህለ ኤርትራዊ ነጋዳይ ኣብ ካምፓላ ብምቕታል ኣብ ባንክ ዝነበረ 2 ሚልዮን ይሮ ንምዝማት ኣብ ዝተኻየደ ውዲት ብምስታፎም ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ allafrica.com ሓቢሩ።

ኣፈኛ ፖሊስ ኡጋንዳ ከምዝሓበሮ፣ እቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ኤርትራዊ ብዓል ንብረት መንእሰይ ዳኒኤል ወልዱ ናብ ጀርመን ክኸይድ ቪዛ ንምርካብ ክሕግዙዎ ምስ ቀረቦም  ‘ዮም እቶም ገበነኛታት ገንዘቡ ንምርሳይ ብዋጋ ህይወቱ መጻወድያ ኣዋዲዶምሉ።   ናይ ባንክታት ምትሕብባር ከምዝረኸቡ ‘ውን እቲ ሓበሬታ ይጠቀስ።

ወዲ 32 ዓመት ኤርትራዊ ነጋዳይ ዳኒኤል ወልዱ ብ 27 ጥቅምቲ ኳ ሃለዋቱ እንተጠፍአ፣ ሬስኡ ኣብ ሓደ ሕርሻ ድሕሪ ምርካቡ እዩ፣ እቶም ጥርጡራት ብቅትለት ተኸሲሶም ዘለዉ።

እቲ ኣፈኛ ፖሊስ፣ ኣብ ኡጋንዳ ዝርከቡ ጉጅለ ገበነኛታትን ናይ ባክን ሰራሕተኛታትን፣ ብዙሕ ገንዘብ ዘለዎም ሰብ ንብረት ኣለልዮም ገንዘቦም ካብ ሕሳብ ባንኮም ብስምራቕ ኣሰሮም መታን ከይርከብ ሃለዋቶም ናይ ምፍጥፋእ  ውዲት የካይዱ ከምዘለዉ ኣገንዚቡ።

ኣብዚ ዓመት ሓደ ካልእ ኤርትራዊ ብዓል ንብረት ካብ ሞትን ዘመተን እንተደሓነ ብተመሳሳሊ መንገዲ ዒላማ ገበነኛታት ኮይኑ ከምዝነበረውን እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።   

ሬሳ ናይቲ ግዳይ ብቐንዱ፣ ስድራቤት ንልዕሊ ወርሕን ፈረቓን ብዘካየዱዎ ከቢድ ጻዕሪ ከምዝተረኽበ ምንጭታት ይሕብሩ።

ስነስርዓት ቀብሩ ክፍጸም ሬስኡ ናብ ኤርትራ ተበጊሱ ከምዘሎን ‘ውን ተፈሊጡ።

ኣብ ኡጋንዳ ምስቲ ኣብ ደቡስ ሱዳን ዝነበረ ቁጠባዊ ንምቅስቓስ ምትእስሳር ዝነበሮም ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ነጋዶን ሰብ ንብረትን ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

ድምጺ ኣሰና ንስድራቤት መዋቲ  ጽንዓት ይብሃብኩም ትብል።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT