Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓያል ግዜ ከተዓዛዝብ እምበር፡ክቐትል ኣይመጸን ከም ዝብሃል ኣብዛ ግዜ እዚኣ ካብ ዝትዓዘብክዎ።

1.ንሕና ኤርትራውያን ከም ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ሃገርና ከቢርና ንኽንነብር፡ፍትሒ ዘምጽእ ሓያል ሓሳብ ኣበጊስና፡ብጥርናፈ ኣብ ቅኑዕን ጽኑዕን ተግባር ከይንበጽሕ፡ደላዪ ድሌትና መሲሉ ዝሓልከና ስዉር ሽርሒ ከም ዘሎ። መንግስቱ ሃይለማርያም ፣ጓና ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነ ጥራይ፡ፍቕሪ መሬትን ባሕርን ኤርትራ እምበር፡ፍቕሪ

1.ንሕና ኤርትራውያን ከም ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ሃገርና ከቢርና ንኽንነብር፡ፍትሒ ዘምጽእ ሓያል ሓሳብ ኣበጊስና፡ብጥርናፈ ኣብ ቅኑዕን ጽኑዕን ተግባር ከይንበጽሕ፡ደላዪ ድሌትና መሲሉ ዝሓልከና ስዉር ሽርሒ ከም ዘሎ።

  1. መንግስቱ ሃይለማርያም ፣ጓና ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነ ጥራይ፡ፍቕሪ መሬትን ባሕርን ኤርትራ እምበር፡ፍቕሪ ህዝቢ ኤርትራ ኣይነበሮን። ስለዘይነበሮ ድማ ”ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየንን ኢዩ” ኢሉ።እዛ ናይ መንግስቱ ቃል ድማ ልዕሊ ብቓል ብተግባር እንሀት ኣብ ዘበነ ህግደፍ ትትግበር።ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ሊብያ ብዳዕሽ ይሕረድ፡ኣብ የመን ረዳኢ ስኢኑ፡ ኢሰይያስ ኣፍወርቂ ከኣ፣ብጉዳይ ኤርትራውያን ዘይተዛረበ፡ ብጉዳይ የመን ክዛረብ ንሱዕድያ ይኸይድ።(( ዘረባ መንግስቱ ዓጽምኻ ይሰብር፡ተግባር ኢሰይያስ ከኣ ትንፋስ ኤርትራዊ የሕልፍ።))

3.ኣብ ሓንቲ ሃገር ደጋፍን ተቓዋምን ክህልዉ  ግድን ኢዩ።ምርር ከይብለኩም ብዝትዓዘብክዎ ክዛረብ ኢየ።ካብ ሕሉፍ ዘይተማህረ ደላዪ ለውጢ(ትማሊ ዝነበሮ ገበን ባዕሉ ይፈልጥ፡እንቋዕ ጥራይ ሕጂ ንህግደፍ ጸልኦም ኢልና ንትማሊ ዝጸረፍናዮም ንውድስ በዚሕና)፡ኣብ ሎሚ ዘይልብም ደጋፍ እውን ኣይውሓደን ( ብራንውን ብሩቶን ዝተባህለት ጻዕዳ ዝተዛረበቶ ውራያ ዝጸበቐላ ሰበይቲ ኣምሲልዎም፡ኣነ-ንሱ-ንሳ-ንሕና- ንዓና  ነቶም ብወጽዓና ዝተዛረብና ኣሕዋቶም ሓሰውቲ ኢሎም፡ነታ ኣብ ዘይጉዳያ ጥልቕ ጥልቕ ዝበለት ሎኽመኛ ይኣምኑ)   ስለዚ እዞም ንሕና  ደገፍትን ተቓወምትን፡ገሌና ግብዕታት ህግደፍ ዒፍ ኢሉና ብጽልኢ ውሽጥና ክሒኑ፡ እንዳ ንሱ ንሶም (ንሕና ንሱ) ከኣ ፍቕሪ ኢሰይያስ ምውጻእ ኣብይዎም ኣብ ንሕጂ ጥራይ ዘይኮነ ወላ ንቐጻሊ እውን ክጋጠም ዘይክእል ርድኢትና ተኸቲልና ምህላውና ኢዩ።

4.ንሓንቲ ኤርትራና ነዚ ሓላል ህዝብናን ንኽርህዎ፣ እፎይ ዝብለሉ እዋን ክመጽኦ መታን፣ብሓሳብ ዘይኮነ ብተግባር ዝምዘን ረዚን ዋጋ ኢዩ ተኸፊሉ።ኣብዚ ሰዓት እዚ ግን፡ብሓሳብ ክፈላለያን ክወናጀላን እምበር፡ስለ ውጹዕ ህዝብና ብምባል፡ኣንጻር እዚ ቀሲንናን ተጠርኒፍናን ከይንነብር ቅሳነት ዝኸልኣና ስርዓት፡ብሓባርን ብስኒትን ሕድገታት ጌረን ንመንነትን ክብርን ኤርትራን ኤርትራውነትን ደው ክብላ ብፍጹም ኣይተራእያን።

5.እክብ ዝበሉ ሰባት ንምብታን ከም ቀንዲ ዕላማ ዝሓዙ ብዙሓት እምበር ውሑዳት ኣይኮኑን።እቶም ዝጥቀምሎም ሜላ ብዙሓት ኢዮም፡እታ ክሳብ ሕጂ ተካይዶም ዘላ ግን  እዚኦም እኮ ካብ ከምዚ ኣውራጃ ኢዮም፡ኣውራጃውያን ኢዮም፡ደቂ ሓንቲ ሩባ ኢዮም እናበልካ ነቲ ብንጹህ ልብን ብሰናይ ድሌትን ዝተጠርነፈ ውጹዕ ወዲ ውጹዓት በውራጃዊ ኣተሓሳስባ ክጠማመት ምግባር፡እቲ ዝብሃል ሓቂ ድዩ ኣብ ባይታ ኣሎ ድዩ ኢልካ ዘይምሕታት ድማ ናይዞም ናይ ሕጂ ወለዶ መወዳእታ ደኣ ይግበረልና እምበር፡ቀዳማይ ሕመቕና ምዃኑ ተዓዚበ ኣለኹ።

6.ትማሊ ምስዚ ከም ተሪር ጋና (ኣውየት-ጽድያ) ሕሱም ስርዓት ኮይኑ ቀታልን ኣሳርን ዝነበረ፡ሎሚ ለውጢ የድልየና ኣሎ ስለዝበለ ጥራይ፡መራሒ ኮይኑ ዕንክሊል ከብል ከሎ፡ደድሕሪኡ ከም ምንያ ኮለል ኮለል ዝብሉ ኣይውሓዱን።ሕጽር ብዝበለ ድማ እቶም ትማሊ የማናይ  ኢድ ናይቲ ኣንጻር መሰላትናን ህላወናን እዱድ ዘመተ ዘካይድ ዝነበረን ዘሎን ስርዓት ዝነበሩ፡ሎሚ ኣብ ደምበ ፍትሒ ኣጽሊሎም፡መሰረታዊ ለውጢ ከይነምጽእ ዝኣረገ ስነሓሳቦም ከተግብሩ፡ ብድሌትና ተገዚእና ሓንጊርናዮም ንኸይድ ኣሎና።

7.ትማሊ ትማሊ መንእሰያት ኣሕዋትና፡ብእኩብ  ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ክጥሕሉ።ገሊኦም ድማ ኣብ ምድረ ልብያ ብዘሰቅቕ ጭካነ ብኻራ ክሕረዱን፡ብብረት ክርሸኑን ርኢና።(ሰብ ትሓሪዱ ዝብል ወረ ሰሚዐን ዘይፈልጣ እዝንና፡ብዓይንና ኣህዋትና ክሕረዱ ርኢናዮም።ኢትዮጵያውያን ሃገራዊ ሓዘን ትኣውጅሎም፡ ኣብ ሰማይ ደኣ የርህወሎም እምበር፡እቶም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ብኹሉ ዘይርሃዎም ኣሕዋትና ግን፡ህግደፍሲ በየናይ ሕልንኡ ክእውጅ፡እተን ህዝብና  ተወጺዑ ዝብላ ደምበ ተቓወምቲ እውን ብጩቕ ኢለን ኣይተዛረባን።  ( ነዞም ደቂ ሓንቲ ሓላል ኤርትራና  ከም  ዝትዓዘብክዎ፡ገሊኦም ካብ 23-04-2015 ክሳብ 30-04-2015 ናይ 7 መዓልቲ ሃገራዊ ሓዘን ኣዊጆም።ገሊኦም ከኣ ካብ 29 ሚያዝያ ክሳብ 3 ግንቦት፣ናይ 5 መዓልቲ ሃገራዊ ሓዘን ኣዊጆም)ካባይ ጀሚርኩም ድማ ብዙሓት ሰባት፡ንኣሕዋትና ሃገራዊ ሓዘን ክእወጀሎም ስለዝደለና ጥራይ፡ ንኽልቲኤን ኣዋጅ ተቐቢልና ኣብዛ Profile ልጥፍ ኣቢልናየን።ኣብዚ እንታይ ንዕዘብ ብድሌትና ዝተጸቐጥና ምዃንና።

8.እዚ ወለዶ ሓሳቡ ኣዋህሊሉ፡ውህሉል ሓሳቡ ድማ ሓያልን ተኣምራታውን  ማዕበል ለውጢ ክፈጥር ሓሳቡ ንኣክብ ክንዲ ምባል፡ወግሐ ጸብሐ ገንዘብ፡ገንዘብ ክንድውል ኣብ ዝብል ዘረባ ተጸሚዶም ትሪኦም። ”እዋእ፣!ከምዚ ንዓይ ዝተወድኣኒ ውድእ ውድእ ኣይበልኩም፡ ክውድኣካ ከሎ ኩሉዩ ዝክዓወካ”።ኣቱም ሰባት!! ሽግርና ኣብ ዋጋ ህይወትና ተጸሚዱ፣ ከም ጽላሎትና ደድሕረና ዕንክሊል ዝብል፡ ውዕሎ መዓልታዊ ፈተናና ኢዩ።ውጽኢት ጥርኑፍ ሓሳብና፣ ቀዳማይ መፍትሒ  ሽግርና ምዃኑ ንፍለጥ።እንተዘይኮይኑ ኣብ ሽግርና እናተሸገርና ክንነብር ገፊሕ ተኽእሎ ክህሉ ከም ዝኽእል ግዜ እኹልን ትሩፍን  ትዕዝብቲ ይህብ ኣሎ።

9.ብዛዕባ ደረፍቲ ሃገርና፡እቶም ትማሊ ኣብ ዳስ ህግደፍ ዘጣቕዑ ዝነበሩ፡ሎሚ ኣብ ስደት ዝነብሩ፡ንህግደፍ ራሕሪሖሞ እናበልና፡ብዕምበባ ኣሰኒና ”From zero to hero ”ዝበልናዮም ሎሚ እውን ከም ትማሊ መጣቓዕቲ ምዃኖም ከምዘይንኣምን ትዓዚበ። ( ካብ ሞት ድሓን ዝኾነ ኣማውታ ዝኸፍእ ኣሰቃቒ ሞት ብማሕረድቲ ሞይትና ኢና፡ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ዝገደፉ ገዲፎም ስለዞም ኣብ ልብና ነንብሮም ህዝቢ፡ስለቲ ንዘዳኸርዎ ጓይላ ከይጸብጸበ ሕድገት ብምግባር መርሓባ ዝበሎም፡  ብዱልን ሓዳግን መንእሰይ ንወጽዕኡ ከቃልሑ ልሳን ኣይኮንዎን። ኣለና ኣለና፣ ዝብል ደርፊ ምስ ደረፉ፡ነዞም ሞይቶምና ንብሎም ዘለና ኣህዋትና ርስዕ ክነብሎም ኢና፡ምኽንያቱ ሕሉፍ ካብ ጽሑፍ ንላዕሊ ብትዕዝብቲ ዝተነብበ ሓቂ ስለዝኾነ።  ስለዚ ሕጽር ብዝበለ ፈቲኹም ጸሊእኩም ንሕና መጣቓዕቲ ኢና።

10.ተቓዋሚ ወይ ደላዪ ለውጢ ምዃን ማለት፡ንህግደፍ ጥራይ ምቅዋም ዝመስለና ብዙሓት ኣለና።

እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይኮነን፡ብኢደ ዙር ልኡኻት፣ኣብ ዝባን ኣተሓሳስባና ዝወድቕ ኣዕናዊ ኣተሓሳስባ ክሳብ ዝሃለወ፡ኣንጻር ኩሉ ፍትሒ ረጊጹ ዓመጽ ከንግስ ዝፍትን፡ንሓቂ ጓዕጺጹ ንሓሶት ከስፍን ንዝደሊ፡ ሎሚ ይኹን ጽባሕ፣ተቓውሞ ናይ ግድነት ክህሉ ዘለዎ ሓይሊ ኢዩ።)

  1. እዘን ኩለን ደምበ ተቓውሞ ዝጥርንፈን ሲቪካዊ ማሕበራትን፡ፖለቲካውያን ሰልፍታትንብሓቂ ንሓንቲ ፍትሓዊትን ልእላዊትን ሃገር ከውሕሳ ዝቃለሳ እንተደኣ ኣለዋ  ኮይነን፡ እዘን ልዕሊ30 ዝኣክል ቁጽሪ ሒዘን ዘለዋ፡ ክሳብ ክንድዚ ክበዝሓ ዝገበረን ስነሓሳብ እንታይ ኢዩ? ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብዝሒ ሰልፍታት ብምህላዉ  ጽቡቕን ኣገዳስን ዝገብሮ ኩሉ ግዜ ናይ ብዝሕነተን ተጠቃምን ተረባሕን ህዝቢ ብምዃኑ ኢዩ።ናብ ናትና ምስ ንምለስ ግን፡ምስ ኣተሃላልዋናን ክውንነትናን ዘይከይድ፡ክንዲ ንጥርነፍ ንብተን፡ክንዲ ብመንፈስ ፍቕሪ ንጸዋወር፡ብመንፈስ ትዕቢት ንጸላለም፡ክንዲ ንሕይል ንደክም፡ሕጽር ብዝበለ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት፡ክልተ ስጉምቲ ንድሕሪት ንስጉም።

(ህያው ምስክር ናይዚ ከኣ፡ክንዲ ብልሒ ርእሲ ኲናቱ ንጸላኢ ዘድሚ ኣብ ነንሕድሕዱ ክካሰስን ክወናጀልን፡ክቡር ግዜ ኣብ ዘይክቡር ሓሳብ የሕልፎ ምህላዉን ኢዩ።)

ማይ ከም ዝከላእካያ ህበይ ኣብ  ነንሕድሕድካ  እንገብሮ  ምፍጣጥ ኣብቂዑ፡ኣብ ሓባራዊ ስነሓሳብ ተተርኒፍና፡ፍልልያትና  ብምጽባብ መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ፣ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ክንረባረብ ኣብዚ ናይዚ እዋን ዘሎ ፍሉይ  መድረኽ ተጸዋዕቲ ንኸውን ኣለና።

ልዕሊ ማንም ግዜ፡ነዚ ኣብዚ ግዜዚ ዝወርደና ዘሎ ኣደራዕን ተጻብኦን ተጻዊርና፡ነንሕድሕድና ብምጽውዋር ጾር ኮይኑና ዘሎ ስኑፍ ኣተሓሳስባ ክንስዕር ዝግብኣና፡ብፍላይ! ብፍላይ! ወርቃዊ ዕድመናን ብሩህ መጻኢናን፡ ብኣውርኡ ድማ ህይወትና ኣብ ፈቐዶ ሳህራን ባሕርን እንዝመት ዘለና ኤርትራውያን መንእሰያት  ናይዛ ወለዶ፡መድረኽ ጥርናፈናን ስምረትናን ይጠልብ ኣሎ።

 

ገሬ-ሃብቶም   ( Wedi Eri South)

03-05-2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • mahta May 4, 2015

    Nay behaki Gere kemaka zhasbu ybzhu. Mfnchal dkam eu. Ab alem kea hayal ktkewn entekoinka flilyatka axbibka hbret mmsrat tray eu ety enko amaraxi emo haye hadera ybl.

  • Stefanos Temolso May 5, 2015

    There is one fact inside the Eritrean opposition and that is coordination of struggle or unity has become a taboo. A real organisation who stands for peace and justice must strive for unity and coordination of struggle. But we are seeing is an endless formation of groups only.

POST A COMMENT